Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ "ሻምፕዮን ናይቲ በታኒ ፖሊሲ"                   ታደሰ ኪዳነ      በርሚንግሃም                         1ይ ክፋል              04/05/2014   መእተዊ፦ ኣብ ታሪኽና ውልቀ-ሰብ ኣልዒልካ ምዝራብ ልሙድ ኣይኮነን። ምናልባት ታሪኽ ናይ ህዝቢ (ሓፋሽ) ኢዩ፣ ንሱ ኢዩ ብደሙን ብረሃጹን ቀያሲ ታሪኽ ካብ

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

“ሻምፕዮን ናይቲ በታኒ ፖሊሲ”

                  ታደሰ ኪዳነ      በርሚንግሃም

                        1ይ ክፋል              04/05/2014

 

መእተዊ፦

ኣብ ታሪኽና ውልቀ-ሰብ ኣልዒልካ ምዝራብ ልሙድ ኣይኮነን። ምናልባት ታሪኽ ናይ ህዝቢ (ሓፋሽ) ኢዩ፣ ንሱ ኢዩ ብደሙን ብረሃጹን ቀያሲ ታሪኽ ካብ ዝብል ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ዝብገስ እመስለኒ ። ይኹን’ምበር እንተ ብገንዘቦም እንተ ብስልጣኖም ኣብ ልዕሊ’ቲ ሰራሕ ቅያ ዝኾነ ህዝቢ ጽልዋ ዘምብሩ ሰባት ኣብ ታሪኽና ብዙሓት ኢዮም። ብፍላይ ነቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ብቐንዱ ዝተቖጻጸሩ ሰባት።

 

እቶም ኣብ ማእከላይ ጽፍሒ ዝምደቡ ሓለፍቲ፣ ነቲ ብላዕሊ ዝመጽእ መምርሒ፣ ምስ ስነ-ምግባርን ባህልን፣ ወይ’ውን ዓቕምን ጸገምን ናይቲ ዘመሓድርዎ ህዝቢ ኣዛሚዶም የተግብርዎ። ከም በዓል ወዲ-ገራህቱ ዝኣመሰሉ ብላዕሊ ክፍተዉን ስልጣን ምውሳኽን ጥራይ ዝረኣዮም ድማ፣ ነቲ ብላዕሊ ዝመጾም ትእዛዝ ከይመመዩ፣ ከም ዘለዎ ወይ ወሲኾም ከተግብርዎ ይጽዕሩ። ኣገልግሎቶም ኣብ ዘብቅዓሉ እዋን ድማ ነናቶም ሓድግታት ኣለዎም። በዚ ከኣ ኢየ ሓድግታት ኣምባሳደር ገራህቱ ዝጽሕፍ ዘለኹ።

 

ማዕረ-ማዕሪኡ ክበርህ ዘለዎ፣ ስርዓታት ኣብ ዝቕየርሉ እዋን “ዝተዋህበኒ መምርሒ ጥራይ ኢየ ፈጺመ” ዝበሃል ዘረባ ይስማዕ ኢዩ። እንተኾነ ሰባት ንሕማቕ ይኹን ንጽቡቕ ዝወስድዎ ስጉምቲ፣ ዋላኳ ከባቢኣዊ ኮነ ካልእ ዝጸልዎ እንተኾነ፣ ብቐንዱ ግን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ነጻ ምርጫ ዝምርኮስ ኢዩ። “ተኲስካ ሰብ ቅተል” ዝተባህለ ሰብ’ውን እንተኾነ፣ “ተኣዚዘ ኢየ” ኢሉ ቃታ ክስሕብን፣ “ዝገበርካ ግበር እምበር ነዝስ ኣይውዕሎን” ክብልን ምርጫ ኣለዎ። ገራህቱን መሰልቱን ድማ ዋላ’ኳ ናይ ስራሕ መምርሒታት ዝህቦም ስርዓት ብልዕሊኦም ይሃሉ፣ ስለዝደለይዎን ብናይ ገዛእ-ርእሶም ነጻ ምርጫ ይገብርዎ ከም ዘለዉን ክበርህ ኣለዎ።

 

ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ’ውን፣ ኣገልግሎቱ ወዲኡ ክቕየር’ዩ ካብ ዝበሃል ኣዋርሕ ሓሊፉ ኣሎ።ኣብዚ ቀረባ እዋን’ውን ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፣ ኣገልግሎቱ ወዲኡ ናብ ኤርትራ ይምለስ ከም ዘሎ ካብ ቃሉ ሰሚዕና። ኣብዚ ሓጺር ተኸታታሊ ጽሑፍ እምበኣር ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ኣብቲ ንሱ ዝመጸሉ እዋንን ሕጅን ብምንጽጻር ሕጽር ዝበለ ናይ ውልቀይ ትዕዝብቲ ከቕርብ ኢየ።

