Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ኣብ ለንደን ንስርዓት ኢሳይያስ ኮኒኑ።

ኣብ ለንደን ዝርከቡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር፣ ብረቡዕ 23 ጥቅምቲ 2013፡ ብምኽንያት ህልቂት ላምፐዱዛን ናብኡ ዘብጸሐ ምልካውን አዕናውን ኣካይዳ ስርዓት ኢሳይያስን፡ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ፡ ተሓታቲ ናይቲ ጥፍኣት ስርዓት ኢሳይያስን ጉጅልኡን ሙዃኖም ብምርግጋጽ ነቲ ስርዓት ኣጥቢቖም

ኣብ ለንደን ዝርከቡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር፣ ብረቡዕ 23 ጥቅምቲ 2013፡ ብምኽንያት ህልቂት ላምፐዱዛን ናብኡ ዘብጸሐ ምልካውን አዕናውን ኣካይዳ ስርዓት ኢሳይያስን፡ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ፡ ተሓታቲ ናይቲ ጥፍኣት ስርዓት ኢሳይያስን ጉጅልኡን ሙዃኖም ብምርግጋጽ ነቲ ስርዓት ኣጥቢቖም ኮኒኖሞ።

እዞም ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ኣብቲ ህዝባዊ ግንባር ዝመርሖ ዝነበረ ሃገራዊ ብረታዊ ቓልሲ ተጸምቢሮም፡ ምእንቲ ሰብኣዊ-ሓርነትን ራህዋን ቅሳነትን ህዝቦም፡ ኣብ ውዑይን ዝሑልን ኩናት እጃሞም ዘበርከቱ፡ ግን ከኣ ቅድሚ ኹሉ በዚ ሕድርን መብጽዓን ሰማእታትና ዝጠለመ መላኺ ስርዓት ተኻሒዶም ግዳይ ዝኾኑ ዜጋታት ኢዮም።

ብዙሓት መቓልስትን መጓዕዝትን እዞም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር፡ እንተስ ኣሚኖም እንተስ ተደናጊሮም ወይ ጸጊሙዎም፡ ኣብቲ መብጽዓ ስውኣት ጠሊሙ፡ ምልኪ መስሪቱ ሃገር ዝድህኽ ዘሎ ስርዓት ስለዘለዉ፡ ናይ ቃልሲ መጓዕዝቶም፡ ካብዚ ናይ ጥፍኣት ጉዕዞ ኢዶም ኪሓጽቡን ነቲ ክቡር ዋጋ ዝኸፈሉሉ መብጽዓ ከተግብሩን፡ ኪተኣኻኸቡን ጸዊዖም።

ብተወሳኺ እዚ ናይ ለውጢ ማሕበር ብሰንኪ እዚ በታኒ ስርዓት ኣብ ፈቐድኡ ሃገራት ዓለም ተበታቲኖም ንዘለዉ መቓልስቶም ብተመሳሳሊ መገዲ ተጠርኒፎም ኣብዚ ናይ ለውጢ ማዕበል እጃሞም ከበርክቱን፡ እቲ ካብኦም ዝሕተት ዘበለ ሃገራዊ ሓላፍነት ንምትግባር እጃሞም ከበርክቱን ተማሕጺኖም።

ነቶም ኣብ ውሽጥን ወጻእን መሳርሒ ናይዚ ሃገር ዝድህኽ ዘሎ ስርዓት ኮይኖም ዘለዉ መቓልስቶም፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ሃገረ-ስደት፡ ኣብ ሃገረ ፍትሕን ዲሞክራስን እናነበሩ ዜጋታቶም መሰልን ፍትሕን ንከይረኽቡ ዝዕንቅፉ ዘለዉ ደገፍቲ ምልኪ፡ ጽባሕ ንግሆ ታሪኽ ኪፋረዶም ሙዃኑን እቲ ግዜ ከኣ ርሑቕ ከምዘይኮነን ብምዝካር ኣብ ጎድኒ ደለይቲ ለውጢ ህዝቦም ኪስለፉ ጸዊዖም።

