Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ሰብ ኣብ ዓዱ!እኽልንከ ኣብ ዓውዱ!!!” II

“እዚ እኽሊ ኣብ ዓውዱ! ሰብከ ኣብ ዓዱ” ኣስፍሕ ኣቢልካ ኣይገለጽካያን! ኣብርህ ኣብሎ ዝብል ሕቶን? ርእይቶን! ብስልክን ብስቱር ደብዳቤን ስለ ዝመጽኣኒ፡ ደጊመ ክጽሕፍ ንኣንበብቲ ኣሕዋተይ ብዝርደኦም መልክዕ ከቕርብ ብትሕትና ይሕትት። መብዛሕቶና! ደቂ ሓረስቶት ምዃና መሰረት ብምግባር፡ እኽሊ

“እዚ እኽሊ ኣብ ዓውዱ! ሰብከ ኣብ ዓዱ” ኣስፍሕ ኣቢልካ ኣይገለጽካያን! ኣብርህ ኣብሎ ዝብል ሕቶን? ርእይቶን! ብስልክን ብስቱር ደብዳቤን ስለ ዝመጽኣኒ፡ ደጊመ ክጽሕፍ ንኣንበብቲ ኣሕዋተይ ብዝርደኦም መልክዕ ከቕርብ ብትሕትና ይሕትት።
መብዛሕቶና! ደቂ ሓረስቶት ምዃና መሰረት ብምግባር፡ እኽሊ ተዘሪኡ፡ በቒሉ፡ ኣብ ዓጺድ ምስ በጽሔ፡ ድሕሪ ዓጺድ ድማ፡ ኣብ ቆሚጦ ተጸፍጺፉ ወይ ተደርዲሩ፡ ምስ ተኣከበ፡ብድሕሪኡ ኣብ ዓውዲ ንመኸዳ ይቐርብ እሞ! እቲ ዝግብኦ ክብርን መጎስን ፡መዓርግን፡ ዝርከቦ ኣብ ዓውዲ እዩ። ክብሪ ኣብ ዝረኽበሉ ግዜ ትዕግስትን ጸሎትን፡ ሰፊኑ ንረኽቦ። ኣብ ዓውዲ ዓውዓው ኣይባሃልን እዩ። ድምጽኻ ኣትሒትካ ብስነ-ስርዓትን፡ ብጸሎትን ፍርያትና ብሰላም እንሓፍሰሉ፡ ትዕግስትን፡ ፍቕርን ሃበና፡ ንሰላምን ንርግኣት ግበረልና፡ በረከት ኣብዝሓልና፡ ሓጎስ ንሰላም ሃበና እናተባህለ ይሕፈስ።ብሰላም ክንበልዖ ኣምላኽ ባርኸና።
ኣብ ገዛ ምስ ኣተወ ግና፡ኣብ ቖፎ፡ ዋናታቱ፡ ሰብ ቤት! ወይ ወዘራዝር ገዛ ስለ ዝውንነኦ ክብሩ ይፈኩስ ማለት እዩ። እንተደለያ ይጥሕነኦ፡ እንተደለያ ይጥጥቖኦ፡ እንተደለያ ይሸጦኦ፡ ክብሪ እኽሊ ይሓሰር።
ካብዚ እንታይ ክንምሃር ይከኣል?። ኣበይ እኽሊ ይኸብር? ኣብ ዓውዱ። ኣበይከ ይሓስር ኣብ ገዛ ንብረት ገዛ ምስ ኮነ እዩ።
እኽሊ ክብሪ ዝረኽበውሉ ኣብ ዓውዲ ካብ ኮነ፡ ሰብከ! ከመይ ኢሉይ ድኣ ኣብ ዓዱ ክብሪ ይረክብ? ንዝብል ሕቶ! ክንምልሽ! እንተድኣ፡ ኮይኑ! ወድ ሰብ ኩሉ ሻዕ ክብሩ ኣብ ዓዱ ጥራሕ እዩ። ከመይሲ! ወድ መን ምኻኑ! ኣሕዋት መን፡ ምዃኑ፡ ዝገልጽ መበቖሉን፡ እንታይነቱን፡ ምስ ዝፍለጥ ጥራሕ እዩ። እሞ! በጋሚዶ! ሻዕብያ ድኣ ንምንታይ ዓዲ ኣይትሕተት እናበሉ  ንኣርባዓ ዓመታት ዝዘመሩ? ዘደንቖሩን? ዝቐንጸሉን? ዓዲ መበቆል ምፍላጥ ከመይ ኢሉ ገበን ኮነ? ወዲ ሰብ ኣብ ዓዱ ክብሪ ካብ ሃለዎ፡ ኽብርኻ ኣይትሕተት ዶ! ኣይኮነን ዘመልክት?
ዓዲ ዘይብሉ ሰብ ስደተኛ ይብሃል። ኤርትራዊ ግና ከይ ሞተ ኸሎ ዶ! ኣይኮነን ዝሞተ? ልቢ ኢልኩም ተዓዘቡ ኣንባብቲ!!! ኣብ ዓድኻ ኮንካ! ዓድኻ ክትገልጸሉ ዘይምኽኣልካ እሞኽኣ! ከም ገበነኛ ዘቑጽረካ ከመይ ማለት እዩ? ኢሉ ንዝሓትት? መን! ብትኽክል ክምልስ ይኽእል?
ኣብነት፡
ሓደ ሰብ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ይገይሽ እሞ! ኣብዝ ኣተዎ ዓዲ፡ ሕቶታት፡ ካብ ደቂ ዓዲ ይቐርበሉ፡
ኣንታ መንገደኛ፡ ካበይ መጻእካ?
 
