Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስም ኣዳልዪኒ

  ስም ኣዳልዪኒ ስም እባ ኣዳልዪኒ እከይ ተግባራቶም ምስ ስሞም ካዛምዶ ሓግዙኒ   ሸፋቱዶ ክብሎም ቀተልቲ ዘረፍቲ ኣቃጽዮሞ ዝጸንሑ ብጽምዋ ብለይቲ ቅሳነት ዘይህቡ ንቆልዓ ሰበይቲ ገንዘብ ሃይማኖቶም መንደይቲ መሕጎልቲ   ሸፋቱ ኣሎዎም ዝምርሑሉ ሕጊ መን ጓንዴ ይሕዝ መን ይሕዝ ሓለንጊ ንመን ከምዝኸትሩ ንመን ከም ዝንሕፉ በየናይ ጀሚሮም ናበይ

 

ስም ኣዳልዪኒ

ስም እባ ኣዳልዪኒ

እከይ ተግባራቶም ምስ ስሞም ካዛምዶ ሓግዙኒ

 

ሸፋቱዶ ክብሎም ቀተልቲ ዘረፍቲ

ኣቃጽዮሞ ዝጸንሑ ብጽምዋ ብለይቲ

ቅሳነት ዘይህቡ ንቆልዓ ሰበይቲ

ገንዘብ ሃይማኖቶም መንደይቲ መሕጎልቲ

 

ሸፋቱ ኣሎዎም ዝምርሑሉ ሕጊ

መን ጓንዴ ይሕዝ መን ይሕዝ ሓለንጊ

ንመን ከምዝኸትሩ ንመን ከም ዝንሕፉ

በየናይ ጀሚሮም ናበይ ከም ዝሓልፉ

 

ሸፋቱ ዘጥቁዑሉ ጽምዋዩ ቦትኦም

ኣይመጹኻን እዮም ንስኻ ኢኻ ትኸዶም

ምሳናዮም ዝነብሩ እዞም ናትና ሸፋቱ

እቶም ከተርቲ ይሕሹ ብኹሉ ነገራቱ

 

ስም እባ ኣዳልዩኒ

እከይ ተግባራቶም ምስ ስሞም ከዛምዶ ሓግዙኒ

 

ማፍያዶ ክብሎም ጥርኑፋት በደልቲ

ቦቶኦም ዘይፍለጥ ከምዞም ኣጋንንቲ

ዝጨውዪ ዝቐትሉ ንገንዘብ ንሃብቲ

ክብረት ዘይብሎም ብገንዘብ ተገዛእቲ

 

ማፍያ የስርሑኻ ካብ ዘፍረኻዮ ትኸፍል

ኣይሰርሑ ኣየስርሑ እዞም ማፍያናኸ እንታይ ንብል

ማፍያ ጥርኑፋትዮም ዉሽጦም ዘይርከብ

ህግደፍ ግን ባዶዮም ናይ ጥቕሚ እኽብካብ

 

ማፍያ ዘድልዮም በዓል ሰልዲ

ድልየት ህግደፍ ንምጽናት ዓዲ

ዘራኽቦም ሰልድን ቅትለትን

ዝፈላልዮም ዕላማን ሰርዓትን

 

ስም እባ ኣዳልዩኒ

እከይ ተግባራቶም ምስ ስሞም ከዛምዶ ሓግዙኒ

 

ጣሊባንዶ ክንብሎም ደቂ ሙላ ዑመር

እንኮ መላኺ ብዘይ ሓደ ምስጢር

ካቢኔ ዘይብሎም ህዝቢ ንምድንጋር

ኣብ ዝወሰና ዘይዉዕል ዘይሓድር

 

ውግእ ንምልዓል መን ክወዳደሮ

ዝኾነን ዘይኮነን ምስ እምነት ይኣስሮ

ናይ ህዝቢ ምጽናት ምንም ዘይስቆሮ

ብዘይ ኣማኸርቲ ዝሓሰቦ ዝገብሮ

 

ኩሉ ስራሓቱ ሕጊ ዘይክተል

ሓያል እዩ ህዝቢ ንምትላል

ንነብሱ ዝገብራ ፍሉይ ፍጥረት

ከምዛ ብዘይ ንሱ ዓላም እትጽልምት

 