እቲ ካብ ኩሉ ዝገርም ድማ፣ እቲ ‘ፎእ’ ኢልና ገዲፍናዮ ዝመጻእና ስርዓት፣ ነቲ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ዘጥረዮ ውዳቤን ኣሰራርሓን ተጠቒሙ፣ ዶብ ሰጊሩ ብወንጭፍ የማሓድረና ምህላዉ ኢዩ።

 

ብዛዕባ ተጋ/ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ክጽሕፍ ከለኹ፣ ብፍላይ ንዕኡ ዕላማ (ታርገት) ንምግባር ኣይኮነን። ንእግረ-መንገዱ – እዚ ከም ኣብ ዓንቀር ዝተሸኽለ ዓለቕቲ (ኣይወሓጥ ኣይትፋእ) ኮይኑ ዘሳቕየና ዘሎ ስርዓት “ንኸመይ ዝኣመሰሉ ሰባት’ዩ ናብ ስልጣን ዝሓሪ?” ዝብል ሕቶ ንምምላስ ስለ ዝሕግዘና ኢዩ። ንባህርያት ወዲ-ገራህቱን ኣመጻጽኣኡ ናብ ስልጣንን እንተፈሊጥና፣ ንኣመጻጽኣን ባህርያትን ናይ መብዛሕትኦም ነቲ ስርዓት ጸይሮሞ ዘለዉ ሰበ-ስልጣን ክንርዳእ ክንክእል ኢና። ስለዚ ገራህቱ ታርጌት ዘይኮነስ፣ ሓደ ኣብነት ናይቶም ንህግደፍ ኣቝሞምዎ ዘለዉ መሓውር ክንወስዶ ይግባእ።

 

ድሕረ-ባይታ

ቅድሚ ኣብዚ ናይ ሎሚ ኩነታት ምዝራበይ ግን፣ ነዚ ናይ ሎሚ ጠባያቱ ዝመሳሰል፣ ኣብ ሜዳ (ቅድሚ ናጽነት) ዝነበረ ኩነታት ተጋ/ተስፋሚካአል ገራህቱ ቁሩብ ኪዛረብ።

 

ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝጸሓፍኩዎ ተኸታታሊ ዓንቀጻት፣ ኣብቲ ንዓይ ዝምልከት ክፋሉ፣ ድሕሪቲ ኣብ ስንክልና ዘብጽሕ መውጋእቲ ምስ ኣጋጠመኒ፣ ካብ ተዋጋኢ ሓይልታት ናብ ደጀን፣ ማለት ከም መምህርን ኣላዪ ተማሃሮን ኮይነ ክሰርሕ፣ ናብ ጨንፈር- ትምህርቲ (ቤት-ትምህርቲ ሰውራ) ከም ዝተቐየርኩ ገሊጸ ነይረ። ኣብ መሳርዕ ቤት -ትምህርቲ ሰውራ ምስ ተመደብኩ፣ ንተጋዳላይ ተስፋሚካአል ገራህቱ፣ ካብቶም ቀዳሞት ዝፈለጥኩዎም መማህራን ነይሩ። እዚ ዝኾነ ድማ፣ እታ ኣነ ዝተመደብኩላ ተማሃሮ እትኣሊ መስርዕ፣ ምስቶም ገራህቱ ዘለዎም ብእንዳ መማህራን ዝፍለጡ ተጋደልቲ ዝምገብሉ ቦታ ጥቓ-ጥቓ ስለ ዝነበረ ኢዩ።

 

እቶም ልዕል ዝበለ ናይ ትምህርቲ ደረጃ ሒዞም ዝተሰለፉ (መማህራን)፣ ነቶም ብደረጅኦም እናለዓሉ ዝኸዱ ዝነበሩ ተማሃሮ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ዝምህሩን፣ ብዓቕሞም ድማ፣ በብቲ ዝሰልጠንሉ ዓውደ-ትምህርቲ፣ ብኮሚተታት ተመቓቒሎም፣ ተማሃሮ ዝመሃርሉ መጻሕፍቲ ዘዳልዉን ኢዮም ነይሮም። ኣብቲ ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም (ብፍላይ ምሸት) ናብተን ጋንታታትን መሳርዕን እናመጹ ይዘናግዑን የዕልሉን። ተጋ/ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ድማ፣ ሓደ ካብቶም ስሕት ኢሎም ናብታ ኣነ ዝነበርኩዋ መስርዕ እናመጹ ዝዘናግዑ ዝነበሩ ኢዩ። ሓንቲ ካብተን ኣለይቲ’ውን ጽቡቕ ገይራ ትቕበሎ ምንባራ እዝክር። ድሒራ’ውን ካብ ዓዲ ኣትሒዛ ከም እትፈልጦ ኣዕሊላትኒ። በዚ ምኽንያት’ዚ ክኸውን ይኽእል፣ እቲ ብዙሕ ኣብ ምግብናታት ናይተን መሳርዕ ዘይረአ ወዲ-ገራህቱ፣ ናብታ መስርዕ ክመጽእ ዝፎኽሶ ዝነበረ።

