Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዜጋታቱ ካብ ሊብያ ከውጽእ ጻዕርታት ይገብር አሎ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ናብ አውሮፓ ክሰግሩ ክብሉ አብ ሊብያ አብ ከቢድ ሽግር ወዲቖም ዘለው ዜጋታቱ ብሰላም ንኽውጽእ ጻዕርታት ይገብር ከምዘሎ ተፊሊጡ አሎ። ብመሰረት 28.04.15 መግለጺ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶክትር ቴድሮስ አድሓኖም፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ናብ አውሮፓ ክሰግሩ ክብሉ አብ ሊብያ አብ ከቢድ ሽግር ወዲቖም ዘለው ዜጋታቱ ብሰላም ንኽውጽእ ጻዕርታት ይገብር ከምዘሎ ተፊሊጡ አሎ። ብመሰረት 28.04.15 መግለጺ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶክትር ቴድሮስ አድሓኖም፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ሱዳንን ግብጽን ብምኻን ነቲ ስደተኛታት ናይ ምውጻእ መስርሕ የካይዱ ከምዘሎ ሓቢሩ። እቲ መግለጺ ከምዝሕብሮ ሊብያ አብ ትሕቲ ክልተ ሓይልታት ኢድ ከምትርከብ ይሕብር፤ በዚ መሰረት ድማ እቲ ብዓለም ተፈላጥነት ዝረኸበ መንግስቲ ሊብያ አብ ቱብሩክ ቤት ጽሕፈቱ ዝኸነ ምስ መንግስቲ ሱዳን ርክብ ስለዘለዎ ብመንገዲ መንግስቲ ሱዳን ንኢትዮጵያውያን ካብቲ ከባቢ ንምውጻእ ይስራሕ ምህላው፤ ከምኡ ድማ ቤንጋዚ ዝርከብ ዓማጺ ሓይሊ ድማ ምስ መንግስቲ ግብጺ ርክብ ስለዘለዎ ብመንገዲ መንግስቲ ግብጺ ነቶም ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ብሰላም ንምውጻእ ይጽዕር አሎ። ዛጊት አብ ቤንጋዚ አብ ሕማቕ ኩነታት ተኣሲሮም ዝነበሩ 37 ኢትዮጵያውያን ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ውሑስ ቦታ ከምዘግዓዝዎም ሓቢሮም አለው። ከም ዝፍለጥ ሊብያ አብ ሕድ ሕድ ኩናት ስለዘላ ሓያሎ ግብረ ሽበራውያንን ዘይሕጋዊ መስግጋር ወዲ ሰብ አብ አዝዩ ሓደገኛ ኩነታት በጺሑ ከምዘሎ መላእ ዓለም ይዛረበሉ አሎ። ብሰንኪ እዚውን ካብ ዝሓለፈ ሰሙናት ጀሚሩ አብ ኤርትራ ሓያለ ስድራ ቤታት መርድእ ሞት ብሰንኪ እቲ አብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠመ ሓደጋ ብብዝሒ ይርድኡ ከምዘለው ዝፍለጥ ኢዩ።

ስርዓት ህግደፍ ነቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን አብ ሊብያ አብ ውሽጢ ረመጽን ካራሩ አሸበርቲ ከምዝርከቡ እናተፈልጠ፤ እቲ ሰርዓት ከምዘይምለከቶ ነቲ ጉዳይ ዓሽሽ ኢልዎ አሎ። ስርዓት ህግደፍ አብ ዝሓለፈ ሰሙን አብ ባሕሪ ዝጥሓሉ 350 ኤርትራውያን’ውን ከምዘይሰምዓን ስድራቤታት ዓው ኢሉም ደሃይ ደቆም ከየናድዩን አብ ትሕቲ ራዕዲ ሒዝዎም አሎ።

