Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማሕታ ትማሊ፡ 8ይ ክፋል።

ማሕታ ትማሊ፡ 8ይ ክፋል።                                           15-04-14። ሕሉፍ ዘይፈለጠ መጻኢ የብሉን! “ኣብ ሓንቲ ጉምቦ ኢድ ክንደይ መትኒ ደም፡ ህዋሳት ስምዒት፡ ጀማምትን ጭዋዳታትን ከምዘሎ ፈላጣት ሕተቱሉ” ኢለ ተፋ ንየኩም ቀንየ። ንስኻትኩም ድማ ግደፍ ክንድኡስ ቅንጣብ ኣካል ክትክንተፍ እንከላ እንታይ ዝኣመሰለ

ማሕታ ትማሊ፡ 8ይ ክፋል።                                           15-04-14።

ሕሉፍ ዘይፈለጠ መጻኢ የብሉን!

“ኣብ ሓንቲ ጉምቦ ኢድ ክንደይ መትኒ ደም፡ ህዋሳት ስምዒት፡ ጀማምትን ጭዋዳታትን ከምዘሎ ፈላጣት ሕተቱሉ” ኢለ ተፋ ንየኩም ቀንየ። ንስኻትኩም ድማ ግደፍ ክንድኡስ ቅንጣብ ኣካል ክትክንተፍ እንከላ እንታይ ዝኣመሰለ ቃንዛ ከምዘለዋ ተዛቲ ኹሙሉ ኣለኹም። ናይ መቐምረሪ ነገር’ሞ ኣይውረዮን። ኣስዒብኩም’ውን እቲ ዝሓለፈ ቃንዛ ህዝብናን ሃገርናን ገና ኣብ ቦታ ኡ ከምዘሎ ኣድሚቕኩሞ ኣለኹም’ሞ ስለ’ቲ ኑሱ ከምእዋናውነቱ ከዛርበና ከምዝደረኸ ተረዳዲእና ኣለና። ብዛዕባ ‘እዋናውነ ት’ ዝመጸ’ውን እንታይ ማለትና ምዃኑ ቁሩብ እንተኸለስናዮ ኣይሓይሽን ትብሉ?

ኣቐዲመ ከምሓደ ዜጋ ንሕና ንበይንና ንኸዶ መገዲ ተጓዒዝና፡ ንውልቅና ንብሕቶ መኣዲ ተቐሪብና ከምዘይንፈልጥ መጠን፡ ግንድማ መጓዕዝትና ዝያዳ ክስጉመልና መባልዕትና ሓለፋ ክኹልሰልና ኣይባህግናን ስለዝኾነ፡ እዚ ብዙሕ ፍልጠትን ንዋይን ዝፈሰሶ ተጀሚሩ ዘሎ ሓድሽ መዳኸምያ ድብያ ድማ እናረኣናዮ ከነጽቅጥ ስለዘየብሃገና “ከምቀደም ይመስለክን” ….. ክንብሎ ም ስለዝተገደድና ኢና ንዛረብ ዘለና።

ማለተይ ብትሕዝቶ ንምንጻር ዘመናውያን ፖለቲከኛታቶም ታሪኽ ምዝንባዕ ደጊስዎም ሕጂ’ውን ከም ቀዳማይ ዕማሞም ኮይ ኑ ይርአ እንሀ። ንሳቶም ብኣጋጣሚ ዓወት ዓድዋ ኣብዝገበርዎ ዓለማዊ ጎስጓስ ብፍላይ ኣባና ካብቲ ሕሉፍ ታሪኽ ጥልመቶም ብዝባኣሰ ገዚፍ ሓድሽ ናይ ውሽጢ-ውሽጢ ጥበባት ናይ ሓሶት ፍቕሪ ሓደነት ነስኒሶም ክስርዩና’ሞ ማሕላኦም ሓቂ መሲልና ዳግማይ ድርብ ድርብርብ ዓወታት ንምሕፋስ ይዋደዱ ብምህላዎም ኢዩ ከምቀደም ከይመስሎም ሓቂ ተዛሪቦም ኣብ መገዲ  ባቡር ክድቅሱ ንላወቦም ዘለና። ኣነ ንርእሰይ ከምቶም ካልኦት ደቂ-ሃገርና ኣድናቒ ዓወት ዓድዋ ብምዃነይ፡ ንሱ ኣብ ቦታኡ እናሃለወ፡ ንፖለቲካዊ መኽሰባት ክበሃል ዝግበር ናይ ታሪኽ ምስራዝ፡ ምድላዝን ምጥምዛዝን ግና ክሕደት ቃልስን መንነትን ህዝቢ ኤርትራን ዓወቱን ስለዝኾነ ከምቲካልእ ኩሉ ዜጋ ብዓቕመይ ዝረኣኹዎ ጉድለታት ናይ ምንቃፍን ምስትኽኻልን ሓላ ፍነት ከምዝስማዓኒ ክርድኡለይ ይደሊ። እሞ ኣበሃህላይ ብኣብነት ከሰንዮ።

