Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሓድሽ ናቕፋ ከተኣታቱ ምእዋጁ ኣብ ህዝቢ ዕግርግር ፈጢሩ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሓድሽ ናቕፋ ከተኣታቱ ድሕሪ ምእዋጁ ኣብ ህዝቢ፣ ብሕልፊ ድማ ኣብ ሰብ ገንዘብ ዕግርግርን ሕንፍሽፍሽን ፈጢሩ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ኣብዚ ዝሓለፈ ሓያለ ዓመታት፣ ቁጠባ ኤርትራ፣ እቲ ስርዓት ብቐንዱ ካብ ዘዋፈረን ትካላት ህግደፍ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሓድሽ ናቕፋ ከተኣታቱ ድሕሪ ምእዋጁ ኣብ ህዝቢ፣ ብሕልፊ ድማ ኣብ ሰብ ገንዘብ ዕግርግርን ሕንፍሽፍሽን ፈጢሩ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሓያለ ዓመታት፣ ቁጠባ ኤርትራ፣ እቲ ስርዓት ብቐንዱ ካብ ዘዋፈረን ትካላት ህግደፍ ጀሚርካ ክሳብ ውልቀ ነጋዶ ዝዋስኡሉ ናይ ኮንትሮባንዳ ቁጠባ ኮይኑ ስለዝጸንሐ፣ እቲ ሓድሽ ኣዋጅ፣ ካብ 20 ሽሕ ንላዕሊ ዝቕየር መጠን ገንዘብ ብመንገዲ ባንክን ሰነዳትን ክኸውን ምእዛዙ ምስቲ ናይ ባይታ ኩነታት ተጋራጫዊ ኮይኑ ምህላዉ ኸኣ ‘ዩ ጠንቂ ናይቲ ሕንፍሽፍሽ ኮይኑ ዘሎ።

በዚ ምኽንያት፣ ናቕፋ ኮሚሮም ዝጸንሑ ነጋዶን ውልቀሰባትን፣ ገንዘቦም ኣብ ባንክ ካብ ምቕያር ገዛን ወርቅን ብዝኣመሰሉ ቀወምቲ ንብረት ንምቕያሩ ይጓየዩ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

እቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንሱዳን ከም ደጀንን መበገስን ማፍያዊ ኮንትሮባንዳዊ ስርሑ ብምግባር ሕማቕ ኣብነት ኮይኑ ዘሳዕረሮ ኣሉታዊ ባህሊ ዘይሕጋዊ ንግድ፣ ወረቓቕቲ ናቕፋ ብምቕያር ክልውጦ ከምዘይክእል ንኽብደት እቲ ስርዓት ኣተኣታትዩዎ ዘሎ ዓዊል ብልሽውና ኣብ ባይታ ብቐረባ ዝተዓዘቡ ወገናት ሻቕሎቶም ገሊጾም።

እቲ ዝገርም፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣቐድም ኣቢሉ ሰብ ካብ ባንክ ኣብ ሓደ እዋን ከውጽኦ ዝኽእል ገንዘብ ካብ 10 ሽሕ ንታሕቲ ክኸውን ኣመሓላሊፉዎ ዝጸንሐ ትእዛዝ፣ ነቲ ገንዘብ ኣብ ገዛኻ ናይ ምቕማጥ ልማድ መሊሱ ኣጋዲዱዎ ምጽንሑ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ተመሊሱ፣ ካብ 20 ሽሕ ንላዕሊ ገንዘብ ሒዙ ዝጸንሐ ክሕተት ምዃኑ መምርሒ ምውጽኡ ከኣ፣ መቐጸልታ ናይቲ ንህዝቢ ናይ ምርባሽን ምሽቓልን ኣመሉ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • BsRT November 7, 2015

    ክቅየር ደለዎ ባቴራ ንቅፋ ዶስ ኢሰያይያስ? ኢቲ ተማራሲሁ ዘሎ ኢሰያስ ኢዩ ክቅየር ደለዎ አምበር ባቴራ ዳኣ አንታይ ጌሩ። ምክንያቱ ብልስው ምህደራ ከይተኣልየ ባቴራ ከይር ኣቲከይር ደምጾኦ ለውቲ የለን።ብመሰረቱ ውን አቲ ጉዳይ ናይ ባቴራ ህቶ ኣይኮነን ወይ ውን ፎርጂድ ስለዘጋተመ ኣይኮነን ብሰንኪ ደይጽፉፍ ምህደራኦምን ናይ ሃይሊ ኣዋጃቶምን ናቅፋ ካብ ኣብ ባንኪ ኣብ ውሳተ ስለ ዝሰፈረን ስለ ዝሃከለን ኢዩ።ህጂ ውን ኣብ ክንዲ ህጋዊ ፍታህ ተውርሳኪ ጸይቅን ንህዝቢ ካብ ዝጸበበ ችንቅን መከራን ናብ ድከፊ ቺንቅን ዝጸበበን አናአተዉ የዋርድዎ ኣለዉ።

  • sennai ogbu November 7, 2015

    Exchange rate of USD in parallel market has reached 64. It is bound to go up.
    The question is how long the gov will maintain the 20 000 policy.

