ስም ኣዳልዪኒ
ስም ኣዳልዪኒ ስም እባ ኣዳልዪኒ እከይ ተግባራቶም ምስ ስሞም ካዛምዶ ሓግዙኒ ሸፋቱዶ ክብሎም ቀተልቲ ዘረፍቲ ኣቃጽዮሞ ዝጸንሑ ብጽምዋ ብለይቲ ቅሳነት ዘይህቡ ንቆልዓ ሰበይቲ ገንዘብ ሃይማኖቶም መንደይቲ መሕጎልቲ ሸፋቱ ኣሎዎም ዝምርሑሉ ሕጊ መን ጓንዴ ይሕዝ መን ይሕዝ ሓለንጊ ንመን ከምዝኸትሩ ንመን ከም ዝንሕፉ በየናይ ጀሚሮም ናበይ
ስም ኣዳልዪኒ
ስም እባ ኣዳልዪኒ
እከይ ተግባራቶም ምስ ስሞም ካዛምዶ ሓግዙኒ
ሸፋቱዶ ክብሎም ቀተልቲ ዘረፍቲ
ኣቃጽዮሞ ዝጸንሑ ብጽምዋ ብለይቲ
ቅሳነት ዘይህቡ ንቆልዓ ሰበይቲ
ገንዘብ ሃይማኖቶም መንደይቲ መሕጎልቲ
ሸፋቱ ኣሎዎም ዝምርሑሉ ሕጊ
መን ጓንዴ ይሕዝ መን ይሕዝ ሓለንጊ
ንመን ከምዝኸትሩ ንመን ከም ዝንሕፉ
በየናይ ጀሚሮም ናበይ ከም ዝሓልፉ
ሸፋቱ ዘጥቁዑሉ ጽምዋዩ ቦትኦም
ኣይመጹኻን እዮም ንስኻ ኢኻ ትኸዶም
ምሳናዮም ዝነብሩ እዞም ናትና ሸፋቱ
እቶም ከተርቲ ይሕሹ ብኹሉ ነገራቱ
ስም እባ ኣዳልዩኒ
እከይ ተግባራቶም ምስ ስሞም ከዛምዶ ሓግዙኒ
ማፍያዶ ክብሎም ጥርኑፋት በደልቲ
ቦቶኦም ዘይፍለጥ ከምዞም ኣጋንንቲ
ዝጨውዪ ዝቐትሉ ንገንዘብ ንሃብቲ
ክብረት ዘይብሎም ብገንዘብ ተገዛእቲ
ማፍያ የስርሑኻ ካብ ዘፍረኻዮ ትኸፍል
ኣይሰርሑ ኣየስርሑ እዞም ማፍያናኸ እንታይ ንብል
ማፍያ ጥርኑፋትዮም ዉሽጦም ዘይርከብ
ህግደፍ ግን ባዶዮም ናይ ጥቕሚ እኽብካብ
ማፍያ ዘድልዮም በዓል ሰልዲ
ድልየት ህግደፍ ንምጽናት ዓዲ
ዘራኽቦም ሰልድን ቅትለትን
ዝፈላልዮም ዕላማን ሰርዓትን
ስም እባ ኣዳልዩኒ
እከይ ተግባራቶም ምስ ስሞም ከዛምዶ ሓግዙኒ
ጣሊባንዶ ክንብሎም ደቂ ሙላ ዑመር
እንኮ መላኺ ብዘይ ሓደ ምስጢር
ካቢኔ ዘይብሎም ህዝቢ ንምድንጋር
ኣብ ዝወሰና ዘይዉዕል ዘይሓድር
ውግእ ንምልዓል መን ክወዳደሮ
ዝኾነን ዘይኮነን ምስ እምነት ይኣስሮ
ናይ ህዝቢ ምጽናት ምንም ዘይስቆሮ
ብዘይ ኣማኸርቲ ዝሓሰቦ ዝገብሮ
ኩሉ ስራሓቱ ሕጊ ዘይክተል
ሓያል እዩ ህዝቢ ንምትላል
ንነብሱ ዝገብራ ፍሉይ ፍጥረት
ከምዛ ብዘይ ንሱ ዓላም እትጽልምት
ህድግለነ ዘይብሉ ንእሱራት
ኣብ ኮንተይነር ዝኣስር ከም ኣቕሑት
ቅጭጭ ዘይብሎ ዘምጽኦ ሳዕቤናት
ንከተግብር እቲ ናቱ ድልየት
ፍልልይ የብሎምን ኩሉ ዝፍጽሙዎ
ዝፈላልዮም ከመይ ገሮም ንህዝቢ የቕርቡዎ
ሙላ ዑመር ምኽንያቱ ምሕላዉ እምነት
ህግደፍ ከኣ ምሕንጻጽ ዶባት
ስም እባ ኣዳልዩኒ
እከይ ተግባራቶም ምስ ስሞም ካዛምዶ ሓግዙኒ
