መቐጸልታ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ሓደ ካብቶም ኤርተራና ዝኸሰረቶም ጀጋኑና
መቐጸልታ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ሓደ ካብቶም ኤርተራና ዝኸሰረቶም ጀጋኑና (ሰመረ ፍስሃየ) ቅድሚ ኣብቲ ቀጻሊ ጽሑፈይ ብዛዕባ ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን ምእታወይ፡ ብመሰረት ቀዳማይ ጽሑፈይ ንዝቐረባ ሰለስተ ኣገደስቲ ርኢቶታት ዝብለን ክጽሕፍ እየ፡ ታሪኽ ተጋደልትና፡ ኣብ ተ.ሓ.ኤ ይኹን ኣብ ህ.ግ.
መቐጸልታ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ሓደ ካብቶም ኤርተራና ዝኸሰረቶም ጀጋኑና
(ሰመረ ፍስሃየ)
ቅድሚ ኣብቲ ቀጻሊ ጽሑፈይ ብዛዕባ ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን ምእታወይ፡ ብመሰረት ቀዳማይ ጽሑፈይ ንዝቐረባ ሰለስተ ኣገደስቲ ርኢቶታት ዝብለን ክጽሕፍ እየ፡
- ታሪኽ ተጋደልትና፡ ኣብ ተ.ሓ.ኤ ይኹን ኣብ ህ.ግ. ዝነበሩ፡ ክንዛረበሎም ዘሎ እዋን ግዚኡ ኣይኮነን ዝብል እምነት የብለይን፡፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ካብ ምቅላስ ኣይዓግትን’ዩ ዝብል እምነት እውን ኣሎኒ፡፡ እቶም ክዛረቡ ዝኽእሉ ሎሚ ኣለዉ፡ ጽባሕ ክህሉዉ ግን ርጉጽ ኣይኮነን፡፡ ንሓቅነቱ ዝምልከት ጉዳይ ግን ንናይ ታሪኽ ተመራመርቲ ንግደፈሎም፡፡
- ምስ ስዉእ ተጋዳላ ወልደዳዊት፡ ኣብ ምምሕዳር ቁ. 9 ዝነበርኩሉ፡ ካብ ካልኣይ ፍርቂ ናይ 1975 ክሳብ ወርሒ ሸውዓተ ናይ 1977 እዩ፡፡ ከተማታትና፡ ከም መንደፈራ፡ ዓዲዃላ ዝኣመሰላ፡ ኣብ ደንካልያ ክበጽሕ ከለኹ እየን ነጻ ወጺኤን፡፡
- ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ብልኡኻት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ዝተቐትለ ሓቢረ ነይረ፡፡ ኣቃታትልኡን መን ከምዝቐተሎን ካብ ተጋዳላይ የሱፍ ስሌማን ብ 1994 ኣብ ዝተራኸብናሉ ግዜ ዝረኸብኩዎ ዘዕግብ መግለጺ እዩ፡፡ መግለጺ የሱፍ ከምዚ ይብል፡ ‘ምስ ብጻይ ወልደዳዊት ኣብ ገዛይ ንኽንራኸብ ቆጸራ ጌርና እነዳተጸበኹ ከለኹ ኣብ ቅድሚ ገዛይ ምሸት ተቐቲሉ፡፡ ተኹሲ ሰሚዐ ምስ ወጻእኩ፡ ጸልማት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ብርቱዕ ህቦብላ ስለ ዝነበረ እቶም ቀተልቲ ከየለሎኹዎም ኣምሊጦም’፡፡ የሱፍ ስሌማን ቀጺሉ ከምዚ ይብል፡ ‘ብድሕሪኡ ዝገበርኩዎ ምክትታል፡ ምስ ወልደዳዊት ዝነበረኒ ቆጸራ ሓደ ሰብ ጥራሕ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ምስኡ ኮንና ብዝገበርናዮ መጽናዕቲ ቀተልቲ ካብ ኢሳያስ ከም ዝተላእኩ ርጉጽ ሓበሬታ ረኺብና ይብል’፡፡
ምስ የሱፍ ስሌማን ከላልየኩም፡፡
የሱፍ ስሌማን ሓደ ካብቶም ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ ኮይኑ ኣብ ደቡብ ደንከል ምምሕዳር ቁ. 12 መጀመርያ ወኪል ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ቀጺሉ ኽኣ ኣማሓዳሪ ዝነበረ እዩ፡፡ ድሕሪ ኩነታት ኮሮኮን (እታ ብወገነይ ዝኣምነላ ተ.ሓ.ኤ ምስ ፈረሰት) ኣብ ስሙር ውድብ ዝብሃል ምንቅስቓስ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብ ናጽነት ኤርትራ፡ ምስ ብዓል ስዉእ ሳልሕ እያይ ኣብ መንግስቲ ኢሳያስ ተሳቲፉ፡፡ ኣብኡ ኽኣ ብሕማም ዓሪፉ፡፡ ስእሊ የሱፍ ስለማን ንምርኣይ እትደልዩ ፡ http://www.mahber-dankalia.org
ናብ ስዉእ ወልደዳዊት ክምለስ፡
- ብዙሓት ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ወልደዳዊት ብዘቕርበሎም ዝነበረ ርኢቶታት ምዕጋቦም ይምስክሩ፡፡
ንኣብነት ኣብቲ መጀመርታ ፍርቂ ናይ 1977 ብጾት መልኣከ ተኽለን ኢብራሂም ቶቲልን ኣብ ምምሕዳር ቁ. 8 ዝነበሩሉ እዋን፡ ንዓይ ንምምሕዳር ቁ. 8 ንኽምደብ ወሲኖም ትእዛዝ ናብ ወልደዳዊት የመሓላልፉ፡፡ ወልደዳዊት በቲ ውሳኔ ተሸገረ፡ ንምኽንያት ውሳኔኦም ግን ብሕማቕ ኣይርኣዮን፡፡ እንተኾነ ግን ብዉሑድ ንኽልተ ወርሒ ኣብ ምምሕዳር ቁ. 9 ንኽጸንሕ ዘዕግብ ምኽነያታት ኣቕሪቡ ሕራይ ከምዘበሎም ስዉእ መልኣከ ተኽለ የዕልለኒ፡፡ነዊሕ ከይጸናሕና’ውን ስዉእ ዓብደል ቃድር ሮሞዳን ኣብ ደቡብ ደንከል ብፋሉል ይቕተልሞ እንደገና ንዓይ ንደንከል ይምድቡኒ፡፡ ስዉእ ወልደዳዊት ይብለኒ፡ ‘ሰመረ ሎሚ ብዘይምጻእ መጺኦምና፡ ንደንከልሲ ኣነ’ውን ምሳኻ ምኸድኩ’ ይብለኒ፡፡ እዚ ኣርኣእያ’ዚ ዘርእዮ ነገር እንተሃልዩ ኽኣ፡ ውሳኔታት ወይ ውን ተቓዉሞታት ስዉእ ወልደዳዊት ካብ ጥቕሚ ውድብ ዝነቐለ ምንባሩ ድኣምበር ካልእ መልእኽቲ ከም ዘይነበሮ እዩ ዝሕብረካ፡፡
