Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መን’ዩ ጅግና ዝባሃል እቲ ኢዱ ዝሃበ ወይስ እቲ አብ ዕላምኡ ዝሞተ ?

መን’ዩ ጅግና ዝባሃል እቲ ኢዱ ዝሃበ ወይስ እቲ አብ ዕላምኡ ዝሞተ ? ሎሚ ንርእዮ ዘለና ቡዙሓት ሓለፍቲ ይሓልፉ አለዉ ብዘይ ቁምነገር ዝተቃለሱሉ ዕላማ ረስዔም ትማሊ ንሃገር ከምዘየገልገሉ ከምዘይሰርሑ ትማሊ ጀጋኑ ከምዘይተባሃሉ ሎሚ አገልገልቲ ናይ ውልቀሰብ

መን’ዩ ጅግና ዝባሃል እቲ ኢዱ ዝሃበ ወይስ እቲ አብ ዕላምኡ ዝሞተ ?

ሎሚ ንርእዮ ዘለና ቡዙሓት ሓለፍቲ ይሓልፉ አለዉ ብዘይ ቁምነገር ዝተቃለሱሉ ዕላማ ረስዔም ትማሊ ንሃገር ከምዘየገልገሉ ከምዘይሰርሑ ትማሊ ጀጋኑ ከምዘይተባሃሉ ሎሚ አገልገልቲ ናይ ውልቀሰብ ኮይኖም ዓገብ ከይበሉ ንሃገሮምን ንህዝቦምን ጠሊሞም ሑሱር ሞት ይመቱ አለዉ፡፡

አብዞም ናይዞም ሰባት ሞት ቡዙሓት ሰባት ዝተፈላለየ ርእይቶ አለዎም ገለን ጀጋኑ ይብሉዎም ገለን አይፋልን እዚኦም ጸረ ሕዝቢ ነበሩ ሰባት ከመይ ገይሮም ጀጋኑ ይባሃሉ ይብሉ ገለን ምውት አይክሰስን ኢዩ ይብሉካ ብዝኮነ ኩሉ ነናቱ አራእያን አታሓሳስባን አለዎ ልክዕ ሓደ ሰብ ድማ ማዕረ አተሓሳስብኡ ኢዩ ዝሓስብ እቲ አተሓሳስብኡ ድሩት እንተኮይኑ አስፊሑ ክሓስብ አይክእለን ኢዩ ፡፡ ብዝኮነ አነ ምስቶም ጀጋኑ ክባሃሉ አይክእሉን ኢዮም ዝብሉ ወገን ኢየ፡፡ምክንያቱ ጅግና ማለት ክሳብ መወዳእታ አብ ዕላምኡ ዝጸንዕ ኢዩ እምበር አብ መንጎ ኢዱ ዝህብ አይኮነን፡፡

ብመጀመርያ እቲ ዝገርመኒ ነገር ተሎ ብመጀመርያ እዞም ሰባት ንሃገርን ሕዝብን ክብጀው ኢዮም በረካ ወጺኦም በዚ ድማ ሰገጥ ከይበሉ ብትብዓትን ተወፋይነትን ምስ ሽሾ ሰራዊትን አጽዋርን ገጢሞምን ጠኒኖም ዝአትዉ ነበሩ ፡ ጽምእን ጥሜትን ተጻዊሮም ብቃላት ክትገልጾ ዘይካል መሰገደል ሓሊፎም አብ መወዳእታ ተዓዊቶም፡፡ ስለዚ እቲ አግራሞተይ እዞም ሰባት ሺሾ ሰራዊት ዝገጠሙ ብከመይ ኢዩ ሓደ ውልቀሰብ ከምበርክኮም ኪኢሉ ? ? ? ወይ ብካልእ አበሃህላ “ከመይ ኢሎም ካብ ጀጋኑ ናብ ጀጉናናት ክቕየሩ ክኢሉም?” አበይ በኒኑ እቲ ጅግንነቶም ? አበይ ከይዱ እቲ ሓልዮት ሕዝቢ ? አበይ አሎ እቲ ቅያታቶም ? ብሓቂ ታሪኮም ፈሺሉ ኢዩ እዞም ሰባት፡፡ስለዚ እዞም ሰባት ሕልናኦም ጥራይ ዘይኮነ ህልውንኦም ዝሸጡ ሰባት ኢዮም፡፡

እዚ ማለት ድማ ታሪክ ፈሺሉ ክባሃል ኮሎ ታሪክ ብትክክል አይቀረበን ወይ ታሪክ ብጉብእ አይተተረጎመን ብዓቢኡ ድማ አይቀጸለን ማለት ኢዩ፡፡ ከም ካልአይ ድማ ታሪክ ፈሺሉ ክንብል ኮሎና ልክዕ ከም ሓደ ናይ ዘርኢ ሓረግ አብ ዝኮነ ቦታ ተበንጢሱ ከም ማለት ኢዩ፡፡ ምክንያቱ እዞመ ሰባት መን ነይሮመ ከመይ ነይሮም ሎሚ ከመይ አለዉ ንማንም ቡሩህ ኢዩ፡፡ እቲ ናይ ታሪክ ሓረጎም ተበጢሱ ኢዩ ስለዚ ድማ እዚ ናይ ታሪክ ፍሽለት ይባሃል፡፡ናይ ብሓቂ ታሪኮም አይቀጸልዎን መወዳእቱኡ ድማ አየጸበቅዎን፡፡

ሓደ ሰብ ትማሊ ከመይ ነይሩ ስለትፈልጦ ከመይ አለካ እምበር ከመይ ኔርካ አይትብሎን ኢካ ምክንያቱ ታሪክ አብ ከመይ ኔርካ ዘይኮነ አብ ከመይ አለካ ተመርኪሲ ኢዩ ዝቅጽል፡፡እቲ ቀጻልነቱ ድማ አባካ’ዩ ዝውሰን እንድሕር ታሪክካ ከም ትማሊ ብጽቡቅ ቀጺልካዮ ታሪክካ ብጽቡቅ ክቅጽል ኢዩ፡፡በንጻሩ ናይ ትማልን ሎምን ታሪክካ ዘይራከብ ከም ሕቆን ክብድን ወይ ዘይሳነ እንተኮይኑ ታሪክካ ክፈሽል ግድን ኢዩ፡፡

ስለዚ ሎሚ ከምዚ ዓይንት ፍሹል ታሪክ መወዳእታኡ ዘይጸበቀ ኢና ንርኢ ዘለና፡፡ ምክንያቱ ሎሚ ኤርትራ ሃገርና ብናይ ትማሊ ታሪኮም ንሕና … ሳላና … እንዳበሉ ዝዕበዩ ንናይ ሎሚ ረሳሕ ታሪኮም ግዲ ዘይብሎም ሰባት ሒዛ ኢያ ተሪፋ ዘላ፡፡

ታሪክ ሓቀኛ ኢዩ አየናሕስይን ኢዩ ድማ ስለዚ ትማሊ ጅግና ተኔርካ ጅግና ኢሉ ክገልጸልካ ኢዩ፡፡ሎሚ ድማ ጀጉናን እንተኮንካ ጀጉናን ኢሉ ኢዩ ዝገልጸካ፡፡

ሓደ ሰብ ንሕልንኡ እሙን ዘይኮነ አይኮነን ጅግና ኢልካ ክትጽውዖ ሰብ ኢላካ ክትጽውዖ ከማን ገበን ኢዩ፡፡ምክንያቱ ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ምስ ሕልናኦም ዝተቀራሓኑ ኢዮም፡፡ ስለዚ ሓደ ሰብ ሙሉእ ሰብ ክንብሎ እንተኮይና ንሕልንኡ እሙን ዝኮነን ሰብአውነት ዝስመዖ ምስ ዝከውን ጥራይ ኢዩ፡፡ ስለዚ እዞም ሰባት ገና ሰብአውነት ዘይስመዖምን ገና አብ ጌጋ ከምዘለ’ዉን አይተሰቆረሙን አሎ ገና እዚ ኩሉ በደል ዝፈጸምዎ አብ ሕዝቢ ኤርትራ ዘጣዕሶም አይመስሉን ኢዮም ምክንያቱ ሕልናና ከምተጋገየ ዝአምን ድማ ጣዕሳ ምስ ዘጋጥሞ ጥራይ ኢዩ፡፡ስለዚ ኩሎም እዞም አብዚ እዋን ዝሓለፉ ምስ ሕልናኦም ከይተዓረቁ ተቀራሒኖም ከለዉ ይሓልፉ አለዉ እቶም ዘለዉ ውን ከምኡ ምስ ሕልናኦም አብ ቅርሕንቲ ኢዮም ዘለዉ ክታዓረቁ አይካሉን ቅንጣብ ጣዕሳ’ውን ይስመዖም የለን በንጻሩ አብ ቁኑዕ መገዲ ክምዘለዉ ኢዮም ከም ከልቢ ዝነብሑልና ዘለዉ ስለዝኮነ ድማ ጌጋ አብ ርእሲ ጌጋ እንዳፈጸሙ ከንቱን ሑሱርን ታሪክ ይገድፉ አለዉ፡፡ ስለዚ በየናይ መለክዒ ወይ መግለጺ ኢና ጀጋኑ ኢልና ክንገልጸም ንክእል ?

እቲ ዘሕዝነካ ሎሚ አብዚ 21 ክፍለ ዘመን ነዞም ዝመሽመሸ ሕልና ዝሓዙን ሕልናኦም ዝሸጡ ሰባት ዝተዛረብዎን ዝበልዎን ከም ቃለ ነብያት ወሲዶም ዝአምንዎምን ዝቅበልዎምን ከም ጀጋኑ ዝአምንሎም አዳከርትን አጣቃዕትን ሰባት ምህላዎም ኢዩ፡፡ምናልባት ንሕዝብካ ምግፋዕ ከም ጅግንነት ዝቁጸር እንተኮይኑ እንድዒ ዘይንፈልጦ ካልእ ጅግንነት አሎ ማለት ኢዩ፡፡

አብዚአ ከይገለጸወኩዋ ክሓልፍ ዘይደሊ ሓደ ሓደ ሰባት አለዉ ብስምዒት ዝጎዓዙ ሓቂ ዘሕምሞም እዚ ድማ ኩሉ ግዜ ብስምዒት ዝጎዓዙ ሰባት ነገራት አስፊሕካ ምርአይን ሓቂ ካብ ሓሶት ምፍላይን ይሳአኖም ኢዩ ብዛዕባ እዞም ሰባት ክትዛረብ ኮለካ ሓቅነቱ ካብ ምርግጋጽ ንነገራት ብሃውሪ ወይ ብዘይምምዝዛን ስለዝርእይዎ ከም ብጽልአት ትዛረብ ዘለካ ዝመስሎም ቡዙሓት ኢዮም ልክዕ እዞም ሰባት ጀጋኑ ከምዝነበሩ ዝክሕድ ሰብ የለን ወይ ነዚ ናይ ትማሊ ጅግንነቶም አይኮናን ነነአእስ ዘለና ብዓቢኡ ብዛዕባ ትማሊ ዘይኮነ ብዛዕባ ሎሚ ኢና ንዛርብ ዘለና ስለዚ እዞም ሰባት ሎሚ ከመይ አለዉ እቶም አብ ሎሚ ዝሓለፉ’ከ እንታይ ገይሮም ሓሊፎም ኢና ንብል ዘለና ብሓቂ ነቲ ዝተቃለስሉ ናይ ሕዝቢ ነጻነትን ፍትሕን አብ ተግባር አውዒሎሞ ድዮም? ሕድሪ ስውአትና አይጠሎሙን ድዮም? ኢና ንብል ዘለና፡፡

