Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልማስ ኣእምሮ ኤርትራውያን (The Shriveling of the Eritrean Mind)

ኣማኑኤል ሳህለ   ኣእምሮ ሰብ ብብዙሕ ምኽንያታት ኪዓብን ኪሰፍሕን፡ ከምኡውን ኪዅምተርን ኪለምስን ይኽእል እዩ። ሓደ ካብቲ ከዕብዮን ከስፍሖን ዚኽእል ረቛሒ፡ ብህየሳዊ መገዲ ምሕሳብን (critical thinking)፡ ምስትንታንን (meditation)፡ ምዕዛብን፡ መጻሕፍቲ ምንባብን፡ ምስማዕን፡ ጽምኢ ፍልጠት ምህላውን፡ ብሃናጺ መገዲ ምክታዕን፡

ኣማኑኤል ሳህለ

 

ኣእምሮ ሰብ ብብዙሕ ምኽንያታት ኪዓብን ኪሰፍሕን፡ ከምኡውን ኪዅምተርን ኪለምስን ይኽእል እዩ። ሓደ ካብቲ ከዕብዮን ከስፍሖን ዚኽእል ረቛሒ፡ ብህየሳዊ መገዲ ምሕሳብን (critical thinking)፡ ምስትንታንን (meditation)፡ ምዕዛብን፡ መጻሕፍቲ ምንባብን፡ ምስማዕን፡ ጽምኢ ፍልጠት ምህላውን፡ ብሃናጺ መገዲ ምክታዕን፡ ንሓቂ ካብ ፈታዊኻ ትምጻእ ወይ ካብ ጸላኢኻ ኣእምሮኻ ከፊትካ ምቕባልን ወዘተ እዩ።

 

እቲ ንኣእምሮኻ ዘጽብቦን ውዒሉ ሓዲሩ ድማ ዘልምሶን ድማ፥ ኣብ ልዕለ-ተፈጥሮ ምእማንን (supernatural) ብስምዒታዊ መገዲ ምሕሳብን፡ ኣጉል እምነት ምጥራይን፡ እፈልጥ እየ ምባልን፡ ንኽትረትዕ ኢልካ ምክታዕን፡ ንሓቂ ክትጠቕመካ ከላ ጥራይ ምቕባልን፡ ሸለልትነትን፡ ሕልናኻ ምዕራብን ወዘተ እዩ።

 

ከምቲ ሓንቲ ፓራሹት (ናይ ኣየር ወለድ መንሳፈፊ ጽላል) ምስ ተኸፍተት ጥራይ ካብ ሞት እተድሕን፡ ኣእምሮ ሰብ ድማ ምስ ዚኽፈት ጥራይ እዩ ከድሕን ዚኽእል። ዕጹውን ሃሜነታዊ (dogmatic) ኣምሮን፡ ኣድሓርሓርን ጸረ-ምዕባለን እዩ።

 

ነፋሪት እውን ብወገና፡ ክትሕምበብ ከላ ደኣ እያ ሒዛትካ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እትወስደካ እምበር፡ ደው ምስ እትብል ሒዛትካ እያ ናብ ባይታ ብምውዳቕ ሓሸምሸም እትብል። ስለዚ እቲ ዚሰርሕን ዚመራመርን ኣእምሮ ሒዙካ ናብ ሓቂ ኪጎዓዝ ከሎ፡ እቲ ስርሑ ደው ዘበለን ልሙስ ኣእምሮ ግን ሒዙካ እዩ ናብ ባይታ ወዲቑ ዚሕምሸሽ።

 

