መንነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ኣብ ዝተኻየደ መሪር ቃልሲ ራሕሪሑና ዝሃደመ ጀጃዊ ሕጂ ወሃብን ከልካልን መንነት ክኸውን የምሕረሉ ዶ?
መንነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ኣብ ዝተኻየደ መሪር ቃልሲ ራሕሪሑና ዝሃደመ ጀጃዊ ሕጂ ወሃብን ከልካልን መንነት ክኸውን የምሕረሉ ዶ? ወይጦ ሱሌማን ሓሰን (ማንጁስ) ከ መን ኢዩ? መንቀሊ ጽሑፈይ ኮይኑ ዘሎ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ብምኽንያት እታ ዓመት መጸ ዜጋታትና ናጽነት ሓሪምዎም
መንነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ኣብ ዝተኻየደ መሪር ቃልሲ ራሕሪሑና ዝሃደመ ጀጃዊ ሕጂ ወሃብን ከልካልን መንነት ክኸውን የምሕረሉ ዶ?
ወይጦ ሱሌማን ሓሰን (ማንጁስ) ከ መን ኢዩ?
መንቀሊ ጽሑፈይ ኮይኑ ዘሎ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ብምኽንያት እታ ዓመት መጸ ዜጋታትና ናጽነት ሓሪምዎም እግሮም ናብ ዝመርሖም ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡ ገለን ብ ISIS ክጉይሑ ገለን ኣብ ማዕምቑ ማእከላይ ባሕሪ ክሰጥሙ ንርእዮን ንሰምዖን ዘለና ተካል ስማዕ ክንሱ ጽምብል ናጽነት ኣመኽኒዮም ወይጦታት ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ንምስሎም ዘመላኽዑላ ኣጋጣሚ ብምርኣየይ ዋእ! እንታ! ካን ዲዮም ሎምስ ብሂወትና ከለና ታሪኽናን ታሪኽ ጀጋኑናን ክዘምቱና ብምባል ኢየ።
ኣርእስቲ ጹሑፈይ ነዚ ኣብ ስእሊ ዝርኣየኩም ዘሎ ሰብ ጠቒሰ “መንነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ኣብ ዝተኻየደ መሪር ቃልሲ ራሕሪሑና ዝሃደመ ጀጃዊ ሕጂ ወሃብን ከልካልን መንነት ክኸውን የምሕረሉ ዶ? ወይጦ ሱሌማን ሓሰን (ማንጁስ) መን ኢዩ?” ዝብል’ዩ። ስለዚ ኣብቲ መበገሲ ናይ’ዚ ጽሑፍ ባዕሎም ብመገዲ ቃለ መጠየቕ ብቪዲዮ ክሊፕ ምስቲ ኣይ ሙዚቀኛ ኣይ ጋዜጠኛ ሓዲግ ዝተረፈ ወይጦ ያሬድ ተስፋይ ነጋሲ ኮይኖም ኣዳሊዮሞ ስለ ዘለዉ እንሆልኩም ኣብዚ ሊንክ Interview with Mr. Suleman Hasen, Head of Consular Affairs at the Embassy in UK. https://www.youtube.com/watch?t=182&v=iVC_w_GekLo እናበልኩ ሰማዓይን ተዓዛባይን ካብኡ ተበጊሱ ሚዛኑ ከቐምጥ ስለ ዝኽእል ኣብኡ ኣቲየ ክዛረብ ኣይኮንኩን። ስለዚ ናብቲ ቀንዲ ኣርእስተይ ክምለስ እምብኣር፡- እዋኑ ሰውራ ኤርትራ ብፍላይ ክኣ እቲ ኣነ ዝተጋደልኩሉ ውድብ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ 1976 መጀመርታ 1977 ዓ.