Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መሪሕነት፡ ሓላፍነት እምበር ሽመት ኣይኮነን – ኣገልጋሊ ህዝቢ ምዃን `ምበር ጎይታ ህዝቢ ምዃን ኣይኮነን – (መበል 28 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ – ሚላኖ፡ ኢጣልያ – 25 ግንቦት 2019 )

ሚላኖ፡ 25 ግንቦት 2019 መበል 28 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ሚላኖን ዓዲ ጥልያንን ብሓፈሻ፡ ኣብዚ ብኣጋጣሚ መበል 28 ዓመት ናጽነት፡ መዓልቲ ናጽነት ሃገርና ኤርትራ፡ ሓርነት ህዝብን ግዝኣተ-ሕግን ደሪባ ምእልቲ እትኾነሉ ውጥን ንምድህሳስ

ሚላኖ፡ 25 ግንቦት 2019

መበል 28 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ሚላኖን ዓዲ ጥልያንን ብሓፈሻ፡

ኣብዚ ብኣጋጣሚ መበል 28 ዓመት ናጽነት፡ መዓልቲ ናጽነት ሃገርና ኤርትራ፡ ሓርነት ህዝብን ግዝኣተ-ሕግን ደሪባ ምእልቲ እትኾነሉ ውጥን ንምድህሳስ ዘዋደድኩሞ ናይ ዘተ መኣዲ፡ ምሳኹም ሓቢረ ክውዕል ንዝገበርኩምለይ ዕድመ ኣዝየ የመስግን።

በዚ ሃገራዊ ጉዳይ ናብ ሚላኖ ክመጽእ ፈለማይ ኣይኮነን። ብ 2011፡ ቅድሚ 8 ዓመት፡ ኣብ ንእሽቶ ኣዳራሽ፡ ምስ ኣዝዮም ውሑዳት ተቓለስቲ ተመሳሳሊ ዘተ ምክያድና ይዝከረኒ። እቲ ናይ ሽዑን ናይ ሕጅን ኣኼባታት፡ እቲ ናይ ለውጥን ፍትሕን ባህጊ ዘመሳስሎ `ኳ እንተኾነ፡ ሎሚ፡ ኣብ ገፊሕ ኣዳራሽ፡ ብሰፊሕ ተሳታፍነት መንእሰያት ዓሚሩ፡ ከምዚ ብግብሪ ዝርአ ዘሎ፡ ቃልሲ ህዝባዊ ኮይኑ ምርኣይ፡ ነቶም ተቓለስቲ ኮነ ነቲ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ሓርነትን ፍትሕን ሃንቀው ዝብል ዘሎ ህዝብና ተስፋን ፍናንን ዘስንቕ ገስጋስ እዩ።

እቲ ትማሊ 24 ግንቦት፡ ብምወላ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብኣዝዩ ጽዑቕ ሓለዋ ዕጡቓት፡ ኣብ ኣስመራ `ንግስተ ሳባ ስታድዩም` ዝተኻየደ ብዓል፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝግንፍል ዘሎ ህዝባዊ እምቢታ ንምዕብዓብ ዝተሰነዐ ተዋስኦ ንገዛእ ርእሱ፡ በንጻር ትልሚ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ደገን፡ ዋና ጸላኢኡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ምዃኑ ፈሊጡ፡ `ድራር ለይቱ` ፍትሒ ኮይና፡ ተናቢቡ ምህላዉ ዝሕብር፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብፖለቲካዊ መለክዒታት ይሰዓር፡ ምዓኮሩ ሂቡ `ሓዞ ሓዞ` ይብሃል ከምዘሎ ዘመልክት ፍጻሜ እዩ።

ምናልባት ግር ከይብለኩም፡ `ንግስተ ሳባ ስታድዩም` ክብል ከለኹ፡ `ቦርዲን ፓስ`መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዝመስከሮ፡ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ፡ ከምቲ ናይ ዘበነ ንጉስ ሃይለስላሰ `ዮሃንስ ኣራተኛ ኤርፖርት` ተባሂሉ ካብ ተጸውዐ፡ ስታድዩም ኣስመራ `ውን፡ ኣብቲ ምስጢራዊ ሰነዳት ውዕል ኢሳይያስ፡ በዚ መጸውዒ`ዚ  ዘይሰፍረሉ ምኽንያት የለን ንምባል እዩ። `ድራር ለይቲ` ድማ፡ ምናልባት ዘይትፈልጥዎ እንተሊኹም፡ ተጋደልቲ፡ ኣብ ግዜ ለይቲ ብጾት ምዃኖም ዝረዳድኡሉ ዝነበሩ ምስጢራዊ ኮድ እዩ።