ሎሚ አብዛ ጽሕፍተይ ክገልጾም ደልየ ዘለኩ ዓይነት ሰባት ነዞም ዝተቃለስሉ ዕላማ ዝረስዑን ገለ ገለ ብጥቅሚ ወይ ብነብሰ ፍትወት ዝሰከሩ ፤ ከብዶም ዝዘመዶም ዓይነት ሰባት ፤ ተመሳሲሎም ዝሓድሩ ፤ ናይ ስልጣን ህርፋን ዘለዎም ፤ ብዓቢኡ ድማ ትማሊ ንሽሾ ሰራዊትን አጽዋርን ዘይፈርሑ ሎሚ ግን ንሓደ ውልቀሰብ  ዝፈርሑ  ዘለዉ ሰባት …. ንምግላጽ ኢየ እቲ ቀንዲ መጽሓፍየይ ግን ሕልና ክገብሩን ንሕዝቦም ጠጠው ንክብሉ ምዝክካርን ማዕረ ክንደይ አብ ዝተጨማለቀ ሕይወት ከምዘለዉ ንምሕባርን ኢየ፡፡ምከንያቱ ሓደ ሰብ መገዲ አምላክ ገዲፉ መገዲ ሰይጣን እንተሒዙ ካብቲ መገዲ ሰይጣን ክትአልዮ ኢኻ ዘለካ እምበር ምስኡ አይትጎዓዝን ኢኻ፡፡

አነ ሕጂ ባህርያት ናይዞም ሰባት ሓደ ብሓደ ንምግላጽ ኢየ ደልየ፡፡ አብ ሓደ ስርዓት ቡዙሓት ዓይንተ ሰባት ክንረክብ ንክእል ማለት ነቲ ስርዓት ንክጽልን ክሻድንን ዝገብሩ ፡- ብተወሳኪ እቲ ገዛኢ ስርዓት ብመጀመርያ ሰባት ኢዩ ዝሕዝ ብዙሓት ዓይነት ሰባት ኢዮም ዘገልግልዎ ነዚ ንምትግባር ድማ ሰባት ብምውዳብ ነቲ ስርዓት ዘገልግሉ አብ ልዕሊ ሕዝቢ ፍርሕን ጸቅጥን ከምዝፈጥሩ ምግባር ቀንዲ ተግባሮም ኢዩ፡፡

እቶም ዝውደቡ ሰባት መብዘሕትኦም ግን አሚኖምሉ ዘይኮነ ግላዊ ጥቅሞም ስለዘቀድሙ ኢዮም ወይ ነብሶም ዘይአምኑ ፈራሓት ምስዝኮኑ ወይ ተመሳሲሎም እንታይ ገደሸኒ ሱቅ ኢለ ዘይነብር ባሃልቲ ኢዩ ዝአካክብ ብልክዕ ድማ ገዛእቲ መንግስታት አብ ሰልጣኖም ክጸንሑ እንተደልዮም ናይ ግድን ዝተሓባበሮም ሕዝቢ ፤ ሙሉእ ብሙሉእ አሜን ኢሉ ዝቅበልን ዝምእዘዞም ሕዝቢ የድልዮም ኢዩ፡፡ ነቲ ሕዝቢ ንምእማን ይኩን ጸቂጥካ ወይ ዓፊንካ ንምሓዝ ድማ ነዚ እከይ ተግባራቱ ዘተግቡሩ ሰባት ወይ ዕሱባት ግድን ኢዩ ዘድልዮ፡፡ ንአብነት ፡-

 

1 ተመሳሲሉ ሓዳሪ

መሲሉ ዝሐድር ሰብ ኩሉ ዝረከቦ ጸቡቅ አጋጣሚ ወይ ዕድላት ንናይ ግሉ ጥቅምን ዕላማን ንምትግባር ዝግበር ናይ ፓለቲካ መርገጺ ኢዩ ዘመልክት ጥቅሚ ዝረክበሉ ክሳብ ዝኮነ ንዝኮን መርገጺ ንምድጋፍ ብዘይምውልዋል ዓይኑ ብጨወ ሓጺቡ ንናይ ግሉ ጥቅሚ ክብል ጥራይ ናይቲ ስርዓት ወይ መንግስቲ ራአይ ወይ መምርሒ ንምትግባር ድሕር አይብልን ኢዩ እቲ ሕዝቢ ዝሃቦ ውክልናን ሰልጣንን ብምርሳዕ መረረ ሕዝብን መሰላትን ክብረትን ሃይማኖትን ጨፍሊቁ ብዘለዎ ናይ ሰይጣናዊ ባህሪ ድሕር አይብልን ኢዩ መሲሉ ሓዳሪ ሰብ አብ ናይ ዝኮነ ፓርቲ ናይ ፓለቲካ መርገጺ አይአምንን ኢዩ ኮይኑ ግን ልዕሊ ሰቡ እምነት ዘለዎ ነቲ ፓርቲ ወይ ስርዓት ልዕሊኡ ሓላይ ከምዘየለ መሲሉ ምቅራብን አብ ልዕሊ ሓለፍቱ ኩቱር ፍቅሪ ከምዘለዎ እንዳመሰለ ነታ ዝረክባ ጥቅሚ እንዳዓቀበ ይነብር እዚ ድማ እቲ ቀንዲ ሓጥያት ብሕዝቢ ዝተዋሃበካ ሓደራ ጠሊምካ ናይ ገዛእ ርእስካ ጥቅሚ ምቅዳም ኢዩ።

እዚ መሲልካ ምሕዳር ድማ ብፍላይ በቶም ሰበስለጣናትን ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታትን ምሰዝከውን ዓቢ ሽግርን ዕንወትን ኢዩ ዘከትል ምክንያቱ እምነት ፡ ግልጽነት ፡ ምዕቃብ ሚስጢር ፡ ቅንዕና ወይ ሓቅነት ፡ ተሓታትነት ፡ አድልዎ ፡ ንናይ ሕዝቢ ጥቅሚ ምሕላው ፡ ንናይ ሕዝቢ ሕቶ ምምላስ ፡ ብዓቢኡ ድማ አብነታዊ ምዃን እዚኦም ኩሎም አብ ሓንቲ ሃገር እንተዘየለዉ እታ ሃገር የላን ዕርቃና ወጺአ አላ ማለት’ዩ እዚ ኢዩ ድማ ሎሚ ዝንጸባረቅ ዘሎ፡፡እዞም ሎሚ ዝሓልፉ ዘለዉ ሰባት ውን ሃገር ዕርቃና ከምትወጽእ ገይሮም ዕርቃኑ ዝወጸ ታሪክ ገዲፎም ኢዮም ዝሓልፈ ዘለዉ፡፡

2 ህርፋን ስልጣን ዘለዎም

እዚኦም ድማ ብጀካ ስልጣኖም ተዘይኮይኑ ብዛዕባ ሕዝቢ ቅንጣብ ሓልዮት ዘይብሎም ዝወረደ ይውረድ ዘገድሶም አይኮነን ዝነገሰ ንጉስና ዝበረቀ ጸሓይና በሃልቲ ምስቲ መሲሉ ዝሓድር ተመሳሳልነት እኮ እንተለዎም እዚኦም ግን እቲ ቀንዲ ህርፋኖም ስልጣን ንምርካብ ኢዩ ንጥቅሞም’ውን አይሰርሑን ማለት ግን አይኮነን እቲ ቀንዲ ስርሖም ጎይታይ እምበይተይ እንዳበሉ ብከመይ ስልጣኖም ይውሰኩን የናውሑን ኢዩ ዘገድሶም። ብዛዕባ ሕዝቢ ይጥመ ይሳቀ ዘገድሶም አይኮነን፡፡ምክንያቱ ብስልጣኖም ተጠቂሞም ቀንዲ ሰባት ዘጋፍዑን ዝአስሩን እዞም ሰባት ኢዮም፡፡

ብተወሳኪ እዞም ሰባት ብገዛእ ሕልናኦም ዝተአሰሩ ድኩማት ፍጥረት ኢዮም እዚ ማለት ድማ አብ ልዕሊ ሰብአዊ ፍጡር እዚ ዘይባሃል ዓቢ ወንጀል ብምፍጻሞም እዚ ነገር ክገብሩ ከለዉ ናይ ድንቁርና መገዲ ስለዝተከተሉ ናይ ገዛእ ሕልናኦም ሰሒቶም ኢዮም፡፡

3 ብመትከል ጥራይ ዝጎዓዙ ሰባት ምህላዎም

እዚኦም ዓይነት ሰባት ድማ ቀንዲ ነቲ ስርዓት ዕድመ ክህልዎ ዝገብሩ ኢዮም ምክንያቱ አብቲ ሰርዓት ኩቱር ፍቅርን እምነትን አለዎም ነዚ ድማ ንነብሶም ከም ጽኑዓት ሰብ መትከል ገይሮም ይቆጽርዋ ልክዕ በቲ ሓንሳብ ነቲ ውዱብ ወይ ስርዓት ዝአመኑሉ እቲ ግዜ ይቀየር እቲ ስርዓት አሰራርሕኡን አከያይድኡን ይቀይር ብፍጹም ዘይስቆሮም ድፉን ሓንጎል ሒዞም ዝጎዓዙ ሰባት ኢዮም ሕዝቢ አበይ ኩነታት አሎ ዘየገድሶም እቲ ዝአመንሉ ውዱብ ወይ ስርዓት ክትንከፍ ከሎ ግን ዝሓሙ ሰባት ኢዮም እቲ ካብ ኩሉ ዝገርም ነብኦም ወይ ነዲኦም ወላ እንተቀተሎሎም ፍጹም ዘይሰቆሮም መትከል ክብሉ ተተኪሎም ዝነብሩ ዓይነት ሰባት ኢዮም ምናልባት እዞም ሰባት የዋሃት ዝገብርዎ ዘይፈልጡን ዝንቡዕ ኣእምሮ ዝተዓደሎም ኢልና ክንጽዎዖም ንክአል…፡፡መብዛሕትኦም እዞም ሎሚ ዘለዉን ዝሓለፉን ሰባት ናይዛ መትከል ትብል ተካል ቃል ተርጎምትን ሰዓብትን ኢዮም፡፡አብ መትከልካ ምጽናዕ ጽቡቅ እንድዩ ግን ምስ መን ፤አበይ ፤ ብከመይ ፤መዓስ ፤ ምፍላጥ አገዳሲ ኢዩ ምክንያቱ አብ መትከለይ ኢልካ ብሃውሪ ወይ ከም ፈረስ ብሓደ መገዲ ምካድን ብዋጋ ሕዝብካ ምጥላዕን ግን ገበን ኢዩ፡፡ ናይ በደሎም ዓስቢ ድማ መትከል ክብሉ ዝከረሙ አብ መወዳእታ ባዕሉ እቲ ዝአመንሉ ስርዓት አብ ታኬላ ከእትዎም ንርእዮም አለና፡፡