ም “ሰብን መሬትን በብቑሩብ ሓራ ምውጻእ” ዝብል ናይቲ መድረኽ እዋናዊ ጭርሖ ዝነበረሉ ጊዜ ኮይኑ፡ ኣነ ዘለኽዎም ብሓይሊ ፊተውራሪ እንፍለጥ ንኡስ ዝዕድመና ደቂ ተባዕትዮ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ንዕለመሉ ዝነበርና መደበራት ታዕሊም ፋሕን ብሌቓትን ናይ ሽዑ ወተሃደራውን ፖሎቲካውን መማህራናን ሓለፍትናን ዝነበሩ ከም ብዓል ስዉእ ኮለኔነል ኪዳነ ሚዒተልካ፡ ሕዩራት ኣባላት G-15 ነበር ተጋደልቲ ሳልሕ ኬኪያን ኣስቴር ፍስሃጽዮንን ከምኡ ድማ ናይ ሕጂ ስማዊት ሚኒስቴር ፍትሒ ዘላ ፎዚያ ሓሽምን ብዓቢኡ ክኣ እዚ መዛረቢና ኮይኑ ዘሎ ሱሌማን ሓሰን (ማንጁስ)ን መዘንኡ ዝነበረ ሓይልኣብ ተስፋይን ኢየ ዝዝክር። እዚ ዝተጠቕሰ ሱሌማን ብነብሱ ደቂቕ ዝመሸከሉ ድኣ ኮይኑ’ምበር “ከመዮ ሓጺር ኣድግስ ወትሩ ዒሉ” ዝብል ምስላ ወለድና ንእሽቶስ ኣይነበረን። ግን ክኣ ብምድቃቑ መሰታና ኮይኑ ስለ ዝርኣየና በታ ተዛራቢት መልሓሱን ሓያል ናይ ፖሎቲካ ኣተናትንኡን ምኣስ ኢና ከምዚ ንኾኖ ብምባል ግደ ሓቂ ንቐንኣሉ ነበርና። ሓቂ እንተኾይኑ ሽዑ ንሰሞዖ ዝነበርና ክልቲኦም ሱሌማንን ሓይልኣብን ቅድሚ ናይ ፖሎቲካ መማህራን ኮይኖም ናብቲ መደበር ታዕሊም ምምጽኦም ኣብ ፋሕ “ሸውዓተ ሓደ” ናይ ሽዑ ሚስጢራዊ መጸውዒ ኮድ ቦታ መሪሕነት ተልኣኣኽቲ (ማሕዮ) ምምባሮም ኢዩ ዝንገርሎም።
ብድሕሪ’ዚ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ምሕራር ከተማታት ሓደ ድሕሪ ሓደ ብምስዓቡ ኣብ ሰምሃር ብፍላይ ክኣ ንወደባዊት ከተማና ምጽዋዕ ንምሕራር ህዝባዊ ሰራዊትና ኣብ ሓያል ምርብራብ ኣብ ዝተጸመደሉ ጊዜ፡ እዚ ዘይብሃል መስዋእቲ ኢዩ ዝተኸፍለ። ነዚ ዓቕሚ ሰራዊትና ዝበልዐን ዘጓደለን መሪር ኲናት ንምትካእ ክኣ፡ ካብ ክፍልታት ወድብ (ደጀን) ኣሎ ዝብሃል ዓቕሚ ሰብ ከም ዝኸትት ተገይሩስ ከም ካብ ኩለን ክፍልታት ውድብ ካብ ክፍሊ ወተሃደራዊ ታዕሊም’ውን ከተቱ’ሞ እዚ ዝተጠቕሰ ሰብ ሱሌማን ማንጁስ ክኣ ናብቲ ግምባር ከቲቱ ኣብ ውግእ ባጽዕ ከም ዝስለፍ ድኣ ተገብረ። እንተኾነ ኣይግድን ወያ ንፖሎቲካ ከም ማይ ትሰትዮን እንተደሊያ ትጭንግዖን ዝነበረት መልሓስ ኣበይ ከም ትኣቱ ድኣ ጠፍኣ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞት ካብ ምሒር መስዋእትን መውጋእትን ምብዝሑ ፍጹም ዘስተባሃለሉ ሰብ ዘይረኸበ ወላእላእ ዝበለ ሱሌማን ማንጁስ ምኹልይ ብምባል መውጋእቲ ዘይብሉ ክንሱ ነጸልኡ ብምቕዳድ ግጥም ኣቢሉ ኢዱ ብምጅናን ውጉእ ተመሲሉ ናብ ሕክምና ናይቲ ግምባር ዝነበረ ያንጉስ ብምኻድ ምስ ካልኦት ብርቱዕ መውጋእቲ ዝነበሮም ጀጋኑ ተሓዊሱ ንማእከላይ ሕክምና ሰብርቀጠ (ሳሕል) ኢዩ ዝተመርቀፈ። ኣብኡ ምስ በጽሐ መውጋእቲ ከም ዘይብሉ ተፈልጠ’ሞ ኩሎም ውጉኣት መኻይዱ ብፍላይ ክኣ እቶም ንሱ ዝመሃሮም ፊተውራሪ ክዓብዎን ተጸየፍዎን ድኣ። “ኲናት ድኣ ምኣስ መልሓስካ ኣንዊሕካ ለውለው ኮይኑ” እናበሉ ኮፍ ድኣ ከልእዎ። ግን ክኣ ከምዚ ንርእዮ ዘለና ዝሓፍር ፍጥረት ስለዘይኮነ እንሀለ ሕጅ’ውን ወልፈስፈስ ይብል። ብድሕሪ’ዚ ፍጻመ እዚ ከምቲ ኣብ ታዕሊም ተፈላጥነቱ እታ ኣበሩ ክኣ ኣብ ምሉእ ውድብ ስለ ዝተዘርግሐት መሕለፊ መገዲ ድኣ ስኣነ። ዝረኸቦ እሂ’ታ ምጅሉሕ፡ እሂ’ታ ሮግራግ ዝብሎ ጥራሕ በዝሐ። ብድሕሪ’ዚ ንሱዳን ክሃድም ተታሒዙ ሓለዋ ሰውራ ኣቲዩ ድሕሪ መቕጻዑ ክኣ ናብ ሕክምና ተመዲቡ። እቲ ቁርሱስ ዕድሉ ክኣ ካልኣይ ክሃድም ተታሒዙ ናብታ ልምድቲ ገዝኡ ሓለዋ ሰውራ ድኣ ተመለሳ። ኣበየናይ ጊዜ ምዃኑ’ምበር ኣብ ብርጌድ 44 እውን ነይሩስ እንተ ሃዲሙ እንተ ኣነ ብዘይፈልጥክዎ ምኽኒያት ናብ ቤት/ትምህርቲ ሰውራ ተመዲቡ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ሳልሳይ ጊዜስ ሰሊጥዎ ንሱዳኑ ድኣ ተመርቀፈ።
ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ እቲ ዘይሓፍር ምዃኑ ሱዳን ምስ ኣተወ ናብራ ሱዳን ከቢድዎ ኣብ ልዕሊኡ ክኣ ጥዕና’ውን ርሒቕዎ ናብ ዝኸዶ ምስ ጠፍኦ ናብ ቤት ጽሕፈት ህ.ግ ሙግሬን ካርቱም እናተመላለሰ ቁልማጾ ድኣ ለመደልኩም። ሽዑ ይዝከረኒ እቲ ውድብ ሃዲሞም ንሱዳን ንዝኣተዉ ተጋደልቲ ሃደምቲ እናበለ በቶም ደገፍቱ ገይሩ ዝድህሎም ዝነበረ ኣካይድኡ ቀይሩ ክጥቀመሎምን እንተወሓደ ክኣ ናብ ካልኦት ውድባት ከይከዱ ክሕዞምን ስለ ዝመረጸ ኢዩ ሱሌማን ናይዚ ልቑማጾ ተጠቃሚ ዝኾነ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን እምበኣር’ዩ ኣብ ቤት ጽሕፈት ካርቱም ምጉሬን ኣባላት ፖሎቲካዊ ቤት ጽሕፈት ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝነበሩ ተጋደልቲ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)፡ ማሕሙድ ሸሪፎ፡ መሓመድ ስዒድ ባርህን ካልኦትን ኮፍ ኢሎም እናዕለሉ ከለዉ ኣብቲ ውሽጢ ቤት ጽሕፈት ካብ ሓደ ክፍሊ ናብ ካልእ ክፍሊ ክሰግር ዝርኣዮ ድሩዕ ንመሓመድ ስዒድ ባርህ “ኣንታ ሱሌማን ማንጁስ ዲየ ዝረኣኽዎ?” ኢሉ ይሓቶ’ሞ ወዲ ባርህ ክኣ “እወ! ንሱ” ኢሉ ይምልሰሉ። ድሩዕ “ኣብዚ ድኣ እንታይ ይገብር?” “ዋእ! እነሀልካ ሃዲሙ ድሕሪ ምምጽኡ ሓሚሙ ክመውት ኢሉ ኣብዚኣ እናተመላለስ ክኣ ይነብር” መለሰ ወዲ ባርህ። ድሩዕ “ ዋእ! ኣንታ ወዲ ባርህ እንታይ ተርእዩና ኣለኹም?” “ፈሪሐ ዝበለ ትባዕ ኣይትበሎ” እኳ ዝብሃል። እዚ ክኣ እታ ኲናት ፍጹም ኣይ ባዓልቲ ለይቱን ኢያ፡ ይኹን’ምበር እታ ዓቕሙ ጌሩ ኢዩ። ሕጂ ኽኣ በጃኹም ክፉእ ኣይተርእዩና ምስ’ዞም ንወጻኢ ክሕከሙ ዝኸዱ ዘለዉ ብጾትና ከም ገለ ጌርኩም ስደድዎ ኣብኡ ከይዱ ይተሓከም፡ ንነብሱ ይኹን ኢሉ ብምትሕስሳቡ ምስቶም ሽዑ ንሆላንድ ዝኣተዉ ናይ ኲናት ውጉኣት ኣሰኒዩ ከም ዝኣቱ ተገይሩ። ሕጂ ኽኣ እነህልኩም “ርሑቕ ዓዲ መሐሰዊ” ከም ዝብሃል እቲ ዘይጽኑዕን ግቡዝን ሱሌማን ማንጁስ ብዛዕባ ዘይምጽናዕን ዘይተጻዋርነት መንእሰያትን ኢሉ በስተሓቃር ኣስተምህሮ ክህበና ንርእዮን ንሰምዖን ኣለና። እሱ ጥራይ መኣስ ኮይኑ ሕሉፍ ሓሊፉ መንነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ኣብ ዝተኻየደ መሪር ቃልሲ ራሕሪሑና ዝሃደመ ባልዋይ ሕጂ ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ያእዪ ኮይኑስ መንነት ንመን ይግብኦ ዝህብን ዝእግድን ክኣ ኮይኑልና እነሀ። ካብቲ ኩሉ ዘደንጹ ጽዩፍ ተግባራቱ ግን ነዚ ሕጂ ካብ ሞት ድሒኑ ጥዕዩ ብሰላም ናብርኡ ንኽመርሕ ዘብቅዖ ሃይለ ድሩዕን ብጾቱ ጉጅለ 15ን ምስ ተኣስሩ ክርሸኑ ኣለዎም እናበለ ዘጎሳጉስ ዝነበረ ካሕዳይምዃኑ’ዩ። ንምስሉይነቱ ዝምልከት ድማ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ዓንዳሪ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ እገዳ ምስ ኣወጀ ንዕኡ ንምቅዋም ደገፍቲ ህግደፍ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ናብ ስዊዝ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ሱሌማን ወዮ እታ ተበርግጎ ተኹሲ ዘይብላ ግምባር እንዲዩ ረኺቡ፡ ምስቲ ካብ ኣስመራ ናይ ዜና ሓበሬታ ከመሓላልፍ ዝተላእከ “ዝነገሰ ዝንጉሱ ዝበረቐ ዝጸሓዩ” ናይ ስርዓት ደርጊ ጋዜጠኛ ነበር ገረመስቀል ገረዝጊሄር እናተቐባበለ “ መራሕትና ብዓል ወዲ ኣፎም፡ ወዲ ኤፍረም ከም ናይ ብዓል ኦባማ ስማዊ ምርጫ ኣብ ሳንዱቕ ዘይኮነ ኣብ ሱድሕ ዔላ ኣብ ተኽሊ ዝፈረዩ ጀጋኑ ኢዮም እናበለ’ውን ክንገፍ ተሰሚዑ ኢዩ።
ንምዝዛሙ እምብኣር ስርዓት ህግደፍን ምሕደራ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ብኹሉ መለኪዒታቱ ፍሽለታት ጥራሕ ኣብ ዘጋጥመሉ ዘሎ እዋን ንመሪሕነቱ ኣሜን ኢሉ ዝምእዘዞ ብቑዕ ዓቕሚ ሰብ’ውን እናተጸንቀቖን እናወሓዶን ብምኻዱ ሕማቕ ሰብን ሕማቕ ገረብን ምስ ተረፈ፡ ኮነ ኢሉ ንመሳርዓቱ በቶም ኣብ ጊዜ ብረታዊ ቃልስ ብሰንኪ ኢንታኦምን ኣበሮምን ምስ ሰብ’ውን ዘይቆጽሮም ዝነበረን ሕጂ ሱቕ ኢሎም ዝተበሃልዎ ጥራይ ዝገብሩ ምእዙዛት ከም ብዓል ተስፋሚካኤል ገራህቱ ጀጃዊ ብፍርሒ ዝፍለጥ፡ ከም ብርሃነ ገብረሂወት ሕጂ ቆንስል ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኣይተጋደለ ሰፍኢ ኣየቐበለ ብስም ሃመመተኤ ካብ ከሰላ ዝተወሸለ (ውሻል) ዘይርጡብ፡ ብዓቢኡ ክኣ ከምዚ ምስሉይ ሱሌማን ሓሰን ቆንስል ኣብ ዓዲ እንግሊዝን……. ወዘተ ዝኣመሰሉ እልፊ እራይ ምራይን ይካየድ ምህላዉ ዘነጸረ መድረኽ ኢዩ።
ኢሳያስ ኣስፍሃ።
ሎንዶን 04/05/2015
Dala Ksha May 4, 2015
Nhimak zebens beal gaeesa ALEWA zbelwo kemzi eyu.
