ሰበ-ስልጣን ህግደፍ!
ሰበ-ስልጣን ህግደፍ! ሰበ ስልጣን ህግደፍ ረብሓ ዘዕወረኩም ካብ ጊላነት ምልኪ እንከይተላቐቕኩም እርጋንን ሕማምን ተደራሪቡኩም ታሪኽ ቅያን ዝናን ብሕስረት ቀቢርኩም ብብልሒ *መቓፍር ክትጠፍኡ ምፍቃድኩም *ተካል ዚመጋብሩ፡ ተንኮለኛ ልብኹም ደፊኑ እንታይ ዓኒዱኩም? ኣንቱም ሰብ *መልዕሎ ኣባሓጎታትና *ጡረታ ኣብቲ ፈስቲቫልኩም ዚዳሎ ብስምና ደድሕሪ’ቲ *ፊጌን መጥፍኢ ህዝብና *ጸዋግ፡ ገታር፡ ንጹል ዘብዘብ እናበልኩም
ሰበ-ስልጣን ህግደፍ!
ሰበ ስልጣን ህግደፍ ረብሓ ዘዕወረኩም
ካብ ጊላነት ምልኪ እንከይተላቐቕኩም
እርጋንን ሕማምን ተደራሪቡኩም
ታሪኽ ቅያን ዝናን ብሕስረት ቀቢርኩም
ብብልሒ *መቓፍር ክትጠፍኡ ምፍቃድኩም *ተካል ዚመጋብሩ፡ ተንኮለኛ
ልብኹም ደፊኑ እንታይ ዓኒዱኩም?
ኣንቱም ሰብ *መልዕሎ ኣባሓጎታትና *ጡረታ
ኣብቲ ፈስቲቫልኩም ዚዳሎ ብስምና
ደድሕሪ’ቲ *ፊጌን መጥፍኢ ህዝብና *ጸዋግ፡ ገታር፡ ንጹል
ዘብዘብ እናበልኩም ክትጎዩ ርኢና
ከም ከልቢ ምሕሳርኩም ስለኹም ሓፊርና!
ንሓርነትን ክብርን ከምዘይተቓለስኩም
ደድሕሪ እቲ *ከይሲ ዘብዘብ እናበልኩም *ተመን፡ ገበል
ሃገርና ከጥፍእ ዓገብ ዘይምባልኩም
እዚ *ፋህም ህዝቢ ፍጹም ንዒቑኩም *ለባም፡ መስተውዓሊ
እዚ ርጉም *ደማሒ ምቕታል ዚኣመሉ *መላኺ
ክሳዕ ዘጥፍኣኩም ስልጣንኩም መንጢሉ
ህዝቢ እናረገፈ ብሕሰም ቆምሲሉ
*ብጻኦት ክስደድ ርዖኡ ጠቕሊሉ *ብጃምላ፡ ብብዝሒ
*ዘለማን ቅንጸላን ዓገብ ክንዲ ትብሉ *ጭቆናን መርገጽትን
ኣብ ፈቖዶ ጽንብል *ብፍሒል ትዘሉ! *ብስኽራን
ካብ ሜዳ ጀሚሩ ምሁራት ዘሕቐቐ
ዕስራን ክልተን ዓመት ህዝቢ እናጨፍለቐ
ሃገር ዘጸልመተ ጸሓይ ምስ በረቐ
ብጉዕዙይ ምሕደራ ህዝብና ክሳቐ
ሕሰም መከራኡ ዝበሎ ሕንቃቐ
እዚ ክቡር ህዝቢ እባ ብንዑቕ ተናዕቐ!
ህይወት መሪሩዎ ከም *ጳጲራ *በርበረ
ዘርኣ ንኽንቀል ሃገርና ኤርትራ
ህዝባ ተሰዲዱ ብሕሰም መከራ
ሑጻ እናተቐብረ ኣብ ኣጻምእ ሳህራ
ሹማሙንቲ ምልኪ ክትዘሉ ብጨፈራ
ኣይትፈልጡን ዲኹም ምዃኑ *ደበራ!? *ጽዩፍ ስራሕ
ሙዃን *ኩራራታት መሳኪን ሓሻኹም *ባምቡላታት
ንምልኪ ዘገልግል ስልጣን ተመጢኹም
ኣይኮነን ንሃገር ንድሕነት ህዝብኹም
ንህይወትኩም እኳ ነዛ ህላዌኹም
ካብ ማእሰርትን ሞትን ዘይሕሉ ነብስኹም
ብሕማም ሃንደበት ትቕበሩ ኣለኹም!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 22-08-2013
ERITRAWIT August 24, 2013
Dear Mesinas KULU HAKI i like u poem in my understanding i don’t think some of them happy the way things are only few of them u see in Asemera they life changed by far.imagine this evil man what he can do controlling every move they make like u said he will finish them like others one by one GOD IS GREAT LET’S PRAY N ZTELME HIZBNAN TEGADELTI YEHWATNAN AHATNAN.
Meretse Asmelash August 24, 2013
ክቡር ሓው መሲናስ፡
ጫፍ ብርዕካ-
ካብ ወሓዚስ ይትረፍ ካብ ኣውሊ ኣጻምእ
ብቖጽሊ ኣዋህሊላ ትመልእ ኣጋንእ
እናካብ ረከብካያ እታ ናይ ግእዝ ብርዒ
ምጽሓፍ ኣይተቓርጽ ንሓቀኛ ርትዒ
ጽሑፍካ ተምሳጥ ዝመልኦ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ምምዕባል ቛንቛ’ውን ሓያል ጊደ ስለ ዝጻወት ቀጽል!
titi August 25, 2013
i am sure you are a pro hgdef.
ahmed saleh August 26, 2013
My dear father who is humble God fearing man said to address the authority long time ago ;
” RUGUMAT AMLAKH ZEYFERHU INTAY EMO KNIGEBR KEYNIREGMOM DIMA DEKNA INDIYOM KOYNOM ” .
When I think about his remarks it make me sad and ashamed . Our people are peaceful GOD fearing society who
do not deserve such treatments . But do not forget their constant strikes to break the heart feeling of elders ,
mothers and other innocents Is an insult ( MERGHEM ) by itself which one day would hunt them mercilessly .
World history teaches us a lot and their are not immune to face their final fate at the end . The theory of
WHAT GOES AROUND COMES AROUND had never been a joke , it is a real warning not to mess on our life.
sawa August 29, 2013
please keep our dignity. No more success without oroomya. the blood and bones of oromo people in Eritrea demands to unify with us.
Long live Greatest Oromia including Eritrea.