Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ምእንቲ ክዕወት ተሳታፍነትና ነዕዝዝ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2014፣ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ተፈጺሞም ንዝብሃሉ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዘጽንዕ መርማሪ ኮምሽን ክቐውም ምውሳኑ ኣገዳሲ ፍጻሜ እዩ። መሰል ሰብ ኣብ ዘኽብራ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም፣ ኣብ ልዕሊ ዜጋታተን ንዘጋጥሙ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2014፣ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ተፈጺሞም ንዝብሃሉ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዘጽንዕ መርማሪ ኮምሽን ክቐውም ምውሳኑ ኣገዳሲ ፍጻሜ እዩ።

መሰል ሰብ ኣብ ዘኽብራ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም፣ ኣብ ልዕሊ ዜጋታተን ንዘጋጥሙ ጭውያን ምሕቃቕን፣ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ሞትን ዝኣመሰሉ በደላት ንምምርማር በብደረጃኡ ከምዚ ዝኣመሰለ መርመራታት የካይዳ እየን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ግን፣ እቲ ገበነኛ ባዕሉ ስለዝኾነ መርመራ ዝብሃል ኣምር ኣብ መዝገበ ቃላቱ የለን። በዚ ምኽንያት ኣብዚ ዝሓለፈ 23 ዓመታት ናጽነት፣ ኣብ ኤርትራ ተዋህሊሎም ዘለዉ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም።

እታ በዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ገበነኛ ስርዓት ተመቝሓ ዘላ ሃገርና ኤርትራ፣ ከም ኣባል ስድራቤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት መጠን፣ ተጠቃሚት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገልግሎታት ክትከውን ግቡእ ኣለዋ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ዋላ ‘ኳ እንተደንጔየ ሓላፍነቱ ዘኪሩ ግቡኣ ብምሃቡ ክምስገን ዘለዎ ስራሕ እዩ።

እቲ ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብእትርከቦም ሰለስተ ኣባላት ዝቐውም መርማሪ ኮምሽን፣ ጸብጻብ ውጽኢት መጽናዕቱ ናብ ካልኦት ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ብምቕራብ ዕማሙ ኣብ ሓደ ዓመት ክዛዝም ምዃኑ እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዋህበ መግለጺ የረድእ።

መርማሪ ኮምሽን ጽፉፍ መርመራ ብምክያድ ኣድማዒ ስራሕ እንተደኣ ኣሳሊጡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መንገድታት ደገፍ ክኾኖ ይኽእል እዩ። ገለ ካብቶም ጠቕምታት እዞም ዝስዕቡ እዮም።

1ይ –  ማሕበረሰብ ዓለም ኣብቲ ሰነድ ተመርኵሱ ብመንገዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ስርዓት ሰብኣዊ መሰላት ከኽብርን ብኣህጉራዊ ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት ክቕየድን ዝሓየለ ጸቕጢ ክገበረሉ ወይ ስጉምቲ ክወስደሉ ይኽእል

2ይ – እቲ ሰነድ ተሰማዕነት ዘለዎ መወከሲ እንተደኣኮይኑ፣ ሃገራት ዓለም ብተናጸል ምስቲ ስርዓት ንዝገብራኦ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክሓስባሉ፣ ዕድመ ናይቲ ስርዓት ኣብ ምንዋሕ ተራ ዘለዎም ወፍርታት ንዘካይዳ ኩባንያታተን ከማኽራን ጸቕጢ ክገብራን ክቕሰባ ክድርኸን ይኽእል

3ይ – ነጻ ማዕከናት ዜና ኤርትራን ዓበይቲ መደበራት ዜና ዓለምን ኣብቲ ሓበሬታ ተመርኵሰን ንበደላት ናይቲ ስርዓትን መሳርሒኡን ብምውዕዋዕ ኣህጉራዊ መልክዕ ከምዝሕዝ (Internationalized) ከምዝኸውን ብምግባር፣ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝንጸል፣ ህዝቢ ዓለም ‘ውን መንግስታቱን ትካላቱን ከምዚ ንዝኣመሰለ ዓመጸኛ ስርዓት ካብ ምድጋፍ ክቝጠቡ ከተሓሳስቡ ክድርኻ ይኽእላ

4ይ – ኣብ ኤርትራ ለውጢ ኣብ ዝረጋገጸሉ እዋን ኣብ ናይ ዕርቅን ስኒትን መስርሕ ንህዝቢ ኤርትራ መወከሲ ክኾኖ ይኽእል

እቲ ኤርትራውያን ከነስተብህለሉ ዘለና ኣገዳሲ ጉዳይ እምብኣር፣ ነዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብመንገዲ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣሕሊፉዎ ዘሎ ውሳኔ ኣብ ምዕዋት እጃምና እንታይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እዩ። ምቛም መርማሪ ኮምሽን መጀመርታ ናይ ‘ቲ ዕማም እዩ። እቲ ኮምሽን ኣድማዒ ስራሕ ከሳልጥ እንተድኣ ኮይኑ፣ ብቐንዱ ሓበሬታ ዝህቡ ርጡባት መሰኻኽር ክርከቡ ኣለዎም። እቶም መሰኻኽር ተሳታፍነት ከርእዩ ቅሩባት ዝኾኑ ኸኣ፣ ኣብቲ ኮምሽንን ኣሰራርሓኡን ምትእምማን ምስ ዝህልዎም እዩ። እዚ ግን ብኸመይ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል?

