Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መቐጸልታ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ሓደ ካብቶም ኤርተራና ዝኸሰረቶም ጀጋኑና

መቐጸልታ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ሓደ ካብቶም ኤርተራና ዝኸሰረቶም ጀጋኑና (ሰመረ ፍስሃየ) ቅድሚ ኣብቲ ቀጻሊ ጽሑፈይ ብዛዕባ ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን ምእታወይ፡ ብመሰረት ቀዳማይ ጽሑፈይ ንዝቐረባ  ሰለስተ ኣገደስቲ ርኢቶታት ዝብለን ክጽሕፍ እየ፡ ታሪኽ ተጋደልትና፡ ኣብ ተ.ሓ.ኤ ይኹን ኣብ ህ.ግ.

መቐጸልታ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ሓደ ካብቶም ኤርተራና ዝኸሰረቶም ጀጋኑና

(ሰመረ ፍስሃየ)

ቅድሚ ኣብቲ ቀጻሊ ጽሑፈይ ብዛዕባ ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን ምእታወይ፡ ብመሰረት ቀዳማይ ጽሑፈይ ንዝቐረባ  ሰለስተ ኣገደስቲ ርኢቶታት ዝብለን ክጽሕፍ እየ፡

  1. ታሪኽ ተጋደልትና፡ ኣብ ተ.ሓ.ኤ ይኹን ኣብ ህ.ግ. ዝነበሩ፡ ክንዛረበሎም ዘሎ እዋን ግዚኡ ኣይኮነን ዝብል እምነት የብለይን፡፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ካብ ምቅላስ ኣይዓግትን’ዩ ዝብል እምነት እውን ኣሎኒ፡፡ እቶም ክዛረቡ ዝኽእሉ ሎሚ ኣለዉ፡ ጽባሕ ክህሉዉ ግን ርጉጽ ኣይኮነን፡፡ ንሓቅነቱ ዝምልከት ጉዳይ ግን ንናይ ታሪኽ ተመራመርቲ ንግደፈሎም፡፡
  2. ምስ ስዉእ ተጋዳላ ወልደዳዊት፡ ኣብ ምምሕዳር ቁ. 9 ዝነበርኩሉ፡ ካብ ካልኣይ ፍርቂ ናይ 1975 ክሳብ ወርሒ ሸውዓተ ናይ 1977 እዩ፡፡ ከተማታትና፡ ከም መንደፈራ፡ ዓዲዃላ  ዝኣመሰላ፡ ኣብ ደንካልያ ክበጽሕ ከለኹ እየን ነጻ ወጺኤን፡፡
  3. ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ብልኡኻት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ዝተቐትለ ሓቢረ ነይረ፡፡ ኣቃታትልኡን መን ከምዝቐተሎን ካብ ተጋዳላይ የሱፍ ስሌማን ብ 1994 ኣብ ዝተራኸብናሉ ግዜ ዝረኸብኩዎ ዘዕግብ መግለጺ እዩ፡፡ መግለጺ የሱፍ ከምዚ ይብል፡ ‘ምስ ብጻይ ወልደዳዊት ኣብ ገዛይ ንኽንራኸብ ቆጸራ ጌርና እነዳተጸበኹ ከለኹ ኣብ ቅድሚ ገዛይ ምሸት ተቐቲሉ፡፡ ተኹሲ ሰሚዐ ምስ ወጻእኩ፡ ጸልማት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ብርቱዕ ህቦብላ ስለ ዝነበረ እቶም ቀተልቲ ከየለሎኹዎም ኣምሊጦም’፡፡ የሱፍ ስሌማን ቀጺሉ ከምዚ ይብል፡ ‘ብድሕሪኡ ዝገበርኩዎ ምክትታል፡ ምስ ወልደዳዊት ዝነበረኒ ቆጸራ ሓደ ሰብ ጥራሕ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ምስኡ ኮንና ብዝገበርናዮ መጽናዕቲ ቀተልቲ ካብ ኢሳያስ ከም ዝተላእኩ ርጉጽ ሓበሬታ ረኺብና ይብል’፡፡
    ምስ የሱፍ ስሌማን ከላልየኩም፡፡
    የሱፍ ስሌማን ሓደ ካብቶም ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ ኮይኑ ኣብ ደቡብ ደንከል ምምሕዳር ቁ. 12 መጀመርያ ወኪል ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ቀጺሉ ኽኣ ኣማሓዳሪ ዝነበረ እዩ፡፡ ድሕሪ ኩነታት ኮሮኮን (እታ ብወገነይ ዝኣምነላ ተ.ሓ.ኤ ምስ ፈረሰት) ኣብ ስሙር ውድብ ዝብሃል ምንቅስቓስ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብ ናጽነት ኤርትራ፡ ምስ ብዓል ስዉእ ሳልሕ እያይ ኣብ መንግስቲ ኢሳያስ ተሳቲፉ፡፡ ኣብኡ ኽኣ ብሕማም ዓሪፉ፡፡ ስእሊ የሱፍ ስለማን ንምርኣይ እትደልዩ ፡ http://www.mahber-dankalia.org

ናብ ስዉእ ወልደዳዊት ክምለስ፡

  1. ብዙሓት ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ወልደዳዊት ብዘቕርበሎም ዝነበረ ርኢቶታት ምዕጋቦም ይምስክሩ፡፡
    ንኣብነት ኣብቲ መጀመርታ ፍርቂ ናይ 1977 ብጾት መልኣከ ተኽለን ኢብራሂም ቶቲልን ኣብ ምምሕዳር ቁ. 8 ዝነበሩሉ እዋን፡ ንዓይ ንምምሕዳር ቁ. 8 ንኽምደብ ወሲኖም ትእዛዝ ናብ ወልደዳዊት የመሓላልፉ፡፡ ወልደዳዊት በቲ ውሳኔ ተሸገረ፡ ንምኽንያት ውሳኔኦም ግን ብሕማቕ ኣይርኣዮን፡፡ እንተኾነ ግን ብዉሑድ ንኽልተ ወርሒ ኣብ ምምሕዳር ቁ. 9 ንኽጸንሕ ዘዕግብ ምኽነያታት ኣቕሪቡ ሕራይ ከምዘበሎም ስዉእ መልኣከ ተኽለ የዕልለኒ፡፡

