Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ዝርከባ ናይ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ንምፍራስ ኣባላት ሃሱሳት ሰሪዑ ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ዝርከባ  ናይ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ንምፍራስ ኣባላት ሃሱሳት ሰሪዑ ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ብኤምባሲታቱ ኣቢሉ ኣብ ቤተክርስትያናት ተዋህዶ ብፍላይ ኣብ ኣሜርካ ከካይዶ ዝጸንሐ ናይ ምፍራስ  ዘመተታት ኩሉ ስለ ዝፈሸለ፥ መገዲ ቀይሩ ኣብ ውሽጢ

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ዝርከባ  ናይ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ንምፍራስ ኣባላት ሃሱሳት ሰሪዑ ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ ብኤምባሲታቱ ኣቢሉ ኣብ ቤተክርስትያናት ተዋህዶ ብፍላይ ኣብ ኣሜርካ ከካይዶ ዝጸንሐ ናይ ምፍራስ  ዘመተታት ኩሉ ስለ ዝፈሸለ፥ መገዲ ቀይሩ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተክርስትያን ብዝርከቡ ኣባላቱ ኣቢሉ፥ ስውር ናይ ምፍራስ ዕላማ ጀሚሩ ብዙሓት ኣዋፊሩ ኣሎ።

እዞም ብሕቡእ ዝተወደቡ ሰባት ናይ ግድን ናይቲ ቤተክርስትያን ኣባላት ክኾኑ ኣለዎም፥ ኤምባሲታት ክፈልጥዎም የብሎምን፥ ንሓድሕዶምውን ክፋለጡ የብሎምን።

እዞም ሃሱሳት ኤርትራ ኣትዮም፥ ምስ ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን፥ ምስ ካሕሳይ ዝተባህለ መንእሰይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጳጳሳት ዝሰርሕን ተራኺቦም እዮም። ኩሉ ዝረኽብዎ ሓበሬታን ጸብጻብን ናብ ካሕሳይ የረክቡ ካሕሳይ ንሃገራዊ ድሕነት ይሕብር።

ዝተዋህቦም ዕማም ስራሕ፥

ነቶም ኣቕሽሽቲ ኩሉ ምንቅስቓሳቶም ምስላይ፥ ሓበሬታ ምእካብ፥ ዝኮነ ጉድለት ኣብ ዝርከበሉ እዋን ናብ ህዝቢ፥ ብፍላይ ናብ ኣባላት እቲ ቤተክርስትያን ብሕቡእ ከም ዝዝርጋሕ ምግባር ካብ ህዝቢ ምንጻሎም። ብውሽጢ ውሽጢ ሰዓብቲ ኣብዚሕካ ካብ ቤተክርስትያን ከም ዝወጹ ምግባር። እዚ ግን ብደጋዊ ጥራይ ዘይኮነ ዝያዳ ኣብ ውሽቲ ውዳበ ክሕይል ኣለዎ።

ዝህብዎ ትምህርቲ ኣብ ቤተክርስትያን ይኹን ኣብ እንዳ ሓዘን ብሕቡእ ቀዲሕካ ናብ ካሕሳይ ምልኣኽ።

ኣባላት እቲ ቤተክርስትያን ናብ ኤርትራ ክኸዱ ከለዉ ሓበሬታ ናብ ካሕሳይ ምትሕልላፍ፥ ኣብ ኤርትራ ምስ ኣተዉ ዳግማይ ናብቲ ቤተ ክርስትያን ከም ዘይከዱ መጠንቀቕታ ምሃብ፥ ምስርታይ ምፍርራህ፥ ኣድላዪ እንተኮይኑውን ኣብ ዓዲ ኣቤቱ ክእሰሩ።

እተን ናይዚ ግዳይ እዚ ቀንዲ ዕላማ ኮይነን ዘለዋ፥ ቤተ ክርስትያናት ዋሽንግቶን ዲሲ፥ ኣትላንታ፥ ስያትል ካሊፎርንያ ዝርከባ እየን።

ስለዚ ኣቕሽሽቲ እዘን ቤተክርስትያን ኣብ ዝኸድዎን ዝገብርዎን ኩሉ ጥንቃቐ ክገብሩ ከም ዘለዎም ንሕብር ኣሎና።

 

ካብ ኣስመራ ደቂ ተዋህዶ ሃይማኖት።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Almaz Gual Asmera March 31, 2015

