Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስታቫንገር፡ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

ንሓደ ግንቦት መዓልቲ ሰራሕተኛታት ዓለም ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝተጸውዐ ሰልፊ፡ ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ነበርቲ ስታቫንገርን ከባቢኣን፡ ነቲ ኣጋጣሚ ብምጥቃም፡ ኣብ ኤርትራ ንዝካየድ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኹንን ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ አኪል ኣሰና ካብታ ከተማ ካብ

ንሓደ ግንቦት መዓልቲ ሰራሕተኛታት ዓለም ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝተጸውዐ ሰልፊ፡ ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ነበርቲ ስታቫንገርን ከባቢኣን፡ ነቲ ኣጋጣሚ ብምጥቃም፡ ኣብ ኤርትራ ንዝካየድ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኹንን ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ አኪል ኣሰና ካብታ ከተማ ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ንምርዳእ ተኻኢሉ።

እቲ ብምረሻ ባንድ ዝተዓጀበ ሰልፊ፡ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ዝበጽሑ ወከልቲ ዝተፈላለያ ትካላት ዝተሳተፍዎ ኪኸውን እንከሎ፡ ኣዝዩ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ድማ ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ ብኣንክሮ ተዓዚብዎ። እቶም ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፉ ደለይቲ ለዉጢ፡ ‘’ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር  ምልካዊ ስርዓት ንዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ደግፉ’’ ዝብል ጭርሖ ብምንብልባል ኣቓልቦ ብዙሓት ኖርወጃውያን ክረኽቡ ክኢሎም። ብዘይካ’ዚ ንህልዊ ኩነታት ሃገርና ዝገልጽን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎን ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘረድእ ዝርዝራዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ጽሑፍ ብምድላው፡ እንዳተዘዋወሩ ንተሳተፍትን ተዓዘብቲ እቲ ሰልፊን ዓዲሎም።

እዚ ብደለይቲ ለውጢ ስታቫንገር ብውዱብ መልክዕ ንካልኣይ ግዜ ይካየድ ከምዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ። በዚ ድማ እቲ ኣብ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ዝጀመረ፡ ካብ ማእክል ከተማ ስታቫንገር ተበጊሱ፡ ንቕርዓት ማእከል እታ ከተማ ብምኹላል ድሕሪ ሰለስተ ሰዓት ተዛዚሙ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • maik May 1, 2015

    kkkk….wetatu weyane 14 ametkin ab godenatat eruopan american angerer elkin tedengtsa meshkunot lewti zeyblkin arigkin kitmota ekin hizbin mengisti eritrea gin endaseweden endagobezen eyu zkeyid zelo yaekin wekaru kkkk….kkk..k

    • Tes May 2, 2015

      Maik

      You look like who love suppressed, someone who doesn’t value himself as dignified being. Someone cheap. Why don’t you hide your wicked character and idea than coming out public? Oh sorry U are insane . Fool and idiot. Next time be for you comment ask help if what you say is right or it make fool of yourself. Riesi beghie

    • Rora May 2, 2015

      Maik!mike maletka dika.
      Hade hito kihateka…niska ke abeyenay godena nai europa kolel tbl tehilu?

    • ERITRAWIT May 2, 2015

      maik,
      Neta k-sadka hazenela zeysereh hangole teshekema tkeyd zela.

  • Saron bereket May 2, 2015

    Maik
    someone like you

    Mike
    u r moron, mindless, idiot. if I have a magic power….cheflike meserhkulka hangol…awan

  • hayet May 3, 2015

    MAIK? HAHAHAHAHH
    DONKORO MUKHANKAS TIFELET, MIKE KEMAN KEMEY KEM ZISAHAF TEFIUKA, ANTA FARA WEDI MAI TELAMIT HIGDEF, NIHNAS ENDAHADERNA NISESEN INA ZELONA ,ANTA GUHAF HAGER.

Post a Reply to Rora Cancel Reply