Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰይጣን ናይ ክልቴና መኣስ’ዩ ዝሕረድ?

ብቀሊል ኣዘራርባ ፡ውልቀ ሰባት፡ ስድራቤታት፡ ጉጅለታትን ሃገራትን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ንኣብነት ብጉዳይ መሬትን ይግባኣንን፡ ፍልልይ ስነ ሓሳብን  ረብሓታት ዘይምቅዳውን ካብ ብቃላት ምዝልላፍ ክሳብ ህይወት ሰብ ዝወስድ ረጽምታት ክኽሰት ይኽእል’ዩ። መብዛሕቶኦም ጉዳያት ድማ ከከም ኣመጻጽኦኦም ብዘተ፡ ሕድገታትን

ብቀሊል ኣዘራርባ ፡ውልቀ ሰባት፡ ስድራቤታት፡ ጉጅለታትን ሃገራትን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ንኣብነት ብጉዳይ መሬትን ይግባኣንን፡ ፍልልይ ስነ ሓሳብን  ረብሓታት ዘይምቅዳውን ካብ ብቃላት ምዝልላፍ ክሳብ ህይወት ሰብ ዝወስድ ረጽምታት ክኽሰት ይኽእል’ዩ። መብዛሕቶኦም ጉዳያት ድማ ከከም ኣመጻጽኦኦም ብዘተ፡ ሕድገታትን ካሕሳን መዕለቢ ይግበረሎምን እቲ ሓርፊፉ ዝነበረ ዝምድና ናብ ንቡር ይምለስን። ሓደ ክልተ ጉዳያት ግን፡ ብሰሪ ድርቅና፡ ድንቁርናን ምትህልላኽን ብኡሳት፡ ፍታሕ ከይረኸቡ ንዓመታት ይጸንሑን ጠንቂ ብልጽግናን ሰላምን ይኾኑን። ብፍላይ ኣብ ሓደ ጆኦግራፍያዊ ኣከባቢ ንዝነብሩ ህዝብታትን ሃገራትን፡ ንዘጋጥሙ ጸገማትን ዘይምቅድዳውን ብኢህን ምሂን ምፍታሕን ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ዝተሞርኮሰ ዝምድና ምምስራትን ድማ ጥጡሕ ጎደና ምዕባለን ቅሳነትን ዘርሑ ስልጡን ኣተሓሳስባ’ዩ። ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ግን እዚ ዕድላት’ዚ ንነዊሕ ዓመታት ስለዝተሓረሞም፡ ቀንዲ ሕላገቶም፡ ኩናት ዘስዓቦ መቅዘፍቲ ህይወት ሰብ፡ ስንክልና፡ ምምዝባል፡ ቁጠባዊ ዕንወት፡ ድኽነት፡ ስደትን ተጻብኦን ኮይኑ’ሎ። እዞም ኣብ ስልጣን ዘለዉ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ፡ ብብልጽግና፡ ብሰላምን፡ ብህይወት ዜጋታቶምን ዝሕለቁ እንተኾይኖን ልቦና እንተልይዎምን፡ “ዝሓለፈ ይኣክል” ኢሎም ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ናብ ንቡር ንምምላስ ቀዳምነት ሂቦም፡ ነቲ ዘየሰማምዕ ጉዳያት ሕድገታት ክገብሩን፡ ዘሕምቆ ኣለኒ በትረይ ሃበኒ ዝዓይነቱ ስነሞጎት ወጊዶም ገጽ ንገጽ ክዛተዩን ይግባእ። ከምቲ ቀዳሞት ወለድና “መባእስተይ ለባም ይግበረለይ” ኢሎም ዝመሰልዎ፡ መምዘኒ ብቅዓት ሓደ መራሒ፡ ቂም በቀል ተሰኪምካ ወይ ንዝሓለፈ ኣሉታዊ ተርእዮታት ምኩምሳዕ ዘይኮነ፡ ንዝመጽእ ወለዶን ሰላምን ዕድል ምሃብን ካባኻ ዝተፈልየ ሓሰብ ንዘለዎ ሰብ ከመይ ጌርካ ምስኡ ተሳኒኻ ትነብርን’ዩ። ፈቲና ጸሊእና፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ከም ጎረባብቲ፡ ከም ገዛእን ተገዛእን ንነዊሕ ዓመታት ብሓባር ስለዝተጓዓዝና፡ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ባህላውን ምትእስሳርን ረብሓታትን ስለዘሎና፡ ጉዳይ ሰላም ኣብ ሕቶ ምልክት ክኣቱ እይግብኦን። መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዝብልዎ፡ ጠንቂ ኩናትን ዕንወትን ብሓቂ ባድመ እንተኾይኑ፡ ልቢ ብምዕባይን ንግስጋሰን ቅሳነትን ክልቲኡ ህዝብታት ብምሕላይን፡ ዝብላዕ ጭብጢ ሒዝካ ኣብ መኣዲ ዘተ ምቅራብ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ውዕል