Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ሰብ ኣብ ዓዱ!እኽልንከ ኣብ ዓውዱ!!!” II

“እዚ እኽሊ ኣብ ዓውዱ! ሰብከ ኣብ ዓዱ” ኣስፍሕ ኣቢልካ ኣይገለጽካያን! ኣብርህ ኣብሎ ዝብል ሕቶን? ርእይቶን! ብስልክን ብስቱር ደብዳቤን ስለ ዝመጽኣኒ፡ ደጊመ ክጽሕፍ ንኣንበብቲ ኣሕዋተይ ብዝርደኦም መልክዕ ከቕርብ ብትሕትና ይሕትት። መብዛሕቶና! ደቂ ሓረስቶት ምዃና መሰረት ብምግባር፡ እኽሊ

“እዚ እኽሊ ኣብ ዓውዱ! ሰብከ ኣብ ዓዱ” ኣስፍሕ ኣቢልካ ኣይገለጽካያን! ኣብርህ ኣብሎ ዝብል ሕቶን? ርእይቶን! ብስልክን ብስቱር ደብዳቤን ስለ ዝመጽኣኒ፡ ደጊመ ክጽሕፍ ንኣንበብቲ ኣሕዋተይ ብዝርደኦም መልክዕ ከቕርብ ብትሕትና ይሕትት።
መብዛሕቶና! ደቂ ሓረስቶት ምዃና መሰረት ብምግባር፡ እኽሊ ተዘሪኡ፡ በቒሉ፡ ኣብ ዓጺድ ምስ በጽሔ፡ ድሕሪ ዓጺድ ድማ፡ ኣብ ቆሚጦ ተጸፍጺፉ ወይ ተደርዲሩ፡ ምስ ተኣከበ፡ብድሕሪኡ ኣብ ዓውዲ ንመኸዳ ይቐርብ እሞ! እቲ ዝግብኦ ክብርን መጎስን ፡መዓርግን፡ ዝርከቦ ኣብ ዓውዲ እዩ። ክብሪ ኣብ ዝረኽበሉ ግዜ ትዕግስትን ጸሎትን፡ ሰፊኑ ንረኽቦ። ኣብ ዓውዲ ዓውዓው ኣይባሃልን እዩ። ድምጽኻ ኣትሒትካ ብስነ-ስርዓትን፡ ብጸሎትን ፍርያትና ብሰላም እንሓፍሰሉ፡ ትዕግስትን፡ ፍቕርን ሃበና፡ ንሰላምን ንርግኣት ግበረልና፡ በረከት ኣብዝሓልና፡ ሓጎስ ንሰላም ሃበና እናተባህለ ይሕፈስ።ብሰላም ክንበልዖ ኣምላኽ ባርኸና።
ኣብ ገዛ ምስ ኣተወ ግና፡ኣብ ቖፎ፡ ዋናታቱ፡ ሰብ ቤት! ወይ ወዘራዝር ገዛ ስለ ዝውንነኦ ክብሩ ይፈኩስ ማለት እዩ። እንተደለያ ይጥሕነኦ፡ እንተደለያ ይጥጥቖኦ፡ እንተደለያ ይሸጦኦ፡ ክብሪ እኽሊ ይሓሰር።
ካብዚ እንታይ ክንምሃር ይከኣል?። ኣበይ እኽሊ ይኸብር? ኣብ ዓውዱ። ኣበይከ ይሓስር ኣብ ገዛ ንብረት ገዛ ምስ ኮነ እዩ።
እኽሊ ክብሪ ዝረኽበውሉ ኣብ ዓውዲ ካብ ኮነ፡ ሰብከ! ከመይ ኢሉይ ድኣ ኣብ ዓዱ ክብሪ ይረክብ? ንዝብል ሕቶ! ክንምልሽ! እንተድኣ፡ ኮይኑ! ወድ ሰብ ኩሉ ሻዕ ክብሩ ኣብ ዓዱ ጥራሕ እዩ። ከመይሲ! ወድ መን ምኻኑ! ኣሕዋት መን፡ ምዃኑ፡ ዝገልጽ መበቖሉን፡ እንታይነቱን፡ ምስ ዝፍለጥ ጥራሕ እዩ። እሞ! በጋሚዶ! ሻዕብያ ድኣ ንምንታይ ዓዲ ኣይትሕተት እናበሉ  ንኣርባዓ ዓመታት ዝዘመሩ? ዘደንቖሩን? ዝቐንጸሉን? ዓዲ መበቆል ምፍላጥ ከመይ ኢሉ ገበን ኮነ? ወዲ ሰብ ኣብ ዓዱ ክብሪ ካብ ሃለዎ፡ ኽብርኻ ኣይትሕተት ዶ! ኣይኮነን ዘመልክት?
ዓዲ ዘይብሉ ሰብ ስደተኛ ይብሃል። ኤርትራዊ ግና ከይ ሞተ ኸሎ ዶ! ኣይኮነን ዝሞተ? ልቢ ኢልኩም ተዓዘቡ ኣንባብቲ!!! ኣብ ዓድኻ ኮንካ! ዓድኻ ክትገልጸሉ ዘይምኽኣልካ እሞኽኣ! ከም ገበነኛ ዘቑጽረካ ከመይ ማለት እዩ? ኢሉ ንዝሓትት? መን! ብትኽክል ክምልስ ይኽእል?
ኣብነት፡
ሓደ ሰብ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ይገይሽ እሞ! ኣብዝ ኣተዎ ዓዲ፡ ሕቶታት፡ ካብ ደቂ ዓዲ ይቐርበሉ፡
ኣንታ መንገደኛ፡ ካበይ መጻእካ?
 
