Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልእኽቲ መዓልቲ ናጽነት 24 ግንቦት – ብ ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ

May 24, 2019 ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡  ክቡራት ኣሓተይን፡ ኣሕዋተይን፡ ደቀይን ደቂ ደቅየን፡ ከምይ ኢልኩም ቀኒኹም፡ ከምይ ኢልክን ቀኒኽን፡ ኣነ እኽግዚኣቢሄር ይመስገንን ጽቡቅ ኣሎኹ ።እንሆ ድማ ኣብ ናይ ነጻነትና በዓል መዓልቲ፡ መልእኽተይ የማሓላልፍ። እቲ ዘማራይ ንኹሉ ጊዜ ኣለዎ

May 24, 2019

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡  ክቡራት ኣሓተይን፡ ኣሕዋተይን፡ ደቀይን ደቂ ደቅየን፡ ከምይ ኢልኩም ቀኒኹም፡ ከምይ ኢልክን ቀኒኽን፡ ኣነ እኽግዚኣቢሄር ይመስገንን ጽቡቅ ኣሎኹ ።እንሆ ድማ ኣብ ናይ ነጻነትና በዓል መዓልቲ፡ መልእኽተይ የማሓላልፍ።

እቲ ዘማራይ ንኹሉ ጊዜ ኣለዎ ይብል። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ መዓልቱ ኣኺሉ መንእሰይ ኤርትራ ህዝቢ ኤርትራ ተላዒሉ “ይኣክል” ይብል ኣሎ። እወ ይኣክል ንሕሱም መግዛእቲ ንብርነት፡ ይኣክል ንድኽነት፡ ይኣክል ንማእሰርቲ መግፈፍቲ፡ ይኣክል ንምስዋር ንምሕቃቅ፡ ይኣክል ንስደት፡ ንምጭዋይ ንእንስሳዊ ጭካኔ  ክፍሊ ኣካላትካ ንመሸጣ፡ ምውራድ፡ ይኣክል ቀለብ ዓሳ ሙዃን፡  ይኣክል ምምፍልላይ ይበሎ ኣሎ። እግዚኣቢሄር እንቋዕ “ይኣክል” ኣብ ምባል ኣብጻሓና።

እወ፡ ንሕና ኤርትራውያን ከም ህዝብን ሀገርን  በዚ “ይኣክል” ኢልና ተላዕልናዮ ዘለና  መዓልቲ ከይነውሔ ጸልማት ግመ ካብ ሰማያትና ተቀንጢጡ፡ ፈለማ ብርሃን ጩራ ተራእዩ፡ ህዝባዊ  ኣኼብ ተገይሩ፡ ግዝያዊ ቅዋማዊ መንግስቲ ተመሪጹ፡  እሱራት ተፈቲሖም እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሞቱ፡ መኣስ ከም ዝሞቱ፡ ብኸመይ ከም ዝሞቱ፡ ኣበይ ከም ዝተቀብሩ ወይ ዝተደርቡዩ ሃለው ኢልካ ኣዕጽምቲ ተረኺቡ ኣራሪኻ፡ ሰብ ክቡር’ዩ ስሩዕ ሓመድ ኣዳም ኣልቢስና  እፎይታ ተረኺቡ “ሃ” ኢልና ሰላማዊ መናባብሮ ክንጅምር’ዩ ሃረርታና።

ኮይኑ ግን 28 ዓመታት ዝኣኽል ዝብቆለ ኣእሾኽ ብቀሊል ከተጽርዮ ከቢድ’ዩ ። ኣብዚ የእሻኹ እዚ ኣብዚ ስቃይን ሓሳረ መከራን እዚ ዘብጽሓና፡  ተዘሪቡን ተጻሒፉን ገና እውን ይቅጽል ኣሎ። ነዚ እዉን ሕጅስ ይኣክል ንበሎ። ስለዚ ክፉእ  ዝገብረን ክፉእ እንዳተገብረ ስቅ ኢሉ ዝርኣየን ክልቲኦም ገበኛታት ከም ዝኾኑን፡ ዓብን ንእሽቶን ገበናት ብደረጃ ድኣ ይፋላለ እምበር ክልቲኡ ገበን ከም ዝኾኑ ብልቢ ኣሚና፡ ብበይዓይቱ መንገዲ ይቅረ ተባሃሂልና ብእምነትን ተስፋን ጉዕዞና ክንጅመር ኣለና። ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ዓቢ ኣቃልቦ ክንህቦም ድማ ሓደራ እብል፡

