Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ኣብ ለንደን ንስርዓት ኢሳይያስ ኮኒኑ።

ኣብ ለንደን ዝርከቡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር፣ ብረቡዕ 23 ጥቅምቲ 2013፡ ብምኽንያት ህልቂት ላምፐዱዛን ናብኡ ዘብጸሐ ምልካውን አዕናውን ኣካይዳ ስርዓት ኢሳይያስን፡ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ፡ ተሓታቲ ናይቲ ጥፍኣት ስርዓት ኢሳይያስን ጉጅልኡን ሙዃኖም ብምርግጋጽ ነቲ ስርዓት ኣጥቢቖም

ኣብ ለንደን ዝርከቡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር፣ ብረቡዕ 23 ጥቅምቲ 2013፡ ብምኽንያት ህልቂት ላምፐዱዛን ናብኡ ዘብጸሐ ምልካውን አዕናውን ኣካይዳ ስርዓት ኢሳይያስን፡ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ፡ ተሓታቲ ናይቲ ጥፍኣት ስርዓት ኢሳይያስን ጉጅልኡን ሙዃኖም ብምርግጋጽ ነቲ ስርዓት ኣጥቢቖም ኮኒኖሞ።

እዞም ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ኣብቲ ህዝባዊ ግንባር ዝመርሖ ዝነበረ ሃገራዊ ብረታዊ ቓልሲ ተጸምቢሮም፡ ምእንቲ ሰብኣዊ-ሓርነትን ራህዋን ቅሳነትን ህዝቦም፡ ኣብ ውዑይን ዝሑልን ኩናት እጃሞም ዘበርከቱ፡ ግን ከኣ ቅድሚ ኹሉ በዚ ሕድርን መብጽዓን ሰማእታትና ዝጠለመ መላኺ ስርዓት ተኻሒዶም ግዳይ ዝኾኑ ዜጋታት ኢዮም።

ብዙሓት መቓልስትን መጓዕዝትን እዞም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር፡ እንተስ ኣሚኖም እንተስ ተደናጊሮም ወይ ጸጊሙዎም፡ ኣብቲ መብጽዓ ስውኣት ጠሊሙ፡ ምልኪ መስሪቱ ሃገር ዝድህኽ ዘሎ ስርዓት ስለዘለዉ፡ ናይ ቃልሲ መጓዕዝቶም፡ ካብዚ ናይ ጥፍኣት ጉዕዞ ኢዶም ኪሓጽቡን ነቲ ክቡር ዋጋ ዝኸፈሉሉ መብጽዓ ከተግብሩን፡ ኪተኣኻኸቡን ጸዊዖም።

ብተወሳኺ እዚ ናይ ለውጢ ማሕበር ብሰንኪ እዚ በታኒ ስርዓት ኣብ ፈቐድኡ ሃገራት ዓለም ተበታቲኖም ንዘለዉ መቓልስቶም ብተመሳሳሊ መገዲ ተጠርኒፎም ኣብዚ ናይ ለውጢ ማዕበል እጃሞም ከበርክቱን፡ እቲ ካብኦም ዝሕተት ዘበለ ሃገራዊ ሓላፍነት ንምትግባር እጃሞም ከበርክቱን ተማሕጺኖም።

ነቶም ኣብ ውሽጥን ወጻእን መሳርሒ ናይዚ ሃገር ዝድህኽ ዘሎ ስርዓት ኮይኖም ዘለዉ መቓልስቶም፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ሃገረ-ስደት፡ ኣብ ሃገረ ፍትሕን ዲሞክራስን እናነበሩ ዜጋታቶም መሰልን ፍትሕን ንከይረኽቡ ዝዕንቅፉ ዘለዉ ደገፍቲ ምልኪ፡ ጽባሕ ንግሆ ታሪኽ ኪፋረዶም ሙዃኑን እቲ ግዜ ከኣ ርሑቕ ከምዘይኮነን ብምዝካር ኣብ ጎድኒ ደለይቲ ለውጢ ህዝቦም ኪስለፉ ጸዊዖም።