ፈፍሩዩ ወስ ንምባል፡ ዓወት ዓድዋ ካብ ዓደመናስ ኩላህና ወዮም ናይዛ ጥንታዊት ሃገረ-ኢቲዮጲያ ዘርኢ ሰለሙነ-ሳባዊ ሃጸ ይ መነሊክ ኣብርእስና ዝነበሮም ጠመተን ዝገበሩዎ ውዕላትን ክስናዕ ርኢና። ብኣውራኡ “ንጉስ ንዓሳክር ኣይቀጽዑን (ኣይቆረ ጹን) ኣይጠለሙን። ከምኡ ዝገበሩ’ሞ መዃንንቲ ትግራይ ኢዮም”ኢልካ ነገር ገለካብቲ ማይ ዘይጠዓመ ዝመሰሎም ጥበብዩ።

ታሪኽ መግለጺ ፍጻመ ኢዩ። ብመጠን ዓለማውነቱ ድማ ንነባሪ ስለዝተመዝገበ ሎሚ ክስናዕ ኣይከኣልን። ምናልባሽ ሓንሳብ ንዘታለልካዮ ሰብ ኮነ ህዝቢ ስለዝለመድካዮ ኩሉ ግዜ ከተታልል ክትብል መመሊሱ ይፍተን እንተኾይኑ ከምቲ ኣባጊዑ ብወ ኻሩ ዘብልዐ ጓሳ ካብምዃን ሓሊፉ እንታይ ክፍይድ።

ብወገነይ በቲ ጥንታዊ ሃገርነት ኢቲዮጲያን ትውልድን ክጅምር ምመረጽኩ። ግን ብዛዕባ ዘመነ- እኒእኒ ኣልዒልና ኣብንበጽሖ የብልናን። ናይ እምነቶም ዕንቅፋት ምዃን ንርእሱ ከምጠንቂ ተጸላእቲ ከይንኸውን ሸለል ይሓይሽ። እቲ ዓለማዊ መዐቀኒ ሃገ ራውነት ግዳ ካብ ክፍላ 19 ክፍለ-ዘመን ከምዝጅምር ብኩሎም ኣህዛብ ቅቡል ኢዩ። ከምኡ እናተረድኦም እንተዘይኣመኑ ግን ፈሊጥካ ምጽማም ከምዘሎ ስለንፈልጥ ኣይንግደሰሎምን። እንተኾነ መሳበቢ ግዝኣት ክጥቀሙሉ ኣይነፍቅድን። ንትውልዲ  ዝምልከት’ውን ብዘይካ ሃጸይ ቴድሮስ ኩላቶም ነጋውስ ነዚ ዝተጠቕሰ ሰረተ-ንግስነት ከይጠቐሰ ዝሓለፈ ኣይረኣናን። ንጉስ መነሊክ ንርእሶም ካብ ቃልኪዳን ወጻእን ጎበጨረን ክንሶም፡ ካባ “ሞኣ ዘኣንበሳነት” ክጉምጎሙ ኣይጸገሞምን። “ቀንድን ጽሩ ይን ትውልዲ ሰለሙነ-ሳባዊት’ኮ ሽዋ ኢያ” ክበሃል ይጸንሕ’ሞ ብጎንደር ዝበረቑ ከኣ ‘መንከማና’ ክብሉ ይረኣዩ። ብጎጃመ-ዎ ሎ’ውን መን ክንድኦም? እንተ ናይ ደቂ ኣኹሱመ-ሳባውያን ድማ ሓለፋ ከምዘለዎ ይንገር። ከይስዕረና ንጠንቀቕ’ምበር ጓድ መንግስቱ ሃይለማርያም ብስም ‘ፈላሻ’ ኢስራኤላ ዘጣየሹዋ ህዝቢ ከድኣ ካበይ ዝቖናጠሩዋ ትነብር? ሽዋኸ ከይዳዶ ኣይፋላ?

