Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ – 3ይ ክፋል

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ "ሻምፕዮን ናይቲ በታኒ ፖሊሲ"                   ታደሰ ኪዳነ      በርሚንግሃም                   3ይ ክፋል      11/05/2014   ኣብ 2ይ ክፋል በዛ እትስዕብ ኢየ ተፋንየኩም፦ “ከምቲ ኣብ መእተዊ ጽሑፈይ ዝበልኩዎ፣ እዚ ተገላቢጦሽ ናይ ወዲ-ገራህቱን ናይ ቢትወደድ ኣብርሃን ኣብነት፣ ናይ

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

“ሻምፕዮን ናይቲ በታኒ ፖሊሲ”

                  ታደሰ ኪዳነ      በርሚንግሃም

                  3ይ ክፋል      11/05/2014

 

ኣብ 2ይ ክፋል በዛ እትስዕብ ኢየ ተፋንየኩም፦

“ከምቲ ኣብ መእተዊ ጽሑፈይ ዝበልኩዎ፣ እዚ ተገላቢጦሽ ናይ ወዲ-ገራህቱን ናይ ቢትወደድ ኣብርሃን ኣብነት፣ ናይ ኩሎም’ቶም ቀደም እንፈልጦም ሎሚ ዘይንርእዮም ሓለፍትን ብሓደ ወገን፣ ናይቶም ሕጂ ዓቢ ሹመት ተዋሂቡዎም ኣብ ዘይወዓልዎ ታሪኽ ክምድሩ እንሰምዖም ዘለና ተረኽትን ድማ በቲ ኻልእ ኢዩ።”

… 3ይ ክፋል ይቕጽል

 

ትምህርታዊ ፖሊሲ ኤርትራ ኣብ ዘመነ ተስፋሚካኤል ገራህቱ

ኣብቲ ድሕሪ ናጽነት ብወዲ-ገራህቱ ዝህንደስ ዝነበረ መስርሕ ትምህርቲ ኤርትራ፣ ከም መምህር፣ ርእሰ-መምህር (ዳይረክተር)፣ ሱፕርቫይዘር፣ ንሓጺር እዋን’ውን ኣብ ምውህሃድ ትምህርቲ ንዓበይቲ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ጨንፈር ባጀትን ሕሳብን (ቤት-ጽሕፈት ናይ ሓንቲ ኣውራጃ) ኮይነ ሰሪሐ ኢየ። ስለዚ ኣብ ኩሉ’ቲ ኣብ ዘመነ ገራህቱ ዝነበረ መስርሕ ትምህርቲ፣ ናይ ማዕዶ ተዓዛባይ ዘይኮንኩስ፣ ቀጥታ ተዋሳኢ ምንባረይ ክገልጽ እፈቱ። ኣብቲ ኣነ ዝነበርኩሉ ማለት ካብ 1991 ክሳብ 2000 ዓ,ም ዝነበረ 10 ዓመታት፣ ኤርትራ፣ ምወላ ዝርከቦ ናይ ዩነስኮን ዩኤንዲፒን (UNESCO & UNDP) ዝበሃላ ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ደገፍን ተቐባልነትን ብዝህልዎ መደባት ዝጽሎ እምበር፣ ናይ ባዕላ ዝሰርሕ፣ ብውጥን ዝምራሕ ትምህርታዊ ፖሊሲ ነይሩዋ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን።

 

እቲ ጸገም ዝኸውን፣ እዚ ፖሊሲታት ክወዓዋዕ ከሎ፣ ነቲ በተን ትካላት ው.ሕ. ሃገራት ዝወሃብ ገንዘብ ኣብ ምርካብ ጥራይ ዝውሰን ምንባሩ ኢዩ። ኣብዚ ከኣ ኢዩ ዘይብቕዓት ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ሚኒስትሪን፣ ተስፋሚካአል ገራህቱ ድማ ከም ሃንዳሲን ዝንቀፉ። እቲ ገንዘብ ምስ ተረኽበ፣ ብዉሑዱ ውሽጣዊ ሃገራዊ ውጥን ሃልዩ፣ በብዓመቱ ጭቡጥን፣ ውጽኢቱ ዝግምገምን ኣሰራርሓ ከተኣታትዉ ዘይምፍታኖም ኢዩ። ምትእትታው ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ከም ዝነበሮን ትስፋሚካአል ገራህቱ ድማ ብምእዙዝነቱ ከም ዝሕረን እውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።

 