ህድግለነ ዘይብሉ ንእሱራት

ኣብ ኮንተይነር ዝኣስር ከም ኣቕሑት

ቅጭጭ ዘይብሎ ዘምጽኦ ሳዕቤናት

ንከተግብር እቲ ናቱ ድልየት

 

ፍልልይ የብሎምን ኩሉ ዝፍጽሙዎ

ዝፈላልዮም ከመይ ገሮም ንህዝቢ የቕርቡዎ

ሙላ ዑመር ምኽንያቱ ምሕላዉ እምነት

ህግደፍ ከኣ ምሕንጻጽ ዶባት

 

ስም እባ ኣዳልዩኒ

እከይ ተግባራቶም ምስ ስሞም ካዛምዶ ሓግዙኒ

 

ዲክታቶር ዶ ክብሎ ውልቀ መላኺ

ብዘይ ንሕስያ ንህዝቢ ዳሃኺ

ግን ኩሎም መለኽቲ ሓደ ኣይኮኑን

ዕላማኦም ብፍጹም ኣይራኸቡን

 

ገለን ይመልኩ ኩርሲ ከይተምልጦም

ገለን ይመልኩ ከተግብሩ ራኢኦም

ናይ ገለን ምልኪ ከብዲ ብምሉኡ

ናይ ገለን ከኣ ንባኒ ተሰርዑ

 

ናይ ገለ መለኽቲ ህዝቢ ኣዶንቂርካ

ናይ ገለ መለኽቲ ንህዝቢ ኣቐዲምካ

ናይ ገለ መለኽቲ ንህዝቢ ኣሀዉቲትካ

ናይ ገለ መለኽቲ ንህዝቢ ወዲብካ

 

ውጺኢቱ ኣዝዩ እዩ ዝፈላለ

እቲ ሓደ ንሃገሩ ብስልጣነ ዘዝለለ

እቲ ሓደ ንሃገሩ ዘሕፈረ ስማ ዝበለለ

ፍልልዩ ብግሉጽዩ ዝልለ

 

ናይ ምዕባለ ምሳሌ ብዙሓት ኣለዉና

ማለዝያ ሲንጋፖር መርኣያ ምጠቐስና

ናይ ኣዕናዊ ምልኪ ከምኡ መሊኡና

ጋዳፊ ሙጋበ መንግስቱ ከምኡዉን እዚ ናትና

 

በጃኹም እባ ስም ኣዳልዩኒ

እከይ ተግባራቶም ምስ ስሞም ከዛምዶ ሓግዙኒ

 

እምበራጦር ኔሮዶ ክብሎ ንሮማ ዘንደደ

ብጭካነኡ ንሮማዉያን ዘሰንበደ

ታሪኻዊ ከተማ እንዳ በረሰ ኣብ ቅድሚኡ

ይደርፍ ነበረ ሒዙ በገንኡ

 

እንታይ ንስመዮም ንጉጅለ ጥፍኣት

ዘብርሱ ዘሎዉ ታሪኻዊ  ህንጻታት

ዝኸልከሉ ከይሰርሕ ዘሎ ፋብሪካታት

ቀንዲ ጠንቂ ምጽናት መንእሰያት

 

ንምንታይ ዘይማሓደር ህዝብና ብስርዓት

ንምንታይ ዘይፍትሑ ፖሊቲካዊ እሱራት

ንምንታይ ይዕጾ ዝነበረ ዩኒቨርሲቲ

ንምንታይ ደስኪሉ ምስራሕ ንኣባይቲ

 

ንምንታይ ተደልዩ ብዘይገደብ ኣገልግሎት

ንምንታይ ወጠምጠም ምስ ጎረባብትታት

ንምንታይ ተደልዮም ዕሱባት ናይ ደምሓት

ንምንታይ ካብ ከተማ ወጺኦም ናትና ወተሃደራት

 

ብሕቶታት ጥራሕ ጎቦ ምሰረሕና

ዘይተገብረ የለን ኣብዛ የዋህ ዓድና

ዘይተነግረዩ ዘሎ ዘይወጸ ኣብ ጎደና

ጀሚሩሎ ግዜ መልሲ ክህበና

 

