Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሓድሽ ናቕፋ ከተኣታቱ ምእዋጁ ኣብ ህዝቢ ዕግርግር ፈጢሩ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሓድሽ ናቕፋ ከተኣታቱ ድሕሪ ምእዋጁ ኣብ ህዝቢ፣ ብሕልፊ ድማ ኣብ ሰብ ገንዘብ ዕግርግርን ሕንፍሽፍሽን ፈጢሩ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ኣብዚ ዝሓለፈ ሓያለ ዓመታት፣ ቁጠባ ኤርትራ፣ እቲ ስርዓት ብቐንዱ ካብ ዘዋፈረን ትካላት ህግደፍ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሓድሽ ናቕፋ ከተኣታቱ ድሕሪ ምእዋጁ ኣብ ህዝቢ፣ ብሕልፊ ድማ ኣብ ሰብ ገንዘብ ዕግርግርን ሕንፍሽፍሽን ፈጢሩ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሓያለ ዓመታት፣ ቁጠባ ኤርትራ፣ እቲ ስርዓት ብቐንዱ ካብ ዘዋፈረን ትካላት ህግደፍ ጀሚርካ ክሳብ ውልቀ ነጋዶ ዝዋስኡሉ ናይ ኮንትሮባንዳ ቁጠባ ኮይኑ ስለዝጸንሐ፣ እቲ ሓድሽ ኣዋጅ፣ ካብ 20 ሽሕ ንላዕሊ ዝቕየር መጠን ገንዘብ ብመንገዲ ባንክን ሰነዳትን ክኸውን ምእዛዙ ምስቲ ናይ ባይታ ኩነታት ተጋራጫዊ ኮይኑ ምህላዉ ኸኣ ‘ዩ ጠንቂ ናይቲ ሕንፍሽፍሽ ኮይኑ ዘሎ።

በዚ ምኽንያት፣ ናቕፋ ኮሚሮም ዝጸንሑ ነጋዶን ውልቀሰባትን፣ ገንዘቦም ኣብ ባንክ ካብ ምቕያር ገዛን ወርቅን ብዝኣመሰሉ ቀወምቲ ንብረት ንምቕያሩ ይጓየዩ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

እቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንሱዳን ከም ደጀንን መበገስን ማፍያዊ ኮንትሮባንዳዊ ስርሑ ብምግባር ሕማቕ ኣብነት ኮይኑ ዘሳዕረሮ ኣሉታዊ ባህሊ ዘይሕጋዊ ንግድ፣ ወረቓቕቲ ናቕፋ ብምቕያር ክልውጦ ከምዘይክእል ንኽብደት እቲ ስርዓት ኣተኣታትዩዎ ዘሎ ዓዊል ብልሽውና ኣብ ባይታ ብቐረባ ዝተዓዘቡ ወገናት ሻቕሎቶም ገሊጾም።

እቲ ዝገርም፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣቐድም ኣቢሉ ሰብ ካብ ባንክ ኣብ ሓደ እዋን ከውጽኦ ዝኽእል ገንዘብ ካብ 10 ሽሕ ንታሕቲ ክኸውን ኣመሓላሊፉዎ ዝጸንሐ ትእዛዝ፣ ነቲ ገንዘብ ኣብ ገዛኻ ናይ ምቕማጥ ልማድ መሊሱ ኣጋዲዱዎ ምጽንሑ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ተመሊሱ፣ ካብ 20 ሽሕ ንላዕሊ ገንዘብ ሒዙ ዝጸንሐ ክሕተት ምዃኑ መምርሒ ምውጽኡ ከኣ፣ መቐጸልታ ናይቲ ንህዝቢ ናይ ምርባሽን ምሽቓልን ኣመሉ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • wedi Ken November 8, 2015

    This is a no brainer. Pfdj will never do anything with a good motive. Thus, evenif there are good reasons to change a given currency, this one MUST be out of a bad motive aiming to hurt the people in one more evil way… Everytime u comment, plz Don’t forget that we are talking about a wicked regime!

  • AHMED SALEH November 8, 2015

    Somebody came with interesting hypothesis when we talked about this
    issue by saying ” HGDF knows well the reason behind the announcement ,
    the only way to get after Eritreans with vast of money worth hundreds
    of thousands nakfa profited from illegal activities hidden under the
    nose of Hagos Kisha & corrupted officials ” .
    Bandits share common tricks on how to hit their target . Let sit tight
    and wait for coming soon show called ERITREANS GREED EATS EACH OTHER .
    I hope those with dirty money profited from our brothers- sisters blood
    start to kill each other .

  • Musa November 8, 2015

    Behind every decision issued by this ruling junta there was malice and machinations against our helpless people.

  • aus 17 November 9, 2015

    could Ethiopia guaranty the Collection of these Money and nulify the regimes action of desperate character? exit onces and for ever for the whole zone of east Africa from terror and terrorists,

POST A COMMENT