Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕነ ሓደ ምጽፋዕ ብሃገርካ ምጥፋእ! ምስ ምንታይ ይጽብጸብ?

ክንዲ ንሓደ ኣባሲ ምጽፋዕ ተተሓሒዝካ ብሃገርካ ምጥፋእ ‘ሲ ምስ ምንታይ ይጽብጸብ? ንሕና እቶም ነዚ ስግንጢራዊ ኩነት ኣፍቂድና ነብስና ምፍቃድ ኣጊሙና ህዝቢ ንገዛእ ርእስና ኸ ምስ መን ኢና ንቝጸር? ነዚ እንነብረሉ ዘለና ጸሊም ዘበን፣ ጸሊም ሰሙን ተወሲኹዎ፣

ክንዲ ንሓደ ኣባሲ ምጽፋዕ ተተሓሒዝካ ብሃገርካ ምጥፋእ ‘ሲ ምስ ምንታይ ይጽብጸብ? ንሕና እቶም ነዚ ስግንጢራዊ ኩነት ኣፍቂድና ነብስና ምፍቃድ ኣጊሙና ህዝቢ ንገዛእ ርእስና ኸ ምስ መን ኢና ንቝጸር?

ነዚ እንነብረሉ ዘለና ጸሊም ዘበን፣ ጸሊም ሰሙን ተወሲኹዎ፣ ግዳያቱ መድሕን፣ ሓተቲ ኸኣ መልሲ ስኢኖም ስለዘለዉ፣ ምላሽ ከይተጸበና፣ ሓዘን ግዳያትና ኣውሪዱልና ዘሎ ሕሱም ጓሂ፣ ሕመቕና ፈጢሩልና ዘሎ ቃሓር ሕርቃን ናብ ምውጻእ ክንቅጽል። ብዕራይ ‘ውን ‘ኮ መጻምድቱ ምስተሓርደ ዓዕ ይብል እዩ። ኣምላኽ ዝፈጠሮ ህይወት ምሕብሓብ ወይ ከኣ ሰብ ዝሰርሖ ጥፍኣት ምምካን ኣጊሙና ሰብ ምዃን እንተሰኣናን ዋላ ማዕረ እንስሳ ምዃን ዶ ደኣ ብሓደ ኣፊቱ ክጽግመና?

ጸሓፍቲ ኣርእስተ ዜናን ሰማዕትን ናይዚ ደረት ስኢኑ ዘሎ ትራጀዲ መልሲ እንተጸገሞም ኣይትሓዘሎምን እዩ። እንተ ንሕና እቶም ሞት ውዒሉ ዝሓድረልና ዘሎ ረኸብቲ መከራ ግን፣ ኣብቲ ድንቁርና ምስኣቶም ምጽባብ ገዲፍና፣ ነዚ ልዳት ምጾታት ዝመስል መዓት ሓስስ በሎ።

ጾም ወዲእና ፌስታ ፋስጋ ኣብ ዝጀመርናሉ ሰንበት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ 400 ስደተኛታት ከምዝጠሓሉ ተረዲእና፣ ሬሳኦም ከይተለለየ ኣብታ ዝቐጸለት ሰንበት ዳግማይ ትንሳኤ ጃምላዊ ሞት ልዕሊ 700 መሳኪን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ እናንበብና፣ ኣብ ምድረበዳ ሊብያ ኣብ ምርኣዩ ከይበጻሕካ ምስምዑ ጥራይ ‘ኳ ዘሰቕቕ መጕያሕቲ 30 ንጹሃት ብእስላማውያን ጥሩፋት ሰሚዕና።

ካብ መሬት ኤርትራ ሰብ ተጋሒጡ ምጥፋእ ካብ ዝጅምር ዓመታት ስለዝሓለፈ፣ “ኣንታ ኣብዛ ሃገር ሰብ ዶ የለን እዩ?” ዝብል ሕቶ በልዩ እዩ። ሕጂ ሓርቢቱና ዘሎ፣ ኣብቲ ሰማያት ኤርትራ ኣምላኽ ብዓቢኡ ምህላዉን ዘይምህላዉን እዩ። ኣዴታትና ጾም ሓዊሰን ግንባረን ክሳብ ዝለሓጽ ዝገበራኦ ምህለላ ሰማዒ ስኢኑ ኣብ እዋን ትንሳኤ ምዉታን ጥፍኣት ህሉዋን ክኽሰት ከሎ፣ “እምበር ዶ ኣምላኽ ኤርትራ ንርእሱ ኣይተሰደን” ናብ ዝብል ሕቶ ድንዕ ዘየብል ኣይኮነን።