ስርዓት ህግደፍ ብኣንጻሩ ስደተኛታት ዋሕዚ ክንቆጻጸር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ግበሩልና እናበለ ጉዳይ ሰደተኛታት ኤርትራውያን ናብ ሸቐጥ አውሪድዎ አሎ። ከምዝፍለጥ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ካብ እስራኤል ናብ ሃገረን ንክቕበላ መንግስቲ ሩዋንዳን ዩጋንዳን ብኣምሳይኡ ሚሊዮናት ዶላራት ካብ መንግስቲ እስራኤል ክረኽባ ምኻነን ማዕከናት ዜናታት ይሕብራ አለዋ። መራሒ ርዋንዳ ነዚ ጉዳይ ሕቅነቱ ከምዘረጋገጸ ድዝከር ኢዩ። ስርዓት ህግደፍውን አብዚ ዕዳጋ ወሪዱ ነዚ ደሳልጡ ሰባት ጊሩ ጽዑቕ ናይ ዲፕሎማሲ ርክባት ይገብር አሎ። ነዚ ምስሊ ኤርትራን ክብሪ ኤርትራውያን ባይታ ዘቢጡ፤ ሃገር አብ ሓደገኛ ኩነታት አውዲቕዋ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ምእላይን አብ ኤርትራ መሰል ወዲ ሰብ ዝኽበረሉ ባይታ ንምፍጣር ምቅላስ ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት ኢዩ። እቶም አብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ነቲ አብ ውሽጢ ሃገር ተዓፊኑ ዘሎ ህዝቢ ድምጹ ከስምዕሉ ግዜ ዝጠልቦ ሕቶ ኢዩ። ናይ መንግስቲ ቀንዲ ስራሕ ናይ ዜጋታት ህይወት ምድሓን ኢዩ።

ኢደይ ኢድካ ንብሃሃል፤ ምልኪ ንኽምሓው።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • bereket May 1, 2015

    I just want to say is people of one country is always right about anything. Eritrean ppl come together and defeat this selfish president who lives only for his own betterment.

  • Berhe Tensea May 2, 2015

    Ethiopian government cares. Isu the Drakula, however, dose not care about Eritrea and Eritreans’
    How can a slave master care about his slaves?
    The herd or most diaspora Eritreans who are retarded will always act as donkies and will be busy creating justification for their tormentor who despises them.
    People get what they deserve.
    IWONDER WHEN WILL THE PEOPLE WAKE UP AND SMELL THE COFFEE.

  • Simon G. May 2, 2015

    ካብ ናይ ኣምባሳደራት ስራሕ ሓደ፥ ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ምስዝወድቁ ከድሕንዎም ምጽዓር ዩ። ንሕናውን ‘ኮ መንግስቲ ኔሩና ‘ተዝኸውን ዜጋታትና ካብዚ ዓዘቕቲ መውጻእናዮም።
    ሓደ ኣብ ጅሬፍ ሸጣ ኣረቂ-ኣል ዒሽ ክሰቲ ዝውዕል: ካብ ኢሳያስ ንላዕሊ ንኤርትራ ምናበያ ኮይኑ ይስመዓኒ።

  • Mesinas May 2, 2015

    ከመይ ደኣ ዘየውጽእ! ኣብ ኢትዮጵያ’ኮ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት ይወሃቦ ህዝቢ ዝመረጾ መንግስቲ ኣሎ! ወያነ’ኮ ህዝቢ ብመንግስቲ፣ ሃገር ድማ ብህዝቢ ከም ዝሕሎ ጽቡቕ ጌሩ ይፈልጥ’ዩ! ስለዚ፡ ነቲ ሃገር ዝሕሉ ህዝቢ ክሕሉዎ ግድን’ዩ! ኣብ ሃገርና ግን ጉጅለ ሸፋቱ ስራሕ ህዝቢ መንዚዑ፡ ‘ኣነ’የ ሃገር ዘምጻእኩን ዝሕሉን!’ ስለ ዝበለዶ ኣይኮነን መሬትና ንልዕሊ 15 ዓመታት ብባዕዲ ተመንዚዑ ኣማኣዕዲና ንርእዮ ዘለና! ከምቲ ግቡእ ህዝቢ ዝሕሉዎ ኔሩ እንተ ዚኸውን’ኮ ኣይምተደፍረን!