ካብ ካልኦት ብጾት ዝሰማዕክዎ’ውን ስዉእ ኢብራሂም ምሓመድ ዓሊ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ናይ ሕብረተሰብኣዊ ጉዳያት ሓላፊ ዝነበረ (ብቐሊል ዝዓግብ ሰብ ኣይነበረን) ካብ ኩሎም ጠቕለልቲ ኣማሓደርቲ ዝመጾ ዝነበረ ጸብጻባት፡ ወልደዳዊት ዘቕርቦ ዝነበረ ጸብጻባት ብዝያዳ የዕግቦ ምምባሩ የዕልሉኒ ነይሮም፡፡
ስዉእ ስዩም ዑቕባንኪኤል ኣብ ምምሕዳር ቁ. 10 ዝነበረሉ ጊዜ፡ ምስ ኣማሓዳሪ ምምሕዳር ቁ. 10 ዘይምርድዳኣት የጋጥሞ ስለ ዝነበረ፡ ናብ ወልደዳዊት ብምምጻእ ነቲ ጉዳይ ናይ ኣታኣላልያ መንገድታት ብሓባር ይርእዩ ምንባሮም ስዉእ ስዩም ዑቕባንኪኤል ክኣ ብዕግበት ንቦትኡ ይምለስ ከምዝነበረን ይዝከረኒ፡፡
ኣብ ምምሕዳር ቁ. 9 ዝነበሩ መራሕቲ ሰራዊት ብናይ ወልደዳዊት ብቕዓትን ተወፋይነትን ክዛረቡ ከለዉ፡፡
ኣብ 1976 ተጋዳላ ሓምድ ዝቡይ ዝመርሓ ቦጦሎኒ ሒዝና ንትግራይ ንሰግረሉ ኣብ ዝነበርና እዋን፡ ተጋዳላይ ሓምድ ዝቡይ ከመዚ ይብለኒ፡ ‘ያ ኣኽ ሰመረ ጀብሃ ኣርባዕተ ወልደዳት እንተዝህልዉዋ እዚ ንርእዮ ዘሎና ኩነታት ቀደም ዓሪፉስ ኣብ ካልእ ደረጃታት ምሃሎና’ ይብል፡፡ ምኽንያቱ ኣብቲ ግዜቲ ምስ ጸላኢ ዘሎና ቃልሲ ንጎኒ ተሪፉ ንፋሉላዊ ጉዕዞ ኣብ መስመሩ ንምምላስ ግዜየና ነሕልፍ ስለ ዝነበርና እዩ፡፡ብ 1977 ጸላኢ ንድባርዋ ካብ ኣስመራ ከይኣቱ ንምክልኻል ኣብ ሞንጉዳ ዝገበርናዮ ውግእ ምስ ተወድኤ፡ ንትምዛእ ገጽና ወሪድና፡፡ ስዉእ ደብሮም ጥሉቕ (ገዲም ተጋዳላይ) ምክትል መራሕ ቦጦሎኒ ምሳይ ስለ ዝነበረ፡ ብኩነታት ሰራዊትናን ኩነታት ፋሉልን ሳዕበናቱን ነዕልለሉ ኣብ ዝነበርና እዋን ከምዚ ይብል፡ ‘ሰመረ ጀብሃ ከም ብዓል ወልደዳዊት ዝመሰሉ መራሕቲ ክሳብ ተፍሪ ሽግር ፋሉል ጌና ከሳቕየና’ዩ’ ክብል ኣድንቖቱ ኣብ ልዕሊ ወልደዳዊት ይገልጸለይ፡፡
- ኣብ 1976 መጀመርታ ንባርካ፡ ዓልየት (ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት) ወሪደ እንደገና ንምምሕዳር ቁ. 9 ክምለስ ከሎኹ፡ ኣብ ድሉክ ዝተባህለት ዓዲ ንምሳሕ ኤዕርፍ፡፡ ከማይ ካልኦት ተጋደልቲዊን ንኸበሳ ዝድይቡ ገሊኦም ክኣ ንባርካ ዝወርዱ ስለ ዝተራኸብና ኣብኡ ምሳሕ እንዳተጸበና ነዕልል፡፡ መደብካ ኣበይ እዩ ካበይ መጺእካ ናበይ ትኸይድ ኣሎኻ ዝብላ ሕቶታት ንተሓታተት፡፡ ብወገነይ ካብ ዓሌት ከም ዝመጻእኩን ንምምሕዳር ቁ. 9 መደበይ ይኸይድ ምህላወይን ይሕብር፡፡ መብዛሕትኦም ይስምብዱ፡ ኣኻእሎ ይሃብካ ኽኣ ይብሉ፡፡ ድሓንዶ እንታይ ኣሎ ድዩ እብሎም፡፡ ወልደዳዊት ዝብሃል ሓደ ርጉም ሰብ ኣብኡ ኣሎ፡፡ ሰብ በኽያ እያ ብእኡ ይብሉኒ፡፡ ዘጋጠመኩም ሽግራት ግዳ የዕልሉኒ ምእንቲ ክዳለወሉ እብሎም፡፡ መብዛሕትኦም ብዘዕለሉና’ምበር ኣብ ነብስና ዘጋጠመና ንፈልጦ የለን ይብሉ፡፡ ሓደ ካብኣቶም ግን ኣነ ክነግረካ ይበለኒ፡፡ ከምዚኽኣ ይብል፡ ‘ኣነ ርኢኻ ስድራይ ዓበይቲ እዮም፡ መደበይ ክኣ ኣብ ከባቢ ተሰነይ እዩ፡፡ ንስድራይ ክትሓጋገዞም መታን ኣብዘን ሓይልታት ምምሕዳር ቁ. 9 መድበኒ ኢለዮ ምቕባል ኣብዩኒ፡፡ ኣቦይ ከይተረፈ ኣብ እግሩ ወዲቑዎ ኣይከውንን’ዩ ኢሉ ኣቕቢጽዎ’ ክብል ብጓሂ የስተንትን፡፡ ብወገነይ እብሎ ‘ ብጻይ ቀዳማይ ነገር፡ ኣማሓደርቲ ካብ ሰራዊት ንዕረፍቲ ዝመጹ ተጋደልቲ ኣብ ምምሕዳሮም ከሰልፉ ሕጊ ኣየፍቅደሎምን እዩ፡፡ ብተወሳኺ ኽኣ ከምኡ እነተበዚሑ ሰብ በብዓዱ ተመዲቡ ኣብቲ ዘመነ ክፍልታት ምምላስ ማለትዩ’ እብሎ፡፡ ንሱግን ብዘቕረብኩሉ ርኢቶታት ክዓግብ ኣይክኣለን፡፡ ሓደ ክልተ ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ግን ሓቅኻ ኢኻ በሉ፡፡
ብ 1977 ኣቦይ (ተጋዳላይ ፍስሃየ ኩብሮም) ካብ ሳሕል፡ ንዕረፍቲ፡ ንምምሕዳር ቁ. 8 ይመጽእ፡ ኣነ ኽኣ ብኣጋጣሚ ናብኡ እንቀሳቐስ’ሞ፡ ወድኻ ኣብዚ ኣሎ ኢሎሞ ክረኽበኒ ይመጽእ፡፡ ምስተራኸብና ብ 1976 እውን ንዕረፍቲ መጺኡ ከም ዝነበረ የዕልለኒ፡፡ ብወገነይ ክኣ ኣብ ምምሕዳር 9 ከምዘሎኹ ኣይትፈልጥን ዲኻ ኔርካ እብሎ፡፡ እፈልጥ እባ፡ ግን ወልደዳት ርጉምዩ ይብሉኒ ስለ ዝነበሩ ከላግስ ኣይደፈርኩን ይብለኒ፡፡ እሞ ሰብ ብዝበሉዎ ኣሚንካስ ወድኻ ከይርኣኻ ኬድካ እብሎ፡፡እቲ ዘውርይዎ ብጣዕሚ ከቢድ ስለ ዝነበረ የጋግየካ እዩ፡ ይብለኒ፡፡
ስለዚ እቶም ናይ ተ.ሓ.ኤ. ፍቕርን ምሕያልን ዝምነዩ ዝነበሩ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ርኢቶኦም ኣብ ስርሓትን ውሳነታትን ወልደዳዊት ዕግበት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣድንቖቶም ክገልጹ ከለዉ፡ በንጻሩ እቶም ካልኦት ብምምራርን ካብኡ ሓሊፉ ኽኣ ዘይተባህለን ዘይተገብረን ሓቂ ኣምሲሎም ኣብ ወረ ምብዛሕን ምንዛሕን ይዋፈሩ ነበሩ፡፡