    ነዊሕ ከይጸናሕና’ውን ስዉእ ዓብደል ቃድር ሮሞዳን ኣብ ደቡብ ደንከል ብፋሉል ይቕተልሞ እንደገና ንዓይ ንደንከል ይምድቡኒ፡፡ ስዉእ ወልደዳዊት ይብለኒ፡ ‘ሰመረ ሎሚ ብዘይምጻእ መጺኦምና፡ ንደንከልሲ ኣነ’ውን ምሳኻ ምኸድኩ’ ይብለኒ፡፡ እዚ ኣርኣእያ’ዚ ዘርእዮ ነገር እንተሃልዩ ኽኣ፡ ውሳኔታት ወይ ውን ተቓዉሞታት ስዉእ ወልደዳዊት ካብ ጥቕሚ ውድብ ዝነቐለ ምንባሩ ድኣምበር ካልእ መልእኽቲ ከም ዘይነበሮ እዩ ዝሕብረካ፡፡

    ካብ ካልኦት ብጾት ዝሰማዕክዎ’ውን ስዉእ ኢብራሂም ምሓመድ ዓሊ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ናይ ሕብረተሰብኣዊ ጉዳያት ሓላፊ ዝነበረ (ብቐሊል ዝዓግብ ሰብ ኣይነበረን) ካብ ኩሎም ጠቕለልቲ ኣማሓደርቲ ዝመጾ ዝነበረ ጸብጻባት፡ ወልደዳዊት ዘቕርቦ ዝነበረ ጸብጻባት ብዝያዳ የዕግቦ ምምባሩ የዕልሉኒ ነይሮም፡፡

    ስዉእ ስዩም ዑቕባንኪኤል ኣብ ምምሕዳር ቁ. 10 ዝነበረሉ ጊዜ፡ ምስ ኣማሓዳሪ ምምሕዳር ቁ. 10 ዘይምርድዳኣት የጋጥሞ ስለ ዝነበረ፡ ናብ ወልደዳዊት ብምምጻእ ነቲ ጉዳይ ናይ ኣታኣላልያ መንገድታት ብሓባር ይርእዩ ምንባሮም ስዉእ ስዩም ዑቕባንኪኤል ክኣ ብዕግበት ንቦትኡ ይምለስ ከምዝነበረን ይዝከረኒ፡፡

    ኣብ ምምሕዳር ቁ. 9 ዝነበሩ መራሕቲ ሰራዊት ብናይ ወልደዳዊት ብቕዓትን ተወፋይነትን ክዛረቡ ከለዉ፡፡
    ኣብ 1976 ተጋዳላ ሓምድ ዝቡይ ዝመርሓ ቦጦሎኒ ሒዝና ንትግራይ ንሰግረሉ ኣብ ዝነበርና እዋን፡ ተጋዳላይ ሓምድ ዝቡይ ከመዚ ይብለኒ፡ ‘ያ ኣኽ ሰመረ ጀብሃ ኣርባዕተ ወልደዳት እንተዝህልዉዋ እዚ ንርእዮ ዘሎና ኩነታት ቀደም ዓሪፉስ ኣብ ካልእ ደረጃታት ምሃሎና’ ይብል፡፡ ምኽንያቱ ኣብቲ ግዜቲ ምስ ጸላኢ ዘሎና ቃልሲ ንጎኒ ተሪፉ ንፋሉላዊ ጉዕዞ ኣብ መስመሩ ንምምላስ ግዜየና ነሕልፍ ስለ ዝነበርና እዩ፡፡

    ብ 1977 ጸላኢ ንድባርዋ ካብ ኣስመራ ከይኣቱ ንምክልኻል ኣብ ሞንጉዳ ዝገበርናዮ ውግእ ምስ ተወድኤ፡ ንትምዛእ ገጽና ወሪድና፡፡ ስዉእ ደብሮም ጥሉቕ (ገዲም ተጋዳላይ) ምክትል መራሕ ቦጦሎኒ ምሳይ ስለ ዝነበረ፡ ብኩነታት ሰራዊትናን ኩነታት ፋሉልን ሳዕበናቱን ነዕልለሉ ኣብ ዝነበርና እዋን ከምዚ ይብል፡ ‘ሰመረ ጀብሃ ከም ብዓል ወልደዳዊት ዝመሰሉ መራሕቲ ክሳብ ተፍሪ ሽግር ፋሉል ጌና ከሳቕየና’ዩ’ ክብል ኣድንቖቱ ኣብ ልዕሊ ወልደዳዊት ይገልጸለይ፡፡

