Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Breaking News: Updated: ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ካብ ግዜ ንእስነቱ ብተወፋይነት ዝተቓለሰ ልዑል ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ዝነበሮ ሓርበኛ ሃገራዊ ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ኣብ ዓዲ ጥልያን፣ ትማሊ ርቡዕ ኣብ ዓዲ ጥልያን ብሕማም ምኽንያት ኣብ መበል 65 ዓመቱ ዓሪፉ።

ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ካብ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ ብተወፋይነት ዝተቓለሰ ልዑል ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ዝነበሮ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝፈጸሞ ከቢድ ጥልመት ብምዅናን፣  ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ክብደት ውሽጣዊ ሕማሙ ከይዓገቶ ከም ኣቦ ሓድነት

ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ካብ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ ብተወፋይነት ዝተቓለሰ ልዑል ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ዝነበሮ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝፈጸሞ ከቢድ ጥልመት ብምዅናን፣  ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ክብደት ውሽጣዊ ሕማሙ ከይዓገቶ ከም ኣቦ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ደው ብምባል  ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍ ክሳብ’ ታ ናይ መወዳእታ ዕለትን ናይ መወዳእታ ትንፋሱን ቃልሱ ኣነሃሂሩ ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ሓርበኛ ሃገራዊ ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ብሕማም ምኽንያት ኣብ መበል 65 ዓመቱ ትማሊ ረቡዕ 22 ጥቅምቲ ሰዓት 11፣00 ለይቲ ኣብ ሕክምና ዓዲ ጥልያን ዓሪፉ።

ብቕንዕናኡን ፍቕሪ ህዝቡን ዝልለ ሓርበኛ ሃገራዊ ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ሓድነት ኤርትራውያን መሪሕ ዛዕባ ክኸውን ብዘካየዶ ጻዕሪ ብዙሕ ህዝቢ ናብ ቃልሲ ብምስሓብ ታሪኽ ሰሪሑ ዝሓለፈ ውፉይ ኤርትራዊ እዩ።

ስነስዓት ቀብሪ ናይቲ  ኣብ ኣስመራ ብ1949 ዝተወልደ ዓዲ ገብራይ ዝዓዱ ሓርበኛ ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ጽባሕ ቀዳም 25 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ከባቢ ሚላኖ ኣብ እትርከብ ምስ ቤተሰቡ ዝቕመጠጠላ ዝነበረት ከተማ BUSTO ARSIZIO ቤተክርስትያን San Michele ሰዓት 10፣00 ንጉሆ ክፍጸም እዩ።

ክቡራት ተኸታተልትና፣ ናይ ቀዳም 25 ጥቅምቲ መደብ ራድዮ ኣሰና ኣብ ዕረፍትን ውርሻን ሓርበኛ ሃገራዊ ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ዘተኮረ ክኸውን ምዃኑ እናዘኻኸርና፣  በዚ ቁጽሪ ተለፎን ራድዮ ኣሰና 146 951 39711 ደዊልኩም ሓጺር ናይ ጽንዓት መልእኽቲ ከተመሓላልፉ (መልእኽቲ ክትገድፉ) ከምእትኽእሉ ንሕብረኩም።

ድምጺ ኣሰና ብመስዋእቲ ሓርበኛ ሃገራዊ  ዶር ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ዝተሰምዓ መሪር ሓዘን እናገለጸት ንቤተሰብን ፈተውቱን ደለይቲ ፍትሕን ጽንዓት ትምነየሎም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
120 COMMENTS
  • Truly Truly i say to you October 24, 2014

