Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕነ ሓደ ምጽፋዕ ብሃገርካ ምጥፋእ! ምስ ምንታይ ይጽብጸብ?

ክንዲ ንሓደ ኣባሲ ምጽፋዕ ተተሓሒዝካ ብሃገርካ ምጥፋእ ‘ሲ ምስ ምንታይ ይጽብጸብ? ንሕና እቶም ነዚ ስግንጢራዊ ኩነት ኣፍቂድና ነብስና ምፍቃድ ኣጊሙና ህዝቢ ንገዛእ ርእስና ኸ ምስ መን ኢና ንቝጸር? ነዚ እንነብረሉ ዘለና ጸሊም ዘበን፣ ጸሊም ሰሙን ተወሲኹዎ፣

ክንዲ ንሓደ ኣባሲ ምጽፋዕ ተተሓሒዝካ ብሃገርካ ምጥፋእ ‘ሲ ምስ ምንታይ ይጽብጸብ? ንሕና እቶም ነዚ ስግንጢራዊ ኩነት ኣፍቂድና ነብስና ምፍቃድ ኣጊሙና ህዝቢ ንገዛእ ርእስና ኸ ምስ መን ኢና ንቝጸር?

ነዚ እንነብረሉ ዘለና ጸሊም ዘበን፣ ጸሊም ሰሙን ተወሲኹዎ፣ ግዳያቱ መድሕን፣ ሓተቲ ኸኣ መልሲ ስኢኖም ስለዘለዉ፣ ምላሽ ከይተጸበና፣ ሓዘን ግዳያትና ኣውሪዱልና ዘሎ ሕሱም ጓሂ፣ ሕመቕና ፈጢሩልና ዘሎ ቃሓር ሕርቃን ናብ ምውጻእ ክንቅጽል። ብዕራይ ‘ውን ‘ኮ መጻምድቱ ምስተሓርደ ዓዕ ይብል እዩ። ኣምላኽ ዝፈጠሮ ህይወት ምሕብሓብ ወይ ከኣ ሰብ ዝሰርሖ ጥፍኣት ምምካን ኣጊሙና ሰብ ምዃን እንተሰኣናን ዋላ ማዕረ እንስሳ ምዃን ዶ ደኣ ብሓደ ኣፊቱ ክጽግመና?

ጸሓፍቲ ኣርእስተ ዜናን ሰማዕትን ናይዚ ደረት ስኢኑ ዘሎ ትራጀዲ መልሲ እንተጸገሞም ኣይትሓዘሎምን እዩ። እንተ ንሕና እቶም ሞት ውዒሉ ዝሓድረልና ዘሎ ረኸብቲ መከራ ግን፣ ኣብቲ ድንቁርና ምስኣቶም ምጽባብ ገዲፍና፣ ነዚ ልዳት ምጾታት ዝመስል መዓት ሓስስ በሎ።

ጾም ወዲእና ፌስታ ፋስጋ ኣብ ዝጀመርናሉ ሰንበት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ 400 ስደተኛታት ከምዝጠሓሉ ተረዲእና፣ ሬሳኦም ከይተለለየ ኣብታ ዝቐጸለት ሰንበት ዳግማይ ትንሳኤ ጃምላዊ ሞት ልዕሊ 700 መሳኪን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ እናንበብና፣ ኣብ ምድረበዳ ሊብያ ኣብ ምርኣዩ ከይበጻሕካ ምስምዑ ጥራይ ‘ኳ ዘሰቕቕ መጕያሕቲ 30 ንጹሃት ብእስላማውያን ጥሩፋት ሰሚዕና።

ካብ መሬት ኤርትራ ሰብ ተጋሒጡ ምጥፋእ ካብ ዝጅምር ዓመታት ስለዝሓለፈ፣ “ኣንታ ኣብዛ ሃገር ሰብ ዶ የለን እዩ?” ዝብል ሕቶ በልዩ እዩ። ሕጂ ሓርቢቱና ዘሎ፣ ኣብቲ ሰማያት ኤርትራ ኣምላኽ ብዓቢኡ ምህላዉን ዘይምህላዉን እዩ። ኣዴታትና ጾም ሓዊሰን ግንባረን ክሳብ ዝለሓጽ ዝገበራኦ ምህለላ ሰማዒ ስኢኑ ኣብ እዋን ትንሳኤ ምዉታን ጥፍኣት ህሉዋን ክኽሰት ከሎ፣ “እምበር ዶ ኣምላኽ ኤርትራ ንርእሱ ኣይተሰደን” ናብ ዝብል ሕቶ ድንዕ ዘየብል ኣይኮነን።

