Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ምእንቲ ክዕወት ተሳታፍነትና ነዕዝዝ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2014፣ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ተፈጺሞም ንዝብሃሉ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዘጽንዕ መርማሪ ኮምሽን ክቐውም ምውሳኑ ኣገዳሲ ፍጻሜ እዩ። መሰል ሰብ ኣብ ዘኽብራ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም፣ ኣብ ልዕሊ ዜጋታተን ንዘጋጥሙ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2014፣ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ተፈጺሞም ንዝብሃሉ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዘጽንዕ መርማሪ ኮምሽን ክቐውም ምውሳኑ ኣገዳሲ ፍጻሜ እዩ።

መሰል ሰብ ኣብ ዘኽብራ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም፣ ኣብ ልዕሊ ዜጋታተን ንዘጋጥሙ ጭውያን ምሕቃቕን፣ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ሞትን ዝኣመሰሉ በደላት ንምምርማር በብደረጃኡ ከምዚ ዝኣመሰለ መርመራታት የካይዳ እየን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ግን፣ እቲ ገበነኛ ባዕሉ ስለዝኾነ መርመራ ዝብሃል ኣምር ኣብ መዝገበ ቃላቱ የለን። በዚ ምኽንያት ኣብዚ ዝሓለፈ 23 ዓመታት ናጽነት፣ ኣብ ኤርትራ ተዋህሊሎም ዘለዉ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም።

እታ በዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ገበነኛ ስርዓት ተመቝሓ ዘላ ሃገርና ኤርትራ፣ ከም ኣባል ስድራቤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት መጠን፣ ተጠቃሚት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገልግሎታት ክትከውን ግቡእ ኣለዋ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ዋላ ‘ኳ እንተደንጔየ ሓላፍነቱ ዘኪሩ ግቡኣ ብምሃቡ ክምስገን ዘለዎ ስራሕ እዩ።

እቲ ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብእትርከቦም ሰለስተ ኣባላት ዝቐውም መርማሪ ኮምሽን፣ ጸብጻብ ውጽኢት መጽናዕቱ ናብ ካልኦት ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ብምቕራብ ዕማሙ ኣብ ሓደ ዓመት ክዛዝም ምዃኑ እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዋህበ መግለጺ የረድእ።

መርማሪ ኮምሽን ጽፉፍ መርመራ ብምክያድ ኣድማዒ ስራሕ እንተደኣ ኣሳሊጡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መንገድታት ደገፍ ክኾኖ ይኽእል እዩ። ገለ ካብቶም ጠቕምታት እዞም ዝስዕቡ እዮም።

1ይ –  ማሕበረሰብ ዓለም ኣብቲ ሰነድ ተመርኵሱ ብመንገዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ስርዓት ሰብኣዊ መሰላት ከኽብርን ብኣህጉራዊ ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት ክቕየድን ዝሓየለ ጸቕጢ ክገበረሉ ወይ ስጉምቲ ክወስደሉ ይኽእል

2ይ – እቲ ሰነድ ተሰማዕነት ዘለዎ መወከሲ እንተደኣኮይኑ፣ ሃገራት ዓለም ብተናጸል ምስቲ ስርዓት ንዝገብራኦ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክሓስባሉ፣ ዕድመ ናይቲ ስርዓት ኣብ ምንዋሕ ተራ ዘለዎም ወፍርታት ንዘካይዳ ኩባንያታተን ከማኽራን ጸቕጢ ክገብራን ክቕሰባ ክድርኸን ይኽእል

3ይ – ነጻ ማዕከናት ዜና ኤርትራን ዓበይቲ መደበራት ዜና ዓለምን ኣብቲ ሓበሬታ ተመርኵሰን ንበደላት ናይቲ ስርዓትን መሳርሒኡን ብምውዕዋዕ ኣህጉራዊ መልክዕ ከምዝሕዝ (Internationalized) ከምዝኸውን ብምግባር፣ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝንጸል፣ ህዝቢ ዓለም ‘ውን መንግስታቱን ትካላቱን ከምዚ ንዝኣመሰለ ዓመጸኛ ስርዓት ካብ ምድጋፍ ክቝጠቡ ከተሓሳስቡ ክድርኻ ይኽእላ

