Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓ በ ሬ ታ ኣምባ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ኣምባሳዶር ዓንደብርሃን ወልደ ጊዮርጊስ ኣብ ዘቕርቦ መግለጺ ንክትሳተፉ ብክብሪ ንዕድም ( Frankfurt )

[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/03/Flyer-Event-5-4-2015-Tigrinya-FN.pdf"]

aseye.asena@gmail.com

Review overview
96 COMMENTS
  • Habte K March 25, 2015

    Thank you Eritrawit.
    We should have the wisdom to welcome whoever repents from his old deeds.
    To err is human and to forgive is devine.
    We should learn from South Africa. RECONCILIATION !!

  • ኣይበልናን'ዶ March 25, 2015

    ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ ኢሎሞ ኣቦታት።ሕጂ ጉጅለ ኢሳያስ ብቁጠባ፡ብሰላም፡ብፍትሒ፡ብህላዌ ሰባት ማለት ብስደት፡በተሃሳስባ ጽቡቕ ገይሩ ሃገር ድሂኩ ኣብ ዓለም ድሒሪት ክትስራዕ ምስገበረ መድረኽ ሒዝካ ቅልቅል።ህግደፍ ካብ ትገድፎ ንደሓር ክንደይ ኦኣመት ኮይኑ፡ኣብቲ ብርቱዕ ጥምጥም ዚነበረሉ እዋን’ከ ኣበይ ተሃቢእካ ኔርካ።ከምቶም ምስ ዝሰዓረ ክጽግዑ ላንጋላንጋ ኮይኖም ንሕማቕ ኩነታት ዝሃለፉ ሃሊፍካዮ።ሎሚ ኢሳያስ ለንቀይ ለንቀይ ምስበለ ይሰኦኣር ምህላው ኣስተውዒልካ ኣነ ከኣ ኔረ’የ።ግርም’ባ ‘

    • kiktkat March 25, 2015

      I’ feel that no body have a courage to ask to some body about where he/she has been. The reason is couse u don’t have a trace for your self about where u have been . Please man up and give him a chance and see what he can do.

    • Daniel March 25, 2015

      Better late than never. Kibhal aysemae’kan dika?

  • ኣይበልናን'ዶ March 25, 2015

    ምዃን ኢሳይስ ምልክነቱ ከረጋግጽ ዝገበረ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ።ብዙሃት ምልክነት ሽዑ ኣብቲ ኣኼባ’ዩ ተጀሚሩ ኢሎም ዝዛረብሉ፡ንስኻ “ተሳቲፈ ኔረ።ካብቶም ነቲ ጉዳይ ዝሰናደው ኔረ።በዚ ከኣ ይሕበን ” ትብል፡ነቲ ሽዑ ዝተጠጀአ ጉዳይ ክትርዳእ ዘይከኣልካ መን’ዩ ሎሚ ኣብዚ ሕሙሙን ጥዑይን ተፈላልይሉ ዘሎ ቃላትካ ክሰምዕ ዝእከብ።ተስፋ እገብር ንስካን ማይክን ጥራይ ክትህልውዋ ኣታ ክፍሊ።

  • Mesinas March 25, 2015

    ምስጋናን ምሕጽንታን ንገዲም ተጋ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

    ቅድም ቀዳድም ነቲ ብጉጅለ ውሑዳን ተጨውዩ፡ ዘይመልክዑን ዘይትጽቢቱን ለቢሱ ዘሎ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራን መብጽዓ ጀጋኑ ሰማእታቱን ናብ ንቡር ንምምላስ ዳግም ቃልሲ ንዝጀመረ ተባዕ ኤርትራዊ ገዲም ተጋ. ዓንደብርሃን ወ/ጊዮርጊስ ከመስግን እፈቱ። ብምቕጻል፥ ነቶም ኣብ ዝሓላፈ ምስ ኣባላት መድረኽ ዝነበረ ዘይምርድዳእ ጸጊኖም፡ ዳግም ብሓባር ኮይኖም፡ ንናይ ሓባር ጸላኢኦም ንኽግጽቡ፡ ስልጡን ናይ ምትሕግጋዝ ስጉምቲ ዝወሰዱ ኣሰናውያን ልባዊ ምስጋናይ ከቕርብ እደሊ። ኣብ መወዳእታ ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ተጠቒመ፡ ሓንቲ ኣቐዲመውን ናብ መድርኽ ልኢኸያ ዝነበርኩ ሓበሬታን ምሕጽንታን ደጊመ ኣብዚውን ናብ ክቡር ተጋ. ዓንደብርሃን ወ/ጊኢዮርግስ ከቕርባ ፍቐዱለይ?

    ራድዮ ድምጺ ምመድረኽ ከም ዝፍለጥ፡ ወትሩ ዜና ከተቕርብ ከላ ኮነ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ክንዲ ‘ስርዓት ህግደፍ’ ወይ ‘መንግስቲ ኤርትራ’ (መንግስቲ ደኣ ኣይኮነን’ምበር)) ምባል፡ ቀጻሊ ‘ስርዓት ኣስመራ’ እያ ትብል። እዚ ብኽልተ ምኽንያታት ቅቡል ኣይኮነን።

    1ይ. ዝኾነ መንግስቲ ብደቂ ሃገሩ ብስም ዋና ከተማ ክጽዋዕ ኣይግባእን። ምኽንያቱ፡ ጓንነት ስለ ዘመልክት! ዋላ’ኳ ስርዓት ኣስመራ ማለት ስርዓት ኤርትራ ማለት እንተ ኾነ፣ 2ይ. ደቂ ሃገር ንናይ ሃገሮም መንግስቲ ብዋና ከተማ ክጽውዕዎ ከለዉ ንምፍልላይ ስለ ዘመልክት ምስትውዓል የድሊ።

    ንኣብነት፥ ንጉጅለ ህግደፍ ‘ስርዓት ኣስመራ’ ኢልካ ምጽዋዕ፡ ‘ስርዓት ሓማሴን’ ከም ምባል ስለ ዝሕሰብ፤ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን። ከተማ ከረን መዲና ናይ ኤርትራ ኔራ እንተ ትኸውንውን ከም ወዲ ሃገር መጠን ‘ስርዓት ከረን’ ኢልካ ክትጽውዖ ቅቡል ኣይኮነን። ደንብን ስርዓትን ስለ ዘይብሉ! ስለዚ፡ መድረኻውያን ነዚ ኣጸዋውዓ’ዚ ዳግመ ግምት ንኽገብሩሉ ደጊመ እዘኻኽር። ከምኡውን ንጃንዳ ህግደፍ ‘ስርዕዓት ኣስመራ’ ኢልካ ምጽዋዕ፡ ነታ መዘና ዘይብላ ውቅብቲ ከተማና ዘሕስር ስምውን ስለ ዚኾነ ክትሰምዖ ከለኻውን ስግድግድ’ዩ ዝብለካ! የቐንየለይ።

    ሓው መሲናስ 25/03/2015

  • Seid March 25, 2015

    Dear guys,

    Please respect his initiations. He could have done mistakes in the past history and there will be time to talk about it. For now he is doing his best for our nation while other intellectuals are silent.

    Best Wishes!

  • Teclay March 25, 2015

    To begin with, Mr.Andebrehan has every right to write or to form a party,as every Bahre-Negasian ,whether one likes it or not.Every one has also a right to oppose or to support him.

    Victim

    Victim said “Are you saying ex-Ambassador Andebram was cheated by Iseyas, like those poor ‘cheguar danga’ ?”

    Thank you brother…I am confused about what education or intelligence mean in Eritrea..
    -Who is going to believe them when Mr.Andebrehan and his world class educated equals clam that they had been being cheated all the way for 30 years..I do now ,so far we know only one type of Cheguar-Danga.. Had they been also “educated Cheguar-Danga?” . May be ,as the Ghedli world was against all accepted norm.
    -Did they know,their school friends, (the Menkae and Yemin ) had been being arrested in the evil prison caves for 12years ? If the knew .How did they expected that the so called new Eritrea would be democratic?
    -As they were already well educated ,they should have known about the dictatorship of the past revolutionary leaders like Mao ,Pol Put,Fidel Castro etc .How did they expect then by chance their Boss ISSU would be a priest after the so called independence?
    The list is long .My conclusion is that i do not trust any of those highly educated Bahrenegasians.For me ,some of them are more responsible than then young Isaias to our humiliation. In one word they are opportunists. This is my opinion only mine .