ብርግጽ፡ ኣብዚ መድረኽ`ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጥን ደገን፡ እዚ ምልካዊ ስርዓት ተሓግሒጉ ክጽረግ ከምዘለዎ፡ ብሕግን ፍትሕን ክዳነ ከምዝግባእ ብልቡ ተረዳዲኡ ኣሎ። ተሪፉዎ ዘሎ ጉዳይ፡ ነቲ ድራር ለይቲ ምሳሕ ቀትሪ ገይሩ፡ ብወግዒ፡ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ከምዘለዎ እዩ። እዚ ሕቶ`ዚ እዋናውን ህጹጽን ስለዝኾነ፡ ብቐንዱ ትኹረተይ ኣብኡ ክኸውን `ዩ፡ ነጺሐ ድማ ክምለሶ እየ።

ቅድሚኡ ግን፡ ኣብቲ ዝዓበየ ተዋስኦ ህግደፍ፡ Main Actor፡ ዋና ተዋሳኣይ ኮይኑ ዝወዓለ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ሃለውለው ዝበሎ ናይ `ጽንዓት ብጽንዓት ንልምዓት` ጽውጽዋይ ሸፈፍ ኢልካ ምሕላፉ ኣገዳሲ እዩ።

ብቐንዱ ኢሳይያስ፡ ነቲ ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ `ድራር ለይቲ` ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ሕቶ ምትካል ቅዋማውን ሕጋውን ስርዓት፡ ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብን ዘየላቡ ውሕስነት ልኡላውነት ኤርትራን፡ ምዕናው ጊላዊ ኣገልግሎት መንእሰያት ኤርትራ፡ ምልቃቕ ናይ ፖለቲካን መንፈስን እሱራት፡ ኮታ፡ ነቲ ህዝባዊ ዛዕባ ኤርትራውያን ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ግዝኣተ-ሕግን ፍትሕን ከምዘየሎ ክርስዖ ምፍታኑ፡ ነቶም፡ `ኣይከሰርናን፡ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ዝብሃል ክልተ ህዝቢ የለን፡ ውክልና ንዓኻ ዘይኮነ ንመን` እንክብሃል ዘይቀበጹ፡ `ደኾን` እናበሉ፡ ኢሳይያስ ያኢ ብስራት ከስምዖም ነዛ ዕለት ናጽነት ክጽበዩ ዝጸንሑ ደገፍቱ ወሲኽካ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጀሚሩዎ ንዘሎ ማዕበል ተቓውሞ ካብ `ይኣክል` ናብ `ሓዞ ሓዞ` መሊሱ ከንህሮ ይግባእ። ምኽንያቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ደኣ`ዩ ክበራበር፡ ክትንስእ ዘለዎ `ምበር፡ እዚ ናይ ትማሊ መደረስ፡ ኢሳይያስ ብፖለቲካዊ ዓይኒ ሞይቱ ከምዘሎ ዳግም ዘረጋግጽ ፍጻሜ እዩ።

ንምዃኑ ኸ፡ ኢሳይያስ `ጽንዓት ብጽንዓት፡ ንልምዓት` ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ?

30 ኪሎሚተር ካብ ኣስመራ ብጉልበትን ገንዘብን ህዝቢ ዝተሰርሐ ዲጋ ዓዲ ሃሎ፡ ኢሳይያስ ብጃልብኡ እናተዛወረሉ ዝስተ ማይ ጨኒቑዎ ኣብ ማእከል ጽርግያታት ኣስመራ ካብ ዝነቕዐ ሻምብቆታት ማይ ክጸናቕቕ ዝውዕል ዘሎ ህዝቢ፡ ከምቲ ኣብ ግዜ ገድሊ ተገይሩ ተባሂሉ ዝዝንተወሉ ሽንቱ ክሰቲ ኣለዎ ማለት ዲዩ ኪኖ`ዚ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ጽንዓት፡ ጽንዓት ክገብር ዝሕተት ዘሎ? ወረ ማይ እንተዘይሰትዩ ኸ፡ እቲ ሽንቲ ካበይ እዩ ክመጽእ!?