ኣብ መወዳእታ ንኹሎም እቶም ብህልቂት ዜጋታትና ኣብ ላምፓዱሳ መሪር ሓዘን ዝተሰመዖም ደለይቲ ለውጢ ዜጋታት፣ ሲቪካዊ ማሕበራትን ውድባትን፡ ውዳበ መንእሰያትን ግዱሳት ሃገራውያን ውልቀ ሰባትን፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ምእመናን ከምኡውን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝብን፡ ንኽፍኣትን ሓሶትን መላኺ ስርዓት ኢሳይያስ ዘቃልዓ ዘለዋ መርበባት ሓበሬታን ኣድናቖቱ ብምግላጽ፡ ንመወቲ መንግስተ-ሰማይ ንስድራቤት መወትቲ ግዳያት ላምፓዱሳ ድማ ጽንዓትን ኣኽእሎን ኪህቦም ተመንዮም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
97 COMMENTS
  • belay nega October 24, 2013

    “ጽባሕ ንግሆ ታሪኽ ኪፋረዶም ሙዃኑን እቲ ግዜ ከኣ ርሑቕ ከምዘይኮነን ብምዝካር ኣብ ጎድኒ ደለይቲ ለውጢ ህዝቦም ኪስለፉ ጸዊዖም።”

    መጀመርያ ኩሉ ተጋዳላይ ነብሱ ይንቀፍ:: ህዝቢ ኤርትራ 99% እወ ንነጻነት ክድምጽ ደፋፊእና ክነብቅዕ: ነጻነት ኤርትራ ሓሶት እዩ ዝብል ሓይሊ ምስ መጸ ክአ ሕቆና ሂብናዮ::

    እምበር ታሪኽ ክምዘይብላዕ ክምዘይስተስ ዓበይቲ መሰኻኸር ኢኹም::

    • Hagerawi October 25, 2013

      በላይ
      ስለመንታይ ኢኻ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣንጻርነት ስርሐይ ኢልካ ትሕዞ። ተጋደልቲ ዛንታኦም ትፈልጦ እንተኮንካ ኣብ ትሕቲ ሓደ ብስም ሰንሰለት ምምሕዳር ወይ ከኣ ሰንሰለታዊ ማእከልነት ዘብል መምርሒ፣ ኣብ ትሕቲ ተሪር ንመሪሕነት ጥራይ ዝጥዕሞ ዝክእል መምርሒ ፍልኢዮም ስኖም ነኾሶም፣ ሃገር ናጻ ትውጻእ ጥራይ እምበር ካልእሲ ድሓን እንዳበሉ ተጋዲሎም፣ ናጽነት ኣምጺኦም፣ ብድሕሪኡ እቲ ጠላም ኢሳያያስ ኣፈወርቂ ነቶም ጀጋኑ ተጋደልቲ ጉሒፉ፣ ነቶም ሓደ ክልተ ጉሓፋት ተጋደልቲን ኣበይ ከም ዘነበሩ ዘይፍለጡ ሰባት ኣኻኺቡ ህግደፍ መስሪቱ፣ ንኩሎም ተጋደልቲ ጉሑፉዎም። ተጋድልቲ ከኣ ዝስደድ ተሰዲዱ፣ ብሃላኽን መከራን ኣብ ሃገሩ ኮፍ ዝበለ ከኣ ተእኣሲሩን ሞይቱን። ኪድ ቤት ማእሰርትታት ህግደፍ ርአ፣ ብፖለቲካ ተኣሲሮም ዘለዉ መብዛሕትኦም ተጋድልቲ እዮም።
      ሕጂ ከኣ እቶም ተሰዲዶም ብሰላም ናብሮኦም ዝመርሑ ዘለዉ ተጋድልቲ ነበር፣ ተኣኻኺብና ሕጂ እውን ሃገርና ነድሕን ከም ቀደም እንተበሉስ ናይ ምንታይ እዮም ንብሶም ዝነቕፉ። ናይ ሃገርና ካብዚ ጉማረ በላዒ ሰብ ዝኾነ እሳያስ ነድሕና ሃገር ናይ ዘብሉ ዲዩ። ኣለና ገና ነዚ ኣይኮነን ብጾትና ዝኸፈልናዮም፣ ነዚ ኣይኮነን ዝሰንከልና፣ ነዚ ኣይኮነን ዕድመ ንእስነትና ዘጥፋእና እንተበሉ ዲኻ እሕሚሙካ።
      ብዝኾነ ናይ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ርእይቶ ኣብ ጎድኒ ገዲፍኩም ብወገነይ ኣጆኹም፣ በርትዑ፣ ብቐኡደሙ እውን ኣብቲ እዋን ክተት ውሑዳት እዮም ክብርቲ ሂወቶም ዘወፈዩ፣ ኣንዳበልኩ ዮሃና ይብለኩም። ሃገር ልዕሊ ኩሉ ንኣኹም ትብጽሓኩም። ብዓል ገበን ብገበኑ ይከሰስ። ናጽነት ሃገር ከተምጽእ ሂወትካ ምውፋይ ገን ንኢሳይያስ ኣፈውርቂ ገበን ከኽውን ይኸውን፣ ነቲ ንጹህ ብሃገሩ ዝሓምም ኤርትራዊ ግን ሐባን፣ ዘይሃስስ ጅግነነት እዩ።