ኣብዚ ብመረድእ ዝተኸበበ ጸሊም ሰሙን’ዚ፣  ንገለ ካብቲ ትራጀዲ ብዓይኑ ርእዩ ዘስካሕከሐ ኣባል ፓርላማ ማልታ ጆሴፍ ሙስካት “ኤውሮጳ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ብዓቢኡ፣ ነዚ ቅዝፈት ‘ዚ ዓይኖም ዓሚቶም ምሕላፍ እንተቐጺሎም፣  ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመንን ኪኖኡን፣ ዓይና ብምዕማታ ንኤውሮጳ ዘጋጠማ ናይ ታሪኽ ፍርዲ፣ ሕጂ ‘ውን ብታሪኽ ክንፍረድ ኢና” ክብል ሰብኣዊ ምረቱ ገሊጹ። ብታሪኽ ዝፍረዱ ግን ኤሮጳውያን ጥራይ ኣይኑንን። ታሪኽ፣ ነቲ ከቢድ ፍርዱ፣ በቶም ብዕዉር ጭካኔኦም ንሰይጣን ኣሰኒፎም ነዚ ሰብኣዊ ቅልውላው ‘ዚ ዝፈጠሩ፣ “መራሕቲ ‘ኮ ኢና” እናበልካ ምዝራብ ዘየሕፍሮም ረጋሕቲ ኤርትራ ይኹን፣ ኩሎም እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝብና መዓት ክዘንብ እናረኣዩ ከምዘይረኣዩ ዓይኖም ዓሚቶም፣ ኣፎም ዓቢሶም ኣጽቂጦም ዘለዉ ሕልና ኣልቦ ‘ዩ ክፍልሞ ዘለዎ። እዚኣቶም ብታሪኽ ጥራይ ዘይኮነ ብመጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ‘ውን ክፍረዱ እዮም።

እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተቐዝፉ 700 ትንፋስ ብምዃኖም፣ እቲ ፍጻሜ፣ “ኣብ ታሪኽ ማእከላይ ባሕሪ ዝኸፍአ ትራጀዲ” ተባሂሉ ድሮ ኣብ መዝገብ ሰፊሩ ‘ኳ እንተቐነየ፣ ናይ ዓይኒ መሰኻክር፣ እቶም ግዳያት ናብ 900 ከምዝጽግዑ ስለዝሓበሩ እቲ ጥፍኣት ክብ ኢሉ፣ እቲ ተመዝጊቡ ዝነበረ ክብረ-ወሰን (Record) ድሮ ተሰይሩ ‘ሎ። ትማሊ “ንህልቂት ላምፐዱዛ ዝዳረግ የለን” ኢልና ንብዓትና ጸንቂቕና እንተኔንርና፣ ዳርጋ ፍርቂ ናይቶም ግዳያት ኤርትራውያን ስለዝኾኑ ሎሚ ኸኣ ደም ምንባዕ ኣይተርፈናን እዩ። ልብና ልቦና ሂቡ ኣብ ክንዲ ዝድግፈና፣ ልብና ካብ ሰፈሩ ተነቓኒቑ ከይወድቀና ክንድግፎ ኣብ ሓለዋ ቐጽል እንነብር፣ ከመይ ጌርና ንህዝብና ከነድሕኖ ከም እንኽእል ኣብ ክንዲ እንባላሓት፣ ተጸበይቲ መዓልታዊ መርድእ ኴንና ኣውያት እንጸናጸን ህዝቢ ኴንና ምትራፍና ብሓቂ ሃየንታ እዩ።

ኦ ህዝቢ ኤርትራ ትጸንት ከምዘለኻስ ይፍለጠካ ዶ ሎ? ሰኽራም እናሰሓቐ ውሕጅ እንተወሰዶስ ሰኺሩ፣ እቶም ንውሕጅ ንብዓትና ወሲኽና ምስ ዳስ ሓዘና እንስቀሎ ዘለና ኸኣ እንታይ ክንብሃል ኢና?

ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ከምዝሓበሮ፣ ዓሚ 2014 በተን ዘይውሑሳት ጃላቡ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ካብ ዝሰገሩ 219 ሽሕ ስደተኛታት 31 ሚእታዊት ዜጋታት ናይታ ኣብ ውግእ ሕድሕድ ተሸሚማ ዘላ ሶርያ ክኾኑ ከለዉ፣ 18 ሚእታዊት (ኣስታት 40 ሽሕ) ናይቲ ጠቕላላ ብዝሒ ብምዃን ካልኣይ ደረጃ ሒዞም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት እዮም። እቲ ናይ ኤርትራውያን መጠን ካብቲ 25 ሚእታዊት ዝዓቐኑ ናይ መላእ ጸሊም ኣፍሪቃ ድምር ብዝሒ ብማእከላይ ባሕሪ ናይ ዝሰገሩ ስደተኛታት፣ ብውሑድ ሚእታዊት እዩ ዝንእስ። እቶም ሃገሮም ዓውደ ውግእ ኣህጉራዊ ኵናት ኮይና ንዓመታት ዝተሳቐዩ ኣፍጋኒስታናውያን 5 ካብ ሚእቲ፣ እቶም ሃገር ኣልቦ ፍሊስጤማውያን ከኣ 3 ካብ ሚእቲ ጥራይ ኣብዚ ጸብጻብ ‘ዚ ኣትዮም ዘለዉ።

ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ በቲ ወትሩ “ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት” ተባሂሉ ዝንንበብ ዜና-ቲቢ ኤረ ልብኻ ዘንጊዑ ፣ ኣእምሮኻ ተዛንዩ ጥፍኣት ህሩግ ኢሉካ ከምዘሎ፣ ትጸንት ከምዘለኻ ክስቆረካ ይግባእ። ከም ሰብካ ኣይኮንካን ትስደድን ትመውትን ዘለኻ፣ እቲ መዓት ሕልፊ ሰብካ እዩ ዝወርደካ ዘሎ ‘ሞ፣ ንዝርገም ረጊምካ፣ መርገምካ ከተብጽሕ ወዓል ሕደር ኣይትበል፣ ግዜ ኣብ ጎንኻ የለን።

‘ሳላና’ እናበሉ ዕድልካ ካብ ናይ ፍልስጤማውያን ከምዝሓይሽ ንዝነግሩኻ፣ “ስለምንታይ ደኣ 6 ዕጽፎም ይስደድ ኣለኹ” በሎም? ብሕሹኽታ “ምስ ኣሸባብ ስለዝተማሓዘና ኢትዮጵያውያን ክርስትያን ጥራይ ተመሪጾም ብ ISIS ተጎይሖም” ኢሎም ብጉርሖም ክምክሑ ንዝሰማዕካዮም፣ ኣብ እስራኤል ንዘለዉ ደቅኻ ደዊልካ ጉርሖም ንፋስ ከምዝወሰዶ ሓሙዅስቲ ብኑን ምዃኑ ኣምተሎም። በቲ ኮይኑ በቲ፣ ስደትካ ካብ ፍልስጤምን ኣፍጋኒስታንን ሓሲሙሉ ዘሎ ምኽንያት፣ ጸላኢኻ፣ “ፈታዊኻ እየ፣ ውላድካ እየ፣ ናትካ እየ፣ ከማይ ገይሩ ዝሓይልየልካ የለን” እናበለ፣ ካብ ባዕዲ ንላዕሊ ዘጥፍእ፣ እቲ ዝኸፍአ ጸላኢ ስለዝኾነ እዩ። ነዚ ስርዓት ‘ዚ ሞትካ ጥራይ ‘ውን ኣይኣኽሎን እዩ። መረድእካ ከይስማዕ፣ ኣውያትካ ብገለ እንተበጽሐ ከኣ ሬሳኻ ከይምለስ ውዲት ክኣልም ድቃስ ዘይብሉ እኩይ ስርዓት እዩ። ስለዚ፣ ነዚ መዓተኛ ስርዓት ‘ዚ ከይነቐልካ እግርኻ ዳግማይ ከምዘይትከል ክትግንዘብ ይግባእ።

