ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ንኡስ ዞባ ማይምነ ሓሙሽተ መነኮሳት ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።
ስርዓት ኣልቦ ጉጅለ ህግደፍ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 9-6 2018 ኣብ ንኡስ ዞብ ማይ ምነ ዞባ ደቡብ ዝርከብ ኣብ ገዳም ደብረ ድሁሃን እንዳ ኣቡነ ዮናስ ዝነብሩ ዝነበሩ ሓሙሽተ መነኮሳትገፊፉ ብምውሳድ ኣብ ገርገራ ዝበሃል መዓስከር ኣሲርዎም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም ። ኣስማት ናይቶም ኣርባዕተ መነኮሳት፥ 1 - ኣባ ገብረመድህን ፡ 2- ኣባ ገብረዮናስ ፡ 3 - ኣባ ሳሙኤል ፡ 4 - ኣባ ኤልያስ ክኸውን ከሎ ናይቶም 5ይ ግን ዛጊት ኣይተጻረየን። ኣብዚ ጉዳይ ኣባ መልከጼዴቕ ኣበምኔት ናይዚ ገዳም፡ መጋበርያ ናይቲ ስርዓት ዝኾኑ ቀሺ ቀንዲ ኢድ ከም ዘለዎም ይእመን ። ምኽንያቱ እዞም መነኮሳት ነቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዘእሰርዎፈላሲ ኣባ ጸሃየ ዝበሃል ስለምንታይ ዘይወጽእ ዝብል ገዳማዊ ሕቶ የቕርቡሎም ከም ዝነበሩ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ይሕብሩ። ኣባ መልከጸዴቕ ቅድሚ ሕጂውን ን ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብ ማሕዩር ወጺኦም ኣብ ዝተባህለሉ ግዜ ምስ ራድዮ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ሱባኤ እዮም ነይሮም እንበር ኣይተኣሰሩን ብምባል ናይሓሶት ወረ መግለጺ ሂቦም ከም ዝነበሩ ዝዝከር እዩ ። ብመሰረት`ቲ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ንዝርከቡ ካህናት ኣብቲ ዕለት ብ ኣልማማ ግፋ ኣካይዱ ነይሩ ። ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ን ኡስ ዞባ ድባርዋ ዝርከቡ ካህናት መስልኩም ክትረኽቡ እንተኮይንኩም ናይ ግድን ወተሃደራዊ ታዕሊም ክትወርዱ ኣለኩም ብዝብል ጸረሃይማኖታዊ መርገጺኡ ብምግሃድ ከም ዝሓለፈ ናብ መደበራት ታዕሊም ይወስዶም ከም ዘሎ ይፍለጥ ። በዚ ዳግም ተጀሚሩ ዘሎ ግፋ ንመራሕቲ ሃይማኖት ኩለን ገዳማት ኣብ ከቢድ ውጥረት ኣትየን ከም ዘለዋ ይፍለጥ ። እንተ እቶም መጋበርያኡ ዝኾኑ ጳጳሳት ግና ዝኾነ ዝወሰድዎ ስጉምቲከምዘየለ እቶም ምንጭታት የገንዝቡ።
ስርዓት ኣልቦ ጉጅለ ህግደፍ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 9-6 2018 ኣብ ንኡስ ዞብ ማይ ምነ ዞባ ደቡብ ዝርከብ ኣብ ገዳም ደብረ ድሁሃን እንዳ ኣቡነ ዮናስ
ዝነብሩ ዝነበሩ ሓሙሽተ መነኮሳትገፊፉ ብምውሳድ ኣብ ገርገራ ዝበሃል መዓስከር ኣሲርዎም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም ።
ኣስማት ናይቶም ኣርባዕተ መነኮሳት፥
1 – ኣባ ገብረመድህን ፡
2- ኣባ ገብረዮናስ ፡
3 – ኣባ ሳሙኤል ፡
4 – ኣባ ኤልያስ ክኸውን ከሎ ናይቶም 5ይ ግን ዛጊት ኣይተጻረየን።
ኣብዚ ጉዳይ ኣባ መልከጼዴቕ ኣበምኔት ናይዚ ገዳም፡ መጋበርያ ናይቲ ስርዓት ዝኾኑ ቀሺ ቀንዲ ኢድ ከም ዘለዎም ይእመን ። ምኽንያቱ እዞም መነኮሳት ነቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዘእሰርዎፈላሲ ኣባ ጸሃየ ዝበሃል ስለምንታይ ዘይወጽእ ዝብል ገዳማዊ ሕቶ የቕርቡሎም ከም ዝነበሩ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ይሕብሩ።
ኣባ መልከጸዴቕ ቅድሚ ሕጂውን ን ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብ ማሕዩር ወጺኦም ኣብ ዝተባህለሉ ግዜ ምስ ራድዮ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ሱባኤ እዮም ነይሮም እንበር ኣይተኣሰሩን ብምባል ናይሓሶት ወረ መግለጺ ሂቦም ከም ዝነበሩ ዝዝከር እዩ ።
ብመሰረት`ቲ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ንዝርከቡ ካህናት ኣብቲ ዕለት ብ ኣልማማ ግፋ ኣካይዱ ነይሩ ።
ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ን ኡስ ዞባ ድባርዋ ዝርከቡ ካህናት መስልኩም ክትረኽቡ እንተኮይንኩም ናይ ግድን ወተሃደራዊ ታዕሊም ክትወርዱ ኣለኩም ብዝብል ጸረሃይማኖታዊ መርገጺኡ ብምግሃድ ከም ዝሓለፈ ናብ መደበራት ታዕሊም ይወስዶም ከም ዘሎ ይፍለጥ ።
በዚ ዳግም ተጀሚሩ ዘሎ ግፋ ንመራሕቲ ሃይማኖት ኩለን ገዳማት ኣብ ከቢድ ውጥረት ኣትየን ከም ዘለዋ ይፍለጥ ። እንተ እቶም መጋበርያኡ ዝኾኑ ጳጳሳት ግና ዝኾነ ዝወሰድዎ ስጉምቲከምዘየለ እቶም ምንጭታት የገንዝቡ።
መፍቀሬ ኢየሱስ June 16, 2018
እግዚኦ መሓረነ ክርስቶስ ንበል!
ምእመናን ክርስትያን
እንኮላይ ካልኦት ዜጋታት ኤርትራ፥ ዓገብ ክንብል ይግባእ።
በእንተ ማርያም እሙ ይምሓረነ ክርስቶስ።