ሬሳ ደቅና’ ኳ ተራሓቀ ቀታሊ ደቅና ግን መን ምዃኑ ኣይጠፍኣናናን
ሬሳ ደቅና’ ኳ ተራሓቀ ቀታሊ ደቅና ግን መን ምዃኑ ኣይጠፍኣናናን ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ማዓልታት፣ ንህልቂት ሓደጋ ላምፓዱሳ ብዝምልከት ኣሽመላሽ ኣብርሃ መግለጺ ጎይቶቱ ንምስማዕ ኣብ ቲቪ ኤረ ብምቅራብ፣ ንብዓት ሓርገጽ ክነብዕ ፈቲቱ። እቲ ዘገርም ዋሓጥዮ ተበልክዋ ትጎስሞ
ሬሳ ደቅና’ ኳ ተራሓቀ ቀታሊ ደቅና ግን መን ምዃኑ ኣይጠፍኣናናን
ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ማዓልታት፣ ንህልቂት ሓደጋ ላምፓዱሳ ብዝምልከት ኣሽመላሽ ኣብርሃ መግለጺ ጎይቶቱ ንምስማዕ ኣብ ቲቪ ኤረ ብምቅራብ፣ ንብዓት ሓርገጽ ክነብዕ ፈቲቱ። እቲ ዘገርም ዋሓጥዮ ተበልክዋ ትጎስሞ ከምዝባሃል፣ ኣብክንዲ ናይ መጻናንዒ ቃላት ምስማዕ፣ መስደመም መግለጺ ኣንቢቡ።
እዚ ብነዉሩ ዝሕበን ስርዓት፣ ካብ ሓሶን ናብ ምትላል፣ ካብ ምትላል ናብ ባጭ፣ ካብ ባጫ ናብ ሕጨጫ ክሰጋገር ጸኒሑ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ያኢ ትማሊ ዝተወልደ ህጻን ኮይኑስ፣ መን ከምዝበደሎ ጠፊእዎ መርቶዖታት ብምቅራብ ምስ ኣሜሬካ ክማጎቱ ድልዋት ምዃኖም ከይሓፈረ ኣስመላሽ ኣስሚዕና። ህዝቢ ኤርትራ ጸሊም ምዕራይ ስጳኛ ኮይኑ ስለዝተሰማዓኩም ዶ ይኸዉን ህግደፍ ከም ማታዶር (matador) ቀይሕ ጨርቂ ኣሪኢኹም ናብ ኣሜሪካ ቾፖ ትብልወ ዘለኹም፣ ወይ ምስ ዕዉርቲ መርዓት ኣዳራራስ ትጻወቱ ዘለኹም መሲልኩም ሕቆ ህዝቢ እንዳ ደሰቅኩም ንሕና ኣይኮናን ትብሉ ዘለኹም። እዚ ናይ ሕጂ ፍጻሜ ዝተሰፍረ ተመሊኡ ይኮዖ ኮይንዎ፣ ህዝቢ ከም ኣንበሳ ክጓዝም ጀሚሩ ኣሎ እምበር፣ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዲኹም ደቁ ንሒፍኩሞም!!
እቶም ኣብ ዓዲ ኣበይቶ ዝተረፍረፉ ኸ ኣሜሪካ ድያ ኣርጊፋቶም? እቶም ኣብ ፍቆዶ ሃገር ብጅምላን ብተናጸልን ማዓልታዊ ዝሃልቁ ዘለዉ ኸ ህዝቢ ኤርትራ ኣይርእዮምን ኣይሰምዖም’ዶ ይመስለኩም። እቶም ኣብ ፍቀዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ተማስንዎም ዘለኹ’ከ ደቂ እዚ መከረኛ ህዝቢ’ዶ ኣይኮኑን። እቶም ላዕለዎት ሓለፍትን ጋዜጠኛታት ከ ኣብ ጎንታናሞ በይ ድዮም ዘለዉ?
ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ነዉሪ ተዅልኲልኩም’ሲ መርቶዖታት ኣለና ክንማጎት ድልዋት ኣለና ክትብሉ። ትማሊ ትማሊ ጉጅለ 15 ዝገበርዎ በደል ብጭብጢ ተታሒዙ ኣሎ’ዶ ይባሃል ኣይነበረን። እቲ ህርፋን ስልጣን እምበር ሂወት ዜጋታት ዘይዓጦ መራሒኹም፣ ኵናት ዶባት ባዕሉ ከምዝጀመሮ ከምዝኣመነ፣ ካሕሳ ክኸፍል ከምተሳማመዐ’ኸ ንህዝቢ ዶ ተነጊርዎ? ሰይጣን ንኣመሉ መጽሓፍ ቅዱስ ይጠቅዕ ከምዝባሃል ንምድንጋር እምበር ካባኹም ንላዕሊ ንፍርዲ መን ክሕሰማ ይኽእል። ግን ክንዲዚ ኣሽካዓላል ክሳብ ማዓስ?