 

ሽዑ እዋን ተጋ/ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ከምዚ ሕጂ እንርእዮ ሰብ ኣይነበረን። ብዙሕ ግዜ ዝን ዝብል፣ ብዙሓት መዓልልቲ ዘይብሉ፣ ብዙሕ እዋን ንበይኑ ዝረአ ሰብ ነይሩ። ርእሱ ኩሉ ግዜ በታ ‘ብፍልስጤም’ እትፍለጥ ቀያሕ ሻርባ ምስተሸፈነት ኢያ። ‘ስለምንታይ’ ኢሉ ንዝሓትት ሰብ፣ ‘እዝኑ ብቐጻሊ ስለ ዘሕምሞ ኢዩ’ ዝብል መልሲ ኢዩ ዝረክብ። ምናልባት እታ ፎጣ ካብ ርእሲ ወዲ ገራህቱ ትወርደሉ እዋን እንተነይሩ፣ ኣብቲ ግምባራት ውግእ ዝግ ኢሉ፣ ኣብ ደጀን ናይ ስፖርት መደባት ኣብ ዝጅምረሉ እዋን ኢዩ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ተጋ/ ተስፋሚካኤል ገራህቱ፣ ደሓን ናይ ኩዕሶ ክእለት ከም ዝነበሮን፣ ኣብ ማእከል (ቚጽሪ 8) ከም ኣከፋፋሊ ኮይኑ ይጻወት ምንባሩ እዝክር። በቲ ግምባራት ውግእን ወረ ውግእን እንተተሰሚዑ ግን፣ እታ ቀያሕ ሻርባ ወዲ ገራህቱ ቀልጢፋ ቦትኣ ትምለስ።

 

ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ሓሳባት ዘይኮነ ናብ ሰባት ዘዘምብል ጠባያት ነይሩዎ

ኣብ ፖለቲካዊ ትምህርቲ፣ እቶም ብእንዳ-መማህራን ዝፍለጡ ተጋደልትን፣ ኣብ ከባቢኦም (ኣብተን ጋንታታት) ዝነበርና መማህራንን ኣለይትን፣ ብሓባር ፖለቲካዊ ትምህርቲ ንመሃር ነይርና። ኣብቲ እዋንቲ’ውን እንተኾነ፣ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ሰባት ፈላሊኻ ናይ ምርኣይ ጠባያት ነይሩዎ ኢዩ። ሓደ ካብኡ ገለ ተጋደልቲ ኣብ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ይኹን ካልእ ኣኼባታት ‘የገድስ ኢዩ’ ዝበልዎ ጽቡቕ ርእይቶታት የቕርቡ’ሞ፣ ካልእ ሰብ ነቲ ሓሳብ ደጊፉ ብፍኹስ ዝበለ መልክዕ ይደግማ። ወዲ-ገራህቱ ነቲ ሓሳብ/ ርእይቶ ብቐንዱ ኣቐዲሙ ዘመንጨወ ተጋዳላይ፣ ብውሽጡ ዝጸልኦ/ ዘይቅበሎ እንተኾይኑ (ዋላ’ውን ዝኾነ ዘራኽብ እንተ-ዘይነበሮም)፣ ስም ናይቲ ካልእ ተጋዳላይ (ናይቲ ነቲ ሓሳብ ዝደገመ) ኣልዒሉ፣ ‘ከምዚ እገሌ ዝበሎ’ ኢሉ ክውድስ ይስማዕ ነይሩ። ስለዚ ወዲ-ገራህቱ ኣብ ሓሳባት ዘይኮነ ኣብ ሰባት ዘዘምበለ ባህርያት ነይሩዎ ኢዩ።

