Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ – 3ይ ክፋል

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ "ሻምፕዮን ናይቲ በታኒ ፖሊሲ"                   ታደሰ ኪዳነ      በርሚንግሃም                   3ይ ክፋል      11/05/2014   ኣብ 2ይ ክፋል በዛ እትስዕብ ኢየ ተፋንየኩም፦ “ከምቲ ኣብ መእተዊ ጽሑፈይ ዝበልኩዎ፣ እዚ ተገላቢጦሽ ናይ ወዲ-ገራህቱን ናይ ቢትወደድ ኣብርሃን ኣብነት፣ ናይ

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

“ሻምፕዮን ናይቲ በታኒ ፖሊሲ”

                  ታደሰ ኪዳነ      በርሚንግሃም

                  3ይ ክፋል      11/05/2014

 

ኣብ 2ይ ክፋል በዛ እትስዕብ ኢየ ተፋንየኩም፦

“ከምቲ ኣብ መእተዊ ጽሑፈይ ዝበልኩዎ፣ እዚ ተገላቢጦሽ ናይ ወዲ-ገራህቱን ናይ ቢትወደድ ኣብርሃን ኣብነት፣ ናይ ኩሎም’ቶም ቀደም እንፈልጦም ሎሚ ዘይንርእዮም ሓለፍትን ብሓደ ወገን፣ ናይቶም ሕጂ ዓቢ ሹመት ተዋሂቡዎም ኣብ ዘይወዓልዎ ታሪኽ ክምድሩ እንሰምዖም ዘለና ተረኽትን ድማ በቲ ኻልእ ኢዩ።”

… 3ይ ክፋል ይቕጽል

 

ትምህርታዊ ፖሊሲ ኤርትራ ኣብ ዘመነ ተስፋሚካኤል ገራህቱ

ኣብቲ ድሕሪ ናጽነት ብወዲ-ገራህቱ ዝህንደስ ዝነበረ መስርሕ ትምህርቲ ኤርትራ፣ ከም መምህር፣ ርእሰ-መምህር (ዳይረክተር)፣ ሱፕርቫይዘር፣ ንሓጺር እዋን’ውን ኣብ ምውህሃድ ትምህርቲ ንዓበይቲ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ጨንፈር ባጀትን ሕሳብን (ቤት-ጽሕፈት ናይ ሓንቲ ኣውራጃ) ኮይነ ሰሪሐ ኢየ። ስለዚ ኣብ ኩሉ’ቲ ኣብ ዘመነ ገራህቱ ዝነበረ መስርሕ ትምህርቲ፣ ናይ ማዕዶ ተዓዛባይ ዘይኮንኩስ፣ ቀጥታ ተዋሳኢ ምንባረይ ክገልጽ እፈቱ። ኣብቲ ኣነ ዝነበርኩሉ ማለት ካብ 1991 ክሳብ 2000 ዓ,ም ዝነበረ 10 ዓመታት፣ ኤርትራ፣ ምወላ ዝርከቦ ናይ ዩነስኮን ዩኤንዲፒን (UNESCO & UNDP) ዝበሃላ ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ደገፍን ተቐባልነትን ብዝህልዎ መደባት ዝጽሎ እምበር፣ ናይ ባዕላ ዝሰርሕ፣ ብውጥን ዝምራሕ ትምህርታዊ ፖሊሲ ነይሩዋ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን።

 

እቲ ጸገም ዝኸውን፣ እዚ ፖሊሲታት ክወዓዋዕ ከሎ፣ ነቲ በተን ትካላት ው.ሕ. ሃገራት ዝወሃብ ገንዘብ ኣብ ምርካብ ጥራይ ዝውሰን ምንባሩ ኢዩ። ኣብዚ ከኣ ኢዩ ዘይብቕዓት ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ሚኒስትሪን፣ ተስፋሚካአል ገራህቱ ድማ ከም ሃንዳሲን ዝንቀፉ። እቲ ገንዘብ ምስ ተረኽበ፣ ብዉሑዱ ውሽጣዊ ሃገራዊ ውጥን ሃልዩ፣ በብዓመቱ ጭቡጥን፣ ውጽኢቱ ዝግምገምን ኣሰራርሓ ከተኣታትዉ ዘይምፍታኖም ኢዩ። ምትእትታው ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ከም ዝነበሮን ትስፋሚካአል ገራህቱ ድማ ብምእዙዝነቱ ከም ዝሕረን እውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።

 