ቀዳማይ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኩላትና  ሙሉእ  ጥዕና የብልናን እንተበልኩ ቃል ኣጋኖ ኣይመስለንን። እቲ ከይትሓስብ፡ ከይትዛረብ ከይትማሃር፡ ከይትበልዕ፡ ዝበልናካ ጥራይ ግብር፡ ዝሓሶናልካ እመን ተባሂሉ ብግልያነት ኣብ ዓዲ ዘሎ ዝነብር  ህዝብና እሞ ንግደፎ፡  እቲ ብ ወጻኢ ዘሎ  ብመጠኑ በዓል ድሓን መናባብሮ  ግዲ ህዝቡ ዘለዎ ዘይመስል እውን ካብ ምንዋሕ ጊዜ  ተስፋ ምስኣን እንተዝይኮንዩ ከከም ደረጅኡ ኣብ ውሽጡ ዝቀበሮ ዝእመነሉን ዘይእመነሉን  ጓሂ ኣልዎ። እንሆ ድማ    ቀደም ዘይነበረ ወይ ዘይተፈልጠ ሕማማት ከም ባዓል፡ ልቢ፡ ኮላሊት፡ ብዝሒ ደም፡ ኮሎስትሮል፡ ካንሰር፡ ስትሮክ፡ ውዘተረፈ  ገኒኖም ይርኣዩ።  ዕድል ገይሮም ካብ ክንደይ ሓደጋታት ወጺኦም ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ  ዓሊቦም  ኣብቲ ኤኮናሚያዊ ምዕባለ ናይቲ ሃገር ውን ድሐን ተራ ዝጻወቱ  መንእሰያት ኣለውና፡ 80 90 ካብ ሚእቲ ግን  ብማእሰርትን መግረፍትን ዝዛነዩ፡ ካራን ባሕሪ መዲተራንያን ዝነሐፎም  ረሴ ብጾቶም  ረጊጾም ዝሐለፉ ኣብ ከም ባዓል እስራኤል ዝኣመሰላ ከይስጎጉ እናተሸቁረሩ ሕሱር ሽቅለት ዝሸቀሉን፡ ኣብ ፈቀዶ መዓሰክራትን ኣብ ዕፈና ሊብያ  ዘለውን ዝርከቡ ብናይ ኣእምሮ ሽግር  PTSD Post Traumatic Stress Disorder ይባህል ዝተጠቅዑ እዮም። እዚ ብኻርን ዝተሓራረድ፡ ብጥይት ዝጣፋእ፡ ምስ ሰብ ዘይሳማማዕ ፈትዩ ኣይኮነን፡ ሳዕቤን ክፉእ ተመክር እዩ።  ነዚ ሐደገኛ ሕማማት እዚ ክንቃለስ ሕጂ ክንጀመሮ ይግባኣና። ብዓይንና ንርእያ ጽሓይ ኣብ ልዑላዊ ሀገርና ክሳብ ትበርቅ ክንጽበ የብልናን።  ዲቅ ዝበሉ ሞያውያን professionals ኣለውና ኣለዋና ግን ናይ ምሉእ ህዝቢ ልባዊ ምትሕብባር ናይ ግደን’ዩ።  ናይ ውግእ trauma  ድሕሪ ነጻነት ቆላሕታ ከይተገበረሉ ሕጂ ድማ ብዓቢኡ እዚ ተወሲኽዎ።

