Breaking News: Updated: ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ካብ ግዜ ንእስነቱ ብተወፋይነት ዝተቓለሰ ልዑል ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ዝነበሮ ሓርበኛ ሃገራዊ ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ኣብ ዓዲ ጥልያን፣ ትማሊ ርቡዕ ኣብ ዓዲ ጥልያን ብሕማም ምኽንያት ኣብ መበል 65 ዓመቱ ዓሪፉ።
ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ካብ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ ብተወፋይነት ዝተቓለሰ ልዑል ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ዝነበሮ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝፈጸሞ ከቢድ ጥልመት ብምዅናን፣ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ክብደት ውሽጣዊ ሕማሙ ከይዓገቶ ከም ኣቦ ሓድነት
ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ካብ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ ብተወፋይነት ዝተቓለሰ ልዑል ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ዝነበሮ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝፈጸሞ ከቢድ ጥልመት ብምዅናን፣ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ክብደት ውሽጣዊ ሕማሙ ከይዓገቶ ከም ኣቦ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ደው ብምባል ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍ ክሳብ’ ታ ናይ መወዳእታ ዕለትን ናይ መወዳእታ ትንፋሱን ቃልሱ ኣነሃሂሩ ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ሓርበኛ ሃገራዊ ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ብሕማም ምኽንያት ኣብ መበል 65 ዓመቱ ትማሊ ረቡዕ 22 ጥቅምቲ ሰዓት 11፣00 ለይቲ ኣብ ሕክምና ዓዲ ጥልያን ዓሪፉ።
ብቕንዕናኡን ፍቕሪ ህዝቡን ዝልለ ሓርበኛ ሃገራዊ ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ሓድነት ኤርትራውያን መሪሕ ዛዕባ ክኸውን ብዘካየዶ ጻዕሪ ብዙሕ ህዝቢ ናብ ቃልሲ ብምስሓብ ታሪኽ ሰሪሑ ዝሓለፈ ውፉይ ኤርትራዊ እዩ።
ስነስዓት ቀብሪ ናይቲ ኣብ ኣስመራ ብ1949 ዝተወልደ ዓዲ ገብራይ ዝዓዱ ሓርበኛ ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ጽባሕ ቀዳም 25 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ከባቢ ሚላኖ ኣብ እትርከብ ምስ ቤተሰቡ ዝቕመጠጠላ ዝነበረት ከተማ BUSTO ARSIZIO ቤተክርስትያን San Michele ሰዓት 10፣00 ንጉሆ ክፍጸም እዩ።
ክቡራት ተኸታተልትና፣ ናይ ቀዳም 25 ጥቅምቲ መደብ ራድዮ ኣሰና ኣብ ዕረፍትን ውርሻን ሓርበኛ ሃገራዊ ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ዘተኮረ ክኸውን ምዃኑ እናዘኻኸርና፣ በዚ ቁጽሪ ተለፎን ራድዮ ኣሰና 146 951 39711 ደዊልኩም ሓጺር ናይ ጽንዓት መልእኽቲ ከተመሓላልፉ (መልእኽቲ ክትገድፉ) ከምእትኽእሉ ንሕብረኩም።
ድምጺ ኣሰና ብመስዋእቲ ሓርበኛ ሃገራዊ ዶር ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ዝተሰምዓ መሪር ሓዘን እናገለጸት ንቤተሰብን ፈተውቱን ደለይቲ ፍትሕን ጽንዓት ትምነየሎም።
Selamawi October 23, 2014
ዝኸበርክን ወይዘሮ፥ ሰይቲ ዶክተር ተወልደ ተፋማርያም፥ ምስ ኩላቶም ደቅኽን ጽንዓት ይሃብክን። ንኹላቶም ቤተሰብኩምን ፈትወትኹምን ጽንዓት ይሃቦም። ዶክተር ተወልደ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ብምሉእ ታሕጓስ ምስ እግዚኣብሔር ክነብሩ ጸንሎታን እምነትናን ኢዩ።
በታ ቁሩብትለይ ዝርኤኹዎምን ዝተዓዘብኩዎን፥ ብሓቂ ኣማኒ ፈጣሪ፥
ኣማኒ ሰብ፥ መፍቀር ሰብ ኔሮም። ርኅሩኅን ቦቕባቝን ከምዝነበሩ ኩላትና ብኣካል ድዩ ብቪደዮ ሪናዮም። ውፉይ ኔሮም፥ ኣብ ግዜ ሕማሞም፥ ልዕሊ ጥዑያት ጎዮም። መዘና ዘይርከቦ ሓሳብ ኣፈልፊሎም፥ ንሕዝቢ ኤርትራ ዘበራበረ ተስፋ ሂቦምና።
ኣብዚ ሎሚ ብዜ፥ ኣብ ዘመን ሕግደፍ ዘመን ኣካሒክዳ፥ ኣብ ዘመን ውድበይ ውድብካ፥ ኣብ ዘመን ወገነይ ወገንካ፥ ኣብ ዘመን በተንቲ፥ ኩሉ ጸልማት ኮይኑ ኣብ ዝርኣየና ግዜ፥ ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም፥ ብሓቂ ንኹላትና ተስፋ ሂቦምና። ናብ ንቡር ንመለስ፥ ንሕበር፥ ንበራበር፥ ንተኣማመን፥ ብሕጊ ንኺድ፥ ሕዝባውያን ንኹን ኢሎም፥ ብልዑል ወኒን ብንጽሕናን ስለዝቐረቡ፥ ብዙሕ ሕዝቢ ስዒቡዎም። ተግባሮም ብሓቂ ንፈታዊ ሕዝቢ ኤርትራ ዘሔብኖ ኢዩ።
ስለዚ፥ ንሶምኳ እንተሞቱ፥ ሓሳባት ዶክተር ተወልደ ተፋማርያም ኣይክቕበርንዩ። ደቂ ኤርትራ፥ ካብ ጌጋኦም ተጣዒሶምን ተመሊሶምን፥ ብሓደ ኮይኖም፥ ብሕጊ ተገዚኦም ብሰላም ክነብሩ ኢዮም። ሰብ ኣይነብርን እዩ፥ ጽቡቕ ተግባር ግን ይተርፍዩ።
ዝኸበርኩም ዶክተር ተወልደ፥ እቲ ኩሉ ዝገበርኩምዎ ብሉጽ ሥራሕ፥ ልዑል ፈጣሪ ኣኻዕቢቱ ይፍደኹም፥ ኣብ መንግሥቱ ይቀበልኩም። ኣሜን!!