ድሕሪ እዚ ኹሉ መብርሂ ስምባ ሓግዙኒ

ንጉጅለ ሕሰም ክሰምዮም ተሓባበሩኒ

ሃገር ዘባደሙ ስምና ዘራኸሱ

ህዝቦም ክከላበት ቀሲኖም ዝድቅሱ

 

ብዙሕ ሓሲበሉ ኣደይበ ኣዉሪደ

ብዙሓት ኣስማት ምስ ግብሮም ኣዛሚደ

እቲ ንሮማ ፈሊጡ ዘንደደ

ንተግባሮም ዝመስል “ኔሮ” ወሲደ

 

ዝሓሸ እንተለኩም ሃየ ለግሱለይ

ዝግባእ ሰምየዮም ልበይ ክዓርፈለይ

ዘይምልከቶም ኣስማት እንካብ ነጠምቖም

ዝግቦኦም ሰሚና ከነፍልጦም ሓቆም

 

ሃብተ ክፍለ

ካይሮ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • Mesinas December 26, 2013

    ዝኸበርካ ሓው ሃብተ ክፍለ

    ብመጀምርያ ንጉጅለ ሕሰም እንታይነቶም ብኹሉ መዳይ ዘርዚርካ ስለ ዝገለጽካዮም ብልቢ ኣድንቀካን አመስግነካን። ይበል ግጥሚ! ብምቕጻል፥ ሓንቲ ንኣና ንጸሓፍቲ ግጥሚ ኣዝያ ኣገዳሲት ጉዳይ ኣላ’ሞ ንዓኣ ክሕብረካ ፍቐደለይ? ንሳ ኸኣ ንሕና እንጽሕፎ ግጥሚታት ምእንቲ ንኣንባቢ ኣሰልችዩ ግቡእ ክብሩ ከይስእን፡ በቲ ሕጉ ብዓቐንን ዓይነትን ክንምጥኖ ኣለና። ዝኾነ ይኹን ኣብ ሓደ ኣርእስቲ ዝሕቈፍ ግጥሚ፡ ይሕመቕ ይጸብቕ ዓቐኑ ካብ ክልተ ክሳብ 10 ስታንዛ እዩ ኪኸውን ዘለዎ። እዛ ናትካ “ስም ኣዳልዩኒ” ዘርእስታ ራዕታ ግን 25 ስታንዛ ኣሎዋ። ብውሕዱ ናብ ሸሞንታ ስታንዛ እንተ መቒልናያ ከኣ ብሰለስተ ኣርእስቲ ክትሕቈፍ ምኸኣለት ማለት’ዩ። ስለዚ፡ ኣብ ቀጻሊ ግጥምታትካ ዓቐኖም ክሕልዉ ብትሕትና እላበወካ። ‘መዓርውን እንተ በዚሑስ ይመርር’ዩ” ዝብሃል ብሂልውን ኣሎ። ካልእ ሓደ ግጥሚ ረምታ ማለት፡ እቲ መወዳእታ ፊደሉ ኪቕይር ከሎ መዕረፊ ወይ መሰጋገሪ ክልተ ነጥቢ ኪግበረሉ ይግባእ። ንኣብነት፥

    ዝሓሸ እንተለኩም ሃየ ለግሱለይ

    ዝግባእ ሰምየዮም ልበይ ክዓርፈለይ፡

    ዘይምልከቶም ኣስማት እንካብ ነጠምቖም

    ዝግቦኦም ሰሚና ከነፍልጦም ሓቆም። ብምባል ኪጽሓፍ ይግባእ።

    የቐንየለይ።

    ርሑስ ልደትን መሐጐሲና ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና! ኣሜን!!!

