Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መስደመም፣….ሓደ ታሪኽ-ክልተ ድራማ

ሓደ ታሪኽ: ተመሳሳሊ ዕድመ እዩ ነይርዎም፡ ጽቡቕ ናይ ትምህርቲ ዕድል ብምርካቦም ምሁራት እዮም፡ ካብ ንእስነቶም ንናጽነት ኤርትራ ተቓሊሶም፡ ኣብዝተቐራረበ እዋን ናብ ሰውራ ተጸምቢሮም፡ ኣብ ህግሓኤ ተሰሊፎም፡ እሙናት ወኪላት ውድብ ኮይኖም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ወጻኢ ተመዲቦም ሰሪሖም።

ሓደ ታሪኽ:

ተመሳሳሊ ዕድመ እዩ ነይርዎም፡ ጽቡቕ ናይ ትምህርቲ ዕድል ብምርካቦም ምሁራት እዮም፡ ካብ ንእስነቶም ንናጽነት ኤርትራ ተቓሊሶም፡ ኣብዝተቐራረበ እዋን ናብ ሰውራ ተጸምቢሮም፡ ኣብ ህግሓኤ ተሰሊፎም፡ እሙናት ወኪላት ውድብ ኮይኖም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ወጻኢ ተመዲቦም ሰሪሖም። ኣብ 1987 ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ህግሓኤ ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለየ ተኣፋፊ ትካላት ውድብ ብሓላፍነት ኣገልጊሎም። ድሕሪ ናጽነት ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ግንባርን ሃገራዊ ባይቶን ኮይኖም፡ ዝለዓሉ ሰበስልጣናት መንግስቲ ብምዃን ክሳብ ናይ ሚኒስተር ማዕርግ በጺሖም። ድሕሪ ማእሰርቲ ማሕሙድ ሸሪፎ ብተርታ ንሚንስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር መሪሖም። እሙናት ጸግዒ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኮይኖም ኣገልጊሎም፡ ንዕብየት ምክልኻልን ስልጣን ኢሰያስ ዘይሰናነፍ ተራ ነይርዎም፡ ከምኡ’ውን ናይ ቀረባ የዕሩኹ እዮም ነይሮም።

ኣይትሙቱና ሞይቶም፡ ላዕለዋይ ሰማይ ኣኸለ ኢልዎም ዓሪፎም፡ በቃ ኣኸለ ንታሪኽን ዛንታን ድማ ኮይኖም።

ሰብ ሓደ ታሪኽ ዓሪፎም፡ መሳርሕቶምን ሰበስልጣን ህግደፍን ከምቲ ልሙድ እንታይ ተረኽበ ክብሉን ከጸናንዑን ናብ ሰድራ ቤት መወቲ ተጓይዮም በጺሖም፡ ሓዘኖም ገሊጾም ኣጸናኒዕም። “ ሃገራዊ ሰነ-ስርዓት ቀብሪ ክግበረሎም እዩ፡ ንመንግስቲ ዝምልከት ጉዳይ እዩ፡ ጉዳይ ሓዘንኩም ጥራይ ግበሩ፡ ባዕልና ኣለናዮ፡ ኣይትሰከፉ፡ ሓበሪታት ከመጸኩም እዩ፡ ላዕልን ታሕትን ኣይትበሉ፡ ጉዳይ ቀብሪ ንዓኹም ዝምልከት ኣይኮነን” ተባህሉ፡ ተንግሮም’ውን። ስድራ ቤት መውቲ ሐዘን፡ ሓበን፡ ኩርዓት፡ ሓለፋ፡ ኩሉ ተሓዋወሶም፡ ቦታ ሓዘን ብበጻሕቲ ድብልቕልቕ ኮነ ዝሓዘኑን ዘይሓዘኑን ኣብ ሓደ መኣዲ ሓዘን ተረኽቡ። ፕረሲደንት ብሞት ናዞም ክልተ ኣብ ከቢድ ሓዘን ኣትዩ ዝእብዶ ተሳኢኑ ካን ተደኒሱ እዩ ዘሎ ዝብል ዕላል ባዶ ሰለስተ ተፈንዩ፡ ሓዘንተኛታት ሓዘኖም ከይኣኽሎም ጓሂ ፕረሲደንት ካን ከቢድዎም ኣብ ዳግማይ ሓዘን ኣተዉ። (ክሳብ’ዚ መድርኽ’ዚ ክልቲኦም ሰብ ሓደ ታሪኽ እዮም።)