መንገደኛ፡ ካብ ዓዲ እገለ፡
ወዲ ዓዲ፡ ወድ መን ድኣ ኮንካ?
መንገደኛ፡ ወዲ እገለ!!
ካብ ገዛ እከለ!
ወዲ ዓዲ! እዋእ እዞም ገዛ እዚኦም ድኣ! ኣሕዋትና እንድዮም ወይ መዋስብትና እንድዮም፡ ወይ መቓርብትና፡ ወይ መጋይሽትና ዝብል መልሲ ስለዝስዕብ፡ ኣብ ምትእምማንን፡ ኣብ ምቕርራብን ይበጽሕሞ! እቲ መንገደኛ ካብ ዝተጸበዮ ንላዕሊ እንግዶትን በረከትትን ሽሻይን ይቐርበሉ። “ሕማቕ ኮንካ ካብ ሰብ ተወለድ” እናበለ
ብመንነቱ ይሕበንን ይኾርዕን።
 
ዝነበረ ኣግባብን ስርዓትን ልምድን፡ ሕግን ዓደቦ እዩ። ኮይኑ ግና፡ ኣብ ግዜና፡ ብመጀመርያ! መንነትና ክንጉሕፍን፡ ክንቕንጥጥን፡ ተገደድና። መንነትና ብመጀመርያ፡ ዘጥፍኡን፡ ዝቐንጠጡናን፡
ናይ መጀመርያ ሙሁራት ክሳብ 1950፡ ብቀዳማይ ጉድለት ኣርኣዩ ክባሃል ይካኣል! ንህዝቢ ኤርትራ ዝግባእ ክብርን ምዕቃብ ባህልን ታሪኹን እቶም ዘበናዊን ግዝያዊን ዝተሙሁራት ኤርትራውያን! ብታሪኽናን ባህልናን ዘየሕፍር ምኻኑ ከይኣፍለጡና ናብ ባኖን ቪላ ተሰጋገሩ።
 
ምኽንያቱ፡ ታሪኽ ህዝቦምን ወለዶምን ንኽፈልጡ ብዝይምጽዓሮምን፡ ከጻርዩ ብዘይ ምድላዮምን ኣበርክቶኦም ድሩት ኮይኑ ንረኽቦ። ኣብ ቅድሚ ሃገራዊ ታሪኽ ጉድለቶም ብሩህን ንጹርን ኮይኑ ይርኤ። በዚ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ሃጸይ ሃይለስላሴ ከገልግሉ ዝመርጹ ወይ ዝተቓወሙን ኣብ ክልተ ደምበ ተፈልዩ። እቶም ንጃንሆይ! ዝተቓወሙ፡ ነጻነት ኤርትራ ክሓቱ ከለዉ፡ እቶም ንጃንሆይ ዝሰዓቡ ኣንድነት መረጹ።
 
ሙሁራትና፡ ብመጀመርታ ታሪኾም፡ ቀጺሎም ባህሎምን፡ ኣስዕብ ኣቢልካ ያታዊ ሃገሮም ፈሊጦም ከፍልጡ ምተገብኤ፡ ኣይገበርዎን፡ ድማ። እምብኣር፡ ክንፈልጦ፡ ዝግበኣና እንተ ሃልዩ፡ ኤርትራውያን ምሁራት ኣብ ታሪኽካን ባህልኻን ኣብ ምፍላጥን ምዕቃብን ዝፈጸምዎ ጉድለትን፡ መንፍዓትን ክንፈልጥ ክንግደድ ኢና።
 
እዞም ሙሁራት እዚኣቶም ብሓጺሩ መሰረት ትምህርቶም ኣብ ግዜኦም እንተ ብፍላጥ እንተ ብዘይፍላጥ ኣብ ኤርትራዊ መንነትን ሃገራውነትን ዝተነጸረ  መርግጽ ኣይረኤይን ነበረ። ኮይኑ ግን፡ ኣብቲ ከቢድ ግዜ ዝተማህሩ፡ ብልጸት ዝነበሮም ምሁራት ከም ዝነበሩ ታሪኽ ይነግረና። ኣስማት እንተድኣ፡ ክንጠቅስ ኮይኑ፡ ኣቶ ሎረንሶ ታእዛዝ፡ ኣቶ ኢፍረም ተወልደ መድህንን ኣብቲ ብሉጻት ኮለጅ ዓለም ዝተማህሩ ነበሩ።
 
ኤርትራውነት ወይ ሃገራውነት ዝተመርኮሰ ምንቅስቓስ ኣይገበሩን ክብሃል ይካኣል። እቶም ንኤርትራ ሃገርን ሓራን ክትከውን ዝበሉ ግና፡ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ከም ዝነበሩ ክርሳዕ የብሉን፡ ኣብ ዝገበርዎ ምንቕስቓስን፡ ዝነበሮም ሃገርዊ ኣተኩሮን ኣድላይነት ሃገራዊ ዕዮን ድማ ኣብ ታሪኽም ይርኤ ኣሎ።
 