ኩሎም`ቶም ኢሳይያስ ኣከታቲሉ ዝጠቕሶም፡ ናይ ጽርግያ፡ መንገዲ ባቡር፡ ወደባት፡ ጸዓት፡ መጓዓዝያ ባሕርን ኣየርን፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ኣገልግሎት ትምህርትን ጥዕናን መደባት `ውን፡ ካብ`ዚ ንኣገልግሎት ማይ ኣመልኪትና ዝጠቐስናዮ ንላዕሊ ዘንብዕ፡ ዝመረረ መግለጺ ዘለዎም ዓውድታት እዮም። እዚ ፍሹል ተመክሮ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ህኩይ ስለዝኾነ፡ ወይ ከኣ፡ ኤርትራ ድኽነት ጸጋታት ዘለዋ ሃገር ስለዝኾነት ዘይኮነስ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ኣጥምዩ፡ ኣጽሚኡ፡ ኣድኪሙ፡ ከም ሰብ ኣዋሪዱ፡ ሕልንኡ ሰይሩ፡ ሃገራውነቱ ኣረብሪቡ፡ ከም ስልኪ ከምድላዩ እናለዋወየ ክገዝኦ ምእንቲ ብውጥን ዝገበሮ እኩይ ስራሕ እዩ።

ንሓደ ን20 ዓመታት፡ ብዘይእዉጅ ናይ ህጹጽ ኣዋጅ ምሕደራ ከተማሓድሮ ዝጸናሕካ ህዝቢ ደኣ`ሞ፡ ከመይ ኢልካ ኢኻ ሕጂ ኸኣ ንልምዓት ጽንዓት ግበር እትብሎ?

ኢሳይያስ፡ ነዚ ማዕረ`ቲ `ሰማእታትና ወትሩ ይዘከሩ` ዝብል ናይ ሓሶት ጭርሖኡ፡ ን27 ዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ ዘረብረቦ መብጽዓ ልምዓት ደጊሙ ዝጠቕሰሉ ዘሎ ምኽንያት እምብኣር፡ እቲ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምልሓቕ ውዲቱ፡ ንኤርትራውነት ናይ ምጥፋእ ዕላምኡ፡ ብሳላ ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገጹ ተተኲሱ ደምበርበር ስለዘበሎ፡ እቲ መኻልፍ ኮይኑ ሕርር ኩምትር ዘበሎ ተሪፉ ዘሎ መሓውርን ሰራውርን ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዝልሕልሕ፡ ግዜ ንምግዛእ ከም ኣመሉ ግዝያዊ ድፋዕ ክጥቀመሉ ስለዝደለየ ጥራይ እዩ። እምበር፡ ኢሳይያስ ትንፋስ እንተረኺቡ፡ ጸኒሑ ነቲ ውዲት ንምትግባር ክምለሶ ምዃኑ፡ ድቃስ ከምዘይብሉ ህዝቢ ኤርትራ ክዝንግዕ ኣይግባእን።

ደጊም ግን፡ ድሕሪ `ቲ ኢሳይያስ ኣብ ኣዋሳ ኣፍልቡ ደሪዑ ዘስምዖ ደወል፡ ህዝቢ ኤርትራ ተበራቢሩ፡ ኣብ ታሪኹ ንመጀመርያ ግዜ ንኢሳይያስ ብንጹር ፊደላት ብልክዕ ኣንቢቡዎ ስለዘሎ፡ እቲ ናይ ለውጢ ጉዳይ ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ ኮይኑ `ሎ። እንተኾነ፡ እቲ ናይ ግዜ ጎይታ ኮይኑ ንህዝቢ ኤርትራ ጊላ ውልቀመላኽነቱ ገይሩ ንፍርቂ ዘበን ሕምብሊል ዘበሎ ተዋሳኣይ ኢሳይያስ፡ ብጽኑዕ ክተሓዝ፡ ድሕሪ ምብርባር ቁምነገር ምግባር፡ ዘየላቡ ህጹጽነት ዘለዎ ጉዳይ ኮይኑ ኣብ ኣጀንዳ ህዝቢ ኤርትራ ብቐዳምነት ክተሓዝ ኣለዎ።