4 እንታይ ገደሰኒ በሃልቲ

እዚኦም ድማ እንታይ ይግበር አሎ ኩሉ ዝፈልጡን ኩሉ እንዳተረድኦም አብ ነገራት ወይ ከም ናቶም አተሓሳስባ አብ ሃለክለክ ወይ ሓደጋ ዘለዎ ሕይወት ክአትው ዘይደልዩ እንታይ ገደሰኒ ሱቅ ኢለ ዘይበልዕ ዘይሰቲ እቲ ዝድለ ምንባር ኢዩ ዝብል ድሑር እምነት ዘለዎም ብዛዕባ ነብሶም ተዘይኮይኖም ብዛዕባ ሕዝቦምን ሃገሮምን ቅንጣብ ሓልዮትን ድንጋጸን የብሎምን አብ ርእሲ እዚ እዞም ሰባት ፍርሕን ነብሰ ምፍታውን ዘለዎም ዓይነት ሰባት ኢዮም…፡፡

 

ንምጥቅላል እቲ ጸገም ኮይነ ዘሎ ሎሚ አብ ሃገርና ምስቲ ስርዓት ዝሰርሑ ዘለዉ ይኩኑ ተቃወምቲ እቲ ስርዓት ኩሎም ፍርሒ አለዎም ካብ ናይ ደቂ ሰባት ሕማም ኩሉ እቲ ብብዝሒ ዝርከብ ሕማም ፍርሒ ኢዩ ከም ሓደ ናይ ስነ-ልቦና ሓኪም ዝበሎ ‘ከም ፍርሒ ዝበለ ንናይ ደቂ ሰባት ሰብእና ጸላኢ የለን’ እዚ ድማ አዞም ናይ ሳይንስ ሰባት ክገልጹልና ዝደለዩ ናይ ጥዕና ዘይብሉ ፍርሒ እምበር ብዛዕባ ጥዕና ዘለዎ ፍርሒ አይኮኑን ምክንያቱ ጥዕና ዘለዎ ፍርሒ አገዳስን ጉብእን ኢዩ ጥዕና ዘለዎ ፍርሒ ንዓና ወይ ንገዛእ ነብስና ንምክልካል ዝተዳለወ ስርዓት ኢዩ፡፡ ጥዕና ዘለዎ ፍርሒ ዘይብሉ ሰብ ብልክዕ ዝተወደበ ስብእና አይህልዎን ኢዩ፡፡ ጥዕና ዘለወ ፍርሒ ካብ ሓደገኛን ናይ ደናቁር ወይ ናይ ዓያሹን ሰራሕ ንከይንሰርሕ ይሕለወና ኢዩ፡፡ ብዓቢኡ ድማ ጥዕና ዘለዎ ፍርሒ ዘይብሉ ሰብ ካብ አምላኩ ዝራሓቀ ሰብ ጥራይ ኢዩ፡፡

 

ስለዚ አብ መንጎ ጥዕና ዘለዎ ፍርሕን ጥዕና ዘይብሉ ፍርሕን ዘሎ ፍልልይ ንጹር እመስለኒ፡፡ ሓደ ሰብ ከይተረድኦ ወይ ከይፈለጠ ካብ ጥዕና ዘለዎ ፍርሒ ሓሊፉ ናብ ጸልማት ዝኮነ ጥዕና ዘይብሉ ፍርሒ ክአቱ ወይ ክሰጋገር ይክአል ኢዩ፡፡ ጥዕና ዘይብሉ ፍርሒ ብጣዕሚ ኢዩ ዘሸብረካ ብመዓልቲ ከሸብረካ ይውዕል ብለይቲ ድማ የጨንቀካ፡፡ ጥዕና ዘይብሉ ፍርሒ ናይ ጋን ምዃኑን ድንግርግር ናይ ምባልን ምንጭን ማእከልን ኢዩ አብ ውሽጢ ኣእምሮካ አትዩ ይህውከካ በዚ ድማ አብ ውሽጥካ ዝርከብ ሓይሊ ከምዝለምስን ከምዝወጽእን ይገብር ውሽጣው ሰላምካ የጥፍእ ፡ ሓይልካ ይድርቶ ፡ ካብ ውጽኢታዊ መገዲ የውጸካ ፡ ድሌታትካ የጥፍእ ብሓጺሩ ጥዕና ዘይብሉ ፍርሒ ዘስካሕክሕ ሕሰም ዝምንጭወሉ መርዛም ጉድጓድ ኢዩ፡፡ ስለዚ በዚ ናይ ጥዕና ዘይብሉ ፍርሒ ዝሳቀዩ ሰባት ብዙሓት ኢዮም ብሰንኪ እዚ ድማ ሓጎሶም ወይ ደስታኦም ሲኢኖም ዝሳቀዩ ሰባት አዲኦም ትቁጸሮም፡፡ እዚ ፍርሒ ኢዩ ድማ አብ ሃገርና ሰሲኑ ስቃይና ዘናውሕ ዘሎ፡፡

 

ስለዚ ናይዚ ሕማም መድሃኒት ድማ መጀመርያ ክፍለጥ ዘለዎ “ ሰብ ናይ ሓይልን ናይ ፍቅርን ናይ ነብስካ ምግዛእን መንፈስ እምበር ናይ ፍርሓት መንፈስ የብሉን ” በዚ አባሃህላ ክንአምን ከንክእል አለና ነዚ ድማ ብልክዕ አሚና ብተግባር አብ ኣእምሮና ውሽጢ ብዕምቀት አትዮም ቦታ ከምዝሕዙ ክንገብር ክንክእል አለና፡፡ ሰለዚ እቲ መድሃኒት ከኒና ወይ መርፍእ አይኮነ ቃላት ኢዩ አብዚ ቃላት ዝተሐበኤ መድሃኒት እንታይ ኢዩ ኢልና ምስ ንሓትት ንፍርሓት ክቃወም ወይ ክጻወር እቲ ሓደን ቀንድን ሓይሊ ናይ ምትእምማን ሓይሊ ኢዩ ምክንያቱ ምትእምማን ህያው ኢዩ ፤ ምትእምማን ንቁሕ ኢዩ ከም ጸሓይ ብርሃን ስለዚ ምትእምማን ከም መድሃኒት ከገልግለና ይኽእል ኢዩ ፡፡ ኣእምሮናን ነፍስናን ክፍውስ ዝክእል መድሃኒተ ኢዩ ፡፡

 

ጥዕና ዘለዎ ሓሳብ ንጥዕና ዘይብሉ ሓሳብ ስዒሩ ይወጽእ ፡፡ እዚ ናይ ምትእምማን ውጽኢት አብ ኣእምሮ አወንታዊ ውጽኢት ወይ ፍቱን መድሃኒት ምዃኑ ተረጋጊጹ ኢዩ እዚ ድማ እቲ ናይ ምትእምማን መንፈስ ልዕሊ ኣእምሮና ናይ አካልናን መንፈስናን ናይ ምሕዳስ ሓይሊ አለዎ እዚ ድማ አብ ቡዙሓተ ሰባት ተረጋጊጹ ኢዩ፡፡ ዓለምና ሎሚ በቲ ሰባት ዝጨበጥዎ አረአእያ ጠንቂ ብዘስግኡ ሰባት መሊአ ትርከብ፡፡ እዞም ሰባት አብ ኣእምሮኦም ጥዕና ዘለዎ አተሓሳስባ እንተዝለምዱ ወይ እንተዘማዕብሉ ኩሉ ነገር ምስተቀየረ፡፡ “ ነብሰ ምትእምማን “ ዘማዕበሉ ቡዙሓት ሰባት ብናይ ፍርሓት በትሪ ምቅጽዖም ተሪፉ ዝተረጋግኤን ሰላም ዘለዎም ሰባት ንክኮኑ አክኢልዎም ኢዩ፡፡

ስለዚ ብፍርሒ ክንውጠር የብልናን ርእሰ ምትእምማን ተለና ናይ ኣእምሮና ሓይሊ ተጠቂምና ፍርሓትና ከነወግድ ንኽእል ኢና፡፡ ፍርሒ አብ ልዕሌና ዝዕወተሉ ቀንዲ ምክንያት እቲ ናይ ሕይወትና ገመድ ዝኮነ ብነብሰ ምትእምማን ስለ ዘይንአምን ኢና፡፡

 

ካልአይ ድማ ናይ ፍርሒ መድሃኒት ፍቕሪ ኢዩ ፍጹም ፍቕሪ ፍጹም እምነት ኢዩ በዚ ድማ ፍጹም ፍቕሪ ፍርሓት ከጥፈእ ይኽአል፡፡ ፍቕሪ ተፈጥራውን መሰረታውን ርክክብ ኢዩ ፍቕርን ስኒትን ሓድነትን ዘለዎ ሰብ አብ ባይታ አይፈርሕን ኢዩ ንዝኮነ ከም ጸላኢ ስለዘይርኢ አይፈርሕን ኢዩ ፍጹም እምነት ስለዘለዎ ናይ ፍርሒ ስምዒት አይፈጥርን ኢዩ፡፡ ሎሚ ግን እቲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ንነብስና ስለዘይንአምን ማለት ነብሰ ምትእምማን ስለዘይብልና ክንገብር ማለት ነዚ ስርዓት ክንልውጦ ወይ ከነወግዶ ንክእል ኢና ኢልና ንአእምሮና ስለዘይነእምኖ ዘለና ናይዚ ውጽኢት ድማ ሓደ ምስ ሓደ ክንዲ ዝሰምርን ሓድነት ክንዲ ዝፈጥር በንጻሩ ሓደ ንሓደ ከም ጸላኢ ስለዝርኢ ንፈርሕ አለና፡፡

 

እቲ ናይ መወዳእታን ሳልሳይን ፍቱን መድሃኒት “ ዓሚቕ ኣእምሮ ” ክህልወና ይግባእ ምክንያቱ ፍርሒ አብ ውሽጥና ግዝአቱ ዘስፋሕፍሕ ዓሚቕ ወይ ዝተረጋግኤ ኣእምሮ ስለዘይብልና ኢዩ፡፡ ዘይተረጋግኤ ኣእምሮ ብቡዙሕ መገድታት ክፍጠር ይኽእል ንአብነት እዚ ዘለናዮ ማለት ህሉው ናይ ሃገርና ኩነታት ከም ሓደ ዘይተረጋግኤ ኣእምሮ ንክህልወና ከም ምክንያት ክጥቀስ ይካአል ይኸውን እቲ ጠንቂ ግን እዚ አይኮነን ገለ ነገር ንከይንገብር ዝሓላልከና ዘሎ ፍርሒ ኢዩ፡፡

 