ኣልጀርስ ቀያድን ናይ መወዳኣታን ብይን ስለዝኾነ ከምዘለዎ ይተግበር ክብል እንከሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ እቲ ብይን ቅድሚ ኣብ ባይታ ምትግባሩ ዘተን ዳግመ ግምት ክግበረሉን ጠሊቡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብይን ኣልጀርስ ከምዘለዎ ክቅበሎ ፈሪሙን ተሰማሚዑን ከብቅዕ፡ ውሳኔ ምስሓለፈ ንብይን ኣልጀርስ ኣብ ክንዲ ምቅባል ዳግመ ግምት ክግበረሉ ሓቲቱ። ክልቲኦም መንግስታት፡ “ውዕል ይተግበር-ውዕል ይከለስ” ብዝብል ምጉት ነቂጾም። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዝፈረመሉን ዝተሰማማዓሉን ጉዳይ ዕረ እናጠዓሞ ምጉሳም እምበር ጣዕሳን ጓል መንገዲ ምፍጣርን ሕጋዊ ተቀባልነት የብሉን። በዚ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ዕንቅፋትን ጠንቅን ናይቲ ጸገም’ዩ።  ኤርትራ ብብይን ኣልጀርስ ከሲባ’ዶ ከሲራ ንሕቶ ገዲፍና፡ ንጠለብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብንጹር ገደብ ግዜን ንምዕልባጥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምብርዓንን፡ ቅድሚ ዶብ ምሕንጻጹ ንዛተየሉ ዝብል ጠለብ ኢትዮጵያ ብስልቲ ተቀቢሉ በቲ ዘተ ኤርትራ ትረብሕ እንተኾይናን ዘላቂ ሰላም ዘምጽእ እንተኾይኑን ምፍታሹ ኣይምጎድአን። ክልቲኣም መንግስታት፡ ነዚ ኣማራጺታት’ዚ ዕሽሽ ኢሎም፡ ብቃላት መወዳእታ ዘይብሉ ዘለፋ፡ ቅርሕንቲ ምፍሓር፡ ተቃወምቶም ወድባትን ጉጅለታትን ምዕጣቅን ኣብ መሬቶም  መዓስከራት ምፍቃድን ንጽልኢ ሰማይ ዘዕርግ ተግባራት ካብ ምስዋር ኣይተቆጠቡን። እቲ ዝያዳ ዘሕዝን ድማ፡ ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ብጥሜት ሓለንጊ እናተግርፈን ናብ ስደት እናምርሐን እንከሎ፡ ሚልዮናት ዶላር ዝዋግኡ መጽነቲ ህይወት ሰብ ዝኸውን ዝተራቀቀ ኣጽዋር ምሽማትን፡ ኣሽሓት መንእሰያት ኣብ ክንዲ ኣብ ቁጠባዊ ልምዓትን መኣዲ ትምህርትን ዝዋፈሩ፡ ስልጣን ውሑዳት ንምሕላው ካብ ሰላማዊ ናብራኦምን ቤተሰቦምን ተነጺሎም ኣብ ቁርን ህሮርማ ጸሓይን ተዋፊሮም ምህላዎም’ዩ። ብተወሳኺ፡ ካብ ገለ ምሁራትን ፈላጣትን ኢና ዝብሉ ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ክንዲ ንኽልቲኡ ህዝብታት ከተቀራርብ  ምጽዓርን ምምናይን፡ ምጉህሃርን፡ ጽልኢ ንምስዋር ከይደቅስካ ምሕዳርን “ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ የድልያ ” ዝብል ዝቆንቆነን ናይ ዓያሹን ተበለጽትን ዘመተ ከካይዱ ይስምዑን ሕማም ናይ ዝሓለፉ ይደግሶምን ኣሎ።  ናይዞም ሰባት ምጉት፡ ማይ ዘይብልካ ዓሳ ምምናይ ስለዝኾነን ጸገም ኣእምሮ ስለዘለዎምን፡ ኣብ  ኣማኑኤል ሆስፒታል ክምርመሩ ኣለዎም። እቲ ሓቂ ግን ብዘይ ወደብን ኣፍደገ ባሕርን ዝነብራን ዝማዕበላን ብዙሓት ሃገራት ከምዘለዋ ዘካትዕ ኣይኮነን።  እቲ እንኮ ምርጫን ሓልዮት ህዝቢ እንተልዩናን ግን፡ ምትህልላኽን ጽልእን ብምውጋድን ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ዘሎ ሰይጣን ብምሕራድን ኣብ ጎደና ሰላም ብምምራሽን’ዩ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ሓምለ 11 2015)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • LEUL semere July 12, 2015