ኣብዚ ብመረድእ ዝተኸበበ ጸሊም ሰሙን’ዚ፣  ንገለ ካብቲ ትራጀዲ ብዓይኑ ርእዩ ዘስካሕከሐ ኣባል ፓርላማ ማልታ ጆሴፍ ሙስካት “ኤውሮጳ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ብዓቢኡ፣ ነዚ ቅዝፈት ‘ዚ ዓይኖም ዓሚቶም ምሕላፍ እንተቐጺሎም፣  ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመንን ኪኖኡን፣ ዓይና ብምዕማታ ንኤውሮጳ ዘጋጠማ ናይ ታሪኽ ፍርዲ፣ ሕጂ ‘ውን ብታሪኽ ክንፍረድ ኢና” ክብል ሰብኣዊ ምረቱ ገሊጹ። ብታሪኽ ዝፍረዱ ግን ኤሮጳውያን ጥራይ ኣይኑንን። ታሪኽ፣ ነቲ ከቢድ ፍርዱ፣ በቶም ብዕዉር ጭካኔኦም ንሰይጣን ኣሰኒፎም ነዚ ሰብኣዊ ቅልውላው ‘ዚ ዝፈጠሩ፣ “መራሕቲ ‘ኮ ኢና” እናበልካ ምዝራብ ዘየሕፍሮም ረጋሕቲ ኤርትራ ይኹን፣ ኩሎም እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝብና መዓት ክዘንብ እናረኣዩ ከምዘይረኣዩ ዓይኖም ዓሚቶም፣ ኣፎም ዓቢሶም ኣጽቂጦም ዘለዉ ሕልና ኣልቦ ‘ዩ ክፍልሞ ዘለዎ። እዚኣቶም ብታሪኽ ጥራይ ዘይኮነ ብመጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ‘ውን ክፍረዱ እዮም።

እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተቐዝፉ 700 ትንፋስ ብምዃኖም፣ እቲ ፍጻሜ፣ “ኣብ ታሪኽ ማእከላይ ባሕሪ ዝኸፍአ ትራጀዲ” ተባሂሉ ድሮ ኣብ መዝገብ ሰፊሩ ‘ኳ እንተቐነየ፣ ናይ ዓይኒ መሰኻክር፣ እቶም ግዳያት ናብ 900 ከምዝጽግዑ ስለዝሓበሩ እቲ ጥፍኣት ክብ ኢሉ፣ እቲ ተመዝጊቡ ዝነበረ ክብረ-ወሰን (Record) ድሮ ተሰይሩ ‘ሎ። ትማሊ “ንህልቂት ላምፐዱዛ ዝዳረግ የለን” ኢልና ንብዓትና ጸንቂቕና እንተኔንርና፣ ዳርጋ ፍርቂ ናይቶም ግዳያት ኤርትራውያን ስለዝኾኑ ሎሚ ኸኣ ደም ምንባዕ ኣይተርፈናን እዩ። ልብና ልቦና ሂቡ ኣብ ክንዲ ዝድግፈና፣ ልብና ካብ ሰፈሩ ተነቓኒቑ ከይወድቀና ክንድግፎ ኣብ ሓለዋ ቐጽል እንነብር፣ ከመይ ጌርና ንህዝብና ከነድሕኖ ከም እንኽእል ኣብ ክንዲ እንባላሓት፣ ተጸበይቲ መዓልታዊ መርድእ ኴንና ኣውያት እንጸናጸን ህዝቢ ኴንና ምትራፍና ብሓቂ ሃየንታ እዩ።

ኦ ህዝቢ ኤርትራ ትጸንት ከምዘለኻስ ይፍለጠካ ዶ ሎ? ሰኽራም እናሰሓቐ ውሕጅ እንተወሰዶስ ሰኺሩ፣ እቶም ንውሕጅ ንብዓትና ወሲኽና ምስ ዳስ ሓዘና እንስቀሎ ዘለና ኸኣ እንታይ ክንብሃል ኢና?

ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ከምዝሓበሮ፣ ዓሚ 2014 በተን ዘይውሑሳት ጃላቡ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ካብ ዝሰገሩ 219 ሽሕ ስደተኛታት 31 ሚእታዊት ዜጋታት ናይታ ኣብ ውግእ ሕድሕድ ተሸሚማ ዘላ ሶርያ ክኾኑ ከለዉ፣ 18 ሚእታዊት (ኣስታት 40 ሽሕ) ናይቲ ጠቕላላ ብዝሒ ብምዃን ካልኣይ ደረጃ ሒዞም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት እዮም። እቲ ናይ ኤርትራውያን መጠን ካብቲ 25 ሚእታዊት ዝዓቐኑ ናይ መላእ ጸሊም ኣፍሪቃ ድምር ብዝሒ ብማእከላይ ባሕሪ ናይ ዝሰገሩ ስደተኛታት፣ ብውሑድ ሚእታዊት እዩ ዝንእስ። እቶም ሃገሮም ዓውደ ውግእ ኣህጉራዊ ኵናት ኮይና ንዓመታት ዝተሳቐዩ ኣፍጋኒስታናውያን 5 ካብ ሚእቲ፣ እቶም ሃገር ኣልቦ ፍሊስጤማውያን ከኣ 3 ካብ ሚእቲ ጥራይ ኣብዚ ጸብጻብ ‘ዚ ኣትዮም ዘለዉ።

ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ በቲ ወትሩ “ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት” ተባሂሉ ዝንንበብ ዜና-ቲቢ ኤረ ልብኻ ዘንጊዑ ፣ ኣእምሮኻ ተዛንዩ ጥፍኣት ህሩግ ኢሉካ ከምዘሎ፣ ትጸንት ከምዘለኻ ክስቆረካ ይግባእ። ከም ሰብካ ኣይኮንካን ትስደድን ትመውትን ዘለኻ፣ እቲ መዓት ሕልፊ ሰብካ እዩ ዝወርደካ ዘሎ ‘ሞ፣ ንዝርገም ረጊምካ፣ መርገምካ ከተብጽሕ ወዓል ሕደር ኣይትበል፣ ግዜ ኣብ ጎንኻ የለን።

‘ሳላና’ እናበሉ ዕድልካ ካብ ናይ ፍልስጤማውያን ከምዝሓይሽ ንዝነግሩኻ፣ “ስለምንታይ ደኣ 6 ዕጽፎም ይስደድ ኣለኹ” በሎም? ብሕሹኽታ “ምስ ኣሸባብ ስለዝተማሓዘና ኢትዮጵያውያን ክርስትያን ጥራይ ተመሪጾም ብ ISIS ተጎይሖም” ኢሎም ብጉርሖም ክምክሑ ንዝሰማዕካዮም፣ ኣብ እስራኤል ንዘለዉ ደቅኻ ደዊልካ ጉርሖም ንፋስ ከምዝወሰዶ ሓሙዅስቲ ብኑን ምዃኑ ኣምተሎም። በቲ ኮይኑ በቲ፣ ስደትካ ካብ ፍልስጤምን ኣፍጋኒስታንን ሓሲሙሉ ዘሎ ምኽንያት፣ ጸላኢኻ፣ “ፈታዊኻ እየ፣ ውላድካ እየ፣ ናትካ እየ፣ ከማይ ገይሩ ዝሓይልየልካ የለን” እናበለ፣ ካብ ባዕዲ ንላዕሊ ዘጥፍእ፣ እቲ ዝኸፍአ ጸላኢ ስለዝኾነ እዩ። ነዚ ስርዓት ‘ዚ ሞትካ ጥራይ ‘ውን ኣይኣኽሎን እዩ። መረድእካ ከይስማዕ፣ ኣውያትካ ብገለ እንተበጽሐ ከኣ ሬሳኻ ከይምለስ ውዲት ክኣልም ድቃስ ዘይብሉ እኩይ ስርዓት እዩ። ስለዚ፣ ነዚ መዓተኛ ስርዓት ‘ዚ ከይነቐልካ እግርኻ ዳግማይ ከምዘይትከል ክትግንዘብ ይግባእ።

እዚ ኣጋንኖ ኣይኮነን። ነብያት ‘ውን ኣይኮናን። ነቲ ሓቂ ካብ ወረቐት ዘይኮነ ካብ ባይታ ኢና ነንብቦ ዘለና። ኩሉ ‘ቲ ቅድሚ ሕጂ ጽውጽዋይ ከምስሉዎ ዝፈተኑ ሓቂ ኮኑይ እዩ ‘ሞ፣ ስብከት ‘ቶም ኣምሳያ ሕጽረት ህይወትካ ምንዋሕ ዕድመ ስልጣን ዝምነዩ ስሱዓት ዕሽሽ ኢልካ መንገዲ ድሕነትካ ኣለሊ። እወ፣ እቶም ‘ኣብ ሲናይ ኮላሊት ኤርትራውያን ይሽየጥ ኣሎ’ ክንብል ከለና ዝዋራዘዩልናን ዝስሕቁናን ዝነበሩ፣ ህይወት ዜጋታት ድንብርጽ ዘይበሎም ተበለጽቲ፣ ኣብ ነብሶም በጺሑ 20-30 ሽሕ ዶላር ምስ ከፈሉ ተፈሊጡዎም መልሓሶም ሓይኾም እዮም። ገና መዓት ሊብያ ከምዚ ኢሉ ከይተጋህደ፣ ብኣግኡ ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ተጓዒዝና ‘ጉዕዞ ስደት ሊብያ ካብ ሲናይ ዝኸፍአ ክኸውን ‘ዩ’ ክንብል ዝሃብናዮ መጠንቀቕታ ኸኣ እንሆ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይጋሃድ እንሆ። ህዝበይ፣ በጃኻ ምስ ኮነ ካብ ምእዋይ፣ ብኣግኡ ምጕያይ ተላመድ።

