Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕራፍ 10፡ ክሳብ ተኽሊጥ

ምዕራፍ 10፡ ክሳብ ተኽሊጥ                                                          ርግጽ’ዩ ህዝቢ ኵናት ኣይደልን’ዩ። ‘ሃየ ተወረርካ!’ ብምባል ከም ዝዋጋእ ክትገብሮ ግን ቀሊል’ዩ። ሓንሳብ ኵናት ምስ ተጀመረ ድማ ነቶም ኵናት ዝቃወሙ ሰባት ከም ትሕተ ሃገራውያን ተጸልሞም።                                                                                  ሄርማን ጐሪን ኣባላት

ምዕራፍ 10፡ ክሳብ ተኽሊጥ

                                               

         ርግጽ’ዩ ህዝቢ ኵናት ኣይደልን’ዩ። ‘ሃየ ተወረርካ!’ ብምባል ከም ዝዋጋእ ክትገብሮ ግን ቀሊል’ዩ። ሓንሳብ ኵናት ምስ ተጀመረ ድማ ነቶም ኵናት ዝቃወሙ ሰባት ከም ትሕተ ሃገራውያን ተጸልሞም።    

                                                                             ሄርማን ጐሪን

ኣባላት ባዶ ትሽዓተ ምስ ተኣስሩ እንዳ ወንጀል ከም ስርዓት’ያ ተበጽቢጻ። ኣነ ንባዕለይ ኣባላት 09 ተኣሲሮም ምስ ሰማዕኩ፡ “እሞ እዛ ዅላ ሚኒስተር’ውን ክትእሰር’ያ ማለት’ዩ፡” ዘይበልኩ ኣይኮንኩን። ምኽንያቱ ኢሳያስ ንባዕሉ ብዙሕዩ ዝጣበቐሎም ነይሩ። ናይ 09 ምእሳር ግን ካብ ብዙሕ መሰላት ከም እንሕረም ስለ ዝገበረና ብዅሉ መዳዩ ሕማቕ ኣጋጣሚ ነይሩ። ናይ ካልእ ሰባት ገዲፈ ኣብ ናተይ ክዛረብ እንተ ኾይነ፡ ኣቐዲመ ንዝጠቐስኩዎ ሕቶታት ምስ መለስኩ ዝሓተተኒ ሰብ ኣይረኸብኩን። ሓደ መዓልቲ ተጸዊዐ ናብ ቤትጽሕፈት ምስ ኣምራሕኩ፡ መብራህቶም ዝብሃል መርማሪ ተዀዲሙ ጸንሓኒ። መርማሪየይ መሲሉኒ ክሓተኒ እንተ ተጸበኹ ግን ብዛዕባ ካልእ ጕዳይ ክውከሰኒ ጀሚሩ። እቲ ጕዳይ፡ ኣብ ሓንቲ ዲክለረሽን ሰፊሩ ንዝነበረ ዋጋ ዝምልከት ሕቶ ነይሩ። መብራህቶም ድማ ኣብ ክንዲ ናብ እንዳ ግምሩክ ከይዱ ዘጻርዮ ካባይ መብርሂ ክሓትት ዝቐለለ ኮይኑ ረኺቡዎ። “እዛ ዲክለረሽን እዚኣ’ሞ ርኣያ፡” ብምባል’ዩ ዘረባኡ ጀሚሩ። ነታ ዲክለረሽን ከም ዘንበብኩዋ ምስ ሓበርኩዎ፡ “እሞ እዚ ሰፊሩ ዘሎ ዋጋ ቅኑዕ ኣሎዶ ትብል?” ክብል ተወከሰኒ። እታ ዲክለረሽን ብስም ገብረብርሃን ከም ዝነበረት ድሒረ’የ ፈሊጠ። ሽዑ ኣብቲ ዘገድሰኒ ኣሃዛት ጥራይ ስለ ዘተኰርኩ ስም ኣይረኣኹን። ንገብረብርሃን ድማ ናብ ካሜራና ምስ ገዓዘ’የ ክላለዮ።

እቲ ዲክለረሽን ብሕጋዊ መንገዲ ስለ ዝተሰርሐ፡ “እዚ ዋጋ’ዚ፡ መደበር ግምሩክ ምድሪባቡር ንቤትጽሕፈት ዋጋ ይተሓተተልና ኢሉ ምስ ሓተተ ብመሰረት ዋጋዕዳጋ ዝተሰርሐ ነይሩ። ከም ኣሰራርሓ ድማ ሕጋዊ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ሳንጣ ኣብ ዕዳጋ ሓምሳ ብር ይሽየጥ እንተ’ነይሩ፡ ግምሩክ መቕረጺ ዋጋ ክቕምር ከሎ ቀረጽ፡ ግብሪን መኽሰብ ነጋዳይን ኣጕዲሉ ነቲ ናይ መሸጣ ዋጋ ዳርጋ ናብ ሓደ ሲሶ የውርዶ። ስለዚ፡ ነዚ ዅሉ ተረዲእካ እቲ ሽዑ ኣብ ዕዳጋ ዝነበረ ዋጋ ብጭቡጥ ፈሊጥካ ትዛረብ እንተ’ሊኻ፡ እዚ ሰሊዕኩሞ ዘለኹም ዋጋ ጌጋ’ዩ ክትብል ትኽእል ትኸውን። ካብኡ ተረፈ ግን እቲ ኣሰራርሓ ኣገባብ ተኸቲሉ ዝተሰርሐ’ዩ፡” ክብል ዘየዳግም መልሲ ሃብኩዎ። ንገለ ካልኢታት ዕጥይጥይ ድሕሪ ምባል፡ ‘ከምዚ እንተኾነኸ? ከምዚኸ?’ ክብል ዘይከውን ነገራት ሓቲቱኒ። ኣብ መርገጽየይ ብምጽናዕ ግን መልሰይ ንሱ ምዃኑ ሓቢረዮ። ብጐቦ ዓይነይ ኣብ ጥቓኡ ናብ ዝነበረት ፋይል ቍሊሕ እንተ በልኩ፡ “ዘርኣይ ባህታ” እትብል ፋይል ኣንበብኩ። ዘርኣይ ከም ዝተኣስረ ድማ ፈሊጠ። ቅድሚ ምፍናወይ ኣብ ገጹ ዕግበት ስለ ዘይተዓዘብኩ ንበዓል ጕዳይ ብዘይ መርትዖ ብገበን ክኸሶ ይደሊ ከም ዝነበረ ገምጊመ። መብራህቶም ካብቶም ብጫካኔኦም ከም ዕሉላት ካብ ዝፍለጡ መርመርቲ ሓደ ምዃኑ ካብ ብርክት ዝበሉ ሰባት ምስ ሰማዕኩ ኣብ ገምጋመይ ብዙሕ ከም ዘይተጋገኹ ተገንዚበ።

