Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መደረ ይኣክል ናብ ቁምነገር ንእቶ

መደረ ይኣክል ናብ ቁምነገር ንእቶ እቶም ደገፍቲ ህግደፍስ ደሓን ንረስዓዮም፡ ምኽንያቱ ንሳቶም ይረድኣዮም ኣይረድኣዮም ብዘይካ ውሑዳት ዝበዝሑ ኣጽቂጦም’ዮም ዘለዉ። በዚ ኢልካ በቲ ግን ወላ ኩላቶም እንተ ዘይኮኑ ዝበዝሑ ኣማራጺ ስለ ዘይብሎም ድዮም ክብለጹ ደልዮም ክልተ ካብ

መደረ ይኣክል ናብ ቁምነገር ንእቶ

እቶም ደገፍቲ ህግደፍስ ደሓን ንረስዓዮም፡ ምኽንያቱ ንሳቶም ይረድኣዮም ኣይረድኣዮም ብዘይካ ውሑዳት ዝበዝሑ ኣጽቂጦም’ዮም ዘለዉ። በዚ ኢልካ በቲ ግን ወላ ኩላቶም እንተ ዘይኮኑ ዝበዝሑ ኣማራጺ ስለ ዘይብሎም ድዮም ክብለጹ ደልዮም ክልተ ካብ ሚእቲ ምኽፋል ኣየቋረጹን። ናብ ደለይቲ ፍትሒ ምስ ንመጽእ ግን ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ጐረሮና ክሳዕ ዝደርቕ ዓንገረር ክንብል፡ ክንጽሕፍ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ክንወጽእ መሬት ዓሪቡና። እቶም ብረታዊ ቃልሲ ነካይድ ኣለና ዝብሉ’ውን ኣብ ፈቖዶ ጎቦን ኩርባን ኰለል ክብሉ፡ ኣብ ገለ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ተታዅስና ኢሎም ህይወት መንእሰያት ንከንቱ ከጥፍኡ እንተ ዘይኮይኑ ዝገበሩዎ ጭቡጥ ቁምነገር ኣይረኣናን። ብዘይካ ውሱናት ደለይቲ ፍትሂ መሲሎም ክጽይቑ ዝጸንሑ ውልቀሰባት ነፍስወከፍ ደላዪ ፍትሒ ዓቕሙ ገይሩን ይገብርን ኣሎ። የግዳስ ኣብዚ ዕስራ ዓመት እንታይ ኣፍሪና ንዝብል ሕቶ እቲ መልሲ “ምንም” ዝንል ይኸውን። ከም ሓቂ ንሕና ካብ ዘፍረናዮ ብሰንኪ ናይ ኢሰያስ ጌጋታት ዝተሓገዝናዮ ይበዝሕ። ኣብዚ “እሞ ደኣ እንታይ እዩ እቲ ኣማራጺ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን’ዩ። ብወገነይ ኣብ ክንዲ በዚ ክንከዶ ዝጸናሕና ሰልፈይ ሰልፍኻ፡ ማሕበረይ ማሕበርካ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ገበርኩ፡ ኣኼባ ተኣከብኩ ዝብል መንገዲ ጭቡጥ ግብራዊ ስጕምቲ ምውሳድ ይሓይሽ እብል። እታ እንኮ ፍታሕ ድማ “ንኢሰያስ ምስቶም ካብ ኣጻብዕ ዘይበዝሑ መሳርሕቱ ክጠፍኣላ ዝኽእል መንገዲ ፍሉይ ስርሒት ብዝፍጽሙ ውሱናት ሰባት ካብ ገጽ ምድሪ ምጥፋእ ወይ ምቕንጻል ጥራይ’ያ። ከምዚ ሰኣን ምግባር ክንደይ ሰብ ሃሊቑ፡ ክንደይ ህዝቢ ተሳቕዩ፡ ክንደይ ዜጋታት ኣብ ጐዳጕዲ ይሳቐዩ ኣለዉ። ነዚኣ ንምግባር ግን ምስጢራዊ ምውድዳብ፡ ገንዘብ፡ መሳርሒ፡ ጥርናፈ፡ ተወፋይነት ወዘተ የድሊ። እቲ ዝግበር ስራሕ ድማ ኣብ ውሽጢ ምስ ዘለዉ ተቓለስቲ ክወሃሃድ ክኽእል ኣለዎ። ቅድሚ ዕስራ ዓመት ነዚ ኣገባብዚ ተጠቒምናሉ እንተ ንነብር ምሉእ ዓወት ምተረኽበን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝሓለፈ ከቢድ ስቓዩን ሕጂ ዝገጥሞ ዘሎ ሕሰምን ዕንወት ሃገርን ምተገላገለ ነይሩ። ርግጽ’ዩ እቲ ጕዳይ ክትዛረቦ’ምበር ክትፍጽሞ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ዓለም ዝኾነ ህዝቢ ካብ ፍጹም ድሌትን ተወፋይነትን እንተ ነቒሉ ከቢድ ነገር ዝብሃል የሎን። ይትረፍ ተኣምራት ዝሰርሐ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጐረባብቲ ዘሎ ህዝቢ ቅያ ክፍጽም ንርእዮ ኣለና። ህዝቢ ኤርትራ ይትረፍ ንሓደ ዘይጠቅም ኣብ ዝወዓሎ ዘይሓድር ሰኽራም ውልቀመላኺ፡ ናይ ዓበይቲ ሃገራት ገዚፍ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ደገፍ ንዝነበሮ መንግስቱ ሃይለማርያም ከይተረፈ ድሕሪ መሪር ቃልስን መስዋእትነትን ካብ ስልጣኑ ገሊፉዎ እዩ። እቲ ዓቢ ጸገም ናይቶም ተቓለስቲ ኢና ወይ ደለይቲ ፍትሒ ኢና፡ ስለ ዝህብና ደው ንብል ኢና ንብል ሰባት ተወፋይነትን ድሲፕሊንን ንውንን ዘይምዃንና እዩ። ንዛረብ፡ ንጽሕፍ፡ ንምድር፡ ሰላማዊ ሰልፊ ንወጽእ፡ ክንጐሳጕስ ንፍትን ኢና። ኣብ ኣኼባ ኮፍ ኢልካ ሃየ በሉ፡ ክንዕወት እንተዄንና ከምዝን ከምዝን ንግበር ክብሃል ከሎ ግን ጫው ጫው፡ ኣነ’ባ ኣነባ፡ ማሕበረይ’ባ፡ ሰልፈይ’ባ ወዘተ ዝብል ዘረባ ቈልዑ ይጅምር። ንሱ ጥራይ’ውን ኣይኮነን። ብዙሓት ካባና ንቓልሲ ከም መሕለፊ ግዜ ወይ ተወሳኺ ዕማም’ምበር ከም ቀንዲ ክንውፈየሉ ዝግብኣና ዕላማ ኣይንርእዮን ኢና። ሓቂ መራርያ ክንቅበላ ግን ኣለና። ሓደ ሰብ ኣገዳሲ ኣኼባ ኣሎ ኢልካዮ፡ ጥምቀት እንዳ ዓርኩ ስለ ዘሎዎ፡ ናብ እንዳ ሓዘን ክከይድ ስለ ዝኾነ ወይ ከኣ ስራሕ ኣሎኒ ዝብል እንተኾይኑ ቃልሲ ብኸመይ ክዕወት ይኽእል? ብኡነት እብለኩም ኣለኹ፡ ካብዚ ኣብ ደገ ንነብር ደላይቲ ፍትሒ ንብሃል ሰባት ብውሑዱ ሓሙሽተ ሚእታዊት ምሉእ ግዜኡና ንቓልሲ እንተ ነወፊ ተኣምራት ምተፈጸመ ነይሩ። እቶም ቀንዲ ክመርሑ ዝግብኦም ሰባት ግን ደምዞም ከይጐድሎም መደባት ዕለታዊ ህይወቶም መታን ከተዓናቐፎም በቲ ኣድማዒ ዝብሃል ኣገባብ ክቃለሱ ኣይመረጹን። ብሓጺሩ ኣብ ክንዲ ንቃልሲ ንመነባብሮኦም ቀዳምነት ብምሃብ፡ ክጥዕሞም ከሎ ኣብ ዓመት ሓንሳብ ወይ ክልተ ሳዕ ሴሚናር እናካየዱ ህይወቶም ኣብ ምምራሕ ይርከቡ። እቲ ኣገባብ ክሳዕ ዘይተጀመረ ኸኣ ዝተሓዞም ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ኵሉ ደላዪ ፍትሒ እየ ዝብል’ውን ኣብ ከምኡ ኵነታት’ዩ ዘሎ። ገለና’ውን ኣብ ክንዲ “ከምዚ እንተ ትገብሩ” ኢልና ሓበሬታ ምሃብ ክንዝልፎም ንርአ ኢና።

