Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕሱም`ዩ `ዚወረራ!

ሕሱም`ዩ `ዚወረራ!   ብድሕሪት ተኲሱ ዝወግእ እንግዳዓ ኣድራጋ ዝሃረመ ካብ  ብሻዓ፣ ካብ ፈለማ ኣደልዲሉ ድርዒ ዝሕባኣሉ መጸግዒ።   ሓርበኛታት፡ ከቋሙቱ ቅድሚት ወራር ጀመረ፡ ካብ ድሕሪት፣ እናጨመተ ንዝሃብረረ ሃገር ኣልቢስዋ ናይ ሓዘን ቋረ።   ወራር፡ ገጽ`ዶ ኣልይዎ መልክዕ? ዓመጽ እንዳኣሉ ደም ዘጉስዕ፣ ስሰዐ ዝማእከሉ ጨካን ወፍሪ ኣረመኔ ባህሪ፡ ቀዛፊ፡ ዓምጣሪ።   ካብ ናይ

ሕሱም`ዩ `ዚወረራ!

 

ብድሕሪት ተኲሱ ዝወግእ እንግዳዓ

ኣድራጋ ዝሃረመ ካብ  ብሻዓ፣

ካብ ፈለማ ኣደልዲሉ ድርዒ

ዝሕባኣሉ መጸግዒ።

 

ሓርበኛታት፡ ከቋሙቱ ቅድሚት

ወራር ጀመረ፡ ካብ ድሕሪት፣

እናጨመተ ንዝሃብረረ

ሃገር ኣልቢስዋ ናይ ሓዘን ቋረ።

 

ወራር፡ ገጽ`ዶ ኣልይዎ መልክዕ?

ዓመጽ እንዳኣሉ ደም ዘጉስዕ፣

ስሰዐ ዝማእከሉ ጨካን ወፍሪ

ኣረመኔ ባህሪ፡ ቀዛፊ፡ ዓምጣሪ።

 

ካብ ናይ ራዛ ፕሮጀክት- ዝሻሕከረ

ካብ ዳግመ-ወራር- ዝጠንከረ፣

ካብ ምክልኻል ናቕፋ- ዝሓለ

ካብ ሰላሕታ ወራር- ዝመረረ።

 

ሃገር ደመየት ብወሓዚ ስደት

ንማእሰርትን መቕተልትን ካብ ተፈርደት፣

ሕሱም ወራር`ሲ እዚ እንዳኣሉ

ሃገር ዝረማስስ ካብ ውሽጢ ነቒሉ።

 

ኣለዋ፡ ዓድታት ዳርጋ ዝጸነታ

እታ ጽብቕቲ ቤቶም ብውቅብታ፣

ራሕሪሖማ  ከይዶም፡ ነፊጾም

ተስፋ-ኣልቦ ኮይንዎም ቀቢጾም።

 

ኣልቦ መዋጸኦ፡ ልኩት፡ ኩሕኖ

ንሓሳረ-መከራሞ እንታይ ክሳኣኖ!

ኣንቱም ሰባት! ሕሱም`ዩ እዚ ወረራ

ረኺብና ከንስእና ኤርትራ?

 

ጸጋይ ነጋሽ

03 03 2015

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • selemon March 4, 2015

    ኣቶ ጸጋይ መዓስ ክምኡ ኮይኑ
    መንእሰይ ከይነብር ኣብ ሃገሩ ቀሲኑ
    ንስደት ክጓዓዝ ክመውት ክነብር ማሲኑ
    ኣንጻር ሃገር ኮንኩም ክብተን ክትቀስኑ
    ውጹ እንዳበልኩም ክንደይ ዘይበልኩም
    ነዚኹሉ ተሓቲቲ ካልእ ዘይኮነ ባዕልኹም
    እገዳ ክግበር ትሰብኩ ከይሓነኩም
    ወያኔን ንስኻትኩም ፍልልይ ዘይብልኩም

    • hype and change March 4, 2015

      excellent poem.I like it

  • hara March 4, 2015

    selemon
    TSEMAM HADE DERFU(tsulul wn)

  • hara March 4, 2015

    kbur tsegai
    hatsarn aamaqin gtmi whishtka titnkif
    n LIBI zelewo thanks ajona kiwegih iyu

POST A COMMENT