ዳርጋ ኩሉ ሰብ ብማዕከናት ዜና ከም ዝከታተሎ፣ በብዓመቱ ኩሎም ርእሰ-መማህራን (ዳይረክተራት)፣ ሱፐርቫይዘራት፣ ሓለፍቲ ንኡስ-ዞባታት፣ ሓለፍቲ ዞባታትን ኩለን ጨናፍር ሚኒ/ትምህርትን ዝሳተፈኦ ዓመታዊ ገምጋም ትምህርቲ ይካየድ ኢዩ። ኣብዚ ኣኼባታት’ዚ ኩሎም ሓለፍቲ ትምህርቲ ዞባታት፣ ብስታቲስቲክስ ዝተሰነየ ናይ ተማሃሮ ምሕላፍን ምትራፍን፣ ኣብ መስርሕ ዘጋጠመ ጸገማትን ኣፈታትሖኦምን ብዝርዝር የቕርቡ ኢዮም። መብዛሕትኡ’ቲ ጸገማት ካብ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ሚኒ/ትምህርት ዝብገስ ስለ ዝኾነ ድማ ለበዋታት ይቐርብ ኢዩ። ገለ ካብኡ፣ መምሃሪ መጻሕፍቲ ውሒዱ፣ እቲ ዝርካቡ’ውን ኣብ ግዜኡ ይበጽሓና የሎን። ዋሕዲ መማህራን ኣሎና፣ ደሞዝ መማህራን መንግስቲ ኣቓልቦ ይግበረሉ ወዘተ ዝብሉ ይርከቡዎም። ኩሉ’ዚ ድማ ጭቡጥ መልሲ ዘድልዮ ሕቶታት ኢዩ። ዓመት መጸ ስለዝቐርብ ድማ ንወዲ-ገራህቱን ላዕለዎት ሓለፍቲ ትምህርትን ሓዲሽ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ንኣብነት ዝርካቡ መጻሕፍቲ ኣብ እዋኑ ከምዝበጽሕ ምግባር፣ ተስፋሚካአል ገራህቱ ምስቶም ዝምልከቶም ሓለፍቲ ተመኻኺሩ ክገብሮ ዘይክእል ኣይኮነን። ነዚ ንምግባር ግን ድፍረት ይኹን ድሌት ኣይነበሮን።

 

እቲ ዘገርም፣ እቲ ዕለት ናይ ኣኼባ’ውን ዝውስን ተስፋሚካአል ገራህቱ፣ ንንውሕ ዝበለ እዋን ኣብቲ ሚኒስትሪ ንዘሎ ዝርካቡ መጻሕፍቲ ኣንቢቡ፣ ነቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ተገይሩ፣ ውጽኢት ተረኺቡዎ ዝብሎ ነጥብታት ኣኪቡ “ናይዚ ዓመት’ዚ መደብና…” ኢሉ ብምጅማር፣ ትምህርታዊ ክልሰ-ሓሳብ ክምህር ንዝበዝሐ ሰዓታት ናይቲ ኣኼባ ይሕዞ ምንባሩ ኢዩ። ኣብ ኩሉ’ቲ መግለጺታቱ፣ ነቲ ኣንቢቡ ዝኣከቦ ነጥብታት ኣቀናቢሩ “እዚ ክንገብር ኢና፣ ኩሉ ጻዕርታትና ናብ ከምዝን ከምዝን ንምብጻሕ ኢዩ” እናበለ ብትምህርታዊ ክልሰ-ሓሳብ ካብ ኩሎም’ቶም ኣብቲ ኣኼባ ዘለዉ፣ ብዘይካ በቲ መንግስቲ ዝተዳለወ ጽሑፋት፣ ካልእ ዘመናዊ መጻሕፍቲ ከንብቡ ዕድል ዘይረኸቡ ሓለፍትን ካልኦትን (ኣነ’ውን ኣብቲ ዝነበርኩሉ እዋን) ንሱ ልዑል ክልሰ-ሓሳባዊ ዕምቘት ከምዘለዎ ከርኢየና ይጽዕር። ኣብ መወዳእታ ናይቲ ኣኼባ፣ በቲ በብዓመቱ ዘጋጥመካ ጸገማት ፍታሕ ብምርካብካ ዘይኮነስ፣ ገራህቱ ንዝህቦ ኣስተምህሮ ሰሚዕካ ትምለስ። ኣብ ምውዳእ ናይቲ ኣኼባ “እዚ ወዲ ብዙሕ ኣንቢቡ ኢዩ፣ ብፍልጠት ዝወዳደሮ የለን” ዝብል ናይ ኣዝዮም ውሑዳት ሰባት ዘረባ ገዲፍካ፣ ነቶም ዘጋጥሙና ጭቡጣት ጸገማት፣ ጭቡጥን ዘተኣማምንን ፍታሕ ረኺብናሎም ዝብል ሰብ ኣይትረክብን (ዋላ’ውን ብዝተሓተ ደረጃ)።

 