ብዝኾነ ሎሚ እጽዋዕ እኸውን ጽባሕ እጽዋዕ እናበልኩ ከለኹ ሓድሽ ዓመት ኣትዩ ብዕራይ ምሕራድ ኮነ። ካብ ነፍስወከፍ ካሜራ ሰባት ተዋጺኦም ስለ ዝሓርዱዎ ድማ ካባና ካፖ ካሜራ ኣፍወርቂ ተሳተፈ። ኣብኡ ካብ ኵሉ ካሜራታት ዝተዋጽኡ ሰባት ስለ ዝተራኸቡ ናይ ብዙሓት እንፈልጦም ብጾት ኵነታት ወረ ረኸብና። ሽዑ ነቶም ተሪፎምና ዝበሉዎም ሰባት ድሮ ለለቒሞም ስለ ዝኣሰሩዎም፡ ቍጽሪ ናይቶም ብዝተፈላለየ ጕዳያት ዝተኣሰርና ሰባት ልዕሊ ሰብዓ በጺሑ ነይሩ። እዚ ኣሃዝ’ዚ፡ ንኣባላት ግምሩክ፡ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር፡ ኣባላት ባዶ ትሽዓተን ንናይ ትራንዚት ነጋዶን ጥራይ ዝምልከት’ዩ። እቲ ኵነታት ምስ ምእሳር ኣባላት ባዶ ትሽዓተ ቀውጢ ኮይኑ’ኳ እንተ ነበረ፡ እሱራት መትሓዚ ስለ ዘይብሎም፡ ብመንገዲ’ቶም ጸብሒ ዘመላልሱ፡ ብፍላይ ከኣ ዓሚ ዓሊ ዝብሃል ገዲም መጋባይ ኣብ ነፍስወከፍ ካሜራ እንታይ ከም ዝተባህለ ወይ ዝተገብረ ምፍላጥ ይጽግሞም ኣይነበረን። ብፍላይ እቶም ነጋዶ ዓቕሊ ስለ ዘይነበሮም፡ መዓልታዊ ብዛዕባ ኣብ ካልእ ካሜራታት ዘለዉ መተኣስርቶም ክሓቱ ተኸኽ ኢሎም ነይሮም።

ኣብ መበል ካልኣይ ወርሒ ናይ ተስዓን ሸውዓተን ኣነን ፋሲልን ሓደ ዘይተጸበናዮ ዕድል ኣጋጠመና። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ምግቢ ናይቶም ሱዳናውያን ካብ ደገ’ዩ ክዕደግ ከሎ፡ እቲ ጸብጻብ ናብ ሚኪኤል ዝብሃል ሓኪም ይቐርብ ነይሩ። ንሱ ግዜ ስለ ዘይነበሮ ድማ ንዓይን ንፋሲልን ክንድምረሉ ተወከሰና። ሕራይ ምስ በልናዮ ማዕጾ ከፊቱ ንደገ ከም ንወጽእ ድሕሪ ምግባር፡ “በሉ ነዚ ዓመታዊ ናይ ምግቢ ጸብጻብ ደምሩለይ፡” ኢሉ ነታ ሕሳብ ተጻሒፉዋ ዘሎ ጥራዝን ደማሪትን ኣቐበለና። ኣብ መንጎ ካሜራታት ኣብ ዘሎ ልሙዕ ሳዕሪ ኮፍ ብምባል ድማ ነቲ ስራሕ ተተሓሓዝናዮ። እቲ ዘገድስ ካብ ካሜራ ንደገ ወጺኻ ጸሓይ ምርካብ ወይ ከም ቈልዓ ኣብ ሳዕሪ ጠንቀላዕላዕ ምባል ወይ ከኣ ዘወር ክትብል ምኽኣል ስለ ዝኾነ፡ ሓኪም ገዲፉና ምስ ከደ ብየማነ ጸጋም ዘለዉ ካሜራታት ብቐዳድ ናይ ማዕጾ እናጠመቱና ዘንብብን ዝድምርን ብምዃን ነቲ ስራሕ ጀመርናዮ። በዓል ዘርእጋብር፡ ሳምሶን ናይ ባዶ ትሽዓተ፡ ማርቆስ ኣብ ፊትና ነይሮም። ጀንደ ድማ ኣብ ጐድንና ብጸጋም ኣብ ዝነበረት ካሜራ ነይሩ።

ኣብቲ መጀመርያ ንበይንና እንታይ ንገብር ከም ዘለና ከም ዝገረሞም ምርዳእ ኣይጸገመናን። ኵነታትና ምስ ሓበርናዮም ግን ብማዕዶ ከዕልሉና ጀሚሮም። እቲ ስራሕ ሳልሳይ ክፍሊ ዝበጽሐ ተመሃራይ ክገብሮ ዝኽእል’ዩ ነይሩ። ሽዑ ግን ካብ ናይ ቶም ሰውየር ተግባር ብዘይፍለ፡ ኣዝዩ ረቂቕ ስራሕ ከም ዝረኸብና ብዕቱብ መንፈስ ኢና ተተሓሒዝናዮ። ከም ግቡእ ሽዑ መዓልቲ ክንውድኦ ንኽእል ኔርና። ግንከ መውጽኢ መታን ክኾነና ቍሩብ ሰሪሕና ኣብቲ ሳዕሪ በጥ ኢልና ጸሓይ እናተጸሎና ኣብ ዕላል ንኣቱ። ከምዚ እናበልና ድማ ከም ምዱባት ሰራሕተኛታት መሬት ቅትር ምስ በለ ብምውጻእ ንሰዓት ክልተ ሰዓት ኣቢልና ድሕሪ ምስራሕ፡ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ናብ ካሜራና ንኣቱ ኔርና። ብኸምዚ ንሰሙን ዝኣክል ካብ ካሜራ እናወጻእና ክንሰርሕ ቀኒና።

ኵሉ መወዳእታ ስለ ዘለዎ ግን፡ ናይ ዓመት ሕሳብ ኣረኪብና ከም ሰብና ናብቲ ንቡር ህይወት ክንምለስ ተገደድና። ዝበዝሑ ኣባላት ካሜራ፡ ብፍላይ እቶም ዘይተማህሩ፡ ኣብ ሽዑ በጺሖም ብዛዕባ ትምህርቲ ዝያዳ ክግደሱ ስለ ዝጀመሩ፡ ‘ጥቕሚ ትምህርቲ ኣብ ሎሚ በጺሑ ተረዲኡዎም፡’ ኣብ ምባል በጺሐ። እቲ ስራሕ ድሕሪ ውሱን ኣዋርሕ ንኻልኣይ ግዜ’ውን ቀጺሉ ነይሩ። ድሕሪኡ ግን ምግብና ናይ ሱዳናውያን ስለ ዝተቛረጸ፡ እቲ ወርቃዊ ዕድል ሓንሳብን ንመጨረሽታን ተዓጽወ። ልክዕ ኣብዚ ግዜዚ እቲ ዝወሃበና ዝነበረ ባንን ስጋን እናተበላሸወ ስለ ዝኸደ፡ ኣብ ምሉእ እንዳ ወንጀል ዝነበርና እሱራት ተወዳዲብና ነቲ ብትረንሽዋ መሊኡ ዝመጽኣና ዝነበረ ባኒ ከም ዝምለስ ገበርናዮ። ናይ ቍርሲ፡ ምሳሕን ድራርን ባኒ ንግሆ ኢና ንቕበሎ ኔርና። እቲ ባኒ ዳርጋ ናብ ከውሒ እናተቐየረ ስለ ዝኸደ ግን ብመንገዲ መጋቦ፡ ባኒ ክንሕሰሞ ከም ዘለና ናብ ኵሉ ካሜራታት ስለ ዝተላእከ ምሉእ እሱር ከም ሓደ ሰብ ገጥ በለ። ጸብሒ ብዘይ ባኒ ስለ ዘይብላዕ ድማ ባኒ ምሕሳም ማለት ምግቢ ምሕሳም ስለ ዝኾነ፡ ሓለፍቲ ቤትማእሰርቲ ነቲ ነገር ተቐላጢፎም ክኣልዩዎ ግድነት ነይሩ። ኣማራጺ ስለ ዘይነበሮም ድማ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ከመይ ዝበለ ካብ ዕዳጋ ዝተገዝአ ጻዕዳ ባኒ ከተፍ ኣበሉልና።