  2. ኣብ 1976 መጀመርታ ንባርካ፡ ዓልየት (ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት)  ወሪደ እንደገና ንምምሕዳር ቁ. 9 ክምለስ ከሎኹ፡ ኣብ ድሉክ ዝተባህለት ዓዲ ንምሳሕ ኤዕርፍ፡፡ ከማይ ካልኦት ተጋደልቲዊን ንኸበሳ ዝድይቡ ገሊኦም ክኣ ንባርካ ዝወርዱ ስለ ዝተራኸብና ኣብኡ ምሳሕ እንዳተጸበና ነዕልል፡፡ መደብካ ኣበይ እዩ ካበይ መጺእካ ናበይ ትኸይድ ኣሎኻ ዝብላ ሕቶታት ንተሓታተት፡፡ ብወገነይ ካብ ዓሌት ከም ዝመጻእኩን ንምምሕዳር ቁ. 9 መደበይ ይኸይድ ምህላወይን ይሕብር፡፡ መብዛሕትኦም ይስምብዱ፡ ኣኻእሎ ይሃብካ ኽኣ ይብሉ፡፡ ድሓንዶ እንታይ ኣሎ ድዩ እብሎም፡፡ ወልደዳዊት ዝብሃል ሓደ ርጉም ሰብ ኣብኡ ኣሎ፡፡ ሰብ በኽያ እያ ብእኡ ይብሉኒ፡፡ ዘጋጠመኩም ሽግራት ግዳ የዕልሉኒ ምእንቲ ክዳለወሉ እብሎም፡፡ መብዛሕትኦም ብዘዕለሉና’ምበር ኣብ ነብስና ዘጋጠመና ንፈልጦ የለን ይብሉ፡፡ ሓደ ካብኣቶም ግን ኣነ ክነግረካ ይበለኒ፡፡ ከምዚኽኣ ይብል፡ ‘ኣነ ርኢኻ ስድራይ ዓበይቲ እዮም፡ መደበይ ክኣ ኣብ ከባቢ ተሰነይ እዩ፡፡ ንስድራይ ክትሓጋገዞም መታን ኣብዘን ሓይልታት ምምሕዳር ቁ. 9 መድበኒ ኢለዮ ምቕባል ኣብዩኒ፡፡ ኣቦይ ከይተረፈ ኣብ እግሩ ወዲቑዎ ኣይከውንን’ዩ ኢሉ ኣቕቢጽዎ’ ክብል ብጓሂ የስተንትን፡፡ ብወገነይ እብሎ ‘ ብጻይ ቀዳማይ ነገር፡ ኣማሓደርቲ ካብ ሰራዊት ንዕረፍቲ ዝመጹ ተጋደልቲ ኣብ ምምሕዳሮም ከሰልፉ ሕጊ ኣየፍቅደሎምን እዩ፡፡ ብተወሳኺ ኽኣ ከምኡ እነተበዚሑ ሰብ በብዓዱ ተመዲቡ ኣብቲ ዘመነ ክፍልታት ምምላስ ማለትዩ’ እብሎ፡፡ ንሱግን ብዘቕረብኩሉ ርኢቶታት ክዓግብ ኣይክኣለን፡፡ ሓደ ክልተ ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ግን ሓቅኻ ኢኻ በሉ፡፡

    ብ 1977 ኣቦይ (ተጋዳላይ ፍስሃየ ኩብሮም) ካብ ሳሕል፡ ንዕረፍቲ፡ ንምምሕዳር ቁ. 8 ይመጽእ፡ ኣነ ኽኣ ብኣጋጣሚ ናብኡ እንቀሳቐስ’ሞ፡ ወድኻ ኣብዚ ኣሎ ኢሎሞ ክረኽበኒ ይመጽእ፡፡ ምስተራኸብና ብ 1976 እውን ንዕረፍቲ መጺኡ ከም ዝነበረ የዕልለኒ፡፡ ብወገነይ ክኣ ኣብ  ምምሕዳር 9 ከምዘሎኹ ኣይትፈልጥን ዲኻ ኔርካ እብሎ፡፡ እፈልጥ እባ፡ ግን ወልደዳት ርጉምዩ ይብሉኒ ስለ ዝነበሩ ከላግስ ኣይደፈርኩን ይብለኒ፡፡ እሞ ሰብ ብዝበሉዎ ኣሚንካስ ወድኻ ከይርኣኻ ኬድካ እብሎ፡፡እቲ ዘውርይዎ ብጣዕሚ ከቢድ ስለ ዝነበረ የጋግየካ እዩ፡ ይብለኒ፡፡

    ስለዚ እቶም ናይ ተ.ሓ.ኤ. ፍቕርን ምሕያልን ዝምነዩ ዝነበሩ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ርኢቶኦም ኣብ ስርሓትን ውሳነታትን ወልደዳዊት ዕግበት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣድንቖቶም ክገልጹ ከለዉ፡ በንጻሩ እቶም ካልኦት ብምምራርን ካብኡ ሓሊፉ ኽኣ ዘይተባህለን ዘይተገብረን ሓቂ ኣምሲሎም ኣብ ወረ ምብዛሕን ምንዛሕን ይዋፈሩ ነበሩ፡፡