ናብ ቁምነገርና ብምምላስ፡ እዚ ክግለጽ ዝጸንሐ ኣገባብ ቃልሲ ንምትግባር ተበግሶ ዘይተወስደ ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ ደገ ንነብር ኤርትራውያን ግን ኩላትና ዘይኮንና ገለ ክፋልና ካልእ ጸገም ኣሎና። ንሱ ድማ ኣብ ጸቢብነት ዝምርኰስ መሰረት ዘይብሉ ናይ ወገን፡ ሃይማኖት ወዘተ ዝንባሌ እዩ። ክልተ ሰባት ካብ ክልተ ኣውራጃ ወይ ወገን ኮይኖም ብህይወት ዝተሓላለፉ ፍቱዋት ኣዕሩኽ ኮይኖም ከብቅዑን፡ ማዕረ ምውሳብ እናበጽሑን ካበይ ይነቅል ወገንነት? እቲ ስርዓት ዝፈጥሮ ተንኰል ምዃኑ ይበርሃልካ። ኣብ ማስ ሜድያ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ እናበለ ብስዉር ግን ብመንገዲ ሃሱሳቱ ኣብ ጸቢብነት ዝተመርኰሰ ኣፈላላይ ይፈጥር። ቅድሚ ህግደፍ ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ወጻኢ ክራኸቡ ከለዉ ኣበይ ዓድኻ ከይተበሃሃሉ ክተሓቛቘፉ እዮም ዝረኣዩ ነይሮም። ሕጂ ግን ሳላ ህግደፍ ገለ ሕማም ኣትዩዎም። እቲ ዘገርም፡ ሓፋሽ ውድባት ህግደፍ ካብ ኵሉ ኣውራጃ ተኣኪቦም ክስሕቍን ክስዕስዑን ክሓድሩ ምርኣይ እዩ። ወገንነት መሰረት እንተ ዝህልዎ ደኣ ከመይ ኢሎም’ዮም ብሓባር ክስሕቁ፡ ክስዕስዑ፡ ክዕንድሩን ክሰኽሩን ዝሓድሩ? ብዝኾነ፡ ካብ ኣርእስተይ ቍሩብ ሸተት ኢለ የግዳስ እዚ ኣሉታዊ ጽልዋ’ዚ ነቲ ቃልሲ ብመጠኑ ስለ ዝተንከፎ ክጥቀስ ግድነት’ዩ። ብዝኾነ፡ ኤርትራውያን ሕጂ’ውን ሃገር ናብ መዓምቝ ገደል እናኣተወት ከላ ንዛረብ ጥራይ ኢና ዘለና።