1ይ ትርኢት – ሕሱም ኣውያት

እዚ ጉዳይ ሓደ ታሪኽ ክልተ ድራማ ምዃኑ ካብ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ናብ ስድራ ቀዳማይ መውቲ መርድእ ተለኣከ። እወ ሓደ ታሪኽ ክልተ ዛንታ እዩ ድማ ተባህለ፡ ብጌጋ እዩ ተነጊርኩም፡ ኣብ መዝገብና የለን፡ እዚ ድኣ ቀደም እንድዩ ሞይቱ፡ ዋላ ኣብ ካንሸለኾም ቅበርዎ፡ ኣይትሕተቱና ከይተለኩምና፡ ልዕሊ ዓቕምና እዩ፡ ቀልጥፍኩም እንተቀበርኩሞ የሓይሽ ዝብል ካብቶም ዘይሓፍሩ ወከልቲ ህግደፍ ምኽሪ ተለገሰ፡ ናብ ዓዲ ዘእቱ ፍቓድ ሬሳ’ውን የለን ተባህለ።

ብታሕቲ ታሕቲ ድማ ነቶም መጣቓዕቲ ዝኸውን መሰረት ዘይብሉ ወረ ባዶ ሰለስተ ተፈነወ። የኹን እምበር ሬሳ ዓዱ ንኸይኣቱ ንዝተገብረ እገዳ ህግደፍ ዝደገፈ የለን። ኣፍቀርቲ ህግደፍ’ውን ወግዒ እንዳባ ብዘይውነኦም ግዲ ጎልቢብዎም ኮይኑ ዓገብ ንምባል ኣኳ ትብዓት እንተዘይኣርኣዩ ትም ብምባሎም’ውን ተናኢዶም እዮም። ባንጻሩ ድማ ተቓወምቲ ረኸብቲ መከራ ነቲ መቓናቕንቶም ዝነበረ ነፍሲሄር፡ ዓዱ ኣትዩ ንቡር ሓመድ ኣዳም ኽለብስ ሞጎተኦም ብዓውታ ኣስምዑ። ዘበነ-ግሪንቢጥ ዝብልኹም ከምዚ ‘ዩ።

ስጋቦይ፡ ነዛ 1 ሜትሮ ብኽልተ ሜትሮ ትኸውን መቓብር ዓደቦ ንምርካብ ዘይተሓተተ በዓል ሰልጣን፡ ዓርኪ፡ መቕረብ ዋላው’ን እዚ ዳሕረዋይ መዋቲ ኸይተረፈ ብእግሪያ ዕቕባይ ኮታ ኩሎም (ብደዎም ዝሞቱ) ተሓቲቶም። ሓደ እኳ ንዛንታ፡ ኣብ ወግዒ ኣንዳባ ዘትክል፡ ዓገብ ዝብል ተሳኢኑ፡ ካን ከብዶም ተጀልሑ ገጽ ስድራ መዋቲ ምርኣይ ኣጊምዎም ወሰን ወሰን ምኻድ መሪጾም። እምበር ማንኪ ‘ዝማንኪ’ኳ፡ ምስ’ዝኹሉ ክፋኡ ውሳነ ጎይትኡ ከይመዘነ፡ ደረት ስልጣኑ ከይዓቀነ፡ ንስድራ መዋቲ ብዓጀባ ሃገራዊ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክግበረሉ ምዃኑ መብጽዓ አትይሎም ነይሩ እዩ።