ልክዕ ከምቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ካናዳን ኣውስትራልያን ካልኦት ክፍልታት ዓለምን ዝርከብ ኤርትራዊ ክህልዎ ዘለዎ እጃም ቃልሲ፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝርከብ ኤርትራዊ `ውን፡ ኣብዚ ሃገራዊ ውጥን ስራሕ`ዚ ናይ ገዛእ ርእሱ ግደ ክህልዎ ድማ ይግባእ።

ነዚ እዋናዊ ኣበርክቶ`ዚ ንምውፋይ ክውሰድ ዘለዎ ቀዳማይ ስጉምቲ ከኣ፡ ጥርናፈን ውደባን እዩ።

ኣብዚ ኣብ ከም ብዓል ካይሮ፡ ካምፓላ፡ ካርቱም ዝኣመሰለ ብተዛማዲ ዘይምቹእ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ከይተረፉ `ይኣክል` ኢሎም ብወግዒ ዝወዳደቡሉ ዘለዉ እዋን፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ መንእሰያት ብግዲኦም ምስ ህግደፍ ኣብ ጭርጭር ዓበደ ተጸሚዶም ዘለዉሉ ግዜ፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን እትርከቡ ኤርትራውያን `ውን፡ ነታ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ደጀን ቃልሲ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ክትከውን ዝኸኣለት ሚላኖን ዓዲ ጥልያንን፡ ሽዑ ደጀን ክትከውን ዘብቅዓ ምኽንያታት ኣጽኒዕኩም፡ ሕጂ `ውን ተጠርኒፍኩምን ተወዲብኩምን ኣብ ስራሕ ከተውዕሉዎ ርኡይ ጻዕሪ ክትገብሩ ኣድላዪ እዩ።

ምናልባት ተኸታቲልኩሞ ከም እትኾኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ዝገበርናዮ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ኣድላይነት ጥርናፈን ህላወ መሪሕነትን፡ ነቲ ናይ ለውጢ መስርሕ ኣብ ምምእዛንን ምቕላስን ምቅልጣፍን ዘለዎ ወሳኒ ኣበርክቶ፡ ከምኡ `ውን፡ ምስዚ ህሉው ኩነታትናን ህጹጽነቱን ዝሳነ ኣድማዒ ኣወዳድባ ብኸመይ ክዕመም ከምዝከኣል፡ ብስፍሕ ዝበለ መንገዲ ጠቒሰዮ ስለዝነበርኩ፡ ድግማ ከይኮነና፡ ( ኣድላዪ እንተኾይኑ ኣብ ሕቶን መልስን `ውን ደጊምና ክንምለሶ ስለዝከኣል)፡ ነዚ ዝሃብኩምኒ ዕድል፡ ኣብ መስርሕ ናይቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ጥርናፈታት ኤርትራውያን ንዝረኣዩ ዘለዉ ሕጽረት መረዳእታታት (misconceptions)፡ ብመጠኑ ኣብ ምብራህ ክጥቀመሉ ምደለኹ።

በዚ ዘለናዮ ደረጃ ምንቅስቃስ ስደት፡ `መሪሕነት` ክንብል ከለና እንታይ ማለትና እዩ?

ኣቐዲምና፡ ብዛዕባ`ዚ ጉዳይ`ዚ ምስ ሓደ ሓው ኣብ ዘዕለልናሉ ኣጋጣሚ ከምዝጠቐሶ፡ ከም ብሂል ኣምሓራ፡ ሽመት ንዘይፈልጦ ሽመት `ዩ፡ ንዝፈልጦ ግን `ሺ ሞት` ወይ ድማ ሽሕ ሞት `ዩ

መሪሕነት፡ በቲ ንውጥን ስራሕ ወይ ፖሊሲ፡ ቅጥዕን ሕጋዊ ተሓታትነትን ብዘለዎ ሓላፍነታዊ መንገዲ ምትግባርን ምፍጻምን፡ ንህዝቢ ብግቡእ ናይ ምግልጋል መልክዑ፡ ከም ሓላፍነት ደኣምበር፡ በቲ ልዕሊ ሕጊ ኴንካ ፍትሒ ብምጉዕጻጽ፡ ጎይታ ህዝቢ ናይ ምዃን ዝንቡዕ መልክዑ ክርአን ክህረፍን የብሉን።