    እቲ ሓቂ እዚ እዩ. ን ክልትኡ ሕዝቢ ድጠቅም.ብዝኮነ እቲ ሰላም ኣብ ኢድ ኢትዮጵያ እዩ ዘሎ.

  • Eritrean Citizen July 12, 2015

    If we go to negotiation on Badme, tomorrow morning, they will ask us to negotiate on Asseb. There is no discussion on Badme or any other Eritrean land. The border between Eritrea and Ethiopia has been demarcated completely and once and for all.

  • yitbarek July 13, 2015

    ኤርትራ ሰይጣን ናይ ባዕልኩም ሕረዱ ናይ ባዕልና ሓሪድና ባድመ ናይ ኢትዮ እምበር ናይ ኤርትራ ኣይኮነትን ኢትዮ ምስ ኩለን ጎረቤት ሃገራት ብሰላም እትነብር ሃገር እያ ናይ ኢርትራ ወደብ ንምጥቃም ኢትዮ ሕልሚ የብላን እንተደሊኹም መሰትዪ ግመል ግበርዎ ኣብዚ ሐዚ እውን ንመቀለ እኳ ካብ ናይ ኤርትራ ወደብ ምጥቃም ናይ ጅብቲ ወድብ ምጥቃም ይቀርብ ስለዚ እንተደሊኩም ብሰለም ክነብር ኢንተልኩም መንግስትኩም ኣስተካክሉ ካብዚ ወፃኢ ስለ ኢትዮ ምንጋር ኣይድልየኩምን

  • teklit July 13, 2015

    True!