ዳርጋ ኩሉ ሰብ ብማዕከናት ዜና ከም ዝከታተሎ፣ በብዓመቱ ኩሎም ርእሰ-መማህራን (ዳይረክተራት)፣ ሱፐርቫይዘራት፣ ሓለፍቲ ንኡስ-ዞባታት፣ ሓለፍቲ ዞባታትን ኩለን ጨናፍር ሚኒ/ትምህርትን ዝሳተፈኦ ዓመታዊ ገምጋም ትምህርቲ ይካየድ ኢዩ። ኣብዚ ኣኼባታት’ዚ ኩሎም ሓለፍቲ ትምህርቲ ዞባታት፣ ብስታቲስቲክስ ዝተሰነየ ናይ ተማሃሮ ምሕላፍን ምትራፍን፣ ኣብ መስርሕ ዘጋጠመ ጸገማትን ኣፈታትሖኦምን ብዝርዝር የቕርቡ ኢዮም። መብዛሕትኡ’ቲ ጸገማት ካብ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ሚኒ/ትምህርት ዝብገስ ስለ ዝኾነ ድማ ለበዋታት ይቐርብ ኢዩ። ገለ ካብኡ፣ መምሃሪ መጻሕፍቲ ውሒዱ፣ እቲ ዝርካቡ’ውን ኣብ ግዜኡ ይበጽሓና የሎን። ዋሕዲ መማህራን ኣሎና፣ ደሞዝ መማህራን መንግስቲ ኣቓልቦ ይግበረሉ ወዘተ ዝብሉ ይርከቡዎም። ኩሉ’ዚ ድማ ጭቡጥ መልሲ ዘድልዮ ሕቶታት ኢዩ። ዓመት መጸ ስለዝቐርብ ድማ ንወዲ-ገራህቱን ላዕለዎት ሓለፍቲ ትምህርትን ሓዲሽ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ንኣብነት ዝርካቡ መጻሕፍቲ ኣብ እዋኑ ከምዝበጽሕ ምግባር፣ ተስፋሚካአል ገራህቱ ምስቶም ዝምልከቶም ሓለፍቲ ተመኻኺሩ ክገብሮ ዘይክእል ኣይኮነን። ነዚ ንምግባር ግን ድፍረት ይኹን ድሌት ኣይነበሮን።

 

እቲ ዘገርም፣ እቲ ዕለት ናይ ኣኼባ’ውን ዝውስን ተስፋሚካአል ገራህቱ፣ ንንውሕ ዝበለ እዋን ኣብቲ ሚኒስትሪ ንዘሎ ዝርካቡ መጻሕፍቲ ኣንቢቡ፣ ነቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ተገይሩ፣ ውጽኢት ተረኺቡዎ ዝብሎ ነጥብታት ኣኪቡ “ናይዚ ዓመት’ዚ መደብና…” ኢሉ ብምጅማር፣ ትምህርታዊ ክልሰ-ሓሳብ ክምህር ንዝበዝሐ ሰዓታት ናይቲ ኣኼባ ይሕዞ ምንባሩ ኢዩ። ኣብ ኩሉ’ቲ መግለጺታቱ፣ ነቲ ኣንቢቡ ዝኣከቦ ነጥብታት ኣቀናቢሩ “እዚ ክንገብር ኢና፣ ኩሉ ጻዕርታትና ናብ ከምዝን ከምዝን ንምብጻሕ ኢዩ” እናበለ ብትምህርታዊ ክልሰ-ሓሳብ ካብ ኩሎም’ቶም ኣብቲ ኣኼባ ዘለዉ፣ ብዘይካ በቲ መንግስቲ ዝተዳለወ ጽሑፋት፣ ካልእ ዘመናዊ መጻሕፍቲ ከንብቡ ዕድል ዘይረኸቡ ሓለፍትን ካልኦትን (ኣነ’ውን ኣብቲ ዝነበርኩሉ እዋን) ንሱ ልዑል ክልሰ-ሓሳባዊ ዕምቘት ከምዘለዎ ከርኢየና ይጽዕር። ኣብ መወዳእታ ናይቲ ኣኼባ፣ በቲ በብዓመቱ ዘጋጥመካ ጸገማት ፍታሕ ብምርካብካ ዘይኮነስ፣ ገራህቱ ንዝህቦ ኣስተምህሮ ሰሚዕካ ትምለስ። ኣብ ምውዳእ ናይቲ ኣኼባ “እዚ ወዲ ብዙሕ ኣንቢቡ ኢዩ፣ ብፍልጠት ዝወዳደሮ የለን” ዝብል ናይ ኣዝዮም ውሑዳት ሰባት ዘረባ ገዲፍካ፣ ነቶም ዘጋጥሙና ጭቡጣት ጸገማት፣ ጭቡጥን ዘተኣማምንን ፍታሕ ረኺብናሎም ዝብል ሰብ ኣይትረክብን (ዋላ’ውን ብዝተሓተ ደረጃ)።

 

ብኸምዚ ድማ ልክዕ ከምታ ኣብ 1988 “the question of Ideal man” ዝብል ኣርእስቲ ኣምጺኡ፣ ምስ ኣስማት ዝተፈላለዩ ፈላስፋታት እናኣተኣሳሰረ “ድሕሪ ናጽነት ዝህልወና ትምህርታዊ ፖሊሲ ‘ብቑዕ ሰብ’ ንምፍራይ ኢዩ” ዝበለና ገራህቱ፣ ድሕሪ ናጽነት’ውን ኣብ ዝግበሩ ዓመታዊ ናይ ገምጋም ኣኼባታት፣ ምስ ጭቡጥ ትምህርታዊ ኩነታት ኤርትራ ዘይከይድ መደረታት ብምቕራብ፣ ንሱ ልዕሊ ኩሉ ኣብቲ ኣኼባ ዘሎ ሰብ ዝበለጸን ዝዓሞቐን ፍልጠት ከም ዘለዎ ከእምን ኩሉ ዝከኣሎ ገይሩ ኢዩ።

