Breaking News: Updated: ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ካብ ግዜ ንእስነቱ ብተወፋይነት ዝተቓለሰ ልዑል ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ዝነበሮ ሓርበኛ ሃገራዊ ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ኣብ ዓዲ ጥልያን፣ ትማሊ ርቡዕ ኣብ ዓዲ ጥልያን ብሕማም ምኽንያት ኣብ መበል 65 ዓመቱ ዓሪፉ።
ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ካብ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ ብተወፋይነት ዝተቓለሰ ልዑል ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ዝነበሮ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝፈጸሞ ከቢድ ጥልመት ብምዅናን፣ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ክብደት ውሽጣዊ ሕማሙ ከይዓገቶ ከም ኣቦ ሓድነት
ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ካብ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ ብተወፋይነት ዝተቓለሰ ልዑል ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ዝነበሮ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝፈጸሞ ከቢድ ጥልመት ብምዅናን፣ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ክብደት ውሽጣዊ ሕማሙ ከይዓገቶ ከም ኣቦ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ደው ብምባል ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍ ክሳብ’ ታ ናይ መወዳእታ ዕለትን ናይ መወዳእታ ትንፋሱን ቃልሱ ኣነሃሂሩ ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ሓርበኛ ሃገራዊ ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ብሕማም ምኽንያት ኣብ መበል 65 ዓመቱ ትማሊ ረቡዕ 22 ጥቅምቲ ሰዓት 11፣00 ለይቲ ኣብ ሕክምና ዓዲ ጥልያን ዓሪፉ።
ብቕንዕናኡን ፍቕሪ ህዝቡን ዝልለ ሓርበኛ ሃገራዊ ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ሓድነት ኤርትራውያን መሪሕ ዛዕባ ክኸውን ብዘካየዶ ጻዕሪ ብዙሕ ህዝቢ ናብ ቃልሲ ብምስሓብ ታሪኽ ሰሪሑ ዝሓለፈ ውፉይ ኤርትራዊ እዩ።
ስነስዓት ቀብሪ ናይቲ ኣብ ኣስመራ ብ1949 ዝተወልደ ዓዲ ገብራይ ዝዓዱ ሓርበኛ ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ጽባሕ ቀዳም 25 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ከባቢ ሚላኖ ኣብ እትርከብ ምስ ቤተሰቡ ዝቕመጠጠላ ዝነበረት ከተማ BUSTO ARSIZIO ቤተክርስትያን San Michele ሰዓት 10፣00 ንጉሆ ክፍጸም እዩ።
ክቡራት ተኸታተልትና፣ ናይ ቀዳም 25 ጥቅምቲ መደብ ራድዮ ኣሰና ኣብ ዕረፍትን ውርሻን ሓርበኛ ሃገራዊ ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ዘተኮረ ክኸውን ምዃኑ እናዘኻኸርና፣ በዚ ቁጽሪ ተለፎን ራድዮ ኣሰና 146 951 39711 ደዊልኩም ሓጺር ናይ ጽንዓት መልእኽቲ ከተመሓላልፉ (መልእኽቲ ክትገድፉ) ከምእትኽእሉ ንሕብረኩም።
ድምጺ ኣሰና ብመስዋእቲ ሓርበኛ ሃገራዊ ዶር ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ዝተሰምዓ መሪር ሓዘን እናገለጸት ንቤተሰብን ፈተውቱን ደለይቲ ፍትሕን ጽንዓት ትምነየሎም።
Hseb October 23, 2014
what a sad news, may his soul rest in peace. WEdi WAkaro you try your best to inform Eritrean about essyass’s evel act while you were in bad health condition . you did your best you can. Unlike other peopl still hide them selves,who forget the date will came one day with out tell the truth to Eritrean people.
REST IN PEACE FATHER WEDIVAKARO WE will be untied and through away the evel man soon.
gebela Stoop October 23, 2014
We lost a great man. He tried his best, he tried to unite us. Indeed it is a great loss. May his soul rest in peace
MightyEmbasoyra October 23, 2014
RIP Wedi Vaccaro.
You did your job and made history. Thank you for that!
I hope this is not as a result of foul play.
Solomon Haile October 23, 2014
Very sad news that our beloved brother is not with us anymore. He was a nice and good person. Tewolde (Wadi Vacaro) was a genuine Son of the Eritrean People and his fighting spirits and his contributions to the democratic movement of Eritrea will live forever in the hearts of all Eritrean people, I send my sympathies to the family and friends in the political life.
Stefanos.Menghesteab October 23, 2014
ክቡር ተወልደ ተሰፋማሪአም (ወዲ ባካ) ዘይጋገ የለን ተጋጊየ መናዊሒ ኣእዳዉ ዓማጺ ኮይነ ሰሪሐ ኢየ። ክቡር ህዝበይ እቅረ በለለይ ኢሉ ንህዝቡ እቅረታ ለሚኑ፡ ጥራሕ ዘይኮነ ምስቲ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገሙ ፡ ምእንቲ ክብሪ ህዝቢ ንሳዓታት ጠጠዉ ኢሉ ፍታሕ ንምንዳይን ሓባራዊ ቓልሲ ከተክል ኮለል ኢሉ ግን ዝሓሰቦ ከየሳላሰለ ወላእኳ ሞት እንተርከበቶ ናይባሓቂ ኩቡር ሰብ ከምሰብ ሓርበኛ ተቃላሳይ ካኣ ኢዩ። ንእኡ መንግስተሰማይ ንስድራቤቱ ጽንዓት ይሃብ
እስጢፋኖስ መንግስግስታኣብ
Hadnet Hailu. October 23, 2014
It is a very sad news.No words can define the this sad event.The only thing we can do is promise to achieve what he started doing ,Struggle in Unity.Continue with the spirit he tried to galvanise Eritreans to stand against the brutal regime in Eritrea.May his soul rest in Peace.
ሃገር ባሕሪ October 23, 2014
ተወልደ ማለት ሞተ ማለት ዩ። ምእንቲ ኤርትራን ህዝባን ዝፈጸምካዮ ታሪኽ ቃልሲ ኣብ ኩሉ ምውድረኻት ብኣወንታ ንዘልኣለም ዝዝከር ዝኽሪ ገዲፉ ዩ። ኣምላኽ ጽድቅኻ ብሰናይ ስራሕካ ኣርእዩካ ዩ።
ንኹልና ኤርትራውያን ድማ ብፍላይ መቃልስትኻ ነበር
ዕዩኻ ንምቕጻል ትብዓት ይሃበና።
መንግስተ ሰማያት የውርስካ!!
senait October 23, 2014
So sad news .wedibakaro u are the hero,rest in peace .u always on our heart
Justice4all October 23, 2014
Human beings die but history lives. You made a great history wedivecaro. Your name will be honored while DIA’s name will be trashed. R.I.P
senait October 23, 2014
Menbar n men mtegebeo dea. Neaka n wedibakaro.gn egzabher n hade elama u neaka meritsu. Eti nab hmak zkeyed zelo hgdef ktxawero aytkelen eka neaa teale u eluka tebebena amlak
egzabher n hruyatu keltifu u zalyom .b zkone hzbi eritrea tsenat yhabka.etom n hgdef tdenagetsu zelekum nabrakum zeytaye slezkone tsenat yhabkum u zbhal n mntay , kelew hangolom slezmote
Ember nska dea lomi jgna , tsebah jgna , neza chenawit alem aerifkala , ajoka ksen ab alem hmak tarik mgdaf u eti zeyeksen ember ksennn. Teneat n sdrabet