ቅድሚ ኹሉ እዚ ጉዳይ’ዚ ሃገራዊ ጉዳይ ምዃኑ፣ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ብሕልፊ ድማ ወጽዓ ግዳያቱ ንምምርማር ዝቖመ ኮምሽን ከምዝኾነ ክንፈልጥ ይግባእ። ‘ሳላይ እዩ ተፈጢሩ፣ ውላደይ እኮ እዩ፣ ርኣዩዎ ‘ሞ ክጽብቕ’ እናበልካ ምንያትን ጃህራን ክግበረሉ ዝግባእ ኣይኮነን። እዚ፣ ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ቁሩብ እዋናት፣ ከማና ንዝተጸገማ ሃገራት ማእከላይ ኣፍሪቃ (Central African Republic) ከምኡ ‘ውን ንሶርያ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዋህበ፣ ንኤርትራ ‘ውን ዝተወሰነላ፣ ድምር ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራን፣ ድምር ጻዕሪ ኤርትራውያንን ኣህጉራውያን መሓዙት ህዝቢ ኤርትራን ዘፍረዩዎ እምበር፣ ብ ለበዋ ወይ ሎቢ ሓደ ውልቀሰብ ዝተረኽበ ውሳኔ ኣይኮነን። ዋንኡ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት፣ ብጽፍጻፍ መስዋእቲ ተረኺባ መቓልሕ ስዉኣት ዘይስምዓላ ሃገር፣ ናይ ታዕሪፋ ጌርካ ናይ ቕርሺ ዘረባ ቁሩብ ከሕንከና ይግባእ። ህዝቢ የዒንቲ ኣለዎ ክምስክር ‘ዩ፣ ተግባር ከኣ ኣፍ ኣለዎ ባዕሉ ክዛረብ እዩ። ልብን ቀልብን ኣብ ቀንዲ ጉዳያት ከተኩሩ ኣለዎም። ኣብዚ እዋን’ዚ ዝድለ ዘሎ፣ ነቲ ዝዓበየ ዕላማ ንምዕዋት አእጃምና ምብርካት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዝንባለ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ክርአ ‘ኳ እንተጸንሐ፣ ብመንጽር ኣገዳስነት ናይ’ዚ ዕማም’ዚ፣ ነዚ ጉዳይ’ዚ ከምቶም ዝሓለፉ ሸለል ምባሉ ድኽመታት ከምጽእ ስለዝኽእል፣ ህዝቢ ክልብመሉ መታን ምጥቃሱ ኣገዳሲ ይኸውን።

ስለ’ዚ፣ ስርሓት ናይቲ ኮምሽን ብኸምዚ ዝኣመሰለ ፋይዳ ዘይብሉ ውልቃዊ ህንጡይነታት ከይፈኵስ፣ ብዓቢኡ እቲ ውሳኔ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሚዛኑ ከይጎድል፣ መሰኻኽር ኮነ ኩሎም ኣብቲ ዕማም እጃሞም ከበርክቱ ዝኽእሉ ኤርትራውያን ‘ውን ዝሕጥሕጥ ከይብሉ፣ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ ኸኣ ካልእ ዕድል ከየምልጦ መታን ምስትብሃልን ምምኽኻርን ዘድልዮ ጉዳይ እዩ።

እዚ ኩነታት’ዚ ተመቻቺኡ፣ መርማሪ ኮምሽን ስርሑ ብኣድማዕነት ከሳልጥ እምብኣር፣ ኣብ ወጻኢ ዘለው ብዙሓት ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት (ማሕበራትን ውልቀሰባትን) ናይ ሕጊ ክኢላታትን ጠበቓታትን፣ ዓበይቲ ዓድን ምሁራትን ተነጣጠፍትን ተራኺቦም፣ ብዛዕባ’ዚ ኣገዳሲ ጉዳይ’ዚ ዓሚቝ ምይይጥ ከካይዱ ይግባእ።