ብመጀመርያ ሙሁራት ኤርትራውያን፡ ብመንነቶም ዝኾርዑን፡ ዝንየቱን ብዘይምንባሮም፡ ከቢድ በሰላ ገዲፎም፡ ሓለፉ ክብሃል ይካኣል። ታሪኽ ኤርትራ ካብ ግዜ ጣልያን እዩ ዝጅምር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ግዜ ሃጸይ ምንሊክ ዳግማዊ ይጅምር። እዚ ታሪኽ ሃገሮም፡ ዘይፍለጡ ነይሮም እዮም ክንብል ኣይንደፍርን፡ዝነበሩ ምሁራት፡ ኣጸቢቖም ከም ዝፈልጡ ከም ዝነበሩ ታሪኽ ይሕብር።
ሃገሮም ኣብ ባዕዲ ኣብ ዝነበረትሉ ትምህርቲ ንክቕጽሉ ኣብ ስደት ከርተት ከምዝበሉ ታሪኽ ይነግረና እይ። ብኣካ ይድኦም፡ ብኣነባብሮኦም፡ ብምንቅስቓሶም፡ ካብ መግዛእቲ ዝተወርሰ ጉዕዞ ድኣምበር፡ ብሓበሻነቶም ዝኸበሩሉን ዝንየቱሉን፡ ዝኾርዕሉን ታሪኽ መሰረት ከይ ኣትሓዙና እዮም ሓሊፎም።
ኣብ ሃይማኖት እንተወሰድናውን እቶም ክርስትያን ኤውሮፓነት ክስዕቡ ህርድግ ይብሉ፡ እቶ ኣስላም ዓረብነት  ክኾኑ ህርድግ ክብሉ ተራእዩ
ናይ ካልኣይ ደረጃ ሙሁራት፡  ካብ 1941 ክስብ 1974 ዓመፈ እንተርኤና፡ ብደሳዊ ደንበ ወይ ማርክስነት ለሊንነት ዝተላዕጠጠ ኮይኑ ንረኽቦ። ብመንነቱ ክሓስብ ዘይድሊ ዜጋ፡ ታሪኹ ዝረስዔ፡ ታሪኹ ክፈልጥ ዘይደሊ፡ ብመነንቱ ዘይኮርዕ፡ ተጋዳላይን ሰራዊትን ተፈጥረ። ኣብ ዓቢ ስነ ኣእምሮ ቅልውላው ንህዝቦም ኣእትዮሞ ድማ ይርከቡ።
ሓበሻ መንነት ቀቢሮም፡ ኤርትራዊ ሃገርነት ኣማዕቢሉም፡ ሕጊ ዓደቡኦም ኣፍሪሶምን፡  ፍትሕን ስርዓትን ንኽዛባዕ ኣማዕድዮም እናረኣዩ ኣስቂጦንም፡ ብማዕዶ ብምርኣዩም ድማ፡ ነዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ቅልውላውን፡ ክሕደትን፡ ጥልመትን፡ ጨካንነትን፡ ወይ ሕጊ ኣልቦነት! መሰረት ኮይኖም፡ ሃገር ኣብ ብርሰት እናኸደት ዝገበርዎ ክሕደትን ጥልመትን ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ኣሕፊሩዎም፡ ገጋኦም ንኽሽፍኑ ኣስቂጦም ብሓባር ሃገሮም ኣብ ምዕናውን ጥፍኣትን ኮይኖም ይርከቡ።
ሰብ ኣብ ዓዱ እኽሊ ኣብ ዓውዱ!!!!
ሰብ ኣብ ዓዱ እዩ ዝነብር። “ዓድኻ ፍርሕን ትኽልክለልካ! ሞት ግን ነይ ትኽልክለልካ” ዝብሃል ሰብ ኣብ ዓዱ ከይፈርሔ ስለ ዝነብር እዩ። ዓደይ ዓደይ ዘብሎ። ወዲ ሰብ ኣብ ዓዱ ብዘይ ሕግን ስርዓትን ክነብር ኣይክእልን። ህዝቢ ኣብ ዓዱ ብባህልን፡ ብስነ ምግባርን፡ ብእምነቱን፡ ብኣነባብሮኡን መንበሪኡን ይምስክር። ሓደ ህዝቢ ኣብ መነባበሪኡ፡ ኣብ ልምዱን፡ ኣብ ኣከያይዳኡን፡ ኣብ ዕለታዊ ጉዕዘኡን ኣብ ጠባያትን፡ ኣብ ኣመላቱን፡ ኣብ ታሪኹን፡ ተተሓሒዙ ዝጉዓዝ መነባብሮኡ ዝርኤ ስለ ዝኾነ እዩ።
“ስነ ስርዓት ዘይብሉ ህዝቢ ጨው ከም ዘይብሉ መግቢ” ከም ዝባሃል ወዲ ሰብ ብሂወቱ ከሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ሞተውን ብኽብሪ እዩ ዝፋኖ። ንሱ ድማ ስነ ስርዓት ቀብሪ፡ ብእምነቱ ዝፍቀድ ጸሎትን ፍትሓትን፡ ኣብ ባህሉ ዝጸንሔ፡ ብመልቀስን፡ ብታሪኻዊ ኣገላልጻ ተገሊጹ ዝነበረ ናብራ ጉዕዞኡን ተዘኪሩ ይዛዘም።
ኣብ ኤርትራ! እዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ሕጊ ኣልቦነት ከመይ ኢሉ ከም ዝማዕበል ብሕጽር ዝበለ ክንርእዮ ንኽእል። ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ፡ ዘበናዊ ትምህርቲ ዘስዓቦ ሕጽረት ድንቑርና፡ ብመንነትካ ዘይምሕባንን፡ ዘይምኹራዕን፡ ተለቃሒ ታሪኽን፡ ተለቃሒ ባህሊን ምዃን፡ ሳዕቤኑ ኣብዚ ሕጂ ወዲቕናዮ ዘለና ንኽንወድቅ ከም ዘብቅዓና ንመልከት።
ሰብ ኣብ ዓዱ ካብ ኮነ ክብሩ!!!!
ኤርትራውያን፡ ብብዝሒ መነነትና ሓበሻ፡ ከም ምዃና ከይረሳዕና፡ ሃገርና ግና ኤርትራ ናይ ሓባር ምስ ኩሎም ብሄራታትን፡ እምነታን ፈሊጥና፡ ከመይ ኢልና ሓቢርና ሽግርና ንኽንፈትሕ፡ ክንጽዕር ዝግብኦ፡ ኣተኩሮ ሂብና፡ ተመያይጥና፡ ተላዚብና፡ ከም ህዝብን፡ ከም ሃገርን ንኽንፈትሕ ክንሓስብ ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት ኣምበር ናይ ዉሱናት ዜጋታት፡ ግዴታ ጥራሕ ኣይኮነን።
 