እዚ እኩይ ስርዓት’ዚ ሃንዳሲ ጥፍኣትካ እንተዘይከውን፣ እቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ደረት ኣልቦ ‘ሃገራዊ ኣገልግሎት’ መንእሰያት ሓደ ካብቶም ቀንዲ ጠንቅታት ስደት ምዃኑ ናይ ዕዳጋ ምስጢር ክንሱ፣ ብወረ ወረ ‘ኣብ 18 ኣዋርሕ ክንሓጽሮ ኢና’ ዝብል መቐሸሺ ዓያሹ እናዘርግሐ፣ ኣብ እዋን ዓጺድ ናይቲ ካብ ዝሓሸ ክረምቲ ዝተጸበኻዮ ምህርቲ ንደቂ ሱሳ ናብ ታዕሊም ‘እንተዘይወፈርኩም’ እናበለ ከጓይዮም ኣይምቐወዐን። ሕጂ ኸኣ ክሳብ 45 ዝዕድሚኤን ደቀንስትዮ ክዝንብየን ጀሚሩ ኣሎ።

ጥፍኣትካ ዘገድሶ ወይ ዘየሐጕሶ እንተዝኸውን ከ ስለምንታይ ናይ ልቢ እንተተረፎ ዋላ ንይምሰል ምድንጋጽ ዘየርኢ? ኢትዮጵያውያን ነቶም ብ ኣብ ግንባሮም ዝተርሸኑ ክሳዶም ዝትሓርዱ ናቶምን ዘይናቶምን 30 ግዳያት ከምዝተባህሉዎ ተቐቢሎም፣ ሰለስተ ናይ ሓዘን መዓልታት ክእውጁ ከለዉ፣ እቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ነዞም ኤርትራውያን ምዃኖም ተረጋጊጹ ዘሎ 350 ብዜና ኳ ኣይዘከሮምን። ዝዳረጎ ትራጀዲ ተኸሲቱ እቲ ልዕሊ 350 ምሳኪን ዝቐዘፈ ህልቂት ላምፐዱዛ ድሮ ታሪኽ ኮይኑ እምበር፣ ሬሳታት ደቕኻ ‘ኮ ካብ በረኻታት ሲሲልያ ኣይተመልሰን።

ካብዚ ዝኸፍእ ሰይጣን፣ ካብዚ ዝጭክን ጸላኢ ዝጽበ እተልዩ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓሰመ ጸላኢ እዩ ክኸውን ዘለዎ።

እቲ ስሱዕ ሕሉፍ ሓሊፉ፣ መሪትካ ባዲሙ ከይውሕድ ዘለካ ስግኣት ከይዓጠጦ፣ ኤሮጳውያን ስደተኛ ከይበዝሖም ዘለዎም ሻቕሎት መዝሚዙ ብህይወት እቶም ዝጠፍኡ ዘለዉ ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ገንዘብ ክነግድ፣ “ገንዘብ ጥራይ ትኾቡለይ ‘ምበር ዋሕዚ ስደት ደው ከብለልኩም ‘የ” እናበለ ናይ ቢዝነስ ኣድቨርታይዝመንት የካይድ ኣሎ። ንሳቶም ‘ውን ምንጪ ስደት ንሱ እቲ ምላኺ ምዃኑ ኣጸቢቖም ዝፈልጡ ‘ኳ እንተኾኑ፣ ፈለማ ልምሰትና ተገንዚቦም፣ ምስኡ ኸኣ እቲ ብረዲኤት ዝህቡዎ ገንዘብ ማዕድን መዝሚዞም ኣብ ዝተናውሐ ከምዘምልሱዎ ስለዝፈልጡ፣ ነቲ ኣብ ህዝቦም ዝርአ ጽልእን ቅንእን ስደተኛታት ዘበገሶ ቀጨውጨው ሓጺር ፍታሕ ክረኽቡሉ ንግዚኡ ሚልዮናት ምድርባይ ኣየጸግሞምን እዩ። እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰላትን ሞራልን ምውርዛይ ኣብ ጣቋ መደረ ደኣምበር ኣብ ግብርስ ድሕሪ ቁጠባውን ፖለቲካውን ረብሓታቶም እዩ ዝስራዕ።