ተስፋሚካኤል ገራህቱን ሕልማዊ ፍልስፍንኡን

ኣብ 1988 ኣቢሉ ጨ/ ትምህርቲ፣ ናይ መባእታ ዳይረክተራት ዝኮኑ ተጋደልቲ (መማህራን) ንምምልማል፣ ንኣስታት 3 ወርሒ ዝኸደ ኮርስ ሂቡ ነይሩ። እቲ ኮርስ ኣብ ኣገባብ ኣመሃህራን ምምሕዳር ኣብያተ ትምህርትን ዘተኮረ ኮይኑ፣ ንፍልስፍናዊ መዳይ ናይ ትምህርቲ ዘጠቓልል’ውን ነይሩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ተጋ/ ተስፋሚካኤል ብሳላ ተጋ/ በራኺ ገ/ስላሴ (ናይ ሽዑ ኣባል ማእ/ ሽማግለ ህዝባዊ ግምባርን ሓላፊ ጨ/ትምህርትን)፣ ካብቲ ዝነበሮ ጭንቀት (depression) ወጺኡስ፣ ሓላፊ ናይቶም እንዳ-መማህራን ኮይኑ፣ ነብሱ ኣብ ምዕባይን ንላዕሊ ገጹ ከንቃዕርርን (ናቱ ፒኣር ከዕቢ) ጀሚሩ ነይሩ ኢዩ። ኣብቲ ኮርስ ድማ ‘ፍልስፍና ናይ ትምህርቲ (philosophy of education) ዝብል ኣርእስቲ ይምህር ነይሩ። ብወገነይ ምስቲ ዝነበረኒ ጽምኢ ናይ ትምህርቲ፣ ንነብሲ-ወከፍ ካብቶም ‘ዩኒቨርሲቲ ዝወድኡ ምሁራት ኢዮም’ እንብሎም ሰባት ዝመጽእ ሓሳባትን ሓረጋትን ብጥንቃቐ እምዝግብ (note እገብር)፣ ካብቲ ክፍሊ ወጺአ ድማ፣ እቲ ሓሳባት ከይተረስዐ፣ ኣብ ፍሉይ ጥራውዝቲ ናይ ምምዝጋብ ባህርይ ነይሩኒ። እዛ እትስዕብ ድማ ሓንቲ ካብ ኣስተምህሮታት ወዲ-ገራህት ነይራ።

 

“ድሕሪ ናጽነት ዝህልወና ትምህርታዊ ፖሊሲ” ይብል ንሱ “ሓደ ‘ብቑዕ ሰብ’ ንምህናጽ ኢዩ። እዚ ‘ብቑዕ ሰብ’ ዝበሃል ድማ ኣካላቱ ብስፖርት ዝተሃንጸ፣ ሰራውር ደሙ ብግቡእ ዝሰርሕ፣ ብቕዓቱ ዘረጋገጸ ኣካላት ዝውንን፣ ኮታ ብቐሊሉ ብሕማማት ዘይጥቃዕ ሰብ ኢዩ። እዞም ብጉድለት ኣመጋግባን ዓጸቦን (ብፍላይ ድማ ከም በዓል ሽኮርያ፣ ብዝሒ ደም፣ ስከርቪ ዝኣመሰሉ ሕማማት) ድሕሪ ናጽነት ቦታ ክህልዎም ኣይኮነን። እዚ ነቲ ኣተሃናንጻ ኣካላት (physiological aspect) ዝምልከት ኮይኑ፣ ነቲ ኣኣምሮኣዊ ፍልጠቱ ዝምልከት ድማ፣ እቲ ብቑዕ ዝበሃል ሰብ ኣብ ኩሉ መዳያት ማእከላይ ፍልጠት ዘለዎ፣ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ንዘጋጥምዎ ጸገማት ዝፈትሕ ማለት ሰዓቱ፣ ረድዮ ገዝኡ ተሰይርዎ ዘዐሪ፣ ኣብ ገዛኡ ዝዘውር መስመራት ኤለክትሪክ፣ መዛወሪ መኪናኡ ትኹን መዓጹ ተበላሽይዎ ዝጽግን፣ ኣብ ሓንቲ ዓውደ-ፍልጠት ግን ጥልቕ ዝበለ ፍልጠት ዝውንን (specialist) ሰብ ኢዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ ድማ ‘Ideal man’ ይበሃል።

 

“ብመንጽርዚ ንሕና እንሃንጾ ብቑዕ ሰብ፣ ኣብዘን ደም ሰብ እናመጸያ ዝነብራ ሃገራት ምዕራብ ዘለዉ ምሁራት፣ ኣብ ሓደ ዓውደ-ትምህርቲ ጥራይ ኢዮም ጥልቕ ዝበለ ፍልጠት ዘለዎም (specialist ዝኾኑ)። ማዕጾ ወይ ኤለክትሪክ ናይ ገዝኦም ተበላሽያቶም’ውን ከዐርዩ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። ናይ ገዛ መኪናኦም ወይ ረድዮ ተበላሽያቶም’ዮም ሰብ ዝጽውዑ” ይብል።

 