ክብርን ሞጎስን ዝርከብ ኣብ ዓድኻን፡ ኣብ ሃገርካን ድኣምበር ኣብ ስደት ኣይኮነን። ኩሉ ዜጋ ሓላፍነቱ ክፈልጥ ናይ ግድን ይኸውን። መጋረጃ ተቐንጢጡ ኣዒንቱ በሪሁ ንኽርኢ ጻዋዒት፡ ህጹጽ ሃገርዊ ጻውዒት ንኹሉ ደላይ ፍትሒ እዩ። ሃገር ኣብ ጉንዲ ተቐይራ ከምዘላ ንርኢ ኣለና! “ሓደ ኦም ንኸፍሪ ጨንፈርን፡ ኣቑጽልትን ስል ዘድልዮ፡ ሓደ ህዝቢ ድማ ንኽጥጥዕ፡ መንእሰይን ክበዝሕ ድኣምበር ክጸንት የብሉን”።
ሰብ ኣብ ዓዱ እኽሊ ኣብ ዓውዱ!!!!!!!!!
ውድቀት ንማፍያ ህግደፍ!!
ምልኪ ይፍረስ!! ሕጊ ይንገስ!!!!
 
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 11-6-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • Kalighe November 9, 2013

    “ሓበሻ መንነት ቀቢሮም፡ ኤርትራዊ ሃገርነት ኣማዕቢሉም፡”

    ሃይለ ገብረትንሳኤ

    Sir, you seem to forget that Eritrea was a colony, and as such Eritrean nationalism was a necessity. You and Yousief Ghebrehiwet are more interested in Habesha identity for reasons we know too well. You keep accusing Ghedli, and you have yet to say a word about Ethiopian atrocities in our land. If you think the Ethiopian Army was distributing red flowers around the country you need to see a doctor. Besides, Eritrea is a multi-cultural country, there are Habesha and non-Habesha (this is a fact all Ethiopianists refuse to acknowledge), who-is-who culturally has never been a problem.

  • Tekluu Ghubtaan November 9, 2013

    Kalighe

    Akedimee n Ato Haile kemsgenoo edli selti tentaeni, sefihn, meharen zehzele afltuon aberktuan,
    Kedeem gujulle mafia adi ay tetkesuu keblena kolo , kab adnana nelalii, mengestee semay zetweenna emselnaa neru , amliknayoom ka kulu zebelwoo keihatetna tekbilnayo zi rekibnayoo zelna hisem nesoom try eyom zefeltwoo nerom… kemzi lomi ay neadi ay nhager ay nenbsena gerom ..ab sedt mesetsguana germ geru keiterdaana keloo temueh hgdef kelo.
    Entee KALIGHE zebelkayo gn ,gezae aynebrnaan ti gezai aamatsi lelii tom gzatii zebelkayom zi ab adina selattan zesrkee gugulee mafai eyu…gna kab aazektii ti gugelle ay wetskn zeleka amlak meska ekuun..

    • Kalighe November 9, 2013

      “Entee KALIGHE zebelkayo gn ,gezae aynebrnaan ti gezai aamatsi lelii tom gzatii zebelkayom zi ab adina selattan zesrkee gugulee mafai eyu…gna kab aazektii ti gugelle ay wetskn zeleka amlak meska ekuun..

      Tekluu Ghubtaan

      Dear Tekluu it’s true that the regime is the worst Eritrea has ever seen.
      But don’t tell me we didn’t knew this long ago. You may be knew to this but I can assure you that I have known this at list for the last two and half decades.
      If you are saying “gezae aynebrnaan -> we never had a colonizer”, you are not alone. A few who feel uncomfortable to call themselves “Eritrean” are switching to the new found ‘Habesha’ identity instead. I don’t have any problem with that but they could do it better in the land of their ancestors south of the border, instead of trying to drag everyone into their identity crisis.

  • Hidat November 9, 2013

    “SEB AB ADU EKLENNKE AB AWDU” NETOM HANTS KULU MENESEY DEA KAB ERITRA YEWXE EMBER AB MDREBEDA YDEFEN AB BAHRIII YETO AYAGDSOMN EYU.ETOMMM BSUTRN BDEBDABEN ZIHTETUKA SELEMNTAY AB ADKUM YEBL ALO ELOM EYOM. KABAKA AYTEXEBEYWON KALE ENTAY MISHTER KEYHLWO?

