Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ዝርከባ ናይ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ንምፍራስ ኣባላት ሃሱሳት ሰሪዑ ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ዝርከባ  ናይ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ንምፍራስ ኣባላት ሃሱሳት ሰሪዑ ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ብኤምባሲታቱ ኣቢሉ ኣብ ቤተክርስትያናት ተዋህዶ ብፍላይ ኣብ ኣሜርካ ከካይዶ ዝጸንሐ ናይ ምፍራስ  ዘመተታት ኩሉ ስለ ዝፈሸለ፥ መገዲ ቀይሩ ኣብ ውሽጢ

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ዝርከባ  ናይ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ንምፍራስ ኣባላት ሃሱሳት ሰሪዑ ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ ብኤምባሲታቱ ኣቢሉ ኣብ ቤተክርስትያናት ተዋህዶ ብፍላይ ኣብ ኣሜርካ ከካይዶ ዝጸንሐ ናይ ምፍራስ  ዘመተታት ኩሉ ስለ ዝፈሸለ፥ መገዲ ቀይሩ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተክርስትያን ብዝርከቡ ኣባላቱ ኣቢሉ፥ ስውር ናይ ምፍራስ ዕላማ ጀሚሩ ብዙሓት ኣዋፊሩ ኣሎ።

እዞም ብሕቡእ ዝተወደቡ ሰባት ናይ ግድን ናይቲ ቤተክርስትያን ኣባላት ክኾኑ ኣለዎም፥ ኤምባሲታት ክፈልጥዎም የብሎምን፥ ንሓድሕዶምውን ክፋለጡ የብሎምን።

እዞም ሃሱሳት ኤርትራ ኣትዮም፥ ምስ ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን፥ ምስ ካሕሳይ ዝተባህለ መንእሰይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጳጳሳት ዝሰርሕን ተራኺቦም እዮም። ኩሉ ዝረኽብዎ ሓበሬታን ጸብጻብን ናብ ካሕሳይ የረክቡ ካሕሳይ ንሃገራዊ ድሕነት ይሕብር።

ዝተዋህቦም ዕማም ስራሕ፥

ነቶም ኣቕሽሽቲ ኩሉ ምንቅስቓሳቶም ምስላይ፥ ሓበሬታ ምእካብ፥ ዝኮነ ጉድለት ኣብ ዝርከበሉ እዋን ናብ ህዝቢ፥ ብፍላይ ናብ ኣባላት እቲ ቤተክርስትያን ብሕቡእ ከም ዝዝርጋሕ ምግባር ካብ ህዝቢ ምንጻሎም። ብውሽጢ ውሽጢ ሰዓብቲ ኣብዚሕካ ካብ ቤተክርስትያን ከም ዝወጹ ምግባር። እዚ ግን ብደጋዊ ጥራይ ዘይኮነ ዝያዳ ኣብ ውሽቲ ውዳበ ክሕይል ኣለዎ።

ዝህብዎ ትምህርቲ ኣብ ቤተክርስትያን ይኹን ኣብ እንዳ ሓዘን ብሕቡእ ቀዲሕካ ናብ ካሕሳይ ምልኣኽ።

ኣባላት እቲ ቤተክርስትያን ናብ ኤርትራ ክኸዱ ከለዉ ሓበሬታ ናብ ካሕሳይ ምትሕልላፍ፥ ኣብ ኤርትራ ምስ ኣተዉ ዳግማይ ናብቲ ቤተ ክርስትያን ከም ዘይከዱ መጠንቀቕታ ምሃብ፥ ምስርታይ ምፍርራህ፥ ኣድላዪ እንተኮይኑውን ኣብ ዓዲ ኣቤቱ ክእሰሩ።

እተን ናይዚ ግዳይ እዚ ቀንዲ ዕላማ ኮይነን ዘለዋ፥ ቤተ ክርስትያናት ዋሽንግቶን ዲሲ፥ ኣትላንታ፥ ስያትል ካሊፎርንያ ዝርከባ እየን።

ስለዚ ኣቕሽሽቲ እዘን ቤተክርስትያን ኣብ ዝኸድዎን ዝገብርዎን ኩሉ ጥንቃቐ ክገብሩ ከም ዘለዎም ንሕብር ኣሎና።

 

ካብ ኣስመራ ደቂ ተዋህዶ ሃይማኖት።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • ኣርዓዶም April 1, 2015

    እቶም ኣብ ክንዲ ንእግዚኣብሄር ንሰብ ፈሪሆም፡ ኣብ ስም እግዚኣብሄር ዝጽውዓሉ ቕዱስ ቦታ ኮይኖም ሰብ ዝእስሩን ዝስልዩን፡ እምላኽ ባዕሉ ሓጢኣቶም ኣብ ምድሪ ብዓይኖም ከርእዮም ኢዩ።
    ንእግዚኣብሄር ረስዖም፡ ንሰብ ፈሪሖም ይጽይቑ ኣለዉ`ሞ ኣምላኽ፡ ኣብ ምድሪ ነውሪ፡ ኣብ ሰማይ ድማ ሓጥያት ከውርደሎም ኢዩ።

    እቲ ቐዳማይ ጥበብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ኢዩ`ሞ፡ ንእግዚኣብሄር ንፍራሕ እምበር ንሰብ ኣይንፍራህ። ስለዚ ኣቱም ካህናት ብሕልናኹም ተገዝኡ፡ እምበር ልኡካት ኣለዉ ኢልኩም ንነብስኹም ኣይትቐሽሹ። ቐደም ዘመን ካህናት ንሃይማኖቶምን ንስም እግዚኣብሄርን ተቓሊሶምን ተሰይፎምን ኢዮም እሞ፡ ካብ ሓቒ ሰተት ከይበልኩም ብትብዓት ንጻልእትኹም ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር ርትዕዎም።