    ካብ ጸባ ዘይተረኽበስ ካብ ማይ ጮባ፡ ካብ ብዓል ይፍታሀ (ኣምባሳደር ደጊ ነበር …ምኩር ግዙእ) ዘይሰለጠኩምሲ ያኢ…ዘይጠቕሙ መንእሰያት ኣብ ሃይማኖት ተዋህዶ ሃሱሳት ሰሪዕኩም ኪሰምረልኩም። ኣየ ሕጊ-ግደፍ መኣስ ክይኖም ሎምስ ተጋጊግና ኣሎና’ሞ መገድና ንኣርም ኪብሉ? ጀጋኑ ኣብ ዒራዕሮ ምስ ደርበኹም ቅሩብ ንፍወሲ ማሕላ ቅኑዕ ዝመክር ተሳኢኑ። ናይ ሕጊ-ግደፍ ነገር ወትሩ ሓደ ነገር እዩ ዘዘክረኒ። ከቢድ ኣሳሓይታ ኣብ ዝወድቀሉ ዝነበረ እዋን ሓደ ቁመቱ ነዊሕ ብጻይና ዝተዓደለቶ ኮበርታ ድማ ሓጻር ብምንባራ፡ ኣእጋሩ ኪኸድን ኪብል፡ ርእሱ ብቑሪ ትቕፈድ፡ ኮበርታ እንተሰሓባ ኣእጋሩ ይኽርድዳ…ተካል ለይቲ ይሓድር፡ ዕረፍቲ ይሃቦ ፈጣሪ፡ ኣብቲ ተካል ውግእ ዶብ ምስ ኢትዮጵያ፡ ካብ ጥይትውን ኣይድሓነን። ሕጊ-ግደፍ ድማ ኣብ ዘመነ ባዕዳውያን ርኢናዮ ዘይንፍለጥ ግህሰት ንሃይማኖት፡ ጥልመት ንስውኣትን ህሉዋትን ተጋደልቲ፡ መቕዘፍቲ ሓድሽ ወለዶ…ምብትታን ሕዝብን ድኣ ዘስዓብኩምልና እዩ ዘሕዝነና እምበር…ገበንኩም ከቢድኩም ዕለት መጸት ናብ መቓብር ትጠኑ ከም ዘሎኹም…ኣይተሰወጠኩምን ዘሎ …ግን ርሑቕ ኣይኮነን። ካብ ሞት ዝሰርር ኣይኮነን ሕማምኩም…ዝገበርኩም እንተገበርኩም ፈውሲ የሎን…ድማ ዓለምን ሕዝብናን…ፎእ ኢልኩም እዩ።

  • AHMED SALEH March 31, 2015

    They invade your privacy because you let them cowardly .
    They invade your honor because you let them cowardly .
    They violate your place of worship because of same reason .
    Blame nobody except yourself for given up your right to stand
    against surrounding sinister motives .
    They can not continue destroy every aspect of your life if you
    showed resistance to stop their nonsense acts .
    Most of my friends do not attend church services and they might
    have convincing reasons to avoid themselves from these evils with
    angel skin .

  • Mehreteab March 31, 2015

    እንታይ እሞ ይግበር ምስእዞም መእመናን ተዋህዶ ዓዲ ኣበይቶ ተሰራጥዮም ኣብ ኮንትይነር ተኣሲሮም ምስ ተመልሱ የስቅጡ ክሳብ መዓስ ትም ብፍርሒ ምሹቅራር ካብዞም ኣምለክቲ ኢስያስ?
    ኣብ ዓዲ ፍትሕን ሕግን እናተቀመጥካ፡፡ መልእክቶም ኣብስድራቤትን ሓዳርን እናኣቶካ ምብትታን ካህናትን ደለይቲ ፍትሒ ዝኮኑ ምድዋንን ምጽላምን፡፡ እታ እንኮ መፍትሒንነዞም ዕሱባት ኣብ ሕጊ ምቕራቦም ጥራይ እያ ስለምንታይ ዘይነጠልጥሎም ፡፡ እቲ ዘገርም ተዋህዶ ኢና እናበሉ ነዚ ኣምላክ ኣልቦ ስርዓት ምምላኮም እዩ፡፡