ኣእምሮ ወድሰብ ብሓፈሻ ህኩይን ንኹሉ ብኣቋራጭ ኪረክብ ዚደልን ሓይሊ እዩ። ስለ ዘድክሞ፡ ኪሓስብ እውን ኣይደልን። ካብ ምሕሳብ ንላዕሊ፡ ነቲ ናይ ደመነፍሲ (instinct) ድራኸ ወይ ድፍኢት ወይ ንስምዒታቱ እናተጠቕመ እዩ ኪቕጽል ዚደሊ። ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ወድሰብ ብዘገምታዊ መገዲ (evolution) ኣብዚ ምድሪ ምስ ተራእየ፡ ንኺነብር ብማለት ንገለ ሚልዮናት ዓመታት ደመነፍሲ እዩ ዘዘውትር ነይሩ። ድሕሪ ነዊሕ ዘመናት ሓንጎሉ ምስ ማዕበለ ግን፡ እቲ ደመነፍሲ ብኣእምሮ ኪትካእ ጀሚሩ፡ ወድሰብ ድማ ኣእምሮኡ ብምዝውታር ንእንስሳታትን ንተፈጥሮን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ኣእትዩዎም፡ ብህየሳዊ ኣተሓሳስባን ብምርምርን ድማ ኣብ መነባብሮኡን ኣብ ዙርያኡን ተኣምራታዊ ዝኾነ ለውጢ ከምጽእ ክኢሉ። ይኹንምበር፡ ወድሰብ እቲ ደመነፍሱ ስለ ዚድግሶን፡ ብዙሕ እውን ስለ ዘየድክሞን፡ ኣብ መብዛሕትኡ ህይወታዊ ንጥፈታቱ፡ ካብ ኣእምሮኡ ንላዕሊ ንደመነፍሱን ንስምዒታቱ እዩ ኪግዛእ ዚደሊ።

 

ካብዚ እተላዕለ፡ ማለት ኣብ ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ ወድሰብ እቲ ናይ ዓሚቝ ምሕሳብን ናይ ምትንታንን ምምርማርን ባህርያት ሓድሽ ስለ ዝኾነ፡ ንምዝውታሩ ድማ ብዙሕ ጸዓት ዚወሰድ ብምዃኑ፡ ወድሰብ ነቲ ናይ ስነመጎት ዓቕምታቱ ከገልግሎ ብዘይምድላይ፡ ኣብ ህይወቱ በቶም ካብኡ ንላዕሊ ዚሕይሉን ዚጣበቡን ንኺታለልን ንኽዕሾን ኣኽኢሉዎ እዩ።

 

እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ግን፡ ወድሰብ ወትሩ ኪዕሾን ኪታለልን ይደሊ ምዃኑ እዩ። ካብ ከየደቀሰ ዘሕድር ሓቂ፡ ዘደቅስ ሓሶት እዩ ዚሰማምዖ። ኣእምሮኡ ኣዘውቲሩ ሓቂ ካብ ምርካብ፡ ደመነፍሱ ኣዘውቲሩ ሓሶት ምቕባል ይመርጽ። ካብ ምስ ዚዅርኵሕ ሓቂ ምድቃስ፡ ልሙጽን ልምሉምን ሓሶት ተተርኢሱ ኪድቅስ ይመርጽ። ካብቲ ንዓመታ ኪጠቕሞ ዚኽእል ነገራት ንላዕሊ፡ ነቲ ዘይጠቕሞ ግን ዘብለጭልጭ ነገራት ሎሚ ኪረኽቦ ይመርጽ።

 

ወድሰብ ብባህርያቱ ተታላላይ ብምዃኑ፡ ኣብዛ ዓለምና ውልቀመላኽያንን ኣምሰሉታትን ብህዝቢ ተጻዊቶም እዮም፡ ኪጻወቱውን ይነብሩ ኣለዉ። እተታለለ ሰብ ድማ፡ በይኑ ዘይኮነስ ብዙሓት ንኣኡ ዚመስሉ ከም ዘለዉ ምስ ዚፈልጥ፡ ከምቲ ሓንካስ ዝመራሒተን ኩለን የንደልህጻ እተባህለ፡ ከምኡውን ከምቲ ምስ ሰብካ መዓት ዳርጋ ግዓት ተባሂሉ እተመሰለ፡ ኣብቲ ናይ ምትላል ዓለም ብሰላምን ደስታን ምንባሩ ኣየጣዕሶን ዘይኮነስ፡ ዚርድኦ እውን ኣይመስልን እዩ።

 