ሽዑ ዳርጋ ንዅሉ ኣብያተ ማእሰርቲ ወዲዓንሰባ ዝብሃል ነጋዳይ’ዩ ባኒ ይኹን ስጋን ኣሕምልትን ዝቕርብ ነይሩ። ዓመት ዓመት ንማለቱ ጨረታ ይካየድ’ኳ እንተ ነበረ፡ ኵሉ ግዜ ንሱ ጥራይ ይዕወት ስለ ዝነበረ ብዙሕ ሕሜታ ነይሩ። ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ኵነታት ኣዛሚደ ክርእዮ ከለኹ፡ ወዲዓንሰባ ዶብ ዝጠሓሰ ነገራት እናፈጸመ ከሎ ይቈጻጸሩዎ ከም ዘይነበሩ ኣዕርየ እፈልጥ’የ። ብዝኾነ ናይ ባኒ ጸገም ድሕሪ ምዕራዩ እሱራት ጕዳይ ስጋ ከም ሕቶ ኣበገሱ። እቲ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ዝቐርብ ዝነበረ ጸብሒ ስጋ ጅማት’ምበር ስጋ ክትብሎ ዝከኣል ኣይነበረን። ገለ እሱራት፡ “ወዲ ዓንሰባ ንዝተሓዙ ሰባት ስለ ዝሓዘ እዝኒ ወዲ እዝኒ ጥሒኑ’ዩ ዘምጽኣልና ዘሎ፡” ክብሉ እሰምዖም ነይረ። ብዛዕባ እዝኒ ይኹን ካልእ ምንባሩ ክዛረብ’ኳ እንተ ዘይከኣልኩ፡ ጥዑይ ከም ዘይነበረ ግን ዘዛርብ ኣይኮነን። ሳላ ዕድለይ ሓንቲ መዓልቲ’ውን ጥዒመዮ ኣይፈልጥን።

ጕዳይ ስጋ ምስ ከረረ፡ ኣብ ክንዲ ኣድማ ምክያድ ካፖ ካሜራታት ምስ ሓላፊ ምግብና ዝነበረ ወዲሃብሉ[1] ድሕሪ ምዝርራብ ኣብ ሓደ መፍትሒ በጽሑ። ንሱ ድማ፡ ንስጋ ዝወሃብ ገንዘብ ፍሉጥ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ክንዲ ንኣቕራቢ ማለት ንወዲዓንሰባ ዝወሃብ፡ ተዋህሊሉ ኣብ ወርሒ ድዩ ኣብ ክልተ ወርሒ ብዕራይ ክግዛእ ዝብል መደብ ነይሩ። በዚ መሰረት፡ እሱራት ካብቲ ክትርእዮ ዘፈንፍን ስጋ ወዲዓንሰባ ተገላገሉ። እቲ ዝቐርብ ዝነበረ ዓይነት ምግቢ፡ ስጋ ይኹን ባስታ፡ ዓደስ ይኹን ሓምሊ ይትረፍ ክትበልዖ ክትርእዮ’ውን ኣመና ስግድግድ ዘብል’ዩ ነይሩ። እታ እንኮ ብልጫ፡ እታ ብቓልሲ እሱራት ዝተዓረየት ባኒ ጥራይ ነይራ። ስለዝኾነ፡ ዝበዝሕ ትሕዝቶ ዘለዎ ሰብ ባኒ ጥራይ ይወስድ ነይሩ። ድሕር’ዚ ዅሉ፡ ካብ እሱራት ዝተዋጽአት ንምግብና እትቈጻጸር ኮሚቴ ስለ ዝቘመት፡ ኣብ ምግብና ዝኾነ ጸገም ከጋጥም ከሎ ብመንገዲ’ዛ ኮሚቴ ይሕተተሉን ቍጽጽር ይግበሮን ነይሩ። ጕዳይ ምግብና ካብ ኣልዓልና ግን ንጸብሒ ካውሎ ብዛዕባ ዝምልከት ንእሽቶ ፍጻሜ ክነዕልል ኣገዳሲ’ዩ።

ሱዳናውያን ኣብ ኵሉ ምግቢ ዘይፍንፍኑ’ኳ እንተ ነበሩ፡ ንካውሎ ግን ፈጺሞም ይቐርቡዎ ኣይነበሩን። ኵልና ከም ንፈልጦ ካውሎ ፍሉይ ጨና’ዩ ዘለዎ። ነቲ ጨና ስለ ዝጸልኡዎ ድዮም ዘይፈልጡዎ ኾይኖም እዝግሄር ዋናኦም፡ ካውሎ ኣብ ትመጽኣሉ መዓልቲ ወሰኖም ይሕዙ ነይሮም። ሓደ መዓልቲ ነስረዲን ዝብሃል ወተሃደር ሱዳን ዝነበረ ካብ ካልእ ካሜራ ተቐዪሩ ንሓጺር ግዜ መጽኣና። ክልተ ሰሙን ከይገበረ ድማ ብሰንኪ ካውሎ ዕግርግር ፈጠረ። ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ መጋቦ ኣምሪሑ ምሳሕ ክዕድል ንዝመጽአ ፖሊስ፡ “ስምዓኒ፡ ድሕሪ ሕጂ ነዚ ጸብሕ’ዚ ከይተምጽኣልና፡” ክብል ብዓውታ ኣዘዞ። እቲ ፖሊስ፡ “ደሓን ንሱስ ንስኻ ኣይትነግረንን ኢኻ፡” ዝብል መልሲ ሃቦ ብዙሕ ከይተገደሰ። ነስረዲን ግን ዋዛ ኣይኮነን፡ “ኣነ እነግረካካ’ለኹ፡ ካልኣይ መዓልቲ ካውሎ ሒዝካ እንተ መጺእካ ሓመድ ከእትወሉ ምዃነይ ፍለጥ፡” በሎ ትርር ብዝበለ ቃና። እቲ ፖሊስ ማዕረ ክንድኡ ክደፍር ስለ ዘይሓሰቦ ንዘረባኡ ብዙሕ ትርጕም ኣይሃቦን።