መንገደኛ፡ ካብ ዓዲ እገለ፡
ወዲ ዓዲ፡ ወድ መን ድኣ ኮንካ?
መንገደኛ፡ ወዲ እገለ!!
ካብ ገዛ እከለ!
ወዲ ዓዲ! እዋእ እዞም ገዛ እዚኦም ድኣ! ኣሕዋትና እንድዮም ወይ መዋስብትና እንድዮም፡ ወይ መቓርብትና፡ ወይ መጋይሽትና ዝብል መልሲ ስለዝስዕብ፡ ኣብ ምትእምማንን፡ ኣብ ምቕርራብን ይበጽሕሞ! እቲ መንገደኛ ካብ ዝተጸበዮ ንላዕሊ እንግዶትን በረከትትን ሽሻይን ይቐርበሉ። “ሕማቕ ኮንካ ካብ ሰብ ተወለድ” እናበለ
ብመንነቱ ይሕበንን ይኾርዕን።
 
ዝነበረ ኣግባብን ስርዓትን ልምድን፡ ሕግን ዓደቦ እዩ። ኮይኑ ግና፡ ኣብ ግዜና፡ ብመጀመርያ! መንነትና ክንጉሕፍን፡ ክንቕንጥጥን፡ ተገደድና። መንነትና ብመጀመርያ፡ ዘጥፍኡን፡ ዝቐንጠጡናን፡
ናይ መጀመርያ ሙሁራት ክሳብ 1950፡ ብቀዳማይ ጉድለት ኣርኣዩ ክባሃል ይካኣል! ንህዝቢ ኤርትራ ዝግባእ ክብርን ምዕቃብ ባህልን ታሪኹን እቶም ዘበናዊን ግዝያዊን ዝተሙሁራት ኤርትራውያን! ብታሪኽናን ባህልናን ዘየሕፍር ምኻኑ ከይኣፍለጡና ናብ ባኖን ቪላ ተሰጋገሩ።
 
ምኽንያቱ፡ ታሪኽ ህዝቦምን ወለዶምን ንኽፈልጡ ብዝይምጽዓሮምን፡ ከጻርዩ ብዘይ ምድላዮምን ኣበርክቶኦም ድሩት ኮይኑ ንረኽቦ። ኣብ ቅድሚ ሃገራዊ ታሪኽ ጉድለቶም ብሩህን ንጹርን ኮይኑ ይርኤ። በዚ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ሃጸይ ሃይለስላሴ ከገልግሉ ዝመርጹ ወይ ዝተቓወሙን ኣብ ክልተ ደምበ ተፈልዩ። እቶም ንጃንሆይ! ዝተቓወሙ፡ ነጻነት ኤርትራ ክሓቱ ከለዉ፡ እቶም ንጃንሆይ ዝሰዓቡ ኣንድነት መረጹ።
 
ሙሁራትና፡ ብመጀመርታ ታሪኾም፡ ቀጺሎም ባህሎምን፡ ኣስዕብ ኣቢልካ ያታዊ ሃገሮም ፈሊጦም ከፍልጡ ምተገብኤ፡ ኣይገበርዎን፡ ድማ። እምብኣር፡ ክንፈልጦ፡ ዝግበኣና እንተ ሃልዩ፡ ኤርትራውያን ምሁራት ኣብ ታሪኽካን ባህልኻን ኣብ ምፍላጥን ምዕቃብን ዝፈጸምዎ ጉድለትን፡ መንፍዓትን ክንፈልጥ ክንግደድ ኢና።
 