ወዲ ገራህቱ ነዚ ኩሉ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ ክገልጽ ከሎ፣ ንኹሎም ኣለዉ ዝበሃሉ ፈላስፋታት ዓለምና እናጠቐሰ፣ “ኣርስቶትል ከምዚ በለ፣ ፕላቶ እዚ ወሰኸ፣ ዲካርተስ ከምዝበሎ..፣ ሶቅራጠስ ነዚ ጸሓፈ…” እናበለ ዳርጋ ንኹሎም ኣለዉ ዝበሃሉ ቀዳሞት ፈላስፋታት በጺሑዎም ኢዩ። ብወገነይ ኣብ መፋርቕ 70ታት ማ/ደረጃ ከይወዳእኩ ትምህርቲ ስለ ዘቋረጽኩ፣ እቲ ኣስማት ንዓይ ሓድሽ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ናይ ገድሊ ዕድመይ’ውን ኣስማት ናይቶም ምስ ፖለቲካዊ ማሕበርነትን ዴስነትን ተኣሳሲሮም ዝጥቀሱ ከም በዓል ማርክስን ኤንግሊስን፣ ማኦን ለኒንን ትሮትስክን እንተዘይኮይኑ ኣስማት ናይቶም ካልኦት ኣይሰማዕኩዎን። ኣብቲ ዝኾነ መወከሲ ዘይርከቦ ጭው ዝበለ ሳሕል ድማ፣ ብዘይካ ነቲ ዝሰማዕካዮ ከምዘለዎ ምቕባል ካልእ ምርጫ ኣይነበረን። ብኸምኡ ከኣ ኢየ ንነብሲ-ወከፍ ጥቕሲ ምስቲ ኢሉዎ ዝተባህለ ፈላስፋ እናፈላለኹ ኣብ ፍሉይ ጥራውዝቲ፣ በብናቱ ዝምዝግቦ ዝነበርኩ።

ነዛ “ሕቶ ናይ ሓደ ብቑዕ ሰብ” (the question of ideal man) እትብል ምስ ክዉንነት ዘይትኸይድ ፍልስፍና ወዲ ገራህቱ ዘምጻእኩዋ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮንኩን። ኣብቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተተኽለ፣ ቀንዲ ሃንዳሲኡ ድማ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ባዕሉ ዝነበረ፣ ናይ ኤርትራ ትምህርታዊ ፖሊሲ ቀጥታዊ ምትእስሳር ስለ ዘለዋ ኢዩ።

 

ናጽነት ኮይኑ፣ ኣነ’ውን ተቖራቚሰ ዩኒቨርሲቲ ናይ ምእታው ዕድል ስለ ዝረኸብኩ፣ ንኹሉ’ቲ ኣብ ሰናጭሮ ሳሕል ሰኒደዮ ዝኣተኹ ጽሑፋት ሒዘ ናብቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራን ካልእን ዝርከብ ቤተ-መጻሕፍቲ (library) ክመላለስ ጀሚረ። ነቶም ብመንገዲ ወዲ ገራህቱ ዝፈለጥኩዎም ፈላስፋታት፣ ጽሑፋቶም እናገናጸልኩ ድማ፣ ነቲ ዝሰነድኩዎ ጥቕስታት፣ ነቲ ሽዑ ዝመሃሮ ዝነበርኩ መታን ክሕግዘኒ፣ ሃሰስ ክብሎ ጀሚረ። ብርግጽ ንኹሉ መጻሕፍቲ ኣንቢበዮ’ኳ እንተዘይበልኩ፣ ነቲ ጥቕስታት ግን ፍጹም ክረኽቦ ኣይከኣልኩን። ኣብ መወዳእታ፣ ወዲ-ገራህቱ ናቱ ፒኣር (PR) ንምዕባይ፣ ዝተፈላለዩ ፈላስፋታት እናልዓለ፣ ብስሞም ደስ ዝበሎ ጥቕስታት እናለጠፈ፣ ነቶም ዝኾነ ናይ ፍልስፍናን ፈላስፋታትን ፍልጠት ዘይነበረና ተጋደልቲ ‘ሃነን’ የብለና ከም ዝነበረ ደምዲመ።

 

ኣብዚ ከነጽሮ ዝደሊ፣ ገለ ካብዞም ፈላስፋታት ብዛዕባ “ምስሊ ናይ ሓደ ብቑዕ (እኹል) ዝበሃል ሰብ እንታይ ክመስል ይኽእል?” ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም ኣይተዛረቡን ወይ ኣይጸሓፉን ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። ብፍላይ ብክልሰ-ሓሳባዊ ደረጃ። እቲ ጸገም ወዲ-ገራህቱ ነታ ‘ሓሳባዊ ‘IDEAL’ ትብል ሓረግ ኣብ ገለ ምስ ረኸባ፣ ንዕኡ ብዝጥዕሞ ጸጋጊኑ ከም ድሕሪ ናጽነት ዝህሉ ትምህርታዊ ፖሊሲ ኤርትራ ገይሩ ከቕርቦ ምፍታኑ ኢዩ።

 

 

………   ይቕጽል

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
39 COMMENTS
  • Selamawi May 5, 2014

    Dear writer, you are versed in the Tigrigna language. Please do not stop writing.

    It seems you will assess the current political situation amongst Eritreans in Great Britain. Good thing in itself. However, if at all possible, it would probably be more beneficial if you would make links with other writers in other countries, so that we understand the general picture of pfdj’s policies. That is the best way to counter pfdj.