ስለዚ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ህይወትካ፣ እንተ ጨቢጥካ ክትቀትላ፣ እንተስ ካብ ምልኪ ሓሪርካ ከተድሕና ኣብ ኢድካ ኢኻ ጨቢጥካያ ዘለኻ ‘ሞ ኢድካ ተጠቐመሉ። ኣብ ክንዲ ነቲ ጠንቂ መዓትካ ዝኾነ ሓደ እኩይ ምጽፋዕ፣ ተተሓሒዝካ ብሃገርካ ኣይትጥፋእ! ኣሳፊሕካ ሞት ተኾርሚኻ ሞት ዝብሉዎ ሕልና ድኹማት ኣሰኒፉካ ንሞት ኣይትጸበያ። ሞት ዓይነት ከምዘለዋ ካብ ማንም ንላዕሊ ንስኻ ትፈልጥ። ‘ካብ ሞት ብውርደት ሞት ብጅግንነት ይበልጽ። ንድሕነትካ ተላዓል፣ መክት!!

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ።

ኣማኑኤል ኢያሱ

23 ሚያዝያ 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
34 COMMENTS
  • Anti-Higdef April 24, 2015

    ጸላኢኻ፣ “ፈታዊኻ እየ፣ ውላድካ እየ፣ ናትካ እየ፣ ከማይ ገይሩ ዝሓይልየልካ የለን” እናበለ፣ ካብ ባዕዲ ንላዕሊ ዘጥፍእ፣ እቲ ዝኸፍአ ጸላኢ ስለዝኾነ እዩ። ነዚ ስርዓት ‘ዚ ሞትካ ጥራይ ‘ውን ኣይኣኽሎን እዩ። መረድእካ ከይስማዕ፣ ኣውያትካ ብገለ እንተበጽሐ ከኣ ሬሳኻ ከይምለስ ውዲት ክኣልም ድቃስ ዘይብሉ እኩይ ስርዓት እዩ። ስለዚ፣ ነዚ መዓተኛ ስርዓት ‘ዚ ከይነቐልካ እግርኻ ዳግማይ ከምዘይትከል ክትግንዘብ ይግባእ።

    Very true. Till Eritreans realize they have a cruel enemy at home, and start to save their people from its horrible crimes, they will continue to suffer and die in foreign lands.
    The enemy gives deaf ears to their cries of our people as they die in hundreds, and looks elsewhere while the world morns their death.

  • Hidat April 24, 2015

    AMANUEL EYASSU BHABAR DOBNA YITAHANXEXELNA NIBEL MIBAL DO AYMIHASHEN?? ETI OBAMA ZIHANXEXO STRATEGY KE YISERIH KEM ZELO TEAZIBKA DO????? ETI SHIGIR DEA NABEY KETEXEGEO TIDELI ALEKA????AB SHERER ZIBIL WENBER KOF ILKA KUNAT MIEWAG GIN NIMEN KITEEMO .???????

    • Simon G. April 25, 2015

      ህድኣት:
      ዋላ’ኳ ትጽሕፍዮ ካብ ክውንነት 180 ዲግረ ዝረሓቐ ተኾነ: ኣቀራርባኺ ዝነኣድ ‘ዩ። ስለምንታይ? ርኢቶኺ ጸርፊ ወይ ክብረት ዝጎደሎ ኣይኮነን። ምኽረይ- በጃኺ ናብ ልብኺ ተመለሲ።

      • Timnit April 25, 2015

        Brother Simon G., I think this Hidat is Yemane Charlie or Yemane Monkey! Only these two sad and pathetic individuals would come up with fake uncaring acts and comments.

    • Eritreawit April 25, 2015

      Hidat,

      KUNAT MEWAJ DO ILKI, IT TIDGIFYO ZELEKHI WILQE MELAKHI QINAT DO AYKONEN AWIJULNNA ZELO? ANTI ENTAY DIKHI ? HIZBNNA KAB HAGERO ENDASEGOGE HAGER HIGI ALBO GEROWA ZELO, DEQEBAT ENDAXNET, NI WEDI MEN U KESFRELU DELU/ NIBAL KEMAKHI?