- ብ 1976 ኣብ ማይምነ፡ ቁሓይን፡ ዘካየድናዮ ውግእ ንማይምነ ሒዝናያ ከነብቅዕ፡ ብገለ ገለ ጌጋታት ዝገበርናዮ፡ ገዲፍናያ ወጺእና ጥራይ ዘይኮነስ ብጾት’ውን ተሰዊኦምና፡፡ ምስ ወልደዳዊት ተራኺብና ብዛዕባ ውግእ ማይምነ ከዕልሎ ከሎኹ ንብዓት ቁጽርጽር ከብል ምስ ርኣኹዎ ተገሪመ፡፡ ምኽንያቱ፡ ኣዲኡ ንኽርእይኦ መጺኤን ዝጨከነ ሰብስ ንኽንስዋእ ዝወጻእና ተጋደልቲ መስዋእትና የሕዚኑዎ በልኩ፡፡
ምኽንያቱ ስዉእ ወልደዳዊት፡ ነቶም ኣብ ፍቕሪ ቃልሶምን ፍቕሪ ተ.ሓ.ኤ. ሰገጥ ኣይብሉን እዮም ዝብሎም ብጾቱ ተጋደልቲ ህወቱ ከሕልፈሎም ድሉው ዝኾነ መራሒ እዩ ነይሩ፡፡ - ኣብ መንጎ መወዳእታ 1975ን መጀመርታ 1976ን፡ ብመሰረት ውሳኔ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ተ.ሓ.ኤ፡ ነቲ ፈተውቲ ሃገራት ሰውራ ኤርትራ ዝገበሩልና ናይ ስምረት ጻዊዒት ኣኽቢርና ሓንቲ ናይ ዘተ ሽማግለ ብምቛም ኣብ ካርቱም ምስታ ወካሊት ህዝባዊ ሓይልታት ኮይና ዝቐረበት ሽማግለ ንራኸብ፡፡
ኢሳያስ ከምዛ ነታ ብስም ውድቡ ዝቐረበት ሽማግለ ዘይፈልጣ፡ ‘ዓማ ንኣብ ሜዳ ዘሎና ገስገስቲ ተጋደልቲ ገዲፋ ምስቶም ናይ ደገ ኣድሓርሓርቲ ትራኸብ ኣላ’ ዝብል ወረ ኣብ ሰራዊቱን ኣብ ሰራዊትናን ብምንዛሕ ሓዊ ኣጎደ፡፡
መዘኻኸሪ ዝኸውን ታሪኻዊ ሓቅታት፡ እታ ብስም ህ.ሓ. (ኣብቲ ግዜቲ ህዝባዊ ግንባር ስሞም ህዝባዊ ሓይልታት እዩ ነይሩ፡ ነዚ ስም እዚ ዘጠመቐ መራሒ ኽኣ ዑስማን ሳልሕ ሰበ ይብሃል) ዝቐረበት ሽማግለ፡ ብዑስማን ሳልሕ ሰበ እያ ትምራሕ ነይራ፡፡ ዑስማን ሳልሕ ሰበ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ህዝባዊ ሓይልታት ሓላፊ ኮይኑ ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ህ.ሓ. እዩ ነይሩ፡፡ ኢሳያስ ኣብ ካርቱም ርክብ ምስ ተ.ሐ.ኤ. ክግበር ምዃኑ ብዑስማን ሳልሕ ሰበ ተሓቢሩ ከብቅዕ እቲ ኣኼባ ንኽካየድ ስቕ ኢሉ ድሕሪ ምርኣዩ ኣዕናዊ ወፈርኡ ኣካየደ፡፡
