Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ሕለይ ዚበሉዎ መርዓውስ እግሪ ሓማተይ ቀጢኑ ኢሉ ይሓዝን!”

ዝገርም’ዩ! ዋላ’ኳ ከምቲ ልሙድ ብዘይካ ኣብ ሊሰዩም (ኣስተምህሮታት ኪወሃበሉ ዚተዳለወ ፍሉይ ኣዳራሽ) ኣሰና ኣብ ካልእ መዓልታዊ ሓደሽቲ መሃሪ ጽሑፋት ንምርካብ፡ ጸቢብ ኣጋጣሚ ምዃኑ እንተ ተገንዘብኩ፡ ከም ገለ ሰበር ዜና እንተ ተረኽበ ኢለ ግን ንሓደ ክልተ

ዝገርም’ዩ! ዋላ’ኳ ከምቲ ልሙድ ብዘይካ ኣብ ሊሰዩም (ኣስተምህሮታት ኪወሃበሉ ዚተዳለወ ፍሉይ ኣዳራሽ) ኣሰና ኣብ ካልእ መዓልታዊ ሓደሽቲ መሃሪ ጽሑፋት ንምርካብ፡ ጸቢብ ኣጋጣሚ ምዃኑ እንተ ተገንዘብኩ፡ ከም ገለ ሰበር ዜና እንተ ተረኽበ ኢለ ግን ንሓደ ክልተ መርበባት ሓበሬታ፡ እንኮላይ ናብ ብዓል ከም ኣለናልካ ናይ ህግደፍ ዝኣመሰላ ማዕከናት ወረ ገጸይ ዘወር ምባል ኣይገድፍን’የ። ክንዲ ዚኾነ ኸኣ ሎሚ ምሸት ከም ወትሩ ካብ ስረሐይ ምስ ተመለስኩ፡ ኣብ ሳሎን ብጎቦ ኮይነ ሃሰስ ክብል ጀመርኩልኩም። ኣሰና፣ ኤረና፣ ወጋሕታ፣ ኣዝማሪኖ፣ እናበልኩ ብምፍታሽ ከኣ ኣብ መስደመም ኔት በጻሕኩ። ብሃንደበት፡ ሓደ ብሓቂ ዘስደምም ጽሑፍ ምስ ነበብኩውን ኣብኡ ኣውዓልኩ። እቲ ዘገርም ጽሑፍ ኣርእስቱ ከምዚ ዚስዕብ’ዩ ይብል ኔሩ፥
“ሃገረይ ትብላ አንተኰንካ፡”
ማለት፥
“ሃገረይ ትብላ እንተ ኴንካ…”
ዘርእስቱ ጽሑፍ፡ ስእሊ ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱን ክቡር ሓው ኣቶ ሳልሕ ቃድን ኣስንዩ ምስ ረኣኹዎ፡ ደጋጊመ ነቢበዮ። ድሕሪ’ቲ ትርጉሙ ብንጹር ዘይርድኣካ ኣርእስቲ ምንባበይ ከኣ ነቲ ኣብ እግሩ ዝነበረ ካብ ሓሙሽተ መስመር ዘይሓልፍ ጽሑፍ ቀጺለ ነበብኩ። እናነበብኩ ከለኹ ግን “ወኻርያስ ጻድቕ ክትመስል ዝዋዉዕ ትኣስር!” እትብል ምስላ ኣቦዋት ሃንደበት ቅጅል ኢላትኒ። ብልበይ ድማ ደገምኩዋ። ብመገረም ኔት እውን ከም ወትሩ ኣዝየ ተገረምኩ። ያኢ እዛ ንየዋሃት፣ ሰንኮፋት፣ ስልንስላት (ነግፈረግ በሃልቲ) ሕዩራት መረባዕ፣ ደለይቲ ምኽንያትን ተበለጽትን ንምድዕዓስን ‘ካብ ህግደፍ ዝሓይሽ የለን!’ ብምባል እናኣመኽነዩን እናወደሱን ኣብ ትሪም ዝበለት ከበሮ ብምስዕሳዕ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምንዋሕ ክሳዶም ንኸትርሩ ዝከኣላ ትገብር ዘላ ሃርደ ቢሳ (ኣንፈታ ዘይፍሉጥ) መርበብ ሓበሬታስ፡ ያኢ ሓላይት ሃገርን ህዝብን ክትመስል፡ ነቲ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ድኽመት ዓምቢ (ምስ ወደቐ ወይ ድማ ብደዉ ከሎ ነቒጹ ኪዕምብዂ ዚጀመረ ቆልቋል) ህግደፍ ብጉልባብ ሃገራውነት ክትሸፋፍን ምፍታና ኣስደሚሙኒ።
ጃንዳ ህግደፍ ኣብ ዙይን (ሬሳ ናብ መቓብር ዚወስድ መሐንገጢ ባላታት ዘለዎ ዓራት) ተሰቒሉ ኣጐበር (ናይ ዙይን መኽደኒ ረጒድ ምንጻፍ መሳሊ ጸሊም ሽፋን) ተኸዲኑ ቀባሪ ዝጽበ ዘሎ ናይ ውሑዳን ኣዕናዊ ጉጅለ ምዃኑ ንወያነ ያኢ ጠፊኡዎስ ካብ ብዓል ኣማኑኤል እያሱ ነጋሪ ደልዩ! እዚ ደኣ’ሞ ንቐባሪ ከም ምርዳእ እንዳኣሉ ዚሕሰብ! ንማለቱ ኢና ንዛረብ ዘለና’ምበር ልዕልና ሕጊ ብሓይሊ ከም ዝዕቀብ፡ ዚሓየለ ኣጽዋር ሓይሊውን ሓድነት ምዃኑ ንዝፈልጥ ሰብሲ ብዛዕባ’ዚ መብርሂውን ዘድልዮ ኣይኮነን።
ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ፈንጊ (ጃንዳ) ህግደፍ፡ ነዘን ክልተ ኣዝየን ኣገደስቲ ግምጃ ክብሪ ስለ ዝቐንጠጦ’ዩ ከም ሓደ ንዘይከኣል ከም ዝከኣል ዝገበረ ሃጥር (ጅግና)፡ መሬቱን ክብሩን ከየኽብር፡ ሎሚ ነቲ ሕጊ ዓለም እጀታኡ ከም ዝኾነ ዝነገሮ መሬቱ፡ ዓንተር ጎረቤት ብሓይሉ ጎቢጡ ንልዕሊ ዓሰርተው ሽዱሽተ ዓመታት ኣራጢጡሉ ከሎ ኣማዕድዩ ዝርእዮ ዘሎ። እወ፡ ብሰንኪ’ዚ ‘ናትካ’የ’ እናበለ ኣይኮነን ዶባቱን መሬቱን ከኽብር፡ ካብ ተዋጋኢት ላምውን ከድሕኖ ዘይክእል፡ ብዘይካ ምሕላው ስልጣኑ ካልእ ኣጀንዳ ዘይብሉ ደማሒ ተደፊሩ፡ ርእሱ ደፊኡ ዝነብር ዘሎ። ብርግጽ፡ እዚ ሕሱርን ስዑርን ጉጅለ’ዚ፡ ብኣፉ፣ ብእግሩ ብኢዱን ስለ ዝቐየዶዶ ኣይኮነን ነቲ ብወያነ ተጠሪሩ ዘሎ መሬቱ፡ ክንደይ ኣባጽሕ ከም ዘይከፈለሉ፡ ምእንቲ ስልጣን መላኺ ኣብ ሓደጋ ከይኣቱ፡ ምስ ምሉእ፡ መሬቱ ናይ ምኽባር መሰሉ፡ ኮር ተገምጠል ኮይኑ፡ ብእገዳን ወዲ እገዳን እናተዳህከ ብቁዝማ ኣማዕድዩ ዝርእዮ ዘሎ!