ገበናትን ገበነኛታት ናይ ምጽናዕን ምጽብጻብን ዕማም፣ ብዓቢኡ ሰባት ምፍራድ ዘጠቓልል  ጉዳይ ብምዃኑ ኣቕሊልካ ክርአ ዘለዎ መደብ ስራሕ ኣይኮነን። ኣፍልጦ ያታን ባህልን ሕብረተሰብ፣ ሕጋዊ ሞያን ክእለትን፣ ብስለት፣ ንጽህና፣ ካብ ቲፊዞን ሰበይሰብካን ነጻ ዝኾነ ውድዓውነትን ዘይሻራነትን፣ ዝተወሃሃደ ስራሕን ምምኽኻርን ዝሓትት፣ መሰኻኽር ልዑል ምስጢራውነት ዝጠልቡሉ፣ ህዝቢ ግልጽናን ተሓታትነትን ዝደልየሉ ርዝነት ዘለዎ ስራሕ እዩ። ንሞያውያን እምበር ንውልቀሰባት ዝግደፍ ተራ ዕዮ ኣይኮነን።

ኣብ ኤርትራ፣ ዋላ ብዋጋ ህይወትን ሕስረትን ህዝቢ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ምውጣሕ ጥራይ ዝዓጦ ሓላፍነት ኣልቦ ስርዓት ስለዘሎ፣ ብደረጃ ኣፍሪቃ ‘ኳ ክብረት ህዝቢ ኤርትራ ባይታ ዘቢጡ እዩ። እቶም ኣብ ወጻኢ እንርከብ ዜጋታት ‘ውን ስለዘይተጠርነፍናን ዘይተወሃሃድናን፣ ክብረትን ደረጃን ህዝቢ ኤርትራ ክንዕቅቦ ኣይከኣልናን። አእጃምና ከነበርክት ኒሕን ቅሩብነትን ስለዘየርኣና፣ ሞይኡን ዕምቆቱን ብዘየገድስ፣ ዘንቀደ 10 ሚእታዊት ገይሩ 90 ሚእታዊት ከበላሾ ከሎ ከይተረፈ፣ ሸለል ክንብሎ ንግደድ ኣለና። ብሰንኪ እዚ እንታይ ገደሰኒ ዝብል ዝንባለን፣ ተጸባይነትን ድማ ብዙሕ ይበዅረና ኣሎ።

ስለዚ፣ እዚ ብመርማሪ ኮምሽን ክዕመም ተወጢኑ ዘሎ፣ ገበነኛታት ኣብ መዝገብ ንምስፋር ጥራይ ዘይኮነ፣ ዕርቅን ስኒትን ‘ውን ኣብ ምርግጋጽ እጃም ክህልዎ ዝኽእል ስራሕ፣ ደረጃን ምትእምማንን ብዘለዎ መንገዲ ብኣድማዕነት መታን ክሰላሰል፣ እቶም ክብ ክንብል ዝጠቐስናዮም ሰብ ሞያ ተራኺቦም፣ ነቲ ጉዳይ ብምድህሳስ ምስቲ ኮምሽን ክደጋገፍ ዝኽእል ሓደ ርጡብ ግዝያዊ ሽማግለ (Ad hoc Committee) ክመዙ ዕዙዝ ኣገዳስነት ዘለዎ እዋናዊ ዕማም እዩ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣሰና ፋውንዴሽን

28 ሓምለ 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
37 COMMENTS
  • rafu July 28, 2014

    This is a promising victory that we should use it to tell the world what the regime is doing to our people. So let us tell the commission detailed information like who did it when was that event happened and also the exact place of incidence. Now let us consolidate what we know starting from now.This documentation will help even when a legal and Democratic government is created. Now is the right time for Eritrea youths as most of the barbaric actions were done upon them.