ብኸምዚ ድማ ልክዕ ከምታ ኣብ 1988 “the question of Ideal man” ዝብል ኣርእስቲ ኣምጺኡ፣ ምስ ኣስማት ዝተፈላለዩ ፈላስፋታት እናኣተኣሳሰረ “ድሕሪ ናጽነት ዝህልወና ትምህርታዊ ፖሊሲ ‘ብቑዕ ሰብ’ ንምፍራይ ኢዩ” ዝበለና ገራህቱ፣ ድሕሪ ናጽነት’ውን ኣብ ዝግበሩ ዓመታዊ ናይ ገምጋም ኣኼባታት፣ ምስ ጭቡጥ ትምህርታዊ ኩነታት ኤርትራ ዘይከይድ መደረታት ብምቕራብ፣ ንሱ ልዕሊ ኩሉ ኣብቲ ኣኼባ ዘሎ ሰብ ዝበለጸን ዝዓሞቐን ፍልጠት ከም ዘለዎ ከእምን ኩሉ ዝከኣሎ ገይሩ ኢዩ።

 

ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፣ እቲ ብዓንተቦኡ’ውን ኣንጻር ትምህርትን ፍልጠትን ዝነበረ ወዲ-ገራህቱ፣ ካብ 1991 ክሳብ 2000/1፣ ኣብ ሚኒ/ትምህርቲ ዳይረክተር ጀነራል ብምዃን፣ ንኩሉ ትምህርታዊ ብቕዓት ኤርትራ ረሚሱዎ ኢዩ። ምስ ምእሳር እቶም ሓብሒቦም ዘደየብዎ በዓል በራኺ ድማ ዝያዳ እሙን ናይ ኢሰያስ ብምዃን፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኮይኑ። ኣብኡ ምስ ከደ ድማ፣ ንሕቶታት ናይቶም ብማህደረ ትምህርቲ ዝኸዱ መንእሰያት ኣብ ምድቋስ ዝተጻወቶ ተራ ተጻዊቱ ኢዩ።

 

ብመንጽር’ቲ ኣብ 1988 ዝነበረ ክረምታዊ ኮርስ “እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝህልወና ትምህርታዊ ፖሊሲ፣ ሓደ መትንታቱን ጭዋዳታቱን ብግቡእ ዝሰርሕ ‘ብቑዕ ሰብ’ ንምፍራይ ኢዩ” ዝበለና ገራህቱ፣ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ሓሊፉ፣ ኣብ መሬት ካልእ ሃገር (ደቡብ ኣፍሪቃ) “ብሰንኪ ወዲ-ገራህቱ ኣዕጽምቲ ክሳድና ተሰይሩ” ዝብሉን ጎዝጓዝ ኣብ ክሳዶም ዝገበሩን መንእሰያት ተዓዚብና። ወዲ-ገራህቱ ነቲ በቶም ኣብ ደቡብ-ኣፍሪቃ ዝነበሩ ተማሃሮ ዝቕረበ ቀሊል ሕቶ፣ ቅንዕና ዘለዎ መኽሪ ብምሃብ ከዝሕሎ ኣብ ክንዲ ዝፍትን፣ ልዕሊ ጉቡኡ ዝተመጠ ፖለቲካዊ ሕቶ ኣምሲሉ ብምቕራብ፣ ኣብ ውሽጢ’ቶም መንእሰያት ሰባት እናስሎኸ፣ ነንሕድሕዶም ከም ዘይረዳድኡን ከም ዝብተኑን ገይሩዎም ኢዩ። ብኸምዚ ድማ እቲ ንኢሰያስ ዝነበሮ ተኣማንነት ምሉእ ብምሉእ ኣረጋጊጹሉ።

 

ተስፋሚካአል ገራህቱ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እምበኣር’ዩ ወዲ-ገራህቱ፣ ብመራሒ ህግደፍ ተሓርዩ፣ ነቲ ኣብ ኤውሮጳ (ዓዲ-እንግሊዝ) ክግንፍል ጀሚሩ ዝነበረ ህዝባዊ ተቓውሞ ክደቁስ ዝተላእከ። ብልክዕ ንምዝራብ፣ ኣብቲ ንሱ ዝመጸሉ እዋን ሓያሎ ተጋደልቲ (ገለ ካብኣቶም ተማሃሮን መማህራንን ቤት/ትምህርቲ ሰውራ ዝነበሩ) ኣብቲ ምንቅስቓስ ክዓስሉ ይረኣዩ ነይሮም ኢዮም። ሓደ ካብቲ ንህግደፍ መንጸሮር ኮይኑዎ ዝነበረ ኩነታት ድማ ንሱ ኢዩ። “ሓድግታት ወዲ-ገርህቱ” ኢለ ክጽሕፍ ከለኹ እምበኣር “ሓድግታት ህግደፍ ብተኣዛዝነት ተስፋሚካአል ገራህቱ” ማለተይ ምዃኑ ኣንባቢ ክርድኣለይ እላቦ።

 