    ሓውኻ መሲናስ 26/12/2013

    • kidane December 26, 2013

      Niskatkom dima gugile hilmi.sebsi kearif ydikis Niskatkom dima metan kithalmu dihriu hilmukm ab merbeb habereta niseb tekaflu.begakatkum teberaberu

  • belay nega December 26, 2013

    “ሸፋቱዶ ክብሎም ቀተልቲ ዘረፍቲ”

    ካብ ሸፋቱ ቀተልቲ ዘረፍቲ ምውላድ ሕማቅ ዕድል እዩ
    ን ወለድኻ ተኪእካ ሽፍታ ቀታሊ ዘራፊ ክትከውን ምውጣን ግን ወንጀል እዩ

    • Abdu December 26, 2013

      Belay
      You are perfect suit example of your comment

      • belay nega December 28, 2013

        Abdu,

        Unfortunately Eritrean issue is dirt by nature,and I don’t want to take any part of it.

  • ER ITRAWIT December 26, 2013

    Dear Habte,
    What can we call them seteytey dem telamat sheyetey seb nayzeom tezarebka aywdan eu kubur haw.

  • meron December 26, 2013

    Who is on the right truck….I don’t trust hgdef and tekawemti…So let us stop talking. …ertrawyan kulatna dictater ina….ab alem dma absolute fethi kab seb yelen…

    • Abdu December 26, 2013

      Meron
      Ajewjow; Ajewjow; Ajewjow…..none sense open your eyes .

    • selemawit December 28, 2013

      meron,
      1. if you want everybody to stop talking than you are a supporter of the regime because that is exactley what they want! mouths closed, no change!!! please correct me if i am wrong.

      2. the position of hgdef is clear: brutal dictatorship lead by afeworki. but what do you mean with “tekawemti” exactley – this is only a place holder for a lot of positions. since we are talking of most serious issues (it is about death or life of the eritrean people) you should be precise with what you try to say…

  • my lovely country December 26, 2013

    ሓው ሃብተ
    ሸፋቱ ትብል ስም ንሓደ ዩግዝላቭያ ኤርትራዊ ዝብሃል ዓጃው ኣብ ሽግር ኣእትያቶ እያ ።ተጋደልቲ ሸፋቱ እዮም ስለ እተስምዕ ።ሓረድቲ ንበሎም።ምኽንያቱ ሽፍታ ኣይድዮሎጂ ዓይነት ስለ ዝኾነ __ሽፍታ ዘምሓድሮ ዝነበረ ምንቅስቓስ ናይ ሸፋቱ ይገብሮ።ተጋደልትና ተጋደልቲ ኣይነበሩን ንምባል ደልየ እየ ።

  • my lovely country December 26, 2013

    መኤረምታ

    ተጋደልትና ሸፋቱ ኣይነበሩን ንምባል እየ።

    • Abdu December 26, 2013

      MLC.
      Read it carefully he isn’t saying our heros and liberators was shiftas. He is talking about a blood suckers high ranks who are chocking to our people.

  • Abnet December 26, 2013

    Eziom da EKUBAT ABAGHI’E YBAHALU

  • MightyEmbasoyra December 26, 2013

    ዝዛረቡ እኩባት እንስሳታት ምበልኩዎም

  • meron December 27, 2013

    Abdu

    Respect ppl bxerfi aykonkan seb terii….bhaki mzerabyu seb zeredae mesleni…hgisi kabza ajewjew aytbel ilka zereba kelet ztezarebkaya gele bka mhirkani

    • abdu December 27, 2013

      Meron- either you run out of your medicine or you forgot to take it one of the other.

    • abdu December 27, 2013

      Meron
      It is my pleasure you told us that you have learned some thing out of me. But; i’m just wondering if you could tell us what have you learn from Dictator shifta who hanged;killed;humiliated; starved and forced people to leave their mother land for 23years.

  • Hitona hanti eya, kuwamawit hager! December 27, 2013

    Bitami tsibikti gitmi eya. Neti hiliw kunetat atsebika tentsebarik. Eti aken gina Kurub newihu emo ab ketsali hitsir elu gina gelatsi entegeberkayo tsibuk eyu bihalay eye. Kulna Ertrawyan bifilay meniseyat gubuena keneberkit gizye eyu zihatena zelo miknyatu kalie gzye slezeyiwehabena gzyena ezia eya eza b HIGDEF techewya zela. Slezi lomi zeyketete bidewu kemzimete eyu emo kemzi hawina beakmu tsibuk gitmi tsihifu zelo haye kalot ka bebi kieletna ntshaf.
    yekeniyeley,

POST A COMMENT