ኢሰያስ ነቲ ካብ ቀደም ዝኣለሞ እከይ ዓላማኡ ብስቱር ክትግብሮ ክጽበ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ወርቃዊ ኦድል ተፈጢሩሉ። እንሆ ድማ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ኣብይ መራሒና ኮይኑ፡ ኣይከሰርናን ተባሂሉ፡ ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ ክትከውን’ያ ተባሂሉ፡ ትምክሕታውያን ኣምሓሩ ድሕሪ ሓሙሽተ ኤርትራ ብረፈረንደም ኣካል ኢትዮጵያ ክትከውን’ያ ኢሎም፡ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምስ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ክጽንበር’ዩ ተባሂሉ፡ ኢትዮጵያን ዒማራትን ካብ ዓሰብ ናብ ኣዲስኣበባ ዝኣቱ ሳምብቆ ነዳዲ ክሰርሓ ውዕል ኣትየን፡ ሕጂ ድማ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ጠቕላሊ ሚኒስተር ኢጣልያ ካብ ባጽዕ ናብ ኣዲስኣበባ ዝዝርጋሕ መንገዲ ባቡር ክስራሕ መጽናዕቲ ክጅመር ኣብ ስምምዕ ኣትዩ ይብሃል ኣሎ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ብውሑዱ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ደለይቲ ፍትሒ ገለ ክንገብር እዩ ዝግብኣና ነይሩ። ዛጊት ግን ትኽስ ኢና ንብል ዘለና። ጸርፍን መደረን ኣይገደፍናን፡ ሃገር ግን በብቝሩብ ትጠፍእ ኣላ። እቲ ዝኸፍአ ድማ ነቲ ተኣፋፊ ዜናታት ሰብ እናለመዶ ምስ ከደ ጽባሕ ንግሆ ኣዝዩ ንሃገር ሓደገኛ ዝኾነ ንልኡላውነት ዝብንቍር ነገር ምስ ዝፍጸም’ውን ልኡም መልሰ ተግባር ከይህሉ ዘስግእ’ዩ። ኢሰያስ፡ እቲ ድሒሩ ዝፈጸሞ ንህዝቢ ኤርትራ ዘስተናዕቕ ስጕምትታ ብዘገምታ ስለ ዝገበሮ’ምበር ኣብ 94 ወይ ኣብ 95 ከምኡ ዓይነት ስጕምቲ እንተ ዝወስድ ነይሩ ሓደ ለይቲ’ውን ኣይምሓደረን ነይሩ። ጐራሕ ስለ ዝኾነ ግን ሎሚ ሓንቲ ነገር ይገብር ድሕሪ ዓመት ድማ ካልእ። ብኸምዚ ህዝቢ ነቲ ነገር እናለመዶ ወይ ድማ ዝቕየር እናመሰሎ በብቝሩብ ይለምዶ። ውልቀመላኺ ኢሰያስ ነዚ እከይ ሜላዚ ጽቡቕ ገይሩ መሊኹዎ እዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣቃውማ ሓንጐልን ኣተሓሳስባ ህዝቢ ኤርትራን ጽቡቕ ገይሩ ፈሊጡዎ እዩ።  ከምኡ ስለ ዝኾነ ዕድመ ኣብ ደገ ንዘለዉ ከፈልቲ ገንዘብ ደገፍቱ ንዝህቢ ኤርትራ ከም ባምቡላ ይጻወተሉ’ሎ። ኣብ ናይ መወዳእታ ተኣፋፊ መድረኽ በጺሕና ማለት’ዩ።