  • Tekle Haile April 24, 2015

    ህዳት ዘንጊዕኪ ዳኣ ከይትኾኒ እምበር ከም ናይ ኤርትራ ሽግር ዘለወን ሓገራት ካብ 200 ሚእቲ ይበዝሓ ኣብዚ ዓዲ ዝወጸ ን15 ዓመት ዝዓቖርክዎ ጽሑፍ ኣልሎ ፡ ጸገም ኣለና ኢለን ግን ምርጫ ካብ ምክያድ ቅዋም ኣብ ግብሪ ክብ ምውዓል ኣይተቖተባን ይቕጽላ ኣለዋ ። ክቡር ሃይለ ወልደትንስኤ ድሩዕ ኣብ 2000 ዓመተ ምህረት ኣብ ጀርመን ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር ዶብና ኣይተሓንጸጸን ብምባል ቅዋምና ሓሙሽተ ዓሰርተ ዓመት ጠጠው ክብል የብሉን ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ ኢሉ እዩ። ማዕረ ማርቻ ንቐይር ኢሉ ገምጋም ንግበር ኢሉ ሰማዒ ኣይረቐበን ብህግደፍ ኣብ ጉድጓድ ምስ ብጾቱ ይበሊ ኣሎ ። ኣነ ብፖሊቲካዊ ብስለቱ ይፈትዎ ኣውራጂያ ኣየራኻኽበናን ኤርትራውነትና የራኽበና ። ደቂስና ዘለና ምሁራት ንኹን ኣይንኹን ብዘየገድስ ልሙሳት ሕልና ዝጎደለና ኢና። ደርጊ ደሲቖም ደሲቖም ኣቦይ ቀቲሎምለይ ብናጽነት ግን ኩልና ተደቢስና ። ስርዓት ኢሳያስ ግን ዝበኣሰ ኢዩ ዓዲ ብዓዳ የባድማ ኣሎ ንምንታይ? ቅዋም ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒሉዋ ብሕጊ ክቕፈድ እዩ ኮሎኔላት ጀነራላት ከምኡ። ነቶም ገበቲ ስልጣን ፡ህዝቢ እንተሞተ፡ እንተተሰደደ ገዛ እንተፈረሰ እንታይ ይዓጦም? ጽቡቕ ኣለዉè ይበልዑ ይሰትዩ ደቂ ኣንስትዮ ይዕምጹ ሰብ ሃዳር የፋትሑ የቐንየለይ ኩነታትና የሕጽን ብሕልፊ ናይቶም ተበለጽቲ እንዳረኣዩ ዝዓወሩ እንዳሰምዑ ዝጸመሙ >

  • Truly Truly i say to you April 24, 2015

    ኽቡር ሓውና ኣማንኤል በታ ንሕግደፍ ንበይኑ ዘረባእባእ ዘእትወሎም በትሪ ሓቂ ተደይውክሰና ነሩ፣ ዳርጋ በቲ ተቃዋማይ ዝበሃል ኃይሊ ዘርእዮ ዘሎ ድክመትን ድንቁርና ተስፋ ንሙቅራጽ ቁሩብ ተሪፉኒ ነሩ። ኣንቱም ሰባት እንታይ ኣይነት ላግጺ እዩ? ነዚ ኩሉ ኣብ ሕዝባና ዝወርድ ዘሎ ቅዝፈት መከራን ውርደትን እናሰማእኩም ክንዲ ገለ ቁምነገር ዘልዎ ተግባራዊ ስጉምቲ ምውሳድ፣ ነዛ ናይ ውጹእ ሕዝቢ ልሳን ንዝኮነት መርበብ ሓበሬታ ብዘይከውን ንብዓት ሓርገጽ ማስታወቅያታት “ናይ ሽምዓ ስነ፡ስርዓት´ዶ መንደፍ´ዶ” እናበልኩም፣ ነቲ ስፍራ ትመልእዎ? ካን ዝዝረብን ዝግበርን ተሳኢኑ፦ ጽናት ይሃብኩም፣ምውታት ብሰላም ዕረፉ (R.I.P፣)መንግስተ ሰማይ የዋርስኩም ጥራይ ኮይኑ ዘርባኹም! ንሳ ጥራይ ኮይና ዓቕምኹም ማለት ድዩ? ክበሃል ተባሂሉ ሰሚእኩም ነቲ ወግኢ- ወግኢ ጥራይ ብደይ ኣድማኢ ተግባር ብምሃዝ፣ ንሰማእታት መንግስተ ሰማይ የዋርስኩም በልኩም ኣይበልኩም እንታይ ስንቅን ሓገዝን ክኾኖም እዩ ንእኦም ኮነ ንግዳይ ቤት ስድራ? በጃኹም እዚ ላግጺ ገዲፍኩም ብዘይጠቅም ጽሑፍ ኮነ ኢልኩም ካብቲ ቀንዲ ጉዳይ ንከተውጽኡና ትርጉም ብዘየብሉ ማስታወቅያ ነዛ ናይ ሕዝቢ መርበብ ኣይትምልእዋ። ኣሰና በጃኹም ዝኾነ ሰብ ናይ ውልቃዊ ጉጂሌኡ ማስታወቅያ ኮነ ናይ ሓዘን መግለጺ ከፍልጥ እንተደለየ ፍሉይ መድረኽ ክፈቱሎም´እሞ ዝደለየ ሰብ እንተሎ ኣብኡ ከይዱ የንብብ፣ ምኽንያቱ ገለ ሰባት ገለ ኣገዳሲ ነቲ ስርዓት ኣረማዊነት ብዓለም ዘጋልጽ ክስተት ክመጽእ ከሎ፡ ምእንቲ ሕዝቢ ኣቃልቦ ከይገብረሉ፡ ኮነ ኢሎም ብዘይጠቅም ማስታወቅያታትን ዘረባታትን ጽሕፈትን እናምጽኡ ነቲ መርበብ ብሙምላእ ነቲ ቁም ነገር ክሽፍንዎ ይፍትኑ ስለዘለዉ፡ ዋላ ገንዘብ ይክፈሉ ነቲ ሽጣራታቶም በኣግኡ ክትግጥምዎም ኣለኩም።