  • Daniel Teferi July 28, 2014

    እዚ ኣሰና ፋውንዴሽን ዘውጽኣቶ ጽሑፍ ግቡእን ግዜኡ ዝሓለወን ኢዩ። ከምቲ ኣብቲ ጽሑፍ ዝተመልከተ እቲ መርማሪ ኮምሽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክቐውም ዝተወሰነ መሓዙን ኤርትራውያን ውልቀሰባትን ማሕበራትን ብዝተፈላለየ መንገዲ እቲ ዕቱብ ጉዳይ ቆላሕታ ክረክብ ከይተሓለሉ ብምስርሖም ይኹን’ምበር ንሕና ኤርትራውያን ነዚ ብሰንኪ ጃንዳ ህግደፍ ኣባና ዝወረደን ዝወርድ ዘሎን ወጽዓን ዓመጽን ክንዛረበሉ እንተዘይንመርጽ እቲ ጭብጥታት ኣምበይምተረኽበን። ስለዚ ነቶም ቃለ ምስክርነት ዝሃቡን ብኡ መጠን ነቲ ውሳነ ክውሰድ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝገበሩን ደቂ ህዝቢ ምስጋናን ኣድናቖትን ይግብኦም። እቶም ንዓታቶም ቃሎም ከስምዑ ዕድል ዝኸፈቱ እውን ምስጋናን ኣድናቖትን ይግብኦም። እንተኾነ እቲ ጉዳይ ብዘይተጠርነፈ መንገዲ ኣብዚ ካብ በጽሐ ተዋሃሂዱን ተዘትዩሉን እንተዝነብር ኣብዚ ሎሚ ተበጺሑ ዘሎ መዓስ ምተበጽሐ? ንመጻኢ ኸ ብዕቱብ ተታሒዙ በቲ ኣድማዒ ዝኾነሉ መንገድታት እንተታሒዙ እንታይ ፍረ ክርከበሉ ይኽእል ኢልካ ምዝታይ ሎሚ ዘይኮነ ትማሊ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ ክኸውን ይግብኦ። ካብዚ ሓሊፉ ከምዞም ገለ ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ንነጣጠፍ ኣለና እናበሉ ሽፋን ተጠቒሞም ንመናእሰይን ዝበታትኑ ከም ኤልሳ ጭሩም ዝኣመሰሉ ሰባት ይኹኑ ንህዝቢ ከደናግሩ ዝጽዕሩ ከም መድረኽ ዝበሉ ንንጹሃት ተቓልስቲ ከጸልሙ ዝቀዳደሙ ምርኡያት ግና ህዝቢ ይዕዘቦም ከምዘሎ ክፈልጡ ኣለዎም።

    • WediHagher July 29, 2014

      “ካብዚ ሓሊፉ ከምዞም ገለ ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ንነጣጠፍ ኣለና እናበሉ ሽፋን ተጠቒሞም ንመናእሰይን ዝበታትኑ ከም ኤልሳ ጭሩም ዝኣመሰሉ ሰባት ይኹኑ ንህዝቢ ከደናግሩ ዝጽዕሩ ከም መድረኽ ዝበሉ ንንጹሃት ተቓልስቲ ከጸልሙ ዝቀዳደሙ ምርኡያት ግና ህዝቢ ይዕዘቦም ከምዘሎ ክፈልጡ ኣለዎም።”

      Daniel Teferi

      Twinkle, twinkle, little Higdefite !!

    • Kidane July 29, 2014

      Haw Daniel
      Rietoka ziwskelu yebleyn Hasab ny assenna ziwetso yeblun…ane gerimuni zelo gin kemti tinkif zebelkayo Elsa Churum kab Higi ndahar ka CHIRNAE Ile kiteksa yehisheni ab meshrefet.net neti Hade Tebae teqalasay Amaniel Iyassu, nAndbrhan Segiguwo do nay seyti wedi ali genzeb beliuwo…… hatewketew ila ketetselmo qenya zibl habereta kseme qenye sembide, sembide. Haben Hager ila mehbei ab facebook kefita iya kia ketetselmo qenya Eza HABELA HAGER. Wey gud. Haqi entelewa gida aw ila zeytzareb, msti Esub higdef wedi general Goitom neti hade kabtom nikorealu amaniel testeslm. Nimkanu Bolona ke keyda diya abti ewut selamawi Selfi teqawemti? Bejakum ziweale yingerena. Amaniels kebesrena qenyu, nsa ke abbey neberet, awot deleyti fthi aafrisa nAndebrhan ezi tebelaxi ketetsebabik, eza amselu Elsa ChirnaE.

    • Akberet July 29, 2014

      Kidane
      You shouldn’t be surprised. Elsa’s outrageous defamation campaign on Emmanuel & asena is not new. She has been doing this all along through word of mouth and Paltalk rooms especially Teshamo for a few years in collaboration with her facebook & paltalk mercenaries such as Samiel Mahray. Emmanuel ignored her to focus on the marvellous job he is doing against the DIA. Now that she is frustrated with the lack of attention she badly wanted she resorted to undercover defamation campaign against him. People have been patient with this FAKE human rights activist and the CANCER of the opposition who have been collaborating with meskerem.net and some PFDJ spies. Emmanuel has actually to blame himself for giving her undeserved platform from many years. She might deceive those who are listening her I did this I did that, Ane Ane Ane from far away for a while. Nonetheless, all those who tried to work with her know she is greedy, bully, egoistic and selfish lady. She will never work with others, and doesn’t care about principles as long as she gets attention. That is why she took sides with the PFDJ’s baby meskerem.net to attack demo.archive.assenna.com the banner of the justice seekers. She even went as far as writing testimonials for PFDJ undercover spies who claimed asylum in the UK as refugees. The most disgusting thing is that she is very active at dividing the opposition especially the youth using the money she gets from donors in the name of human rights activism. She is the one who split Semer Paltak room to form Teshamo and had a hand in breaking up EYSC into EYSC Global and EYSC North America. It is good that the paltalk community have become aware of her ill intentions and deception, the rest of the population will learn about the true elsa shortly. Remember she has received lots of kicks from Simer paltak to the point of issuing a press release to counter attack individuals. She is just working for herself in the name of refugees and human rights. I tell you she is a FAKE human rights activist and CANCER of the opposition.