ሕጂ እንታይ ይገበር? ንዝብል ሕቶ ንመስል ሕጂ። ብወገነይ ወላ’ኳ “መንእሰይ ሞቶር ናይ ዝኾነ ቃልሲ እዩ” ይብሃል እንተኾነ፡ ምስ ዘሎ ኵነታት ኣተሓሳስባ ስለ ዝቀያየር፡ እዞም ልዕሊ ስሳ ዝኾንና ሰባት ኣብነት ኴንና ክንበገስ ኣለና እብል። ቅኑዕ ውዳቤ እንተ ተፈጢሩ ህይወት ክሳዕ ምኽፋል ድሉዋት ክንከውን ኣለና፡ ብወገነይ ድማ ነዚ ክገብር ድሉው ኣለኹ። ምኽንያቱ፡ በሊዕና፡ ሰቲና፡ ጽቡቕን ሕማቕን ርኢና ስለ ዝኾንና ሕጂ ምውፋይ ጥራይ’ዩ ዝተርፈና። ብቐደሙ’ውን ህይወትና ስለ ህዝብን ሃገርን ክንከፍልዶ ኣይኮንና ተበጊስና ኔርና? ሃገር መጻወቲ ውልቀሰባት ክትከውን ዘይኮነ ሱርበተኻዊ ለውጢ ተገይሩ ህዝቢ ክርህዎን ቅሳነት ዘሎዎ ህይወት ከሕልፍን። ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ምንቅስቓሳት ተፈቲኑን ተጀሚሩን ስለ ዘይተዓወተ፡ ሕጂ እዚ ተበታቲኑ ዘሎ ደላዪ ፍትሒ ክጥርነፍ ክኽእል ኣለዎ። እቲ ዘሎዎ እንኮ ኣማራጺ ድማ ቃልሱ ምስዚ ሕጂ ደቂኣንስትዮ ጀሚረንኦ ዘለዋ ምንቅስቓስ ምውህሃድ’ዩ። ብሓጺሩ፡ እንኮ ተስፋና ካብ ደቂኣንስትዮ እዩ። ንሳተን ክንቀሳቐሳ ጀሚረን ስለ ዘለዋ ተበግሶአን ብደረጃ ኤውሮጳን ዓለምን ክኸውን’ሞ ኣጆኽን ክንብለንን ኣብ ጐድነን ደው ብምባል ሓድነትና ኣደልዲልናን፡ ቅልጽምና ኣተሓባቢርናን ቃልስና ናብ ክብ ዝበለ ደረጃ ብምስግጋር ብኣድማዕነት ክንሰርሕ ይግብኣና። ቅድሚ ሕጂ ዝተፈተነ ኵሉ ኣድማዕነት ስለ ዘይፈጠረ ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ጀሚረንኦ ዘለዋ ቃልሲ ክንጽንበሮን ክነተባብዐንን እናተላበኹ ጽሑፈይ እድምድም። ከምዚ ክንገብር ዘይንኽእል እንተዄንና ሃገር ጠፊኣ ምባል፡ ደላዪ ፍትሒ እየ ምባል ወይ እቃለስ ኣለኹ ኢልካ ምጭራሕ ትርጕም የብሉን። ክንደይ ግዜ ሓቢርና ክንቃለስ ፈቲንና ስለ ዘይተዓወትና ሕጂ ነዚ እንኮ ኣማራጺ ክንዕጠቐሉ ኣለና ዝብል ለበዋ እናሕለፍኩ ጽሑፈይ እድምድም።

ንኽንዕወት ሓቢርና ንቃለስ።

እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል ተሞልሶ

ኦስሎ ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • k.tewolde January 24, 2019

    “ኢሰያስ፡ እቲ ድሒሩ ዝፈጸሞ ንህዝቢ ኤርትራ ዘስተናዕቕ ስጕምትታ ብዘገምታ ስለ ዝገበሮ’ምበር ኣብ 94 ወይ ኣብ 95 ከምኡ ዓይነት ስጕምቲ እንተ ዝወስድ ነይሩ ሓደ ለይቲ’ውን ኣይምሓደረን ነይሩ።” which segment of the Eritrean audience you talking to?When was exactly the war lost? are you justifying the end w/o looking at the means?how can you cure the disease w/o confirming the etiology? >>>> “ከምዚ ክንገብር ዘይንኽእል እንተዄንና ሃገር ጠፊኣ ምባል፡ ደላዪ ፍትሒ እየ ምባል ወይ እቃለስ ኣለኹ ኢልካ ምጭራሕ ትርጕም የብሉን።” sounds condescending.Fact is,there are young mavericks,some of them who were born in exile who know their roots through their parents organizing an effective fight better than the veterans who has been through it all,lets just watch and learn our mistakes from them and give them a hand if we can,they are figuring it out on their own already.It wouldn’t have cost us this much havoc to begin with if we have got our sh… together early on. Sorry for the French.