ኣብ ሳልስቱ እታ ተካል ካውሎ መጽአት። ነስረዲን፡ “ካውሎ ከይተምጽእ ኢለካዶ ኣይነበርኩን?” በሎ ነቲ ፖሊስ። ንሱ ድማ፡ “ሕጊ ትፈልጥ ዲኻ? ኣገባብ ግበር!” ክብል ገንሖ። ነስረዲን ግን፡ “ብደረጃ ሃገር ሕጊ ዘይብልኩምስ ኣብ ውሽጢ ቤትማእሰርቲ ሕጊ ከም ዘሎ ከምኡ ክትብለኒ ኣይትሓፍርን!” ብምባል እናሰሓቐ ብኽልተ ኢዱ ሓመድ ሓፊሱ ናብቲ ጸብሒ መሊኡ ዝነበረ ዓቢ ድስቲ ደርገሞ። እቲ ፖሊስን እቶም መጋቦን ኣብ ዘዝነበሩዎ ቀዚዞም ተረፉ። ኣማራጺ ስለ ዘይነበሮም ድማ ሓድሽ ጸብሒ ከምጽኡ ናብ ክሽነ ተመልሱ። ነስረዲን ኣይደንጐየን ፌሮ ኣትዩዎ ናብ ሸላ’ኳ እንተ ገዓዘ፡ ኣብ ክልተ ቕነኡ እናሰሓቐ ተመልሰና። “ከመይ ነይሩ ሸላ?” ምስ በልናዮ ድማ፡ “ሸላ ደኣ ቀደም እየ’ኮ ዝፈልጦ። ከቢድ ነገር ከኣ ኣይኮነን፡” ድሕሪ ምባል ኣብቲ ጕዳይ ኣትዩ ብምዝራብ፡ “ወላሂ እቲ ፖሊስ ሓደ በሊድ’ዩ! ቍሩብ ከማን ኣይሓፍርን! ኣብ ኤርትራ ሕጊ ከም ዘሎስ፡ ኣብ ቤትማእሰርቲ ኾይኑ ሕጊ ኣይትፍለጥን ዲኻ ይብለኒ!” ክብል ንኣዘራርባ ናይቲ ፖሊስ እናላገጸ ብምዝራብ ኣስሓቐና። እቲ ስፖርታዊ ሰብነት ዝነበሮ ነስረዲን ምሳና ብዙሕ ስለ ዘይጸንሐ ምስ ኣባላት ካሜራና ኣይተጠቐስኩዎን።

ኣብ መበል ሻብዓይ ወርሐይ፡ ድሕረይ ዝኣተወ ስንኵል ብጻይ ሃብትኣብ ክሳብ ናብ ቤትፍርዲ ዝቐርብ ናብ ጸጸራት ኪድ ተባህለ። ናቱ ምብጋስ ስለ ዝተሓሳሰበኒ ስለምንታይ ብዘይ ሕቶ ክንድኡ ዝኣክል ግዜ ኮፍ ከም ዘበሉኒ ስለ ዝገረመኒ ዓቕሊ ኣጽበብኩ። ብዛዕባ ጕዳየይ ምስኡ ድሕሪ ምምይያጥ ድማ፡ “እሞ ሕጂ ደኣ እንታይ እንተ ገበርኩ ይሕሸኒ?” ክብል ተወከስኩዎ። “ወረቐት ጽሓፍ፡” ዝብል ምኽሪ ስለ ዝሃበኒ፡ ንሱ ከም ሎሚ ዝተፋነወና ኣብ ሳልስቱ፡ “ንልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ቀይዲ ኣብዝጸናሕኩሉ ግዜ ተሓቲተ ስለ ዘይፈልጥ፡ ጕዳየይ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ክርኣየለይ ብትሕትና እሓትት፡” ዝትሕዝቶኡ ደብዳቤ ናብ ሓላፊ ወንጀል መርመራ ኣቕረብኩ። መልሲ ግን ኣይረኸብኩን። ነቲ ደብዳቤ ከምቲ ልሙድ ኣብ ፋይል ከም ዝደርበዩዎ ርዱእ ነይሩ። ድሕሪ ሃብትኣብ ስለ ዘይቀሰንኩ ግን ንገለ ሰሙናት ጽቡቕ ኣይነበርኩን።

እሱር ክብሃል ከሎ ዕሙት ስለ ዝኾነ’ምበር፡ ገናመርማሪ ከይተመደበለይ ከሎ ደብዳቤ ምጽሓፈይ ትርጉም ኣይነበሮን። ምኽንያቱ፡ ይትረፍ ሓላፊ ቤትማእሰርቲ፡ ሓላፊ ገበን መርመራ ንባዕሉ ኣብ ጕዳየይ ኢዱ ከእትው ይኽእል ኣይነበረን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምእሳር ኣባላት 09 ወላ’ኳ ምሳይ ዘተኣሳስር ነገር እንተ ዘይነበሮ፡ ንጕዳይ ብዙሓት ካባና ከም ዘደናጐዮን ከም ዝሓላለኾን ክፍለጥ ይግብኦ። ድሒረ ከም ዝሰማዕኩዎ፡ ወዲሃይለ ነብሰቕትለት ምፍጻሙ ከይኣክል፡ ወደ’ርዓዶም’ውን[2] ክትኣምኖ ብዘጸግም ዘስካሕክሕ መንገዲ ደድሕሪኡ ስዒቡ። ብዛዕባ ሞት ናይ’ቲ ኣብ ፊትና ኣብ ዝነበረት ሸላ ዝነበረ ወደ’ርዓዶም ብኡንብኡ’ኳ እንተ ሰማዕና፡ ሓለፍቲ ቤትማእሰርቲ ግን ነቲ ጕዳይ ክሰትሩዎ ብዙሕ ፈቲኖም። እዚ ፍጻሜ’ዚ ኣብ ልዕሊ ጕዳይና ኣሉታዊ ጽልዋ ስለ ዘሕደረ፡ መንግስቲ ግድን ገበን ክረክብ ኣለኒ ኢሉ ሓሲቡ። ከም ሳዕቤን ድማ ናይቶም ብጅምላ ዝተኣሰርና ሰባት ልዕሊ ሰብዓ ሰባት ጕዳይ ኮሚቴ ክከታተሎ ወሲኑ። ሓደ ጕዳይ ኣብ ኢድ ኮሚቴ እንተ ኣትዩ ድማ በዚ መዓልት’ዚ ይውዳእ ኢልካ ክትሓስቦ ኣጸጋሚ’ዩ።