ንአብነት ሕጂ ገለ ገለ ሰባት ፍርሒ እቲ ቀንዲ ሓሳቦም ንክኸውን ይፈቅዱ ፍርሒ ዝጅምረሉ ድማ ብናይ ንእሽተይ ናይ ኣእምሮ ስግአት ኢዩ፡፡ ከምዚ ኢሉ ድማ ንብዙሕ ግዜ ምስ ዝደጋገም ድማ ናብ ሕልናና ክሳብ ዝሰርጽ ድማ ልምዲ ኮይኑ ይተርፍ፡፡

 

እዚ ድማ ናይ ሓደ ሰብ ነፍሲ ወከፍ ሓሳቡ ናይ ስራሕ ፤ ናይ ጥዕንኡ ወይ ብሓፈሻ ዓለማዊ ሓሳብ አብቲ ናይ መሰረታውን ቀንድን ነገራቱ ናይ ፍርሒ ሓሳብ ቅርጹ ይሕዝ እሞ ምስ ፍርሕን ስግአትን ይሓብር፡፡ ናይ ሓሳብ ፍርሓት ከተወግዶ እንተጻዓርካ ከተምልጠሉ ግን አይትክእልን ኢካ ሰብ ድማ ሙሉእ መዓልቲ ዝሓስቦ ኢዩ ዝኸውን በዚ ድማ ፈራሕ ሰብ ትኸውን ፡፡

 

ነዚ ኩነታት ንምጥፋእ ድማ ካልእ ፍልይ ዝበለ ድልዱልን መሰረታዊ ሓሳብ ክትካእ ግድን ኢዩ፡፡ እዚ ናይ ፍርሓት ሓሳብ ብቀንዱ ክንዕወተሉ እንተኮይና እቲ ሓደን ወሳንን ነገር ቁኑዕ አተሓሳስባ ክህልወና ምግባር ኢዩ ምትእምማን ካብ ፍርሓት ይበልጽ፡፡

 

እቲ ጸገም ዝከውን ዘሎ ብቅንዕና ስለዘይንብገስን ከምኡ ድማ ቁኑዕ አተሓሳስባ ሒዝና ስለዘይንጎዓዝ ዘለና ነብሰ ምትእምማንና ነጥፍእ አለና በዚ ድማ መብዛሕትና ደቂ ሰባት ናይ ምስዓር ልምዲ ስለነማዕብል ዘለና ሕይወትና ናይ ስቃይ ሕይወት ይኸውን አሎ ፡፡ እቲ ሓቂ ግን አብ ልዕሊ ሕይወት ዘለካ አረኣእያ እንተለዊጥካ ዘይልወጥ ነገር አይክህልውን ኢዩ፡፡ ሕይወት ድማ ብቅንዕናን ስኒትን ፍቅርን እንተሒዝካያ ክፍአትን ተንኮልን አይክትንክፈካን ኢዩ፡፡

 

ስለዚ ነብሰ ምትእምማን ብከመይ ከነማዕብሎ ይካአል ? እንተኢልና ቁኑዕ አተሓሳስባ ብምጭባጥ ኢዩ ቁኑዕ አተሓሳስባ ምስ ዝደጋገም ድማ ልምዲ ይኸውን፡፡

ክልተ መሰረታውያን ናይ አተሓሳስባ መንገድታት ማለት ፍርሓትን ምትእምማንን ክሳብ ዝፍጠሩ ናብ ውሽጢ ሕልናና ብዕምቆት ይአትዉ፡፡ ኮይኑ ግን ፍርሒ ንምትእምማን ክስዕሮ አይኽእልን ኢዩ፡፡ አብ ናይ ምትእምማን መገዲ ብዕምቆት ምሰ ንአቱ ካብ ናይ ፍርሒ መገዲ ብፍጹም ኢና ንእለ በዚ ድማ ምትእምማን አብ ውሽጥና ይአቱ እሞ እቲ ቀንዲ ናይ ኣእምሮና ሓሳብ ይኸውን፡፡

በዚ ድማ እቲ ኩሉ ብዛዕባ ስድራቤትካ ፤ ሃገርካ ፤ ስራሕካ ፤ ጥዕናካን ሓፈሻዊ እቲ ኩሉ አብ ዓለም ክትገብሮ ዘለካ ነገራት ብምትእምማን ዝተዓብለለ አረኣእያ ወይ አከያይዳ ስለዝህልወካ ሕይወትካ ብሩህን ዘሕጉስን ቁኑዕን ይኸውን፡፡

 

ስለዚ አብዚ ግዜ ሓድሽን ቁኑዕን ሓሳብ ስለዝጨበጥና ብነብስናን ብሃገርናን ብመጻኢ ናይ ወዲ ሰብ ተስፋ ምእማን ንማሃር፡፡ ሕይወት ምቅርቲ ከምዝኮነት ዓሚቅን ቁኑዕን አረኣእያ ይህልወና አብ ሓደ ግዜ ዘፍርሑና ነበሩ ነገራትን መሰናክላትን ይስገሩን ይእለዩን በዚ ድማ ብኣእምሮ ወይ ብአተሓሳስባና ዓቢ ለውጢ ኢና ነምጽእ ብአካል ድማ ናብ ካልእ ዓለም ኢና ንሰጋገር፡፡ ብርግጽ ብዝተፈለየ መገዲ ስለትሓስብ ፍሉይ ሰብ ኢኻ ትኸውን፡፡ ሰብ ሙሉእ መዓልቲ ዝሓሰቦ ኢዩ ዝኸውን ፡፡ ናብ ናይ ዓወት መገዲ ዝወስዱ ድማ ቁኑዓት አረኣእያታት ኢዮም፡ ምክንያቱ አካልና ብኣእምሮና ኢዩ ዝምራሕ እሞ ኣእምሮና ብርግጽ አድላይ ኢዩ ስለዚ ኣእምሮና ክንምርምር ክንክእል አለና፡፡

 

ደቂ ሰባት አምላክ ብዝዓደለና ኣእምሮ ናይ ምሕሳብ ናይ ምስልሳልን ሓይሊ አለና፡፡ ኣእምሮና ብጉቡእ ምስንጥቀመሉ ኢና ድማ ናይ ብሓቂ ትርጉም ናይ ሓድነትን ስኒትን አስተማቂርና አብ ተግባር ክንሰርሓሎም ንጅምር ስለዚ ነዚ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ክንአልዮ እንተኮይና ብመጀመርያ ፍርሒ ነወግድ ቀጺልና ሓድነት ንግበር ብኤረትራውነትና ጥራይ ንእመን ሃይማኖት ፤ቀቢላ ፤ብሄር ወጊድ ኢልና ሰሚርና ንቃለስ፡፡ በጃኩም ነየናይ እዋን ኢና ሕድሕድ ክንወነጃጀልን ክንጎጃጀልን ሕይወት ሓጻር ኢያ ….፡፡

 

ከምኡ ድማ ብቃላት አይንጸናናዕ አብ አኬባታት ሰሚናራት አይንእመን አብ ተግባር ንእመን፡፡ እዚ ማለት ድማ ልክዕ አኬባታት ሰሚናራት ናብ ስጉምቲ ወይ ውሳኔ ክንበጽሕ ክሕግዘና አለዎ እምበር ባዕሉ ከም ስጉምቲ ክንወስዶ የብልናን እቲ ጸገም ዝከወን ዘሎ ንብገስ እሞ ካብቲ ዝተበገስናዮ ግን ስጉምቲ አይኮነን ስድሪ ንከይድ የለናን ካብ ዝተበገስናዮ ማለት ካብ ሰድያና ከይተሳእና ኮለና ብቃላት ተጸናኒዕና ንጽባሕ ካልእ ሰሚናር ይኩን አኬባ ንጽበ ወይ ንትምነ እታ ጽባሕ ምስ መጸት መሊስካ ንካልእ ጽባሕ ካልእ ትመኒት … በቃ ከምዚ እንዳበልና አብ አኬባን ሰሚናራትን ተሓጺርና ብናይ ቃላት ምጽንናዕን ተስፋን ነምቧህቅ አለና፡፡ አነ ሰሚናራትን አኬባን ጸሊኤ ወይ ንምንታይ ይግበር አይኮንኩን ዝብል ዘለኩ ግን ተግባር ዘይብሉ ኮይኑ በዚሑና ብልክዕ ንዘልል አለና ንዓልበሉ ቦታ ግን ክሳን ሕጂ አይፈለጥናን አለና፡፡ ስለዚ ድማ ተቆጺና ጠጠው ንብል አለና፡፡

ፍትሒ ንደለይቲ ለውጢ

ባቲሞ / ካርቱም

aseye.asena@gmail.com

Review overview
33 COMMENTS
  • hadnet April 18, 2014

    Excellent.

    • Suleiman Salim April 18, 2014

      ነዚ ኩሉ ኣንቢብካ ኣስተማቒርካዮ ማለት ድዩ? መልሲ እወንታዊ እንተ ኮይኑ እንታይ ደኣ እቲ ግብረ-መልስኻ ክንዲ ቁንጣሮ ጌርካዮ? ብተዛዋዋሪ ኩሉ ኣየንበብክዎን ዲኻ ክትብል ደሊኻ? ሓቅኻ ባቲሞ ኣብ ክንዲ ንእስ ዝበለ ጽሑፍ ወይ ከኣ ንውሕ ዝበለን ዝተኸፋፈለን ኣብ ክንዲ ዘቕርብ ሓንቲ ንእሽተይ መጽሓፍ ጽሒፉ።

  • THE ERITREAN NOAH April 18, 2014

    ዘሕንኽን ዕሸላውን ግጥሚ፣
    ከብዲ ድርቀት ሒዙኒ ዝገጠምክዎ ሃጠውቀጠው።
    እዚ ምስ ኣንበብኩለን ሰለስተ ኣዝማደይ ብቑምቡላ ስሒተናኒ፣
    ….ኣይተረድኤንን ይብል ኣነ።

    “ንለተንክኤል፣ ለተችኣል በሊጻታ”

    ደቂ ሓንቲ ማሕጸን__________ክፍጠራ ማንታ
    ሽመን ሓደ፣__ብስልጣኔአን ክብረት ዓለም ዝሸመታ
    ግን ብናይ ውሽጥን ደገን ጸላእቲ___ ስለ ዝተጸምዳ
    እታ ሓንቲ ________ብጨካናት ሃጸያት ተዓትዒታ
    ብድኽነትን ርግጸትን ጭቆናን ______ በሊዓ ድከታ
    እታ ኻልኤይቲ_______ ብሓይሊ ፋሽሽቲ ተጎቲታ
    ናብ ኣሎራ ተቐየረት ናብ ባንዳ ፣ናይ ጣልያን ሙታንታ
    ነታ ትኽ ትንፋሳ___________ ሓላይታ ሓውታ
    ስለ ዘይትበልዕ ____ግራስያኒ፣ ጉሓፍ ዝደርበዮ ባስታ
    ኩርማጅ ሙሶሊኒ ብዘይምኽባራ ________ንዓቐታ
    እዋን ሓሊፉ ___________ ጉንበት 91 ተወሊዳ
    ሰማይ ተቐይሩ__________ ተለወጠ ኣብ ባይታ
    ዘኢትነገር፣______ኣድጊስ ካብታ ሙማታስ ምጕታታ !!!

