መራኽብ ሞት !
ተወሳኺ ስግኣት ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ ጥምየት፡ቅልውላው፡ ዘይምቅሳን፡ኣድልዎ፡ ግፍዒ …………. ንምህዳም ነተን ብዓይነተን ዘይብቁዓት፤ ብሕግን ሰነ-ፍልጠትን ዘይምራሓ መራኽብ ተወጢሕካ ንኣውሮጳ ገጽካ ምጉዓዝ ናይ ቅብጸት ጉዕዞ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፤ እቶም ተሳፈርቲ ካብ ክሳብ ክንደይ ኣሰቃቂ

ተወሳኺ ስግኣት
ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ
ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ ጥምየት፡ቅልውላው፡ ዘይምቅሳን፡ኣድልዎ፡ ግፍዒ …………. ንምህዳም ነተን ብዓይነተን ዘይብቁዓት፤ ብሕግን ሰነ-ፍልጠትን ዘይምራሓ መራኽብ ተወጢሕካ ንኣውሮጳ ገጽካ ምጉዓዝ ናይ ቅብጸት ጉዕዞ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፤ እቶም ተሳፈርቲ ካብ ክሳብ ክንደይ ኣሰቃቂ ዝኾነ ናብራ ይሃድሙ ከም ዘለዉ ዘርኢ እዩ።
እታ ብቁጽሪ ህዝባ ምስተን ዝነኣሳ ሃገራት እትቁጸር ኤርትራ እቶም ዝበዝሑ ተወጣሕቲ መራኽብ ሞት ዜጋታታ ምዃኖም ሓደ ካብቲ ሕንቅል ሕንቅልተይ`ዩ።
ሃገራት ምዕራብ እዚ ተርእዮ`ዚ ብዝተፈላለየ ምኽንያታቱ ከምዘገድሶም ርእዮም`ሲ ብዛዕብኡ ንምዝታይ ይራኸቡን ይመኻኸሩን ኣለዉ፤ ነቲ ድሮ ዝተቀላቀለ ንፍታሕ ዝበልዎ እማመ ኸኣ ገለ ክሰማምዑሉ ገለ`ውን ዘይተቀበልዎ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ`ዩ።
ኣብቲ ዝደሓረ ኣኼበኦም ዝተረኽበ ናይ ውድብ ውዕል ሰሜን ኣትላንታ NATO በዓል ስልጣን ” እዘን መራኽብ ሙጃሂድን ጸይረን ከይመጻ” ዘለዎ ስካፌ ምግላጹ ንጉዳይ ተወጣሕቲ መራኽብ ሞት ዝከታተል ሰብ ዘሰክፍ`ዩ።
እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ስያሜታት ሒዙ ዝመጽእ “ጸጥታዊ ስግኣታት” ናይ ድላይካ ግበር ሓምላይ መብራህቲ ስለ ዝኾነ ጽባሕ “ሙጃሂድን ዝጸረት መርከብ” ተባሂላ ተወቂዓ ናይ ትሰጥም መርከብ ወሬ ከይንሰምዕ ዘስግእ`ዩ።
ንሕምቀትና ንዘይብቅዓትና ነጋሪ ኣይንደልየሉን ኢና።እዚ ዝስደድ ዘሎ ፤ ሰብኣዊ ክብሩ ዝድፈር ዘሎ፤ ማሕበራዊ ጸጥታ ሓርቢትዎ ካብ ስድራን ከባብን ሪሒቁ ብሂወቱ ዝቋመር ዘሎ ህዝቢ ኣብ ምፍጣር ጸገማቱ ተራ ኣይነበሮን ማለት ኣይኮነን።
ግና እቲ ደምን ረሃጽን ከፊሉ ርግኣት ዘጥረየ፤ ብዝምድናዊ ኣዘራርባ ሰብኣዊ ክብሩ ክሕሉ ዝኸኣለ፤ ርእይትኡን ትዕዝብታቱን ዘመሓላልፈሉ መስኖታት ዝወገነ ህዝቢ ምዕራብ ጸገማት ተወጣሕቲ መራኽብ ሞት ብልክዕ ክበጽሖ እንተኺኢሉ ዝጻወቶ ተራ ከምዝህሉ ፍሉጥ`ዩ።
መንግስታት ምዕራብ ንዘለዎም ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ዜናዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ድፕሎማስያዊ ሓይሊ ተጠቂሞም እንተስ ንበይኖም እንተስ ምስ ህዝቢ ናይተን ስደተኛታት ዘፍርያ ሃገራት ኮይኖም ነተን መንግስታትን መራሕተንን ክገንሑ ከፈራርሑ መንገዲ ከርእዩ ኮታ ነዚ ጠገለ ሲኢኑ ዘሎ ሰደት ደቂ ሰብ ደው ከብልዎ ይኽእሉ`ዮም።
ነዚ ዘየፈጽም ሕሳባት ምስ ዝህልዎም ከኣ ብመንጽር ናይቲ ሕሳባት ንውጺኢታቱ ብኣወንታ ክቅበሉ ኣለዎም።
AAHafiz (186 )22/05/15
\\
Bilenay May 22, 2015
Assena 100% kab 100% misakum isemamae, mikiniatu mahibereseb alem neti kifalu zikone hizbi Eritrea zesaki zelo mengsiti beti hade wegen igeda gere aloku inabele beti kali wegen Hibret Awuroba millonat dolarat kinhibeka ina yibliwo alewo izi kea hagez nihizbi Eritrea zeykone meshadeni nihigdef tiray iyu. Silezi kindi kab siltanka wuored mibal dolar kihibiwo kab wesenu niti kab meretu gifiin motin askahkihiwo zihadim zelo mikibal tiray zeykone kikihsiwo yigiba.
Awet Nihzbi Eritrea
AHMED SALEH May 22, 2015
Once the issue of terrorism started to connect with those refugees who try to cross for
Europe , I think the whole thing will get complicated for worst scenario . The problem
brought their media attention for public awareness to attract some politicians . And we
know how those right wing anti immigrant elements will exploit for their agenda purposes.
Our issue cant be resolved if we can’t confront the main cause which created this mess in
first place .
Aida May 23, 2015
why we escape like rats, why we don’t stay to fight the the dictator we die no respect, no diginity no nothing we only die like Animalis
awelkher May 23, 2015
እወ! ንኮንቶ ክንመውት የብልናን ጥራሕ ዘይኮነ: ንናይ ትማሊ ኣብኡ ዘፍለጠ ሓርነኛነትናን ናይ ሎሚ ጀጀውነትናን ብስNE- ፍልጠት ተጸኒዑ እቲ ሃጓፍ ክልኮት ኣለዎ።