  • Kalighe November 9, 2013

    “ኣብ ኤርትራ! እዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ሕጊ ኣልቦነት ከመይ ኢሉ ከም ዝማዕበል ብሕጽር ዝበለ ክንርእዮ ንኽእል። ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ፡ ዘበናዊ ትምህርቲ ዘስዓቦ ሕጽረት ድንቑርና፡ ብመንነትካ ዘይምሕባንን፡ ዘይምኹራዕን፡ ተለቃሒ ታሪኽን፡ ተለቃሒ ባህሊን ምዃን፡ ሳዕቤኑ ኣብዚ ሕጂ ወዲቕናዮ ዘለና ንኽንወድቅ ከም ዘብቅዓና ንመልከት።”

    ሃይለ ገብረትንሳኤ

    According to the latest literature of the new Ethiopianists: Eritreans are only Habasha or Tigreyans of Eritrea, but not Eritreans. Forget about being called Eritrean !!. The writer bases his views on this well known ideological premises meant to deny Eritreans their nationalism, a glue that keeps them together.
    So, even the problems of dictatorship the country is suffering from, according to this writer it’s because we are not proud Habesha. From now on I want be a proud Habesha … if that solves my problems with the brutal regime is Asmara. But don’t tell me Tigraway .. am not, I am a proud Eritrean.

    • Haile G. Tensae November 9, 2013

      Selam Ato Kalige on!
      How are you doing? I hope you open up your veil that makes you a man of courage. Who are you? What is your name? I hope you know the ancestor of the “Habesha” people. Where do they come from? Who were they? When did Habesha become the Habesha?You have to find out yourself.

      As Eritrea is concerned, we were created geographicaly by the Italian colonizer and The Emperor Menelik II of Ethiopiaon 1890s. The Emperor sold Eritrea for the Italians.

      Eritrea become a colony. The allied forces liberated it. The British were the trusty by the UN. The rest is history.

      Eritrea is a geographical name. It is not an identity. Yes Eritrea is multi tribe Nine tribe+ Erob+ Elit + Jebertty.

      It is up to you to find out who your ancestory are. As name calling is un called for.I hope you understand the calture of argument.

      Open up you mind and your soul.
      Good Day
      Hawka
      Haile G. Tensae

  • Kalighe November 9, 2013

    Selam Ato Haile G. Tensae

    How are you doing? I hope you will know that courage is not limited only to men.
    I you had been a Tegadali (which you hate so much) you would have seen how our young ladies have fought with exceptional bravery.
    You don’t seem to be good to our mothers either: “ዋናታቱ፡ ሰብ ቤት! ወይ ወዘራዝር ገዛ ስለ ዝውንነኦ ክብሩ ይፈኩስ ማለት እዩ።”.

    – “Who are you? What is your name?”
    I am Eritrean. That much is enough for now.

    – “I hope you know the ancestor of the “Habesha” people. Where do they come from? Who were they? When did Habesha become the Habesha? You have to find out yourself.”

    I really don’t know about “ancestor of the “Habesha” people”. Tell me more on this.
    Looking at it from supremacists’ viewpoint may be all Habesha have one ancestor !!
    I don’t know when Habesha did become the Habesha. I appreciate if you tell me when did this happen. I am here to learn. Since we are at it, I have a question to you: do you think the Tigre speakers of Eastern Sudanese are Habesha ?, What about Somalis of Ogaden, Kenya and Djibouti ??, do you think the Oromo should be considered Habesha.

    – “Eritrea is a geographical name. It is not an identity. Yes Eritrea is multi tribe Nine tribe+ Erob+ Elit + Jebertty.”

    So, according to you Eritreans cannot claim to have also a national identity, beside being Habesha and non-Habesha. Why ???

    Are you Eritrean, and if so, why do think it’s ok to classify people as being Habesha and by consequence non-Habesha caste, in a country where this kind of problem is not there.
    Who are you trying to serve ?

  • Tekluu Gubtaan November 10, 2013

    Abzii Emo

    Ato Haile , bglstsi mengedii yerdaana alo , wanna nay ti meellekti tshuffu dema, “kemay elu zi ab adi sltaan hizu zelo seraat KONE ELU KEBRII NAY AADEN ,BAHELN, KEM ZEKETLOO EYU ZERDNA ZELO .lomi ketsahsboo kelkeaa “adkuum ayteswuaa , awurajakum aytsemayuu, beherkuum atengerru selehadent” ena bele weldoo ateliluna. nehnaa ka aminayoom zehysh do da alawom kyunu elana …..Eti hakii wy telmi gn kemu ayneberen kebtatununa kem deki zagra fokdo adi hager , ab meabul gilanent defafommna, segr baheren wukyanos ay ni adii ay nawuudi kegbruuna sel zedlu eyu.. lomi ab sedet wga zeibelna mskona ka kulu eberhalnaa alo sala beal Haile seb kemhruu , kenkakhuu ab serh zetsmeduu.
    Eti habesha gele gn kala zerba u endherr Habesha mn mekanuu ketfelt delika habesh N Yemnawuyan B kaloot Areb zetewabee sm eyu lomi nabzi eritrean ethiopian zebahl zelo adi tesdidom ms metsu temalomo metsoom ka . kem zemselnii N tezarebtii Tegrigan wy Amharinaa zetwahbee sem mesiluka alo ATO Kakiligh kemu te koyunuu gaga eyu babuu gn sem sem u metswuu u kala yebluun…