    ጉዳይ ሕንፍሽፍሽ ኮይኑ_________ እንተዳናገረ
    ንቕርብ ኢሉ _________ ብትዕግስቲ ዝመርመረ
    ካብ ሓንጎል ክሳዕ ሞያ _______ ሓደ ከም ዘይነበረ
    ናይዘን ክልተ ኣሓት ጠባይ___ ኔሩ ብጣዕሚ ዝፋላለ
    ጊዜ ሕሱም፣ ኣቃልዖ_________ኩነታት እናቦናቖረ።

    ወያ ሓንቲኤን ብዓልቲ ላዛ_____ሓንቲኤን ልሳና ዘይቅቡእ ዕረ
    እታ ሓንቲኤን በላሕ____________ እታ ሓንቲ ገልዒ ጥረ
    ሓንቲ ኤን ኩርዕቲ____ እታ ሓንትን ፈሽኳል ብቕለታ ትልለ
    እታ ሓንቲ ስዋኣ ምዉት ዘተስእ፣መሄነን፣ትኽሽን፣ብጠስሚ በርበረ
    እታ ሓንቲ ቦሶሮ ______ጸብሓ ብጭርቕ ፣ብሙሽሙሽ ኮሚደረ
    ሓንቲኤን ሓበና ንኽሳድ ቱርኪን ግብጽን ______ ብሴፍ ዝመተረ
    እታ ሓንቲ መንነት ኣልቦ፣ምዓኮራ ኩርማጅ ፋሽሽቲን ኣዕራብን ዘፍቀረ
    ሓንቲኤን ስትራተጂ ውግኣ ጎዳጕዲ ምኹዓት__ናይ ጥንቲ ነበረያ ነበረ
    እታ ሓንቲ ቆረጥኣ__________ መኻልፍን ድሙድሙን ዘባህረረ
    ለተችኣል ክትነብርያ___________________ ብስልጣኔ ማዕረ
    ለተንክ ኤል እሞ ምፍንጣሓ______________ ሕጂ ካብ ጀመረ
    ብቕድሚት ሻዕብያ_____________ ብድሕሪት በደዊን እናወገረ
    ዓመት እንተሓከመት________________ክግረምየ ኣስተንኪረ !!!

    • FitHawi April 19, 2014

      ናይ ኤርትራ ኖህ ኢልካ ንነብስኻ ትጽዉዕ ሰብ!
      ሓሳብካ ምግላጽ መሰልካ እዩ። ኤርትራዊ ኩን ኢትዮጵያዊ ሱዳናዊ ብዘየገድስ እዚ መድረኽ’ዚ ንኹሉ ክፉት ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ብመሰረት ጽሑፍካ ኩሎም ተዛረብቲ ትግርኛ(ኣብ ኤርትራ ዘለው ይኩኑ ኣብ ኢትዮጵያ)ኣሕዋት/ሓደ እዮም/ኔሮም ንምባል ኢዩ። ብእምነተይ ትኽኽል ኣሕዋት እዮም፣ እንተኾነ ታሪኽ ቀይሩዎ ተፈላልዮም፣ ኣብ 1890 ዓ/ም ክልተ ሃገራት ኮይኖም። ስለምንታይ፣ ብኸመይ፣ መን’ዩ ጠሊሙ፣ መን’ዩ በዳሊ፣ ወዘተ ዝብል ሰፊሕ ኣርእስቲ ስለዝኾነ ይጽነሓልና። እንተ እዛ ቅድሚ 24 ዓመት ሓዳርና ክንወጽእ ኢና ኢልና ዝገደፍናያ ኢትዮጵያ እንተኾንካ’ሞ ይትረፍ ንህዝቢ ኤርትራ ንኹሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ እሾኽ ዝነበረት፣ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፣ ምንቅስቓስ ሓርነት ህዝቢ ኦሮሞ፣ ምንቅስቓስ ሓርነት ኦጋዴን፣ ምንቅስቓስ ሓርነት ዓፋር፣ ወዘተ ዝብሉ ንምንጻል ዝቃለሱ ውድባት ዝተፈጠሩላ እያ ኔራ። ወያነ ሓርነት ትግራይ እንተኾነ’ውን ንክንጸል ዘኽእል ዝኾነ መገዲ ምስ ሰኣነ ኢዩ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ዕላምኡ ኣመሓይሹ ንምልእቲ ኢትዮጵያ ንምሓዝ ዝተጓየየ። ነታ ዝነበረቶ ስክፍታ ንምውሓስ ከኣ “መሰል ብሄራት ክሳብ ምንጻል” ትብል ዓንቀጽ ኣብ ቅዋም ናይታ ሃገር ኣእትዩላ። ዘዋጽኦ ፊሊጡ ከምኡ ምሕሳቡ ጽቡቕ ገበረ፣ ጉዳይና ከኣ ኣይኮነን፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝያዳ ከኣ ህዝቢ ትግራይ ክጥዕሞ፣ ኣብ ምዕባለ ክረግጽ ደስ ይብለና፣ ንሳቶም እውን ንህዝቢ ኤርትራ ከምኡ ክሓስብሉ ንጽበዮም። እቲ ኩነታት ከምኡ ስለዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ዝወሰዶ ካብ ኢትዮጵያ ናይ ምንጻል ውሳኔ ደስ ዘብልን ዘየጣዕስን ዓቢ ዓወት ምዃኑ ክስቆረካ ይግባእ። እቲ ውሳኔ ቅኑዕ ከምዝኾነ ይትረፍዶ ህዝቢ ኤርትራ ህዝባዊ ሓርነት ትግራይ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን እንተኾነ ንኹልና ዘዋጽእ ስለዝኾነ ንሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣሚኑሉ ደጊፉዎ፣ ተቐቢሉ ኣኽቢሩዎ። ዝምስገን ውሳኔ ኢዩ።

      ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ኢትዮጵያ ምዕባለ ህርፋን ሓዲሩዎ ብምፍላዩ ጣዕሳ ከምዝገብር ጽልዋ ንምሕዳር ዝሓለነ ጽሑፍ ንምቕራብ እንተኾይኑ ዕላማኻ፣ ድኸም ኢሉካ። ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጣዕሳ ከምዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ንኽፍጠር ምድህላሉ ጥራይ ኢዩ።

      ይንዋሕ ይሕጸር ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ዘለዎ ኩነታት ቀይሩ ኣብ ሰላም ምስረገጸ ብምዕባለ ካብ ጎረባብቱ ከምዘይሰንፍ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ዕድመ እንተሂቡና ብግብሪ ክንርእዮ ኢና።

      ሓላዪ መሲልካ ንህዝቢ ኤርትራ ክተቆናጽብ፣ ክትጸርፍ፣ ሕሉፍ ሓሊፍካ ብዕሉግ ዝኾነ ቃላት ክትጥቀም ጀሚርካ ኣለኻ። ነውራም ዝኾነ ቃላት ዝጥቀም ሰብ ሓላዪ ናይ ዝኾነ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ከምዚ ከማኻ ዝመሰሉ ጽያፍ ዘረባ ዝዛረቡ ሰባት ንዝኾነ ኣካል ክውክሉ ስለዘይክእሉ፣ ንስኻ ስለዝባዕለግካ ሕነ ንምፍዳይ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ንህዝቢ ትግራይ ምትንካፍ ደድሕሪ በዓለገ ምብዕላግ ስለዝኾነ ጸላኢና ይውዓሎ። እንተኾነ ግን ኣደብ ግዛእ። ኤርትራዊ ኩን ኢትዮጵያዊ ብዘየገድስ ኣደብ ግዛእ። ካብ ብዕሉግ ቃላት ዝተሓወሶ ጽሑፍ/ርእይቶ ዝርከብ ትምህርቲ ክህሉ ኣይክኣልን እዩ’ሞ፣ ኣሰናዳእቲ ኣሰና ነዚ ከምዚ ዝመሰለ ጽሑፋት ቅድሚ ምውጽኡ ክትቆጻጸሩዎ፣ እንተዘይተካእለ ከኣ ከምዝወጸ ምስረኣኹሞ ብቅልጡፍ ክትኣልዩዎ እምሕጸነኩም።
      ወድሓንኩም

      • THE ERITREAN NOAH April 19, 2014

        FitHawi

        ንስኻ ርእይቶ ኣለካ፣ኣነ ድማ ኣለኒ፣ኣይሕዘልካን እየ__ምኽንያቱ ኣብ መገዲ ክሓርእ ዘይሓፈረ__ኣብ መገዲ ኣይብላዕን እዩ ዝብል ባህሊ ስለ ዝመጻእና፣እቲ ብዕልግና ትብሎ ዘለኻ፣ ክዝረቦ ከሎ ኣይኮነን ብዕልግና ፣እንታይ ድኣ እንዳተገብረ ከሎ ሱቕ ኢልና ንርኢ እዩ ዓቢ ብዕልግና።ስለዚ ብዓለገ ከምዚ ከማይ ዘይኮነ፣ነቶም ዝሓልዩልናን ካብ **ሖ በደዊን ዝሕልዉና ዝነበሩን ጭቆና ኢሉ ጸዊዑ፣ነቶም ንኣዋልድና ኣብ ድፋዕ እናዓመጹ ንኣወዳትና ናይ በደዊን ኮይኖም ክሽየጡ ሱቕ ኢሎም ዝርእዩ ብዓለገታትይ ደቂ ንሰበይቲ ዘምጽእዎ ባርነት ድማ ነጻነት ዝብል ርእሲ ደርሆ እዩ።ሓሙሽተ ሰባት ተሪፎም ሓሙሽተ ሚልዮን ኣገናዕ እንተበሉኻ ርእይቶይ ካብ ምሃብ ድምብርጽ ኣይብለንን እዩ።
        ነዚ ኣነ ዝጽሕፎ ኣሰቃቒ ጽሑፍ እናንበበት፣ኣብ ክንዲ ናይ ደቀንስትዮ ምዕማጽ ኣጕህይዋ ንዓለም ኡይ ትብል ን ኢሳያስ ክትጻርወፍ ትውዕል ነውራም እያ ብዓለገ።ምግባር ከም ብዕልግንቃ ተቖጺሩ ወዲ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ኣብ ዓውደ ውግእ እናእተዉ ኣሕሪዶም ነጻነት ኣምጺእና ዝብሉ ነውራማት ሸፋቱ ግን ከም ተጋደልቲ ክትቆጽሮምን ነዚ ኣምሲሑ ዘየድርር ነጻነት፣ነጻነት ኢልካ ክትጽውዖ ከለኻ ንስኻ ኢኻ ብዓለገ ወዲ በዓለገታት።እወ ኣወዳት ኤርትራ ብበደዊብን ይግበሩ ኣለዉ፣ንዓይ የሕርረረኒ ንስኻ ግን ብዓለገ ወዲ ብዓለገታት ስለ ዝኾንካ ፣ክት ሰምዖ ከለኻ እዩ ብዕልግና።ብዕልግና ኣሽሓት ሂወታት ንሓንቲ ሳዕሪ ዘይተብልዕ ኤርትራ ኣዋልድ ካብ ንእዲ ኣውሪድካ መዝሓል ውትራን ክትገብረን ከለኻ እዩ ብዕልግና።ኣነስ ሓላዪ እየ ኡይ ይብል ኣለኹ።ፈሽኳል ህዝቢ ን ኣሽቱ ደቁ ንማሕረዲ ክኸዱ ከለዉ ዕልል ኢሉ ንዘፋኑ ብዓለገ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ኣብ ክንዲ ደቁ ኮይነ ክጸርፎ እየ።ወስላታ ህዝቢ።
        መንነተይ ክትፈልጦ ድማ ምሕረቱ ሃብተ ጳውሎስ ይብሃል ወዲ ገሽናሽም። ብልዝብ ዝመጸ ይኹን ብዝደለዮ ኣይሓምቕን።ኣንታ ዘይብዓለገ ሓውና ኡይ እንዶ በለሎም ነዞም በደዊን መቐመጭ ኦም ዘግፍሖ ዘሎ ደቅና።ጅግና ተጋዳላይ ዝብል ደርፊ ምስ ሰማዕካ።