4ይ – ኣብ ኤርትራ ለውጢ ኣብ ዝረጋገጸሉ እዋን ኣብ ናይ ዕርቅን ስኒትን መስርሕ ንህዝቢ ኤርትራ መወከሲ ክኾኖ ይኽእል

እቲ ኤርትራውያን ከነስተብህለሉ ዘለና ኣገዳሲ ጉዳይ እምብኣር፣ ነዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብመንገዲ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣሕሊፉዎ ዘሎ ውሳኔ ኣብ ምዕዋት እጃምና እንታይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እዩ። ምቛም መርማሪ ኮምሽን መጀመርታ ናይ ‘ቲ ዕማም እዩ። እቲ ኮምሽን ኣድማዒ ስራሕ ከሳልጥ እንተድኣ ኮይኑ፣ ብቐንዱ ሓበሬታ ዝህቡ ርጡባት መሰኻኽር ክርከቡ ኣለዎም። እቶም መሰኻኽር ተሳታፍነት ከርእዩ ቅሩባት ዝኾኑ ኸኣ፣ ኣብቲ ኮምሽንን ኣሰራርሓኡን ምትእምማን ምስ ዝህልዎም እዩ። እዚ ግን ብኸመይ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል?

ቅድሚ ኹሉ እዚ ጉዳይ’ዚ ሃገራዊ ጉዳይ ምዃኑ፣ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ብሕልፊ ድማ ወጽዓ ግዳያቱ ንምምርማር ዝቖመ ኮምሽን ከምዝኾነ ክንፈልጥ ይግባእ። ‘ሳላይ እዩ ተፈጢሩ፣ ውላደይ እኮ እዩ፣ ርኣዩዎ ‘ሞ ክጽብቕ’ እናበልካ ምንያትን ጃህራን ክግበረሉ ዝግባእ ኣይኮነን። እዚ፣ ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ቁሩብ እዋናት፣ ከማና ንዝተጸገማ ሃገራት ማእከላይ ኣፍሪቃ (Central African Republic) ከምኡ ‘ውን ንሶርያ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዋህበ፣ ንኤርትራ ‘ውን ዝተወሰነላ፣ ድምር ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራን፣ ድምር ጻዕሪ ኤርትራውያንን ኣህጉራውያን መሓዙት ህዝቢ ኤርትራን ዘፍረዩዎ እምበር፣ ብ ለበዋ ወይ ሎቢ ሓደ ውልቀሰብ ዝተረኽበ ውሳኔ ኣይኮነን። ዋንኡ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት፣ ብጽፍጻፍ መስዋእቲ ተረኺባ መቓልሕ ስዉኣት ዘይስምዓላ ሃገር፣ ናይ ታዕሪፋ ጌርካ ናይ ቕርሺ ዘረባ ቁሩብ ከሕንከና ይግባእ። ህዝቢ የዒንቲ ኣለዎ ክምስክር ‘ዩ፣ ተግባር ከኣ ኣፍ ኣለዎ ባዕሉ ክዛረብ እዩ። ልብን ቀልብን ኣብ ቀንዲ ጉዳያት ከተኩሩ ኣለዎም። ኣብዚ እዋን’ዚ ዝድለ ዘሎ፣ ነቲ ዝዓበየ ዕላማ ንምዕዋት አእጃምና ምብርካት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዝንባለ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ክርአ ‘ኳ እንተጸንሐ፣ ብመንጽር ኣገዳስነት ናይ’ዚ ዕማም’ዚ፣ ነዚ ጉዳይ’ዚ ከምቶም ዝሓለፉ ሸለል ምባሉ ድኽመታት ከምጽእ ስለዝኽእል፣ ህዝቢ ክልብመሉ መታን ምጥቃሱ ኣገዳሲ ይኸውን።

ስለ’ዚ፣ ስርሓት ናይቲ ኮምሽን ብኸምዚ ዝኣመሰለ ፋይዳ ዘይብሉ ውልቃዊ ህንጡይነታት ከይፈኵስ፣ ብዓቢኡ እቲ ውሳኔ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሚዛኑ ከይጎድል፣ መሰኻኽር ኮነ ኩሎም ኣብቲ ዕማም እጃሞም ከበርክቱ ዝኽእሉ ኤርትራውያን ‘ውን ዝሕጥሕጥ ከይብሉ፣ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ ኸኣ ካልእ ዕድል ከየምልጦ መታን ምስትብሃልን ምምኽኻርን ዘድልዮ ጉዳይ እዩ።