እቶም እሱራት ግን ነዚ ዅሉ ንፈልጦ ስለ ዘይነበርና፡ ግዜ ምስ ነውሐ ዓቕልና ኣጽበብና። ብወገነይ ግዜ እናነውሐ ብዝኸደ መጠን መደበይ ክቕይር ግድነት ስለ ዝነበረ፡ መጀመርያ ነታ ዝጀመርኩዋ መጽሓፍ ዝያዳ ከማዕብላን ክእርማን ወሰንኩ። ድሮ ንሳልሳይ ግዜ ኣሪመ ከም ውድእቲ ኣቐሚጠያ’ኳ እንተ ነበርኩ፡ ምስ መንግስትን ምስቶም ዝጻብኡኒ ዝነበሩ ሰባትን ህልኽ ክሕዘኒ ስለ ዝጀመረ፡ ናይ መጨረሽታ እርማትን ዘድሊ ወሰኽን ክገብረላ ብምሕሳብ ከም ብሓድሽ ኣብ ዓቢ ስራሕ ተጸመድኩ። እታ ናብ ሰለስተ ሚእቲ ገጻት እትቀራርብ መጽሓፍ ድማ፡ “ቃልስን ቃልኪዳንን” ዝብል ኣርእስቲ ሒዛ ሓደ መድረኽ ክትሰግር ተበገሰት። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ንግሆ ተሲአ ኣብታ ከም ጠረጴዛ ዝጥቀመላ ዝነበርኩ ናይ ኒዶ ጸባ ባኮ ክጽሕፍን ክእርምን ፍርቂ መዓልቲ ይኣክል። ድሕሪ ምሳሕ ቍሩብ ኣዕሪፈ ከም ብሓድሽ ኣብ ፍርናሸይ ኣሳፊሐ ረፈጥ ብምባል ምጽሓፍ እቕጽል። ሽዑ በዓል ሃብተ ዝርከቡዎም ብርክት ዝበሉ ሰባት ድሮ ገዲፎምና ወጺኦም ስለ ዝነበሩ ኣብ ካሜራና ተዛማዲ ጽምዋ ዓሲሉዋ ነይሩ።

ምስ ዋሕዲ ሰብ ተዛሚዱ እቲ ቦታ ስፍሓት ስለ ዝወሰኸ ከም ድላይካ ክትሓስብ ይኹን ክትሰርሕ ኣዝዩ ምቹእ ነይሩ። ኣብ ቤትማእሰርቲ ስፍሓት ቦታ ወሳኒ’ዩ። ሰብ እንተ በዚሑ፡ ክሳብ ዓይኒምድሪ ዘሎ ቦታ ብመንጸፍ ይመልእ። ስለዚ፡ ይትረፍ እትጽሕፈሉ ቦታ ክትረክብ ወይ ተፋናቲትካ ክትድቅስ፡ ክትግልበጥ’ውን ንጋዳ ይኸውን። እታ ለይቲ ዝባንካ እተውድቐላ ቦታ’ውን ምዕይ ዘይተብል’ያ ትኸውን። ኣፍ ንኣፍ ተራኺብካ ንኣዋርሕ ዘይትንፋስካ ክትቍሕም እናሓደርካ ምንባር እቲ ዝኸፍአ መርኣያ ናይ ቤትማእሰርቲ’ዩ። እዚ ጸጸኒሑ ዘጋጥም ተርእዮ ኮይኑ፡ ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ካሜራታት ብሰንኪ ዋሕዲ ሰብ ኣመና ብጽምዋ ይወሓጥ ስለ ዝነበረ፡ ብፍላይ እቲ ዕብይ ዝበለ ብሸነኽ ምዕራብ ዝነበረ ካሜራታት ልክዕ ገዳም ኮይኑ’ዩ ዝስምዓካ።

ኣብ ካሜራና ዝነበረ ብዝሒ ሰብ ካብ ሰላሳን ሽዱሽተን ሰባት ናብ ዓሰርተ ሽዱሽተ ሰባት ለጠቕ ምስ በለ፡ እቲ ዋዕዋዕ፡ ጸወታ፡ ሰሓቕ ተሪፉ ብጽምዋ ተጠቓዕና። መጀመርያ ሃብተ ተፈሪዱ ምስ ወጽአ ስልጣንያ ስለ ዝተቛረጸ፡ ምስ ዶክተር ከም ቀደምና ብምቕጻል ሓዊ እናተጠቐምና ምግቢ ክነብስል ጀመርና። ክልተና ጥራይ ካብ እንኸውን ግን ኣብ መንጎና ናይ መነባብሮ ጸገም ንዝነበሮ መሓመድ ኑር ክንሕውሶ ተረዳዳእና። ብኸምዚ በቲ ካብ ፈተውትን ስድራን ኣብ ከክልተ ቕነ ዝለኣኽለና ገንዘብ፡ ንግሆ ንግሆ ካብ ድኳን እንዳ ወንጀል ንርግኦ ዝኸውን ጸባ፡ ኮመደረ፡ ንሓዊ ዝኸውን ሽምዓ፡ ማርመላታ ወዘተ ብምዕዳግ ምግብና እናኸሸንና ክንበልዕ ጀሚርና። ወርሒ ከይጸናሕና ግን ዶክተር ጕዳዩ ብደገ ክከታተል ብዋሕስ ስለ ዝወጽአ እቲ ንቡር ህይወት ምስ መሓመድ ኑር ቀጸለ። ሰሙን ከይጸናሕና ድማ ኣብ ተሰነይ ኣባል ባዶ ትሽዓተ ዝነበረ ብርሃነ ነጋሽ፡ ካብ ካልእ ካሜራ ተቐዪሩ ናባና ስለ ዝመጽአ ከም ሳልሳይ ተሓዊሱና።

ምስ ብርሃነ ዘለና ፍልጠት ኣብ 1982 ኣብ ገዳርፍ’ዩ ዝጅምር። ብርሃነ፡ ኣብ ገዳርፍ ከም ተሓዝ ገንዘብ ዝሰርሕ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣመና ነዊሕ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ኣብ ቤትጽሕፈት ዝነበራ ደቂ’ንስትዮ ብርሂን ክንዲ ዓሰርተ እናበላ’የን ዝጨርቃሉ ነይረን። ከም ጠባይ ኣዝዩ ብሩኽ፡ ጣሕሸም ዘይብል ሰብ ስለ ዝነበረ ድማ ምስ ዝኾነ ሰብ ክነብር ዝኽእል ሰብ’ዩ። ብርሃነ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን፡ ሙሉጌታ’ዩ ካፖ ካሜራና ነይሩ። ብርሃነ ይፈትዎ ስለ ዘይነበረ ሕማቕ ወይ ጽቡቕ ተዛሪቡዎ ኣይፈልጥን ነይሩ። ስለዚ፡ ካብ ድኳን ዘድለየና ነገር ብመንገደይ ንእዝዝ ኔርና። ባዕላትና ምግቢ ክንሰርሕ ምስ ጀመርና ብዙሕ ብድሆታት’ዩ ዘጋጥመና ነይሩ። ድጓና ክብሃል ከሎ ስርሑ ንእሱራት ምክትታል ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ዘድልን ዘየድልን እዋን ንእሱራት ጸቕጢ ክገብር ግድነት’ዩ። መብዛሕትኦም እቶም ድጓና ኣባላት ሓለዋ ሰውራ ዝነበሩ ስለ ዝኾኑ፡ ንኣተሓሕዛ እሱራት ምስቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ኣገባብ ኣተሓሕዛ እሱራት የዛምዱዎ ነይሮም። ካብዚ ዝተበገሰ፡ ንእሱራት ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ክትትል የብዝሑ ኣብ ርእሲ ምንባሮም፡ ኣብ ነንሓድሕዶም’ውን መሰረት ዘይብሉ ምቅንናእን ምትሕስሳውን የብዝሑ ነይሮም።