እዚ ኣጋንኖ ኣይኮነን። ነብያት ‘ውን ኣይኮናን። ነቲ ሓቂ ካብ ወረቐት ዘይኮነ ካብ ባይታ ኢና ነንብቦ ዘለና። ኩሉ ‘ቲ ቅድሚ ሕጂ ጽውጽዋይ ከምስሉዎ ዝፈተኑ ሓቂ ኮኑይ እዩ ‘ሞ፣ ስብከት ‘ቶም ኣምሳያ ሕጽረት ህይወትካ ምንዋሕ ዕድመ ስልጣን ዝምነዩ ስሱዓት ዕሽሽ ኢልካ መንገዲ ድሕነትካ ኣለሊ። እወ፣ እቶም ‘ኣብ ሲናይ ኮላሊት ኤርትራውያን ይሽየጥ ኣሎ’ ክንብል ከለና ዝዋራዘዩልናን ዝስሕቁናን ዝነበሩ፣ ህይወት ዜጋታት ድንብርጽ ዘይበሎም ተበለጽቲ፣ ኣብ ነብሶም በጺሑ 20-30 ሽሕ ዶላር ምስ ከፈሉ ተፈሊጡዎም መልሓሶም ሓይኾም እዮም። ገና መዓት ሊብያ ከምዚ ኢሉ ከይተጋህደ፣ ብኣግኡ ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ተጓዒዝና ‘ጉዕዞ ስደት ሊብያ ካብ ሲናይ ዝኸፍአ ክኸውን ‘ዩ’ ክንብል ዝሃብናዮ መጠንቀቕታ ኸኣ እንሆ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይጋሃድ እንሆ። ህዝበይ፣ በጃኻ ምስ ኮነ ካብ ምእዋይ፣ ብኣግኡ ምጕያይ ተላመድ።

እዚ እኩይ ስርዓት’ዚ ሃንዳሲ ጥፍኣትካ እንተዘይከውን፣ እቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ደረት ኣልቦ ‘ሃገራዊ ኣገልግሎት’ መንእሰያት ሓደ ካብቶም ቀንዲ ጠንቅታት ስደት ምዃኑ ናይ ዕዳጋ ምስጢር ክንሱ፣ ብወረ ወረ ‘ኣብ 18 ኣዋርሕ ክንሓጽሮ ኢና’ ዝብል መቐሸሺ ዓያሹ እናዘርግሐ፣ ኣብ እዋን ዓጺድ ናይቲ ካብ ዝሓሸ ክረምቲ ዝተጸበኻዮ ምህርቲ ንደቂ ሱሳ ናብ ታዕሊም ‘እንተዘይወፈርኩም’ እናበለ ከጓይዮም ኣይምቐወዐን። ሕጂ ኸኣ ክሳብ 45 ዝዕድሚኤን ደቀንስትዮ ክዝንብየን ጀሚሩ ኣሎ።

ጥፍኣትካ ዘገድሶ ወይ ዘየሐጕሶ እንተዝኸውን ከ ስለምንታይ ናይ ልቢ እንተተረፎ ዋላ ንይምሰል ምድንጋጽ ዘየርኢ? ኢትዮጵያውያን ነቶም ብ ኣብ ግንባሮም ዝተርሸኑ ክሳዶም ዝትሓርዱ ናቶምን ዘይናቶምን 30 ግዳያት ከምዝተባህሉዎ ተቐቢሎም፣ ሰለስተ ናይ ሓዘን መዓልታት ክእውጁ ከለዉ፣ እቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ነዞም ኤርትራውያን ምዃኖም ተረጋጊጹ ዘሎ 350 ብዜና ኳ ኣይዘከሮምን። ዝዳረጎ ትራጀዲ ተኸሲቱ እቲ ልዕሊ 350 ምሳኪን ዝቐዘፈ ህልቂት ላምፐዱዛ ድሮ ታሪኽ ኮይኑ እምበር፣ ሬሳታት ደቕኻ ‘ኮ ካብ በረኻታት ሲሲልያ ኣይተመልሰን።