  3. ብ 1976 ኣብ ማይምነ፡ ቁሓይን፡ ዘካየድናዮ ውግእ ንማይምነ ሒዝናያ ከነብቅዕ፡ ብገለ ገለ ጌጋታት ዝገበርናዮ፡ ገዲፍናያ ወጺእና ጥራይ ዘይኮነስ ብጾት’ውን ተሰዊኦምና፡፡ ምስ ወልደዳዊት ተራኺብና ብዛዕባ ውግእ ማይምነ ከዕልሎ ከሎኹ ንብዓት ቁጽርጽር ከብል ምስ ርኣኹዎ ተገሪመ፡፡ ምኽንያቱ፡ ኣዲኡ ንኽርእይኦ መጺኤን ዝጨከነ ሰብስ ንኽንስዋእ ዝወጻእና ተጋደልቲ መስዋእትና የሕዚኑዎ በልኩ፡፡
    ምኽንያቱ ስዉእ ወልደዳዊት፡ ነቶም ኣብ ፍቕሪ ቃልሶምን ፍቕሪ ተ.ሓ.ኤ. ሰገጥ ኣይብሉን እዮም ዝብሎም ብጾቱ ተጋደልቲ ህወቱ ከሕልፈሎም ድሉው ዝኾነ መራሒ እዩ ነይሩ፡፡
  4. ኣብ መንጎ መወዳእታ 1975ን  መጀመርታ 1976ን፡ ብመሰረት ውሳኔ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ተ.ሓ.ኤ፡ ነቲ ፈተውቲ ሃገራት ሰውራ ኤርትራ ዝገበሩልና ናይ ስምረት ጻዊዒት ኣኽቢርና ሓንቲ ናይ ዘተ ሽማግለ ብምቛም ኣብ ካርቱም ምስታ ወካሊት ህዝባዊ ሓይልታት ኮይና ዝቐረበት ሽማግለ ንራኸብ፡፡
    ኢሳያስ ከምዛ ነታ ብስም ውድቡ ዝቐረበት ሽማግለ ዘይፈልጣ፡ ‘ዓማ ንኣብ ሜዳ ዘሎና ገስገስቲ ተጋደልቲ ገዲፋ ምስቶም ናይ ደገ ኣድሓርሓርቲ ትራኸብ ኣላ’ ዝብል ወረ ኣብ ሰራዊቱን ኣብ ሰራዊትናን ብምንዛሕ ሓዊ ኣጎደ፡፡
    መዘኻኸሪ ዝኸውን ታሪኻዊ ሓቅታት፡ እታ ብስም ህ.ሓ. (ኣብቲ ግዜቲ ህዝባዊ ግንባር ስሞም ህዝባዊ ሓይልታት እዩ ነይሩ፡ ነዚ ስም እዚ ዘጠመቐ መራሒ ኽኣ ዑስማን ሳልሕ ሰበ ይብሃል)  ዝቐረበት ሽማግለ፡ ብዑስማን ሳልሕ ሰበ እያ ትምራሕ ነይራ፡፡ ዑስማን ሳልሕ ሰበ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ህዝባዊ ሓይልታት ሓላፊ ኮይኑ ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ህ.ሓ. እዩ ነይሩ፡፡ ኢሳያስ ኣብ ካርቱም ርክብ ምስ ተ.ሐ.ኤ. ክግበር ምዃኑ ብዑስማን ሳልሕ ሰበ ተሓቢሩ ከብቅዕ እቲ ኣኼባ ንኽካየድ ስቕ ኢሉ ድሕሪ ምርኣዩ ኣዕናዊ ወፈርኡ ኣካየደ፡፡
    ቅንዕና እንተዝነብሮ፡ ኣቐዲሙ ንተ.ሓ.ኤ.፡  እዚ ዝዳሎ ዘሎ ርኽክብ ንሕና ኣይንሰማማዓሉን ኢና ኢሉ ክሕብር ይኽእል ነይሩ፡፡ ግን ካብ መሰረቱ ኢሳያስ ንሐድነት ዘይኣምን ጥራይ ዘይኮነስ ምፍራስ ተ.ሓ.ኤ. ውራየይ ኢሉ ዝሓዞ ዕላማ ስለ ዝነበረ፡  እዚ ኩነታት’ዚ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይንሉ ነበረ፡፡

    እምብኣር በዚ ኢሳያስ ዝፈጠሮ ናይ ዕግርግር ሃዋህው፡ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ፡ ነቲ ኩነታት ንሰራዊት ከተረድእ ተዋፈረት፡፡ ስዉእ መልኣከ ተኽለ ንምምሕዳር ቁ.8፡ ስዉእ ዓብደላ ኢድሪስ ክኣ ንምምሕዳር ቁ.9 ተመዲቦም ንከበሳ ይድይቡ፡፡ ኣብ ምምሕዳር ቁ.9 ስዉእ ዓብደላ ብዓረብኛ ይገልጽ ስለ ዝነበረ፡ ስዉእ ወልደዳዊት እዩ ዘተርጉም ነይሩ፡፡ ምስ ሓንቲ ካብተን ሓይልታትና ኣኼባ ተጸዊዑ መግለጺ ክውሃብ ምስ ጀመረ፡ ሓደ ተጋዳላይ ተሲኡ፡ ንሕና እዚ ትህብዎ ዘለኹም መግለጺ ክንሰምዖ ኣይንደልን ኢና ኢሉ ነቲ ኣኼባ ፋሕ ከብል ይጽዕር፡፡ ስዉእ ወልደዳዊት ይብሎ፡ ‘ብጻይ ንስኻ ክትሰምዕ እንተዘይደሊኻ እዝንኻ ጡጥ ወትፎ፡ ንሕና ግን ክንሰምዕ፡ ሰሚዕና ኽኣ ሕቶታትና ከነቕርብ ስለ ንደሊ ግደፈና’ ይብሎ፡፡

    ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ናይ ኢሳያስ ንተ.ሓ.ኤ. ናይ ምፍራስ (ኣብቲ ግዜቲ ኣብ ጽሑፋት ህ.ሓ.፡ ተ.ሓ.ኤ. ከም ጨው ሓቒቓ ክትጠፍእ እያ ዝብል ጽሑፍ ትምኒት ኢሳያስ ተባሂሉ ይዕለለሉ ነይሩ) ዕላማ ጥራሕ ዘይኮነስ ብወገን ፋሉልውን ‘ጉባኤ ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ክግበር ኣሎዎ’ ዝብል ወፈራ ምዓት እዩ ነይሩ፡፡
    ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ኣብ ዝነበርናሉ፡ ስዉእ ወልደዳዊት ከምዚ ዝስዕብ ይብለኒ፡ ነዞም ስልጣን ክረኽቡ ጉባኤ ጉባኤ ዝብሉ ዘለዉስ፡ ንሓደ ሹዱሽተ ወርሒ ዝኸውን ስልጣን አረኪብካ እነተዝፍተኑስ፡ ሰራዊትን ህዝብን ምምራሕ ክሳብ ክነደይ ከቢድ ምዃኑ ምፈለጡ ብተወሳኺ ሰራዊት ይኹን ህዝቢ ዓቕሞም ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ምተገንዘበ ይብለኒ፡፡

    ሕጂ ኣብዚ ዝነብረሉ ዘለኹ ምዕቡል ሃገር ኮይነ፡ ይዕበ ይንኣስ ፕሮጀከትታት ቅድሚ ኣብ ተግባር ምውዓሉ ናይ ፈተነ ጉዕዞ ሓሊፉ ኣብ ተግባር ዝውዕለሉ ኩነታት ክርኢ እንከሎኹ እቲ  ስዉእ ወልደዳዊት ዝእምቶ ዝነበረ (simulator እነተዝህሉ ዝብል ሓሳቡ) ይርኣየኒ’ሞ፡ ከመይ ዝበለ ናይ ኣርሒቕካ ምጥማት ዓቕሚ እዩ ነይሩዎ ስዉእ ወልደዳዊት እብል፡፡