ዝኾነ ኮይኑ ዘምጻኣና ንምግባር፡ ሽዑስ ዘመነ-መሳፍንቲ ስለዝነበረ መስፍናዊ ወራራት ዘየስዓበሎም ክሕደትን ኣጠላላምን ከ ምዘይነበረ ብቡሩህ ተዓዚብናዮ ኢና። ክሕደትን ጥልመትን ሽዑ’ውን ከምዚ ናይ ሎሚ መለኽቲ “ቀጻሊ ረብሓ’ምበር ቀጻሊ ዝምድና የለን” ዝብልዎ ከም ዓቢ ዲፕሎማሲያዊ መጣልዒ ኢዩ ዝውሰድ ዝነበረ። ንኣብነት መውስቦ እንተወሰድና፡ ኣብ ሃገ ርና ክቡር ነገር ኢዩ። ክቡርነቱ ድማ ግደፍ ኣብሰላምስ፡ ዝተቓተሉ ሰባት ከይተረፈ ጓልን ጋርን ቀንዲ መፈወሲ ሕነን ደምን ኢዩ ዝቑጸር። ኣብኣቶም ግን ኣይከምኡን። ንሶምን ንሕናን ክልተ ጫፍ ናይ ሓደ መስመር ምዃንና ከኣ ኣብነቱ እነሀልኩም።

እቶም ንናይ ሽዋ ንግስነት ቆሽሚዶም ዘምበርከኹዋ ሃጸይ ቴዎድሮስ ንምሩኽ ንጉስ መነሊክ ጓሎም ኣመርዓውዎ። ጽልኢ ብ

ፍቕሪ ንምድባሱ ተሓሲቡ እንተነይሩ፡ ብግብሪ ግን ወዮም ብሞት ዘይተቐጽዑን ጓል ዝተሰለሙን ንጉስ መነሊክ ኣብ ጥፍኣት ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብጎድኖም ኣይተሰለፉን። ከምኡ ድማ ንጉስ መነሊክ ኣዋልድ ደቆም ንደቂ ኣንጻሮም ዓደሉወን። ዘውዲቱ  ንኣብነት ንወዲ’ቶም መነሊክ ንርእሶም እምኒ ተሰኪሞም ይቕረ ዝለመኑዎም ሃጸይ ዮሃንስ ኣዋሰቡዋ።ጉርሒ ዝተሸርቦ ሽሩሕ መውስቦ ብምንባሩ ድማ ንጉስ መነሊክ (ጓሎም ንሰብኣያ ከምዝኸምበለቶ’ውን ይውረ ኢዩ) ርእሲ ሃጼ የውሃንስ ብዱርቡሽ እናተኸንተፈት ክረድኡ ካብ ቦታኦም ምዕይ ኣይበሉን። ብሓጺሩስ እቲ ጥልመት ኣብ ነንሕድሕዶም’ውን ንቡር መለለይኦም ከምዝነበረ ኢና ንርዳእ። ጠንቂ ናይ ዘይስምረቶም እንተድኣ መስፍናዊ ወራራት ነይሩ ካበይ ዝመጸ ናይ ኣሽሓት ዓመታት ሃገ ራውነት ኢዮም ዘውርዩ?

ብዛዕባ ውዕላት ዝመጸስ ምሒር ዝተነጸረ መልእኽቲ ዝሓዘ ብምዃኑ ናይ ነገር እምነቱን ክሕደቱን ንሰባት ገዲፍና መን ዘይፈ ልጦ? ሎሚ ሓቂ እናበርትዖም ምስመጸ ጽኑሓት ሰነዳት ወያነ ከምሓድሽ ትስንዖ ከምዘላ ኣምሲሎም ከሕሸኹሽኹ ሰሚዕና።ማለቶም ድማ ኣዝዩ ተነጺሩ ኣሎ። ብቐዳምነት፡ ወያነ ንኤርትራ ‘ስለዘገንጸለታ’ ዓባይ ኢቲዮጲያ ከኣ ዝያዳ ንዓዖም ስለትብጽ ሖም ተቐይሞማ። ደጊማ፡ ብ”ምሽጥር መረብ ምላሽ” ክሳብ ባረንቱ ክቆጻጸሩ እናኸኣሉ ‘ኣስገንጣይ’ ወያነ ግን ይትረፍ ኣብኡ ስ ባድመ’ዃ ንኤርትራ ኣሕሊፋ ሂባታ። ሰሊሳ፡ ብወገን ደንከል ክሳብ ባሕሪ ናይ ይግባኣኒ ምጉት ከቕርቡ እናኸኣሉ ነፍሲሄር ጠ/ሚኒስተር መለስ ‘ሕጋዊ መርትዖ የብልናን’ ኢሉ ከምዘካለፎም። ረቢዑ፡ ንኤርትራ ብሓይሊ ቆሽሚዶም ክቆጻጸሩዋ እና ኸኣሉ ብሰንኪ መለስ ካብ ኣፍደገ ኣስመራ ንድሕሪት ከምእተመለሱ። ኮታ እቲ ጠንቂ ሕልፈት መለስሲ ማእለያ የብሉን።