መዋቲ ጌና ኣይተቐብረን፡ ስድራ መዋቲ፡ ከልከልቲ መቓብር ክሳብ ዝቕበሩ፡ ሬሰኦም ከይቀበሩ ክጸንሑ ምዃኖም መብጽዓ ኣተዉ። ሃገርን መሬትን ንመን ይቐርቦ ንመን’ከ ይርሕቆ’ውን ወሰኽሉ፡ የግዳስ ነዚ ምስ ሬሳ ዝተሃላለኸ ሬሳ ብግህዶ ኣባዮም ምዃኑ ብዘይምእዋጆም (ከም-ፍርሕ) ምባሎም ካብ ሕሜታ ዓዲ ኣይወዓሉን።

2ይ ትራኢት – ርሑስ ኣውያት

እወ ሓደ ታሪኽ ሓደ ዛንታ እዩ ተባህለ። ተቓዳዲሞም እወ አብ መዝገብና ኣሎ፡ ኣቐዲምና ተዳሊናሉ ኢና፡ ዓቢ ክስራ ንኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን እዩ፡ ካብ ጻት ናብ ጻት መርድእ ክንሰደድ ኢና፡ ናባና ግደፍዎ ቅሰኑ፡ ምድላዋት ክግበር ንኽሎም ዝምልከቶም ኣካላት ሰርኩላር ካብ ፕረሲደንት ተላኢኽሎም ኣሎ፡ ንሱ ባዕሉ ኣዩ ዝከተተሎ ዘሎ፡ ዝተርፍ ሰብ የለን፡ ኣብ ቀብሪ መዋቲ ዘይተሳተፈ ተሓታቲ እዩ፡ ታሪኽ ሂወት ሰለሙን ድራር ከምዝጽሕፎ ክግበር እዩ፡ ወልደንኪኤል ኣብርሃ ከንብቦ እዩ፡ ዕምባብታት ዘንብሩ በዓል ምዃኖም ብዝርዝር ቀሪቡ’ሎ፡ ናብ ሚድያ ቀሪቦም ንመዋቲ ዝምልከት ዝፈልጥዎን ዘፈልጥዎን ዝልፍልፉ ዓቀይቶት ተዳልዮም ኣለዉ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ሓድጊ ኣብ ህዝቢ ንኽላለ ዕምባባ ከቐምጥ እዩ ተባህለ። በዚ ድማ ስድራ መዋቲ ብሰናይ ፍቓድ ፕረሲደንት ስለዝተታሕዘ ግቡእተመሬት ሬሰኦም ዕጫ ቀዳማይ መዋቲ ከምዘይጋጥሞም ፈለጡ።

በዓል ስልጣን ኣብዝሞተሉ ግዜ ኣጠማምታ ፕረሲደንት ኣብ ሬሳ እንታይ ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። እወ ሬሳ ብኸመይ ይፋኖ ከም ናይ ዓንዲኪኤል ክሕሳይ ብሓውሲ ጭሉቕ፡ ዓሊ ሰይድ፡ ሳልሕ መኪ፡ ወዲ ባረ፡ ዋላስ ከም ናይ ቀዳማይ መዋቲ እገዳ ቐብሪ፡ ወይ ድማ ዉሃ-ዘበለ ወግዒ ከም ናይ ካልኣይ መዋቲ። ኩሉ ኣብ ዊንታ ፕረሲደንት ዝምርኮስ እዩ። ብዓል ስልጣን ኤርትራ ብመንገዲ ስነ-ስርዓት ቐብሩ ምስ ሞተ እዩ ዝፈልጥ፡ ማለት ዘይከም-ዓለምና ናይ ቀብሪ ፕሮቶኮል የለን። እቶም ንቀዳማይ መዋቲ ከም’ዚ ዕድል ብዘይምርካቡ ዝጉህዩን፡ እቶም ንዳሕራዋይ መዋቲ ምዕሩግ ቀብሪ ብምርካቡ ዝሕጉሱን ክልቲኦም ነቲ ጽውጽዋይ ብዘይምፍላጦም ሰነፋትን ዓያሹን እዮም።