ቅንዕና እንተዝነብሮ፡ ኣቐዲሙ ንተ.ሓ.ኤ.፡ እዚ ዝዳሎ ዘሎ ርኽክብ ንሕና ኣይንሰማማዓሉን ኢና ኢሉ ክሕብር ይኽእል ነይሩ፡፡ ግን ካብ መሰረቱ ኢሳያስ ንሐድነት ዘይኣምን ጥራይ ዘይኮነስ ምፍራስ ተ.ሓ.ኤ. ውራየይ ኢሉ ዝሓዞ ዕላማ ስለ ዝነበረ፡ እዚ ኩነታት’ዚ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይንሉ ነበረ፡፡እምብኣር በዚ ኢሳያስ ዝፈጠሮ ናይ ዕግርግር ሃዋህው፡ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ፡ ነቲ ኩነታት ንሰራዊት ከተረድእ ተዋፈረት፡፡ ስዉእ መልኣከ ተኽለ ንምምሕዳር ቁ.8፡ ስዉእ ዓብደላ ኢድሪስ ክኣ ንምምሕዳር ቁ.9 ተመዲቦም ንከበሳ ይድይቡ፡፡ ኣብ ምምሕዳር ቁ.9 ስዉእ ዓብደላ ብዓረብኛ ይገልጽ ስለ ዝነበረ፡ ስዉእ ወልደዳዊት እዩ ዘተርጉም ነይሩ፡፡ ምስ ሓንቲ ካብተን ሓይልታትና ኣኼባ ተጸዊዑ መግለጺ ክውሃብ ምስ ጀመረ፡ ሓደ ተጋዳላይ ተሲኡ፡ ንሕና እዚ ትህብዎ ዘለኹም መግለጺ ክንሰምዖ ኣይንደልን ኢና ኢሉ ነቲ ኣኼባ ፋሕ ከብል ይጽዕር፡፡ ስዉእ ወልደዳዊት ይብሎ፡ ‘ብጻይ ንስኻ ክትሰምዕ እንተዘይደሊኻ እዝንኻ ጡጥ ወትፎ፡ ንሕና ግን ክንሰምዕ፡ ሰሚዕና ኽኣ ሕቶታትና ከነቕርብ ስለ ንደሊ ግደፈና’ ይብሎ፡፡
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ናይ ኢሳያስ ንተ.ሓ.ኤ. ናይ ምፍራስ (ኣብቲ ግዜቲ ኣብ ጽሑፋት ህ.ሓ.፡ ተ.ሓ.ኤ. ከም ጨው ሓቒቓ ክትጠፍእ እያ ዝብል ጽሑፍ ትምኒት ኢሳያስ ተባሂሉ ይዕለለሉ ነይሩ) ዕላማ ጥራሕ ዘይኮነስ ብወገን ፋሉልውን ‘ጉባኤ ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ክግበር ኣሎዎ’ ዝብል ወፈራ ምዓት እዩ ነይሩ፡፡
ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ኣብ ዝነበርናሉ፡ ስዉእ ወልደዳዊት ከምዚ ዝስዕብ ይብለኒ፡ ‘ ነዞም ስልጣን ክረኽቡ ጉባኤ ጉባኤ ዝብሉ ዘለዉስ፡ ንሓደ ሹዱሽተ ወርሒ ዝኸውን ስልጣን አረኪብካ እነተዝፍተኑስ፡ ሰራዊትን ህዝብን ምምራሕ ክሳብ ክነደይ ከቢድ ምዃኑ ምፈለጡ ብተወሳኺ ሰራዊት ይኹን ህዝቢ ዓቕሞም ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ምተገንዘበ’ ይብለኒ፡፡ሕጂ ኣብዚ ዝነብረሉ ዘለኹ ምዕቡል ሃገር ኮይነ፡ ይዕበ ይንኣስ ፕሮጀከትታት ቅድሚ ኣብ ተግባር ምውዓሉ ናይ ፈተነ ጉዕዞ ሓሊፉ ኣብ ተግባር ዝውዕለሉ ኩነታት ክርኢ እንከሎኹ እቲ ስዉእ ወልደዳዊት ዝእምቶ ዝነበረ (simulator እነተዝህሉ ዝብል ሓሳቡ) ይርኣየኒ’ሞ፡ ከመይ ዝበለ ናይ ኣርሒቕካ ምጥማት ዓቕሚ እዩ ነይሩዎ ስዉእ ወልደዳዊት እብል፡፡