  • Haile G. Tensae November 10, 2013

    ክክቡር ኣቶ ካሊገ
    ሰላም ንዓኻ ይኹን። ስምካ ወይ ስምኪ እንተንፈልጦ፡ ምስ መን ንዛረብ ከምዘለና ምፈለጥናሞ፡ ምትእምም ከኣ ምፈጠረልና። ሽምካ ሓቢእካ ኣይምጎትን እዩ። እንተድኣ ክምህርን ክመሃርን ዝብል ኮይኑ ወድ ሰብ፡ ጽፍሩ ከሊኡ
    ኣብ ቅርዓት፡ ወይ ኣብ ባይቶ ክምጉትን፡ ክዛረብ የጥዕመሉን የምሕረሉን ምዃኑ ከብርሃልካ ይፈቱ።
    1ይ. መን ኢኻ? ሰብ ኣይዶ ወይስ ሰበይቲ?
    2ይ. ኣብ ብዓቲ ወይ ኣብ ጉብጡሽ ኣቲኻ ድማ ኣይፍከርን እዩ።
    3ይ. ማንም ሰብ ወይ ዜጋ፡ ካብ ሰቡ ንላዕሊ፡ ተገዳስን፡ ተሓልቕን፡ ኣብ ጉዳይ ሃገር፡ የልቦን።
    4ይ. “ስነ ስርዓት ዘይብሉ ህዝቢ፡ ጨው ከምዘይብሉ መግቢ” ከም ዝባሃል ስነስርዓት ምሕላው የኽብር ዳኣምበር ኣየሕስርን እዩ።
    5ይ. እዚ “መርበብ ኣሰና” ንመምሃሪ፡ ንመፍለጢ፡ ንመራኸቢ፡ ንመሔበሪ፡ ንመዘኻኸሪ፡ ንመረዳደኢ፡ ንመዘናገዒ..ወዘተ፡ ክኾነልና ምእንቲ ከነኽብሮን ከነማዕብሎን ናይ ኣንበብቲን ሓተትን ጸሓፍትን መኸርትን ኣረምትን መሃርትን ሃገራውያን ሓላፍነት ምዃኑ ክበርህ ይድሊ።

    ክትፈልጥ ስለ ዝሓተትካ ብሓጺሩ ኽገልጸልካ፡ ናይ ምምሃርን ምምርማርን ግና ናትካ እዩ።
    ሓበሻ፡
    መበቆል ሓበሻ ብሰለስት ዘርኢ ይመጽእ። 1. ካብ ሰማውያን፡ ካብ ሓማውያን(ዓረባውያን)፡ ካብ ኩሻውያን እዩ። ሰማውያን ኣይሁድ ይባሃሉ ሕጂ፡ ደቡብ የመን ዝመበቆሎም ዓረባውያን ናብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ፈሊሶም መጹሞ፡ ኣስዕብ ኣቢሎም ምስ ደቀባት ኩሻውያን ተዳቐሉ። ናይ ሰማዉያንን፡ ሃማውያንን፡ ኩሻያውያን ምትሕንፋጽ፡ ኣግኣዝያን ይውለዱ፡ ኣግኣዝያን ቛንቛኦም ግእዝ ነበረ።

    ቛንቛ ግእዝ ኣብ 13-14 ክፍለ ዘበን ፈረሰ ወይ ተበታተነ። ምስ እኽሱማዊ መንግስቲ ወደቐ።
    ግእዝ ድሕሪ መንግስቲ ኣኽሱም ተበታተነሞ፡ ብዙሓት ቛንቛታት ፈረየ።
    1ይ. ትግረ ኣብ ባርካ ወይ ህዝቢ በኒ ዓምር ይዝረብ ኣብ ቆላታት ኤርትራ፡
    2ይ. ትግሪኛ ኣብ ከበሳ ኤርትራን፡ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ኢትዮጵያን ይዝረብ።
    3ይ. ኣምሓርኛ ኣብ ማእከል ኢትዮጵያ ይዝረብ ( በገምድር-ጎጃም- ሽዋን ወሎን )።
    4ይ. ጉራጌ ኣብ ኢትዮጵያ ይዝረብ።
    5ይ. ኣደረኛ ኣብ ኢትዮጵያ ይዝረብ።
    6ይ. ኣርጎብኛ ኣብ ኢትዮጵያ ይዝረብ። እተን ክልተ ኣስማተን ኣይዘከርኩን ይቕረይታ።

    ትግረ ተዛረብቲ መበቆሎም ሓበሻ እዩ።

    ሰብ ወይ ክምህር ወይ ክመሃር ወይ ንኽመራመር መሰል ኣለዎ፡ እንተኾነ ግዕዙይን ጽዩፍን ቃላት ጌርካ ንሓደ ዜጋ ምቁንጻብ ስለዘይጠቅም “ተመሊስካ ትርእዮ ገዲፍካዮ ኣይትእቶ” ዝብሃል ምስላ ክም መምሃሪ ክንወስድ ይግባእ።

    ክቡር ኣንባቢ! ዝተጻሕፈ ኣንቢብካ ክትርዳእ ኣይከኣልካን፡ ኣብ ዘየድሊ ሓረጋትን ትርጓሜን ኣቶኻ፡ ዝተጻሕፈ ኣንባቢ ተመራሚሩ ክበጽሖ ምተገቤ፡ እንተኾነ ኣሽሪፍኩም ሃቡኒ ካብ በልካ፡ እንሆ!!!!!!
    ኣነ ብዜግነተይ ኤርትራዊ ብዘርኤይ ሓበሻ፡ ምዃነይ ከብርሃልካ ይፈቱ። ተጋዲለ ደኺመ ገና ኣብ ምቅላስ ይርከብ።

    ምስ ፍላስፋ ሃገርና ክቡር ዮሴፍ ገብረሂወት ስለ ዝጸምበርካኒ ክብረት ይሃበለይ። ኣነ ግን ንዮስየፍ ብፍልስፍናኦን ኣቀራርባኦኡን ኣብ ጥቓኡ ኣይቀርብን፡ ዮሴፍ ካብ ዘለዉ ምሁራት ኤርትራውያን ብሓልዮት ሕዝቡን ብሓልዮት ሃገሩን ዝወዳደሮ ገና ኣይተርኽበን። ኢትዮጵያዊ ወይ ኣንድነት ኣይኮነን፡ ንህዝቡ ዝጣበቕ ክቡር ዜጋ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ።

    ሓውካ
    ሃይለ ገብረትንሳኤ
    ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
    ካኣት

    • MightyEmbasoyra November 10, 2013

      Thank you, Haile for the summary of Habesha’s history. Very educational.
      “ኣነ ብዜግነተይ ኤርትራዊ ብዘርኤይ ሓበሻ” – perfect answer!

  • Kalighe November 10, 2013

    – “ማንም ሰብ ወይ ዜጋ፡ ካብ ሰቡ ንላዕሊ፡ ተገዳስን፡ ተሓልቕን፡ ኣብ ጉዳይ ሃገር፡ የልቦን።”

    This is how you see it, others see it differently. That is why when you and your “felasfa” keep insulting Ghedli on every occasion, those who have spent their young age serving the cause of their people cannot remain silent. Because Iseyas is bad, you don’t abuse all those who were Tegadelti. Only some one like the infamous ‘felasfa”, with ulterior motives does that.

    ” “ስነ ስርዓት ዘይብሉ ህዝቢ፡ ጨው ከምዘይብሉ መግቢ” ከም ዝባሃል ስነስርዓት ምሕላው የኽብር ዳኣምበር ኣየሕስርን እዩ።”

    To whom you are saying this ?. Re-read your own article on the riots in “refugees” camps.
    Many were astonished to read what you had to say, due to that,you felt you had to explain what you were trying to say, because the tone in that article had no “ስነ ስርዓት” to say the least.

    “መበቆል ሓበሻ ብሰለስት ዘርኢ ይመጽእ። 1. ካብ ሰማውያን፡ ካብ ሓማውያን(ዓረባውያን)፡ ካብ ኩሻውያን እዩ። ሰማውያን ኣይሁድ ይባሃሉ ሕጂ፡ ደቡብ የመን ዝመበቆሎም ዓረባውያን ናብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ፈሊሶም መጹሞ፡ ኣስዕብ ኣቢሎም ምስ ደቀባት ኩሻውያን ተዳቐሉ። ናይ ሰማዉያንን፡ ሃማውያንን፡ ኩሻያውያን ምትሕንፋጽ፡ ኣግኣዝያን ይውለዱ፡ ኣግኣዝያን ቛንቛኦም ግእዝ ነበረ።”

    You did not answer my question fully. I was expecting an answer to your question: “I hope you know the ancestor of the “Habesha” people.”.
    It’s a well known fact that the Sabeyans (from the eastern region of Saba’ in Yemen) had an old civilization based on agriculture. It’s said that when the dam was broken the existence of that civilization come to end. The Himyar, Jaaiz and Habashat tribes where not Jews. Their civilization ended long before (at list one thousands years earlier) the advent of Judaism to Yemen. Today, people in Saba’ and Zofar which happens to be part of Oman, speak a language very close to the one spoken by Tigre in the Lowlands of Eritrea and Easter Sudan.

    “ምስ ፍላስፋ ሃገርና ክቡር ዮሴፍ ገብረሂወት ስለ ዝጸምበርካኒ ክብረት ይሃበለይ። ኣነ ግን ንዮስየፍ ብፍልስፍናኦን ኣቀራርባኦኡን ኣብ ጥቓኡ ኣይቀርብን፡ ዮሴፍ ካብ ዘለዉ ምሁራት ኤርትራውያን ብሓልዮት ሕዝቡን ብሓልዮት ሃገሩን ዝወዳደሮ ገና ኣይተርኽበን። ኢትዮጵያዊ ወይ ኣንድነት ኣይኮነን፡ ንህዝቡ ዝጣበቕ ክቡር ዜጋ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ።”

    You don’t need to tell me who is YG. For you he is a “ፍላስፋ” for me he is a sectarian Ethipianist. His effort to drive a wedge along ethnic lines is nothing new, a failed Ethiopian strategy. His insults to Tegadelti will never be tolerated.

    • Kombishtato November 10, 2013

      Kalighe writes,
      “You don’t need to tell me who is YG. For you he is a “ፍላስፋ” for me he is a sectarian Ethipianist.”

      There is nothing that Yosief Ghebrehiwet needs to be ashamed of believing in own his history, heritage, languages and identity. I am glad you did not call him as “Arabist” or “Arab slave … Abeed” as some inferiority laced groups who burn their own languages and who hate themselves are called by the Arabs they worship.