በሉ እቲ ሓቂ ክንድርጉሖ፣ ሬሳ ደቂ ሃገር ኣብ ባሕሪ ይኹን፣ ብስቃይ በደዊን፣ ማዓስከራት ኮነ፣ ኣብያተ ማእሰርቲ ብኮንቱ ይጠፍእ ኣሎ፣ ተሓታቲ እዚ ኩሉ ህልቂትን መከራን ዉርደትን ግፍዕን ድማ መራሒ ህግደፍን ዉሑዳት መጫፍርቱን እኺም። ሽግርና መዕረፊ ዝረክብ ምንጪ እዚ ጸበባ ምስ ነንቅጾ እዩ። ብጉዳይ ዶብን፣ እገዳን ከምጨዉ ኣብ ኩሉ እንዳ ኣእተኻ ምስምስ ግዜኡ ዝሓለፎ ብላይ ምስጢር ግዜኡ ኣብቂዑ እዩ። ኣብ ከተማ እንዳ ተዘመትካ ዶባት ምሕላዉ ከ እንታይ ትርጉም ኣለዎ። ኣሜሪካ ኣጽዋር እምበር ባንን ዝስተ ማይንሲ ህግደፍ እዩ ንህዝቢ ኤርትራ ኣጊድዎ ዘሎ። ፍርዲ ዕድለኛ እዩ ዝረኽቦ፣ ንባዓል ነጎዳ ሓዊ ደብሶ ዝዓይነቱ መግለጺታት ምዉጻእ ግን፣ ከምናይ ባዓል ቀዛፊ ከምከልቢ ኣብ ጎደና ምጉዳት ዉን ከምዘሎ ምስትዉዓል የድሊ።
ጽንዓት ንኹሉ ኤርትራዊ፣ ሓዘና ብጥፍኣት ህግደፍ ይደበስ!!!
ኣማን ጎይትኦም (ኤርትራዊ ብሕልና).
ramos October 11, 2013
Really true!we know our enemy!trust me we are coming to revenge you.a blood will be cleaned with blood.no one sleeps while a killer is on the loose.
wedi Hailom October 11, 2013
Beloved Eritreans! How enough iş enough for us to stand up for our rights? Wasn’t it enough when jeganu sinkulan languished in May Habar, our young generation locked down to endless military slavery, we were denied of our constitution, our brothers & sisters gunned down in adı abeto, we were tricked by mad dog Esayias to engage in Eri-Ethio war, detained inocent nationals all over Eritrea denied of rule of law, tragedy after tragedy in Sınai & Mediteranian sea, etc??? Should we wait for another unthinkable ruthless tragedy from the man eater abnormal man? There should no other priority than geting rid of this brutal regime from Eritrea!! Let’s move & march forward to bring our freedom back!! Enough is Enough!!
belay nega October 13, 2013
አናጹ ዓለምና ንደማሙ ዓለምና ንምጥፋ ድሕር ኢለን አይፈልጣን እቲ ጸገም አብ ቃጭል ምእሳር እዩ…………..
ganshera anbetha October 12, 2013
Agdedasi lebewa nmengsti ertrea
anne ab ertra tewelide abeye intekonne kemzi ab asmara zello srat rinan semianan aynfelthn mejemerta anne nzkonee tegadalay ayamnnenn iye mknyatu slezterekebku are ab buhut bota intezrekbo nzkone tegadalay kab kunama nlaili mharedkwo
bzkonee
bhutsuts mngsti kgebre zelewo
1menebabro hzbi mmhyash
2hgrerawi agelglot gdeb ygeberelu
3b atsnhulna zgber sebat(zegatat)misar dew ybel
4ab lili blshwna zgebru generalat kolonelat nay mahneqti sgumti ywesed(mknyatu Col Mengstu hailemariam seb sini dea imber jgna seb iyu neyru) iti mrshan kea ab qdmi hzbi ykun seb kmles intekoynu
ab 2004 hade nay bank halafi intay elini meslekum iza hager wala nay wetsai hagerat hagez interekebet ayhalfelan iyu mknyatu corruption slezelo eluni slmntay zfeltho slezelewo iyu
5ab abyate frdi zgber zello nay wetehaederawian halefti mtitatw dew ybel ksab dew elom bbret afrarihom dlayom zrekbu alewu
slezi anne kemzmesleni izi srat(regime) hzbi tseliiwo slezelo no more will stay if no reformation comnig soon
eman October 12, 2013
Good work stand up, you are the best Aman
Tezareb October 12, 2013
Haileselassie ms kulu dKamun tsegemun, mesfnawi nGus Hailselassie kabzom bdHri’i zmetsu temehairna zblu guHalu bmi’eti Etzfi yHaysh.
“natsnet” tebahiluley teHatsibqa nchqa:: atum sebat nay mewa’l men’netna kuratna bezom 30 Amet tegadilna zblu Hasiru ekwa::
saleem salim October 12, 2013
بمزيد من الاسى والحزن ارفع جليل عزائى الى اسرنا اسر ضحاية لمباديسو الايطالية. هؤلائى الضحاية التى لم تستطيع بلدهم ان تضمهم بين احضانها وان يعيشوا كراماء فيها وذلك ممما يعانوه من قهر واضطهاد حتى وصل بهم الامر للهروب من وطنهم الى جهات لايعرفون مصيرهم فيها حتى كان القدر ليأخذهم الى هذه النهاية. اسفى بل اسف كل الاريتريين الاحرار مرير واكر عزائى لاسر الشهدا ولشعب الاريترى
weldeamlak October 13, 2013
Thanks Aman Well said Pls, our God help our poor ppl of Eritrean Long live Eritrea Mott ne HGDF MISS MERRAHIU