ነገር ኣንድነታዊ ሓሳብ ከይደገሶም ኣይተረፈን። እንተኾነ ግደፍ ሃገር ተኣክልስ ሓዳር’ውን’ኮ ብዘይፍቶት ሄዋነይቲ ኣይቀንዕን ኢዩ። ብኡ መጠን ፍትሕ ንቡርን ፍትሓውን ኮይኑ ይጸድቕ። ንሕና ድማ “ንሕና ኢቲዮጲያ ኣይኮንናን ይኣኽለና ባቓ”! ኢና’ ኮ ኢልና። ሕጂ ቁጭምጭምን ኣብ ዘይእንዳኻ ምሱውሱውን ተተመኹሊኻ “ፍቕሪ ያሸንፋል” እናተባህለ ሕቖ እንዳማትካ ክ ትሸሓሕር ምፍታንሲ እንታይ ኣምጽኦ? መልዓል ቅሙጥ! ዝበሃልስ ከምኡ ድዩ?

ናይ ወያነ ነገር’ሞ ዘየደቅስ ኮይንዎም ኣሎ። ሑሞራ ካብ ጎንደር ጠሪራ ብሒታቶ ከይኣክል ደጊማ ንሱዳን ክዋሃብ ዝበየነቶ መሬት ሰሊዓ ምህላዋ። ሰሊሳ፡ ንሃብታማት ኣዕራብ ኮኑ እንድዒ ዝተሸጠ መሬት። ረቢዓ፡ ኩሉ ቁጠባ ሃገር ኣብትሕቲ’ዛ ወ ፍጮ’ዃ ዘይነበራ ቁንጣሮ ህዝቢ ብምእታዉ፡ ማንም ጀነራልላት ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት ኣዲስ-ኣበባ ብሒተሞ፡……….ኮታ ት ንሳኤ ተጋሩ ከምሕሱም ኣቕለሽልሽዎምሲ ክሳብ እቲ መለስ ተሸኪምዎ ዘይከደ ሓጽቢ ኣባይ ከይተረፈ ምስርሑ ክቃወሙ ክ ስምዑስ፡ ብኣና ምውርዛይ’ሞ ይትረፎም ከምቲ “የቆቱን ኣወርድ ብላ” …..ኢሎም ዝምስልዎ ከይሰዓበ ከቕልለሎም ንትስፎ።

እንተ’ቲ “ሃጸይ መነሊክ ኣይወዓሉዎን” ዝበሉና መቑረጽቲ መሓውርና ድማ ውዒለሞ’ምበር! ቅድም ቀዳድም ንሕና ዓሰርተታ ት ኣሽሓት ሙሩኻቶም ብሰላም ዘፋነና ብምዃንና ንሳቶም ንዓና ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ሙሩኻት ክምህሩና ኣይክእሉን ኢዮም። ብተወሳኺ እቲ ብ“በፍትሓ ነገስት” ዝተወስደ ‘ቅጣት’ሲ ከመይ ኣቢሉ ኣሉላዊ ኮይኑ? ራእሲ ኣሉላ እንተዝደልይዎኸ ሃጸይ ኣ ብ ክንዲ ምእራሙስ እናተቖረጽና ከይተረፈ ኣውያትና ክሰምዑዶ ኣብቲ ቦታ ከይመጹ? እምበርከ ‘ብሰንኪ ኣሉላ’ ማለት ምስ ቲ በፍትሓ-ነገስቲ ኣይጋጮን ዶ? ክልተ መልሓስ ነውሪ!!