ንምድምዳም ዝኣክል፡ ብ1980 ካብ ደንከል ምስ ተመለስኩ ዝጸንሓኒ ወረ፡ ኣብ መንጎ ስዉእ ወልደዳዊትን ስዉእ መልኣከ ተኽለን ምስሕሓብ ከም ዘሎ፡ እዚ ኸኣ ካብቲ መንደፈራ ነጻ ዝነበረትሉ እዋን ዝጀመረ ምዃኑ፡፡ ካልእ ንስዉእ ወልደዳዊት ዝምልከት መትሓዚ ዘይብሉ ክስታት፡ ኮታ ካብቲ ኣነ ኣብቲ ምምሕዳር ከሎኹ ዝነፍስ ዝነበረ ምጽላም ዘይፍለ ኣብ ውልቃዊ ጥቕምታት ዝተመርኮሰ ክስታት ነይሩ፡፡
ንስዉእ ወልደዳዊትን ስዉእ መልኣከ ተኽለን በበይኖም ረኺበ ኣዘራሪበዮም፡፡ ብኽልቲኦም ሸነኽ ዝቐረበለይ መልሲ ኽኣ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዋላ ሓደ ውድባዊ ፍልልይ ከም ዘየለን ተራኺቦም ክዘራረቡ ጸገም ከምዘየለን ዝብል ነበረ፡፡
ኣብዚ ኹሉ ከይበጻሕና ኽኣ ተ.ሓ.ኤ ኣብ ክትጥርነፈሉ ዘይትኽእል ኩነታት ወደቐት፡፡ ንገለና መሪር ሓዘን ክኾነና ኸሎ፡ ንገሊኦም ክኣ ናይ ዓወት ብስራት ኮነሎም፡፡ ውጺኢቱ ኽኣ፡ እንሆ ህዝብን ሃገርን ኣብ ከቢድ ዓዘቕቲ ተሸሚሙ ይርከብ፡፡
ተ.ሓ.ኤ. ምስሊ ህዝቢ ኤርትራ እያ ነይራ፡፡ ኩሉ ዝንባለታት ህዝቢ ኤርትራ ጸይራ ትጉዓዝ ዝነበረት ውድብ እያ ነይራ፡፡ ስዉእ ወልደዳዊትን ስዉእ መልኣከ ተኽለን ካብቶም ነዚ መትከላት’ዚ ኣሚኖም ኣብ ግብሪ ከተርጉሙ ዝቃለሱ ዝነበሩ ጀጋኑ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. እዮም ነይሮም ፡፡ ኣብ መወዳእትኡ ግን ከምዚ ንርእዮ ዘሎና ብዓወት በተነቲ ውድብና ስለ ዝተዛዘመ ነፍስወከፍ ዝንባለ፡ ወድቡ ተኺሉ ንምጥርናፍ ጸገም ኣብ ዝኾነሉ ኩነታት ንርከብ፡፡
እዚ ወድሓንኩም፡፡
ሰመረ ፍስሃየ
ፈረንሳ
GOJAM December 27, 2013
ZEGERM EIYU ETHIOPIAN REVOLTION START BY STUDENT AND HAIJAKED BY DERG ( MENGESTU )
ERITREAN REVOLUTION START BY WLL EDUCATIONS RILL ERITREANS BUT HIJACKED BY ( HASEWTI LEBATAT DEKI ANDENET AND BY TEWELJETATA ).THANK YOU SEMER FESAHAYE GOD BLESS YOU AND HAPPY NEW YEAR TO ALL.