ከም ኣብነት፡ ሓደ እዋን ጸሓይ እናተጸሎና ከለና፡ “ኣንታ እከለ፡ ሕጂ ንስኻ ካብዚኣ ኬድካ ኣብታ እንዳ ሻሂኹም ኢኻ ቀንፈዘው ክትብል። ርብዒ ሰዓት እንተ ወሰኽካና እንታይ ይጐድለካ? እዞም ድጓና’ኳ ክትጭክኑ መዓት ኢኹም፡” ምስ በልኩዎ፡ “ንዓኻ ከምኡ ይመስለካ’ሎ፡ እቲ ጕዳይ ግን ከምኡ ኣይኮነን። ኣነ ዝያዳ ሰዓት ጸሓይ ክትጽለዉ ዕድል እንተ ሂበኩም ዝመጽኣኒ ሰበብ እፈልጦ’የ። ንሓደ መዓልቲ ጸገም ኣይህሉን ይኸውን። ካልኣይ ወይ ሳልሳይ መዓልቲ ከምኡ እንተ ቐጺለ ግን ዘባጻጽሑ ሰባት ስለ ዘለዉ፡ ምስ እሱራት እንታይ ስለ ዘለዎ’ዩ ተባሂለ ኣብ ታርጌት ከም ዝኣቱ ፍለጥ። ወላ’ኳ ኵልና ተጋደልቲ እንተኾንና ጠባይና በበይኑ ከም ዝኾነ ፍለጥ። እዛ ዅላ ዩኒፎርም ተኸዲና ዘላ ሰብ ጥዕና ዘለዋ ከይመስለካ። ደሓር ከኣ ኣብ ሜዳ ከለና ዝነበረ ናይ እሱራት ኵነታትን ሕጂ ዘለኹሞን ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ ከም ዘለዎ ክርድኣካ ኣለዎ። ኣብ ሕሽክብ እሱራት ንዝነበሩ ተጋደልቲ ክንሕሉ ከለና፡ ሓደ እሱር ይትረፍ ጸሓይ ክጽሎ ወይ ክንቀሳቐስ፡ ነዛ ክሓክኽ’ውን ‘ዋርድያ፡ ክሓክኽ ደልየ፡’ ኢሉ’ዩ ዘፍቅድ ነይሩ። ንስኻትኩም ግን ነዚ ስለ ዘይትፈልጡ ጸሓይ እናተጸሎኹም፡ ገንዘብ እናኣተወልኩም፡ ነፍስኹም እናተሓጸብኩም ከለኹም ክተማርሩ ትስምዑ ኣለኹም፡” ክብል ስኽፍ ከይበሎ ናይ ሓለዋ ሰውራ ተሞክሮኡ ቍንጭል ኣቢሉ ኣዕሊሉኒ።

ብወገነይ ነቲ ጕዳይ ብናቱ ዓይኒ ኣይጠመትኩዎን። ኣብቲ ሰውራ ነካይደሉ ዝነበርና እዋን ጽንኵር ኵነታት ስለ ዝነበረ፡ ተጋዳላይ ይኹን ሓፋሽ ህዝቢ ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝግለጽ ግፍዒ ከም ዘሕለፈ ርዱእ’ዩ። ኣዝዩ ምስጢራዊ ስለ ዝነበረ ግን ብዛዕባኡ ኣፍልጦ ዘለዎ ሰብ ኣመና ውሑድ ነይሩ። እቲ ዘዛርብ ዘሎ ግን ናይ ሰለይቲ፡ ኣብ ዒላ ስሚ ክድርብዩ ብጸላኢ ናይ ዝተላእኩ ሃሱሳት ወይ ድማ ኮነ ኢሎም ንብረት ናይ ምዕናው ተልእኾ ዝነበሮም ዘይኮነ፡ ‘ዝምባሌ ኣርኢኻ፡ ኣንጻር ሓለፍቲ ተዛሪብካ፡ ንደሞክራስያዊ ማእከልነት ሓሚኻ…’ ብዝብል ምስምሳት ብዘይ ጭብጢ ተኣሲሮም ኣብ ስንጭሮታት ሳሕል ዝተቐንጸሉ፡ ኣብ ጐዳጉዲ ዝተጐሳቘሉን ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ናይ ዝማህመኑን ተቓለስቲ’ዩ። ሰብ በዲሉ ክቕጻዕ ንቡር’ዩ፡ ግን ከኣ ሰብኣዊ ብዝኾነ መንገዲ ክኸውን ኣለዎ። ስለዝኾነ፡ ‘ኣብ ሳሕል ዝነበረ ኣተሓሕዛ እሱራት ከምዚ ስለ ዝነበረ፡ ጽቡቕ ተታሒዝካ ኣለኻ። ስለዚ ኣይተዕዘምዝም’ ንዝብለኒ ሰብ ኣይቅበሎን ጥራይ ዘይኮነ፡ ‘እቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ንባዕሉ መን ሕጋዊ ገይሩዎ?’ እየ ዝብሎ። ኤርትራዊ መንእሰይ ብወለንታኡ ክቃለስ ንሜዳ ክወጽእ ከሎ፡ ኣንጻር ጸላኢ’ዩ ዓጢቑን መኪቱን። ኣብ መንጎ’ዚ ግን ብብጾቱ ዝተሃንደሰ ንቃልሱ ዝዕንቅፍ መሰናኽላት ይገጥሞ ነይሩ። ምስቲ ዅሉ ውሽጣዊ ጸቕጥን ግፍዕን ግን ኣብ ቃልሱ ብምጽናዕ ንሃገርን ንህዝብን ናጻ ኣውጺኡ።