ካልኣይ ሕግታትን ባህልታትን ናይ ኤርትራ መሰረቱ ኣብዘን ክልተ ዓበይቲ ሃይማኖታት ስለ ዝኾነ ምትሕፍፋርን፡ ምክብባርን መለዮና እዩ ነይሩ።  ሕጂ ግን እቲ ጽቡቅ ባህሊ ፈጺሙ ተቀይሩ። እዚ ተቀይሮ እዚ ገለ ካብቲ ምኽንያታት ምናልባት ኣብ መንጎ ዘዕብዩኻ ቅሱናት ወለድን ከባብን ዘይምህላውን፡ ስደትን፡  ተሰዲድና  ኣማላኻኽታና ብዘይገድስ ሓቢርና ድልዱል ማሕበረ ኮም ጌርና  ንሕና ዓበይቲ ብኹሉ ነገር ንጥቃቀመሉ፡ ደቅናን መንእሰያትናን ቋንቆኦምን ባህሎምንን ዝማሃርሉ ብዘይ ምህላው ክኸውን ይኽእል። ዘገርም’ዩ ከስምዕ እምበር ጽን ኢሉ ክስምዕ ዝብል ብዙሕ ሰብ የለን። ምዘረብሲ ኣብ ስራሕ እዩ ዘምርሕ። ንሕና ግን ኩሉ ረሲዕናስ ነቲ ዘረባ ከም ስራሕ ጌይርና ወሲድናዮ። ብኣካል ይኩን ብ social media  ተገብረ ተባህለ ክንብልን ነቲ ዝተባህለ ዘይንሳማምዓሉ እንተኾይንና ዘሕፍር ክንጻላለምን፡ ክንጻረፍን ወርቃዊ ጊዜና ነባኽን ኣለና።  እዚ ጉድኣቱ ተረዲእና ቀልጠፍና ክንገድፎ ኣለና።

ሳልሳይ፡ ሰብ ሰብ ዝገብሮ፡ ስሙ ዘኮነስ ተግባሩ’ዩ ። ስሙ መጸዎዒኡ ጥራይ’ዩ። ኩሉ ጊዜ እቲ ዝኣምነሉ ኣብ ዘረባታተይን ጽሑፋተይን ይጥቅሶ’የ። ማለት ዘይተጠንሰ ቆልዓ ኣይሕረስን እዩ፡  ዘይተወልድ ቆልዓ ኣይተዕብዮን ኢኻ።  ቃልሲ ኤርትራ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ጀሚራ ኣብ ሓደ ደረጃ ኣብጺሓቶ። ህዝባዊ ግንባር ድማ ብዓወት ዛዚማቶ። ህዝባዊ ግንባር ብምዑታት  ተጋደልቲ፡ በቢእዋኑ ዝነበሩ ክኢላታት መራሕቲ ውግእን፡ ሃገር ነጻ ኣውጺኡ እዩ። ህዝባዊ ግንባር ስርሑ ውግዕ ጥራይ ኣይነበረን፡ ኣብቲ ኣዝዩ  ጽንኩር እዋናት ከይተረፈ፡ ዓለም ዘደነቀ  ኣገልጎሎት በቢዓይነቱ ትምሃርትን፡ ሕክማናን ይህብ  ነይሩ። ኣብ መሪሕነታት ዝግብር ዝነበረ ጌጋታት ቀጺልካ፡ ምኒን ክትብለሎ ክትሓይኮ ዘይኮነስ እቲ ሓቂ ከይኣጉደልካን ከይወሰኽካን ኣብ ጽሑፍ ኣስፊርካ ካልእ ዋኒን ምግባር’ዩ። ህዝባዊ ግንባር እናበልካ ምቁንጻብ ግን ገበን’ዩ ዝበሎ።  ህዝባዊ ግንባር  እንተኾነ ስርሑ ኣብ 1991 ዛዚሙ’ዩ።፡