      ጽቡቕ ምጅማር ይግበረልኩም፣ ጽቡቕ ምቕጻል ድኣ፣

      • belay nega October 25, 2013

        Hagerawi

        ክምቲ ገለ ብቅንዕና ገለ ካኣ ብዕላማ ጸገም ኤርትራ ኢሰያስ እዩ እንዳበሉ ዝህውትቱ ሓቂ ተዝኸውን ንኹልና ምሓሸና
        ጸገምና ግን ሱር ዘለዎ ኪኑኡ ዝኽይድ ምዃኑ ተቀቢልና ክንሰርሕ ይግባእ::

      • Selamawit October 25, 2013

        ናይ ብሓቂ ናይ ለባማት ዘረባ ሃገራዊ። ኣቱም ሰባት ነዞም ዘለዉ ተጋደልቲ እንድሕር ክሒድና ንስውኣትና እውን ከይተፈለጠና ንኽሕድ ኣለና። እዞም ኣብ ፈቐዶ ወጻእን፣ ምንባር ስኢኖም ኣብ ሓድሽ ዓዲን ገዛ ብርሃኑን ዝቕመጡ ዝነበሩ ተጋደልቲ እኮ ተረፍ ናይቶም ስውኣት ኢዮም። 100 ዘይኣኽሉ ሰባት ስለ ዝበደሉና ንኹሎም ተጋደልቲ ክንከስስ እንተደኣ ኮይና መን ደኣሉ ነዛ ሃገር ሓራ ኣውጺእዋ። ኣብ ሓደ ውግእ እኮ ኩሉ ሰብ ኣይመውትን ኢዩ። ኩሉ ሰብ ዝመውት ኔሩ እንተዝኸውን ኣስመራ ኣይምኣተዉን። ስለዚ በጃኹም ጀጋኑኹም ኣይትኽሓዱ ጽባሕ ንስኻትኩም እውን ከይትከሓዱ። ከምዚ ሃገራዊ ዝበሎ፣ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ናይ ፖለቲካ እሱራት 99% ተጋደልቲ ወይ ድማ ተጋደልቲ ዝነበሩ ኢዮም። እንድሕር ኩሉ ተጋዳላይ በዳሊ ኮይኑ እንታይ ደኣ እሱራት ይፈትሑ ንብል ኣለና። ነፍሲ ወከፍ ስድራ ተጋዳላይ ኣለዋ። ስለዚ ኩለን ስድራቤታት ይብድላ ኣለዋ ኢና ንብል ዘለና። ብኣንጻሩ ግን ኩለን ስድራቤታት ይብደላ ኢየን ዘለዋ። እቲ ዓቢ ጸገም እምበኣር ተጋደልቲ ህግ ዘይምስማሮም ኢዩ። ተጋደልቲ ህግ ብሓንሳብ ሰሚሮም እንተዝለዓሉ እዚ ጨካን ስርዓት ብሓንቲ መዓልቲ ምጠፈአ። ተጋደልቲ ህግ እንዶ ኣይኮኑን ንኢሳያስ ብኳለቲኡ ወጢጦም ንችቸሮ ዝወሰድዎ። ብራቮታት ተጋደልቲ ሎንደን ንሕና እውን ምሳኹም ኣለና። ሰላማዊት ካብ ካናዳ።

    • Nega Belay October 25, 2013

      Well Well Ato Belay ,

      Please give a chance to time . The EPLF / PFDJ leadership had an opportunity of 23 years to prove themselves for the growth of Eritrea wether it is economical or social . And the people of Eritrea has been waiting so long with respect to this leadership to make something .
      But the mad dog interview was a prove that he had accomplished nothing the last 23 years for some un acceptable reason he provides . Are you telling the people of Eritrea to give more time for dictatorship .