ንምድምዳም ዝኣክል፡ ብ1980 ካብ ደንከል ምስ ተመለስኩ ዝጸንሓኒ ወረ፡ ኣብ መንጎ ስዉእ ወልደዳዊትን ስዉእ መልኣከ ተኽለን ምስሕሓብ ከም ዘሎ፡ እዚ ኸኣ ካብቲ መንደፈራ ነጻ ዝነበረትሉ እዋን ዝጀመረ ምዃኑ፡፡ ካልእ ንስዉእ ወልደዳዊት ዝምልከት መትሓዚ ዘይብሉ ክስታት፡ ኮታ ካብቲ ኣነ ኣብቲ ምምሕዳር ከሎኹ ዝነፍስ ዝነበረ ምጽላም ዘይፍለ ኣብ ውልቃዊ ጥቕምታት ዝተመርኮሰ ክስታት ነይሩ፡፡

ንስዉእ ወልደዳዊትን ስዉእ መልኣከ ተኽለን በበይኖም ረኺበ ኣዘራሪበዮም፡፡ ብኽልቲኦም ሸነኽ ዝቐረበለይ መልሲ ኽኣ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዋላ ሓደ ውድባዊ ፍልልይ ከም ዘየለን ተራኺቦም ክዘራረቡ ጸገም ከምዘየለን ዝብል ነበረ፡፡
ኣብዚ ኹሉ ከይበጻሕና ኽኣ ተ.ሓ.ኤ ኣብ ክትጥርነፈሉ ዘይትኽእል ኩነታት ወደቐት፡፡ ንገለና መሪር ሓዘን ክኾነና ኸሎ፡ ንገሊኦም ክኣ ናይ ዓወት ብስራት ኮነሎም፡፡ ውጺኢቱ ኽኣ፡ እንሆ ህዝብን ሃገርን ኣብ ከቢድ ዓዘቕቲ ተሸሚሙ ይርከብ፡፡

ተ.ሓ.ኤ. ምስሊ ህዝቢ ኤርትራ እያ ነይራ፡፡ ኩሉ ዝንባለታት ህዝቢ ኤርትራ ጸይራ ትጉዓዝ ዝነበረት ውድብ እያ ነይራ፡፡ ስዉእ ወልደዳዊትን ስዉእ መልኣከ ተኽለን ካብቶም ነዚ መትከላት’ዚ ኣሚኖም ኣብ ግብሪ ከተርጉሙ ዝቃለሱ ዝነበሩ ጀጋኑ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ.  እዮም ነይሮም ፡፡ ኣብ መወዳእትኡ ግን ከምዚ ንርእዮ ዘሎና ብዓወት በተነቲ ውድብና ስለ ዝተዛዘመ ነፍስወከፍ ዝንባለ፡ ወድቡ ተኺሉ ንምጥርናፍ ጸገም ኣብ ዝኾነሉ ኩነታት ንርከብ፡፡

እዚ ወድሓንኩም፡፡

ሰመረ ፍስሃየ

ፈረንሳ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
40 COMMENTS
  • hanti Ertra December 26, 2013

    ተወልደ
    ኣብ ክንዲ ምስ’ዚ ጸሓፊ ኣብ ህልኽ ምእታውሲ ንስኻ እትፈልጦ ዘበለ ከምዝን ከምትን እዩ ኢልካ ምትራኽ ዶ ኣይምሓሸን? ካልኣይ ድማ እቶም ንስኻ ልዕሊ በዓል መልኣከን ወልደዳዊትን ብልሒ ኣለዎም እትብሎም በዓል መን እዮም ሓደ ብሓደ ዘይትዝርዝሮም። እቲ ዝጋደሉሉ ዝነበሩ ህዝቢ መዓስ’ዩ ተጠቃሚ ብልሖም ኮይኑ? ሓደ ንሳቶም ዝፈጸሙዎ ብልክዕ ንብልሖም ዝገልጽ ታሪኻዊ ኣበርክቶ ክትጠቅስ ዝግበኣካ እመስለኒ። ከምዘለዎ እገሌ ካብ መልኣከ ይበልሕ፥ እገሌ ካብ ወልደዳዊት እበልሕ ምባል ግን ጹጹይ ኣይኮነን። ኣብ ገድሊ ኤርትራ ብዙሕ ተራእዩ እዩ። ስልጣን ጥራይ ዘገድሶም ሰባት ስልጣን ምስ ዘይረኽቡ ነቶም ስልጣን ዝረኸቡ ሰባት ከነኣእስዎም ንሰምዕ። ብውልቂ ስለ ዝበደልዎም ውን ኣብ ቅርሕንቲ ኣትዮም ታሪኽ የጸልሙ። ኣነ ነዚ ጸሓፋይ ክድግፍ ኢለ ኣይኮንኩን ዝምልስ ዘለኹ። ንዓና ነቶም ታሪኽ ናይዞም ስዉኣት ተጋደልቲ ንሰምዕ ዘለና ዘይፈላጣት ግን ቁንጭልጭል ኣቢልካ ኣብ ምቅዋስ አእቲኻና። ንስኻን እዚ ጸሓፍን ድማ ንዓና ነቶም ኣንበብቲ ሓደ ኢኹም። ንዓኻ መልኣኽ ንጸሓፊ ድማ ሸይጣን ክንብል ኣይንኽእልን። መልኣከን ወልደዳዊትን ዘይከማኻ ስሞም ድሙቕ’ዩ ኣብ ታሪኽ ገድሊ ኤርትራ። ብኸመይ ልዕሌኻ ስሞም ክደምቕ ክኢሉ? ንስድራቤቶም ከ እንታይ ኢኻ ክትብሎም ደሊኻ? ደቅኹም ዘይጠቕሙ’ዮም ኔሮም ዲኻ ትብሎም ዘለኻ? ኣብዛ መድረኽ’ዚኣ ፥ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ተጋዳላይ ተሓኤ መልእከን ወልደዳዊትን ዘይረብሑን ዘይበላሕትን ምንባሮም ንስድራቤቶም ግለጽ? ስምካን ውዕሎኻን ኣብ ገድሊ እንተሓበርካ ድማ ዝያዳ ተእማኒ ትኸውን። ምስናይ ኣኽብሮት