ካብዚ ዝኸፍእ ሰይጣን፣ ካብዚ ዝጭክን ጸላኢ ዝጽበ እተልዩ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓሰመ ጸላኢ እዩ ክኸውን ዘለዎ።

እቲ ስሱዕ ሕሉፍ ሓሊፉ፣ መሪትካ ባዲሙ ከይውሕድ ዘለካ ስግኣት ከይዓጠጦ፣ ኤሮጳውያን ስደተኛ ከይበዝሖም ዘለዎም ሻቕሎት መዝሚዙ ብህይወት እቶም ዝጠፍኡ ዘለዉ ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ገንዘብ ክነግድ፣ “ገንዘብ ጥራይ ትኾቡለይ ‘ምበር ዋሕዚ ስደት ደው ከብለልኩም ‘የ” እናበለ ናይ ቢዝነስ ኣድቨርታይዝመንት የካይድ ኣሎ። ንሳቶም ‘ውን ምንጪ ስደት ንሱ እቲ ምላኺ ምዃኑ ኣጸቢቖም ዝፈልጡ ‘ኳ እንተኾኑ፣ ፈለማ ልምሰትና ተገንዚቦም፣ ምስኡ ኸኣ እቲ ብረዲኤት ዝህቡዎ ገንዘብ ማዕድን መዝሚዞም ኣብ ዝተናውሐ ከምዘምልሱዎ ስለዝፈልጡ፣ ነቲ ኣብ ህዝቦም ዝርአ ጽልእን ቅንእን ስደተኛታት ዘበገሶ ቀጨውጨው ሓጺር ፍታሕ ክረኽቡሉ ንግዚኡ ሚልዮናት ምድርባይ ኣየጸግሞምን እዩ። እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰላትን ሞራልን ምውርዛይ ኣብ ጣቋ መደረ ደኣምበር ኣብ ግብርስ ድሕሪ ቁጠባውን ፖለቲካውን ረብሓታቶም እዩ ዝስራዕ።

ስለዚ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ህይወትካ፣ እንተ ጨቢጥካ ክትቀትላ፣ እንተስ ካብ ምልኪ ሓሪርካ ከተድሕና ኣብ ኢድካ ኢኻ ጨቢጥካያ ዘለኻ ‘ሞ ኢድካ ተጠቐመሉ። ኣብ ክንዲ ነቲ ጠንቂ መዓትካ ዝኾነ ሓደ እኩይ ምጽፋዕ፣ ተተሓሒዝካ ብሃገርካ ኣይትጥፋእ! ኣሳፊሕካ ሞት ተኾርሚኻ ሞት ዝብሉዎ ሕልና ድኹማት ኣሰኒፉካ ንሞት ኣይትጸበያ። ሞት ዓይነት ከምዘለዋ ካብ ማንም ንላዕሊ ንስኻ ትፈልጥ። ‘ካብ ሞት ብውርደት ሞት ብጅግንነት ይበልጽ። ንድሕነትካ ተላዓል፣ መክት!!

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ።

ኣማኑኤል ኢያሱ

23 ሚያዝያ 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
34 COMMENTS
  • fthawi April 25, 2015

    አነ ጽልኤይ ምስ እዚ ለክባጥ ህዝቢ አብ ዝላዓለ ጥርዚ በጺሑ ካብ`ቲ ሸይጣን መራሒ ኢሉ ንነብሱ ዘጠመቀ እሰያስ ንህዝቢ ኤርትራ ፎእ ኢለዮ ኤርትራዊነተይ አጽሉእኒ

  • Kilo April 25, 2015

    Why the dictator is so strong ?

    – Because, there are many opportunists who work for him, till he turns against them. These people are usually animal type. They have no moral or human values to uphold.

    – There are a lot of naive people who keep saying “mis wudibna !!” even when the country is moving to the precipice of hell . They have not heard that Hidgef has replaced EPLF long ago.
    They believe they are standing for very important national issues, none of which is in the mind of Iseyas.