      The gedli and its all apprataus was history 23 years back . We are now in a modern world don’t pull back the Eritrean people to the olden age . Remember we are in 2013 .

      The government even didn’t acknowledge properly the death of 363 Eritreans . So there is no question the leadership must go or must be dismantled from its roots .

      We don’t need any more talk and history . We need an Eritrean who can lead with vision to a bright future rather than this old scambag who sits in 70’s mindset .

      Issays ( is an ass ) is trying to kill Eritrea , but we are not going to die ( This is a fact that any anti Eritrean must swallow )

      • belay nega October 26, 2013

        እንታይሞ ይገበር እታ ዝደየብናላ ስካላንዶ ኢትዮጵያውያን ረኺቦም ንመውረዲና ተጠቂሞሙላ

  • monicasalguero October 24, 2013

    Ezom Geganun nexuhat kedampt yehwat ms halekú heww kuri at-úna. Gn hegiwn knhewet hina. Tray habirna nekales gzie keyhalefe.

  • COW FACE October 24, 2013

    ክቡራት ዓዲ እንግሊዝ ትቕመጡ ፣በረኻ ምስ ህዝባዊ ግምባር ኴንኩም ትትኩሱ ዝነበርኩም፣

    ኣቦና ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያም እዮም ይመስለኒ ሃገር ማለት ሰብ እዩ ዝበሉ ።ህዝባዊ ግንባር ካብ ዝውለድ ኣትሒዙነቲ ሰብ/ህዝቢ ኤርትራ ዝፈናጥሕን ዘዕኑን፣ደቀነስትዮና ዘባላሹን ውድብ ወረበላታት ከምዝነበረ ንኣኹም ክነግረኩም ማለት__ከም ንኣይማን ኣል ዘዋሂሪ ፣ኣልቃይዳ ሓራዲ እዩ ኢልካ ምንጋር እዩ።ወይ ባዕልኹም ትሳተፍዎ ዝነበርኩም እዩ ፣ወይ እናተገብረ ሱቕ ኢልኩም እናርኣኹሞ ተፈጺሙ እዩ።መብዛሕትኹም ድማ ብሓይሊ ተገዲድኩም ዝተሰለፍኩም ትኾኑ ኢለ ይግምት።እቲ ጉዳይ፣ንሓድሕድና ከም ውልቀ ሰባት ክንዋናጀልን ዓይንና ክንናቖርን ኣይኮነን።እንታይ ድኣ ናይ ትማል ዝሓለፈ ጌጋታትናን ገበናትናን ኣሪምና ንህዝብና ምስራሕ እዩ።ክሳዕ ሕጂ ድሃይኩም ስለ ዘይተሰምዔ ኣይፈርደልኩምን።ምኽንያቱ ህዝባዊ ግንባር ዝብሃል ማሕበር ወረበላታት ካብቲ ቀንዲ ዝተጠቕመሉ ታክቲካት ነቶም ባራዩ “ተጋደልቱ” ብሓለዋ ሰውራን ካልእ ግፍዕን እናሃደደ ሓራእራእ ምባል ስለ ዝነበረ ዳርጋ ኩሉ “ተጋዳላይ” ህዝባዊ ግንባር ነበር ዋላ ተገፊዑ ነቲ ውድብ ሃዲሙ እንተገደፎ እውን ድሁልን ጃጃዊን ስለ ዝገበርዎ ብጩቕ ኢሉ ኣይዛረብን እዩ ።ስለዚ እቶም ክሳዕ ሎሚ ኣበይ ኔርኩም ኢሎም ዝዋራዘዩልኩም ዘለዉ ሰባት ናይ ሓሳብ እሱራትን ባራዩን ከም ዝነበርኩምን ዝኾንኩምን ስለ ዘይበርሃሎም እዩ ።ኣነ ግን ይርድኣኩም ።ንስኹም ቦጮቕ ክትብሉ ካብ ጀመርኩምሲ ምናልባሽ መወዳእታ ኣቢሲንያዊት ሻዕብያ ክኸውን ዶ ይኸውን፧ ሓቢርና ንህዝብና ነድሕን።

    መስተውዓሊ ኤርትራዊ ዝኾነ ሓውኩም
    ገጽ ላም aka ዩጎዝላቭያ ኤርትራዊ

    • Eritras October 25, 2013

      Thanks Cow Face for exposing the true color of our revolution.