እንተድኣ ምስወያነ ከናቑቱና ሓሊኖም ኮይኖም ድማ ብወገንናስ ተጋግዮም። ብዝተረፈ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ስልጣን ከምዝ ፈቱ ከጋውሑ ጸኒሖም ጎድኒጎድኑ ኣብ እዋን ናጽነት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንርእሰ-ምምሕዳር ኢሉ ፈሪምሎም እንተኾይኑ ሃየ’ን ዶ ወሸለ!! ሕጅስ እንታይማይዶ ሓሊፍዎ ኢዩ ዘይሰማምዑ። በታ ተጀሚራ ዝነበረት ኮንፈደረሽንዶ ጥቓኣ ክሰማምዑ እንተ ክኢሎም፡ ንሱ ንዓኣቶም ‘መራሕን’ ወደባትን’ ምኾነሎም። ፕረሲደንትና ድማ ነዛ ዓባይ ሽመቱ ዕምሩ ሙሉእ ብሂጉዋ እንተ ኾይኑ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ እንተተኾየጣ እንታይ በሃሊት!

ንሰምዖ’ኮ ኣለና ብኣፍ ናይታ “ኢሳት” ዝብሉዋ ኣብ ወጻኢ ዝመደበራ ቲቪ ተቓወምቲ ኢቲዮጲያ ህዝብና’ውን ክሰምዕ ተሓሊ ኑ ዝበሃል ዘሎ። ህዝብና ድማ ንፈነወ ሓበሬታ ኣሰናን መሰልታን ንምስሳን ዝዋደቕ ዘሎ ሓቀኛ ድምጽና ንክሰምዕ’ምበር ብሃ ውሪ’ኮ ኣይኮነን። ብተወሳኺ ንከታተሎ’ኮ ኣለና ብሸፈጥ “ፍቅር ያሸንፋል” ናይ እኒ ገለ ምሁራት ኢቲዮጲያ “ህዝቢ ኤርትራ ስ ናህና ኢዩ፡ እቲ ዝተሰብረ ድልድል ድማ ኣብ ምጽጋን ገጹ ኢዩ” እናተባህለ ዝቀናጦ ዘሎ ኣጽፋር፡ እተን ኣብ እዋን ሃገራዊ ሓደጋ እናሃለና ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ገዛውቲ ከምዝሸመታ ዝውረየለን ዘሎ ቁጻር-ምጻር’ውን ምንም ዝቕይሮ ሓቅታት የለን።

ብዛዕባ ኤርትራን ኤርትራውን ጭቡጥ ሓቂ ክንዛረብ። ንሕና ኤርትራውያን ከምኩሉ ህዝቢ ምስጢሩ ዘይተገላጺ ናይባዕልና ባህርያት ኣለና። ክቱር ከምዘይተበደልና ኣውራ ንይቕረ ልዑል ቦታ ኢና ንህቦ። በዚ እዋናዊ ሓርጎጽጎጽ ተተባቢዑ ጠፍኡ-ጠ ፍኡ ኢሉ ዝትስፎ እንተ-ኣልዩ ብጣዕሚ ተጋግዩ። ከመይሲ ኤርትራ ብደምን ታሪኽን ዝቖመት ሃገር ኢያ። ስለዝኾነት ክትሽ ፈጥ ድሉውቲ ኣይኮነትን። ልክዕ’ዩ ከምጀጋኑ ቅልጽምና እናተገተረ፡ ብፍቕሪ ባህጊ ብሓባር ምስራሕን ሓልዮት ጉርብትናን ብ ዙሕ ግዜ ከንዕቐና ጸኒሑ ኢዩ። ምስክሩ ዝተራእዩ ጀግንነታዊ ፍጻመታት መርኣያ ናይዚ ኢዮም። ጀግንነት ማለት ድማ ግብ ራዊ’ምበር ኣብጻልጣ ጎልጎል ስለዝተዘመረ ኣይኮነን። ንኣብነት ዝጎብለለ ወተሃደራዊ ስራሓት ኢቲዮጲያ ብኤርትራውያን ዝተ ፈጸመ ኢዩ። መቸም ንሳቶም ክሳብ ሎሚ “ኣይተገዛእናን” በሃልቲ እንድዮም፡ ጣልያን ንሃገሮም ንሓሙሽተ ዓመታት ክድኩዓ እንከሎ፡ እቶም ድሒሮም ንጉሰ-ነገስት ዝተሰምዩ ኣይኮኑን ተዋዲቖሙላ። ጎጃማዊ በላይ ክቛሻመድ እንከሎ ኤርትራውያን ድ ማ ከምቲ ዝተራእየ ናይእኒ ጉግሳታት ርእሶም ንጣልያን ኣየድነኑን። ብሓይሊ ከምተገዛእና ምልክቱ ኣብዓድዋ ተራእዩ’ዃ እን ተኾነ፡ ብተወሳኺ ክልተ ዜጋታትና ኢዮም ኣብማእከል ርእሲ-ከተማኦም ግራዚያኒ ንምቕታል ዝተሰውኡ። ኤርትራዊ ኢዩ ኣ ብ ሮማ ብሴፉ ዝተጓመደ። ካልእ ግደፉ፡ ኣማን ዓንዶም ንሓቀኛ ፍታሕ ሽግር ክልቲአን ሃገራት እናተጋደለ ክማርኽዎ ምስ ዝመጹ ጦር ከምተኳሽሐ ትዝክሩ ኢኹም። እቲ ከምቴዎድሮስ ንሃገሩ ክሓልፈላ ሽጉጡ ክጥጥየላ ዝተጸበይዎ መንግስቱ ግዳ ኣዋርቐ-ዶላራት ብዝጻዓነት እርቡናለኡ ኢዩ ራሕሪሕዎም ዚምባብወኡ ዝተደርገመ። ክሕደቶም’ሞ ክንደይ ክትብሉዎ?