  • Truly Truly i say to you April 24, 2015

    ግደ ሓቂ ተግባራዊ ስጉምቲ ተድለየ፣ ሕጂ ነሩ ዝክፈል ከፊልካ ሬድዮ ኣሰና ከምቀደማ ስርሃ ከምትጅምር ብምግባር ነዚኩሉ ስቃይን መከራን ነቲ ንከይሰምእን ንከይዘረብን ዝተኣፈነ ሕዝቢ ብእዋኑ ልሳን ክትኮኖ ዝግባእ ዝነበረ። ነገራት ምስሓለፈን ሕዝብና ኩሉ ከምዘይተገበረ ምስረሰኦ ዳሕራይ ሃለፍ እንተበልና እንታይ ፋይዳ ኣለዎ? መጽሓፍ ቅዱስም´ኰ ዝኾነ መልዕክቲ ዕዋኑ ሓልዩ ክሳብ ዘይቀረበ ሓጎስ ከምዘይሕብን ክጠቅም ከምዘይክእልን ይመክር እዩ። ማይም ጸሚእካ ክትሰትዮ፣ ብልእም ጠሚካ ክትበልኦ እንበር ብደይእዋኑ ብዙሕ ከምዘይሕጉስ ፍሉጥ እዩ።
    እቲ ካልኣይ ተግባራዊ ስጉምቲ ሕጂ ነሩ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ተቃዋማይ በብዘለዎ ሃደ መዓልቲ ወሲኑ ብሰላማዊ ሰልፊ ብሃደ ድምጽን ዕላማን ነቲ ናይ ሕዝባና ስቃይን መከራን ንዓለም ሕብረተሰብ ከረድእ ዝነበሮ። ሕጂ ነሩ ኣገደስቲ ጽሑፋትን ጎስጓሳትን ብምግባር እቲ ናይ ውሽጢ ዘሎ ሕዝብና እንተዘይከኣለ ኣብ ስደት ዘሎ ሕዝብና እንተዋሃደ ልክእ ተቃወምቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክምዝገብርዎ ኣይነት ሕዝባዊ ናእቢ፣ በብኤንባሲታትን ቆንስላትን ኤርትራ ብምኻድ እዚ ኩሉ ስቃይን መከራን ኣብ ሕዝብና እናወረደ፣ ስለምንታይ እቲ ስርዓት እንተዋሃደ ናይ ሓዘን መዓልቲ፣ ባንዲራ ክወርድን ሕጹጽ ኣኴባ ኣብክንዲ ምእዋጅ ብምጽቃጥ ነቲ ግፍእታት ክሽፍኖ ይፍትን ኢልና ናይ ተቃውሞ ድምጽና ከነስምእ ዝነበረና።
    ቁሩብ ኣይገርመኩምን መንግስቲ ኢትዮጵያ ን20 ዝከውን ዜጋታቱ መሰል፣ 3 ናይ ሃዘን መዓልቲ፣ ባንዲራ ትሕት ኢሉ ክውልብለብ፣ እቲ ባይቱ ብሕጹጽ ክእከብ ውሳኔ የሕሊፉ ክንሱ እዚ ኩሉ ብተቃወምቲ ኃይላት እኩል ናይ ሕዝቢ ሃልዮት ኣይገበርካን ተባሂሉ ተቃውሞ ክገጥሞ ከሎ፣ ሕዝቢ ኤርትር ግን ብሚእቲ እጽፊ ስቃይን መከራን እናሕለፈ እቲ ስርዓት ብዘይ ገለ ብድሆ ናይቲ ናይ ጥፍኣት ተልዕኮኡ ብደይ ስክፍታ ከከናውን ከሎ ምስምንታይ ይቁጸር? ንምዃኑ ሕዝቢ ኤርትራ ሰብ ድዩ ኣድጊ ተባሒልና እንተንሕተት እንታይ´ኮን ይከውን መልስና?