ገለ ክፋል ናይቲ ህዝቢ ድማ፡ ነቲ ምትላል የስተብህለሉ እሞ፡ ኣብ ክንዲ ካብቲ ጽልዋኡ ኪላቐቕ ዚፍትን፡ ናብ መስተን ኣደንዛዚ ነገራትን ብምእታው፡ ናይ በይኑ ዓለም ፈጢሩ፡ ኣብ ናይ ደስታን ፍስሃን ሕልማዊት ዓለም ይነብር። መንእሰያት፡ ናይ ህይወት ትርጉም እናጸንከሮም ኣብ ዚኸደሉ ግዜ፡ ነቲ መልሲ ካብ መስተን ኣደንዛዚ ነገራትን እዮም ዚደልዩዎ። ካብ ዘይፈልጡዎ ሓቂ ድማ፡ ዚፈልጡዎን ዘለሊዩዎን ሓሶት እዩ ዚምቅሮም።

 

ናይ ሰብ ከሚካላዊን ጀነቲካውን ሆርሞናውን ኣሰራርሓ ከም ዓይነታት ማኪና ይፈላለ ብምዃኑ፡ ገለ ሰብ ነቲ መሰረታዊ ሕቶታቱ ኣብ መስተ ምስ ተኣልከ ጥራይ ኪረኽቦ ከሎ፡ ገለ ድማ ኣብ ሃይማኖትን ኣብ ውሻጠታቱን ብምእታው ዝረኸቦ ይመስሎ። ወድሰብ ብሓፈሻ፡ ህይወቱን ምንባሩን ኣብ ምልክት ሕቶ ኪኣቱ ኸሎ እዩ ናብቲ ልዕለ-ፍጥረት ዝኾነ ዓለም ብምእታው፡ ንሕቶታቱ መልሲ ኪረክብ ዚደሊ። ከምዚ ምግባር፡ ባህርያዊ እኳ እንተ ኾነ፡ ነቲ ናይ ምሕሳብን ምህያስን ምምርማርን ዓቕምታት ግን መብዛሕትኡ ግዜ የልምሶ እዩ።

 

እቶም ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ንባዕዳዊ መግዛእቲ ተሓባበርቲ ዝነበሩ ናይ ሃይማኖት ሰበኽቲ፡ ቅድሚ እቶም ሰብ ጠበንጃ ናይ ወረራ ስራሖም ዚጅምሩ፡ ነቲ ናይቶም ኪግዝኡ ተመዲቡሎም ዝነበረ ህዝቢ ጽኑዕ ልብን ተኸራኻሪ ኣእምሮን ይወሩዎ ከም ዝነበሩ ኩሉ ታሪኽ ዘንብብ ሰብ ይፈልጦ እዩ። ንሳቶም፡ ነቲ ስብከቶም ከም ክሩዝ ሚሳይል ወይ ናፓልም ብምጥቃም፡ ነቲ ናይቶም ግዳያት ህዝቢ በዳሂ ኣእምሮን ነቕ ዘይብል መትከልን ብምዕናው፡ ነቶም ብድሕሪኦም ዝሰዓቡ ሰብ ጠበንጃን መዳፍዕን ጥጡሕ መገዲ ጸሪጎሙሎም እዮም። ኣብዚ እዋንዚ’ ተመሳሳሊ ተንኮላት ዚካየድ ዘሎ ይመስል።

 

ኩሉ ኪገዝእን ኪዘምትን ኪግብትን ዝደሊ ሓይሊ፡ እንተስ ብሃይማኖት፡ እንተስ ብምብራስ ባህልታትን ወግዕታትን፡ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ብናይ ምብትታን ስድራቤት መገዲ፡ ዕላማኡ ኣብ መደምደምታኡ ከብጽሕ ይደሊ እዩ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ፡ እቲ ተንኮላት፡ ካብ ውሽጢ፡ ወይ ካብ ደገ ይመጽእ ምዃኑ ኪሰሓት ኣይግባእን። ኣብዛ ብተክንኮልን ብምትላልን ዝዘቕበበት ዓለም፡ ምግራህ ኣየድልን። እቲ ናይ ምብልላዕን ምጕብባጥን ባህርያት ወድሰብ፡ ልብሱን መልክዑን ቅርጹን ደኣ ይቕይር ይኸውን እምበር፡ ስርሑ ኣይገድፍን እዩ።

 