  • Meharenazgi Merhawi March 31, 2015

    እዞም ሃሱሳት ዝበሃሉ ዘለዉ ሓቂ እንተድኣ ኮይኑ፣ሓደ ኣብ ኣምላክ ዝኣምን ንጽድቂ ድኣ ናብ ቤተ ክርስትያን ክኸይድ ኣለዎ እምበር፣ንሰብ ከተጥቅዕ ኢልካ ናብቲ ቤት ጸሎት አናኸድካ ስለለ ምክያድ ዓገብ።እዞም ሰባት አዚኣቶም ክልተ ግዜ ኢዮም ዝኹነኑ ዘለዉ።ቀዳማይ እቲ ዘምልኹዎ ዘለዉ ውልቀ-መላኺ ይንዋሕ ይሕጸር ሓላፊ ስለ ዝኾነ እዞም ሃሱሳት ኣብ ህዝቦም ብዝገብርዎ ግፍዒ ተሓተቲ ብምዃን ፍርዶም ክቕበሉ ምዃኖም ክዝንግዕዎ የብሎምን። ካልኣይ በቲ ኣብ ቤት ኣምላኽ ኮይኖም ኣብ ንጹሃት ኣመንቲ ዘውርድዎ በደልን ግፍዕን ኣምላኽ ዝፋረዶም ምዃኑን ሰማያዊ ኩነኔ ከም ዘለዎምን ተረዲኦም ህዝቦም እንተ ዘይበደሉ ምሓሾም።

  • Yukunno Amlak March 31, 2015

    An all out assault against the Tewahdo Church has now been going on for years : its reform-minded pastors thrown behind bars; thousands of its youth prohibited from attending Sunday School; its priests and monks forcefully conscripted into the army; its leaders hand-picked by the Isaias regime; its progress in reform totally reversed by regressive forces; its very structure drastically altered from top to bottom to fit Shaebia’s evil designs; its body isolated from its parental Coptic Church in Alexandria; etc. Yet, among the Tewahdos, no sense of outrage can be detected; none at all. It is as if all this is happening to an entity totally alien to themselves.
    Almost all the ills that have been stoking the Eritrean masses can be traced to one tragic confluence: that of the culture of abuse of ghedli with that of the culture of conformity of the masses. In short, the ghedli virus found a receptive body in the already weakened Tewahdo Church, and easily caused its severance from its outside links.

    • AHMED SALEH March 31, 2015

      For how long you will keep to accuse GHEDLI ERITREA for every failure created from
      your kinds corrupted people .
      “Xemam si hanti derfu” goes the saying when we observe do nothing weak person only
      to complain . My response is valid only if you are Eritrean though .
      Because in mylife I never experienced with any Eritrean who say negative to our past
      determination for free Eritrea .

  • girmay desta March 31, 2015

    Etgbru betye bete msyat betye se bete tselot ysemey

  • Med April 1, 2015

    PFDJ gangs will do every thing until the final minute; but we are informed already; there is no success anymore for the gangs. This is just show up of the PFDJ to pretend that they are still alive; from now on every sensible Eritrean citizen knows about the evil acts of the servants of DIA. So we are confident that the church leaders and the followers will pick them one by one.

    Law above all!

  • oromay April 1, 2015

    The first and foremost responsible for such atheistic actions are the priests who are selling their souls and faith to serve the regime. Especially those who live in the developed countries who are committed to destroy the church must be sued in court.

  • dan April 1, 2015

    DEAR ALL

    YOU MUST TELL TO ALL THE WORLD ABOUT THIS
    THIS IS A NEWS MUST BE TOLD TO EVERY BODY IN ALL LANGAUGE
    ARABE ETC

    2 EACH AND EVERY BODY MUST TAKE ACTION LIKE STOP TO PRTEND AND NOT
    AGREE IN SPOLI THE HOLWY ORTDOX CHURCH

    3 THE ONLY GOOD NEWS AGENCY ASSENA WHO TALK ABOUT THIS MUST MAKE VOICE RECORD WARNING AND ALSO ADD COMMENTAIRE FROM FREE ERITREAN ORTDOX SERVEANT

    4 WE ALL MUST TAK ACTION FROM THIS SECOND

    MUST TO STOP THE ORK OF DEVIL FROM THE CHURCH
    BY ALL SAINTS AND SAINT MARY AND GOD HELP US

    KEEP TO FIGHT THE DEVIL BY HOLY CHRCUH CROSS

  • Genbihothabt April 1, 2015

    It is aad our people aee calling us to voice their concern.we need to go out than i
    Siting behind computer. No more reading news we need to write history on issais grave.

POST A COMMENT