      • Andom Kiflay July 29, 2014

        ኤልሳ ጭሩስ ርስዑዋ ደኣ፣ ቁሩብ ዘይተሃፍር ንኣማኒኤል እትዮጵያ ኬድካ ዶ ኢላ ትከስስ ደኣ እሳ ዶ ኣይኮነትን ወግሐ ጸብሐ ተታሃቢኣ ኣብ ኢትዮጵያ ወርሓ ትመጽእ ዘላ። ኣምኒኤል ግዳ፣ ብጋህዲ ይከይድ ኣለኩ ኢሉ ኣዊጁ ይከይድ ዓው ኢሉ ድላዩ ይዛረብ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ። መስክር ኣለዎ፣ ኣብ ኩሉ ዝከደሉ። አዛ ተሃቤኣ ትመላለስ ዘላ ኤልሳ ጭሩ ግዳ መን ይፈልጦ ቲገብሮ ዘላ ሲራህ ኣብ ኢትዮጵያ። ደሃር ከ፣ ኢትዮጵያ ኢያ ቲምውሎ ንኣሰና ኣላ ተውሪ ሲ ኩሉ ጊዘ ዶ ኣብ ራድዮ ቲሰሞ የላን ራድዮ ኣሳና ገንዘብ ካብ ህዝቢ ይዋጻላ ከምዘሎ። መድረክ ግዳ ካበይ የምዘምጹዎ ኣለዉ ዘይትነግርነና። ኣብቲ ኣይምውቲ ኣይስርርቲ ራድዮኣም ስለ ዘዛረቡዎ ድያ ትህለቀሎም ቀንያ። ኣጆካ ኣማኒኤል ወዲ ህዝቢ፣ ከምዛ ገርካያ ዘለካ ረሰኣያ ደኣ ኤልሳ ሕሩም ሲ። ፎሳ ንሳ ያ ኢግኖር ምግርባራ

        • Akberet July 29, 2014

          You got it right Andom, she is a hypocrite. She would stay in Ethiopia for weeks and congregate in Bologna with EYSC chanting ‘Eritrea for Eritreans’. She frequently goes to Ethiopia secretly and nobody knows what she does there.

          • Debesay Hadgu July 29, 2014

            I am not sure every commenter on Assenna is an Eritrean. But, if you are really Eritreans let me give my sincere comment. Why Elsa Chirum is attacked now? The answer is crystal clear. She lead the group that made history. If we comment like this at this very critical moment, we as people of Eritrea have failed big time. Although no member of the United Nations see this website, we are signalling that we can not govern our nation. Look the pattern: When G15 began to liberate us we attacked them, when Adhanom and Mesfun form an organisation we attacked them or we did not follow them, when Andebrhan and Haile Menkorious began to form Medrek we attacked them. When Elsa Chirum declares victory over PFDJ we are attacking her. You know why? Because they can make a difference, otherwise no body will recall about them. The pattern is the same. We have never attacked if someone is useless like those who spend their time in the streets of Addis, doing nothing but having plenty of coffee. Please Amanuel do some thing. Assenna has been turned into battle ground of PFDJ Vs naive opposition.

    • May Surwa July 29, 2014

      You have a point Daniel Elsa Chirum is a disgrace, she has been wrecking good meaning people for her own sake. Good observation brother. She has to learn how to behave.

      • Tesfai July 29, 2014

        Hey mai srwa
        Thesame like your name.
        Mai srwa is place of brutlity and
        torching so Elsa is one of great Eritreans.You like your people maisrwa now it is time to confess you.
        The human right organization power
        Will show you your place of the rest of the time.
        Elsa keep up your strong sperit.
        Elsa is the voice of voice less people.

        Tesfai

  • semira July 29, 2014

    As long as Isayas , ባህሊ ኣድጊ በረኻ ዘለዎ his son ዋርሳይand HIGDEF ሸፋቱ ዋርሳይ፣ኮሮኔላት ሻዕብያrule Eritrea this ባህሊ ኣድጊ በረኻ will continue.
    The only solution is to get reed of Isayas the leader of ባህሊ ኣድጊ በረኻ, the leader of ዋርሳይ፣ኮሮኔላት ሻዕብያ , his son ኣድጊ በረኻand his blind followers HIGDEF ሸፋቱ just like the Libyans did to Gadafi and his sons.
    Eritreans should unite and get reed the tyrant Isayas ኣድጊ በረኻ , his son ይክኣሎ ነበር ኣድጊ በረኻ and his blind followers HIGDEF ሸፋቱ .