  • zemhret December 26, 2013

    አየ ሰመረ ፣ ብዛዕባ እቲ ካብ ጀብሃ ሰሪቕካ (ሽያጥ ብረት) ዝሰራሕካዮ ገዛ ተናዚዝካ ንስዉኣት ይቕሬታ ሓቲተካ ምንሳሕ’ዶ ኣይምሓሸካን? ሓሻኻ ፍስሃየ ድሑር።

  • zemhret December 26, 2013

    ኣየ ሕልሚ ጀብሃ ዓባይ ፤ ዘይ’ንስኹም ደኣ እዚ ኹሉ ጸገም መን ኣምጺእዎ። ሰመረ ፍስሃየ  ካብ ናይ ህግደፍ ንላዕሊ ህዝቢ ከየጥፈአት ፡ ጀብሃስ እንቋዕ ጠፍአት ፤ ንስኻ ግን ካብ ሕልምኻ ተበራበር። ኣብዚ ሓደ ከይሓበርኩኻ ክሓልፍ ዘይደሊ ካብ 1975 – 1979 ኣነ ኣብ መንደፈራ እየ ኔረ ፤ ብዛዕባ እዚ ከተዕልሎ ዝወዓልካ ጽውጽዋይ ድማ ካባኻ ንላዕሊ  ከምዝፈልጦን ኩሉ ዝበልካዮ ሓሶት’ዩ ክብል እኳ እንተዘይደፈርኩ ፈጠራ እዩ ኢለ’ግን ኣፈይ መሊኤ ክዛረብ ይኽእል። እቲ ምስ ወልደ ዳዊት ዘለካ ዝምድና ንሓቂ ክቐብራ ግቡእ ኣይኮነን ፤ ዘጸበቕካዮ መሲሉካ ድማ ኣይተኽፈኣዮ። ብዛዕባ ተቓላስይነት ወልደ-ዳዊት ግን ዝጠራጠር ኤርትራዊ የለን። ኢሰያስ ውን እኮ ተቓላሳይ እዩ(ሽሙ)። ተቓሊሱን ኣቃሊሱን ውን እኮዩ ፤ የግዳስ እቲ ቃልሱ ንረብሓ ውልቃውነቱን ርእሰ-መላኽነቱን እምበር ንህዝቢ ብዘይምንባሩ ነዚ ሕጂ ኤርትራን ኤርትራውያንን ወዲቕናዮ ዘለና ሃዋህው ኣብቂዑና ይርከብ። ኣምላኽ ከውጽኣና ግን ጀብሃ እንቋዕ ኣይተዓወተት ፤ ሽግራን ፍልልያታን ከይጾረት ከተማ ኣትያ ህዝቢ እንቋዕ ኣየዋደአት። ኤርትራ ናብ ሱማል ፣ ኣስመራ ድማ ናብ መቓድሾ እንቋዕ ኣይተቐየራ ፤ እግዚኣብሄር ሰቲሩና።

     

    ተወልደ ንዝገለጽካዮ ሓቅነት ከየመስገንኩኻ ክሓልፍ ኣይደልን በዓል ሰመረ ፍስሃየ ግን ንልዕሊ 30 ዓመት ኣብ ኤውሮጳ ተቐሚጦም ገና እቲ እቲ ሳዕቤን ኣይተረደኦምን።

    • ተወልደመድኅን December 26, 2013

      ኣየናይ ዘምህረት ምኳንካ ክፈልጥ ምደለኹ።

      • zemhret December 26, 2013

        ተወልደመድህን ደውለለይ መን ዘምህረት ምዃነይ ክነግረካ።

        • ahmed saleh December 27, 2013

          Zemhret
          You question the dream of JEBHA like a fool which started from 1961 for independence . Unless
          you tell me different . ASHASHU TIZAREBUWO ZEYTIFETU BELAHAT BAHALTI TEIBIGNITAT .

          • ahme saleh December 27, 2013

            JEBHA BIHAGOS ATFIKUMA KEMU DIMA KEMAMLEKUM NI HIZBAWI GINGBAR ATFIKUMA , WEHALALU .