ኣብ 1991 ሽሾ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ተሰዕረ ህዝቢ “ኣቱም ደቅና እንቋዕ እዚ ኣርአየና ዕድመን ጥዕናን ይሃብኩም እምበር ስርዓት ንግበር  ሲቪላዊ መንግስቲ ንትከል”  ክብል ምተገብኤ፡ ግን እምነት ኣብ ደቁ ኣሕዲሩ  ድሮ ብናይ 30 ዓምታታ ውግእ ድማ  ደኺሙ ኣለሽ ኢሉ ጸኒሑ።  ግን ኣምላኽ ይመስገን ከም ህዝቢ ኣሊናስ “ይኣክል” ኢልና ተላዒልና ኣለና።

ራብዓይ፡ ህዝቢ ኤርትራ ደረጂኡ ይፈለላ እምበር ኩሉ ተወጺዑ እዩ፡ ኣይከምደቂ ኣንስትዮን ግን። ጓል ኣንሰይተይቲ   ኣብ ርእሲ’ቲ ምስ ደቂ ተብዕትዮ ኣሕዋታ ኣብ  ሳዋ ከርተት ትብሎ ንግህሰተ ክብሪ ጓል ኣንሰተይ ከም ገበን ዘይኮነስ ከም መዛናግዒ መሕለፍ ጊዜ ዝወስድዎ ግፍዔኛታት ጀነራላት ትዕመጽ። ይሓልፈለይ’ዶ ኾን ኢላ ክትሃድም ከላ ኣብ ጉዕዞ ህድማ ድማ ከምኡ ክብራ ይግሃስ።  ተምርዕያ ወሊዳ ሰላማዊ ናብራ  እንተገበረት ፈጺሙ ክጠፍእ ዘይክእል  በሰላ ተትርፍ። ኣብኡ ዘይትፈልጦ ቆልዓ ትለምን ትዕዋረድ እምበር ኣይትድርብዮን’ያ።    ብተወሳኺ መወዳእታ ዘይብሉ ኣህላኺ ዕዮ ገዛን መብዛሕትኡ ሓላፍነት ቆልዑ መብዛሕትኡ፡ ዝወድቅ ኣብታ ጓል ኣንስተይቲ’ዩ። ምስቲ ካልኦት ሰሃሮታት ተዳማሚሩ ድማ  ኣዝዩ ይሃስያ። ደቂ ኣንስትዮ ብብዙሕ ጸገማት ኣብ ጉዳይ ሀገር ይካፈላ ከም ዘይለዋ እኬባታት ባዕሉ ይምስክር’ዩ። ብፕሮፓጋንዳ ስርዓት ህግድፍ ልበንን ዓይነነን ተሸፊኑ  – ሕጂ’ኳ ቁጽረን እናሃሰሰ ይኸይድ ኣሎ፡  ምስቲ ስርዓት ጠጠው ዝበላ  ኣለዋ። ኣብ እዋን ገድሊ ኣብ ዓዲ ብኹሉ መዳይ ተቃሊሰን ፡ ኣብ ወጻኢ ድም እንዳ ከውጃታት እናሰርሐ ንሰድርኤን ረዲኤን፡ ንገድለን ድማ ኣዋርቀን ከይተረፈ እናሃባ  ዓንዲ ሕቆ ኮይነንኦ።  ሙሉእ ዕድሜኣን ሰሪሔን ከብቅዓ ኣብ ሽምግልናኤን ብዘይ ዉላድን ጥሮታን ተሪፈን። ድሕሪ ነጻነት ዓደን ተመሊሰን፡ ዝተጻዋትኦ ዓቢ ተራ  ዋጋ ኣይተዋህቦን። ኣብቲ ሸምጊለን፡ ተኸቢረን ተሓጎሰን ከዕርፋሉ ዝነበረን  ጊዜ ጓሂ ወሲኸን ኣብ ሓይልኻ ምስ ተጸንቀቀ ዘይክኣል ስራሕ ስደት ተመሊሰን።  ታሪኽ እዘን ኣዴታት እዚኣተን ፈጺምና ክንርስዖ የብልናን።  ኣዴኻ ትልምነሉ፡ ሓፍትኻ ትበኽየሉ፡ ጓልካ ትዋረደሉ ጊዜ የብቅዕ ይኣክል።