  • merhawit March 25, 2015

    I don’t understand why some people are too vocal and blaming Andebrhan W.Giorgis for serving under the “Government” of Isaias. Isn’t the tyrant Isaias a product of our own naivete? Isn’t the despicable system he has created to a large extent a result of our own weaknesses and collective failure? Haven’t we all let him decide single-handedly on all matters of state affairs, including on questions pertaining to war and peace, for too long a time? Bickering and pointing fingers at each other don’t make any sense now. The urgent priority we all have at this time is to free our country from the monster of our own creation, which, in good faith, we let grow up to a gigantic proportion. Let’s dwell on this subject at this particular moment. When Eritreans have become sovereign citizens of a free state governed by the rule of law, then can one be, by necessity, requested to settle accounts for his/her past “sins”. Let’s not put the cart before the horse!

    • Wedi meriet March 25, 2015

      Merhawit
      I think you are very young to understand the complexity game they played. Although you are entitled to your view, I hate to tell you that you are no where near to know Andebrhan or the game he played or the crime he committed.
      Believe me you don’t need to know.

  • Ma'E'Kobay March 25, 2015

    I FORGIVE ANDEBRHAN
    Ok let us let him to do the UNdo. Leaving the regime and having been quiet FOR SOME YEARS he deserves second chance, atleast he is educated that he can recollect the pieces that fall and scattered ALL Over.

    • Debre March 25, 2015

      Bravo!!!!
      I like forgiveness.

    • Berhe Domenico March 29, 2015

      Let those damaged by Andeberhan forgive him. Accountability precedes reconciliation.

  • ኣይበልናን'ዶ March 25, 2015

    ኣሕዋት ገሌኹምስ ኢሳያስ ጥራይ’ዩ ዝመስለኩም ንህዝቢ ኤርትራ ዝበደለ።ኢሳያስ ጥራይ ካብቲ ስልጣን ከልግስ ኢኹም ትደልዩ።እሱ ደኣ ናይቲ ሕማቕ ወካሊ ተጸዋዒ ጥራይ ኢዩ።ከም መኦኣል ኣቶ ዓንደብርሃን ንሕማቕ መራግእቲ ዝሃወሱ ሕማቕ መመሊሱ ክስስን ዝሰርሁ ብዙሓት ኣለው።……ከም መዓል ዓንደብርሃን ካል ኦት መሳስይቲ ኢሳያስ ንኤርትራ ናብዚ ሕጂ ዘላቶ ኣብጺሖማ።ኣዚ ዘሎናዮ ኩነታት ናይ ትማሊ ዘይኮነ ዒይስራ ኦኣመት ይገበር ጽቡቕ ስለዘይተሰረሀ’ዩ።ስለዚ ነዚ ሎሚ ዝሎ ጌጋ በቶም ነዚ ጌጋ’ዚ ነዚ ጥፍኣት’ዚ ዝኣደዱ ገይርካ ወይ ነቲ ንደልዮ ሱር ነቀል ለውጢ ክመጽእ ኣይክእልን’ዩ።ሱር ነቀል ለውጢ ክመጽእ ፈለማ ካብዝኮነ ይኹን ናይ ቅድሚ ሕጂ ጥፍኣትን ናጻ፡ነዚ ዕንወት’ዚ ዘይተለኣኹ የድልዩ፡ቀጺሉ ከኣ ኣዚኦም ነቲ ኣብ ስሮኣት ኢሳያስ ማለት መኦኣል ዓንደብርሃን ይጠቕመና የወጻጻኣና ኢሎም ዝሓገግዎን ዘተኣታተይዎ ኣሰራርሓ ደምሲሶም ካልእ ሓዲስ ክሰርሑን ክምህዙን ዝኽእሉ’ዮም ዘድልዩ።ሎሚ ንመኦኣል ኦኣንደብርሃን ጽን ምባል ማለት፡ነቲ ናብ ጽቡቕ ንገብሮ መገዲ ንምጥምዛዝ ወይ ከይንበጽሕ ዘተኦኣናቕፍ’ዩ።ስለዚ ነዚ መጸዋዕታ ዓንደብርሃን ኩሉ ብዓቕሙ ክነጽጎ ኣለዎ።ናብታ ዝገደፍናያ ኢዮም ክመልሱና።በቶም ጌጋ ዝፈ<ተሩ ጌርጋ ጌጋ ኣይዕረን'ዩ።ጌጋ ክዕረ ዝኽእል ብሃደስቲ ሰባትን ብሃዲሽ ሕግን'ዩ።ሕጊ ከምዘለዎ ገዲፍካ ሰባት ምምራጽ ዋጋ የብሉን።ሰባት ከይቀየርካ ሕግን ኣገባብን እንተቀየርካ ከምቲ ጉልቻ ቀይርካ ጸብሒ ኣይምቅርን ዝበሉዎ ስለዝኾነ፡ሓዲሽ ኣገባብ ዘተኣታትው ሃደስቲ ሰባት የድልዩዋ ኤርትራ። …….ኣቶ ኦኣንደብርሃን ፈለማ ቅድሚ ናብ ፖለቲካ ቁሊሕ ምባሉ ንህዝቢ ኤርትራ ይቕረታ ክሃትት ኔሩዎ።ህዝቢ ከኣ ፈራዲ ለካዒ ስለዝኾነ ወይ ይሃድገሉ ወይ ከኣ ከነጭራሹ ይነጽጎ።