ብመንጽር’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ፣ ብዙሕ ካብ ቤት/ ጽሕፈቱ ዘይወጽእ ኣምባሳደር ነጋሲ ሰንጋል፣ ተስፋሚካአል ገራህቱ ኣምባሳደር ኮይኑ ናብዚ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ምስ መጸ፣ ህዝቢ ክብትንን ሓድሕድ ምትእምማን ክዘርግን ምኻኑ፣ ፈለጥቱ – ብንጉሁኡ ዝተጸበናዮ ጉዳይ ኢዩ። ቅድሚ’ቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ምብትታን ኤርትራውያን ኮምዩኒቲ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ፣ ኣብቲ ወዲ-ገራህቱ ዝመጸሉ እዋንን ቅድሚኡን ዝነበረ ኩነታትን ሓድሕድ ምትሕቑቛፍን ኤርትራውያን ቁሩብ ምልስ ኢለ ክዛረብ።

 

እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ናይ ዶብ ኲናት ደው ኢሉ፣ ጉጅለ 15 ድማ ነቲ መራሒ ህግደፍ ተኸዲኑዮ ዝነበረ ናይ ምድንጋር ካባ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምስ ቀንጠጡዎ፣ ኤርትራዊ ነታ ዝፈትዋ ሃገሩ ተስፋ ስኢኑላ ናብ ስደት ገጹ ከም ዝጠመተ፣ ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተዘርገሐ ጽሑፋት ብዝርዝር ተገሊጹ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ’ውን እግሪ እግሪ ናይቲ ዝስደድ ዝነበረ ኤርትራዊ እናሰዓበ፣ መምስ ኩነታት ናይተን ሃገራት ዝኸይድ በታኒ ፖሊሲ ይሕንጽጽ ምንባሩ፣ ኣብቲ “ተራን ምጥርናፍ መንእሰያትን…” ኢለ ዝጸሓፍኩዎ ተኸታታሊ ጽሑፋት ብዝርዝር ገሊጸ ነይረ። እቲ ንኹሉ መሰናኽላት ህግደፍ ፈንጢሱ ዓዲ-እንግሊዝ ዝኣተወ ኤርትራዊ ድማ፣ ከም ኩሎም ኣሕዋቱ፣ እቲ ኣዕናዊ ፖሊሲታት ህግደፍ ከምዘይንሕፎ ፍሉጥ ኢዩ።ኣይነሓፎን ድማ።

 

ክሳብ ከበቢ 2000 ዓ.ም ኣቢሉ፣ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝነብር ዝነበረ ኤርትራዊ ኣዝዩ ውሑድ፣ ካብኡ ናብኡ ድማ፣ ኣብታ ቀንዲ ከተማ (ሎንደን) ዝጸዓቐ ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ምእሳር ጉጅለ 15ን፣ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ሃጓፍን፣ ብብዝሒ ዓዲ-እንግሊዝ ክኣትዉ ዝጀመሩ፣ እቶም ብውሑዱ’ውን ገንዘብ ዝጸንሖም ኣብ ሃገራት ኣዕራብን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ዝጸንሑ ኣሕዋት ኢዮም። እዚኣቶም ስደት ዘስተማቐሩን፣ ኣብቲ ዘዝነበርዎ ሃገራት ድማ ብዘይካ‘ቲ ብመንፊት ተነፊዩ፣ ጸጽቡቑን ተጋኒኑን ጥራይ እምበር፣ ዝኾነ ሕማቕ ናይ ህዝባዊ ግምባር ዝንገሮም ኣይነበሩን። ብገለ እንተ ሰምዑዎ’ውን “ስምን ክብርን ናይቲ ውድብ ንምጥፋእ’ዩ” ካብ ምባል ሓሊፎም ንኣረኣእያኦም ዝቕይር ኣይነበረን። ብኻልእ ኣዘራርባ ንዓኣቶም ስደት ማለት፣ ካብ ሓንቲ ትሑት መነባብሮ ዘለዋ ሃገር፣ ናብ ካልእ ዝሓሸ መነባብሮ ዘለዋ ሃገር ምቕያር እምበር፣ ምስ ምህላውን ዘይምህላውን ዝተኣሳሰር፣ ናይ ሞትን ሕየትን ሕቶ ኣይነበረን። ቀልጢፉ ወረቐት እንተሰሊጡዎም (መንበሪ ፍቓድ ምስ ሓዙ) ናብ ኤርትራ እናተመላለሱ “ካብ ወጻኢ ዝመጹ ኢዮም” ክበሃሉን ኣብ ጎደናታት ኤርትራ ሸናዕ ምባል ከምልጦምን ዝደልዩ ኣይኮኑን። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ንኹሎም ዝምልከት’ኳ እንተዘይኮነ፣ ንመብዛሕትኦም ዘጠቓልል ምዃኑ ግን ዘተሓትት ኣይኮነን። እዚ ክብ ኢለ ዝገለጽክዎ ኣመጻጽኣ፣ ኣብቲ ድሒሩ ዝቕጽል ፖለቲካዊ መስርሕ ተራ ክህልዎ ኢዩ።

 