ኣብዚ እዋንዚ መንእሰያት ኤርትራ ኪጥንቀቑሉ ዘለዎም ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ገለ ካብዚ ድማ፡ ካብቶም ብጥዑም ቃላት ገይሮም ልቢ ሰብ ዚሰልቡን፡ ብኣኡ ኣቢሎም ድማ ሓንጎል ሰብ ዘልምሱን ፖለቲካውያንን ሃይማኖታውያንን ነብያት ኪጥንቀቑ  ከም ኣለዎም ዚብል እዩ።

 

ኣብዚ ኣጋጣሚዚ፡ ብዛዕባ ምልማስ ኣእምሮ ክጽሕፍ ከለኹ፡ ንኹሉ መንእሰይ ኤርትራ ዚምልከት ከም ዘይኮነ ኣቐዲመ ከብርህ እደሊ፡ ከመይሲ፡ ከምቶም ኣብ ኩሉ ህዝቢ፡ ንዝመጽእ ወለዶ ከም መባዅዕቲ ኪኾኑ ተባሂሎም ብተፈጥሮ ዚተርፉ ሓድጊ፡ ኣብ መንጎ መንእሰአያት ኤርትራ ኣውን ብዙሓት ንሃገሮም ዚብጀዉን ሓዊ ሓዊ ዝጨንዉን ተስፋ ዝኾኑናን ኣናብስ ከም ዘለዉ ከረጋግጽ እፈቱ።

 

ኣብ ቀንዲ ኣርእሰተይ ብምእታው፡ ኣብዚ ዘለናሉ ግዜ፡ ፋብሪካታት ሃይማኖትን እምነትን፡ ነቲ ናይ ወድሰብ በዳህን ተመራማርን ባህርያት ብምልዋጥ፡ ብሓደ ሸነኽ ልኡምን ምሽክንክን በሃልን ከንቱ ሓላምን፡ ምእንቲ መሰሉን ናጽነቱን ደው ኪብል ዘይክእል ሕልኩስ መንእሰይ ኪፈጥራን ኪድኩናን ከለዋ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ፡ ሽብርተኛን ህልኸኛን ማሪተኛን ገታርን ደንቆሮን መንእሰይ የምርታ ምህላወን ክንነቕሓሉ ዘሎና ጉዳይ እዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ነገር ግን፡ ኣብተን ኣብዚ ስራሕዚ ተዋፊረን ዘለዋ ሃገራት፡ ከምዚ ዝበለ ንጥፈታትን ውጽኢታቱን እናጎደለ ይኸይድ ምህላውን፡ ኣብ ገሊአን ድማ ንሰደድ እምበር ኣብ ሃገረን ከም ዘይዘውትራኦ ምዃነን እዩ። መኣስ ኢና፡ ህዝብታት ሳልሳይ ዓለም ኣእምሮናን ሃገርናን ህዝብናን ብባዕዳውያን ኪዘናበል ዚነብር?!!!!!

 

ነዚ ኪጽሕፍ ካብ ዝደረኸኒ ቀንዲ ምኽንያት፡ መንእሰያት ኤርትራ፡ ኣብዚ ዘለናዮ ኣስጋኢ ሃገራዊ ህላወ፡ ገሊኡ ኣብቲ ልዕለ-ፍጥረታዊ ዓለሙ ኣትዩ ምሽክንክን ኪብል፡ ገሊኡ ናብ መስተን ኣደንዘዝቲ ነገራትን ኪውፈ፡ ገሊኡ ልቡ ናብ ስደት ጥራይ ኣንቂዱ ሃገራውነቱ ኪድርቢ፡ ገሊኡ ድማ ምስቲ ዝረገጾን ብንዕቀት ዚርእዮን ማፍያዊ መንግስቲ ብምዃን ነቶም ንሃገሮም ኣሕሊፎም ኪህቡ ዘይደልዩ ተቓለስቲ ኪዝልፍን ኪጸርፍን ምርኣይ እዩ።

 

ኣብዚ ኩነታትዚ ከኣዩ፡ እቲ ኣእምሮ ኤርትራዊ ይለምስ ከም ዘሎ ኾይኑ ዚረኣየካ። ከምዚ ዝበለ ልሙስ ኣእምሮ፡ ናይ ላምፐዱሳ ህልቂትን፡ ናይ ተቓወምቲ ብድሆታትን፡ ናይ ደረስቲ ጽሑፋትን፡ ናይ ፖለቲካ ተንተንትን፡ ናይ ሕጊ ተጣበቕትን፡ ሰላማዊ ሰልፍን፡ ናይ ረድዮ መልእኽትን፡ ናይ ኢንተርነት ተግሳጻትን ኪልውጦ ኣይከኣለን። መወዳእታኡ ድማ ዳግማይ መግዛእትን መከራን ሞትን ስደትን ከም ዝኾነ ዚግድሶ ኣይመስልን።