    ክቡራት የሕዋት ክቡር ኣቦና ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ዝሞተ መሲልኩም ትሃዝኑ እንተለኹም ብጣእሚ ትጋገዩ ኣለኹም፡ ተደንግጹ ሰባት´ውን ኢኹም። እነሆ ሎሚ ብሥራት እበስረኩም ኣለኹ። ንእግዚኣብሔር ዝሓደሩ ቅኑዓት ሰባት ብኣካል ካባና ምሥፍለዩና ክንሕጎስ እንበር ክንሓዝን ኣይግባእን። ምኽንያቱ ቅኑዕ ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዘለዎ ሰብ ኣብ ግዜ ሕይወቱ ጥራይ ደይኮነ፣ ብዝያዳ´ዃ ኣብ ግዜ ሞቱ፣ ካልእ ይትረፍ እቲ ሙውት ዓጽሙ ከይተረፈ ብዙሕ ኣሽሃት ጀጋኑ ከምዘፍርይን ከምዘትስእን እቲ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ ቃል የበስረና።
    ንኣብነት ሰብ ኮይኑ ዘይሃጥእ ቅዱስ ሰብ ስለዘየለ፣ እቲ ንእግዚኣብሔር ዝሓደረ ጅግና ሰብ ሳምሶን ብሰበይቲ ኃጥያት ኣብ ትሕቲ ጸላእቱ ወዲቚ፣ ነቲ ናይ ኃይሉ ሚስጥር ንዝኾነ ጸጉሩ ከምድኾነ ፈሊጦም፣ ነቲ ጸጉሩ ላጽዮም ኃይሉ ብምድኻም ኣብዘዋረድውን ኣብዘላገጹሉን እዋን፣ ሲምሶን ከአ፡ ” ዎ እግዚኣብሄር፡ ዎ ጐይታ በጃኻ ዘክረኒ። ኣታ ኣምላኸይ ንፍልስጥኤማውያን ሓንሳእ ሕነ እዘን ክልቲኤን ዓይነይ ክፈድዩምሲ፡ በጃኻ ነዛ ጊዜ እዚኣ ጥራይ ሓይሊ ሀበኒ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። ሽዑ ሲምሶን ነቲ በኢት ዝጾረ ኽልተ ዓንዲ ማእከል፡ ነቲ ሓደ ብየማኑ ነቲ ሓደ ኸአ ብጸጋሙ ሐዞ። ሲምሶን ድማ፡ ነፍሰይ ምስ ፍልስጥኤማውያን ትሙት በለ። ብሓይሊ ኸአ ተጎበጠ፡ እታ ቤት ድማ ናብ ልዕሊ እቶም ሹማምትን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ እብኡ ዝነበረ ኹሉ ህዝብን ወደቐት። ካብቶም ብህይወቱ ኸሎ ዝቐለቶም ከአ ብሞቱ ዝቐተሎም ምውታት በዝሑ። ክደግሞ እዬ ሳምሶን ካብቶም ብህይወቱ ኸሎ ዝቐለቶም ከአ ብሞቱ ዝቐተሎም ምውታት በዝሑ።” ይብለና ቅዱስ መጽሓፍ (መጽሓፍ መሳፍንቲ መበል 16 ምዕራፍ ታሪኽ)

    ከምኡውን ኣብ 2ይ መጽሓፍ ነገስት መበል 13 ምዕራፍ ከምዚ ዝብል ኣደናቂ ታሪክ ንነብብ።
    “ኰነ ድማ፡ ሰባት ንሓደ ሰብኣይ ኪቐብሩ ኸለው፡ እንሆ፡ ነቶም ወደቕቲ ሓደጋ ርእዮም ነቲ ሰብኣይ ናብ መቓብር ኤልሳእ ደርበይዎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ኣዕጽምቲ ኤልሳእ ምስ ተንከየ፡ ሐወየ፡ በእጋሩ ድማ ደው በለ።”
    ሪእኩምን ኣስተው ኢልኩምን´ዶ ዋላ ናይዝሞተ ጻድቕ ዓዕጽምቲ ሰባት ከምዘሕውይ፧