    – The Gestapo of the regime is strong. Many top agents of this criminal institution are x-tegadelti from the notorious ‘Halewa Sewra’. They have so much blood on their hands. They are the defenders of the regime and administrators its the Gulags.
    They know very well there is no safe exit for them, nor any future in Eritrea without Higdef.

    – The army or whatever left of it, is another big problem. Arbitrary and extra-judicial killings have left this institution in bare bones, devoid of the most basic requirements of human resources. But there are still many petty officers who do all the dirty works of the regime. As they try to make a living in whatever way they can, they don’t care much about post-Iseyas Eritrea. They see the tyrant everywhere but have no interest in harming him.

  • Habte April 25, 2015

    Hidat ፣

    ትሕዝቶ ጽሑፍኪ ሃለውለው’ዩ። ኣብ ዘይቦትኡ ድማ ኢኺ ጽሒፍክዮ ዘለኺ። ንኣማኑኤል ኢያሱ ዘይኮነ ነቶም ደቂ መዛሙርትኺ ኣብ መርበባት ናይ ህግደፍ ጽሓፍዮ ሰማዒ ንኽትረኽቢ!
    ኣብ ትሕዝቶ ጽሑፍኪ ርእይቶይ ብምሃበይ ዘይግባኣኪ ዓቢ ክብሪ’ዩ ንዓኺ። ረጊጽካዮ ምሕላፍ’ዩ ዝሓሸ ኔሩ።

  • Mesinas April 25, 2015

    ብመጀመርያ ነዞም ሕጂውን ምስ ኩሉ ግፍዕታቱ ግዳይ ዳዕሽን ግዳይ ባሕርን ኮይኖም ዘለዉ ዜጋታትና መንግስተ ሰማያት የዋርሶም እብል። ከምኡውን ነቶም ናይ ቀረባ መቕርቦምን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ድማ ጽንዓት ይሃብኩም እብል። ብምቕጻል ናብዛ እትስዕብ ቃል ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ ክሰግር፥ “ካብዚ ዝኸፍእ ሰይጣን፣ ካብዚ ዝጭክን ጸላኢ ዝጽበ እተልዩ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓሰመ ጸላኢ እዩ ክኸውን ዘለዎ።” ኢሉ ሓው ኣማኑኤል እያሱ።

    ሓው ኣማኑኤል እንታይ ማለቱ’ዩ? ብርድኢተይ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ብዙሓት ሕሱማት ገዛእቲ ርእዩ እዩ’ሞ ኣይከም ህግደፍን ግን! እዩ ዝብለና ዘሎ። ብርግጽ ከምዚ ዝበለ መንነትና ዝኽሕድ ጨካን ስርዓት ገጢሙና ኣይፈልጥን’ዩ! ደርጊ እኳ እዚ ጨካን ደርጊ፡ ነቶም ኣብ ዓውደ ኲናት ዝማረኾም ተጋደልቲ ኤርትራውነቶም ክሒዱዎ ኣይፈልጥን’ዩ! ጉጅለ ህግደፍ ግን ንምልኪ ዘይተምበርከኸ ኤርትራዊ ዜጋ ኩሉ እዛ ብጀጋኑ ሰማእታቱ ዝተረኽበት ኤርትራ ሃገሩ ንኣኡ ኣይትምልከቶን’ያ! ብኣባሃህላ ህግደፍ “ንመንግስቲ ኤርትራ ዘየገልግል ዜጋ ኩሉ ኤርትራዊ ኣይኮነን!” ሞቱውን ንህዝቡ ኣይነገረሉን’ዩ! በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ’ዩ እዞም ብተደጋጋሚ ጃምላዊ ህልቂት ዘጋጠሞም ኣማእት ኤርትራውያን፡ ከም ኤርትራውያን ኣይኣመነሎምን! ብኣንጻሩ ኣፍሪቃውያን’ዩ ኢሉዎም።

  • Koreri April 25, 2015

    Please guys the so called “Hidat” Turufa medanagerit,is doing her assignment she is saying this “dobna ytehanxexela nbel” just to divert our attention. Please bearing in mind this better to egnore her. In fact she is he.
    Otherwise Amanuel please continue you are doing well, and you are real Philosopher, I aprisiate you idea. I am pretty sure every Eritrean /real Eritrean/ will like it and follow it.
    Thanks a lot.
    Regards.

