Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ኣብ ለንደን ንስርዓት ኢሳይያስ ኮኒኑ።

ኣብ ለንደን ዝርከቡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር፣ ብረቡዕ 23 ጥቅምቲ 2013፡ ብምኽንያት ህልቂት ላምፐዱዛን ናብኡ ዘብጸሐ ምልካውን አዕናውን ኣካይዳ ስርዓት ኢሳይያስን፡ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ፡ ተሓታቲ ናይቲ ጥፍኣት ስርዓት ኢሳይያስን ጉጅልኡን ሙዃኖም ብምርግጋጽ ነቲ ስርዓት ኣጥቢቖም

ኣብ ለንደን ዝርከቡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር፣ ብረቡዕ 23 ጥቅምቲ 2013፡ ብምኽንያት ህልቂት ላምፐዱዛን ናብኡ ዘብጸሐ ምልካውን አዕናውን ኣካይዳ ስርዓት ኢሳይያስን፡ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ፡ ተሓታቲ ናይቲ ጥፍኣት ስርዓት ኢሳይያስን ጉጅልኡን ሙዃኖም ብምርግጋጽ ነቲ ስርዓት ኣጥቢቖም ኮኒኖሞ።

እዞም ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ኣብቲ ህዝባዊ ግንባር ዝመርሖ ዝነበረ ሃገራዊ ብረታዊ ቓልሲ ተጸምቢሮም፡ ምእንቲ ሰብኣዊ-ሓርነትን ራህዋን ቅሳነትን ህዝቦም፡ ኣብ ውዑይን ዝሑልን ኩናት እጃሞም ዘበርከቱ፡ ግን ከኣ ቅድሚ ኹሉ በዚ ሕድርን መብጽዓን ሰማእታትና ዝጠለመ መላኺ ስርዓት ተኻሒዶም ግዳይ ዝኾኑ ዜጋታት ኢዮም።

ብዙሓት መቓልስትን መጓዕዝትን እዞም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር፡ እንተስ ኣሚኖም እንተስ ተደናጊሮም ወይ ጸጊሙዎም፡ ኣብቲ መብጽዓ ስውኣት ጠሊሙ፡ ምልኪ መስሪቱ ሃገር ዝድህኽ ዘሎ ስርዓት ስለዘለዉ፡ ናይ ቃልሲ መጓዕዝቶም፡ ካብዚ ናይ ጥፍኣት ጉዕዞ ኢዶም ኪሓጽቡን ነቲ ክቡር ዋጋ ዝኸፈሉሉ መብጽዓ ከተግብሩን፡ ኪተኣኻኸቡን ጸዊዖም።

ብተወሳኺ እዚ ናይ ለውጢ ማሕበር ብሰንኪ እዚ በታኒ ስርዓት ኣብ ፈቐድኡ ሃገራት ዓለም ተበታቲኖም ንዘለዉ መቓልስቶም ብተመሳሳሊ መገዲ ተጠርኒፎም ኣብዚ ናይ ለውጢ ማዕበል እጃሞም ከበርክቱን፡ እቲ ካብኦም ዝሕተት ዘበለ ሃገራዊ ሓላፍነት ንምትግባር እጃሞም ከበርክቱን ተማሕጺኖም።

ነቶም ኣብ ውሽጥን ወጻእን መሳርሒ ናይዚ ሃገር ዝድህኽ ዘሎ ስርዓት ኮይኖም ዘለዉ መቓልስቶም፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ሃገረ-ስደት፡ ኣብ ሃገረ ፍትሕን ዲሞክራስን እናነበሩ ዜጋታቶም መሰልን ፍትሕን ንከይረኽቡ ዝዕንቅፉ ዘለዉ ደገፍቲ ምልኪ፡ ጽባሕ ንግሆ ታሪኽ ኪፋረዶም ሙዃኑን እቲ ግዜ ከኣ ርሑቕ ከምዘይኮነን ብምዝካር ኣብ ጎድኒ ደለይቲ ለውጢ ህዝቦም ኪስለፉ ጸዊዖም።

ኣብ መወዳእታ ንኹሎም እቶም ብህልቂት ዜጋታትና ኣብ ላምፓዱሳ መሪር ሓዘን ዝተሰመዖም ደለይቲ ለውጢ ዜጋታት፣ ሲቪካዊ ማሕበራትን ውድባትን፡ ውዳበ መንእሰያትን ግዱሳት ሃገራውያን ውልቀ ሰባትን፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ምእመናን ከምኡውን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝብን፡ ንኽፍኣትን ሓሶትን መላኺ ስርዓት ኢሳይያስ ዘቃልዓ ዘለዋ መርበባት ሓበሬታን ኣድናቖቱ ብምግላጽ፡ ንመወቲ መንግስተ-ሰማይ ንስድራቤት መወትቲ ግዳያት ላምፓዱሳ ድማ ጽንዓትን ኣኽእሎን ኪህቦም ተመንዮም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
97 COMMENTS
  • belay nega October 28, 2013

    Ghenet

    “Was anyone talking about Ethiopia on in this article? ”

    ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ ኮይኑእምበር ሓቅኺ

  • Belay Tewlede October 28, 2013

    why do you argue on side issues about who is doing much in th struggle? Just be prepred to do Your home work. This arguement about side issues is the most harmful thing within the struggle.Bejakatkum neti hanaxi neger tray nqales, kab’u teree eziba etiba kibnbil Isayas hager yetfi’e alo. Enough is Enough nbhal nhna ina.

  • Hamid October 28, 2013

    It is crystal clear those who joined the struggle have track record of serving their people regardless those who want to tarnish the valuable name Tegdalay. Also believe Eritreans are brave fighters.

1 4 5 6

Post a Reply to belay nega Cancel Reply