    ብኣቢኡ ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ “ሕጂ ግና ናብቲ ዝለኣኸኒ እኸይድ ኣሎኹ። ካባኻትኩም ከኣ ሓደ እኳ፡ ናበይ ኢኻ እትኸይድ፧ ኢሉ ኣይሐተንን። እዚ ስለ ዝነገርኩኹም ግና፡ ልብኹም ጓሂ መልኤ። ግናኸ እንተ ኸድኩ ኸም ዚሔሸኩም፡ ሓቂ እነግረኩም ኣሎኹ። ኣነ እንተ ዘይከድኩስ፡ እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእን እዩ እሞዕ፡ እንተ ኸድኩ ግና፡ ንእኡ ኽሰደልኩም እየ። (ወንጌል ዮሃንስመበል 16 ምዕራፍ ካብ ፍቅዲ 5-7)) ብምባል እቲ ድሕሪ ሞቱ ካብ ስማይ ዝልዕኮ መንፈስ ዝያዳ ከምዘፍርዩን ክጽናንኡን ከምዝሕግዞም ይገልጽሎም ነሩ።
    ኣቀድም ኣቢሉ´ውን (ኣብ ወንጌል ዮሃንስ መበል 12 ምዕራፍ ፍቅዲ 24)”ፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተ ዘይወደቐትን ዘይሞተትን፡ በይና እያ እትነብር። እንተ ሞተት ግና፡ ብዙሕ ፍረ ኸም እትፈሪ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።” ኢሉ ዝገለጽሎም ጻድቕን ጡዑይ ሰብ ዋላ እንተሞተ ብዙሕ ከምደፍርይ ንምግላጽ እዩ። እዚ ስለዝኾነ እዩ ወዲ ቫካሮ ኣይሞተን! ብጠጠው ዝሞተስ ኢሳያስ እዩ ኢለ ዘበስረኩም ዘለኹ። በዚ ሓቂ ብምጽናናእ ብፍላይ ስድራ ቤት ወዲ ቫካሮ ከሙኡውን ኹሉና ፈተውቱ፣ ንወዲ ቫካሮ ኣምላኽ ኣብ የማናይ ኢዱ ከምደንብሮ ኣሚና ክንሕጎስ ኣለና ዝብል ዘለኹ። ንሕናውን ብሕይወት ኣለና ንበሃል ነቲ ናቱ ራዕይ ከነተግብሮ ከለና እዩ።

  • rahwa October 25, 2014

    Rest In Peace dear Dr. Tewelde Tesfariam. You will always be remembered as the father of Eritrean unity. My condolences to family and justice-seekers.

  • PERO October 26, 2014

    UNLIKE DICTATOR ISSU WEDI VACARO LOVES ERITREA AND ERITREANS,DICTATOR ISSU LOVES ONLY HIMSELF.WEDI VACARO PLANTS THE UNITY AND LOVE OF ERITREA AND ERITREANS THAT’S THOUSANDS AND THOUSANDS OF ERITREANS WILL FOLLOW HIM.THE MAD DOG AND SELF LOVING DICTATOR WILL SOON BE HISTORY.WE ARE GOING TO REBURY WEDI VACARO IN HIS BELOVED COUNTRY AND WE ARE GOING TO THROW DICTATOR ISSU IN THE SEA OR TEMBIEN,THAT’S THE FACT.DICTATOR ISSU THINKS HE IS ALFA AND OMEGA OF ERITREA,BUT THE MAD DOG IS DAMN WRONG.THE ERITREAN PEOPLE WILL LIVE AFTER THE MAD DOG AND SONS OR DAUGHTER GONE.THE MAD DOG DREAMS HAVE BEEN CRASHED,HIS DREAM WAS TO BE THE PRESIDENT OF ABAY ETHIOPIA( ERITREA+ETHIOPIA).

  • FM October 28, 2014

    ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ንነፍስ ኄር ኣቶ ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ንስድራቤትን ፈተውትን ጽንዓት ይሃቦም፡ ንውጽዕቲ ሀገርና ኤርትራ ድማ ፍትሕን ሰላምን የውርድ።

1 10 11 12

POST A COMMENT