    ቕንዕናኹምን ፍርሓት ኣምላኹምን ካብ ኢድ ተተናኾልቲ ናጻ ከተውጽኣኩም ኢዩ`ሞ፡ ነቶም ዝተናኾልልኩም ብትብዓትኩምን ብፍርሓት እግዚኣብሄርን ክትስዕርዎም ኢኹም። ካብ ፍርሓት ኣምላኽ ሰተት እንተበልኩም ግን ነቶም ኣትማን መገዲ ትኾንዎም ስለዘለኹም ብኦኦምክትንከሱ፡ ቤት እግዚኣብሄር`ውን ብሰሪ ዘይምትባዕኩም ክረክስ ሓጥያት`ውን ኣብ ምድሪ ከም`ዚ ትርእይዎ ዘለኹም ክቕጽል ይኽእል ኢዩ።

    ስለዚ ክትገብርዎ ዘለኩምን ነቶም ኣምለኽቲ ጣኦት ሰብ መታን ክትፈልጥዎም፡
    >> ብፍርሃት እግዚኣብሄር ከም ቐደምኩም ኣገልግሉ
    >> ንገንዘብ ዘይኮነ ንሕልናኹም ኢልኩም ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ
    >> ፍቕሪ፣ ሓድነት፣ ፍርሓት ኣግዚኣብሄርን ኣስተምህሩ። ሽዑ ንሶም

    ንሶም እቶም ልኡኻት ሳጥናኤል ግን ብኣንጻሩ
    >> ጸረ ሓድነትኩም ክሰርሑ ክፍትኑ ኢዮም >> መን ኢዮም ሽዑ ኣለልይዎም
    >> ፍርሃት ሰብ እምበር ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣይክትረኽብሎምን ኢኹም፡ >> ሕጂ`ውን መን ኢዮም ኣለልይዎም።
    >> ንባእሲ ንምዝራግ ንምፍልላይ ክዛረቡን ክስበብኩን ክፍትኑ ኢዮም፡ >> ሽዑ ብዓል መን ምዅኖም ኣላልይዎም።
    >> ፍቕሪ ኣምላኽ ዘይኮነስ ፍቕሪ ሰብን ገንዘብን ኮይኖም ክትረኽብዎም ኢኹም >> ምልክቶም ኢዩ ኣላልይዎም
    >> ብሕሽኽሹኽ ሰብ ከባእሱን ከጻልኡን ክትርእይዎም ኢኹም >> ሕጂ`ውን ፍለጥዎም
    >> ኩሉ እከይ ዝበለ ናይ ሰብ ተልእኮ እምበር ናይ ኣምላኽ ዘይኮነ ክገብሩ ክትርእይዎም ኢኹም >> ኣላልይዎምን ፍለጥዎምን።

    እዚ ኹለን ወይ ሓደ ወይ ክልተ ካብ እዚ ዝተጠቕሰ ኩፉእ ነገር ክገብሩ ምስ እተስተብህሉሎምን እትርእይዎምን፡ ንስለ ፍርሃት እግዚኣብሄር ዋላ ንመስዋእቲ ድላውት ኮይንክኩም ካብ ቕድስቲ ቤተ-ክርስትያን ክእለዩ ከም ዘለዎም ትገብሩ።
    ስለዚ እዚ ዝተጠቕሰ ብውሕዱ ምልክት ክኾነኩም ኢዩ እሞ ኣይትዘንግዑን ብሓይሊ እግዚኣብሄር ክኣ ክትዕወቱ ኢኹም።

    ንስም እግዚኣብሄር ክሳብ መስዋእቲ ዝኸፍል ብጹእ ኢዩ`ሞ ብሰብ ኣይትፍርሑን ኣይትረበሹን።

    እጊዝኣብሄር ምስ ኩልና ይኹን

    ኣሜን

    ሓውኹም ኣርዓዶም።

  • tewolde April 2, 2015

    ወይ ጉድ ደቀይ እዞም ኣዛብእ ህግደፍ ካን እዚ ድያብሎስ ሂወቶም ተቆጻጽሪርዋ ብዛዕባ ኤርትራ ሕማቕ ዝዛረብ ምስዘጋጥሞም ዕሽሽ ይብሉ ንዚ ኣምላኮም እሞ ሕደጎ ካብ ሓዳሮን ደቆምን ኣብሊጾም ይፍትዉዎ፡፡ ቁሩብ ኣይመራመሩንን ድዮም ጥንታዊ ሃይማኖት ኣብኦን ኣደታቶን ሓድጎም ነዚ ዕሉል ኮሚኒስታ ከምልኩ፡፡ ክልተ ጽጉሪ ዘብቆላ ስእሉ ሒዘን ከምልካ ከለዋ ኣደታተን ግን ስእሊ ብጹዓንን ኣማልክትን ሒዘን ንሰላምን ድሕነት ኩሉ ኤርትራዉን ፍጡርን ይምህለላ ነይረን፡፡
    እንታይ እሞ ይገበር ድክመትና ብርቲዑ ብድዉና ንመዉት ኣሎና፡፡

  • Tewahedo April 3, 2015

    sorry to say that, but what’s the difference between assena & eritv as long us they give unverified information. at least give as source, evidence something to support your thought. Otherwise tell us it’s unverified information.

POST A COMMENT