    • ደርማስ January 25, 2019

      ኣየእቱ ኣየውፍር ዓጀውጀው። ስቲፋኖስ ተመልሶ ካብ ዝብሎ ዘሎ ተበጊስካ ብዛዕባ ጭቡጥ፡ ኢሳያስን ጭፍርኡን ክድምሰሱሉ ዘኽእሉ ሜላታት እንተትዛረብ ምሓሸ። ቋንቋ እንግሊዝ ከምትኽእል መርትዖ ኣቕርበልና ኣይተባሃልካን።

      • Hagherawi January 25, 2019

        ደርማስ

        ካብ እዞም ክልተ ትጋደልቲ ዝወሃብ ሪእቶታት ፥ ብኣግዳስነት ምስሙዑ ምሓሸካ። ገለ እንተ ተማሃርካ እለ እየ።

        • Haregot January 25, 2019

          Dermas anbessa, I couldn’t agree more with you dearest brother, well said.
          Poor Assenna is full of fake takatives always just showing offs with zero action.

  • girmay January 25, 2019

    k. tewolde
    it is better if you concentrate your self on the main issues and get a solution instead of trying to be a smart ass. we are tired of such polemics that ends no where.

  • Kidane January 26, 2019

    ክቡር ሓው ተወልደ፡ ብዙሕ እንዳተሰከፍኩ እዛ ርእይቶ ከቕርብ ምስ ብዙሕ ይቕረታ።ከም ተጋዳላይ መጠን ከማኻን ብጾትካን ማለተይ እዩ፡ህዝቢ ብዙሕ ትጽቢት ነይሩዎ።እንተ ኮነ ግን ብዘይቀለዓለም ህዝቢ ጌጋ ርድኢት ነይሩዎ።ከም ኣብነት ንዓኻ እንተወሰድና፡ብዙሓት ቤተሰበይን ኣዕሩኽተይ’ውን ኣለው፡ንቕሓትኩም ከም’ቲ ህዝቢ ዝጽበዮ ኣይኮነን።ብዙሕ ግዜ ክትጽሕፍ ከለኻ ኣብ ታሪኽ ናይ ጀብሃን ሻዕቢያን ክትነብር ትመርጽ።እዚ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ግዜ ኣዝዩ ሃሳይ ከም ዝኾነ ክርድኣካ ኣይከኣለን።ንጸላኢ ባህ ከይብሎ ከማን ክትሕውሕጥዎ ኣይከኣልኩምን።ከም’ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበልኩኻ፡እወ እስኪ ምስ ወያነ ኮይኖም ካብ ሜዳ ኣውጺኦምኹም።ናይ ኣርብዓ ዓመታት ታሪኽ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ትመርጸሉ ምኽንያት ከም ዘየለ ክርድኣኩም ዘይምኻሉ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ተዛሪበስ ብዙሕ ይሓዝን።
    ካልኣይ ሕጂ ደርማስ ጽሒፉ ብዙሓት ከኣ ቅድሚ ሕጂ ሓቢሮምኻ ኣነውን ከይተሃወኽካን ካብ ኣርእስቲ ከይወጻኻን ክትጽሕፍ ብዙሕ ሓቢረካ እየ።ክሳብ ሎሚ ግን ምምሕያሽ ኣየርኣኻን።ካብ ኣርእስቲ ወጺኻ ከም’ዚ ደርማስ ዝበሎ ንፍለጡለይ ብዙሓት unnecessary terminologies እንተ ኣቕረብካ እንታይ ትርጉም ኣለዎ።እንግሊዘኛ ትመልካ እንተኮንካ ብዙሓት ክመሃሩ ንደሊ ስለዘለና ብወግዒ ምሃረና።
    ምስ ምሉእ ክብረት፡

  • Kidane January 26, 2019

    Haregot, Usually I do not dignify soar losers who are paranoid of everything Eritrean. We know you suffer from a terrible inferiority complex and you are trying to feel good wrongly assuming we will be down. Let me tell that your feeble and futile attemps are in vain. Regardless, Tewolde is one of the many heroes that is triggering your nightmares because Eritrea is a free country. You have every reason like your uncle the devil Esayas to hate us because you know what we will do in the future. You will NEVER create a crack in the Eritrean family. Get a life.