      Our martyrs fought two enemies
1) Ethiopia military in the front
2) The mad dog Isayas and his blind followers in the back.
      They killed our people
They took down our liberation flag and replaced it by their own flag.
They terrorized and ruled us.
      We should all focus on the mad dog Isayas wedi medhin Berad the ድያብሎስ Isayas and his blind followers HIGDEF and stop them by any mines from destroying our land and our people.
      Down to the mad dog, the tyrant dictator and his followers!
Victory to our people!

      • ERITRAWIT October 25, 2013

        I do agree with Mr Mhretu and Eritras, They are telling us what really inside hzbawi gnbar was, two different line one how distroy Eritrea the other one to fight for freedom other wise we wouldn’t been in situtian.
        All respect and love for our brother and sister jeganue ahatn ayatatn they gave the golden age to there people and freedom. Kbrn mogesn nswatna!!!!!
        My brother and sister what u are doing at this time very important this time is to make or break time.

        • Ghenet October 25, 2013

          Whatever happened and whoever did it, acknowledging one’s mistakes is important to build the bridge with trust. OTHERWISE LOOKING INNCENT AND VICTIMS IS NOT GOING TO HELP. I lived in eritrea since liberation and I know how and what effect the word ‘tegadalay’ or ‘tegadelty’ has on eritrean people.
          SO LET US STOP PRETENTION.

        • belay nega October 26, 2013

          ኤርትራዊት ነብሲ: ውሕጅ እንዳስሓቀ ይወስደኪ አሎ

  • marsa October 25, 2013

    Animal face how much do you get paid by abay Ethiopia to humiliate our people and history? Or you must be one of mahber andnet children whose father get killed by fedayn and you trying to revenge.

  • dejena October 25, 2013

    ዋየ ዋየ ዋየ: ወዳጀ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ነበር ? እናበልኻ ነብስከኻ ምድንጋር። በጃኩም ሕፈሩ ህግ ማለት እቲ መሪሕነትን መትከላቱን`ዩ። እምበር እቶም ትማሊ ካብ ገጠራትን ንአሽቱ ከተማታትን ኤርትራ ብዘይድሌትኩም ገፊፍና ዘጋደልናኩም አብቲ ዘይተድልዩና ግዜ ድማ ብዝተፋላለየ ምክንያታት ዘባረርናኩም ምዃንኩም እባ ዘክሩ። አብዚ ነይረ ከምዚ ነይሩ እናበልኩም አብዘይትፈልጥዎ ሃለው አይትበሉ። ህግ ማለት ካብ ዝምስረት ክሳብ ሕጅ ናይ መራሒኡን ንሱ ጥራሕ ዝፈልጦም አብ ውሽጢ ሐፋሽ ዝሰርዕ ሕቡእ ጉጅለ አዩ። አነ ካብ ሕቡአት ሐደ እየ። ወሪድዎ ሐፋሽ ተጋዳላይ ዝፈልጦ አይነበሮን ባርያ ናይ መራሒኡን ሕቡእ ጉጅሊኡን ከምዝነበረን ከምዘሎን እቲ ዘይፈልጥ እንተፈለጠ ጸቡቅ እዩ።

    • Genet October 25, 2013

      Dear, Dejene
      Please do tell the inside story. Soon or later we will find out. You can be a hero. NO question, there is some thing. The way PFDJ’s system was setup is too obvious that there is some type of hidden force is working. Dejene, tell us what you know. This will be a service for humanity.
      Genet

  • marsa October 25, 2013

    Dejene
    Your name sald all please leave Eritrean problem for Eritreans any person who do not respect tegadalay or our struggle for freedom is the enemy of our people. If you ar talking about Eritrea you are talking about tegadelti any person who is trying to undermine tegadelti is the enemy of our mother land.this are how our enemy trying to erase our history. I know any body can use this forum you could be tewelge you could be amharay ebay asmera you could be mahber andnet .but one thing I know the time you start belittling our struggle you cross the redline.