ኢሳይያስ፡ እዚ ዝንቡዕ ኣምር ናይ መሪሕነት ስለዘለዎ እዩ፡ ካብ ወንበር ክትኣልዮ እግሩ ክትስሕብ ክትብል ሳእኑ ዋላ እንተውጻእካሉ፡ ጸጒሪ ርእሱ ዋላ እናመንጨጭካዮ፡ ክሳብ ርእሱ ተነጽዩ መመንጨጪ እትስእነሉ ዕድመ፡ ነታ ወንበር ግጥም ኣቢሉ ሒዙ ንልዕሊ 50 ዓመት ኣብ ስልጣን ክነበር ምስ ህዝቢ ዝተሃላለኽ ዘሎ።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ኣብዚ ንስርዓት ኢሳይያስ ንምልዋጥ ዝዓለመ ናይ ፍትሒ ደምበ `ውን፡ ካብዚ ናይ ኢሳይያስ ዘይፍለ ንስልጣን ኣብ ክንዲ ከም ሓላፍነት ከም ሽመት ካብ ምርኣይ ዝብገስ፡ ሕጂ ቦታ ሒዝካ ምጽናሕ ማለት ኣብ ግዜ ለውጢ ዘገልግል ትሕጃ ስልጣን ምሕዛእ ጌርካ ናይ ምርኣይ መዕነዊ ዝምባለ ኣሎ። በዚ ምኽንያት`ዚ ከኣ `ዩ፡ ጸበብቲ ፍልልያት ዘእንግድ፡ ዘይምትእምማን ዘዕቢ፡ ኣሉታዊ ውድድርን ምውንጃልን ክዝውተር ዝርአ።

እዚ ዝንቡዕን ሓደገኛን ኣረኣእያ`ዚ፡ ዕንቅፋት ጥርናፈን ሓባራዊ ስራሕን ኮይኑ ነቲ ለውጢ ናይ ምቅልጣፍ መስርሕ ዘዳኽም ብምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብቐንዱ ምስቲ ስልጣን ናብ ህዝቢ ናይ ምርካብ መሰረታዊ መትከል ለውጢ ስለዝጋራጮ ብዘይ ንሕስያ ክእረም ኣለዎ።

ከምቲ ወትሩ እንብሎ፡ እቲ ዝዓበየ ገበን ህዝባዊ ግንባርን መራሒ-ጸይቂ ኢሳይያስን፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ስልጣን ንህዝቢ ኣብ ክንዲ ምርካብ ንህዝቢ ኤርትራ ቁማር ምባሉ እዩ። ነቲ እንቃወሞ ዘለና ዓማጺ ስርዓት ምድጋም ከኣ ዝኸፍአ ድርብ ገበን እዩ።

 

`ስለዝተቓለስኩ ኣብ ግዜ ለውጢ መሪሕነት ይግብኣኒ `ዩ` ዝብል መረዳእታ ዘለዎ ሰብ፡ ገና ኣምር ለውጢ ዘይተሰቆሮ፡ ፈለማ ንገዛእ-ነብሱ ክልውጥ ዘለዎ ምዃኑ ክግንዘብ ይግባእ። እቲ ኣብ ኤርትራ ክመጽእ ዝድለ ለውጢ እምብኣር፡ ናይ ሰባት ዘይኮነ ናይ ዕላማን መትከላትን ለውጢ፡ ሓቀኛን ማዕርነታውን ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብ ስልጣን ምውሓስ፡ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ምርግጋጽ ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ክነቕሓሉን ብትዂረትን ትርን ክቃለሰሉ ኣለዎ።

ብናተይ ርእይቶ፡ ዳርጋ ኹሉ`ቲ ኣብ ኣኼባታት ኮነ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝርአ ሃጠውቀጠውን ምቅንጻልን ካብዚ መሰረታዊ ጸገም`ዚ ዝብገስ እዩ።

እዚ ኣብ ስደት እንገብሮ ዘለና ጥርናፈን ወዳበን፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ህይወት ኣሽሓት ሰዊኡ ዛጊት ዘይተጓናጸፎ ግዝኣተ-ሕግን ፍትሕን ዝሕመረቱ ስልጡን ባህግን ዕላማን ህዝባዊ ስልጣን ምስላጥ ደኣምበር፡ ካብ ስደት ብፓራሹት ኣብ ዝፋን `ሽመት` ምቕማጥ ከምዘይኮነ ምርዳእ ከኣ`ዩ ንኹልና ከዐውተናን ከዕግበናን ዝኽእል።