እቲ ምረት ምሕደራ ህግደፍ ብቐጥታ ዘረኻኸበሉ፣ ዶብ ሃገሩ ሰጊሩ፣ እግሩ ናብ ዝመርሖ ‘ሃጽ’ ኢሉ፣ ብጥራይ ከብዱ ሃሩር ምድረ-በዳን ባሕርን ጠሓሒሱ ዓዲ-እንግሊዝ ዝኣተወ ኤርትራዊ ግን፣ ከይፈርሐን ከይተሾቕረረን ዘዕርፈላ ሃገር፣ ማዕረ- ማዕርኡ ድማ ነቶም ጠዋሪ ስኢኖም ኣብ ገዛ ተዓጽዮም ዝገደፎም ወለዱን ደቑን ንምሕጋዝ፣ ሰሪሑ ገንዘብ ክሰድድ እምበር፣ ናብ ጎደናታት ኤርትራ ገጽካ ምጥማት ዝምልከቶ ኣይኮነን። ብውሑዱ ኣብቲ ዝኣተወሉ እዋን። እዚ ጉጅለ’ዚ ድሒሩ ኢዩ ናብ ጎደናታት ዓዲ-እንግሊዝ ፈሲሱ።

 

እቲ ሳልሳይ ጉጅለ ድማ፣ እቲ ብመርዓን ነቲ “ምጥርናፍ ስድራ-ቤት (family Re-union)” ዝብል ዓንቀጽ ሕቡራት ሃገራት ተጠቒሙ ዝኣተወ ኢዩ።

 

ኣብቲ ኣነ ዘርከብክሉ እዋን (2002 ክሳብ 2004) ብፍላይ ካብ ሎንደን ወጻኢ፣ ቋንቋኻ ዝዛረብ ኤርትራዊ ምርካብ፣ ልክዕ ከም ኣቦኻን ኣደኻን ወይ ሓውኻን ሓፍትኻን ዝረኸብካ ኮይኑ ዝስመዓካ እዋን ነይሩ ኢዩ። ኣብ መንገዲ ሕልፍ ክትብል፣ ደም ኤርትራዊ ዘለዎ ሰብ ዝመስል እንተርኢኻ፣ ካልእ ዓሌት ከይከውን እናፈራሕካ “ሓበሻ ዲኻ?” ዝብል ሕቶ ምሕታት ልሙድ ነይሩ። እቲ ሰብ ኣበሃህላኻ ምርዳእ ኣብዩዎ ክደናገር እንተርኢኻዮ “sorry“ ትብል ናይ እንግሊዘኛ ቃል ደርቢኻሉ ትዕዘር። ቋንቋኻ ሰሚዑ ብትግርኛ፣ ኣምሓርኛ ወይ ካልእ ናብኡ ዝቐረበ ዝርድኣካ ቋንቋ እንተመሊሱልካ ግን፣ ተሓቛቚፍካ ትሰዓዓም። ቍጽሪ ተለፎን ተለዋዊጥካ፣ ትራኸበሉ ቦታ ተቛጺርካ ድማ ትፈላለ። ሽግርካ ተካፍሎ፣ ሓወይ/ ሓፍተይ እትብሎ ሰብ ብምርካብካ ድማ ኣዚኻ ትሕጎስ። ብቛንቋ ዝረዳዳእ ኤርትራዊ ኮነ ኢትዮጵያዊ እናተራኸበ፣ ብዛዕባ ዘጋጥምዎ ጸገማትን ኣፈታትሐኦምን ሓቢሩ ክዝቲ ልሙድ ነይሩ። እዚ ኩነታት’ዚ ዳርጋ ኣብ ኩለን ከተማታት ዓዲ-እንግሊዝ ተመሳሳሊ ስለ ዝኾነ ድማ፣ ነዛ ዝነብረላ ከታማ (በርሚንግሃም) ከም ኣብነት ወሲደ ክዛረብ ኢየ።

ከተማ በርሚንግሃም

ከተማ በርሚንግሃም ብዕብየታ፣ ድሕሪ ሎንደን ብኻልኣይ ደረጃ እትስራዕ፣ ዳርጋ ፍርቂ ካብ ተቐማጦኣ ናይ ስደተኛ መቦቆል ዝሓዘ ኢዩ። ኣብቲ ልዕሊ 3.7 ሚልዮን ኣቢሉ (ገምጋም 2012) ዝኸውን ተቐማጣይ ናይታ ከተማን ከባቢኣን፣ እቲ ንጣር ዝረአ ኤርትራዊ፣ ገና ሓድሽን ጀማርን ስለ ዝኾነ ብንጹር ኣብቲ ሕብረተ-ሰብ ዝረአ ፖለቲካዊ ይኹን ቁጠባዊ ጽልዋ የብሉን። ኣብቲ ኣነ ናብዛ ከተማ ዝመጻእኩሉ እዋንን (2003/04 ዓ.ም) ድሕሪኡን፣ ዳርጋ ኩሉ ብቋንቋ ዝረዳዳኣ ኤርትራዊ ኮነ ኢትዮጵያዊ ሓቢሩ ክጻወት፣ ከዕልል፣ ወረቐት ሰኒዕካ ስራሕ ብዛዕባ ዝርከበሉ ኣገባብን ቦታን ሓበሬታ ክለዋወጥ ምርኣይ ልሙድ ነይሩ። ምስ ግዜ ሰብ እናበዝሐ ምስ ከደ ድማ ከም መርዓ፣ ሕጸ፣ ጥምቀት ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ሕቶታት ክስዕቡ ባህርያዊ ኢዩ።

 

ኣብ ኩሉ ርክባትናን ማሕበራዊ ህይወትናን ድማ ይትረፍ ኣብቶም ዝኾነ ፍልልይ ዘይብልና ኤርትራውያን፣ ምስቶም ለይትን ቀትርን ብህግደፍ ክጽረፉ ዝውዕሉ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋት’ውን መዓልልትን መኻፍልቲ ሽግርን ምንባርና ክገልጽ እፈቱ። እቶም ኣብ ጎላጉል ባድመ ብጠያይት ዝቆሻመዱ ዝነበሩ መንእሰያት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይተረፈ፣ ነናይ ሃገሮም ጋንታታት ኣቚሞም ብሓባር ኩዕሶ እግሪ ክጻወቱ ምርኣይ ልሙድ ነይሩ። ተጋ/ ተስፋሚካአል ገራህቱ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚን ነዚ ክዘርግን ኢዩ ብህግደፍ ተላኢኹ።

 

ቀጺለ ኣብዛ ከም ኣብነት ዝወሰድኩዋ ከተማ በርሚንግሃም፣ ኣብቲ ኤርትራዊ ሕ/ሰብ በብቑሩብ ዝማዕበለ ባህርያትን፣ ተራ ተስፋሚካአል ገራህቱ ኣብቶም ዝተራእዩ ሓደስቲ ምዕባሌታትን፣ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት፣ ሃይማኖት፣ ፖለቲካ ወዘተ ከፋፊለ ክዛረብ ኢየ።

 

 

…..  ይቕጽል

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • simerrr2012 May 12, 2014

    I can’t remember where and when but I did hear someone talking about the character of Higdef. higdef always talk one and does exactly the opposite of that. This reminded me about the Ideal man of Higdef style. Wedi Geratu meant by Ideal man is.. the young man who never raise his voice to speak for his right, a young man paralyzed with fear and torture, a young man who only answer yes sir to higdef, a young girl who put down her cloth when an higdef officer or high ranking with law IQ want to rape her, a young man who never has vision, a young man who never ask question, a young man who never say why, a young man who spy on his own family member, a young man who see no alternative to higdef, a young man dance when monkey talk. Wedi Geratu, Sophia Tesfamariam from USA, Tesfamariam Tekeste from Israel, Sirak Bahlibi, and Tewodros Goitom are the one who work day and night to manipulate the Europe and America born Eritreans , most of them are children of hademti from the 70th and 80th , to use them for their anti-America , anti-western propaganda and to use them for their higdef agenda as if they have the support of Eritreans diaspora. Ideal man higdef style.

  • araya May 12, 2014

    I still miss part one!!!

  • wedi nakfa May 12, 2014

    ኣቶ ታደሰ ናብ ምንታይ ንምብጻሕ ኢኻ ቀዳማይ ካልኣይ ሳርልሳይ ክፋል እንዳበልካ ታተ ትብል ዘለኻ፧ ንባብ ትሕዝቶ ጽሑፍካ ቅንእኻ ኣብ ልዕሊ ወዲ ገራህቱ እንተኮይኑ ሕጂ ውን ካብ ኣምባሳደር ናብ ሚንስተር ክሰጋገር እዩሞ “ኣብ ክሳድካ እቲ ገመድ ከይሕርክኸካስ ብእግርኻ ተሓነቕ።” እዚኣ ክሳብ ራብዓይ ክፋል ጽሑፍካ፣ ጽቡቕቲ ህያበይ ነዓኻ ኢያሞ ግርም ጌርካ ኣኮማስዓያ።

    • Tes May 12, 2014

      You are unbelievable! HGDEF is finish soon. You think wedi gherahtu to be minster wey gud!!!! There is no post of minster in eritrea anyway. He can have a title but not the authority! Ezi afnag… he can lie but not manage

  • keren May 12, 2014

    ወዲ ናቕፋ ወይሓሶት ወዲ ናቕፋ ኣይኮንካን ናይ ታደሰ ሓዲግካ እዚ ድሁል ወዲ ገራህቱ ዝብሩቕ በዓል እከጃህ ስልጣን ዝሃርፍ ሰብ እዩ ዘበነ ግርምቢጥ ኮይኑ እንበር ሚኒስተር ዘይኮን ዋርድያ ኣይበቅዕን እዩ፡፡ እቲ ዘሕዝን ዉድብ ህዝባዊ ግንባር ዉዱብ ጀጋኑ ብኣካን ከማካን ብወዲ ገራህቱ ዝብሩቓት ምዉራሩ እዩ ኣምልኵቲ ኢስያስ እምበር ፈተዉቲ ኤርትራ ኣይኮንኩምን፡፡ ንኩሉ እሰሪኩም ሞቒሕኩም ዓዲ ባዶ ተሪፋ፡፡