ሓሙሻይ፡ ምሁር ማለት ኣብ ቤት ትምሃርቲ ኣብ ዓዲ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዘመናዊ ትምሃርቲ ዝቀሰመ ጥራይ ዘይኮነ  ህይወት ዝመሃሮ በሊሕን ተማራማራይ ኣንደበት ዘለዎ ድማ ምሁር እዩ። ዕድል ገይሩ ብኸምዚ ዝበልክዎ ተማሂሩ ካብ ስድራ ቤቱ ሓሊፉ ሓልዮት ህዝቢ ዘይብሉ፡ ህዝቢ ዘይገልግል እንተኾነ ከምቲ ዕድኡ ዘይከፍል ሰራቂ ክብሃል ዝክኣል ነውራም’ዩ ዝቆጸር።

ኣብ እዋን ቃልሲ ምሁራት ብሓቂ ዓቢ ተራ ተጻዊቶም።  ኣብዚ ናይ ዝሓለፈ ናይ 28 ጸልማት ዓመታት በብእዋኑ፡ በብሓደ በቢጎጅለ እንተዘይኮይኑ፡ ብሓባር እድማዒ ስራሕ ኣይተሰርሔን፡ ዝኾነ ኮይኑ  ሕጂ ሓድሽ ምዕራፍ ተኸፍዲቱ’ዩ። ተራ ምሁር ድማ ኣዝዩ፡ ኣዝዩ ክዓዝዝ ናይ ግድን’ዩ። ኩላትና ከም ንፈልጦ “ይኣክል” ምስ በልካ እኮ ኣብ ስራሕ ኢኻ ትኣቱ።

ክቡር ህዝቢ ኤርተ፡ ሃገር ክትህነጽ፡ ስቪላዋ ማሕበራት እተን ዝነበራ ተባራቢረን ክድንፍዓ፡ ዘይነበራ ድማ ስርሔን ጀሚረን ክዕንብባ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ ምሁር ዓቢ ተራ ኣለዎ፡ ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮ፡  ተማሃሮ፡ ሓረስቶት፡ ሸቃሎ፡ መማህራን፡ ሓካይም ኢንጂነራት ምስ መሃንድሳት፡ጠበቃታት፡ ስነጥበባውያን ሙዚቐኛታት፡ ወነንቲ ትካላት –  business people – ጋዜጤኛታት – media – ንመሰል ደቂ ሰብ ዝቃለሳ ማሕበራት: ወዘተረፈ። ደጊም ዋላ ሓደ ሰብ ይኹን፡ ሓደ ማሕበር ልዕሊ ሕጊ ሙኻን ይኣክል።