እዞም ሙሁራት እዚኣቶም ብሓጺሩ መሰረት ትምህርቶም ኣብ ግዜኦም እንተ ብፍላጥ እንተ ብዘይፍላጥ ኣብ ኤርትራዊ መንነትን ሃገራውነትን ዝተነጸረ  መርግጽ ኣይረኤይን ነበረ። ኮይኑ ግን፡ ኣብቲ ከቢድ ግዜ ዝተማህሩ፡ ብልጸት ዝነበሮም ምሁራት ከም ዝነበሩ ታሪኽ ይነግረና። ኣስማት እንተድኣ፡ ክንጠቅስ ኮይኑ፡ ኣቶ ሎረንሶ ታእዛዝ፡ ኣቶ ኢፍረም ተወልደ መድህንን ኣብቲ ብሉጻት ኮለጅ ዓለም ዝተማህሩ ነበሩ።
 
ኤርትራውነት ወይ ሃገራውነት ዝተመርኮሰ ምንቅስቓስ ኣይገበሩን ክብሃል ይካኣል። እቶም ንኤርትራ ሃገርን ሓራን ክትከውን ዝበሉ ግና፡ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ከም ዝነበሩ ክርሳዕ የብሉን፡ ኣብ ዝገበርዎ ምንቕስቓስን፡ ዝነበሮም ሃገርዊ ኣተኩሮን ኣድላይነት ሃገራዊ ዕዮን ድማ ኣብ ታሪኽም ይርኤ ኣሎ።
 
ብመጀመርያ ሙሁራት ኤርትራውያን፡ ብመንነቶም ዝኾርዑን፡ ዝንየቱን ብዘይምንባሮም፡ ከቢድ በሰላ ገዲፎም፡ ሓለፉ ክብሃል ይካኣል። ታሪኽ ኤርትራ ካብ ግዜ ጣልያን እዩ ዝጅምር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ግዜ ሃጸይ ምንሊክ ዳግማዊ ይጅምር። እዚ ታሪኽ ሃገሮም፡ ዘይፍለጡ ነይሮም እዮም ክንብል ኣይንደፍርን፡ዝነበሩ ምሁራት፡ ኣጸቢቖም ከም ዝፈልጡ ከም ዝነበሩ ታሪኽ ይሕብር።
ሃገሮም ኣብ ባዕዲ ኣብ ዝነበረትሉ ትምህርቲ ንክቕጽሉ ኣብ ስደት ከርተት ከምዝበሉ ታሪኽ ይነግረና እይ። ብኣካ ይድኦም፡ ብኣነባብሮኦም፡ ብምንቅስቓሶም፡ ካብ መግዛእቲ ዝተወርሰ ጉዕዞ ድኣምበር፡ ብሓበሻነቶም ዝኸበሩሉን ዝንየቱሉን፡ ዝኾርዕሉን ታሪኽ መሰረት ከይ ኣትሓዙና እዮም ሓሊፎም።
ኣብ ሃይማኖት እንተወሰድናውን እቶም ክርስትያን ኤውሮፓነት ክስዕቡ ህርድግ ይብሉ፡ እቶ ኣስላም ዓረብነት  ክኾኑ ህርድግ ክብሉ ተራእዩ
ናይ ካልኣይ ደረጃ ሙሁራት፡  ካብ 1941 ክስብ 1974 ዓመፈ እንተርኤና፡ ብደሳዊ ደንበ ወይ ማርክስነት ለሊንነት ዝተላዕጠጠ ኮይኑ ንረኽቦ። ብመንነቱ ክሓስብ ዘይድሊ ዜጋ፡ ታሪኹ ዝረስዔ፡ ታሪኹ ክፈልጥ ዘይደሊ፡ ብመነንቱ ዘይኮርዕ፡ ተጋዳላይን ሰራዊትን ተፈጥረ። ኣብ ዓቢ ስነ ኣእምሮ ቅልውላው ንህዝቦም ኣእትዮሞ ድማ ይርከቡ።
ሓበሻ መንነት ቀቢሮም፡ ኤርትራዊ ሃገርነት ኣማዕቢሉም፡ ሕጊ ዓደቡኦም ኣፍሪሶምን፡  ፍትሕን ስርዓትን ንኽዛባዕ ኣማዕድዮም እናረኣዩ ኣስቂጦንም፡ ብማዕዶ ብምርኣዩም ድማ፡ ነዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ቅልውላውን፡ ክሕደትን፡ ጥልመትን፡ ጨካንነትን፡ ወይ ሕጊ ኣልቦነት! መሰረት ኮይኖም፡ ሃገር ኣብ ብርሰት እናኸደት ዝገበርዎ ክሕደትን ጥልመትን ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ኣሕፊሩዎም፡ ገጋኦም ንኽሽፍኑ ኣስቂጦም ብሓባር ሃገሮም ኣብ ምዕናውን ጥፍኣትን ኮይኖም ይርከቡ።
ሰብ ኣብ ዓዱ እኽሊ ኣብ ዓውዱ!!!!
ሰብ ኣብ ዓዱ እዩ ዝነብር። “ዓድኻ ፍርሕን ትኽልክለልካ! ሞት ግን ነይ ትኽልክለልካ” ዝብሃል ሰብ ኣብ ዓዱ ከይፈርሔ ስለ ዝነብር እዩ። ዓደይ ዓደይ ዘብሎ። ወዲ ሰብ ኣብ ዓዱ ብዘይ ሕግን ስርዓትን ክነብር ኣይክእልን። ህዝቢ ኣብ ዓዱ ብባህልን፡ ብስነ ምግባርን፡ ብእምነቱን፡ ብኣነባብሮኡን መንበሪኡን ይምስክር። ሓደ ህዝቢ ኣብ መነባበሪኡ፡ ኣብ ልምዱን፡ ኣብ ኣከያይዳኡን፡ ኣብ ዕለታዊ ጉዕዘኡን ኣብ ጠባያትን፡ ኣብ ኣመላቱን፡ ኣብ ታሪኹን፡ ተተሓሒዙ ዝጉዓዝ መነባብሮኡ ዝርኤ ስለ ዝኾነ እዩ።
“ስነ ስርዓት ዘይብሉ ህዝቢ ጨው ከም ዘይብሉ መግቢ” ከም ዝባሃል ወዲ ሰብ ብሂወቱ ከሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ሞተውን ብኽብሪ እዩ ዝፋኖ። ንሱ ድማ ስነ ስርዓት ቀብሪ፡ ብእምነቱ ዝፍቀድ ጸሎትን ፍትሓትን፡ ኣብ ባህሉ ዝጸንሔ፡ ብመልቀስን፡ ብታሪኻዊ ኣገላልጻ ተገሊጹ ዝነበረ ናብራ ጉዕዞኡን ተዘኪሩ ይዛዘም።
ኣብ ኤርትራ! እዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ሕጊ ኣልቦነት ከመይ ኢሉ ከም ዝማዕበል ብሕጽር ዝበለ ክንርእዮ ንኽእል። ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ፡ ዘበናዊ ትምህርቲ ዘስዓቦ ሕጽረት ድንቑርና፡ ብመንነትካ ዘይምሕባንን፡ ዘይምኹራዕን፡ ተለቃሒ ታሪኽን፡ ተለቃሒ ባህሊን ምዃን፡ ሳዕቤኑ ኣብዚ ሕጂ ወዲቕናዮ ዘለና ንኽንወድቅ ከም ዘብቅዓና ንመልከት።
ሰብ ኣብ ዓዱ ካብ ኮነ ክብሩ!!!!
ኤርትራውያን፡ ብብዝሒ መነነትና ሓበሻ፡ ከም ምዃና ከይረሳዕና፡ ሃገርና ግና ኤርትራ ናይ ሓባር ምስ ኩሎም ብሄራታትን፡ እምነታን ፈሊጥና፡ ከመይ ኢልና ሓቢርና ሽግርና ንኽንፈትሕ፡ ክንጽዕር ዝግብኦ፡ ኣተኩሮ ሂብና፡ ተመያይጥና፡ ተላዚብና፡ ከም ህዝብን፡ ከም ሃገርን ንኽንፈትሕ ክንሓስብ ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት ኣምበር ናይ ዉሱናት ዜጋታት፡ ግዴታ ጥራሕ ኣይኮነን።
 