  • yberihaloo July 29, 2014

    ane kunu eriterawi belibi fetawi fetihi delay naxenet, semitu eritrawi ,ms wexu hizibi zidenagexi, nehaki zinebir bezey afelalay zetimit,haiyle genzebi zelowo zehigizeni eritawri tezirekibbb lomi kab za zelekiwa hager tebegise ne wedi afoom kekenxilo mtebegsiku wela mottt yemixae kab bezey elama menibar zikefi hiwet yelen. kab dekina kab anisitena,nisinetina, edimena …. kumarii eliwoooo ewayyyyyy hrrrrrrrrrrr elika si men alo mesay bekinat zetysi elika sek tttbili

  • Grmay Abrha July 29, 2014

    Nhzb. Wekilka. Mzrab. Wekilu. Bzeyfqad. Hzbi ajewjew mbal Nhgdef. Ngdefo. Ente. Nezt srah. Nmiewat. Edey. Edka. Nbekll.

  • Samuel G Abrham July 29, 2014

    OMG if it is Elsa who wrote the rubbish stuff on meshreft.net she must be seriously ill.
    How can she defame Amanuel and tries to tarnish the good work of many people to support wedi Ali’s family like that! She blamed Amanuel for not publishing the donated money while it has been published daily online. Anyways Bekita told her on her face that she got the money what is she gonna say now when she is caught lying red-handed. What a disgrace!

  • Berehe Tsaeda July 29, 2014

    I have to agree with what has been written on demo.archive.assenna.com regarding the Commission of Inquiry and our role to support it. Eritrean law professionals and activists and so on should come together and discuss how the Eritrean Diaspora community could support the efforts of the commission. If it is seen to be owned by controversial people it will lose credibility and many potential witnesses may disappear. Most importantly, witnesses should be able to contact the Commission of Inquiry directly in any way they want, openly or anonymously. Please assenna, try to publish the contact details of the commission so that people will have an option to directly contact the commission.

  • Messinas July 29, 2014

    ክቡራትን ክቡራንን ደለይቲ ፍትሒ ነዞም ኣብዚ ላዕሊ ብዛዕባ ሓርበኛታት ክብርቲ ሓብትና ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩምን ክቡር ሓውና ኣማኑኤል እያሱን ጽቡሕን ዘይጽቡሕን ዝዛረቡ ዘለዉ ሰባት ሓደራ ዕላማኦም እንታይ ሙዃኑ ነስተብህለሎም! እዚ ኣብ ላዕሊ ተዋሂቡ ዘሎ ርእይቶታት ኩሉ ናይ ህግደፍን ደግፍቶምን ሙዃኑ ነስተብህል! ንኽልተ በብወገኖም ንሓርነትን ፍትሕን ህዝቦም ልዕሊ ዓቕሞም ዝሰርሑ ዘለዉ ናይ ብሓቂ ዜጋታትን ደቂ ህዝብን ኤርትራ ዝኾኑ ሰባት ንሓድሕዶም ኣናኺስካ ዕምሪ ምልኪ ንምንዋሕ ዚካየድ ዘሎ ናይ ዘመተ ወፍሪ’ዩ! ኣቐዲመ ነቲ ንመን’ዩ ብዘየገድስ ‘ናይ ታዓሪፋ ሰሪሕካ ናይ ቅርሺ መደረ’ ኢሉ ዝጸሓፈ ሓው ኣማኑኤል እያሱ ከምዚ ዚስዕብ ክብል ተማሕጺነዮ ኔረ’የ።

    “ድምር ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራን፣ ድምር ጻዕሪ ኤርትራውያንን ኣህጉራውያን መሓዙት ህዝቢ ኤርትራን ዘፍረዩዎ እምበር፣ ብ ለበዋ ወይ ሎቢ ሓደ ውልቀሰብ ዝተረኽበ ውሳኔ ኣይኮነን። ዋንኡ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት፣ ብጽፍጻፍ መስዋእቲ ተረኺባ መቓልሕ ስዉኣት ዘይስምዓላ ሃገር፣ ናይ ታዕሪፋ ጌርካ ናይ ቕርሺ ዘረባ ቁሩብ ከሕንከና ይግባእ። ህዝቢ የዒንቲ፣ ተግባር ከኣ ኣፍ ኣለዎ። ባዕሎም ክምስክሩ እዮም”

    ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ እዚ ቃላት’ዚ ንምንታይ ኣድለየ? ንመን’ዩ ብዘየገድስ ከምዚ ዚበለ መአረምታድዩ ወቐሳ ካባኻ እንጽበዮ ነገር ኣይኮነን። እቲ ዝድለ እቲ ተረኺቡ ዘሎ ዓወት’ዩ፣ ብውልቀ ሰብድዩ መጺኡ ብጉጅለ ብዘየገድስ ንእኡ ምትብባዕ ጥራይዶ ኣይኮነን ዘድልየና!? ንምትብባዑ ከኣ በዚ ጽሒፍካዮ ዘለኻ ሓበሬታ ስጉምቲ ወሲድካ ኣለኻ! ዋላውን ኣነ ንበይነይ እየ ሰሪሐሉ ኢሉ ዚምድር ሰብ እንተ ተረኽበውን ከምቲ ዝበልካዮ ‘ህዝቢ ዓይንን እዝንን ስለ ዘለዎ’ እቲ ኣብዚ ናይ ብሓቂ ዚጸዓረ ሰብ ፍሉጥ ስለ ዚኾነ ንስኻ ኣይሰራሕካን ወይውን ቊሩብ ኢኻ ሰሪሕካ ኣይትጀሃር ክንብሎውን ዘድልየና ኣይመስለንን።

    ብፍላይ ንስኻ ሓቂ ንምዝራብ ርእሲ ኩሎም ተቓለስቲ ፍትሒ ስለ ዚኾንካ ንኹሉ ነዚ ለይትን ቀትርን ትሰርሓሉ ዘለኻ ዕላማ ኣበርክቶኡ ዚገበረ ሰብ ከም ኣቦን ዓቢ ሓውን ብስራሕ ከተተባብዖ’ዩ ትጽቢትና! በዚ መሰረት ብዘይካ ምስታ ብፍላጥ ተቓዋሚት እናመሰለት ኣንጻር ፍትሒ እትቃለስ ዘላ መሽረፈት ኔት ከኣ ምስ ካልኦት ምስ ኩለን ማዕከናት ዜና ኤርትራውያን ሓያል ምውህሃድ ምእንቲ ኪህሉን ኣዝዩ ኣድማዒ ንኪኸውንን ካብዚ ሓሊፍካውን ነዞም ናይ ኢንተርነትን ካልእን ዕድልን ኣፍልጦን ዘይብሎም ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ዝነብሩ ወለድና ካብዛ ከም መኽደን ቺቸቶ ብተስፋ ኣፉ ዓቢሳቶ ዘላ ተለቪዥን ህግደፍ ሓራ ንምውጸኦም ሓንቲ ዓባይ ናይ ተሌቪዥን መደበር ተሓባቢርካ ንምምስራትን ምእንቲ ኪከኣል ፈላምን ኣብነታውን ስጉምቲ ኪትወስድ’ዩ ትጽቢትና! እዚ ዕማም’ዚ ከኣ ሓለፋ ኩሎም ካባኻ ኢና ንጽበዮ! ምኽንያቱ ንስኻ ዝያዳ ኩሉ ትብዓት፣ ብቕዓትን ተመኩሮን ስለ ዘሎካ! የቐንየለይ።

    ካብ ደላይ ጽቡቕካን ኣድናቒኻን ሓውካ መሲናስ”

    ካብ ዝፈራህኩዎ ኣይወጻእኩን! መዳመቕቲ ተረኺቦም!