ዝኸፍአ ነንሕድሕዶም ልባቶም ኣብዝኾነ እዋን፡ ብዝኾነ መድሃኒትን መሕጸብን ከምዘይትጸሪ ክካሰሱ ክንሰምዕ ንዓና ከኣ ዝ ገበሩና የዘኻኽረና። ረሲዕኩሞ ዲኹም እቲ ብነፈርቲ ክንደይ ህዝብናን ጥሪትናን ኣንዲዱ ዝተማረኸ በዛብህ ጴጥሮስ፡ ንዕዑ ዝተገብረሉ ዛንታ ከይበዝሓና ገዲፈ ኲናት ምስተወልዐ ከምግዳይን ሙሁርን መጠን ክንዲ ንሰላም ዝጽዕር፡ ክጸናተወና ስለ  ዝጸንሐ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ኲናት ነታ ዝሰርሓላ ዝነበረ ቦታ፡ ክዕልሞም ዝጸንሐ መንእሰያትን መሳርሕቱን ክቐትል ፈቲኑ ዳ ግማይ ክማረኽ? ኦይ………..

ሎሚኸ ኢቲዮጲያ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን እንታይ ትሓስብ ኣላ? መቸም እቲ ተጣቢባቶ ዝመሰላ ንኤርትራ ዝጎዛዚ መደብ ቆላማ ደጋማ ድሮ ፈሺልዋ እንድዩ፡ ተሓቢኣ ዘላ መሲልዋ ኮንዶኾን ካብዝብል ኣእዳዋ ካብምውጥዋጥ ኣየዕረፈትን። እቲ ኣ ብቶም ፖለቲከኛታትና ዝግበር ጸቕጥስ ንቕበሎ። ኣብ ርእሲ መንእሰያትና ንዝግበር ምግምማዕ ግዳ ኣጥቢቕና ንኹንን። ኣብ ርእሲ’ቶም መናገድያ ኮይኖማ ዘለዉ ዑቕበኛታትና ዝወርድ ዘሎ በደላት’ሞ ንግዜ ይጽናሕ።

ግዳይነት ዓወት ዓድዋ እዩ ኣዛሪብና። በቲ ግዜ’ቲ ክምዘኑ ስለዝነበሮም ሎሚ ኣብ ርእሲ ሃጸይ መነሊክ’ውን ዝኾነ ኣይምበል ናን። እንተኾነ ካባታት ሸፋፊንካ ካልእ ንምምሳሎም ካብተደለየ፡ ኣይፋላትና ከነቕርብ ጉቡእ ኢዩ። እቶም ‘ኣሉላታት’ እንዳ ቖረጹና ዘስቀጡ ሓላይ ህዝቦም ዝበሃሉ፡ ከምቲ ኣብ ወርቂ መንበር ተኾድጮም ማዕሪጎም ትርእይዎም ጥራይ ከይመስለኩም ንምብራህ ኢየ ዝፈተንኩ። ንሶም ብጥልመት፡ ክፍኣትን ቅትለትን ዝተፈልጡ ነበሩ። እታ ትረኣየኩም ናይ ምዕሩጋት መንበር ንርእሳ ካብ ሃገረ-እንግሊዝ ተሸሚታ ዝመጸት ናይ ኤሌክትሪክ መቕተሊት ሰብ ኢያ። በቲ ግዜ’ቲ ኣብ ሃገሮም ኤለክትሪክ ብ ዘይምንባሩ ግን ብኣልባሳት ኣማዕሪጎማን ንርእሶም ማዕሪጎምን ተኾድጮማ ርኢና። ገለ ክንብል ዝግድዱና ዘመናውያን ክእደ ቡ ንምምሕጻን ክብል ኢየ ድማ ዝጠቐስኩዋ።