  • Stefanos Temolso November 8, 2015

    እዚ ኣዋጅዚ ህግደፍ ኣልዕል ኣቢሉ ገንዘብ ንምእካብ ዝሃንደሶ ሜላ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ክንድዚ ዝኣክል ሓጺር ግዜ ምፍርራሕ ብዝተሓወሶ ኣገባብ ገንዘብ ኣይቅየርን እዩ። እቲ ዕላማ ህዝቢ ብፍላይ ከኣ እቶም ሰብ ዘይሕጋዊ ሰብ ሚልዮናት ገንዘቦም ክቕይሩ ክመጽኡ’ሞ ሽዑ ካበይ መጺኡ ብዝብል ምስምስ ገንዘብ ንምእካብ እዩ እቲ ዕላማ። ህዝቢ ትም ኢሉ ገንዘቡ እንተሒዙ ህግደፍ እንታይ ክገብር ይኽእል? ወላሓንቲ። ዝሓርር ገንዘብ የሎ ዝእከብ ገንዘብ የሎ። ደሓርከ ሰብ ሓንሳብ ጥራይዩ ገንዘብ ዝቕይር ኢልካ ምዝራብ ምስ ምንታይ ክቝጸር ይኽእል። ሓደ በዓል ድኳን መዓልታዊ ንብረት ክሸይጥ እዩ፡ ክሳዕቶ ገንዘብ ዝቕየረሉ ድማ በቲ ናይ ቀደም እዩ ክሰርሕ! እንዳ ህግደፍ ሸፋቱ ዘይገብሩዎን ዘይህንድሱዎን ነገር የሎን!! ብዝኾነ ሰላም ቅነ!

    • hp November 8, 2015

      Estifanos ሓቁ ኢዩ።ዝዓበደ ስርዓት ኢንታይ ዘይገብር
      ብመሰረት ኢቲ ኣዋጅ ሸቃጦ ደው ብምባል ድዃውንቲ
      ተዓጽዩ በረው-በረው ምስ ኮነ ካብ ዝገደደ ናብ ዝገደደ
      ይመሓላለፍ።ሓረስታይ’ውን ጥሪቱ ሽይጡ ዝረከቦ ገንዘብ
      ካበይ ኣምጺኣካዮ ክበሃል ኢዩ።ወይ ጉድ!ዚኣመንካዮ ፈርስ
      ክጠልመካ ከሎ ከምዚ ኢዩ።ንሕና መቃብርና ንፍሕር ኑሱ፡
      ይስሕቅ በቃ” ንሕና ኑሱ ንብል”ኢቲ ዝቀርብ መረረ
      ንሸቃጦ ንወያንየ ባድመ ስለዝሓዘ ግን ባድመ ባዕሉ ዝመንጠዋ ከምልሳ ዓቅሚ የብሉን፡ኢንተ ኢንተ በልና 15
      ዓመታት ሓሊፉ። ንሕና ከኣ መቃብርና ጥራሕ ንፍሕር።
      ስለዚ ንሕፈር በሃላይ ኢየ።

    • Teclay November 8, 2015

      Stefanos T

      “ንዳ ህግደፍ ሸፋቱ ዘይገብሩዎን ዘይህንድሱዎን ነገር የሎን!”

      ኣቶ እስቲፋኖስ ልክዕ ኣሎኻ፣እንተኾነ ግን ሽፍታ ምስ ገድሊ ክነጻጸር ኮሎ ፣መልኣኽ እዩ ።መኽንያቱ ሽፍታ ንድኻ ኣየሸግርን እዩ ፣ንሃብታማትን እውን ካብ ዕለታዊ ድራሩ ሓሊፉ ካልእ ብዙሕ ዝሓቶም ነገር የልቦን።ገድሊስ እንበር ፉሉይ ኣራዊት እዩ።

      • Tesfit November 8, 2015

        ተኽላይ
        ብልሽውና፣ ጭቆና ወዘተ ብቓልሲ ይፍታሕ፣ እቲ ጸገም ገድሊ እንተኾይኑ ግን እቲ ፍታሕ እንታይ ኢዩ፣ ንኤርትራ ናብቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረቶ ምምላስ?
        ኣነ ዝገርመኒኮ፣ ኣብ ዝተኻዕወ ማይ ምቑዛምሲ እንታይ ኢዩ ጥቕሙ?