  • Daniel Teferi July 29, 2014

    በትሪ ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን ኢዩ ደቂ ዓበይቲ። ንሕና እናርኣና ከምዘይርኣና ክንከይድ ዝጸናሕና ስቓይ ህዝብና እንተተቓለሐ ዶ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ህጹጽ ፍታሕ ይረክብ ኢልና ከምዝኾና ዘይፈልጥ ደላይ ጽቡቕ ህዝብና የለን። ይኹን እምበር ከም በዓል ኤልሳ ጭሩም (ኣባ ጨጎራ) ዓንደብራሃን መጫፍርቱን ኮራኹሮምን (ዓረዛዝነ) ነዚ ንሕና ኤርትራውያን ደቂ ህዝቢ ህጹጽነት ተሰሚዑና እስከ ይኹን እናበልና ዘሕለፍናዮ ከም ስራሕ ዓያሹ ቆጺሮሞ ምስ ዓያሹ ሰሪዖምና ካብ ደለይቲ ፍትሒ ግቡእ ሕቶን ግቡእ ነቐፌታን ክልዓል እንከሎ ኣብ ክንዲ ግቡእ ምላሽ ምሃብን ብቕንዕና በደልካ ኣሚንካ ንህዝብኻ ክትክሕስ ምጉያይን ናብታ ናይ ህግደፍ ምዃና ኩልና ኣዳዕዲዕና ንፈልጣ ንዉፍያትን ተባዓትን ተቓለስቲ ንምጽልም ትጓየ ኣንጭዋ ዝኾነት መንበድበዲት ኣብ ጽላል ዕሱብ ወዲ ጀነራል ተዓቚቦም ኣንጻር ደለይቲ ፍትሒ ክንቀሳቐሱ እናርኣናዮም ሱቕ በሉ ክትብሉና ዓገብ ኢዩ። ሓቂ እንተልይኩም ዓገብ ክትብሉዎም ዘለኩም ነቶም ሓዊ ክጽሕትሩ መናእሰይ ኤርትራ ከም መሳርሒ ተጠቒሞም ከናቑቱ ኣብ መንጎ ደለይቲ ፍትሒ ስምምዕ ከምዘይርከብ ዝገብሩ ዘለዉ ንኣሰናን ንኣቶ ኣማኑኤል ኢያሱን ኣብ መስከረም ክውንጅሉዎ እንከለዉ ዓገብ ምበልኩም። ናትኩም ነገር ግን ዕበጦ ዕበጦ ኢልካ ሓቂ ረጊጽኩም ቅኑዕ ይወንጀል ሞ ኣፉ ሒዙ ኩሉ ይግደፎ እቲ ወንጃሊ ከኣ ከምድላዩ ይህለል ኮይኑና። ወዲሃገር ህግደፋዊ ትብለኒ ንስኻ ኸ ኩርኩር መድረኽ ወይ ኩርኩር ኤልሳ ጭሩም ዲኻ? መድረኻይት ወይ ከኣ መድረኻዊ ኢለካ ኣለኹ። ብዛዕባ ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንንቀሳቐስ ኣለና ንህግደፍ ንቃወም ኣለና እንዳ በሉ ኣንጻር ተቓለስቲ ዝዓጠቑን ህግደፍ ክጽገን ምበር ካብ ሱሩ ክምሖ የብሉን ዝብሉና እቲ ሓቂ ስለዝተዛረብና ህግደፋውያን ክትብል ኣይትሓፍርን ቁሩብ። መድረኽ ኮ ካብ ደገፍቲ ህግደፍ ዝገደደ ህግደፍ ኢዩ ምኽንያቱ ሲ እቶም ደገፍቲ ለውጢ ምስ መጸ ምስ ቲ ሓድሽ ስርዓት ኮይኖም ከዳኽሩ ኢዮም። መድረኽ ግን ህግደፍ ይንበረልና ንዘልኣለም ኢዮም ዝብሉና ዘለዉ። እንታይ ይመስለካ ምውርዛይ ጥቕሚ የብሉን። ሓቂ ተዛረብ ሞ ኣብ መንገዲ ባቡር ዋላ ኣብ መንገዲ ውሕጅ ደቅስ። እዚኦም ኤርትራዊ ኣበይ ኮይኑ ይቃለስ ክውሱኑሉ ዘይሓፍሩ ፍጮ ክስተኻኸሉ እንተዘይኮይኑ ከኣ ክእለዩ ኣለዎም። ኤልሳ ኣባ ጨጎራን ጅንዳ ዓንደብርሃን ዓረዛዝነን ኮራኩሮምን ግን ንፈልጦም ስለዝኾና ኣይትውቀሱዎም ኣይትብለናን ኢኻ። ንሳቶም ሰብ ክውንጅሉ ሓግዮም ኣለዉ ንሕና ግን መሰረት ዘለዎ ዘረባ ኢና ንዛረብ ዘለና። እምበሺ ኳ ዳኣ ኣነ ሓንቲ ናብ ኣቶ ኣማኑኤል ኢያሱ ዝቐንዐት ነቐፌታ ኣላትኒ። ንምንታይ ኢዩ ነዚ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይኑ ዘሎ ኣንጻሩን ኣንጻር እታ ድምጺ ዉጻዓት ኣሰናን ዝቐንዐ ጎስጓሳት ዘይዓጥቀሉ? ሕሉፍ ሓሊፉዎም ኣሰና ናብ ዋንነት ህዝቢ ክትሰጋገር ኣለዋ ክብሉ ኣፎም መሊኦም ዝዛረቡ በዓል ኣባጨጎራ ክዳን በጊዕ ተኸዲንካ ስራሕ ቶኽላ ክሳብ ለይቲሎሚ ተጻዊርናዮ ኢና። ግርም እምበር ባድላን ክራቫታን ጌርካ ሸነን ናብ ማይክሮፎን። ወዳጀ ውራይ! ሰይ ኮቲ! ኣያ የኽፍኣልካ ኣሎ ኣበይ ድኣ ቐኒኻ ዝብሎ መንእሰይ ምስ ተረኽበ ከኣ ናብ መስከረም ኬድካ ርድኡኒ ክዛረብ ደልየ ኣይንሰምዓካን ኢሎምኒ ደለይቲ ፍትሒ ይብሃል። ወረ ጠሪጣስ ተትሓንከለይ ትብል ኣሞይ ተበርህ።

  • 1 step forward 2 steps backward July 29, 2014

    Amanuel Iyasu’s agenda has always been to stand up for all regions & religions.I stand behind him, because he stands up for people.
    thank you amanuel .do not be distracted by attacks based on narrow sentiments.

POST A COMMENT