ከምቲ ደጋጊመ ዝበልኩዎ ትረኻይ ንኢቲዮጲያ ጥቓ ምቁንጻቦም ኣይበጽሐን። ክንደይ ጀጋኑን ቁኑዓትን ኢቲዮጲያውያን ኣሕ ዋትናን ጎረቤትናን ከምዘለዉና ኣጸቢቐ እፈልጥን፡ በይንና ተጓዒዝና ኣብንበጽሖ ስለዘየለ ድማ፡ ኣብ ሃሃገርና ኰንና ክንተሓላ ለን፡ ክንተሓሳሰብ፡ ነዚ ፈታኒ እዋን ግደፍ ተነጻጺልናስ ተጠርኒፍና’ውን ኣጸጋሚ’ዩ እሞ ፍልልያትና ከምባህርያቱ ከሎ ከይተ ጎዳዳእና ክንተሓጋገዝ እምነተይን ትጽቢተይን ከምዝኾነ ክርድኡለይ እላቦ።

መፈጸምታኡ የርእየና!!

ጎደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
30 COMMENTS
  • Dala ksha April 15, 2014

    Godfa
    I would like to thank you for telling the truth as it is without any kimem or metahfsti as our neighbors in the south do.it will be great if you write a book our young generation can learn a lot from it.Please keep writing this is the time we need you some of our young people are getting confused they need to know our past history. IF WE Do not Know Our past WE will not know our Future.

  • habtom April 16, 2014

    Hi amunel ezi nklte hagerat zener tshuf meremta tetegebro zhashe neyru?

  • yonas27g April 16, 2014

    GODEFA
    “KEM QEDEM YMESLEKN WHJ…?”

  • Berhane Amdemariam April 16, 2014

    i do not agree with old history,

  • Dala ksha April 16, 2014

    Habtom
    Amaneul is Eritrean to,one of those victims of adwa could be his grandfather or great uncle.

  • Dala ksha April 16, 2014

    Berhane
    you don’t have to agree,after all majority Ethiopians don’t want to see us as nation.

  • Tezareb April 16, 2014

    ሳሕሳሕ ዓረብ ንወድኹም ጓልኩም፣ ብደውኩም ከልኹም ኣንዳተጻውትሎም። ባሮት ዓረብ ኴንኩም ንዕዳጋ ወሪድኩም ንንብስኹም ሓሲርኩም፣ ኣፍሪቃ ምሉእ ኣሕሲርኩም ከለኹምሲ፣
    ያኢ ቁም ነገር ተሪኽብለይ፣ ሓደ ዘመን ዘሕለፈ ሃተውተው ከም ታሪኽ ተቓሚሙ ይሕንጠጥ ኣሎ።

    ንስኹም እኳ ናይ ኣቦኹም ናይ ኣዴኹም ድንቂ ቋንቋታት ትግረኛ ትግረ ምዝራብ ዘሕፍረኩም ዶ ኣይኮንኩምን ፧

    ንስኹም በጀካ ጥፍኣትን ዕንወትን ቁም ነገር ከም ዘይትገብሩ ታሪኽ ናይ ሓምሳ ዓመት ረኣዩ።

    ሓቂ ይሓይሽ ኣባሓጎታትኩም እነታትኩም ወረጃታት ቅኑዓት ኔሮም። ንዓኩም ንውረድት ቀለቦም ግና ወሊዶም። ቱሩፋት።

    • Gideon April 16, 2014

      Tezareb Anbessa,
      Well said brother. I always enjoy reading your comments. The clues you present
      in your argument/analysis is fantastic. Our lives begin to end the day we become
      silent about things that matter. Sahsah Arab and his followers are still living
      in the stone age era. Keep on writing as you are doing just great brother Tezareb.
      Also ignore those “Adia Zeynafeketis Hatuna Tinafik” coward riffraffs(without naming them).