    • ኣርዓዶም March 25, 2015

      ኣይበልናን`ዶ
      ኣበሃህላኻ ቕቡል ኢዩ፡ እዚ ዓንደብርሃን ዝብሃል ብወገነይ ታሪኹ ኣይፈልጦን ኢየ፡ ከም ጽንጽንታ ግን ካብቶም ቐዳሞት ተጋደልቲ ከም ዝነበረ ይሰምዕ፡ ብዙሕ ዋላ ብኣካል ይኹን ታሪኹ ኣይፈልጦን ኢየ። ከም ዝመስለኒ ግን ንስኻ ትብሎ ዘለኻ ብጣዕሚ ቕኑዕ ኢዩ፡ ማለት ከም ብዓል ዓንደብርሃን ተኾይኖም ን ኢሳያስ ብዘይቐይዲ ክመርሖም ዝመረጽዎ፡ እሞ ድማ ገዲፍናዮ እንዳበሉ ዘስቐጡ ተነይሮም፡ ብሓቒ ትብሎ ዘለኻ ቕኑዕ ኢዩ። እዚኦምን ከም`ዚኦምን ምስ ኮኑ ኣያታትና ኢዩ ሃገርን ህዝብን ተበታቲኑ፡ ዝተረፈ ድማ በቲ ንሶም ዘምጽእዎ መራሒ ይጭፍለቕ ኣሎ። ስለዚ ከም ብዓል ነዚኦም ዝጸውዕዎ ድሕሪ ማይ ናብ ብዓቲ ኣኬባ እንታይ እዩ ትርጉሙ።

      ዝኣኽለን ጥሒነንስ ብኣለማርያም ይብላ ገይረሞ ብዓል ኣይሓፍሩ። ሕጂ ድማ ዝኣኽሎም ጸይቖምን ኣባላሾምን ሃገር ኣብ ውልቐ ሰብ ደርብዮምን ዝእሰር ኣሲሮም ዝቕተል ቐቲሎም፡ ሎሚ ኣለና እንተበሉ እንታይ ኢዩ እቲ ረብሓ ! ሃገርን ህዝብን ካብ`ዚ ዘለዎ ኩነታት ዝኸፍእ ክመጾ ዝኽእል ነገር የለን። እቲ ዝኸውን ዝበለ እቲ ዝተሓልመ ክፍኦምን ተንኮላቶም ኩሉ ኮይንሎም ሃገር በሪሱ፡ ህዝቢ ተሰዲዱን ጠሚዩን ተገዚኡን ይኸይድ ኣሎ።

      ኣብ`ቲ ስለምንታይ ሃገርና ብሕጊ ዘይትግዛእ፡ ንምንታይ ሰብ ብዘይፍርዲ ይእሰር ኣሎ፡ እንዳበልና ኣብ ጽርግያታት ቑርን ማይን ከይከልከለና ዓንገር እንብለሉ ዝነብርና እዋን ምጅማር ማእሰርትን ጥልመትን፡ እዞም ሎሚ ቐሪቦም ክንመኻኸር ዝብሉ ዘለው፡ ኣብ`ቲ ግዜ`ቲ ቐንዲ ኣሳሰይትን መምሰሰውትን ብምዅን ንጻውዒትና ጸማም እዝኒ ሂቦሞ ከይኣኽሎም፣ ደቒ ሃገር ኣይኮኑን፡ ዓጋመ ኢዮም፡ ኣንጻር ኤርትራ ኢዮም እንዳበሉ ዘሎን ዘየሎን ጸርፊ ኣሰኪሞምና ኢዮም። ግን ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን ከም ዝብሃል፡ እቲ ከይከውን ኢልና ዝደኸምናሉ ጻውዒት፡ ሎሚ ምስ ኮነ ተሰቒርዎም። ዝገርም ናይ እንስሳ ባህሪ ዘለዎም ብህርፋን ገንዘብ ዝዓወሩ ናይ በለጽ መራሕቲ ምንባሮም`ውን ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ በሪህሉን ፈሊጥዎምን ኣሎ።