    • ወዲ ናቕፋ May 14, 2014

      Keren ከረን፣ “ደርሆስ በምዑት ደቃ ትጻወት” ከም ዝበሃል፣ ንስኻ ብሞያ ጀጋኑ ኤርትራውያን ኣሕዋትካ ከም “ወዲ ገራህቱ” ካብ ምሕባንሲ፣ ኣብ ዕላማ ወያኔ ብምርዓም ኣብ መንጎ ህግን ህግደፍን ፍልልይ ከምዘሎ ኣምሲልካ ንለኣኽትኻ ከተሐጉስ ጅግንነት ኣያታትካ በዓል ወዲ ገራህቱ ከተከማሻውሽ ምፍታንካ እምበርዶ ብሓቂ ወዲ ኤረይ ኢኻ፧ ብዝኾነ ነዓኻን መሰልትኻን ህዝቢ ኤርትራ እቅረ በሃሊ ኮይኑ ምሕረቱ ከም ዝምጥወልኩም እኳ ፍሉጥ እንተኾነ፣ እቲ ከተገልግልዎ ዝሓጸየኩም ግን ከም “ብዕሪር”(ማስትኪካ) ሓይኹ ጡፍ ዝብለኩም መዓልቲ ርሑቕ ከምዘይኮነ ማሕበርካን ዓሰብትኹምን ክትፈልጥዎ ዝግባእ ሓቂ ኢዩ። እምበር ህግደፍን ህዝባዊ ግንባርን ዘይነጻጸሉ “ክልተ ገጻት ናይ ሓደ ባጤራ” ኢዮም። ይዋኣያ ከረን ብስማ ዝተጸወዐት ደፊረካ ከይከውን ኣይትሓዘለይ። ከመይሲ ኣቱም ዝግበኣካ ከይትኸውን።

      • 24 ጉንበት May 14, 2014

        ወዲ ናቅፋ ኣደ ነዓኻ ወሊዳ ትምከን ኣማን ብ ኣማን ኤርትራዊ

  • ተወልደመድህን May 12, 2014

    ዝከበርካ ታደሰ ጽሑፍካ ዝስማዕ’ዩ። ኤርትራ ብዲፕሎማሲ ካብ ዓለም ተነጺላ ዘላ ሃገር’ያ።ስለዚ ኤምባሲታት ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳን ኤሜሪካን፡ንሃገሮም ወኪሎም ዝሰርህዎ ዲፖሎማሲያዊ ስራሕ የለን።ምናልባት ስራሖም ዲፖሎማሲ ምኳኑ ዘይምፍላጥ’ውን ይኸውን። እቲ ቀንዲ ከም ስራሕና ኢሎም ዝተተሃሃዙዎ፡ብፖለቲካዊ መዳይ ዜጋታት ምፍልላይን ምጉጅጃልን’ዩ።ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ንዝተሳተፉ ዜጋ ታት ብሓይሊ ብጎነጽ ካብ ኣኼባ ምስጓግ፡ዜጋታት ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ምእንቲ ከይሳተፉ ብውሽጢ ውሽጢ ግጭትን ባእስን ዝፈጥር ቃላት ምንዛሕ።ኣብ ክንዲ ድፋዕን ተሓለቕቲ ዜጋታት ዝኾኑ፡ኣብ ክንዲ’ቲ ውጹዕ ስደተኛ ዜጋኦም ኮይኖም ጸገማት ዝተሓባበሩ፡ብሰንኪ ኣባልና’ዩ ኣባልና ኣይኮነን ወይ ወይ 2% ዚኽፍል’ዩ ኣይከፍልንዩ ኢሎም ታሪኽን ኩነታት ዜጋታት ምክትታልን፡ኣብ ቤትጽሕፈቶም ፋይላት ምእካብ’ዩ።ነዚ ዘሳልጡሎም ከኣ እቲ፡ንረብሓ ስደተናታት ተባሂሉ ዝቖመ ማሕበረ ኮማት ሰሊኾም ብምእታውን ነቶም ግቡዛት ዝኾኑ ወዲቦም፡ነቲ ማሕበረ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ብምእታውን፡ኣብ ውሽጢ’ቲ ኤባሲ ከኣ ነዚ ናይ ማሕበረ ሰባት ዝከታተሉ ፍሉያት ሰባት ብምውዳብን ባጀት ብምስራዕ ንኤርትራዊ ነንሕድሕዱ ከይተሃጋገዘን ጸገም ስደት መፍትሕ ዝኾኖ ሜላን ሓበረታን ከይወሃሃብ ፈላልዮሞ።ብሰንኪዚ ስራህዚ ክብሪ መንነት፡ክብሪ ዜግነት ኣብ ዕዳጋ ኣውሪዶም፡ኣብ ገሊኡ ነቲ መግለጺ መንነት መንጢሎም ሕይወት ኤርትራውያን ዘበላሽው ናይ ጥፍኣት ሃዋርያ ኢዮም።…………….ስለዚ ጽሑፍካ ኣማን ብ ኣማን ዚስማዕ’ዩ።