ስለዚ፡ ምጥርናፍን ምውዳብን ናይዞም ኣብ ዓዲ ጥልያን ኮነ ኣብ መላእ ዓለም ዘለና ኤርትራውያን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ስራሕን ሓላፍነትን ቅኑዕን ቅኑይን መረዳእታ መሪሕነት ምስ እነማዕብል ጥራይ ኢና፡ ምትእምማን ፈጢርና፡ ብሓባር ኣስሪሑ፡ ነዛ ኣብ መንጎ ዝኽርን ጽምብልን ተቐርቂርና ምስ ሕልናዊ ሕቕያ እነሕልፋ ዘለና ናጽነት ምልእቲ ዝገብር፡ ንመላእ ሕብረተሰብና ብዘየፈላላይ ዘሐጒስን ዘርክእን፡ ብህዝቢ ኤርትራ ዝምስገን፡ ታሪኽ ወትሩ ዝዝክሮ፡ መጻእቲ ወለዶ ኤርትራ ዝቐስኑሉ፡ ኣብ ገዚፍ ወንበር ተኾይጥካ ኣብ ሃገርን ዓለምን ካብ ቁመጥካ ንላዕሊ በሪኽካ ክትርአን ክትጅሃርን ክትብል ኣብ መወዳእትኡ ኣብ መስርዕ ዲክታተራት ዓለም ሰፊርካ ካብ ምንባር ድሒና፡ `እታ ኣነ ናብ ምልኪ ዝደርበኹዋ ጸጸር ኣብቲ ናይ ዲሞክራስን ሕጋዊ ስርዓትን ህንጻ እንሀለት` እናበልና ባህታን ቅሳነትን ህዝብና እናሐጎሰና፡ ብህይወትን ብሞትን እንሕበነሉን እንኾርዓሉን ሓቀኛ ለውጢ ከነረጋገጽ እንኽእል።

 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

የቐንየለይ።

ኣማኑኤል ኢያሱ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Okbay May 27, 2019

    Amanuel Feger Hasawi, Ginbot 24 Halifu bizey natika nay Asena/Hasina hadish/new studio!! How long more to wait?

    • Negassi May 27, 2019

      Haw Okbay, I couldn’t agree more, may be he {Amanuel Iyassu}
      meant for May 24, 2024. We may have to wait for 5 more yrs!!!!!!!!
      But, lets be patient with our amateur and novice opposition politicians/runners!!!

      • Okbay May 27, 2019

        It is ok brother Negasi but i hope it is not another 15 years or 25 years. 5 years it is ok.

    • Berhane Haile May 28, 2019

      ፈገር ትብሃል ንስኻ ኢኻ ኣንታ መጠፋፍኢ። ኣይሓፍርን ከኣ ከምኡ ኢሉ ክዛረብ። ስምካ ሓቢእካ ዑቕባይ ትብል ዘለኻ መዕቈቢኻ ትጥፋእምበር ስምካስ ካልእዩ ክኸውን ዝኽእል። ዕስራን ኣርባዕተን ግንቦት ድማ ንኣሰና ካብ ምንታይ እዩ ከልኪሉዋ? ተዛረብ። መጠፋፍኢ፡ ጕሒላ ትብሃል ንስኻ። ኣማኒኤል ዘካይዶ ዘሎ ጐስጓስ ኣልባብኩም ስለ ዘጥፍኣልኩም ዓቕልኹም ጸቢቡኩም እንዳ ህግደፍ። መሳኪን፡ መደንገጻት።

  • nati May 27, 2019

    Well, well…you did it again! Brilliant as usual! Pfdj is on its deathbed. Thank you

    • Negassi May 27, 2019

      Did it again what??????? The vision less opposition been on its deathbed
      for far too long that it can never catch up or overthrow the PFDJ government.
      But, as dreams and fantasize are free just keep on dreaming and fantasizing.