ኣብ መወዳእታ ንኹሎም እቶም ብህልቂት ዜጋታትና ኣብ ላምፓዱሳ መሪር ሓዘን ዝተሰመዖም ደለይቲ ለውጢ ዜጋታት፣ ሲቪካዊ ማሕበራትን ውድባትን፡ ውዳበ መንእሰያትን ግዱሳት ሃገራውያን ውልቀ ሰባትን፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ምእመናን ከምኡውን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝብን፡ ንኽፍኣትን ሓሶትን መላኺ ስርዓት ኢሳይያስ ዘቃልዓ ዘለዋ መርበባት ሓበሬታን ኣድናቖቱ ብምግላጽ፡ ንመወቲ መንግስተ-ሰማይ ንስድራቤት መወትቲ ግዳያት ላምፓዱሳ ድማ ጽንዓትን ኣኽእሎን ኪህቦም ተመንዮም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
97 COMMENTS
  • abebahagos17 October 25, 2013

    እምነት ሓያል ኢዩ። ንሕና ተጋደልቲ ከኣ ዚዓበና ዚነኣስና ነቲ መሪሕነት ከም ሕሱም ዓይኒና ሰም ኣቢልና ኣሚናዮ።ኩሉ ዚርአ ገጋታት ከኣ ኣብ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ዘብጽሕ መሳልል ጌርና ተቐቢልናዮ። ገሌና ተገሪህና ገሌና ከኣ ምእንቲ ሞጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ ኢልና ጥራይ ናብ ዓወት ኣማዕዲና። ኣማሲኡ ከኣ ቐዳሞት ግዳይ ናይ ባዕልና ዘዕበናዮ ምልኪ ኮይንና። ስለዚ ደም ስኒ ኮይኒና ዒሕ እናበልና ሕድሪ ተጠሊሙ አናረኣና ክነብር ኪሳብ መኣስ ይኣክል አንተበልና ማይ ኣይሓለፎን። ዚተረፈ ሂወት ህዝብና ምስ ነኣሽቱ የሕዋትናን ደቕናን ነድሕን፡ መብጽዓ ናይቶም ዓወት ንሓፋሽ!!!!!!!!!አናበሉ ዚቀበርናዮም ብጾትና ነተግብር።ኣምላኽ ንሃገርና ባርካ።ኣሜን!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!

    • rezen October 25, 2013

      Well said, brava! abebahagos17
      It is TIME for Eritreans to LOOK at THEMSELVES because Eritrea has no enemy but ITSELF. I say this hundred times and it will never be enough.

  • tesfaldet October 25, 2013

    this are ELF LEFT OVERS PRITENDING LIKE PFDJ SO TRY ANATHER TACTICK THIS ONE IS OLD

  • Hailom N. October 25, 2013

    I WILL NOT CALL THEM TEGADELTI NEBER THERE ARE ( AGELGELTI NEBER )….

  • Seb Qedem October 25, 2013

    Ewe, abebahagos, you are right. We were concentrating on liberating our country, a few were concentrating on installing dictatorship.

  • Seb Qedem October 25, 2013

    Haliom N. and what are you going to call the fallen heroes? ( netom suwuat ke entay ilka kitSwi-om ikha?

  • ghezai October 25, 2013

    LETS THIKN AND DO POSITVE WAY TO GET POSITVE RESOLT .STOP BLEAMING EAECH OTHER NO TIME FOR THAT

  • Salam kubray October 25, 2013

    All Eritrean Tegadelti are Back home Defend their country Eritrean, those london guys are
    Aklabat semay , if they want to help their people or their country they have to stick with the people of Eritrea not working or being agent of Weyane or others

  • ghezai October 25, 2013

    READ EACH OTHER SOORY

  • yared October 25, 2013

    hasewti eskum zteshekemkomo hatyat dagmay ketesekemuna aedawkum akbu ezi gize aregtot lekbatat tegadelti zeykones gede ezom n barnet zferedkumna meneseyat eu abzi lomi gize menesey hadish weledu ente mengedi zeymerihu nzelalem eritra selam ayktrekeben eya eskatkum gebhan EPLF n aytedlyunan ekum seb enksake tzelu seb enkswae kebero tharmu ekum
    slezi eskatkum aytedlyewan neza hager
    hasewti tegadelti nay kedem kulatkum
    .wela telaekum tkonu

  • yared October 25, 2013

    ckroks of afwerki tegadelti no time to play game again keep awey .kulatkum tegadelten dekekumen aytedlunan ekum eritra n hezbi b sevel beka

Post a Reply to Belay Tewlede Cancel Reply