  • THE NOBLE TEACHER May 12, 2014

    “ኢትዮጵያ ኣደይ፣_______ክቡር ሱፍ እንተኸደነትኒ
    ንዕኡ ደርብየ,ወደኹ, ኣረጊት ሙታንታ ኢሳያስ ዝሃበኒ ”

    ካብ ንእስነቱ ሉባ___________ ብጃንሆይ ዝተለለ
    ኣኩኡ ወሎ ከምሓድር __________ ደሴ ዝተማህረ
    ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ _________ምህሮኡ ከየጠቓለለ
    ብኑጉሰ ነገስትን ብ CIAን ________ንሜዳ ዝተመወለ
    ብሽም ክርስትያን ,______ኣቢሲንያዊት ውድብ ዝተኸለ
    ን”ሃይማኖታዊት” ጀብሃ _________ካብ ገድሊ ዘባረረ
    ምስ ወያነ ,ሓንቲ ባእሱ________ ኢትዮጵያ ዘየምሓደረ
    እምበር ኣነ ገልዳምሲ Disposible Condom እየ ኔረ !!!

    ክስዕሙኒ ኣብየስ _______ ስሒቦም ከላህሙኒ
    ክብረትን ትምህርትን _____ ውሰድ እንተሉኒ
    ጣፍ ሽረን ጎጃምን, ቡን ከፋ ____ናይ ዝቐለቡኒ
    እኒ ቆንጂት,ዓይኒ ፍንጃል___ የኔ ኣለም እንዳላኒ
    ጨቆንቲ ኤልኩዎም__ ኩርማጅ ፋሽሽቲ ናፊቑኒ
    በረኻ ኣንጻር ጥቕመይ __ኮለል ክብል ምስ ርኣዩኒ
    ወያነ፣ፊርማ መጽወቱለይ_____ ዳህያ ዘእትወኒ
    ንሶም ጠፈር ይኸዱ ኣነን ትሕቲ መሬት ዓጽዮምኒ
    ደቀይ ዝለከምክዎም _______ ሎምስ ኣሕዚኑኒ !!!

    ኢትዮጵያ ኣደይ፣___ክቡር ሱፍ እንተኸደነትኒ
    ንዕኡ ደርብየ ፣ኣረጊት ሙታንታ ኢሳያስ ዝሃበኒ
    ወደኽዎ ፣_______ናይ ሓድሽ መንነት መሲሉኒ
    ለካ ክልቲኡ_______ ንኣቢሲንያ እዩ ከእትወኒ
    ከፍቅሩኒ ተሓሲመስ ወዲ ኣፎም ብፍረነብሰይ ክጎተኒ
    ክመጸኪ እየ , ግን ይፈልጥየ ኣብ ደቅኺ ከም ዘይተቕርብኒ
    ሕማም ተላገብ- በደዊን __________ ስለዝወገረኒ
    ኣይፈርደልክን፣________ምስ ሞትኩ ጥራይ ቅበርኒ !!!

    The brilliant ,wise..yet sad….
    UNCLE TNT

  • araya May 12, 2014

    Nobel teacher you are just dreaming, go clean your Ethiopia house, who is killing civilian (oromo),trying to give permission same sex;;;etc ,,, your people got deported with no respect from Saudi Arabia,,,,

  • kibrom May 13, 2014

    raza nayebua hiza nay men dea kitwesdu nay amanuel sheyat hageru ember wedi gerahtu dea kem tegadalm harbenga kem ambasader kea meut diplomasegna kenakin dea awlo,mase tiray zfelit mesilkin wekaru

  • kibrom May 13, 2014

    raza nayebua hiza nay men dea kitwesdu nay amanuel sheyat hageru ember wedi gerahtu dea kem tegadalm harbenga kem ambasader kea meut diplomasegna kemakin dea awlo,mase tiray zfelit mesilkin wekaru

  • gebre1 May 18, 2014

    Ato Tadess yor article is very interesting, I am happy the way you put it. I expect you to write in detail about Birmingham, wedi Gerahtu is in a miss, his wife is in Eritrea so he needs to go back, he couldn’t seek asylum. He tried to set up community in Birmingham to use as an instrument but failed. Because hgdf member has no capacity to do it becomes clear and wedi G start to use church as an instrument to hit his target. Tadess you might go through the church issues.

POST A COMMENT