  • Tekle Haile July 13, 2015

    ኽቡር ጽላል ተቕርቦ ዘለኻ ጽሑፋት ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ ሰማዒ ህዝብን ሰማዕቲ ኣማሓደርትን ተረኺቦም ካብዚ ተሸሚምናዮ ዘለና ሽግር ከውጽኡና ልቢ ሃሊዩዎም ነዚ ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ኤርትራን ወሪዱዎ ዘሎ ኣይሰላም ኣይኩናት መዕለቢ ክገብሩሉ ኩልና ንማሕጸኖም ። ዝሰምዑና መራሕቲ ኣይረኸብናን ።
    ህዝቢ ኤዮጵያን ህዝቢ ኤርትራን ለባማት መራሕቲ ኣይተዓደላን ። ወለዶታት ንጸገም ክቃልዑ ስቕ ኢሎም ኣብ ምጉት ኣለዉ ። እቲ ንደልዮ ሰላም ንኽመጽእ ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ዘዘለናዮ ሓገር ማሕበራት ብምቛም ነጻ ዝኾኑ ወከልትና ንምረጽ ። ኣብ መጨረሻ ሓደ ነጻ ዝኽዕነ ዓለምለኻዊ ጽላል ብምፍጣር ወለክትና አብ መጋበኣያ ቦታታት ብምኻድ ድምጺ ህዝቢ የስምዑ ኣብ መጨረሻ ሰላም ንክመጽእ ተስፋ ንገብር ። ካብ ሕጂ ንሕሰበሉ ንጠርነፍ ንወደብ ምሁራትን ለባማትን ሕጂ ሓገር ኣድሕኑ ። ሰላማዊ ሰልፊ 26 ሰነ 2015 ዕውት ኔሩ ብድሕሪኡኸ ናበይ ኢና ? ናኣዳላውቲ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቭ ምስጋና ይብጽሓዮም
    የቐንየለይ

  • Selamawi July 13, 2015

    ካብ `ሰይጣን ናይ ክልቴና መኣስ`ዩ ዝሕረድ?` ምባልስ፥
    `ኣብ ሞንጎ ክልቴና ዘሎ ሰይጣን መኣዝ እዩ ዚሕረድ?` ምባል ዶኾን ምሓሸ . . .

    ሰላምታ

  • Zekarias Yemane July 13, 2015

    The Ethio-Eritrean deadlock has been controversial and embarrassing to its mediators.
    That will carry more serious national and geopolitical consequences if not urgently addressed.
    But, with insight and wisdom, it is possible to coordinate both (Ethiopia & Eritrea) for a peaceful
    future. What is really and urgently needed from both sides is to “let the bygones be bygones” and live happy after.

  • k.tewolde July 13, 2015

    Great article! that little tract of land called “BADME’ has been used as a political ploy to crush the toiling , poor masses of both brotherly countries for a while.I logged on a lot of miles in that town and it’s vicinity on foot, know some local people, they don’t give a damn who is in charge, they just want to till their land in live peace like the good old days.

  • No war no peace July 13, 2015

    እቲ ምትፍናን ብጉዳይ ባድመ ኣይኮነን። ኣብ መንጎ ወያነን ህግደፍን ዘሎ ፓለቲካውን ኢኮነሚያውን ምትሕንናቕ ዳኣ እምበር ባድመሲ ወርቂ ድዩ ነዳዲ ሃልዩዋ ክሳብ ክንዲዚ መንእሰያት ተዋድእ ዘላ? ህግደፍ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ባድመ እናበለ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ሒዙዎ ኣሎ። ወያነ ከኣ ባድመ ንኤርትራ እንተሂቦም ዕድሚኦም ከምዝሓፅር ይፈልጡ እዮም። ኣብ ዓለም ብዙሓት ሃገራት ብጉዳይ ዶብ ዘለወን ኣፈላላይ ዕሽሽ ብምባል ኣብ ልምዓታዊ ምትሕግጋዝ ተዓፃፃፊ ስራሕ ይሰርሓ ኣለዋ። ባድመስ ሓደ ግዜ ብቤት ፍርዲ ስለዝተወሰነ ኦሮማይ ናብ ዝኸዶ የብሉን።

  • Simon G. July 13, 2015

    If anyone believes that if Ethiopia withdraws from Badme (which it should), then isayas will change his attitude and style of dictating, they must be naive. The next day, he will come up with some lame excuse as this. Then, those usual clappers will repeat his statement. The, the usual complainers (like me) will have something new to complain. Isayas will never leave his post unless he pushed out. When are we going to learn?

POST A COMMENT