 

ነቲ ልሙስን ድኹምን ኣእምሮ፡ ኣብ መንጎ ባርነትን ናጽነትን፡ ኣብ መንጎ ብርሃንን ጸልማትን፡ ኣብ መንጎ ውርደትን ክብረትን፡ ኣብ መንጎ ኩርዓትን ሕንከትን ዘሎ ፍልልያት ስለ ዘይርድኦ፥ ጽባሕ ንግሆ ሓድሽ ገዛኢ ወይ ጨቋኒ እንተ መጾ እውን፡ ምስኡ ሓቢሩ ኪነብር ዘለዎ ተኽእሎ ክብ ዝበለ ከም ዝኾነ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ይኹንምበር፡ ነቶም ኣብዚ እዋንዚ በብግዜኡ ዚለዓሉ ዘለዉን ቍጽሮም ዚውስኽ ዘሎን መንእሰያት ብምርኣይ፡ እቲ ተስፋ ኣብ ቦታኡ ዘሎ ኾይኑ ይስመዓካ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • meretse August 18, 2018

    “ኣዲስ ኣበባ – ቀረባ ኢያ ኢሎማ – ቀረባ”
    ዝከበርኩም ኣሕዋት ፡ ኣብ ትሕቲ እዚ ዓቢይ ጽሑፍ መምህር ሳህለ ሓንቲ ሓጻር ዛንታ ወስ ከብለልኩም። ተራኪ ስታዝ ሳልሕ ቓዲ መስራቲ ኣዋተ.ካም ኢዩ። ጸሓፍን ጋዘጤኛን ሳልሕ ቓዲ፡ ኣብቲ መጀመርያ መርበብ ዓወተ.ካም ዝከፈተሉ እዋን፡ ሓጸርቲ ተረክቦታት ብትግርኛ ዝጽሕፈሉ እዋን ኔሩ። ሓንቲ ካብተን ናይ መጀምርያ ታሪኩ፡ ብዛዕባ ሓንቲ ጎርዞ ካብ መታሕት ተበጊሳ ንኣዲስ ኣበባ ክትከይድ ትብግስ። ንሳ ስለ ኣዲስ ኣበባ ምንም ትፈልጦ ነገር ኣይነብራን። ግደፍ ኣዲስ ኣበባ ከረን ኣበይ ከም እትርከብን እንታይ ከም እትመስልን እውን ትፈልጥ ኣይነበረትን። ኣብ መንገዲ ንሰብ ማኪና ክማልእዋ ትሓትት እሞ ሓደ እኩይ ኣውቲስታ ትረክብ። ንሱ ባዕለይ ከብጽሓኪ ኢየ ኢሉ ይሰቅላ። ኮይኑ ግን ሕልሙ ብክብረ ንጽህንኣ ንምጽዋት እምበር ንዓኣ ንምሕጋዝ ስለ ዘይነበረ፡ ኣብ መንገዲ ይጻወተላ። እታ ጎርዞ ጓል ድሕሪ ክብረ ንጽህናይ ዝተረፈኒ የብለይን ካብ ዝብል ሕርቃን ተበጊሳ ኣእምሮኣ ትስሕት። እቲ ዝከፍአ ከኣ ኣብ ከረን ምስ በጽሐ፡ ነታ ጓል ኣዲስ ኣበባ በጺሕና ኢና ውረዲ ኢሉ ኣብኡ ደርብይዋ ከይዱ ይብል። ድሕሪኡ ንሳ ንነብሳ ሓንቲ ደርፊ እዋጺኣ ክትደርፈላ ነብረት። “ኣዲስ ኣበባ፡ ቀረባ ኢያ ኢሎማ ቀረባ” ። እቲ ዘገርም ሎሚ ከኣ ህግደፍን ሰዓብቶምን፡ “ሎሚ ዘይከተተ ብዶዉ ከም ዝሞተ” “ናህና ኣይንህብን ዘይናትና ኣይንደልን” ወረ ክንደይ ክብሎ ገዲፎም… ሎሚ “ኣዲስ ኣበባ ቀረባ ኢያ ኢሎማ ቀረባ” ክብሉ ይስምዑ ኣሎዉ። ለከ ሰብውን ይጫሉ ኢዩ!
    የቀንየልና መማህራን ምክሪ ዝሃብኩምና። ምክርኩም ዝቋጸረ ወዲቁ ኣይወድቅን ኢዩ። ምክርኩም ስንቂ ሕማቅ ግዜ ኢዩ።