    Your personal observations are welcome but at the same time you may want to widen the scope and come up with more general patterns and the theory behind the pfdj structure and how it operates. Information is power!

    God forgive us all and save us from nihilist philosophy of pfdj and their operatives.

  • Suleiman Salim May 5, 2014

    ወዲ ገራህቱ ስለምንታይ ንሃገሩ ኣብ ሃገረ ብሪጣንያ ከም ኣምባሳደር ኮይኑ ኣገልጊሉ ብዝብል ዕብዳናዊ ክሲ ንስሙ ንምጽያቕን ተርኡ ኣብ ሰውራ ንምንእኣስን ምፍታን ኣዝዩ ዕሸላውን ደንቆሮን ተግባር እዩ።

    ኩሉ ከም ዝፈልጦ ተራ ወዲ ገራህቱን ተራ ወላዲኡን ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ግቡእ ቦታኡ እዩ ዝሕዝ። ኣቦ ወዲ ገራህቱ – ኣዝዩ ነዊሕን ድልዱልን ሰብኣይ – ካብ እቶም ቀዳሞት ሃገራውያን ተቓለስቲ ስለ ዝነበረ ብተደጋጋሚ ማእሰርትን ስቅያትን ዝኣክል ብዝወረዶ ኣካላዊ ማህሰይቲ እዩ ካብ እዛ ዓለም ቀልጢፉ ዝተፈለየና።

    ኣንበሳ ወዲ ኣንበሳ ሞገስ ድኣ እምበር ኣጉል ጥቀና ኣይግበኦን እዩ።

    ካብ ሱለይማን ሳልም ( ንፈተውቱ ከም ሱሊ ዝፍለጥ )

    .

    • TwoWayStreet May 6, 2014

      Suleiman Salim, this is not about his father (Gerahtu) This is about Tesfamichael. The writer wrote what he knows about him for us to read. If you believe the writer is wrong, underline the points that are wrong and give us your version, and if you have Wedi Gerahtu’s positive accomplishments then bring it on and let the reader judge on what you guys have to say. But just because he is the son of Ato Gerahtu, or just being and Ambassador, or just the name “Tegadalay” will not make him an Eritrean hero.

  • Truly Truly i say to you May 5, 2014

    ኢሳያስ ዲፕሎማት ንኽኾንዎ ዝሓርዮም ሰባት ፍሉጣት እዮም፣ ነቲ ምስኪን ድሁር ሕዝቢ ብትግርኛ ቛንቁኡ ተዛሪቦም፣ መንግሥቲ ኣሜሪካን ወያኔንን ከምዚን ከምትን ገሮምና እናበሉ ከደናግሩሉ ንዝኽእሉ ካድራት እንበር፣ ምስ ሕዝቢ ዓለም ብዝርድኦ ቛንቛ ተዛሪቦም ንምሙጋት ሙሉእ ናይ ቛንቛ፣ ሥነ ልቦናዊን ዲፕሎማስያዊን ኣፍልጦን ብቕኣትን ንዘለዎም ሰባት ከምዘይመርጽ ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ኢስያስ ነቲ ንሥልጣኑ መናውሂ ከምስምስ ንዝጥቀመሉ ጉዳይ ዶብ፣ ብቕኣት ብዘለዎም ሰባት እቲ ቦታ እንድህር ተባሂቱ፣ ነቲ ናይ ዶብ ጉዳይ ምስ ሕቡራት ሃገራት ገጢሞም ብቀሊሉ መእለቢ ንከይገብሩሉ ስልዝሰግእ እዩ። ግደ ሃቒ ንምዝራብ እቲ ኣብ ልእሊ ኤርትራ ተበይኑ ንዘሎ ኢ- ፍትሃዊ እገዳን እቲ ውዱእ ናይዶብ ብይንን ኣብ ማእለቢኡ ክበጽህ ዘይከ ኣለሉ ምኽንያት፣ ብኢስያስ ወገን ብከምዚ ንክቅጽል ስለዝተደለየ; ብልቢ ስለዘይተደፈኣሉ እንበር፣ ብብዙህ ሕጋዊ መርትኦ ብቀሊሉ ንሕቡራት ሃገራት ንምእማንን ንምርታእን ኣዝዩ ኣዝዩ ቀሊል ነሩ። ግናስ ከምቲ ዝብልኩኹም ኢስያስ ንሕዝቢ ኤርትራ ዘደናግረሉ ሰብ እንበር፣ ምስ ሕቡራት ሃገራት ብብቕኣት ገጢሙ ዝፙገተሉ ሰብ ኣየድልዮን እዩ። ብተውሳኺ እቶም ንኣይ ወዲ ኣዶም መሲለዮም ክድግፉኒ ዝኽእሉ ተወለድቲ ደቂ ሃማሴን ስልዝኹኑ፣ እቲ ኣምባሳደርም ብቕኣቱ ብዘየገድስ ካብቲ ኣውራጃ እንተዝኸውን ዝሃሸ እዩ ትብል፣ እታ ኣቢ ናይ ኢሳያስ መህረዪ መስፈርቲ እያ። ካብ ካልእ ቦታ እንተኾይኑም፣ ቀንዲ ነታ ናይ ዶብ ጉዳይ ፍታህ ንኽትረክብ ዘይጽእር ሰብ ክኸውን ኣለው፤ ብጀካ ትእዛዛተይ ሰሚኡ ዝፍጽም።