    • k.tewolde January 26, 2019

      Kidane,first I would like to commend you for identifying the cyber critters who relentlessly try to drive a wedge among us by assuming our identity like their adi halo capo.Secondly,let me make myself clear,I don’t live in the past,I hate to live in the past,on the contrary,I am a person who looks forward with hope for a better day and encourage those who are close to me to do so,however the pleasant memories of our past are the ones we hold dearly in our hearts same as the painful ones we suppress,our past defines us,it brings us together or it breaks us apart,you have to know where you came from so you know where you heading.Haw Kidane,who is killing Eritreans?,who is snitching on Eritreans?,who is lynching Eritreans?trafficking,organ harvesting Eritreans……? the answer,look in the mirror.Wise Statements like this one make the hair in my neck stand up, “እቶም ቀንዲ ክመርሑ ዝግብኦም ሰባት ግን ደምዞም ከይጐድሎም መደባት ዕለታዊ ህይወቶም መታን ከተዓናቐፎም በቲ ኣድማዒ ዝብሃል ኣገባብ ክቃለሱ ኣይመረጹን።” for real?! once upon a time there was a 14 y/o kid and thousands like him who left the spoils and comfort of their home voluntarily to give their young life for the betterment of their people not weekend but full time dedicated warriors,I wonder where is he/are they now? This is not about ELF/EPLF,this is a national tragedy,this is a protracted genocide on a specific nationality which culminated with the beast pounding his chest and blowing kisses to his people.Wise cracking statements like the quote above ain’t gonna galvanize people to action,no one owns the leading role of a mass movement,the masses do, and one of these days,not a technocrat,a bold shepherd like David from amid the masses will take the lead and finish the job.

  • Sol January 26, 2019

    ደርማስ + Haregot + Kidane = Mr. many names Tekhlay

  • Berhane Haile January 26, 2019

    መሳኪን፡ መደነግጻት ዝኾኑ ሰባት። ኣብ ክንዲ ኣብቲ ነጥብ ምዝራብ ኣብ ነንሓድሕዶም ክተሃናኾቱ ሞኽ ይብሉ። ህግደፍ ዝለኣከኩም ዶኾን ትኾኑ? ሓቂ እንተለኩም ኣብቲ ነጥቢ ዘትዩ። ኣኺሉኩም ምህውታት ኣመል ጌርኩሞ? ምዃን ደርማስዶ ዓርማስዶ እናበሉ ብሳጓ ካብ ዝኣትዉ መነደላሓቕቲ እንታይ ክንጽበ። ዓቕሚ ዘይብሉ ሰብ ድማ ኣብ ቈየቛን ጸርፍን እዩ ዝኣቱ። ከምዚ እስቲፋኖስ ዝበሎ ሃገር ትጠፍእ ገለ ክንገብር ኣለና። ክነህተፍትፍ ጊዜና እንታ ኣሕሊፍናዮ ግን እዚ ርጉም ሰብኣይ ክልክመና እዩ። ድሮውን ለኪሙና ኣሎ።

  • Sol January 26, 2019

    Berhane, ጋሻ ኢኻ መስለኒ እዚ ንኣሰና ከመራስሕ ሒኽ ዝብል ዘሎ ሓደ እዩ ንዓመታት ነፍሱ ኣሕሲሩ ልኡኹ ናይ ህበይ ኮይኑ የገልግል ኣሎ።

    • Berhane Haile January 28, 2019

      ክኸውን ኣለዎ። ምናልባት ኢሰያስ ዝዓሰቦውን ይኸውን። ኮታ፡ ቀንዲ ካድር ናይ ህግደፍ ኮይኑ በዓል የማነ ቻርሊ ዝቘጸሩዎ ይኸውን።

Post a Reply to Berhane Haile Cancel Reply