መራሕቲ ህግሓኤ ኣብ ሜዳ ዝፈጸሙዎ ግፍዒ ከይኣኽሎም ከም ልምዲ ስለ ዝሓዙዎ፡ ወይ ድማ ኣብ ሜዳ ዘይተቓወመ ህዝብን ተጋዳላይን ሕጂ’ውን ብሒም ኣይብልን’ዩ ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ክኸውን ይኽእል፡ ድሕሪ ናጽነት’ውን ነቲ ጨካን ኣተሓሕዛ ህዝብን ተጋደልትን ቀጺሎሞ። ናይ ሜዳ ገዲፍና ድሕሪ ናጽነት ናይ ዝነበረ ኵነታት ክንዛረብ እንተ ዄንና፡ ካብ እንኣቱ ኣትሒዝና ቤትማእሰርትታት ኤርትራ ናይ ሰባት ለውጢ ጥራይ ከም ዝገበረ ንዕዘብ። ደርግ ዝኣሰሮም ሓርበኛታት ካብ ማርያም ግምቢ፡ እንዳ ወንጀል ወዘተ ክወጽኡ ከለዉ፡ ቦታኦም ኣብ ሳሕል ንዓመታት ጨንዮም ብዝነበሩ እሱራት ተተኪኡ። ብኡንብኡ ኣብ ኣፍዓበት ተቓውሞ ኣርኢኹም ተባሂሎም ኣብ ከባቢ ከረን ብኸበባ ዝተኣስሩ ከም በዓል ወንበዴ ናይ ታዕሊም ተደሪቦሞም። ብድሕሪኡ ልዕሊ ሰላሳ ዝኾኑ ኣባላት መጓዓዝያ ስዒቦሞም። እግሪ እግሮም ናይ መጋቢት ናዕቢ ክውሰኹዎም ከለዉ ድሕሪ ዓመት ኣቢሎም ድማ ናይ ዓሰብ ኣርኪቦሞም። ድሕሪ ናይ ዓሰብ ኵነታት ኢሳያስ፡ “ኣብ ኤርትራ ብልሽውና የሎን፡” ክብል ከም ዘይጸንሐ፡ “ኣንጻር ብልሽውና ኵናት ኣዊጅና ኣለና፡” ዝብል ጭርሖ ስለ ዘቃልሐ ኣባላት ግምሩክ፡ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር፡ ከይደንጕዩ ድማ ኣባላት 09 ስዒቦም። ነዚኦም ዝዳረጉ ብጕዳይ እስላማዊ ጅሃድ፡ ብጕዳይ ሃይማኖት ዝኣመስለ ኣንቺምንቺ ዝተኣስሩ እንተ ወሲኽናሎም፡ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ኵሉ ግዜ ምሉእ ከም ዝኾነ ክነስተውዕል ንኽእል።

ኣብታ ህግደፍ መሰል ህዝቢ ሕሉው’ዩ ዝብለላ ኤርትራ፡ ዝበዝሑ እሱራት ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ድሕሪ ምብላዮም ሃንደበት ኪድ ንዓድኻ ክብሃሉ ከለዉ፡ ድሕሪ ምቛም ፍሉይ ቤትፍርዲ ግን እቶም ብዘይከውን ዝተኣስሩ ብዝተኣሰርካዮ ይብሃሉ ነይሮም። ህዝቢ ብዛዕብ’ቲ ጨካን ብይን ፍሉይ ቤትፍርዲ ክዛረብ ምስ ጀመረ ድማ እቲ ፍርዲ ኣዝዩ ክጐድል ጀሚሩ። ንኣብነት ብምጥፍፋእ ንብረት መንግስቲ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ዝበጽሕ ፍርዲ ክወሃብ ጸኒሑ ድሒሩ ናብ ሸውዓተ ዓመትን ካብኡ ዝጐድልን ኮይኑ። ዓለም ብምልእታ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘስካሕክሕ ኵነታት ማእሰርቲ ክትዛረብ ምስ ጀመረት ከኣ መንግስቲ ሃለዋት ዜጋታት ክፍለጠሉ ዘይክእል ምስጢራዊ ኣብያተ ማእሰርቲ ሃኒጹ። ገለ ካብዚኣቶም፡ ሳዋ፡ ዳህላክ፡ ዒራዔሮ፡ ዓላ፡ ኣዳርሰር፡ ማይዕዳጋ፡ ዓዲኣቤቶ፡ ማይተመናይ፡ ዊዓ፡ መትከልቤት፡ ደንጐሎ፡ ሰረጀቓ፡ ትራክቢ ወዘተ ክኾኑ ከለዉ፡ ነፍስወከፍ ክፍለሰራዊት ናቱ ቤትማእሰርቲ ከም ዘለዎ፡ ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ድማ ብርክት ዝበሉ ምስጢራውያን ናይ መመርመርን መእሰርን ቪላታት ኣለዉ። ገለ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣብ ትሕቲመሬት ዝተደኰኑ’ዮም።

 

*          *          *

 

 

[1]ወዲሃብሉ፡ንጕዳይምግብናእሱራት፡ገንዘብኣሱራት፡ንብረትቤትማእሰርቲ፡ዕድጊወዘተዝምልከትነገራትዝሰርሕዝነበረ’ዩ።ከምቍመትሓጺርኮይኑ፡ቅይሕኢሉትምበሃላይ’ዩ።ዝኾነምስምግብናዝተኣሳሰርጕዳያት ድማ ንዑኡይምልከትነይሩ።

[2]ወደ’ርዓዶም፡ቀይሕ፡ነዊሕበዓልግርማዝነበረኣብ ተሰነይ ተመዲቡ ዝሰርሕ ዝነበረኣባል09ኮይኑ፡ድሕርኢሉዝተኣስረ ገዲም ተጋዳላይ’ዩ ነይሩ።ማእሰርቱስለዘይተጻወሮግን ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ነታብኸመይከምዝረኸባዘይትፍለጥገመድእንተኣብሙራለ፡እንተኣብመንደቕ ተጣቢቡ ድሕሪ ምእሳርናብክሳዱኣእትዩዋ።ብድሕሪኡሸለውኢሉርእሱምስመንደቕከምዝጋጮብምግባርብኣሰቃቒኵነታትህይወቱ ኣሕሊፉ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • million April 28, 2014

    kubur Tsehafay,
    Isayas transparency and accountablity kem zeyhlu mugbaru kedamay gebenegna iyu. Etom abalat 09 koyknkum neti edel tetekimkum kem dlaykum bzey accountablity genzeb tenkesakswo dneberkum emo beti gebenegna merahi ab tehatatnet entekerebkum fithawi iyu neyru. Eti mintay eti genzeb eti habti nay Eritrea/ hzbi Ertrea bumukanu.

    ab geben delo seb dma gubu-e mermeratat kigebrelu gubu-e iyu. mi-isarkumn mimirmarkumn zyenbur ayneberen. Hiji Issayas n zgebro delo bedel memekneyta tetekimka , neti ab tihtiu koynka tekaydo dneberka corruption kem kudus tegbarat gierka ketekmto mifitan MIWIRIZAY trah iyu.

  • million April 28, 2014

    kubur Tsehafay,
    Isayas transparency and accountablity kem zeyhlu mugbaru kedamay gebenegna iyu. Etom abalat 09 koyknkum neti edel tetekimkum kem dlaykum bzey accountablity genzeb tenkesakswo dneberkum emo beti gebenegna merahi ab tehatatnet entekerebkum fithawi iyu neyru. Eti mintay eti genzeb eti habti nay Eritrea/ hzbi Ertrea bumukanu.

    ab geben delo seb dma gubu-e mermeratat kigebrelu gubu-e iyu. mi-isarkumn mimirmarkumn zyenbur ayneberen. Hiji Issayas n zgebro delo bedel memekneyta tetekimka , neti ab tihtiu koynka tekaydo dneberka corruption kem kudus tegbarat gierka ketekmto mifitan MIWIRIZAY trah iyu. THE ONLY RESERVATION I PERSONALLY CAN HAVE BECAUSE NO ONE IS BROUGHT TO THE COURT OF JUSTICE WHICH OFCOURSE IS THE INHUMAN ACT.