    • Suleiman Salim May 5, 2014

      ” ለተቀማጭ ሰማይ ቅርብ ነው ” በለ ኣምሓራይ! ንስኻ ኣብቲ ዘለኻዮ ቦታ ( ሽቓቕ ) ኮይንካ ንኩሉ ኣርኪብካሉ። ሓማሴን ከኣ ጸርፊ ከይ መስለካ ምድሪ ጀጋኑ እዩ። ሓማሴናይ ኣምባሳደር እንተ ኮነ እንታይ ከብድኻ የሕሚሙካ? ንስኻ ኢትዮጵያዊ ስለ ዝኾንካ ኣብ ናይ ኤርትራውያን ጉዳይ ዘእቱ የብልካን። ንሕና ፈሊጥናካ ኣሎና እዚ ናይ ኣውራጃ ጉዳይ ተልዕል ዘሎኻ ነቶም ባዕሎም ረሲኖም ባል-ባል ዝብሉ ዘለዉ ሰናት ከም በዓል ታደሰ መሊስካ ክተርስኖም ኢኻ ትደሊ ዘሎኻ።

  • MightyEmbasoyra May 5, 2014

    ሓደ ሓደ ግዜ፥ ሱሌማን ሳሊም: ወዲ ገራህቱ (ርእሲ ዓካት) ከይከውን የጠራጥር።

    • ተወልደመድህን May 6, 2014

      ንሱዩ ብዘይካ ኡ ብሽም ማሕሙድ ሳልሕ፡ብሽም ማሕታ ዝጽሕፍ ንሱ ወኢ ገራህቱ’ዩ

      • Mahta May 7, 2014

        Teweldemedhen, wedi gerhatu koyne do tesemEka lomi kea??

  • araya May 6, 2014

    Suleiman

    This is in tigrigna and he didn’t mention his region,, so why you talking nonsense if you have a good reason to say about the ambassador, go head and post it, unless this writer is a great person who set the statement chronically attractive,

    • Suleiman Salim May 6, 2014

      “This is in tigrigna and HE didn’t mention HIS region…”

      What do you mean by HE and HIS? Be specific. Sorry, your language is not clear.

  • araya May 6, 2014

    Dear writer

    Beside your truthfulness, your narrator approach is amazing, keep it up the good work,,,,

  • Truly Truly i say to you May 6, 2014

    ኣንታ ሰላም ከይብልካ ንነፍስኻ ሱሌማን ኢልካ ዘጠመቕኻ ብኣለጌ ሰብ፣ ቅድሚ ካብቲ ሽቓቕ ዝገደደ ድኹም ኣንደበትካን ሕሊናኻን ቃላት እናደርበኻ ሰባት ምዝንጣልካ፣ ኣቐዲምካ ነቲ ሰብ ዝዛረበሉ መንፈስ ክትርዳእ ፈትን። ብምቕዳም ሃማሴን ጸርፊ እዩ ዝብለካ የለን፣ እቲ ምድሪም: ምድሪ ጀጋኑ ኣይነበረን ዝበለ የለን። ግናስ ነቲ ምድሪ ጀጋኑ: ነቲ ኹሉ ጅግንነት ደቂ ሃገር ተመሲሉ ከማኻ ሃደ ተንቤናይ ኣብ ግዜ ዉግእ ባድሜ ኮነ ኢሉ ኣራኺስዎ፣ ኣዋሪድና ኢና ንብል ዘለና። ግንስ ኣብፈቀዶ ፌስትቫላትን ኣኼባን ኢስያስ ደቀባት መሲልዎም ብብዝሃት እናተኣከበ ንኢሳያስ ዘጣቕእ ዘሎ፣ ነቲ መሰላት ሕዝብና ጊህሱ ንሃገርና ከብርስን ንሕዝብና ከጽንትን እናረኣየ ዘተባብዖ ዘሎን ኣንዲ ሕቆ ኮይንዎ ዘሎ፣ እቲ ብብዝሃት ዝተኣሸወ ሓማሴናዊ ሕዝብና እዩ እንተበልኩ ካብሃቒ ዝወጻእኹ ኣይመስለንን። ብዝተረፈ ግን ልቦና ክሳብ ዝሃለዎ ኣይኮነን ሓማሴናይ ወዲ ኣደይ ኣምባሳደር ኮይኑ ከብደይ ክቕረጽ፣ ንሞሉእ ዓለምውን ከማሃድር ተዝበቅእ እሕጎስን እሕበንን እንበር ከብደይስ ከምደይቅርጽ ኣግሂደ ከረጋግጸልካ እፈቱ። እቶም ኤርትራውያን ተመሲልኩም ንኢሳያስ ትድግፍዎን ተተባብእዎን ዘለኹም ፣ ከማኻ ዝኣምሰሉኩም: ኣባላት ደማሂት ተወልጄን ዕባያት ምኻንኩምን ዝሰሃትናኩም ከይመስለካ: ገጢምናኩም ኣለና። ኤርትራዊ እንተትኸውን ድህሪ´ዚ ኹሉ ውርደትን፣ ሃገርካ ብወያኔ ተጎቢጣ ምስትርእይ ከማና መኣንጣኻ ሃሪሩ ምሃፈርካ እንበር፣ ብዛእባ ዘየሎ ጅግንነት እናልኣልካ ክትወራዘይ ኣምበይምፈተንካን።። ግናስ ናብቲ ዝነበረ ጅግንነት ብሃጺር ግዜ ክምንምልሶ ኣይትጠራጠር።