      ይገርም ኢዩ፡ ሓንቲ ዛንታ ናይ ሓደ መማህርተይ ዝነበረ ኣብ 1991 ኢዩ፡ ሻዕብያ ኣብ ድባርዋ ኣትያ ድሕሪ ካልኣይ ማዓልቲ`ውን ኣስመራ ሒዝናያ ኢሎም፡ ናይ ትሓጉስ ጠያይቲ ንላዕሊ ይትኩሱሉ ኣብ ዝነበሩ ግዜ፡ ዓርከይ ድማ ሽዑ ግዲ ተረዲእዎ፡ ተብተብ እንዳበለ ናባይ ብምምጻእ፡ ንዓናይ ንጋደል እብለኒ፡ ተገሪመ፣ እንታይ ትብል ኣለኻ፡ ተጸሊልካ ዲኻ፡ ሎሚ ናይ ትሓጕስ ኣስመራ ተታሒዛ እንዳበሉስ ነየናይ ጸላኢ ክንዋጋእ ኢና ክንከይድ እብሎ እሞ፡ ድሓን ንኺድ ጥራይ ዓጢቕና ንመጽእ እብለኒ። ኣነስ ተሰኪመ ጥራይ ክኸይድ ደስ ኣይብለንን ኢዩ፡ ኢለ ካብ`ቲ ነገሩ ኣንሳሒበ።

      ሻብያ እሞ`ውላ ጸላኢ ኣይሃልዋ ብረት ዘልዕል ምዓስ ትጽይን ኮይና፡ ኣብ ክልተ ወርሒ ዘይኣክል ታዓሊም እኵ በቲ ዝነበረ ሃዋህው ናይ ሓጎስ ፈንጣዝያ ብዙሕ ኣይጸገቡን ይኹኑ፡ ምስ ገለ ውሑዳት ብረት ተሰኪሞም መጽዮምና። ሽዑ`ውን ሻብያ ንኸምኦም “ ወጋሕታ“ ኢሎም ኣጠሚቖሞም ስለዝነበሩ። እቲ ህዝቢ ወጋሕታ ኢሉ ኢዩ መጫረቒ ገይርዎም ዝጽውዖም ነይሩ። እታ ቕጽል ዝተዋህበቶም ስም ከተሕፍሮም ማዓት ኢያ ነይራ።

      ሕጂ ድማ ብዓል እዚኦም፡ ሃገር ዓነውነው ክትብል ኣፍቒዶምሎምን ሰሪሖምሎምን ክነሶም፡ ሎሚ ቕል-ቕል ውጥም ምባል ሰላማውያን ኣይገብሮምን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣምላኽ ጻዕርና ርእዩ ነዚ ኣራዊታዊ መግዛእቲ ህግደፍ ዓነው-ነው ተቢልናዮ፡ ሽዑ እዚኦም ዘይሕተትሉ ምኽንያት ኣይርኣየንን። ናይ`ዚኦም ምኽሪ ሎሚ ዋላሓንቲ ለውጢ ኣየምጽኣልናን ኢዩ፡ ከይተኻዕወ ከሎ ዓንገርር ኢልና ጸዊዕናዮም ኣይሰምዑናን። ዋላኵ ዘለናዮ ጽንኩር እዋን ዘመክሕ ኣይኹን እምበር፡ መራሕቲ ክፍኣት ዝነበሩ ተመሊሶም ክምዕዱና ግን ቕቡል ኮይኑ ኣይርኣየንን።

      ዓወት ንኹሉ ደላይ ፍትሒ

      ኣርዓዶም

  • Wedi meriet March 25, 2015

    Dear Andebrhan
    I know why you are doing this!
    Assena.com is desperate for money and you want to use this opportunity to put your pic..

    Andebrhan is enemy no.2 for me and I know there are very many like me who feels the same way.
    Forgiveness is good but giving him the oppurtunity to do the same mistake is beyond me infact that shows how we Eritreans smart are!!!

    Andebrhan belongs to eraero prison.
    Assena.com is just digging his graves. I was a great admirer of Amanuel Eyasu but he is also making the same mistakes for the 3rd time.

    Good luck guys but I smashed my phone simply because I saw Andebrhan’s pic. On my phone.

POST A COMMENT