ታሪኽ ሂወት ካልኣይ መዋቲ ዝወጾ የብሉን። ኩሎም’ቶም ብጥንቃቐ ብእንዳ ዜና ዝዕደሉ ክቡራት ቃላት ድማ ተነጊፎም ተነስኒሶምሉ እዮም። ዝተረፉ ድማ ብኣጋፈርቲ ንእዝኒ ከበዶ እዩ ነገሩ፡ ዋላ’ቶም ብህግደፍ ዝተመቑሑ ሕሩማት ቃላት ማለት ዲሞክራስያዊ፡ ፍትሓዊ፡ ፈታው ህዝቢ፡ ዘይፈላሊ ወዘተ ዝብሉ ዶብ ጢሒሶም ንካልእይ መዋቲ ከስንዩ ኣእዛን ዃሕኹሑ። ሰማዒ ዝን በለ ነቲ ተዋስኦ ካብቲ ሓቂ ከፈልዮ ኣእምሮ ዝክርታቱ ክግንጽል ሕልና ድማ ክፈርድ ግድን ኮነ። እቶም ታሪኾምን ጅግንነቶም ከይተንግረሎም ኣብ ፈቐዶ ቦታት ዝሞቱን ዝቕበሩን ዘለዉ ኣሻሓት ሓርበኛታት፡ በብሓደ ምዝካር ግድን እዩ። ምስ’ዚ ፈስቲቫላዊ ቐብሪ ህግደፍ ብምንጽጻር ድማ ንኣብርክቶኦም ተረኦም ጅግንነቶም ራኢኦም ከምኡ’ውን ተወፋይነቶም ክድህሰስ ነይርዎ። ነቲ ሓቂ ካብ ተዋስኦ ንምፍላይ ክሕግዝ ድማ ብሕልና ነቶም ንፕረሲደንት ተቓዊሞም ቅዋማዊ ስርዓት ንኽትከል ዝጠለቡ’ሞ ን12 ዓመት ሃላዋቶም ዘይፍለጥ እሱራት ዒላዒሮ ምጽብጻብ እኹል እዩ። ማሕሙድ ሸሪፎ፡ ድሩዕ፡ ጴጥሮስ፡ ዑቕበ፡ ብርሃነ፡ ሳልሕ ከክያ፡ ጀርማኖ፡ ኢስቲፋኖስ፡ ሓምድ፡ በራኺ ፓፓዮ ሰናይት ሚርያም ኣስቴር ኣባዓረ ኣልኣዛር ፈርዖን ስራጅ ሳህለ ጀሽዋ ኩሎም ጋዚጠኛታ ወዘተ።  ነዚኦም ሸሚምካ ዝግበር ድራማ ቐብሪ ህግደፍ ነቶም ስነ-ስርዓት ቀብሪ ገይረሎም ዝብሎም ዘሎ’ውን ጣቋ ዘለዎ ሓቀኛ ቀብሪ ኣይኮነን።

ማህደረ  ተስፋዝጊ

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
32 COMMENTS
  • wedi zibolo August 10, 2013

    The most disterbuing in this funeral was do you guys attention about his son for dictator put a flower for w,micael. It is the time the royal readership start now.

    • Nahom August 10, 2013

      Abraham is in the stage of rehabilitation to inherit the power after his father, like the sons of dictatorial regimes.

    • Genet August 11, 2013

      Well, All Eritreans. This is your chance, now to speak out and to come together as one people to stop this man called DIA. You accepted this man and his crime against our people and country for 22 years. 22 years of death of our people; 22 years of distraction of our civil society; 22 years of distraction of our higher education; 22 years of indoctrinating our young Eritreans in to thinking Mr Afewerqi knows what is good for them. NOW, we are facing with the idea of having Mr Afewerqi’s son as a sham leader for our people. Most of us who have been opposing this bogus man, Mr Afewerqi and the PFDJ’s system, knew this was coming. It is unacceptable to all Eritreans to have a dictator destroy our country and Now to have his son to take over to continue the killing of our people; the destruction our country. He shouldn’t be allowed to continue to do this because he has this undying desire and obsession to rule something. Even worst, to pass his lunatic ideas to his son. So to make sure that his crimes against Eritrea are not challenged by the coming Eritrean generations.