ሸዱሻይ፡ ንምሳሌ ዓቢኻ ክነስኻ ከምዚ ናይ ባዓል ኤውሮጳ ኣመሪካ ኣብ ናይ ፖለቲካ ዓለም ኣቲኻ Democrat Republican ወዘተ ከምዚ፡ ከምቲ ክገብረየ ምረጹኒ ኢልካ  ላዕልን ታሕትን ምባል  ኣይድልን ክትብል ትኽእል።  ዓቢና ጥሮተኛታት ኮይና ናይ መሳጊድን ቤተክርስትይናትን ሰባት ኢና ኢልካ ኣብ ዘለኻ ኣሊኻ ክፉእ እናሰማዕካን እንረኣኽን ኢድካ ኣጣሚርካ ትም ምባር  ግን ልክዕ ጥራይ ዘይኮነ ሸፈጥ እውን እዩ። ምስ ዓበኻ ዓብየ ኢልካ ብልዒ እንተዘይወሲኻሉ፡ ኣይትገድፎን ኢኻ እንተተረኺብካስ   ተማርጽ እኳዳኣ። ደጊም ምድራዊ መዓልትታተይ  እንተዳተጸንቀቀ ይኸይድ ኣሎ ኣብ ትብለሉ እዋን፡  ምእንቲ ውጹዕ ህዝብኻ ምእንቲ  ኩሉ ክሓልፈሉ እሰይ ኢሉ ክነብር፡ ያዕ ክትብልን ስለ ሓቂ ስለ ፍትሒ ደው ክትብልን ግዜኻን ትሕዝቶኻን   ብሓጎስ  እንሆ ክትብልን ይግባእ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ገጽካ ኣይትኽውልን፡ ሞጎስ ትረክብ። እዛ ዘለናያ ዓለም ድማ፡ ግዛዊትን ንፍተነላን ድኣ እምበር ናይ ዘለኣለም ቤትና ኣይኮነትን። ጨው ንርእስኻ ክትብል መቅር እንተዘየለ  ሓመድ ኢሎም ክጉሕፍኻ እዩ ነገሩ።  ከምዚ ንርእዮ ዘለና ህዝቢ ብሕልፊ ሓንቂቆም ዘይፈልጡ መናእሰይ ሓሳረ መከራ እንዳጸገቡ ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ደቆም ተማሂሮም፡ ስርሖም ሒዞም ብሰላም ክነብሩ ከልው ካልእ ዘይኮነስ  ዕድል ጥራይ እዩ። ደቅኻ ኣብ ዓዲ ስደት ብሰላም እንተነበሩ እንታይ ሒዝካሎም ኢኻ? ኣብ ላዕሊ ኮይኑ ዝፈርድ ኣምላኽ ኣሎ። ኢድ ሸናሒት ጸናሒት እውን ይባህል’ዩ። ስለዚ እንደገና ክደግሞ፡ ጨው ንኻልእ ዘይኮነስ ንርእስኻ ክትብል መቅር’ዩ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሕዋተይ፡ ኣሓተይ፡ ደቅይ ደቂ ደቅይ፡  ኹሉ ክፉእን ዓዲ ዘይግብርን  ይትረፍ፡ ይደምሰስ፡ ይኣክል ደጊም ነብስናን ሃገርናን ንሕነጽ 10 ቆልዓ ከተዕቢ ከለኻ ሰሃርኡ ከቢድ’ዩ፡ ክልተ ቆልዑ ከተዕቢ ከለኻ ግን እዝዩ ዝቀለል እዩ፡ ህዝብና ውሕዱ’ዩ ልኡላውነትናን ክብርናን ክንመልስ ራህዋን ሰላምን ቅሳነትን ኣብ ዘይተናውሔ ክንረክብ ንኽእል  ኢና እኳ እንተበልና፡  ቀሊል ከይክውን ይኽእል’ዩ።