      • THE ERITREAN NOAH April 19, 2014

        እንተኾነ ግን ኣደብ ግዛእ !!!ዶ ኢልካኒ
        ኣደብ ግዛእ ኣይትበለኒ፣ ወስላታ ኣደብ እንተዘትገዛእኩኸ፣ማንም ናይ እንዳ ኣደይ ጉሕጭዓ ሓላው ዓውዲ ዝነበረ ኣይ ትግራዋይ ኣይ ህዝበ ትግርኛ ኣየጠንቅቐንንዩ ኣነ።

      • Asghedom Woldeghiorghis April 19, 2014

        Fithawi, he is explaying thd eritrean tempet, He is not insulying. He is saying about eritreans feeling. It is true eritreans are proud to be colonised by Italians and proud yo eat spagetti, while thier brothers of ethiopia sprscially the Tjgrians a poor and ignorants accorfing the eritreans. For me he is explaying in which kind of cultural mess eritreans are heading. We are seeing every day most eritreans writeing in eritrean websites. Themselves they belive they are civilized because they have been colonized and those who fought the colonialism are ignorant and stupied.Look Fithawi we don’t know some times what we say and what we write. The Tigrians fought againest Arabs, ottoman impire, italians etc. WE CAN SEE KNOW UNDERESTIMATED BY THOSE WHO HAS BEEN COLONISED AND ACCEPT THE COLONIALISM AS POSETIVE NOT NEGATIVE.
        It is true , so we have not to complain when the truth said, and don’t about nationality of this person , he is writing in perfect Tigrigna like you. Actually we are seeing eritreans who say the truth called Agame and eritreans who hide the truth called true Eritreans.
        Actually eritreans started to understand the haterage between rritreans and Ethiopians is fabbricated, it is not true as some people want to present the Tigrians are not our brothers, and very very weak prople. They have never been if we read thier history. It is not easy to adminstrate 90,000, 000 people

        • Gideon April 20, 2014

          “Actually we are seeing Eritreans who say the truth called Agame and Eritreans who hide the truth called true Eritreans”
          Asghedom Woldeghiorghis

          Very well said Ato Asghedom Woldeghiorghis. Great observation on your part brother.
          If one has no pride in his/her own, then he/she is worthless in somebody’s costume
          or makeups. “nSenay hilna zeyteAdele hilna….nKfat(evil) mezena yeblun” indeed.

  • THE ERITREAN NOAH April 18, 2014

    I QUOTE …. A.T. Kearney,Global Cities Index (GCI)…….

    “Global Cities, Present and Future 2014 Global Cities Index and Emerging Cities Outlook ”

    At A.T. Kearney, our Global Cities Index (GCI) examines a comprehensive list of 84 cities on every continent, measuring how globally engaged they are across 26 metrics in five dimen­sions: business activity, human capital, information exchange, cultural experience, and political engagement (see Appendix: Global Cities Index Methodology). Since we began the GCI in 2008, we’ve continually refreshed our metrics to reflect emerging trends, analyzed how cities evolve along each of them, and developed insights about how a city can become more global. Moreover, our companion Emerging Cities Outlook (ECO) builds on those insights and comple­ments the GCI. Just as the GCI tracks major cities’ actual performance, the ECO measures their potential to become even more global in the future. Specifically, the ECO examines the likelihood that 34 cities in low- and middle-income countries will improve their future global positioning, based on how quickly they’ve been catching up with the top performers on a number of leading human capital, business activity, and innovation indicators. –
    EMERGING CITIES OUTLOOK 2014
    1)jakarta
    2)manila
    3)ADDIS ABEBA
    4)sao paolo
    5)new delhi
    6)rio di janero
    7)bogota
    8)mumbai
    9)nairobi
    10)kuala lampur
    11)banglore
    12)beijing
    13)johanesberg
    14)kalkota)
    15)istambul
    16)capetown
    17)kelcha
    18)tunis
    19)dakha
    20)caracas…….END OF QUOTATION

    ወያነ፣
    ስነስርዓት ዘይብሎም ደፋራት ምዃንኩም የመልክት።ካብ ድሕሪት መጺእካ ፣ሪጋኻ ጥሓሒስካ ቀዳማይን ካልኣይን ሙዃን !!!እንታይ ገበረትኩም፣ትሕትና ዘለዋ ፣ንሰለስተ ሽሕ ዓመት ፈሲ ዘይሰርሔት ሃገር፣ሓንቲ ልዕሊ ሃገራ ትርኤ ደረቕ ገታር ሃገር ምግባርኩም ዕሸላውን ዘሕንኽን እዩ።
    ንሕና ኤርትራውያን ኩሩዓት ስለ ዝኾንና ፕላን ከተማታትና ይኹን ካቴድራላትና ባዕልና ፕላን ኣየውጻእናሉ፣እወ ባባ ጣልያን ካልቾን ናይ ጉሓፍ ሳርዲንን እንዳሃበ ኣስሪሑና።ግን ንሕና እምኒ ምስ እምኒ ምልጋብ እንተዘይኮይኑ ሚሊን ኣይገበርናን።ንሕና ዓቕምና ንፈልጥን ትሕትና ዘለናን ህዝቢ ኢና።ድሕሪ ሰብ እምበር ቅድሚ ሰብ ኣይንኸይድን ኢና።
    ኤደድ ፣ከምዚ ንርእየኩም ዘለና ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ንብዓል ኣሜሪካ ከም ትቃራረብወን እዩ።ከምዚ እንተኾይኑ ኣፍሪቃና ገዲፍኩም ውጹ ዓድኹም ሒዝኩም።

    __ምዕባለን ሃጺጽካ ህዝቢ ምስልጣንን ናይ ወያነ ስለ ዝኾነ ኣጥቢቕና ንቃወሞ !!!
    ___ኤርትራ ከም ሕማቕን ዘይትረብሕን ንምምሳል ናይ ቅድሚ ሕጂ ጣፍን ቡንን ጠስምን ዝኸልኡና ኢትዮጵያውያን ስሱዓት ስለ ዝኾኑ ብቓልስና ተወገዝቲ እዮም !!!
    ___ፋሕፋሕን ጥሜትን ሒዝና ንቕድሚት ክንከይድ ኢና (ብሱዳን ይኹን ብሊብያ) !!!!ንቕድሚት!!!
    ፎእ YOUR FACES GO FAR ትብል ኣሞይ ጽርሃ።ገጽኩም ትርሓቕ ማለታ እዩ።

  • ambabi April 18, 2014

    well we need to realize that Eritrea is actually getting weaker and weaker every day thanks to the current dictator. The dictator is happy to see Eritreans disintegrate and see Asmara destroyed and both are well underway. What is the problem if the weyane or others see happy about it. It the fact the dictator is doing weyanes job and they are enjoying the show. Self-reliance is not going to happen while your own human resources are depleting. MOTT N PRESIDENT ISSAYAS BZKELTEFE

  • THE ERITREAN NOAH April 18, 2014

    ክቡር ጽሓፊ
    ሰብ ናቱ ኣይተጥፍኣሉን እንዲኻ ተጋደልትና ድማ እቲ ጅግንነት ፈጺሞሞ እዮም።ብሕልፊ እቲ ዘድንቖ ጅግንነቶም ከም ROBOTS ዝተባህልዎ ከይሓተቱ ፣መርዑት ካብ ናይ ሕጽኖት ንእደን ኣውሪድካ መዝሓል ውትራኖም ብምግባር ይኹን፣ጭወይዎ ንዝተባህሉ ገባር እናጨወዩ፣ብድሙ ድሙ እናተዛናግዑ ምስ ዝተፋላለያ ሰውራውያን ህያብ እናደቀሱ ካብ ዝተፋላለያ ደቀንስትዮ ዝተፋላለዩ ቆልዑ ን ኢሳያስ ወሊዶሙሉ ምእታዎም ዘምጽ ኡልና ጸጋን እቲ ንስኻ ዝበልካዮ ጅግንነቶም ብሓቂ ዘድንቖ ድማ ኢትዪኦጵያዊ ሓይሊ ዝኾነ ወያነ ብምእታው ነታ ኣስላመይቲ ጀብሃ ቀቲሎም ከይ ኣክልሲ ፣ነቲ ሬስኦም ውን ንሬሳ ደቂ ሓሊማ ኣዳግሞ እናበሉ ኣብ ሞንጎ ክርስትያንን ኣስላምን ዝፈጠርዎ ስኒት ክሳዕ ሕጂ ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ኣይደልን።ሕቶ ዘይሓቱ ማርሞታት ብምንባሮም ድማ ነቲ ቃልሲ ጠቒምዎ፣።ካብ ኩሉ ዘድንቖም ድማ ብተስዓን ኣርባዕተን ቆራያት ተጋደልቲ መልክዕ ኣስመራ ከባላሽዉ ካብ ማይ ሃባር ክኣትዉ ከለዉ ረሽሪሾም ምትራፎም ብጣዕሚ ዘሕብን እዩ። ነቶም ሓማሴንን ሰራየን ዝኾንና ድማ በቶም ኣዝማድና ባዶ ሰለስተ ጌሮም ብድሕሪ እዞም ኣካለ ስንኩላን ኮይኖም ኣከለጉዛይ መንካዓት ብጠበንጃ ከም ዝተኮሱን ዘጋገይዎምን ተነጊሩና።ኣነ ዘይረብሕ ስለ ዝኾንኩ ኣይ ኣመንኩን እምበር ብዙሓት እንዳ ኣቦይን ኣደይን ኣሚኖሞ።ናይዞም ተጋደልቲ መንፍዓት ኣይውዳእን እዩ።ሕጂ ኣብ ድፋዕ ኮይኖም ነትወን ኣዋልድ ደቅና መታን ናይ ሴክስ ስምዒት በዚሑ ከየሸግረን ብሓይሊ ኢደን ጓዕጺጾም ይገብርወን ኣለዉ።ተጋደልትና ለዋጢን ስለ ዘይኮኑ ግን ነቲኦም ኣወዳት ግን ናብ በደዊን ኣዕራብ ይሸጥዎም ወይ ክሽየጡ ኸለዉ ሱቕ ኢሎም ይርእይዎም።ናይዞም ተጋደልቲ ጅግንነት ኣነ ጸብጺበ ኵውድኦ ኣይክእልን እየ።
    ካብ ኩሉ እቲ ዕላም ኦም እዩ ደስ ዝብለኒ ኣነ ።መዝሙር ከንሻ ብስቓይ ናብ ክብረት እዩ ይብል፣ተጋደልትና ግን ካብ ክብረት ናብ ስቓይ ይወስዱና።
    እቲ ጭቆና ናይ ሃይለስላሰ (ጃንሆይ) ብገንዘቡ እንዳምሃረ ን ኤርትራውያን ጥራይ ፖኬት ማኒ እናሃበ ኣቃባጢሩ ዘባላሸወና፣
    እቲ መንግስቱ ፣ትግራይ ፈሲ ኣይተውጽእን እያ ጥምይቲ ኢሉ ን ኤርትራዊ ግን ካብ ኣዕራብን **ሖ በደዊንን ከድሕነና ኢሉ ብኣየር እናምጽኤ ዝቕልበና ዝነበረ ጭካኔታቶም ኣይንርስዖን ኢና።ብሕልፊ ወያነ ካብ ሃገሮም እናሰረቑ ጣፍን ቡንን ጠስምን ተዋጋእቲ ጄታት እናሕለፉ ዝ ሃቡና ደስ ኣይበለናን ንሕና ኤርትራውያን ባዕልና ንሰርቆ እምበር ካልእ ሰሪቑ ዝ ህበና ኣይንደልን ኢና።በዚ ሓሪቕና ቆልዑ መቐለ ደብዲብና።እዚ ንኽኸውን ድማ ካብ ትሕቲ ዓራት እናውጽኡ ደቅናን ንኣሽቱ ኣሕዋትናን ንማሕረዲ ባድመ ዝሰደዱ እዞም ጀጋኑ ተጋደልትና እዮም።ዝገበሩልና ጻማ ኣይንርስዖን ኢና።ሕጂ ድማ ዋላ እቶም ኢትዮጵያ መዓስከር ላጅን ዘለዉ ደቅና ከይከቱ ብሱዳን ብሊብያ ጌሮም፣ ናብ ወጻኢ እንትመጹ ውን፣ኣብዚ ምስ መጹ ግን ወዲ ቫካሮ ሰሚዖም ኽከቱ ከም ዝኸዱ ንኣምን ኢና።ድሮኳ ድሕሪ ኣዋርሕ መንቃሕቲ ወዲ ቫካሮ ክልተ ሰብን ፈረቓን ክኸቱ መዲቦም ኣለዉ ፣ብ ኢትዮጵያ ድዮም ዝኸቱ ብዩጎዝላቭያ ዝፈልጥዎ የብሎምን ፣ግን ዝድለ ምኽታት እዩ ክኸቱ እዮም።ሓደ ን ወያነ ካብ ባድመ ከልቅቖም እዩ።0እቲ ሓደ ድማ ንወትሃደራት መንግስቲ ኤርትራ ።
    ስለዚ ሓውና ጽሓፊ እዞም ጀጋኑ ተጋደልትናን መስተውዓሊ ህዝብናን ሒዝና ኣበይ ከም ንኣቱ ገምቶ።