  • Kombishtato November 10, 2013

    ኣገናዕ!
    የቐንየለይ፤ እዚ እዩ እቲ ቐንዲ ሕማም ናይ ኤርትራ። መንነትካ ውርሻኻ ልምድኻ ቋንቋኻ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ናይ ነዊሕ ታሪኽካ ምንዓቕ።

    ኣቶ ሃይለ ገብረትንሳኤ ይብል:
    “ኣብ ሃይማኖት እንተወሰድናውን እቶም ክርስትያን ኤውሮፓነት ክስዕቡ ህርድግ ይብሉ፡ እቶም ኣስላም ዓረብነት ክኾኑ ህርድግ ክብሉ ተራእዩ”

  • Truly Truly i say to you November 11, 2013

    For the first time i couldn´t understand, Kaklighe´s uncorrected critic against Kibur, Haile G/ Tinsaie. Please Kalge why you are offended by the word Habesha like many Tigrian ofending when hearing the word Agame? In my view the central point Of Ato Hail´s speech is not about Habeshawinet, but he is briefing and indicating how Isayas and co, as well many socalled intelectuals and people from opposition side by burring their identity and damonizing and criminalizing to talk about about ancestoral original identity as if it is sin or taboo( Newri ነውሪ፣ Haram ሓራም), so that no Ertrawi would know about their hiding mission and its leaders identity, how they abusing power was elaborating for us. So where is the mistake? Is it not the main reason cause for Eritreans suffer because we deceived to know Isayas´s and co original identity? In my view for this enormously precious teaching, normally Kalighe you have to thank Ato Haile, instead blaming.
    The other point that disappointing me is, please how you dear to compare this real citizens contribution, with Yosef G/ hiwots garbage non Eritrean agenda and anti Eritrean independent propaganda? you really are compromising your intelligence. I realy disappointed of your nonsense critic. I wish, if everybody starts to be transparent to tell about his original identity atleast about four generations, before coming to talk about Eritrean politic as Ato Haile recommending.

    • Kalighe November 12, 2013

      “In my view the central point Of Ato Hail´s speech is not about Habeshawinet, but he is briefing and indicating how Isayas and co, as well many socalled intelectuals and people from opposition side by burring their identity and damonizing and criminalizing to talk about about ancestoral original identity as if it is sin or taboo( Newri ነውሪ፣ Haram ሓራም), so that no Ertrawi would know about their hiding mission and its leaders identity, how they abusing power was elaborating for us. So where is the mistake? ”

      Truly Truly

      When people feel proud about their Habesha cultural identity, there is nothing wrong in that, in fact it should be appreciated. It’s something every groups needs to do. Eritrea is made of a number of small ethnic, linguistic and cultural communities, and in such mosaic society diversity needs to be managed properly; else it can lead to unnecessary conflicts. What is happening nowadays is something that should cause worry to all of us. There is an irresponsible element that is trying to de-legitimatize the Eritrean revolution (Ghedli) by turning criticisms by concerned citizens directed at Ghedli experience, into a condemnation and call for its reversal. In the last two years, we have been following on the internet, what appears to be a well organized work to create a new ideology of Ethio-centric Habesha. The proponents of this ideology (Yosief G. and Girmay Y. and a few others with dubious identity) have been doing concerted effort to tell Eritreans that:
      – Kebesa Eritreans did not need to go to Sahel, because they were doing well.
      – Eritreans do not have a distinct historical national identity.
      – Eritrea has no history of its own that can justify its Statehood (i.e. there nothing but Ethiopia)
      – The problem is not Ghedli per se and mistakes committed in its name but it the very idea of Eritrea.

      The unusual interpretation of who are the Habesha, contextualized by these people is purely Ethiopian, although avoided visibility for political reasons at the moment. According to YG, the Habesha are Kebesa people. There is an underlying message that Habesha are Christians of both sides of Mereb. The Lowlanders are referred are Arab slaves and vilified for historically standing against Ethiopian expansionist policies. The ideologues of the new Habesha identity do not recognize Eritrea as an independent sovereign entity with which Ethiopia needs to settle problems and live in peace as a good neighbor but swallow it at the earliest, before things come to normality. The current plight of the people caused by a debilitating dictatorship is used to persuade ordinary Eritreans to abandon the idea of Eritrea as nation and join the nation of Habeshas, mother Ethiopia.
      I know we are on the same page regarding YG, but I am just to showing you my concern as ordinary Eritrean. See what Ethiopia is doing in Somalia, and you should expect the worst in Eritrea.

      ” I realy disappointed of your nonsense critic. I wish, if everybody starts to be transparent to tell about his original identity atleast about four generations, before coming to talk about Eritrean politic as Ato Haile recommending.”

      Ato Haile has not been very visible like YG and Girmay, but he has been a vocal critic of Ghedli, adding his voice to the two notorious guys I mentioned above. I have read every article he wrote with interest to understand where he stands.

      Did he say people should be Eritreans for “at least about four generations” before they open their mouth on Eritrean politics ?. This is what people should call nonsense.
      For me anyone who was born in Eritrea, loves it, has its interest at heart, is Eritrean. If this comment was directed at me (that is what I understood from the way you wrote it), to say that I was not Eritrean enough to criticize Mr. Haile; I just want tell both of you something: How old is Eritrea as a country since the Italians named it ?, make a guess, then multiply that at least by five, that much is the history of my ancestors in Eritrea.

      • HABTE November 13, 2013

        Kalighe
        You are not understanding what Haile is saying let alone to understand Y.G Before name calling and labeling your suspicion you should come with your own analysis to challenge either Haile or if you are capable YG and show how wrong they are this is how a dialogue goes. Name calling and just spitting your unfounded suspicion is not going to help you convince people,
        Cheers

POST A COMMENT