  • Mahta May 6, 2014

    Dear writer, Do you think? because you are war disabled person and you felt discriminated or offended by his words of explanation about IDEAL MAN! writting this biased article and go to personal about this individual is not helpful concentrate on the system rather than individuals…

  • megos May 6, 2014

    mahta the system is using individuals for its destructive policy.

  • Akli Nenebari Fitah May 6, 2014

    GIVE THE DEVIL ITS DUE PLEASE

    Dear Taddesse; I had a good respect for your exhaustive posts so far. I am afraid your unbalanced comments on Wedi Gerhatu will expose you and reduce your integrity. You are claiming that you dropped of the middle level to join the struggle for independence. Then you assimilated the role of being a coordinator for the revolution school students after you were maimed in a battle.

    I can imagine that you were one of the few who got the chance to rise up the ladders to become a teacher and then finally to take Philosophy of Education in Tigrigna under the shade of a tree in the wilderness.

    Wedi Gerahtu was your professor at that time (lol). You see as the English adage holds it “an empty vessel makes the loudest noises”. It is not you but those who told you that they were teaching you philosophy who mislead you. you tried to brag that you understood Marks, Engles, Lenin, Mao, thank you for not mentioning Hegel. What a special school was the EPLF to enable you come out a refined researcher after only completing the middle level.

    So Tadesse be sensible, to give the Devil its due. Wedi Gerahtu is a pathetic liar and Servant of DIA, but he is capable academically; as to me I m not moved by your analysis regarding his academic ability. No Wonder it is a boomerang effect as your professors have brought you up that way. they have well inculcated the inferiority sickness in your mind to criticize and despise those who know and do not brag to be.

    • Suleiman Salim May 6, 2014

      “Dear Taddesse; I had a good respect for your exhaustive posts so far. I am afraid your unbalanced comments on Wedi Gerhatu will expose you and reduce your integrity.

      “Wedi Gerahtu is … capable academically; as to me I m not moved by your analysis regarding his academic ability. ”

      ክቡር ሓው ዓቕሊ ( ዓቕሊ ዋጋ በቕሊ በሉ ኣበዋት!)

      ደሓን እቶ ! በዘን ኣብ ጥቕሲ ኣስፊረየን ዘለኹ ቃላትካ ንወዲ ኪዳነ ነቲ ባዕሉ ዳጕንዎ ዘሎ ሓንጎሎ (ዓቕሉ ) ነባሪ ምፍታሕ ( ምልቃቕ ) ጌርካሉ ክትከውን ተስፋ ይገብር። ከምቲ ንስኻ ዝበልካዮ ብኣካዳምያዊ ብቕዓት ናይ ወዲ ገራህቱ ዋላ ሓደ ( ምስ ታደሰ – ሓንጎሉ ከይኣሰረ – ወሲኽካ ) ዝጠራጠር የሎን። መብዛሕቱ ጊዜ እቶም ንወዲ ገራህቱ ንሃገሩ ኣገልጊሉ ኢሎም ናይ ጸርፊ ተቕማጥ ዝፍንዉን ንጀነራላትን ካልኦት ሓለፍቲ ኤርትራን ዝጸርፉን ዝውንጅሉን ሰባት ሓደ እዮም። ድልየት ናይ እዞም ፍጥረታት ( መርዛማት ኣውራጃውያን) እዚኣቶም ኤርትራ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ዝመርሑ ሰባት ከም ዘይህልዋ ንምግባር እዩ። ብከምኡ ከኣ እዮም ንዝኾነ ቁም-ነገር ዝገብር ሰብ ብድሑር ኣገባብ ዘጸልሙን ዘካፍኡን።

POST A COMMENT