ሕሱም`ዩ `ዚወረራ!
ሕሱም`ዩ `ዚወረራ! ብድሕሪት ተኲሱ ዝወግእ እንግዳዓ ኣድራጋ ዝሃረመ ካብ ብሻዓ፣ ካብ ፈለማ ኣደልዲሉ ድርዒ ዝሕባኣሉ መጸግዒ። ሓርበኛታት፡ ከቋሙቱ ቅድሚት ወራር ጀመረ፡ ካብ ድሕሪት፣ እናጨመተ ንዝሃብረረ ሃገር ኣልቢስዋ ናይ ሓዘን ቋረ። ወራር፡ ገጽ`ዶ ኣልይዎ መልክዕ? ዓመጽ እንዳኣሉ ደም ዘጉስዕ፣ ስሰዐ ዝማእከሉ ጨካን ወፍሪ ኣረመኔ ባህሪ፡ ቀዛፊ፡ ዓምጣሪ። ካብ ናይ
ሕሱም`ዩ `ዚወረራ!
ብድሕሪት ተኲሱ ዝወግእ እንግዳዓ
ኣድራጋ ዝሃረመ ካብ ብሻዓ፣
ካብ ፈለማ ኣደልዲሉ ድርዒ
ዝሕባኣሉ መጸግዒ።
ሓርበኛታት፡ ከቋሙቱ ቅድሚት
ወራር ጀመረ፡ ካብ ድሕሪት፣
እናጨመተ ንዝሃብረረ
ሃገር ኣልቢስዋ ናይ ሓዘን ቋረ።
ወራር፡ ገጽ`ዶ ኣልይዎ መልክዕ?
ዓመጽ እንዳኣሉ ደም ዘጉስዕ፣
ስሰዐ ዝማእከሉ ጨካን ወፍሪ
ኣረመኔ ባህሪ፡ ቀዛፊ፡ ዓምጣሪ።
ካብ ናይ ራዛ ፕሮጀክት- ዝሻሕከረ
ካብ ዳግመ-ወራር- ዝጠንከረ፣
ካብ ምክልኻል ናቕፋ- ዝሓለ
ካብ ሰላሕታ ወራር- ዝመረረ።
ሃገር ደመየት ብወሓዚ ስደት
ንማእሰርትን መቕተልትን ካብ ተፈርደት፣
ሕሱም ወራር`ሲ እዚ እንዳኣሉ
ሃገር ዝረማስስ ካብ ውሽጢ ነቒሉ።
ኣለዋ፡ ዓድታት ዳርጋ ዝጸነታ
እታ ጽብቕቲ ቤቶም ብውቅብታ፣
ራሕሪሖማ ከይዶም፡ ነፊጾም
ተስፋ-ኣልቦ ኮይንዎም ቀቢጾም።
ኣልቦ መዋጸኦ፡ ልኩት፡ ኩሕኖ
ንሓሳረ-መከራሞ እንታይ ክሳኣኖ!
ኣንቱም ሰባት! ሕሱም`ዩ እዚ ወረራ
ረኺብና ከንስእና ኤርትራ?
ጸጋይ ነጋሽ
03 03 2015
selemon March 4, 2015
ኣቶ ጸጋይ መዓስ ክምኡ ኮይኑ
መንእሰይ ከይነብር ኣብ ሃገሩ ቀሲኑ
ንስደት ክጓዓዝ ክመውት ክነብር ማሲኑ
ኣንጻር ሃገር ኮንኩም ክብተን ክትቀስኑ
ውጹ እንዳበልኩም ክንደይ ዘይበልኩም
ነዚኹሉ ተሓቲቲ ካልእ ዘይኮነ ባዕልኹም
እገዳ ክግበር ትሰብኩ ከይሓነኩም
ወያኔን ንስኻትኩም ፍልልይ ዘይብልኩም
hype and change March 4, 2015
excellent poem.I like it
hara March 4, 2015
selemon
TSEMAM HADE DERFU(tsulul wn)
hara March 4, 2015
kbur tsegai
hatsarn aamaqin gtmi whishtka titnkif
n LIBI zelewo thanks ajona kiwegih iyu