  • THE ERITREAN NOAH April 16, 2014

    ክቡር ተዛረብ፣
    ምኽረይ ከይህብ ምሒለ እየ።እቲ ታሪኽ ብዙሓት ትግራዎትን “ህዝበ ትግርኛን “ብምሕታት ረኺበዮ እየ።እዚ ታሪኽ ብዙሕ ጽውጽዋይ ኣለዎ፣ግን መብዛሕትኡ ህዝቢ ኣሉላ ከም ወራሪ፣ዘርኣይ ደረስን ፣ኣብርሃን ኣጽብሃን ከድዓት ከም ዝነበሩ፣ካልቾ ግራስያኒ ግን ከም መድሓኒን ጸበልን ዝወስድ ውርደተኛ ህዝቢ ስለ ዝኾነ፣እቲ ኣባይ ዘሎ ሓበሻዊ ሓበን ኣባኻ እውን ይርእዮ ኣለኹ።ነዞም ንኣሽቱ ኣይትሓዘሎም፣ካብ እንቋቝሖ ተመን ርግቢት ኣይትጸበ።ኣነስ ስቶማኮይ እንተሓረረ ሓምሳን ሽዱሽተን እዩ ዓመተይ፣እናጕሃኻ ኤርትራ ክትፋናጣሕ ተዓዘብ።ኣነ ሕሩር ኔረ፣ሕጂ ግን እንታይ ከም ዝስምዓኒ ከማን ኣይፈልጥን እየ።**ሖ ኣዕራብን ሕስረት ካልኦት ሃገራትን ካብቶም ጸላኢና ከይበሉ ዘጽልሉኒ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ይሕሸና ክብሉኻ ከለዉ፣ኣይትሕረር።ጤሊት ሚን ሒልበያ ጨምቀያ ትፈተ ተባሂሉ እዩ።

    • Gideon April 16, 2014

      Kubur Hawebo Mr M.Habte,
      In the long run Ethiopians are the real neighbour to Eritreans
      not the body part harvesting Egyptians. The stinking Arabs did
      not see any arabism from the face of an Eritrean, no matter how
      fluent he/she was in arabic language or culture. Harsh reality!!!!!

      • THE ERITREAN NOAH April 18, 2014

        Nephew Gideon ,

        DNA wise Tigray are our fathers & we are the fathers of Amhara ,Gurage,Slte,Adere..etc. Tigray people are no more abissinyan than Eritrean Kebessa even Tigre (Bet Asgede)..Just watch Gideon ,The bible says ..”pride conmes before fail”..And we have no reason to have pride, Ethiopians are winning because they changed their stupid mentality..They are not biologically better than we are.
        Keep up believing Reality Gideon ,even if it tips against you ,to avoid total failure.I am proud of you.

  • ahmed saleh April 16, 2014

    Godefa
    An interesting article to read which can benefit our people to gain some information about their past history . I appreciate your efforts . And we have a right to search for our true history since Eritrea is independent country & there isn’t wrong with that to offend anyone .

  • Tezareb April 16, 2014

    ኤርትራውያን ከም ኣቦታቶም ልቦና የብሎምን። ገለ ሕማም ዘደንቁር እዩ ኣትይዎም፤ እሞ ደርጕሓሎም።
    ንሽሙ እዮም ተማሂርና ዝብሉ። ብጀካ ዮሴፍ ገብረሂወትን ገለ ዉሑዳት ሓዊስካ፤ ታሪኻዊ ይኹን ፖለቲካዊ ብስለት ዘለዎ ሰብ የብሎምን።
    እዞም ደናቁር፣ ነቲ ፋሽሽቲ ጣልያን ሓንጢጡ ዘሃበን “ታሪኽ” ዝበሎን፣ ነቲ ሳሕሳሕ ዓረብ ኣብ ካይሮ ሓንጢጡ ዘሃበን ዕዮ ቤት፣ ከም መዝሙር ዳዊት እንተቀረረኦ ኣይግረምካ።

    ነቲ ናይ ኣቦታቶም ናይ ኣሸሓት ዓመታት ዘኹርዕ ሓበን ታሪኽ እኳ እዮም ዘቆናጽብዎ። ነቲ ናይ ውርደት ታሪኽ ግን የቆናጅውዎ። ነቲ ደጋል ምስሊ ሳሕሳሕ ዓረብ ድማ ይሓልያሉ።

    ” ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን።”

    • Gideon April 16, 2014

      Kubur Tezareb,
      It is a case of “Nlebam amtelu nAsha kae derguhalu.” So derguhayo
      for the sahsah Arab’s followers. You can’t teach old dog new tricks.
      We reject for our minds to be colonized by outsiders like sahsah arabs.

POST A COMMENT