Tesfit May 4, 2015
ሓቂ ዘረባ ሱሌማን ይሓይሽ ካብቶም ንሜዳ ርእዮማ ዘይፈልጡ፣ ሕጂ ግን ልዕሊ ሰብ ዘውደኽድኹ ዘለዉ ምሁራት ዶካትር ደገፍቲ እዚ ስርዓት።
Selamawi May 4, 2015
“ካብቲ ኩሉ ዘደንጹ ጽዩፍ ተግባራቱ ግን ነዚ ሕጂ ካብ ሞት ድሒኑ ጥዕዩ ብሰላም ናብርኡ ንኽመርሕ ዘብቅዖ ሃይለ ድሩዕን ብጾቱ ጉጅለ 15ን ምስ ተኣስሩ ክርሸኑ ኣለዎም እናበለ ዘጎሳጉስ ዝነበረ ካሕዳይምዃኑ’ዩ።”
I thought Abdella Jaber was the one who proposed beheading of G15 (‘kisadom kiquretsu alewom’) after Alamin Mohammed Seed paved the way before they were arrested when he said that his beastly organization would resort to its tradition (‘nay hizbawi ginbar limud afetatHa tsegem…’) followed by the infamous foul mouthed Mustafa Nur Hussein (may his soul rest in peace but may his legacy of cruelty and injustice be erased from our nation)
God save us all!
Anti-Higdef May 5, 2015
“Mustafa Nur Hussein (may his soul rest in peace but may his legacy of cruelty and injustice be erased from our nation)”
Selamawi
Mr. Mustafa Nur Hussein is alive.
About three months ago, he was seen in hospital, accompanied by security agents.
selam May 4, 2015
ብዙሓት ኢና ከምዚኣቶም ንፈልጥ። ዘይነበርዎ ዝኾኑ። ኣብ ቓልሲ ዘየበርከቱ ሕጂ ናይ ጓይላን ፌስቲቫልስትን ጀጋኑ ብዙሓት ኢዮም።
aba_chegora May 4, 2015
Suleiman mihdamu gega aykonen. Ane keman kigadel ile keyde kilte gize hadime n asmera temelise. Amlak silezifetweni iye dima hadime. Zitegadelu intay rekibom? tegadilkum ke bizeyka barnet intay hizkumlna mezikum? Ane n kulu kab gedli zihade jigna iye zihasbo.
Tsibuq hiwet n kulom hademti kab gedli!
rezen May 5, 2015
Principle versus Treachery
The commentary by Aba_chegora is a perfect example of conscious PRINCIPLE;
Whereas, the characteristic described in the Article is an embodiment of TREACHERY.
HOMIE May 4, 2015
We all are oppositions we know all those are in power are very negative people esp higher up in power chain, so i don’t see what is the point telling us he is bad, isn’t that is why we all are here, for me the blame game only serves the regime, WE should focus our energy more into solutions for our problem than just circling around the cause of our problem, otherwise WE just become the desperate powerless oppositions scattered all over the world. just my opinion!
Simon G. May 4, 2015
HGDF is built of greedy, cowards, liars, killers, moraless, and emotionless, among other very long bad list. As the saying goes Garbage in, Garbage out. Nothing good to expect from HGDF leaders and their talking animal followers.
Desale Weldemichael May 4, 2015
I wonder about this person”isayas asfaha ”
If u r the singer that I know u better sing
Ur song!!
Always writes about people and personal!!
Write about ideas that might help guide the
generation positive critsism.
I didn’t see any point u present against
his weak propaganda.
Thanks!!
AHMED SALEH !!! May 4, 2015
What do you expect when you surrender your freedom to higher
authority ?
People have their reason or philisophy to convince themselves
that Issayas is one supreme person who the maintainer of the
country’s affairs then they surrender for him as devotee .
At the end when the leader is blind with blind followers expect both
of them will face danger in their life .
Abisho May 4, 2015
Aba -chegora Eritrea Onfiging tetekiluwa kelo zihademe seb si Hiji Sebiay kikewin tetagica.Ezi eyu lekibat zibehal Eritrawi Hageru Awhisu selam Amtsiu selam sle ziseane eyu cab hageru hiji zihadim zelo Ember hadami Eritrawi cab kunat wihudat eyom kem Beal Ezi wishal Suleman, kemue win nisican belaeti kilite tsahli tibehalu kea.