    • Mesfin Bahlibi December 26, 2013

      ዝኸበርካ ዘምህረት ፡ እስኪ ርግእ ኢልና ኤርትራና እናዘከርና ርእይቶታና ነፍስስ ፡፡ ሃላይ ርእይቶ ምፍናው ህልይና ጥራይ እዩ ዘንጻባርቕ ፡፡ ወለድና እኮ ኣብ ባይቶ ክናጸዩ ውዒሎም ኣብ ደገ ብሓደ እዮም ስዋ ዝሰትዩ ኔሮም ፡፡ ሓደ ሰብ ነኤርትራ ካባኻ ንላዕሊ ንኤርትራ ዝገበረ እንተድኣ ኰይኑ ከተኽብሮ ሞራላዊ ግዴታ ኣሎካ ፡፡ ንኤርትራ ዝሰርሓላ ዘይተኽብር እንተድኣ ኰንካ ብዝዕባ ኤርትራ ክትዛረብ መሰልው’ን የብልካን ፡፡ ኣኣፍና ዝሃበና ሃተፍተፍ ምባል ኤርትራዊ መለለዪና ኣይኰነን ፡፡ ንምዃኑ ኣንታ ዘምህረት ፡ ወልደዳዊት ብጦርሰራዊት ተኣሲሩ ንቪላጆ ዝነበረ ናይ ጦር ካምፕ ክርሸን ክውሰድ ከሎ ኣበይ ነበርካ ? ንዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ሎሚ ጽባሕ ክርሸኑ እናተባህለ ዕላማኦም ከይስሓቱ ክራባረቡ እንታይ ትገብር ኔርካ ? ሰመረ ፍስሃየ እኮ ወልደዳዊት ንማንዴላ ይመስል እዩ ዝብል ዘሎ እምበር ወልደዳዊት መልኣኽ ኔሩ ዝበለ ኣይመስለንን ፡፡ እሞ ሕጅስ ወልደዳዊት ንማንዴላ ዝማሳሰል ኤርትራዊ ታሪኽ ኣለዎ እንዶ ፡፡ ኣነ ብዛዕባ ኤርትራ ዝፈልጦ ኣብዘይነበርኩሉ እዋን ወልደዳዊት ንሞት ክቕበል ቅሩብ ኔሩ ፡፡ ዋላውን ዳሕራይ ምስኡ እጋደል እንተነበርኩ ነቲ ቅድመይ ዝፈጸሞ ጅግንነት ከቋናጽቦ የሸሽግረኒ ፡፡ ብዛዕባ መንደፈራ ትዛረቦ ዘሎኻ ኣነውን ኣብ መንደፈራ ተጋዳላይ ኔረ እየ ፡፡ ከም ሓድሽ ተመኩሮ ጌጋታት ኔሩና ኣሪምናዮ ካኣ ፡፡ ንስኻኸ እንታይ ትገብር ነበርካ ፡፡ ብምጥፋእ ጀብሃ ዝተሓጐስካ ትመስል እሞ እንኳዕ ደስ በለካ ፡ ኤርትራ ግን ኣብ ረመጽ ጀብሓ ኣይኰነትን ተሸሚማ ዘላ ፡፡

  • Truly Truly i say to you December 26, 2013

    Dear Semere Fishaye, there is a rummer Seyum Okaamichael (Harestay)the leader of the Party as died because poisoned was in Addis Abeba; not like in news we heard because of heart attack. Some say PFDJ agents as are his killers, some say Woyanes, Some even say by his own party comrades for the sake of power. Actually the third one i do not believe that much, but his party members because couldn´t see when investigate or worried about his death might be also this rummer true. Could you tell us the right reason for his death please, in case if you know about or?

  • ahmed saleh December 26, 2013

    The whole point of the obove topic of ELF histoty is to know how about it’s ups and it’s down situation . There
    are many questions which we eagerly wait to find the
    answer to internal and external conspiracy at that time .
    Sometimes we hear misleading information in praising
    individuals eventhough we know it is far from truth .

  • hanti Ertra December 26, 2013

    ተወልደ
    ኣብ ክንዲ ምስ’ዚ ጸሓፊ ኣብ ህልኽ ምእታውሲ ንስኻ እትፈልጦ ዘበለ ከምዝን ከምትን እዩ ኢልካ ምትራኽ ዶ ኣይምሓሸን? ካልኣይ ድማ እቶም ንስኻ ልዕሊ በዓል መልኣከን ወልደዳዊትን ብልሒ ኣለዎም እትብሎም በዓል መን እዮም ሓደ ብሓደ ዘይትዝርዝሮም። እቲ ዝጋደሉሉ ዝነበሩ ህዝቢ መዓስ’ዩ ተጠቃሚ ብልሖም ኮይኑ? ሓደ ንሳቶም ዝፈጸሙዎ ብልክዕ ንብልሖም ዝገልጽ ታሪኻዊ ኣበርክቶ ክትጠቅስ ዝግበኣካ እመስለኒ። ከምዘለዎ እገሌ ካብ መልኣከ ይበልሕ፥ እገሌ ካብ ወልደዳዊት እበልሕ ምባል ግን ጹጹይ ኣይኮነን። ኣብ ገድሊ ኤርትራ ብዙሕ ተራእዩ እዩ። ስልጣን ጥራይ ዘገድሶም ሰባት ስልጣን ምስ ዘይረኽቡ ነቶም ስልጣን ዝረኸቡ ሰባት ከነኣእስዎም ንሰምዕ። ብውልቂ ስለ ዝበደልዎም ውን ኣብ ቅርሕንቲ ኣትዮም ታሪኽ የጸልሙ። ኣነ ነዚ ጸሓፋይ ክድግፍ ኢለ ኣይኮንኩን ዝምልስ ዘለኹ። ንዓና ነቶም ታሪኽ ናይዞም ስዉኣት ተጋደልቲ ንሰምዕ ዘለና ዘይፈላጣት ግን ቁንጭልጭል ኣቢልካ ኣብ ምቅዋስ አእቲኻና። ንስኻን እዚ ጸሓፍን ድማ ንዓና ነቶም ኣንበብቲ ሓደ ኢኹም። ንዓኻ መልኣኽ ንጸሓፊ ድማ ሸይጣን ክንብል ኣይንኽእልን። መልኣከን ወልደዳዊትን ዘይከማኻ ስሞም ድሙቕ’ዩ ኣብ ታሪኽ ገድሊ ኤርትራ። ብኸመይ ልዕሌኻ ስሞም ክደምቕ ክኢሉ? ንስድራቤቶም ከ እንታይ ኢኻ ክትብሎም ደሊኻ? ደቅኹም ዘይጠቕሙ’ዮም ኔሮም ዲኻ ትብሎም ዘለኻ? ኣብዛ መድረኽ’ዚኣ ፥ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ተጋዳላይ ተሓኤ መልእከን ወልደዳዊትን ዘይረብሑን ዘይበላሕትን ምንባሮም ንስድራቤቶም ግለጽ? ስምካን ውዕሎኻን ኣብ ገድሊ እንተሓበርካ ድማ ዝያዳ ተእማኒ ትኸውን። ምስናይ ኣኽብሮት

  • zemhret December 26, 2013

    ተወልደመድህን ደውለለይ መን ዘምህረት ምዃነይ ክነግረካ።

    • ተወልደመድኅን December 26, 2013

      እንዳ መን ኢለ’ሞ ክድውል’የ።እምበር ኣነስ ምደወልኩልካ።ኣድራሻካ ሃበኒ ወላ ክመጻካ።ግን ክበኣስ ኣይደልንየ ምኽንያቱ ኣሪገ ስለዝኾንኩ ቑጥዕ ይብለየ።ዝኾነ ኮይኑ ከመይ ገይረ ክረኽበካ።

      • Mergem Sinku December 27, 2013

        TeweldeMedhin,

        Enda Mergem Sinku Elka dewul. This is funny.