  • Michael Tesfamariam August 18, 2018

    Like it or lump it, Eritrea as a country has already failed spectacularly, it has reached the point where it is virtually impossible to recover even in a century. Eritrea didn’t simply fall apart because of the war or political plunder its leaders have been carrying out for years, rather because its people have lost mental and moral qualities, culturally backward and morally bankrupt society with no ability to think beyond their narrow and toxic regional and ethnic boundaries. A country that is not capable of delivering basic human needs to its citizen is not worth a tiny drop of blood and sweat, let it crumble all the way till it becomes totally deconstructed. No rational or sensible person would possibly ever think of any change in Eritrea while we have two wolfs competing for the same resources; one Issais led a crime family at home, second 70 plus lazy and filthy “oppositions” run by old and half-dead individuals whose brains already eroded by excessive masturbation. No way!

    • Goitom August 19, 2018

      Michael, you are so frank and right. You put everything so plain and so crystal clear.
      Getting rid of Esayas won’t solve anything as the filthy brain-dead oppositions would be far more worse and disaster. Better the devil you know than the half-dead angel you don’t know and you don’t trust. Yes indeed, let Eritrea crumble all the way till it becomes totally deconstructed,

      • Michael Tesfamariam August 19, 2018

        Thanks Goitom, as you might be well aware the biggest problem Eritrea is facing today is not Issais or his cronies but the lack of moral and intellectual integrity of the wider Eritrean population. Eritreans martyrs have been betrayed so badly by the very people whom they have died for, yet we don’t even know how to defend ourselves let alone to overthrow a callous regime at home.

    • k.tewolde August 19, 2018

      M.T. and what are you? an impotent bystander shewing on his nails,what a self fulfilling prophecy.Step in and fill the empty space and do some ground work instead of empty explicit remarks.

      • Mesfin August 19, 2018

        Wedi Ascari filthy pig, and what the fuck are you then? the usual old boring talkative bighead empty show off attention seeker, you’ll always remain a filthy homo Arab lackey pig.

      • Michael Tesfamariam August 19, 2018

        Sorry, I didn’t get exactly what you wanted to say although your intention appears to me as a rebuff to reality about Eritrea which I tried to reflect. Why wouldn’t you use Tigrigna if you have a cogent argument to make regarding my comment? Lazy!

    • Mesfin August 19, 2018

      Mr Michael T/mariam,
      Great observation and very well said brother. I really admire/support your honesty and views.
      Please ignore that filthy homo Arab lackey k.t as he is just too insignificant and inconsequential.

  • Michael Tesfamariam August 19, 2018

    Thanks Mesfin, I am a bit encouraged to be honest, irrespective how many there are compatriots out there who share my feelings about the country you and I deeply care about.

    • k.tewolde August 19, 2018

      How do you care about the country,by insulting and disparaging the people and calling for a ‘total deconstruction’ whatever that means,and where do you fit in this picture? are you the Rip Van Winkle of Eritrea who slept through the 50+ years of its social strife and just woke up? M.T. talk is cheap,do a little something for the people you say you deeply care that will change their life for the better and you don’t have to tell the world about it.That is groundwork,that is what honest to goodness people do,instead liberally throwing around explicit words which is a taboo and indecent in our culture.There are women in this audience who frown at that.It doesn’t make you hip or sophisticated using that language,English is a rich medium that you can covey your message abundantly, if you can’t try Tigrigna,I bet you wouldn’t have used the sleazy words if you did.This kind of advice doesn’t come from an Arab lackey,ask your buddy Mesfin to stop the libel.

Post a Reply to Mesfin Cancel Reply