ኣንቲ ወ/ሮ መስደመም ኔት፡ ከምቲ፥ “ኣብዑር ምስላ ለመዱ፡ ሳዕሮም በሊዖም ከይጽመዱ” ዝብሉዎ ኮይኑኒ ናትኪ ነገር። ንሓርበኛታትን ውፉያትን ምውንጃልስ መልስሉ ደኣ፡ በዚ ዝርከብ ሃገራውነትን ተደናጋጽነትንሲ ዘሎ ኣይመስለንን። ኣይኮነንዶ እቲ ቀልቢ ዘሎዎ ክቡር ወዲ ሰብሲ እንስሳታትውን እንተኾኑ እዚ ፍሹል ክስኺ ጠላሕ ኣይብሎምን’ዩ። ስለዚ፡ ቅልጥፍ ኢልኪ ክስኺ ኣልዕሊ! ብሓቂ’የ ዝብለኪ መስደመም ኔት፡ “ሕለይ ዚበሉዎ መርዓውስ እግሪ ሓማተይ ቀጢኑ ኢሉ ይሓዝን!” ከም ዝብሃል፡ ጽባሕ ንግሆ ሓዳርኪ ምስ ጃንዳ ህግደፍ ዘይኮነስ ምስ ህዝቢ ኢኺ ክትወጺ’ሞ ብዛዕባ ህግደፍ ምሽቓል ገዲፍክስ ብዛዕባ ህዝቢ ደኣ ሕሰቢ።
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 08/04/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
35 COMMENTS
  • Truly Truly i say to you April 13, 2014

    Alem Goitom he think practicing democracy for hosting all garbage writtings in his website. Indeed to host and listen all kind of comments in free democratic nation it might be normal and acceptable, but not in situation while we are found now. He has obligation to identify the weeds from wheat, if he can´t do that, that means he is not competent for his position,it is better to close his website. I do not think all the rubbish writings seen in his website that comes from Alem self , defiantly it is from PFDJ supporters, but if in deed if Alem is self, i tell you this person should be worst of all Isyas´s agents. What kind of stupid wicked mentality and ignorance is that to stand and be opponent of others opponents group to which struggling for justice and democracy?
    Finally i like to send my appreciation that i have towards my genuine lands man to brother Dawit Meconnen. All his assertion is full of truth. To tell the truth not means we hate Tigrians! In situation where you do not see honesty, to pretend as if you love enemies it is hypocrisy! Truth love and respect it needs honesty and sincere heart.

  • fikre gebremeskel April 13, 2014

    LEAVE TIGREANS ALONE PLEASE,…..PLEASE YOU STUPID USELESS ERITREANS.YOUR FAILURE ALWAYS ORIGINATES FROM YOUR WEAK AND DUMB MIND.STOP BLAMING TIGRAY. TIGRAY IS SHELTERING YOUR DOGS.