    • Simon G. April 24, 2015

      ኣድጊ ‘ኳ ክብል ‘ተዘይደፈርኩ፥ ዳርጋ ኣድጊ ምባል ግን ቅኑዕ ኮይኑ ይስመዓኒ።

  • abraham April 24, 2015

    Bhaki ebleka alekhu adeyn aboyn niay ab edme 20tat zrkeb wedom kiblu meswaeti kem zeykefluley teredieni alo,entkone eti neger ab wishti asmara eyu tekebiru zelo,naebi ab asmara entezeykoynu ab kalie kiserh aykielnyu ade weda bkara teharidu kalay weda nkeyhred kab sk elka miezab nlaeli zwesedeto sgumti ayreanan, texebina gin nerna. Aw ela kitbeki win fexima aykealetn.why my mom doing silence? ???

  • Simon G. April 24, 2015

    ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ከንብባ ናይ ልበይ ህርመት ከምዝውስኽ ዝነበረ ይርደኣኒ ኔሩ።
    ኣማኑኤል:
    ከማኻ ምኢቲ ኤርትራውያን ተዝነብሩና: ‘ዛ ዝጸሓፍካያ ጽሕፍቲ ኣይመንበብናያን። ርኢኻና ኢኻ ግብረ-መልስና ከመይ ከም ዝኾነ። ደንዚዝና መስለኒ። ብበለጽ ተባዒጥና: ብፍርሒ ቦጅብጅና: ብድንቁርና ተወሪርና: ናብ ናይ ድኽነት ሓንጎል ተሸሚምና።
    ናትና ድኽመት: ፍርሒ: ድኽነት: ህድማ: ወዘተረፈ… መውዳድርቲ ዘለና ኣይመስለንን። ንዛረብ! ከም ሕሉፍ ንዛረብ: ከም ፈላጣት። ትሕቲ ሰባት ተቐይርና። ተናዒቕና: ከምዘይሓልፍ። ነዚ ዝርዳእ ሓንጎል ዘለና ግን ኣይንመስልን። ኩነታትና ኩሉ ተስፋ ዘቑርጽ ዩ።
    ጠሪስና ኢድና ከይንህብ ግን ከምዚ ከማኻ: ኣምላኽ ኣብ ሞንጎና ኮፍ ኣቢሉልና። ብዛዕባ ‘ቲ ኣምላኽ እምበርዶ ኣብ ኤርትራ ኣሎዩ ኣብዚ ግዜ ዚ ዝበልካዮ ግን: ኣነ ውን ውሑዳት ዓመታት ኣሕሊፈ ኣለኹ ካብ ዝጠራጠር (no offense to some of you)።

  • Hidat April 25, 2015

    SIMON ITEN MERAHTIKIN DIKTATORAT EYOM KIWERDU ALEWOM TEBAHILEN KUNAT ASAWIROM FAH FAH ZEITEWULEN HAGERAT KUNETATEN TREYO ALEKA. EZI AB LELI ERITRAWIAN TEAWIGU ZELO SELAHTA WERAR WIHIDU DEYU KALEE KUNAT KILEAL NITAATEK NITANGUD ILAK MILEAL????????AFKA INBER HILNAKA KEMZEIDIGFO MIETI KAB MIETI RIGIXENA EYE.

  • Hidat April 25, 2015

    TEKEST HAILE KABZEN MIRCHATAT ENDAGEBERA DIKINET TIRAH KEIAKLEN KIBRET ZEGATATE BAYTA ZEBITU TESFA MIKURAX ZENKELO NAY NEWIH AMETAT AKILI XIBET ZENKELO HIWIKET AB DEBUB AFRIKA NIREYO ALENA .ETI ZEGERM NEZI TEREYO RACISM(XELEE AB LELI WEXETENATAT)ILOM KEGOLB´BWO YIHIKNU ALEWU.EZI GIN HAKI DEYU????? EWO AB DEBUB AFRIKA GIN AMET AMET MIRCH YIKAYED EYU EMOKE??AB KALE KEISEGERNA EZA GOROBETNA ETHIOPIA KEE????ENTAY NIREE ALENA.KABZIEN INTEZEITEMAHIRNA EMO SEBAT AYKON´`NAN. ETI BEAL ABOKA MESWETI ZIKEFELELU ILAMA NIBLASH NIGEBRO ALENA MALET EYU.IMBERKE ATA TEKESTE EZEN MEALTAWI ZIFAREYA PARTTAT ERITRAWIAN KEE?????TUF TUF TEREINI EQU.

  • Aida April 25, 2015

    the only proplem is the Evil Isias Wedi Medhn Berade if he die the whole rigion it will be peace and free, i hope one day our ”FEDAYEEN”they will kill him i hope he will go to helll, becuase he kill all our people and we still suffering a lot

1 2 3

POST A COMMENT