wedi selam October 23, 2014
The greatest father of justice, love, wisdom, determination, passed away. He broke the silence of the people against the evils. He did and accomplished. The most courageous compain against the merciless regime while he was suffering from internal desisses. He gave priority to the sufferings of Eritrean than himself. He will remembered as heros and greatest father in Eritrean history. My his soul rest in peace.
ስኒትና October 23, 2014
መንግስተ ሰማያት የዋርስካ፡ ጅግና ተቓላሳይ፡ ኣያና፡ ሓውናን ብጻይናን ወዲ ቫካሮ!
ኣዝዩ ዘሕዝን ሓቂ’ኳ እንተኾነ፡ ሓርበኛ ኣይነብርን’ዩ፡ ታሪኹ ኢዩ ዝነብር። ወዲ ቫካሮ ድማ ኣብ ልቢ ኩሉ ደላይ-ፍትሒ-ኤርትራዊ ተወቂሩ ክዝከር ክነብር ኢዩ። ኣብ ልዕሊ መቓብሩ፡ ኣእላፍ ጀጋኑ ክለዓሉ ኢዮም፡ ነቲ ጅግና ወዲ ቫካሮ ዘበገሶ ሽግ ሓርነት ድማ፡ ብልዑል ሓድነታዊ ፍቕሪን ናህሪን ኣብ ሸቶኡ ከምዘብጽሑዎ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
መርበብ ሓበሬታ ‘ስኒትና‘: ንሙሉኣት ቤተሰብ መዋቲን ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያንን፡ ጽንዓት ይሃብኩም፡ ይሃበና ትብል።
ስኒትና.ኮም
wolde October 23, 2014
RIP kubur abo Eritrea
Aelm and Giorgio October 23, 2014
condolences
I still see him as for me , as strong as a bear
But in the end could not be more body
His fighting spirit was hard to tame
Could inhibit this life alone something superhuman
The loss was present before the end
grief before parting came
But when we visited you every time
then there was always that smile again
We felt with you , your unspoken grief
Now we mourn your loss, but do not grieve
The world was still open to him
it was not to be so
his eyes closed for good
This hurts so much
It is difficult to accept
you’re gone from this earth
Was always ready
for us and for another
Few take and lots to give
always cordial and warm
Successful you are in your life
You ‘ve given us a good example.
semere 2 October 23, 2014
A great loss for Eritrea indeed. It will not be easy to replace him.
May his soul rest in peace. Condolences to his family.
ogbai October 23, 2014
ሕማቕ ኣቅጋጥሚ ኮይኑ ሞት ዶክቶር ተወልደ ተስፋማርያም ንዝጀመሮ መደባቱ ከወድኤ እንሆ ምስንባት ኮይኑ’ሞ፡ ብቐዳምነት ንምሉኣት ስድራ ቤቱ ከምኡ ንድልይቲ ፍት\ሂ ኤርትራውይን ጽንዓት ይሃበናን ይሃበናን እብል፡፡ ሞት ናይ ኩላትና ዘይተርፍ ዕዳ ምኻኑ እካ ዘይተርፎ እንተኾነ፡ ከይተዛረበ እንካዕ ብጉሁይ ልቡ ኣይሞተ ነባሪ ታሪኽ ገዲፍካልና ኢኻ ድሓን ኩን ክሳዕ ነርክበካ፡፡
ዳኒኤል October 23, 2014
ብሞት እነፍቅሮ ክቡር ኣቦና ወዲ ቫካሮ ዝተሰማዓኒ ሐዘን፡
መንግስተ ሰማይ ከዋርሶን ከምኡ’ውን ንቤተሰቡ ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።
ጅግና ይመውት ግን ኣይርሳዕን!!!!!
Almaz October 23, 2014
Dr Tewelde tesfamryam mengstesemay yewarsom n sdrabet xinat yhabkum.
ezom sbeay grheja fetaw hzbom bawta nhzby zemahalalefwo melekti hberu hade kunu elomun habirna kea nzkrom.
anedo October 23, 2014
May God rest wedi vacaro’s soul in peace. Eritrea lost one of its greatest sons. We deeply missed him. Edme n deleleyti
.