እዝዩ ዘቅልሎን ዘቃላጥፎን ግን ኣብ ኢድና ምሳና ኣብ ውሽጥና’ሎ ንሱ ድማ  ርእስና ፈቲሽና – soul searching – ይብልዎ እዞም ዓዲ  ዳኛና ሕልናና ምግባር’ዩ። ሕልናና ምስ ዝኹላዕ፡ ሐቂ ላዕላዋይ ቦታ ትሕዝ፡ ኣንነትን ኩሉ፡  ሰብን ዓድን ዘይግብር ነገራትን ባህርያትን ዘብለ ይጠፍእ ፍቅሪ ትነግስ፡ እግዚኣቢሄር ፍቅሪ እዩ ዝባሃል፡ እዩ ድማ፡ እምነትና ኣደልዲልና፡ መለዮና ፍቅሪ ጌርና በቢቲ ክእለትና – ኩሉ ሰብ ነናቱ ተውህቦን ተኽእሎን አለዎ፡ ደኺምና ከይበልና ከይተሐለልና ክንሰርሕ ምስ ንብገስ፡ እዚ ኳዕናን ህዝብና፡ ዓተር’ኳ ብፍቅሪ ተማቂልካ ትሐድር ዝብል ፈታው ስራሕ፡ ኣበይ ኔርኩም ዘይብል ሓዳግ ኣምላኻ ኣለዎ’ሞ ሓሰረ መከረና ነበርያ ነበረ ክኽውን’ዩ ዝብል ድልዱል እምነት አለኒ። እዚ ክብል ከለኹ ፡ ኣብዚ ጸልማት ግመ ካብ ሰማያትና ተቀንጢጡ ጩራ ብርሃን ክንርኢ        ዝቀረብ ዝመስል  ዘሎ እዋን፡ እቲ ሞት ዘንጸላልዎ ዘሎ ስርዓት ንህዝቢ ኤርትራ ይቅረ በሉለይ እንተዝብል ሰብ ክሳብ ክንደዚ ተቃላጢፉ  ይቅረ እንተዘይበለሉ – ብዓቢኡ ኣምላክ  ይቅረ ምበለሉ። መወዳትኡ ዝሓሸ ምኾነ። ኣብ ክንድኡ ግን ኣብ ኢርትራውያን ዝርከብዎ መዓሰክራት ኢትዮጵያ ኣትዩ፡ ይጻብኡኒ እዮም ዝብሎም ሰባት ክጭዊ ከጥፍእ ኣይተማላኣሉን ድኣ እምበር ይጽዕር ኣሎ። ኣብ ወጻኢ ዘለው ገለ ሳባት እውን፡ መንእሰይ ክሕረድ ቀላብ ዓሳ ክኽውን ነብሰ ጾር ኣደ ክልተ ደቃ ሒዛ ያኢ ክሓልፈሎም ኣብ መንጎ ጀልባ ክትጥሕል ደቃ ኣደይ ክብሉ ንሳ ሕርሲ ተታሒዛ ደማ ቀላይ ዘዊሕዎ ሕጻና ኣብ ክንዲ መሕረስቲ  ዓሳ ክቅበሎ ከሎ ኣብ ክንዲ ከም ሓዲሽ ዘኪሮም  ንምግልጋል ዝቃዳደሙ፡  ውርዝነትን ሓቅን ዘይብሉ ሰባት ዝፈላሊ ገና ክጽሕፉን ክዛረቡን ይርኤን ይስማዕን ኣሎ።  በዚ ግን ከይንጃጁ ሓደራ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ኣቀዲመ ዝብልክዎ ኩሉዓይነት መሳናኽል ሓሊፍና ኣብ ራህዋ ክንበጽሕ ኩሉ ሰብ ክዋሳእ እጃሙ ከበርክት ግድን’ዩ።  ኣብዚ መራሕቲ ሃይማኖታት ዝጻወትዎ ተራ ዕዙዝ እዩ። ብሓንሳእ ሓቢርካ ድኣ ኣይኮነን እምበር በቢእዋኑ – ዝመጸ ይምጻእ-  ኢሎም ንሰላም ደው ኢሎም እዮም። ሕጂ ግን  ህዝቢ ምስ ሰራዊት ብዝያዳ ክተብዕ – ኩሉ ድማ ብጽቡቅ ክዛዘመልና    Interfaith ተጠቂሞም ሓቢሮም ኣትሪሮም ደው ክብሉ እዋኑ ይጠልብ ኣሎ። እዚ ጊዜ እዚ ጊዜ ጾመ ረሞዳን’ዩ። ዒድ ድማ ይመጽእ ኣሎሞ ናይ ሰላምን ራህዋን ፍትሓተ ጾም ይግበረልና፡ ኣሜን።

እምበኣር  መልእኽተይ ኣብዚኣ ይዓጽዋ ኣለኩ፡ ክብረን ምስጋናን ከም ወትሮ ንኣምላኽ  ይኹን። ኣሜን።

የቀንየለይ

ኣበባ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Yitbarekh May 28, 2019

    Deki BaAtay – sister Abeba, brother Petros and Pawlos all beautiful and kind people just like your old great dad highly respected Aboy T/giorgious. Please keep healthy and happy as much as possible, God bless you all.

Post a Reply to Yitbarekh Cancel Reply