    እምባሕ ጥራይ ንበል

    • Gideon April 19, 2014

      Kubur THE ERITREAN NOAH(Uncle Mehretu),
      Thank you for all the laughs you keep giving us. All eloquently written.
      May wisdom continue to shine on you and keep on writing dear uncle M.H.P.
      Once again, all your input is highly appreciated and God bless you uncle.

      • THE ERITREAN NOAH April 19, 2014

        መስተውዓሊ ጊደዎን ወዲ ሓወይ፣

        ኣየጉህየካንዶ እዚ ናይ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ከይ ኣክልሲ ኤርትራዊ ሰብ ኣይ ተጎምቢሑ ክዕመጽ ከሎ።እዚ ወስላታ ዝኾነ ህዝቢ ግን ምትኳስ ዘይተላመዱ ወት ሃደራት ኦሮሞ ቀቲሉ ናደው ይመስክር ኢሉ ሂወት ክቡራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከጥፍእ ከሎ ከም ጅግንነት ቆጺርዎ ክምክሓሉ ከሎ። እቲ ሕቶ ኤርትራ ዶ ኢትዮጵያ ኣይኮነን።ወዲ ሓወይ ኣነ ናይ ማፕ ፍቕሪ የብለይን።ዋላ ዓዲተከሌዛን ሬፈረንደም ጌራ ናይ ባዕላ ሃገር ትፍጠር እቲ ህዝቢ ዓዲ ተከሌዛን ሓወይ እዩ ።ከምቲ ዓጋመታይ ዓድወታይ ወዲ ሽዋን ጎምጎፋን ሓወይን ናይ ታሪኽ መኻፍልተይን ስለ ዝኾነ።ነዞም ነገር ከም ቁማል ዝቖምሉ መታን ጌግቃ ናይ ሰብ ክረኽቡ፣ንመቐመጫ ኤርትራውያን ዥፍጸም ዘሎ ግፍዒ ዘይዓጀቦም ክጽሓፍ ከሎ ብዕልግና ይብንልዎ። ጊደዎን ወዲ ሓፍተይ ፣ኣነ እቲ ብባህልናን ጽያፍ ዝኾነ ሰብ ኣይ ተጎምቢሑ ክብል ደስ ይብለኒ ዶ ይመስለካ።ብሕርቃን ደመይ ከም ዝፈልሕ ንዓኻ ዝንገር ኣይኮነን።ኣብዚ ግን ካብ ርእሶም ዝገዝፍ ሃምበርገር እናበልዑ ነቲ ብዕልግና ትሕቲ ታፔቶ ሕብ ኣዮ ዝብሉኒ ኣነ ብታሪኽ ክሕተት ኣይደልን እየ።

        ዝፈትወካ ሓወቦኻ ምሕረቱ ሃብተ

  • AyteAbrha April 19, 2014

    ባቲም፣
    ዝነኣድ ጽሑፍ፣ ፍልስፍና ኢዩ። እንታይ እሞ ኪኸዉን እዞም ሰባት ዝሰምዕ እዝኒ ከለዎም ጸሚሞም፣ ርእያ የኣንቲ ከለዋኦም ብስምዒት ዔሮም። ከምዚ ብዘመን ዉበ ዝጸመመስ ዝባን ዉበ ኪብል ነበር ዝተበሃለ ከምኡ ኢና ንርኢ ዘለኦና ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኤርትራ።

    ነፍሰ ወከፍና ሃገርና ኣንታይ ክሳብ ትኸዉን ኢና ንጽበ ዘሎና? እዋናዊ መልሲ ዘድልዮ ሕቶ ኢዩ ስለዝስ ኣሕዋት ሃደራኩም ንስለ እዛ ብድልቲ ሃገርናን ህዝብናን ንሕሰብ።

  • solomon April 19, 2014

    ከም ልሙድ ብዙሕ መልሲ ክነብብ ተሰቢየ፣ ኣንተኮነ ግን ሓቂ ስለዝተሳሕፈ ዝምልስ ሰብ ኣይተረከበን። የቀንየልና ጸሓፋይ ስለቲ ግሉጽን ብሩህን ጽሑፍኻ። ካብዚ ወሲከ ዝብልካ የለን። ሕቂ ኣይቲሲገርን ኢያ ኣነን ከማይን ዉሕጥንያ ኣሎና።

    • THE ERITREAN NOAH April 19, 2014

      Solomon ,

      You are indeed on the spot. I hope you are Eritrean ,so that the wise Eritreans could be 5 ,apart from me.

      Bravo Solomon

  • THE ERITREAN NOAH April 19, 2014

    ኪዱ ኣምጽእዎ___ነዚ ሕያዋይ ሰብኣይ
    ህዝብና ክጸግብ ሽፍታ ክብል ዋይ ዋይ !!!

    ኪዱ ንዝምባብዌ_____ ስሒብኩም ኣምጽኡለይ
    ውሽማ በደዊን ከይከውን ______ዝተቓለሰለይ
    ኣስመራ ተኸቢባ __ብኣየር እኽለ ማይ ዘዕለበለይ
    ግን ፈሽኳል ባርያ ስለ ዝኾንኩ,ክብረት ዘይብለይ
    ግን ኣነ ኸዳዕ,ሸፋቱ ዓዲመ፣ጠለምክዎ ከም ኣመለይ !!!!!

    መላእ ኢትዮጵያ________ ብቀይሽብር ዓትዒቱ
    ኣምሓራን ኦሮሞን______ ከካብ ሰፈሮም ገጓቲቱ
    ከም ገንሸል ሐሪዱ ክበልዖም፣__ብኣብዮት ፈትፊቱ
    ንኤርትራውያን ግን _______ስለ ዘኽብር ዝፈቱ
    ካብ ወንበዴታት ከድሕነና_____ ክንደይ ተማዊቱ
    ኣቃባጠረልና _________መሲልዎ፣ክብረት ንፈቱ
    ኣምጽኡለይ ጫምኡ ክሳለም ሕያዋይ ጓድ መንግስቱ !!!!!

    ጣፍ ዝ ህቡኒ ሰጒጐስ፣___ ወዲ ዓከር ዘሕድጉኒ
    ቡን ዘስትዩኒ ነጺገስ_፣ንሓሙሽተ ስድራ ሓንቲ ባኒ
    ንዑቕ ወራዳ ምዃነይ______ ዕድመ ንሙሶሊኒ
    ኣይገደፍኩዋን ገና___ እታ ብኹርማጅ ዝምሃረኒ
    እነዉ ሻዕብያን በደዊንን ተማሳጢሮም ይወ**ኒ (ወርዝየዶ ኮኾባት ምግባረይ)
    ኣመስግኑለይ ንወያነ “ጨለ” ነጻነት ፈሪሞም ዝሃቡኒ !!!!!

    ጁባይን ድሕረይን ____________ኮይንዎ ተበሊሉ
    ሻዕብያን በደዊንን________ ብድፍረት ሓምብሾምሉ
    ኣቶ ኣይትበሉኒ፣ንውሽማ ኣዕራብ ወይዘሮ እዩ ዘጥዕመሉ
    ኣደይ ኣቢሲንያ ________እንታይ ኮን ትብል ት ህሉ፧
    ራእሲ ኣሉላ እንድዩ ወራሪ ፣ ግራስያኒ ግን ሃገራዊ ተባሂሉ
    ክብረተ ቢስ ሓተላ ታሪኽ እየ___ገጸይ ትፍኡሉ ድጕሑሉ
    ዘርኣይ ደረስን ባህታ ሰገነይትን_ ካብ ሞትኩም ከይትልዓሉ
    ብሕፍረት ናተይ ወድኹም______ መሊስኩም ከይትቐሉ
    ሃገርሲ ንቑልቁላ እያ_______እቲ ህዝቢ እሞ እንድዕሉ !!!!!