      ALL ERITREANS, IT IS NOT ACCEPTABLE TO PUT UP WITH THE SECOND GENERATION OF MR AFEWERQIS. IT IS GOING TO END NOW! THE CRIME AGAINST OUR PEOPLE BY MR AFEWERQ. HIS SON IS NOT GOING TO TAKE AWAY OUR FUTURE. WE ARE GOING TO STOP HIM IN ANY MEANS NECESSARY. THIS GOES TO EVERY ONE INCLUDING THE ALL PFDJ’S SUPPORTERS. NOW IS THE TIME TO WAKE UP AND THINK. YOU SUPPORTED HIS FATHER BECAUSE YOU BELIEVED HIS WORDS, GAVE HIM THE BENEFIT OF THE DOUBT THAT HE HAS GOOD INTENTIONS FOR OUR COUNTRY. I DON’T KNOW IF THERE IS ANY REASONS FOR YOU, PFDJ’S SUPPORTERS, TO ALLOW AND SUPPORT MR AFEWERQ’S INTENTIONS TO HAVE HIS SON TAKE OVER OUR FUTURE. IF YOU DON’T THINK HARD AND CAREFULLY NOW, WE (ERITREANS) WILL HAVE A DEADLY CIVIL WAR THE WORLD HASN’T SEEN YET. SO, MY THOUGHT, MR AFEWERQI AND HIS SON ARE NOT WORTH TO FIGHT A DEADLY WAR AMONG US. MR AFEWERQI’S FAMILY HAD THEIR CHANCES TO DO THE RIGHT THING BY OUR PEOPLE AND COUNTRY. THEY FAILED MISERABLY. WHY GIVE THEM MORE CHANCES?
      Genet

      • belay nega August 11, 2013

        Ghenet

        What is your evidence that Abraham Esayas will take over?

        • belay nega August 11, 2013

          Sorry the above question is for Genet not for Ghenet.

          • Genet August 11, 2013

            Mr Nega,
            I am not stupid; the Eritrean people are not stupid. You will see. Why do you think, that Eritrea has no vice president? I don’t know about you, but the spot is reserved for a special some one. I know it is not you Mr Nega.
            Genet

      • Awet August 13, 2013

        Indeed right in front of our eyes the North Korea of Africa is is passing power to the next generation within the family. He she is grooming his son to become the next president. He purposely brought his son up to the funeral for showcase so he can get sympathy from the people.
        Down to dictators.

        • Mt.Sorya The Magnificent August 13, 2013

          Any person can become the president of Eritrea as long as he gets enough public support.

          • Genet August 16, 2013

            Not in the dictator Eritrea

        • belay nega August 14, 2013

          Please have sympathy,at least to your nephew.

  • Kombishtato August 10, 2013

    The article is very cleverly written; Issaias uses a single yardstick or meter-stick, not a double or triple standard as some of you tried to allude.
    The stick is called loyalty-to-Issaias. No matter who you are whether Petros of Adi Gebray, Ali Said Hirgigo, Mesfin Hagos Azien, Abdela Jabir Bogos, Haile Drue Mereta Sebene, Ermias Papya Adi Nefas, Naizgi Mendefera … If you are loyal to Issaias Afewerki and Hgdef, you are rewarded, if not you will be demoted or even thrown to Adi Abeyto or Prima Barentu.
    Issaias is mainly driven by self preservation at any cost; this has served and preserved him thus far since the 1970s, and he will apply this to the end.

    • belay nega August 10, 2013

      Kombushtato

      You are right,the so called G15 were AMENABLE until Ethiopian gov in 2000 made them step on the banana peal.

  • yared August 11, 2013

    eretra n kulu eya mo etom hemak zgebru gedom eyom zgebru zelewu gidena netsebe

  • habtom August 12, 2013

    I agree with you ghenet…hope and pray to stop this stupid primitive mind in our age…..hope new generation ignore us.

Post a Reply to belay nega Cancel Reply