Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልእኽቲ ናብ ኩሎም 9/21/13 ፌስቲቫል ክሳተፉ ዝሓስቡ ተቐማጦ ሎስ ኣንጀለስን ከባቢኣን

መልእኽቲ ናብ ኩሎም 9/21/13 ፌስቲቫል ክሳተፉ ዝሓስቡ ተቐማጦ ሎስ ኣንጀለስን ከባቢኣን ዝኸበርኩም ኣሕዋት ደቂ፡ሃገር፣ ኣቐዲምና ሕውነታዊ ሰላምታና ነቕርበልኩም። ኣስዒብና ከኣ ብምኽንያት እዘን ብትሕዝቶ ዘይቃደዋ ግን ከኣ ተኸታቲለን ዝዝከራ መዓልታት፣ መዓልቲ ቅዋም (Constitution day) ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ

መልእኽቲ ናብ ኩሎም 9/21/13 ፌስቲቫል ክሳተፉ ዝሓስቡ ተቐማጦ ሎስ ኣንጀለስን ከባቢኣን

ዝኸበርኩም ኣሕዋት ደቂ፡ሃገር፣

ኣቐዲምና ሕውነታዊ ሰላምታና ነቕርበልኩም። ኣስዒብና ከኣ ብምኽንያት እዘን ብትሕዝቶ ዘይቃደዋ ግን ከኣ ተኸታቲለን ዝዝከራ መዓልታት፣ መዓልቲ ቅዋም (Constitution day) ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ 17 መስከረምን፣ መዓልቲ እገዳ ነጻ ፕረስን (Free press Ban) ሕየራ ጉጅለ 15ን፣ ጋዜጠኛታትን ኣብ ኤርትራ፡ 18 መስከረምን እዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ከነመሓላልፈልኩም ንፈቱ።

ኣብ ግዜ ምሕራር ኤርትራን ቀጺልኩም እውን፡ ሃገር ንምህናጽ ካብ ዝብል ሕልና ዘካየድኩሞ ቃልሲታት ከቶ ካብ ሃገራዊ ስምዒትን ጽቡቕ ድሌትን ተበጊስኩም ምዃንኩም ኣይንስሕቶን። እንተኾነ ግና ስዒቡ ኣብ ዝመጸ ምዕብልናታት፣ ቅዋም ንዘይምትግባርን፣ ስልጣን ንምብሓትን  ዝዓለመ ንኤርትራ ኣብ ፍጹም ምልካውን ወተሃደራውን ምምሕዳር ንምቝራን ምንባሩን ምዃኑ ዘይበርሃሉ ኤርትራዊ ኣሎ ኣይንብልን።

ሓደ ሰሙን ድሕሪ ናይን/ኢለቨን (9/11) 2001፣ ዓለም ሕጂ ድሃየይ ኣይክትገብርንያ፡ ኣብ ናይ ንዮርክ ዎርልድ ሰንተር ግብረሽበራዊ ተረኽቦ ተጸሚዳ ስለ ዘላ ዝርእየናን ዝሰምዓናን የለን ዝበለ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ፣ ብነፍሰሔር ናይዝጊ ክፍሉን፣ ከዳዕ ዓሊዓብዱን ዝተደርሰ ኣዋጅ፣ ኣብ ድምጺ ሓፋሽ- ነጻ ፕረስ ዝበሃል ኣብቂዑ ኢዩ ዝብል ፈነዋ ዜና ብጋዜጠኛ ሓርበኛ ሰለሙን ኣበራ ተነበን ተኣወጀን። እዚ ጥራይ ከይኣክል፡(ዩ፣ትዩብ ቪድዮ 9-18-13 http://www.asmarino.com ተመልከት) ኩሉም ወነንቲ ነጻ ጋዜጣታትን፣ ቅዋም ንምትግባር ዝጽዕሩ ዝነበሩ ኣባላት “ሃገራዊ ባይቶ” ጉጅለ 15ን ከኣ ከካብ ገዝኦም ተለቒሞም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣተዉ። ብድሕርዚ ተረኽቦዚ ኣስታት 12 ዓመታት ዝኣክል ሃገር እናንቆልቆለት፣ ወዮ ወደባትና ዓጺና መእተውን መውጽእን ክንከልኦም ኢና ተባሂሉ ዝተነግረና ሓሶት፡ ሕጂ ግን ሕፍር ከይበለ ኣብ ቅድሚ ራዕዲ ዝሓዞም ዝኑባት ጋዜጠኛታት ኮፍ ኢሉ፡ ንብሑቕ ዝኸውን ማይን፡ መሰንከት መጎጎ ዝኸውን ሓይሊ ኤለትሪክን ካብ ሚለንዩም ዳም ክንጥቀም ከም እንኽእል እዩ ክንገረና ዝቐነየ። እዝስ ኣጎዛን፣ ተንኮበትን ፈሪሽካ ይሕዘኖምበር “ፈስቲቫል” ጌድካ ከተዅድድስ ኣእምሮኻ ከም ዝሰሓትካ’ዶ ኣየምስልን?

እወ! ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ 1991 ቅያ ሰሪሑ፡ ህዝብና ተዓዊቱ፣ ሃገርና ሓራ ኮይና፣ ታንክታትን ተጎታት መዳፍዕን፣ ቁምጣ ዝዓጠቑ ኣፍሮታትን ዘብ ዘብ እናበሉ ካብ ድፋዓት ንከተማታት ክውሕዙ ረኣና። በዛ ካርታ’ዚኣን በዛ ቪድዮ’ዚኣን ግን ንኽንደይ ዓመታት ክንታለል ኢና። ከም ከተዝናግዖ ዝደለኻ ቆልዓ ደጋጊምካ ናይ “ቢግ በርድ/ወ ባርኒ” (Big Bird/Barney) ካሴት እናእተኻ ተጻውቶ እኮ ኾይኑ’ትነገር! ይኣክል ብጅግንነት ንጹሃት መወዳእታ ዘይብሉ ምሽቃጥ! ሃገር ትዓኑ፣ ንያት ህዝብና ይወድቕ፣ ሕብረተሰብና ይጸንት፡ መንእሰያትና ይጠፍኡ፡ ባህልና ይበርስ፡ ኢዩ ዘለ’ሞ፣ ኣብ ክንዲ ፈስቲቫል ኬድና ምስዕሳዕ ኣኣብ ገዛና ኮይና ብሕልና ንጻልት።

ስለ ዝሰማዕኩምና አቐንየልና

ራህዋ ንህዝብና!

ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ደሞክራስያዊ ለውጢ ሰሜን ኣሜሪካ

ጨንፈር ደቡብ ካሊፎርንያ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • solomon September 23, 2013

    Beyene hawina kab eis belo eis tikerib bro kab bigenzeb dima bihiwet tihayish emo nabta dob kilkil mibal kediliyeka eyu zihawey.genzeb zelewo bigenzebu genzeb zeyiblu bihiwetu zibele men eyu bro .ayitikori gina anbesaye

  • dr mesghina g,medhin November 20, 2013

    i am so proud of your dedication and i am 100% behind you.

Post a Reply to solomon Cancel Reply