    • FitHawi April 30, 2014

      ዝኸበርካ/ኪ ሚልዮን
      እቲ ዝበሃል ዘሎ ኣስተውዕሎ።
      ጸሓፋይ ዝብሎ ዘሎ መብዛሕትኡ እሱር ኣብ ሕጊ ከይቀረበ፣ ከይተሓተተ ንዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይበሊ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብዚ ተኣሲረ ነሬ ከምዚ ኣጋጢሙኒ እንተኢልካ ኣብኣ ትረኽባ ዝብል መፈራርሒ ተዋሂቡዎ ብዘይ ገለ ነገር ይፋኖ። ናብ ናጻን ፍትሓዊን ዝኾነ ቤት ፍርዲ ኣብ ክንዲ ዝቐርብ ብኮሚቴ ከምዝታሓዝ ይግበር። ወዘተ… እዩ ዝብል ዘሎ። ኩሉ ዝተኣስረ ገበን የብሉን ማለት ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ሕጋውነት ዘይብሉ ኣካይዳ ዝኽተል ስርዓት ግን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንዝጠርጠሮም ወይ ንዝጸልኦም ዜጋታት መመኽነይታታት ብዘይፍርዲ ዝእሰርሉ መንገዲ እናፈጠረ ንዓመታት ከምዝሳቐዩ ይገብር። በቲ ህዝቢ ንኽጽልኡ ከኣ ኣጠፋፊኦም ገንዘብ ህዝቢ በሊዖም ወዘተ ዝብል ናይ ሓሶት ክሲን ወረን እናፈጠረ ምድንጋጽ ከምዘይረኽቡ ይገብር። ሓቂ ዘለዎ ኣካል ካብ ግሉጽ ዝኾነ ቤት ፍርዲ ዘሕብእ ምኽንያት ክህልዎ ኣይክእልን ኢዩ። ንእሱራት ከእ ከይወዓለ ከይሓደረ ናብ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ከቕርቦም፣ ጠበቓ ክገብሩ ዓቕሚ ዘይብሎም ምስዝኾኑ ከኣ ጠበቓ ክቖጽረሎም ይግባእ። ዕላማ ኣኽባር ሕጊ ገበን ንኸይፍጸሙ ሕጊ ንምኽባር ደኣ’ምበር ንዜጋታት ንምስቓይ ኣይኮነን። ኣብ ሕጊ ዘለዎ ሃገራት መንግስቲ ብጠርጠራ ንዝኣሰሮም ሰባት ኣብ መወዳእታ ጭብጢ ምስዘይረኽበሎም፣ ይቕሬታ ሓቲቱ ካሕሳ ክሒሱ እዩ ዘፋኑ’ምበር ተኣሲረ ኔረ ከይትብል ኢሉ ከፈራርሕ ናይ ነውሪ ነውሪ ኢዩ።
      ዝኾነ ዜጋ ገበን ምስዝፍጽም ነቲ ዝፈጸሞ ገበን ዝመጣጠን መቕጻዕቲ ክረክብ ዳኣ’ምበር ብዝመሰለካ ዓመታት እናደርደርካ ክትፈርዶ ናይ በደል በደል ኢዩ። ካብቲ ዝግብኦ ፍርዲ ንታሕቲ ኣንተፈሪድካዮ’ውን ብተመሳሳሊ ንገበን ተተባብዕ ስለዘለኻ ንህዝቢ ትብድል ኣለኻ ማለት ኢዩ። ብሓደራ ኣቐምጡለይ ኢልካ ንሰብ ከም ግኡዝ ነገር ክትሕይር’ከ ምስ ምንታይ ይቑጸር። ይትረፍ እቲ ክቡር ወዲ ሰብ፣ ዝተዓግተት ጥሪት’ውን ትኹን ትም ኢልካ ኣይትዳጎንን ኢያ። ጥሪት ንዋናኣ ከይሓበረ ንሰዓታት ዝዓግት ሰብ ጽዩፍን ንዑቕን ኢዩ ኣብ ሕብረተሰብና።
      ስለዚ ኤርትራውያን ዝረኽብዎ ዘለው ይኹን መንፈስ ናይዚ መልእኽቲ እንታይ ከምዝኾነ ኣስተውዒልና ክንፈልቶ ይግባእ።
      ኣቶ እስቲፋኖስ ስለ ጽፉፍን መሃሪን ዝኾነ ኣቀራርባኻ አመስግነካ።
      ምሕረት የውርደልካ ኣንታ ፍትሕን ሓቅን ትብህግ ህዝቢ!
      ወዳሓንኩም

  • the noble teacher April 28, 2014

    I miss uncle sye ,he was the only one who was corageous to tell it like it is and put his real name and town. I guess he is banned from this website because he was influencing people not to believe in fantasy ,what a shame.

  • Gideon April 28, 2014

    the noble teacher,
    I miss my dearest uncle Mr Mehretu Habte Pawlos, SYE, Cow(Pretty) face, regret, TEN very much too.
    Who says lighting won’t strike again? Uncle SYE(Mehretu) will definitely strike again soonnnnnnnn.
    What Eritrea is lacking today is a wise, honest and a straight shooter like our super uncle SYE.
    I believe it was Einstein who said the definition of insanity is doing the same thing again and again
    and expecting different results. Well, Deki Erey, “You don’t move on to the next level unless you break
    something in yourself”. Time to break the frozen silence, the culture of fear and the MEN KEMANA shit ego.
    It takes a courage to admit mistakes, unfortunately denial only continue to hurt the nation and its people.

  • Dala ksha April 29, 2014

    If you miss your uncle cow face aka Mahber andnet he is in mekele.he go there to get instructions from his master.

    • ERITRAWIT April 29, 2014

      Dala Ksha,
      you shouldn’t blame SYE. after what we are learning Gedley life, innocent Brother and Sister pay a heavy price for what? what did we get? we Eritrean are still suffering.Hopefully change will come soon.

    • Asghedom Woldeghiorghis May 3, 2014

      Ignorant, he is not like you , he is true eritrean and wise man. You will go to Mekele to beg wisdom thst you don’t have ehere ever you are

  • m April 29, 2014

    we talk 20 yearess old story lelelelelelelekkkkkkkklelelele what are we doing our Eritrean pepole suffering a lot now, but we still lelelelelekkkkkk we are cowerdes,liaress,selfish pepole only we scape like rats from our land and crying like monkeysss in Sudan,Etihopia,Malta,Israel,we are nothing only we talk we we we lelelelelele only we are best to do Gurrrrrrrrrra and we siting in paltak lelelelekkkkkkk smerr smerrr 20 yearesss with out result we dying like monkeysss be man like wadi Ali forto he die to be free

  • Dala ksha April 29, 2014

    M
    so why you don’t start it instead of asking athers to do the job.

  • ERITRAWIT April 29, 2014

    Dear Estifanos,
    Tgrigna tezarabay kab dergey zkefe ab wishtey koynu zwagakum neru. gele neger alo knmrmro zelena ezey kulu endategebre gen kemey eu zetfo seb tesaenu? this is very irritating and sad story.

Post a Reply to million Cancel Reply