ክብርን ሞጎስን ዝርከብ ኣብ ዓድኻን፡ ኣብ ሃገርካን ድኣምበር ኣብ ስደት ኣይኮነን። ኩሉ ዜጋ ሓላፍነቱ ክፈልጥ ናይ ግድን ይኸውን። መጋረጃ ተቐንጢጡ ኣዒንቱ በሪሁ ንኽርኢ ጻዋዒት፡ ህጹጽ ሃገርዊ ጻውዒት ንኹሉ ደላይ ፍትሒ እዩ። ሃገር ኣብ ጉንዲ ተቐይራ ከምዘላ ንርኢ ኣለና! “ሓደ ኦም ንኸፍሪ ጨንፈርን፡ ኣቑጽልትን ስል ዘድልዮ፡ ሓደ ህዝቢ ድማ ንኽጥጥዕ፡ መንእሰይን ክበዝሕ ድኣምበር ክጸንት የብሉን”።
ሰብ ኣብ ዓዱ እኽሊ ኣብ ዓውዱ!!!!!!!!!
ውድቀት ንማፍያ ህግደፍ!!
ምልኪ ይፍረስ!! ሕጊ ይንገስ!!!!
 
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 11-6-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • HABTE November 11, 2013

    Dear Haile
    Brilliant great article

POST A COMMENT