    • Asghedom Woldeghiorghis April 19, 2014

      Fithawi, he is explaying the eritrean tempr. He is not insulting. He is saying about eritreans feeling. It is true eritreans are proud to be colonised by Italians and proud to eat spagetti, while thier brothers of ethiopia spescially the Tjgrians a poor and ignorants according the eritreans. For me he is explaying in which kind of cultural mess eritreans are heading. We are seeing every day most eritreans writeing in eritrean websites. Themselves they belive they are civilized because they have been colonized and those who fought the colonialism are ignorant and stupied.Look Fithawi we don’t know some times what we say and what we write. The Tigrians fought againest Arabs, ottoman impire, italians etc. WE CAN SEE KNOW UNDERESTIMATED BY THOSE WHO HAS BEEN COLONISED AND ACCEPT THE COLONIALISM AS POSETIVE NOT NEGATIVE.
      It is true , so we have not to complain when the truth said, and don’t dougt the nationality of this person , he is writing in perfect Tigrigna like you. Actually we are seeing eritreans who say the truth called Agame and eritreans who hide the truth called true Eritreans.
      Since we hide the truth , the people is caming up and start to understand his cultuer

      Actually eritreans started to understand the haterage between Eritreans and Ethiopians is fabbricated, it is not true as some people want to present the Tigrians are not our brothers, and very very weak people. They have never been so, if we read thier history. It is not easy to adminstrate 90,000, 000 people.
      Eritreans should proud to be Tigrian brothers, in mylife time I have never heard tigrians insult eritreans , instead they are proud to be our brothers.
      ther are Eritreans , who likes these haterage and they afabricating evrry day thanks to the wisdom of eritrean peole they are failing, and they will fail sgain, you don’t see Aboy Kelta

      • regret April 20, 2014

        Extremely respected Asghedom Woldeghiorghis,

        Don’t you like it when people try more Catholic than the pope. Amanuel Iyasu must be crinching with hurt when he reads my comments ,because he was with EPLF ,but ,you know what ?I have the atmiost respect for this man. He knew he was dupped by bandit Leadership & decided to be on the side of the people.
        Of course there is a huge ideological difference between me & Amanuel. Whereas he thinks the struggle was for a noble cause ;I strongly believe we were Egypt’ s condoms & relatively speaking we were not only the Joseph of Ethiopia ..Ethiopia being Jacob..BUT there was no more Abyssinian than Eritreans.

        Spread the truthFellow truth teller

    • Gideon April 19, 2014

      Kuburn Ftuwun THE ERITREAN NOAH(Uncle M.Habte),
      Comrade Menghestu would truly have been proud of his loyal comrade Mehretu the great.
      As you rightly stated during Derg’s era, at least basic food and services were available
      to feed the children as well as to serve the public. It is incredibly sad to compare two
      dictators time and choose one from the other. It is also sad where human trafficking victims
      are cursing the day they were born. The question is was independence meant to be sustained by
      commercializing human organs in the Arab commodity exchange market? Or do all Eritreans have
      to be sacrificial lamb to the political & economical failure of DIA? As usual uncle Mehretu,
      ignore some of the damaged/blocked for life individuals as they continue to live in the
      Singaporean fantasy world. Keep serving the truth like “the ERI-TV”!!!!!!!!!

      • regret April 20, 2014

        My TEN account is being blocked,Nephew ,I had to improvise this one ,If you do not here from me, it is because I am blocked.
        thanks Wedi Hawey

      • regret April 20, 2014

        Kibur Wedi Hawey,

        ዕድመ ነዚ ቃላትና ልዙብ ይኹን ናይ ጓሶት ናይ ሓባር ዕድል ሂቡ ሓቀኛ ዴሞክራሲ ዘርእየና ዘሎ ሓው ኣማኑኤል ኢያሱ ፣እቲ ጽሑፈይ ንዕኡ ከሕምሞ ምተገብኤ፣ ግን ንሱ ካብቲ ሓመድ ዝደቀሰሉን ዝተዋደቐሉን ዕላማ ፣ሓደ ድኹም ኤርትራዊ ዜጋ ከም ዝኸብር ተረዲኢኡ ዋላ ከምዚ ናተይ ካብ ሕርቃን ተላዒሉ ስድነት ይጽሓፍ ይጻወሮ ኣሎ።ማንም ኣውደልዳሊ ናይ ቀበሌ ሓላው ባኒ ዝነበረ ኣብዚ መጺ ኡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሓሊ ኪመስል ክኣ ኣየፍቅደሉን እየ ።ኣነ ድማ ኣንኳይ ናይ ሓደ ድፍእ እንተ ኣበልካዮ ትግራይ ዝኣቱ ሕሉፍ ኤርትራዊ፣ ነቶም ኣብ ኤድመንተን ካናዳ ተሓባቢሮም ከም ህበይ ኣውራጃ ዝ ሃጀሙኒ ሓለውቲ ዓውዲ እውን ድምብርጽ ኣየበለንን።
        ሓሶት ክዛረቡን ኣሜሪካ ኮፍ ኢሎም ኢሳያስ እንተ ጸል ኡ ሃገራውያን ዝመስሎም ፣ኣብ ገድሊ ሰለስተ ወርሒ ተቓሊሶም ተሰከምቲ በራድ ሓይሊ ዝነበሩ ወስላታት ንዓይ ንሓወቦኻ ምሓሪ ኣየሸንፉንን።ኣነ እኮ መረታ ሰበነን ድምበዛንንዘጠቓለለ ፣በዲ ኡ ብጣፍ ናይ ጉሕጫ ጥፍጣፈይ ከይተረፈ ጻዕዳ ጣፍ እዩ። በቲ ናይ ዓባየ ካብ ማይቅኔጣል ምምጽ ኣ ድማ ሓሙሽተ እንግሊዛውያን ፣ሰለስተ ይሁዳውያንን፣ክልተ ደቂ ዓድዋን ተ ኣኪቦም ከም ናተይ ብልሓት ኣይህልዎምን እዩ።ማንም ድምብርጽ ኣየብለንን እዩ። ዓጋመ ኔረ እንተዝኸውን እንዳ ዓለቦይ ብኮምፕዩተርን ዩኒቨርሲታትን ክመልእ ምውዓልኩ ኣብ ክንዲ እንዳሓደሩ ዝዕሽዉ ኤርትራውያን ምውዓል።
        ወዲ ሓወይ ዓጋመ እንተበሉኒ__እወ ሓማሴናይ ዓጋመ፣መንካዕ እንተበሉኒ መረታ ሰበነ ፣ኮማንዲስ እንተበ፫ሉኒ እወ ድምበዛናይ ፣ናግራም ጠበ፬ቓ እንተበሉኒ___እማኖም ጉሕጭዓታይ።ሕጂ ድማ ሱዳናዊ እንተበሉኒ ዋጋን ዕላማን ስለ ዘይብሎም እዮም።ንምንታይ ቃልሲ ኤርትራ ከም ዘድሊ እውን ክገልጹ ኣይክእሉን እዮም፣ኣነ ሓወቦኻ ፣ምስቲ ድሩት ዓቕመይ ንምንታይ ኮንዶም ናይ ግትብጺ ክንከውን ከም ዘይነበረና ይገልጾ ፣ግን መፍትሒ ድማ የምጽእ፣እቲ ቈዳማይ ዕላማይ ድማ ናይ ኤርትራውያን ባዶ ትምክሕቲ ሰቢረ ትሑትን ሓቀኛን ትምህርቲ ምምላእ እዩ።ኣባም ሰው ሆኑና ሻዕብያ ገደላቸው ይብሉ ኣምሓሩ ደቅና ይቕሬታ ጸላእትና ዝብል ኣፍ እዩ።ኣብ ኤርትራዊ ስነ ሓሳብ እ ቲ ዝሓልየልካ እዩ ጸላኢኻ እቲ ዝረ*በካ ድማ ኣኽ ዋንካ።

        ጥዕና ጥራይ ወዲ ሓወይ ካል ኦት ሰለስተ ኣርባዕተ ዝኾኑ ደቀመዛሙርቲ ድማ ኣፍርየ።
        ዓሻ ድምበዛናይ ልቡ ከም ሃገሩ እንድዩ ወዲ ሓወይ

    • Teclay April 20, 2014

      Eritrean Noah
      It is really interesting and educational
      keep on

      • regret April 20, 2014

        Highly appreciated Respected Teclay,

        I want you to do the same ,educate & free young people’s mind.
        The first thing that needs to be free is the brain.
        When 2000 years ago Jesus came & said that he has been sent by God to free the Jews ,he was talking ..about freeing them from their toxic thinking.
        In my extremely limited I do that to the 5 young people that listen to me.

        thanks Teclay

  • Awet Nihafash April 19, 2014

    THE ERITREAN NOAH
    kulu zitsehafkayo anbibeyo… entay emo kibl kulu eti ab libey zinebere biwhlul kalatn bidfretn tsihfkayo,, GOD BLESS YOU… please aytekuartso, nihaki filtewa nihaki tezarebwa eta haki dima hara ketwtsAkum eya yibl metshaf, eti ziteraEyeka haki bimglatsKA bizuh fetyeka.. shimka bimtshafka dima bizuh akbirekan adnikekan,,, ab kalE tsuhufat mehari comment kit-tshf kitsbeyeka eye…. DELAYI FITHI HAWKA

    • THE ERITREAN NOAH April 19, 2014

      Kibur Awet Nihafash

      እቲ ኩሉ ዝጽሕፎ ሓሶት ኮይኑ፣እዚ ዓሻ ህዝቢ ምስ ደቁ ዝብሎ ዘሎ ሓቂ እንተዝኸውን ፣ከም ቡዳ ፣መጥሓን ተሰኪመ ይቕሬታ ምሓተትኩ ጥራይ ዘይኮነስ ብምግጋየይ ምትሓጎስኩ፣ክቡር ዓወት ንሓፋሽ ልቢ ንግበር ።ሓሙሽተ ሚልዮን ሓሶት እንተ ኣመኑ ፣ልክዕ ሓሶት እምበር ሓቂ ኣይገብሮን እዩ።

  • Teclay April 20, 2014

    Assena

    Assena pls don`t post a garbage like this.The title is good,it is worth discussing but its continents garbage.

    my 2nd observation this “ብመጀመርያ እቲ ዝገርመኒ ነገር ተሎ ብመጀመርያ እዞም ሰባት ንሃገርን ሕዝብን ክብጀው ኢዮም በረካ ወጺኦም” a lot of ppl like to say it again and again this statement.The fact is , No Tegadalay went to the Media to sacrifice his live for the others but for his own adventure, and some for religious reasons.Pls fact is fact reality is reality

    • regret April 20, 2014

      Teclay,

      The manner you try to teach intolerant airheads is by acting like one.Teclay ,you are so good ..you remind me of me.

      Bravo

      • Teclay April 21, 2014

        regret
        deserve respect
        I wonder,a lot of Eritreans run away from the critical question “why we needed this Ghedli?in the first place” no one wants to ask and no one wants tro answer.Instead they do not tired,talking about Sweatna and the current government misdeeds ,which both of them are not the cause but the effect.

      • Teclay April 21, 2014

        regret
        deserve respect
        I wonder,a lot of Eritreans run away from the critical question “why we needed this Ghedli?in the first place” no one wants to ask and no one wants tro answer.Instead they do not tired,talking about Sweatna and the current government misdeeds ,which both of them are not the cause but the result

POST A COMMENT