እዚ ኩነታት’ዚ ተመቻቺኡ፣ መርማሪ ኮምሽን ስርሑ ብኣድማዕነት ከሳልጥ እምብኣር፣ ኣብ ወጻኢ ዘለው ብዙሓት ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት (ማሕበራትን ውልቀሰባትን) ናይ ሕጊ ክኢላታትን ጠበቓታትን፣ ዓበይቲ ዓድን ምሁራትን ተነጣጠፍትን ተራኺቦም፣ ብዛዕባ’ዚ ኣገዳሲ ጉዳይ’ዚ ዓሚቝ ምይይጥ ከካይዱ ይግባእ።

ገበናትን ገበነኛታት ናይ ምጽናዕን ምጽብጻብን ዕማም፣ ብዓቢኡ ሰባት ምፍራድ ዘጠቓልል  ጉዳይ ብምዃኑ ኣቕሊልካ ክርአ ዘለዎ መደብ ስራሕ ኣይኮነን። ኣፍልጦ ያታን ባህልን ሕብረተሰብ፣ ሕጋዊ ሞያን ክእለትን፣ ብስለት፣ ንጽህና፣ ካብ ቲፊዞን ሰበይሰብካን ነጻ ዝኾነ ውድዓውነትን ዘይሻራነትን፣ ዝተወሃሃደ ስራሕን ምምኽኻርን ዝሓትት፣ መሰኻኽር ልዑል ምስጢራውነት ዝጠልቡሉ፣ ህዝቢ ግልጽናን ተሓታትነትን ዝደልየሉ ርዝነት ዘለዎ ስራሕ እዩ። ንሞያውያን እምበር ንውልቀሰባት ዝግደፍ ተራ ዕዮ ኣይኮነን።

ኣብ ኤርትራ፣ ዋላ ብዋጋ ህይወትን ሕስረትን ህዝቢ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ምውጣሕ ጥራይ ዝዓጦ ሓላፍነት ኣልቦ ስርዓት ስለዘሎ፣ ብደረጃ ኣፍሪቃ ‘ኳ ክብረት ህዝቢ ኤርትራ ባይታ ዘቢጡ እዩ። እቶም ኣብ ወጻኢ እንርከብ ዜጋታት ‘ውን ስለዘይተጠርነፍናን ዘይተወሃሃድናን፣ ክብረትን ደረጃን ህዝቢ ኤርትራ ክንዕቅቦ ኣይከኣልናን። አእጃምና ከነበርክት ኒሕን ቅሩብነትን ስለዘየርኣና፣ ሞይኡን ዕምቆቱን ብዘየገድስ፣ ዘንቀደ 10 ሚእታዊት ገይሩ 90 ሚእታዊት ከበላሾ ከሎ ከይተረፈ፣ ሸለል ክንብሎ ንግደድ ኣለና። ብሰንኪ እዚ እንታይ ገደሰኒ ዝብል ዝንባለን፣ ተጸባይነትን ድማ ብዙሕ ይበዅረና ኣሎ።

ስለዚ፣ እዚ ብመርማሪ ኮምሽን ክዕመም ተወጢኑ ዘሎ፣ ገበነኛታት ኣብ መዝገብ ንምስፋር ጥራይ ዘይኮነ፣ ዕርቅን ስኒትን ‘ውን ኣብ ምርግጋጽ እጃም ክህልዎ ዝኽእል ስራሕ፣ ደረጃን ምትእምማንን ብዘለዎ መንገዲ ብኣድማዕነት መታን ክሰላሰል፣ እቶም ክብ ክንብል ዝጠቐስናዮም ሰብ ሞያ ተራኺቦም፣ ነቲ ጉዳይ ብምድህሳስ ምስቲ ኮምሽን ክደጋገፍ ዝኽእል ሓደ ርጡብ ግዝያዊ ሽማግለ (Ad hoc Committee) ክመዙ ዕዙዝ ኣገዳስነት ዘለዎ እዋናዊ ዕማም እዩ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣሰና ፋውንዴሽን

28 ሓምለ 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
37 COMMENTS
  • abrham July 28, 2014

    ane ab 2000 ametemhret ab Trak B 6 werhi teasire neyre,” koblilka ” tebahile.kab kdmi natsnet kab meda teasirom zmetsu frdi ykun ksi zey blom, meas kwetsu mkanom zey feltu lieli 20 tegadelti abiu neyrom,bes teresiom.