  • Genet -Original May 28, 2019

    Dear Amanuel
    Well said!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!
    What you just said is on most Eritreans’ mind and heart. The past few months, we have witness the very ugly behavior of some people who showed entitlement to power. Who actually thought that is ok to prioritize their own desire for power than puling people together. We need to condemn any such behavior with the strongest possible ways. Running for any control or power, while alienating your own people is not acceptable. Like you pointed out, it is worst than DIA’s action. It also points out that why DIA treated our people the way he has been is not because he is strong or more evil, it is because of our weakness. In the future Eritrea, what we need is strong rule of law to keep stupid and greedy people in check.
    Eritrea first!!!!!!!!!!!!
    God bless Assenna

  • Genet - original May 28, 2019

    sami aka pin head KKKKKkkkk………
    Who are those people you are listing? lethariyat, letesadikan, letekidan …. they must be your close relative who failed miserably to keep you in line, while you were young. Now, you becoming every body’s problem with your multiple personality, ethnic identity crisis, nationality crisis, ideology crisis, gender identity crisis and so on, so on. You are against everything and everyone. For years you have been fixated on Assenna, Amanuel and all the great Assenna commentators. Word of advice, try to stand for something. If you are part of the failed agazian aka the old dead Tigray-Tigrini or what ever, give up already and go kill yourself. Eritrea is for only for Eritreans by blood. I know who you are. I have been profiling your kinds. You are part of the parasite within Eritrea. Born and raised in Eritrea and be half Eritrean or 100 % Ethiopians with deep hatred toward Eritrea and the people of Eritreans, Everybody knows now. You are the one group of people who kept DIA afloat to destroy Eritrea. You time is numbered. By the way you are also not seen favorably by the Tigray/Ethiopians people. How about that for your daily extra dose of stress headache. Cheers!!!!!

    I am an Eritrean only for better or worst. Any one has problem with that go kill yourself, because you will be better off.
    Eritrea first!!!!!!!!!!!!

  • ምስግና May 30, 2019

    ዘመኑ ዘመን ምዕቃብ ርስትኻ፡ ባህልኻ፡ ጉልትኻ ኢዩ። ካዕቦ ምስላታት ኣቦታትና ኣሎ’ሞ ናይ ባዕዲ ምስላ ጌርካ ጭልምልም ብርሃን ኣይተጥፍእ።

  • Musie Mahanzel May 30, 2019

    ብዛዕባ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተመሓላለፈ ዜና ብጣዕሚ ዘሕዝን ኢዩ።
    መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካኣ ብቐሊሉ ዘይወጾ ጸገም ዝኣተወ ኮይኑ ይስማዓኒ። እዚ ግና ንሕና እቶም ብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንጥቀም ኤርትራውያን ኣጸቢቕና መጽናዕቲ ጌርና ነቲ ግናይ የግባራቱ ከሺሕና ኩሉና ካሎኦት መገዲ ኣየር ክንጥቀም እንተ ጀሚርና ኢዩ።
    1 Yohannes IV ዝብል ስም IATA and STAR ALLIANCE ይፈልጥዎ ድዮም?
    2 Airlines inssurers Ethiopian airlines ነዚ ን Asmara international airport ሂቡዎ ዘሎ ሓድሽ ስም ይፈልጥዎ ድዮም?
    ዝፈልጥዎ ኣይመስለንን።
    3 ኣህጉራዊ ማዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከም local airfield ናይ Ethiopia ብ IATA ዘይፍለጥ ስም ዝጽዋዕን ኣብ air ticket ዝጽሓፍን እንተኮይኑ፡ ነዚ ቲኬት እዚ ሒዝካ ሓደጋ ምስ ዘጋጥመካ፡ ብ ውሽጣዊ ሕጊ ናይ ኢትዮጵያ ኢኻ ትፍረድን ትካሓስን።

    ስለዚ ኣሕዋት ኩሉኹም ነዚ ነገር እዚ ንምግጣሙ ቀሊል ኢዩ፡
    1 ነዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ትካላት ምሕታት
    2 ን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሓባር ድምጺ
    ተጠቃማይ ህዝቢ ኣኪብካ ከምታ ዝነበአረታ Asmara International Airport ኢልኩም ቲኬት ዘይትጽሕፉልና ኮይንኩም ድሕርሕጂ ናብ ዝኮነ ቦታ destination መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይክንጥቀምን ኢና ኢልካ ምጽሓፍን ጥንቃቕን እንተ ኣብዮም፡ካኣ ስጉምቲ ምውሳድን ጽቡቕ ይመስለኒ።
    ኣምላኽ ን ሃገርና ሰላምን ፍትሕን የውጽኣልና

Post a Reply to Okbay Cancel Reply