Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ንኡስ ዞባ ማይምነ ሓሙሽተ መነኮሳት ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።

ስርዓት ኣልቦ ጉጅለ ህግደፍ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 9-6 2018 ኣብ ንኡስ ዞብ ማይ ምነ ዞባ ደቡብ ዝርከብ ኣብ ገዳም ደብረ ድሁሃን እንዳ ኣቡነ ዮናስ  ዝነብሩ ዝነበሩ ሓሙሽተ መነኮሳትገፊፉ ብምውሳድ ኣብ ገርገራ ዝበሃል መዓስከር ኣሲርዎም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም ። ኣስማት ናይቶም ኣርባዕተ መነኮሳት፥  1 - ኣባ ገብረመድህን ፡ 2- ኣባ ገብረዮናስ ፡ 3 - ኣባ ሳሙኤል ፡ 4 - ኣባ ኤልያስ ክኸውን ከሎ ናይቶም 5ይ ግን ዛጊት ኣይተጻረየን። ኣብዚ ጉዳይ ኣባ መልከጼዴቕ ኣበምኔት ናይዚ ገዳም፡ መጋበርያ ናይቲ ስርዓት ዝኾኑ ቀሺ ቀንዲ ኢድ ከም ዘለዎም ይእመን ። ምኽንያቱ እዞም መነኮሳት ነቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዘእሰርዎፈላሲ ኣባ ጸሃየ ዝበሃል ስለምንታይ ዘይወጽእ ዝብል ገዳማዊ ሕቶ የቕርቡሎም ከም ዝነበሩ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ይሕብሩ። ኣባ መልከጸዴቕ ቅድሚ ሕጂውን ን ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብ ማሕዩር ወጺኦም ኣብ ዝተባህለሉ ግዜ ምስ ራድዮ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ሱባኤ እዮም ነይሮም እንበር ኣይተኣሰሩን ብምባል ናይሓሶት ወረ መግለጺ ሂቦም ከም ዝነበሩ ዝዝከር እዩ ። ብመሰረት`ቲ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ንዝርከቡ ካህናት ኣብቲ ዕለት ብ ኣልማማ ግፋ ኣካይዱ ነይሩ ። ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ን ኡስ ዞባ ድባርዋ ዝርከቡ ካህናት መስልኩም ክትረኽቡ እንተኮይንኩም ናይ ግድን ወተሃደራዊ ታዕሊም ክትወርዱ ኣለኩም ብዝብል ጸረሃይማኖታዊ መርገጺኡ ብምግሃድ ከም ዝሓለፈ ናብ መደበራት ታዕሊም ይወስዶም ከም ዘሎ ይፍለጥ ። በዚ ዳግም ተጀሚሩ ዘሎ ግፋ ንመራሕቲ ሃይማኖት ኩለን ገዳማት ኣብ ከቢድ ውጥረት ኣትየን ከም ዘለዋ ይፍለጥ ። እንተ እቶም መጋበርያኡ ዝኾኑ ጳጳሳት ግና ዝኾነ ዝወሰድዎ ስጉምቲከምዘየለ እቶም ምንጭታት የገንዝቡ።

ስርዓት ኣልቦ ጉጅለ ህግደፍ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 9-6 2018 ኣብ ንኡስ ዞብ ማይ ምነ ዞባ ደቡብ ዝርከብ ኣብ ገዳም ደብረ ድሁሃን እንዳ ኣቡነ ዮናስ

 ዝነብሩ ዝነበሩ ሓሙሽተ መነኮሳትገፊፉ ብምውሳድ ኣብ ገርገራ ዝበሃል መዓስከር ኣሲርዎም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም ።

ኣስማት ናይቶም ኣርባዕተ መነኮሳት፥

 1 – ኣባ ገብረመድህን ፡

2- ኣባ ገብረዮናስ ፡

3 – ኣባ ሳሙኤል ፡

4 – ኣባ ኤልያስ ክኸውን ከሎ ናይቶም 5ይ ግን ዛጊት ኣይተጻረየን።

ኣብዚ ጉዳይ ኣባ መልከጼዴቕ ኣበምኔት ናይዚ ገዳም፡ መጋበርያ ናይቲ ስርዓት ዝኾኑ ቀሺ ቀንዲ ኢድ ከም ዘለዎም ይእመን ። ምኽንያቱ እዞም መነኮሳት ነቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዘእሰርዎፈላሲ ኣባ ጸሃየ ዝበሃል ስለምንታይ ዘይወጽእ ዝብል ገዳማዊ ሕቶ የቕርቡሎም ከም ዝነበሩ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ይሕብሩ።

ኣባ መልከጸዴቕ ቅድሚ ሕጂውን ን ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብ ማሕዩር ወጺኦም ኣብ ዝተባህለሉ ግዜ ምስ ራድዮ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ሱባኤ እዮም ነይሮም እንበር ኣይተኣሰሩን ብምባል ናይሓሶት ወረ መግለጺ ሂቦም ከም ዝነበሩ ዝዝከር እዩ ።

ብመሰረት`ቲ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ንዝርከቡ ካህናት ኣብቲ ዕለት ብ ኣልማማ ግፋ ኣካይዱ ነይሩ ።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ን ኡስ ዞባ ድባርዋ ዝርከቡ ካህናት መስልኩም ክትረኽቡ እንተኮይንኩም ናይ ግድን ወተሃደራዊ ታዕሊም ክትወርዱ ኣለኩም ብዝብል ጸረሃይማኖታዊ መርገጺኡ ብምግሃድ ከም ዝሓለፈ ናብ መደበራት ታዕሊም ይወስዶም ከም ዘሎ ይፍለጥ ።

በዚ ዳግም ተጀሚሩ ዘሎ ግፋ ንመራሕቲ ሃይማኖት ኩለን ገዳማት ኣብ ከቢድ ውጥረት ኣትየን ከም ዘለዋ ይፍለጥ ። እንተ እቶም መጋበርያኡ ዝኾኑ ጳጳሳት ግና ዝኾነ ዝወሰድዎ ስጉምቲከምዘየለ እቶም ምንጭታት የገንዝቡ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • መፍቀሬ ኢየሱስ June 16, 2018

    እግዚኦ መሓረነ ክርስቶስ ንበል!

    ምእመናን ክርስትያን
    እንኮላይ ካልኦት ዜጋታት ኤርትራ፥ ዓገብ ክንብል ይግባእ።

    በእንተ ማርያም እሙ ይምሓረነ ክርስቶስ።