  • Hidat April 25, 2015

    ERITRAWIT ISKE HANTI MEALTI DOBNA KIHINXEX ALEWO………OBAMA KEE SILEMINTAY ADETATN HIXANATN KAB ERITRA KIWEXU AWIGKA ILKUM ISKE HANTI MEALTI XEHAFU ABZINAY AMANUEL WEB.XIROHOTAT XIHIFKUM SELAMAWI SELFI KIDU AYKONKUN ZIBLE ZELEKU XEHAFU ISKE.KUNAT ZIAWEGULKA GEDIFKAS NIZIHALEYULKA.HABO GIBERI ERITRAWIT BSHIMKI XEHAFI KIXEBEYEKI EYE.

    • Lilay April 25, 2015

      ህዲኣት ህበይ ፦ ህበይ ምበልኩኺ ግን ህበይ እንደሞ ኮነ ኾንኪ።

    • Lilay April 25, 2015

      ህዲኣት ህበይ ፦ ህበይ ምበልኩኺ ግን ህበይ እንደሞ ኾንኪ።

    • Teclay April 25, 2015

      Hudat

      እቲ መልእኽቲኺ ንዓይ ትርጉም የብሉን፣ግን ዓቕምኺን መሰልክን እዩ።

      ብግእዝ ክትጽሕፊ እንተ ደሊኺ፣ ነዚኣ ፈትንያ;
      http://www.adugenet.com/type-amharic.html

    • ERITRAWIT April 25, 2015

      Hidat,
      Adey Hidat nay Obama do gdefo natken gbera. Entay da konken ab Hagerken kof zeybelken melsey ysbe.

  • Lilay April 25, 2015

    ህዲኣት ህበይ ፦ ህበይ ምበልኩኺ ግን ህበይ እንደሞ ኮነ ኾንኪ።

  • Teclay April 25, 2015

    Very good actual article.

    “ኣብዚ ብመረድእ ዝተኸበበ ጸሊም ሰሙን’ዚ፣” ናይ ብሓቂ ከባድ ጸላም ሰሙን ፣ But in this disastrous week one positive thing come clearly to the surface ,we ,all the Habesha mourned together.This dark week showed us our survival in this planet is strongly interconnected.One can not leave with out the other in this harsh environment. Under normal circumstances this truth should have been learned from our intellectuals, but unfortunately we learned in a hard way by ISIS in one week…ISIS didn’t say this No of Ethiopians and this No of Eritreans to his barbaric victims but simply Ethiopians. ሓቖም ኩሎም ሓበሻ ፣እንታይ ክፈላልዩሎም

    ” ኢትዮጵያውያን ነቶም ብ ኣብ ግንባሮም ዝተርሸኑ ክሳዶም ዝትሓርዱ ናቶምን ዘይናቶምን 30 ግዳያት ከምዝተባህሉዎ ተቐቢሎም፣ ሰለስተ ናይ ሓዘን መዓልታት ክእውጁ ከለዉ”…the Ethiopian Gov.’s reaction in this tragedy was very professional.

    በቲ ኮነ በዚ ግን እዛ ጸላም ሰሙን ከምቲ ክሳብ ሕጂ ክንከዶ ዝጸናሕና መንገዲ ከምዘየዋጻጽኣና ብግልጺ ኣረዲኣትና ሓሊፋ ኣላ።

  • Hidat April 25, 2015

    TECLAY SILE ITI HALYOTKA YEKENYELEY. ZIWININA COMPUTER SILE ZEIBELEY KITIKEMELU AYKIELIN EYE.

  • monica salguero April 25, 2015

    Selam kbur Ahaw Amanuel. Beti kulu halyotka nhzbna nwegenka Goita xamaja yhabka.
    Lomis kulu ab terzu bexihun edegena helket ayterefn yu. Namlak gn deykalo yelen.

    Hezbna gn zwdbon, poletican deplomasin zmerhu sebat ente zhlw mse-abe neru ymesleni. Wdbey wdbka deyblu. Amlak bhaylun xnatun yebarkena nmlue hezbi Eritra.

POST A COMMENT