Keren December 27, 2013
Is this how Jebha narrates to its history? When will the honest among Jebhas rise up and tell us about the massacre of Sryet Addis, the liquidation of Haraka/Mahber Shewate, the killing fields of Barentu and Kunama, the annihilation of Falul, the heinous round up Giffa of the young boys and girls of Seraye, Qohain, Adi keyh and Senafe?
The white washed stories of Jebha are worse than Higdef’s sanitized stories.
FALULAY December 28, 2013
ጀብሃ ቀደም ኣየደቀሰት ሎሚ ኣየደቀሰት። ካብ ሰማንያን ሓደን ክሳብ ሎሚ እናተራብሔት ሎሚ ኣብ ኣርብዓ ሓምሳ ውድባት በጺሓ ኣላ። ጀብሃ ንህዝቢ አረትራ ካብቲ ናይ መንግስቲ እሰያስ ንላዕሊ እምበር ንታሕቲ ኣይበደለቶን። እቲ ዝኸፍአ ሎሚ እውን ህዝቢ አርትራ ተጠርኒፉ ንመንግስቲ እሰያስ ከይቃለሶ እቶም ተረፍ መረፍ ጀብሃዮም ምስ ስርዓት ወያነ እናተዃሸሙን መጋበርያኡ እናዀኑን ዕንቅፋት ሓድነትን ጥርናፈን ህዝቢ አርትራ ኮይኖም ዘለዉ። ሰመረ ዝነግረና ዘሎ እቶም ንጀብሃ ዘፍረሱ እቶም ፋሉልን ካድራትን እምበር ዓብደላ እድሪስን ብጾቱን ኣይኮኑን ኢዩ ዝብል ዘሎ። በዚ መንገድዚ ከኣ እቲ ምንቅስቓስ ፋሉል ንዲሞክራስን ንፍትሕን ዘይኮነ ንጸይቂዩ ነሩ ይብለናሎ። ሎሚ ናይ ታሪኽ ዘይኮነ ናይ ድሕነት ህዝብና ኢና ክንገብር ዝግባእ ዝነበረ። ካብ ተላዕለ ግን ምናልባት ነዚ ናይ ሎሚ ሽግርና እውን እንተሓገዘስ እቶም ንጀብሃ ዘፍረሱ ዓብደላን ብዓል ሰመረን ድዮም ወይሲ ፋሉልን ናይ ሽዑ ማሕበር ሰራሕተኛታት ካድራት ዝነበሩ። እዚ ብዘይካቲ ናይ ወያነን ሻዕብያን ናይ ምጽራግ መስርሕ ማለተይ ኢየ።
ፋሉላይ
berie haqi December 28, 2013
ኣቱም ሰብ ክሳብ ምኣስ ዘየውፍር ዘየእቱ ዓጀወጀው ክትብሉ ኣእዛን ደቂ ሰባት ከተጽምሙ ክትነብሩ : ካብ ህዝቡ ዝተፈልየ ምእስክ ማሚቑ ይፈልጥ: ይቕሬታ ሓቲትኩም ኣብ ሃገርኩም ተመለሱ : ናይ ከዳሞት ክድምና ዕለት ከምዘይብሉ ኣዳዕዲዕኩም ትፈልጡ ኢኹም : ወረጦ ሻዕብያ ኣይትኣርግ ኣይትምርት መመሊሳያ ንግሆ ንግሆ ትስውድ :
ዓወት ንሓፋሸ
Mesfin Bahlibi December 28, 2013
ብርዒ ሓቂ ፡ ዘየውፍር ዘይእቱዶ ኢልካና ፡ ብዛዕባ ሓደ ጅግና ስውእ ብጻይና ምዝራብና ከም ዓጀውጀው ቆጺርካዮ ?
Abraha December 29, 2013
SEMERE. (TEAWET°) NAY SIWU WELDEDAIT KABTI GELE QURUB WES ZEBELKA;
WERE GENA ALO TARIK ZIHALEFU JEGANUNA; SEMERE again I”m pride of you
and Happy New year 2014
to all