    ጽንዓት ይሃብኩም ኣሕዋት ኢትዮጵያውያን! ትማሊውን ንሕና ኤርትራውያን ልዕሊ 350 ዜጋታትና፡ ብሓንቲ ደቒቕ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ምስ ጠፉኡና፡ ርያኹም (ባንዴራኹም) ንኽብሪ ዜጋታትና ብምድናን ኣጸናኒዕኩሙና ኢኹም! ኤርትራውያን ከምቲ ናታትኩም ብሃገር ደረጃ፡ ነታ ብመስዋእቲ ጀጋኑ ሰማእታትና ዝተረኽበት ባንዴራና፡ ንኽብርኹም ኣድኒንና፡ ጽንዓት ይሃብኩም ከይንብል ግን ኣይኮነንዶ ንዜጋታት ጎረባብቱ ሃገራት ንዜጋታቱውን ዘጸናንዕ መንግስቲ ስለ ዘይብልና ኣይትሓዙልና ንብል? በብውልቂ ግን ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ልባዊ ሓዘን ከም ዝተሰምዖ ጥርጥር የብሉን!

    እዞም ሕጂ ብኣረሜናዊ ኣቀታትላ ኣይሲስ (ዳዕሽ) ሓሊፎም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን፡ ምናልባት ኩሎም ወይ ፍርቆም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ተቓዊሞም ዝወጹ ኣባላት ጉንበት 7 ወይውን ኣባላት ደምህት ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም። እቲ ናይ ብሓቂ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መንግስቲ ግን እዚኣቶም ንምሕደራይ ተቓዊሞም ስለ ዝኸዱ ኣይዜጋታተይን’ዮም ኢሉ ዝግባእ ናይ ዜግነት ክብሪ ኣይከልኦምን! ምኽንያቱ፡ ዜግነትን መሰልን ብተቓውሞን ደገፍን ንመንግስቲ ስለ ዘይልካዕ! ብኣንጻሩ እቲ ህዝባዊ መንግስቲ፡ ደገፍተይን ተቓወምተይን ኢሉ ከይፍፈላለየ፡ ሕነ ግዳያት ዜጋታቱ ክፈዲ ክፍትን’ዩ! ደጊመ ንመንግስትን ህዝብን ኢትዮጳያ ጽንዓት ይምነ! ነቲ ዝገብሩዎ ዘለዉ ሓላፍነታዊ ስራሕ ድማ አድንቕ!

  • hara May 2, 2015

    Abzi eneho. WeghiE…zegatatka miernab non wezekzek kburat resatat derbika nmemgisti Etiopia asalto yhabkum amlak memelisu ybarkkum

  • Berhe Tensea May 2, 2015

    The only solution is to get rid of the shifta regime and stay in Sudan or Ethiopia to avoid risk of of torture by Bedewin, the sea, and the unforgiving desert.
    Assena’s Amanuel has warned the youth on several occasions, and those who took his advise are alive today.
    People such as Dr Alghanessh , and Meron also have done a great deal and will be paid their due in the coming new Eritrea.
    Death to the mafia regime and his puppets.

  • Habtom May 3, 2015

    Lets ask: what will the Higdef regime of Asmara do to help the living Eritreans in Libya and Egypt who are under the constant threat of death and kidnapping.

    I am not asking if the Higdef regime is going to remember the young Eritrean christian who were beheaded by the savage criminals of ISIS – Islamic Caliphate State – in Libya and the 350 Eritreans who died in the coast of Libya.

Post a Reply to Mesinas Cancel Reply