ዲክታቶር ዶ ክብሎ ውልቀ መላኺ
ብዘይ ንሕስያ ንህዝቢ ዳሃኺ
ግን ኩሎም መለኽቲ ሓደ ኣይኮኑን
ዕላማኦም ብፍጹም ኣይራኸቡን
ገለን ይመልኩ ኩርሲ ከይተምልጦም
ገለን ይመልኩ ከተግብሩ ራኢኦም
ናይ ገለን ምልኪ ከብዲ ብምሉኡ
ናይ ገለን ከኣ ንባኒ ተሰርዑ
ናይ ገለ መለኽቲ ህዝቢ ኣዶንቂርካ
ናይ ገለ መለኽቲ ንህዝቢ ኣቐዲምካ
ናይ ገለ መለኽቲ ንህዝቢ ኣሀዉቲትካ
ናይ ገለ መለኽቲ ንህዝቢ ወዲብካ
ውጺኢቱ ኣዝዩ እዩ ዝፈላለ
እቲ ሓደ ንሃገሩ ብስልጣነ ዘዝለለ
እቲ ሓደ ንሃገሩ ዘሕፈረ ስማ ዝበለለ
ፍልልዩ ብግሉጽዩ ዝልለ
ናይ ምዕባለ ምሳሌ ብዙሓት ኣለዉና
ማለዝያ ሲንጋፖር መርኣያ ምጠቐስና
ናይ ኣዕናዊ ምልኪ ከምኡ መሊኡና
ጋዳፊ ሙጋበ መንግስቱ ከምኡዉን እዚ ናትና
በጃኹም እባ ስም ኣዳልዩኒ
እከይ ተግባራቶም ምስ ስሞም ከዛምዶ ሓግዙኒ
እምበራጦር ኔሮዶ ክብሎ ንሮማ ዘንደደ
ብጭካነኡ ንሮማዉያን ዘሰንበደ
ታሪኻዊ ከተማ እንዳ በረሰ ኣብ ቅድሚኡ
ይደርፍ ነበረ ሒዙ በገንኡ
እንታይ ንስመዮም ንጉጅለ ጥፍኣት
ዘብርሱ ዘሎዉ ታሪኻዊ ህንጻታት
ዝኸልከሉ ከይሰርሕ ዘሎ ፋብሪካታት
ቀንዲ ጠንቂ ምጽናት መንእሰያት
ንምንታይ ዘይማሓደር ህዝብና ብስርዓት
ንምንታይ ዘይፍትሑ ፖሊቲካዊ እሱራት
ንምንታይ ይዕጾ ዝነበረ ዩኒቨርሲቲ
ንምንታይ ደስኪሉ ምስራሕ ንኣባይቲ
ንምንታይ ተደልዩ ብዘይገደብ ኣገልግሎት
ንምንታይ ወጠምጠም ምስ ጎረባብትታት
ንምንታይ ተደልዮም ዕሱባት ናይ ደምሓት
ንምንታይ ካብ ከተማ ወጺኦም ናትና ወተሃደራት
ብሕቶታት ጥራሕ ጎቦ ምሰረሕና
ዘይተገብረ የለን ኣብዛ የዋህ ዓድና
ዘይተነግረዩ ዘሎ ዘይወጸ ኣብ ጎደና
ጀሚሩሎ ግዜ መልሲ ክህበና
ድሕሪ እዚ ኹሉ መብርሂ ስምባ ሓግዙኒ
ንጉጅለ ሕሰም ክሰምዮም ተሓባበሩኒ
ሃገር ዘባደሙ ስምና ዘራኸሱ
ህዝቦም ክከላበት ቀሲኖም ዝድቅሱ
ብዙሕ ሓሲበሉ ኣደይበ ኣዉሪደ
ብዙሓት ኣስማት ምስ ግብሮም ኣዛሚደ
እቲ ንሮማ ፈሊጡ ዘንደደ
ንተግባሮም ዝመስል “ኔሮ” ወሲደ
ዝሓሸ እንተለኩም ሃየ ለግሱለይ
ዝግባእ ሰምየዮም ልበይ ክዓርፈለይ
ዘይምልከቶም ኣስማት እንካብ ነጠምቖም
ዝግቦኦም ሰሚና ከነፍልጦም ሓቆም
ሃብተ ክፍለ
ካይሮ
aberhane December 27, 2013
ጽቡቕ ስራሕ ጽቡቕ ግጥሚ።።ብራቮ ሃብቱ፡፡ ነዞም መጽነቲ ዜጋታት መባደምቲ ሃገር ኩሉ ክፉእ ዘበለ ኢዩ ስሞም። እዞም ናይ ታሪኽ ሓደጋ ክርዳድ ኢዮም። ጽቡቕ ስራሕ፡፡ ሓው መስኒያስ ግን እንታይ ኢዩ ክብል ደልዩ ኣይተረድእንን፡፡