        • Teclay November 8, 2015

          Tesfit
          Dear brother,before analyzing a comment we need to know the terminologies we use .Example, you said “ናብቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረቶ ”
          ” ናጽነት ” (independence ) this word mean being free.Does this terminology match with the situation in Bahre -Negash after 1991 ?
          Brother Tesfit,we were free till 1991 .Yes, until we put ourselves the yoke in our neck
          Example ,If General Aman Andom was the head of Derghi and happend to be a Bahre Negassian how can one claim we were not independent. It is simply absurd .

        • Ytbarek.S November 8, 2015

          Tesfit,

          Why haven’t you sorted/solved the corruption, oppression by/in your struggle so far then? The fact of the matter for genuine Eritreans back home is Eritrea was far more free, fair, developed and peaceful before the gedli and the shefatu took power in unfortunate Eritrea. What the poor country now needs is real fighters not useless lecturers and analysts.

          It is alleged that Emperor Haileselassie said that Ethiopia wants Eritrean land, and not its people. Well, the irony is that it is your gedli and the shefatu worshipers who are making this happen. The poor Eritrean youth are being chased away from their families and homes by their so called “liberators” gedli fathers to the unknown cruel world of sidet.

          • k.tewolde November 8, 2015

            Are you saying HGDEF represents the entire liberation struggle of Eritrean people? If your answer is yes,I arrest my case,I don’t need to go further.If it is no,together we can make some adjustment to your comment above.

  • Tesfit November 8, 2015

    This is not a solution. Even with the new nakfa, ppl will do the same, keeping cash in their houses. So Isaias again and again will have to change it every year? It is not practical.
    The only solution is for Isaias to step down.

    • hp November 8, 2015

      ስርዓት ኢሰያስ ንኽወድቅ ሽተቶ ተፈጢሩ ኢንዳሃለወ ብሸቶቶ ክሓኹሩ ዝህቁኑ ምህላዎም ዝከሓድ ኣይ-
      ኮነን።ይኹን ኢምበር፡ ህዝብና ብቀደሙ( ከምዚሎሚ)
      ስርዓተ ሕጉ ከይተዘርገ ባዕሉ ዝዳነ ስለዝኾነ ምስ-ምህላው ቁዋም 99% ክዕወት ስለዝኺኢል ጽገም
      ኣይክህልን ኢዩ።

  • berhe November 8, 2015

    Changing the money is not a solution but, you need to change your badly administration .

  • abhyz November 8, 2015

    ገንዘብ መቀየሪኡ ምኽንያት ባንክ ኤርትራ ዘየተኣማመኖም ሃብታማት ነጋዶን ዘይሕጋዊ ሰብዘሰጋግሩን ብሚልዮናት ዝቁፀር ገንዘብ ኣብ ገዛውቶምን ኣብዝተፈላለየ ሕቡእ ቦታን ኣቀሚጦሞ ህዝቢ ይኹን መንግስቲ ብሕፅረት ናቅፋ ክሳቀ ፀኒሑሎ ስለዚ መንግስቲ ነቲ ሽግር ንምፋታሕ እንተኾነ ኢሉ ዝሓሰቦዩ ንእግረመንገዱ ከኣ ካብዝተጠቅሰገንዘብ ንላዕሊ ሒዙ ዝተረኽበ ከም ገበነኛ ክቆፅርዎ ይኽእሉዮም።

    • AHMED SALEH November 8, 2015

      Similar comment with mine . I think it make a sense to consider every possible
      analysis people bring into our attention . We know HGDF reputation very well .

  • k.tewolde November 8, 2015

    might as well change the name from “nakfa” to “lira” while at it.It is a mess!

  • YiAkl November 8, 2015

    PFDJ is to receive millions of Euro from the EU, and Millions of dollars from the Arab countries. Now it wants to control the economy (once again) by flushing out the cash in the market, and by printing new currency. the question is what will happen when the DIA spends the millions? there is no police or strategic plan to help the economy stand on its own. It is likely things will fall back to where it was, even with far more consequences. Anyways, Assenna do keep informing us what the real reason is for DIA to step into such kind of financial terrorism.

  • yemane November 8, 2015

    Anyway Eseyas Afewerki it must be killed by any means soon.

  • aagasgfh November 8, 2015

    Even thou i am not supporter of this evil government there are good reasons that makes you change your currency we don’t have to see it in bad way any ways printing new currency Can not be a solution. Even with the new nakfa, ppl will do the same, keeping their cash money under their pillow so the only solution is government needs to change their policy they have to allow ppl to make free trade that’s the only way they can solve this problem if not few years later government has to print another currency because people we will do the same thing again

    • k.tewolde November 8, 2015

      No offence, “government”, “change their policy”,no! , I call them a territorial gang who rule by the barrel of a gun with no competition for now.So we have “a king pin” and a “decree.”

POST A COMMENT