    koblilka tebahilu wedi hatney,ab mereb setit tereshinu……….kalie kalie zfelto aleni,

    bkemey eye neta commission zrekba,??kedamai ane aleku ksey zekrb

  • abel July 28, 2014

    ane ab ahdu 39 ne haxeri gzye tesatife nere eya. hade gzye dima kem personal (computer unit) koyne netife nere eya abu zineberu nay zitereshenu sebat be azezty ety ahadu (bebei gzeu bzineberu) ms reaku akalatey fet fet kibileni ms jemere akuarixeyo minibabe .tenki meresheniom dima ne ethiopia kesigirun kesegrun sile ziterekibu eyu zehizin eyu ab edaga beray win teasire nere be zey welikiwo geben abu zelo zesikahikehi gefii ab film reyeyo ayfelitin eya (hell on earth).kabu hadime eya wexiye…. but i wana knw how to meet the commissioner for human right

  • Tesfu Kbrom July 28, 2014

    Anewn aleku bzey frdi hamushte amet ab enda wenjel zteaserku, 80 sebat bleyti wesdiom kab’u reshinomom ybhal eto sebat tefiom iyom dhri’u. ab serawit kobløilkum tebahilom bkfle serawit filipos zteresheneu zfeltu sebat aelilomni wezete wezete. bzuh seb alo gbrawi gif’i zegatemo, bkemey gn ms komshn yrakeb habereta yeblun emo habruna assenna.

  • Tesfazghi Yitbarek July 28, 2014

    I thank you assena foundation for this original suggestion to bring to the public attention.Amanuel as the owner and journalist of assena.com,again thank you for the priceless advice you are giving us.There are a lot of individuals who tirelessly been working for so long and this is the opportunity that they can bundle their efforts together and support the commission that is asigned for us all.Especially the point you mentioned as one of the most important suggestion is that one day we Eritrean citzens have to reconcile with each other and build astate with all the required institutions that a nation requires to survive and prosper.I for one support your suggestion that we must act produntly and responssibily in such manner as to support and give imputus to the commission.

  • Kidan, Sudan July 28, 2014

    there is thousands of cases we need to get the address who to contact, please assenna build up the network and provide us address who to contact and how. there are concert cases that investigate by medical foundation torture cases that we need to put forward, ready documents.

  • ERITRAWIT July 28, 2014

    Atum yehwat entay da terefew alo ab Eritrea bejakum tfeltwo tehababerew hzbna tewedew ko.

  • Messinas July 28, 2014

    ብመጀመርያ እንቋዕ ናብዚ ፈላሚ ዓወት ኣብጽሓና! ክብል እፈቱ። ነቶም ንዓለም ንግፍዕን ስቅያትን ኤርትራውያን ዓይና ከተውድቐሉ ዝገበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን ይኹኑ መሓዙት ወጻእተኛታት ከኣ ክብርን ምስጋናን ይኹኖም። ግን መታን ግዜን ወረቐትን ክንቁጥብሲ እቲ ሕቶ እንተ ዚቕየር ምሓሸ እመስለኒ። ማለት ካብ ‘ዝተገፍዐን ግፍዒ ዝረኣየን ምስክሩ ይሃብ’ ምባል ዘይተገፍዐን ግፍዒ ዘይረኣየን ኣነ ኣለኹ ይበል ምባል ምቐለለ ይመስለኒ። ምኽንያቱ ብህግደፍ ዘይተገፋዕና ኤርትራውያን እንተኣሊናስ ኣዚና ውሑዳት ኢና ክንከውን ንኽእል!

    “ድምር ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራን፣ ድምር ጻዕሪ ኤርትራውያንን ኣህጉራውያን መሓዙት ህዝቢ ኤርትራን ዘፍረዩዎ እምበር፣ ብ ለበዋ ወይ ሎቢ ሓደ ውልቀሰብ ዝተረኽበ ውሳኔ ኣይኮነን። ዋንኡ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት፣ ብጽፍጻፍ መስዋእቲ ተረኺባ መቓልሕ ስዉኣት ዘይስምዓላ ሃገር፣ ናይ ታዕሪፋ ጌርካ ናይ ቕርሺ ዘረባ ቁሩብ ከሕንከና ይግባእ። ህዝቢ የዒንቲ፣ ተግባር ከኣ ኣፍ ኣለዎ። ባዕሎም ክምስክሩ እዮም”

    ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ እዚ ቃላት’ዚ ንምንታይ ኣድለየ? ንመን’ዩ ብዘየገድስ ከምዚ ዚበለ መአረምታድዩ ወቐሳ ካባኻ እንጽበዮ ነገር ኣይኮነን። እቲ ዝድለ እቲ ተረኺቡ ዘሎ ዓወት’ዩ፣ ብውልቀ ሰብድዩ መጺኡ ብጉጅለ ብዘየገድስ ንእኡ ምትብባዕ ጥራይዶ ኣይኮነን ዘድልየና!? ንምትብባዑ ከኣ በዚ ጽሒፍካዮ ዘለኻ ሓበሬታ ስጉምቲ ወሲድካ ኣለኻ! ዋላውን ኣነ ንበይነይ እየ ሰሪሐሉ ኢሉ ዚምድር ሰብ እንተ ተረኽበውን ከምቲ ዝበልካዮ ‘ህዝቢ ዓይንን እዝንን ስለ ዘለዎ’ እቲ ኣብዚ ናይ ብሓቂ ዚጸዓረ ሰብ ፍሉጥ ስለ ዚኾነ ንስኻ ኣይሰራሕካን ወይውን ቊሩብ ኢኻ ሰሪሕካ ኣይትጀሃር ክንብሎውን ዘድልየና ኣይመስለንን።

    ብፍላይ ንስኻ ሓቂ ንምዝራብ ርእሲ ኩሎም ተቓለስቲ ፍትሒ ስለ ዚኾንካ ንኹሉ ነዚ ለይትን ቀትርን ትሰርሓሉ ዘለኻ ዕላማ ኣበርክቶኡ ዚገበረ ሰብ ከም ኣቦን ዓቢ ሓውን ብስራሕ ከተተባብዖ’ዩ ትጽቢትና! በዚ መሰረት ብዘይካ ምስታ ብፍላጥ ተቓዋሚት እናመሰለት ኣንጻር ፍትሒ እትቃለስ ዘላ መሽረፈት ኔት ከኣ ምስ ካልኦት ምስ ኩለን ማዕከናት ዜና ኤርትራውያን ሓያል ምውህሃድ ምእንቲ ኪህሉን ኣዝዩ ኣድማዒ ንኪኸውንን ካብዚ ሓሊፍካውን ነዞም ናይ ኢንተርነትን ካልእን ዕድልን ኣፍልጦን ዘይብሎም ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ዝነብሩ ወለድና ካብዛ ከም መኽደን ቺቸቶ ብተስፋ ኣፉ ዓቢሳቶ ዘላ ተለቪዥን ህግደፍ ሓራ ንምውጸኦም ሓንቲ ዓባይ ናይ ተሌቪዥን መደበር ተሓባቢርካ ንምምስራትን ምእንቲ ኪከኣል ፈላምን ኣብነታውን ስጉምቲ ኪትወስድ’ዩ ትጽቢትና! እዚ ዕማም’ዚ ከኣ ሓለፋ ኩሎም ካባኻ ኢና ንጽበዮ! ምኽንያቱ ንስኻ ዝያዳ ኩሉ ትብዓት፣ ብቕዓትን ተመኩሮን ስለ ዘሎካ! የቐንየለይ።

    ካብ ደላይ ጽቡቕካን ኣድናቒኻን ሓውካ መሲናስ

  • Banna July 28, 2014

    Assena pleas post the contact details of the commission and how people could give their stories.

  • WediHagher July 28, 2014

    Crimes committed by Iseyas and his regime have to be documented and brought to the attention of all Eritreans so that justice can be done. If we fail to do that our sufferings will continue. The regime will try to bring other issues that divide people to avoid accountability and get away with it. Summary executions of civilians taken from streets and their homes in the middle of the night should be brought to the attention of the commission. Extra-judicial killings in the army and in prisons should be also investigated.
    Higdef is sitting on a mountain of skulls and when all the cases are documented we may come to know that a genocide was committed.
    There are a lot or ordinary people who were forced to implement these crimes. If they had to refuse they would be killed. Their case is different, but all those who gave orders or officers who supervised, should face justice.

  • Ti July 28, 2014

    ab 2002 iyu blkE neti ewan kzkro aykEln iye, bqereba zfelTo ab salsay werar tewegiu (malet 1 idu frqi lmsti zneberet) entekhone gn ayteTayesen. koblilka tebahilu, ab keren bznebere police b Aba Kebdu zfleT (1.Haqeja smun 2.Hiji ab keren alo diyu yelen ayfelTn iye ) kab gezu kem ztewesde emo, bzey gele dhay kem ztesherbe. ab 2003 dma swu tebahilu tenegiru. ab kebabi mendefera kem tereshene semiE.

1 2 3

POST A COMMENT