    • Ghenet October 25, 2013

      Dear marsa,
      It is undeniable that we are here because of tegadelty, those who knowingly or unknowingly brought us a monster and lied to us that he is very close to God (if not god). We trusted them because they are our brothers and sisters. We are here because of those who imprisoned their fellow fighters (who wanted change); those who did not ask why? those who turned their guns and aimed and shot at their our brothers and sisters including the ones in wheelchairs (war veterans), those who run away when it got hot and still protect DIA and the wrong way from far away.
      Out brothers are leaving the country running from who? The system! But the system is run by tegadelty! who denies this!
      However I still believe and it is true that there are few good hearted tegadelty, those who have become the voice of their Eritrean people. So Marsa, PRETENTION is the mother of all lies! You, without any shame, talk about TEWELGE! HOW DARE YOU. So if I tell you Philipos is a killer and has killed and I saw him kill, you are going to call me TEWELGE?
      TEGADALAY is not gedli! Gedli belongs to all eritreans! It is when guys like you start behaving like you own Gedli that problems started popping! you need to stop associating gehdli, shabia, tegadalay, PFDJ, and the mysterious secret party etc. You need to see your reflection in a mirror. Arogance is the mother of downfall!

  • weldeamlak October 25, 2013

    Wey Good lomis tai kensem ena Gotay Selam in hizbi Eritrea and Eritrea

  • Dawit October 25, 2013

    No one expect again now after Isias Eritrea to be under governance of Tegadelti.
    First of all the tegadelty do not have tolerance.
    Like Isias they do not need to see any civilian to lead the contry or different ministries.
    They underestimate the entelectual Eritreans,and also members of national service
    Seb kegadel enkelo nsom yemeharu nerom.
    Abey zeneberu eyom
    Gebar denbar.
    Teref dergi.
    Agelgil ede.
    Tegadalay do yehisu eyu wey yegage.
    So when tegadelti again they hold the seat is thesame like what Isias is doing
    Now the time is for civil Eritrean otherwise the otherway.

    Dawit wedi keren

    • Aman October 26, 2013

      This is not a news worth posting or discussing but it may give way for those who want to start another ”mahber”. How about ”mhaber kedamay zurya, maber kalay zurya …………”. It is not a ”mahber” in London near Buckingham Palace that we need today. We need a leader up front who will take the center stage and show us a real action. Mahber, mahber, mahber ……………Does this mahber have one brave individual who is willing to leave Westminster, London, Northampton, Birmingham …..and join the resistance movement inside Eritrean soil? Hell no. ”Mahber Tegadelti neber ab London” = YPFDJ – no significance.

  • Thomas October 25, 2013

    Well, let us be mature at least in the face of this inculculable disaster that have faced as a nation and as a people. Everything is factored by time and space, and there is time and space for everything. Hence, prioritisation is based on this reality.

    At this time in moment, our sole objective should be to eradicate the regime in Asmara which has increasingly become a stumbling block to everything we aspire for. Regardless of our political, social, educational , religious etc backgrounds and irrespective of our past actions and omissions, I think time is calling us for one action i.e. remove PIA and his cronies. Once, this is done then there is again time and again other priority to address.

    The coming together of ex-EPLF comrades to contribute to change must therefore be seen from the perspective that everyone regrdless of background should be able to play a role in this process of chnage.

    We cannot build new Eritrea with the exclusion of Tegadelti and thier families. New Europe was not built by ecluding Germany from the Equasion.

    Thanks

  • wedi Hailom October 25, 2013

    İt is really shameful to see people hallucinating, both sides: the pro & contra Tegadalay! This sholdnot be the current talking point at all. What Tegadalay did in the past iş history. Tegadalay did what she/he Was supposed to do at the time, no matter what ! Now, it is our turn to make history! But we need to be UNİTED ! Eritrea belongs to all of us civilians & tegadelti! İf we all are united, then we can make history & save our people from the barbarous slavery!

Post a Reply to Belay Tewlede Cancel Reply