  • berie haqi December 27, 2013

    ኣየ ሰመረ እንተኾነ ዝብላዕ ምተዛረብካ ካብ ተባሂሉ ኢሎሞ : እንተድኣ ናይ ብሓቂ ኣብጀብሃ ትጋደል ነይርካ : እቲ ሓቂ ሓቢእካ ካልእ ህርመት ኢኻ ትትርኽ ዘለኻ : ምናልባትውን ቀንዲ ቀላሲ ናይ ክፍኣት ክትከውን ስለትኽል እንተሓባእካዮውን ዝተስትርካ ትመስል : ገመል ሰሪቕካ ጉመብሕ_ጉምብሕ እዩ ነገሩ : ከይጠቐስክዎ ከይሓልፍ ብዛዕባ እቲ ኣነ ጥራይ እየ ዝፈልጦ ኢልካ ዐጀወጀው ዝበልካዮ ህልዋእውን ኣሎና ነቲ ሓቂ እንፈልጦ :

  • FALULAY December 27, 2013

    ጀብሃ ቀደም ኣየደቀሰት ሎሚ ኣየደቀሰት። ካብ ሰማንያን ሓደን ክሳብ ሎሚ እናተራብሔት ሎሚ ኣብ ኣርብዓ ሓምሳ ውድባት በጺሓ ኣላ። ጀብሃ ንህዝቢ አረትራ ካብቲ ናይ መንግስቲ እሰያስ ንላዕሊ እምበር ንታሕቲ ኣይበደለቶን። እቲ ዝኸፍአ ሎሚ እውን ህዝቢ አርትራ ተጠርኒፉ ንመንግስቲ እሰያስ ከይቃለሶ እቶም ተረፍ መረፍ ጀብሃዮም ምስ ስርዓት ወያነ እናተዃሸሙን መጋበርያኡ እናዀኑን ዕንቅፋት ሓድነትን ጥርናፈን ህዝቢ አርትራ ኮይኖም ዘለዉ። ሰመረ ዝነግረና ዘሎ እቶም ንጀብሃ ዘፍረሱ እቶም ፋሉልን ካድራትን እምበር ዓብደላ እድሪስን ብጾቱን ኣይኮኑን ኢዩ ዝብል ዘሎ። በዚ መንገድዚ ከኣ እቲ ምንቅስቓስ ፋሉል ንዲሞክራስን ንፍትሕን ዘይኮነ ንጸይቂዩ ነሩ ይብለናሎ። ሎሚ ናይ ታሪኽ ዘይኮነ ናይ ድሕነት ህዝብና ኢና ክንገብር ዝግባእ ዝነበረ። ካብ ተላዕለ ግን ምናልባት ነዚ ናይ ሎሚ ሽግርና እውን እንተሓገዘስ እቶም ንጀብሃ ዘፍረሱ ዓብደላን ብዓል ሰመረን ድዮም ወይሲ ፋሉልን ናይ ሽዑ ማሕበር ሰራሕተኛታት ካድራት ዝነበሩ። እዚ ብዘይካቲ ናይ ወያነን ሻዕብያን ናይ ምጽራግ መስርሕ ማለተይ ኢየ።
    ፋሉላይ

  • Dawit Meconen December 27, 2013

    Nobody questions the Eritrean patriotism of Woldedawit; for which, as a student activist,he was convicted and incarcerated for life by Ethiopian colonialism ; the impostor, Isaias Afewerqi, was the informant.

    However, although Woldedawit was a consummate Tegadali, he had exhibited serious deficiencies:

    He was ruthless, specially with the regard to the people of Qutsri 9 ( seraye),some of whom he incarcerated and sent to Barka Prison; slaughtered their herds simply as a retaliation when their sons he conscripted by force fled etc.

    He was also ruthless with those tegadelty who rejected the outcome of the 1975 ELF National Congress as a fraud perpetrated by Abdela Edris and co. In concert with Abdella Edris, he advocated war and carried it out on them, and as a result of which, ELF was never the same again.

    Far and beyond however, he had reduced himself as Abdella Edris puppet. And when ELF fell apart and Abdella Edris declared establishing a brad new ELF, entirely comprised of the native of Tigre population, Woldedawit joined him.

    Semere Fsahaye,

    I like your initiative and encourage you to continue but the Truth must no be compromised, and you must also weigh past relevance with their impact on our present predicament.

    I concur with you that Woldedawit was assassinated by the impostor Isaias Afewerqi. The reason being: Woldedawit knew a lot of the impostor’s darkest secrets. Incidentaly, Syoum Harestai,Tesfankiel Wedi Jorjo and many others were also assassinated by him for the same reason.

    By the way, you said that Woldedawit was assassinated in front of Yosuf’s resident, with whom he had date. You said also, Yosuf joined EPLF subsequently. I am just curious, have you ever suspected Yosuf as agent in the assassination?

    Fsahaye, although our recent past legacy is part of concrete foundation, but since our very existence is currently in a very precarious situation, and since there is no other way but through national unity based on truth that we can expose, uproot and discard the impostor with his tentacles from the back of our people, I urge you to concentrate also on the factors that unite us instead of dwelling on the past bickering. As you indicated, let future historians handle them.

    • ahmed saleh December 28, 2013

      Good point , after his friend assassination to join the suspected killers group doesn’t add up .

POST A COMMENT