 

ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፣ እቲ ብዓንተቦኡ’ውን ኣንጻር ትምህርትን ፍልጠትን ዝነበረ ወዲ-ገራህቱ፣ ካብ 1991 ክሳብ 2000/1፣ ኣብ ሚኒ/ትምህርቲ ዳይረክተር ጀነራል ብምዃን፣ ንኩሉ ትምህርታዊ ብቕዓት ኤርትራ ረሚሱዎ ኢዩ። ምስ ምእሳር እቶም ሓብሒቦም ዘደየብዎ በዓል በራኺ ድማ ዝያዳ እሙን ናይ ኢሰያስ ብምዃን፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኮይኑ። ኣብኡ ምስ ከደ ድማ፣ ንሕቶታት ናይቶም ብማህደረ ትምህርቲ ዝኸዱ መንእሰያት ኣብ ምድቋስ ዝተጻወቶ ተራ ተጻዊቱ ኢዩ።

 

ብመንጽር’ቲ ኣብ 1988 ዝነበረ ክረምታዊ ኮርስ “እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝህልወና ትምህርታዊ ፖሊሲ፣ ሓደ መትንታቱን ጭዋዳታቱን ብግቡእ ዝሰርሕ ‘ብቑዕ ሰብ’ ንምፍራይ ኢዩ” ዝበለና ገራህቱ፣ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ሓሊፉ፣ ኣብ መሬት ካልእ ሃገር (ደቡብ ኣፍሪቃ) “ብሰንኪ ወዲ-ገራህቱ ኣዕጽምቲ ክሳድና ተሰይሩ” ዝብሉን ጎዝጓዝ ኣብ ክሳዶም ዝገበሩን መንእሰያት ተዓዚብና። ወዲ-ገራህቱ ነቲ በቶም ኣብ ደቡብ-ኣፍሪቃ ዝነበሩ ተማሃሮ ዝቕረበ ቀሊል ሕቶ፣ ቅንዕና ዘለዎ መኽሪ ብምሃብ ከዝሕሎ ኣብ ክንዲ ዝፍትን፣ ልዕሊ ጉቡኡ ዝተመጠ ፖለቲካዊ ሕቶ ኣምሲሉ ብምቕራብ፣ ኣብ ውሽጢ’ቶም መንእሰያት ሰባት እናስሎኸ፣ ነንሕድሕዶም ከም ዘይረዳድኡን ከም ዝብተኑን ገይሩዎም ኢዩ። ብኸምዚ ድማ እቲ ንኢሰያስ ዝነበሮ ተኣማንነት ምሉእ ብምሉእ ኣረጋጊጹሉ።

 

ተስፋሚካአል ገራህቱ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እምበኣር’ዩ ወዲ-ገራህቱ፣ ብመራሒ ህግደፍ ተሓርዩ፣ ነቲ ኣብ ኤውሮጳ (ዓዲ-እንግሊዝ) ክግንፍል ጀሚሩ ዝነበረ ህዝባዊ ተቓውሞ ክደቁስ ዝተላእከ። ብልክዕ ንምዝራብ፣ ኣብቲ ንሱ ዝመጸሉ እዋን ሓያሎ ተጋደልቲ (ገለ ካብኣቶም ተማሃሮን መማህራንን ቤት/ትምህርቲ ሰውራ ዝነበሩ) ኣብቲ ምንቅስቓስ ክዓስሉ ይረኣዩ ነይሮም ኢዮም። ሓደ ካብቲ ንህግደፍ መንጸሮር ኮይኑዎ ዝነበረ ኩነታት ድማ ንሱ ኢዩ። “ሓድግታት ወዲ-ገርህቱ” ኢለ ክጽሕፍ ከለኹ እምበኣር “ሓድግታት ህግደፍ ብተኣዛዝነት ተስፋሚካአል ገራህቱ” ማለተይ ምዃኑ ኣንባቢ ክርድኣለይ እላቦ።

 

ብመንጽር’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ፣ ብዙሕ ካብ ቤት/ ጽሕፈቱ ዘይወጽእ ኣምባሳደር ነጋሲ ሰንጋል፣ ተስፋሚካአል ገራህቱ ኣምባሳደር ኮይኑ ናብዚ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ምስ መጸ፣ ህዝቢ ክብትንን ሓድሕድ ምትእምማን ክዘርግን ምኻኑ፣ ፈለጥቱ – ብንጉሁኡ ዝተጸበናዮ ጉዳይ ኢዩ። ቅድሚ’ቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ምብትታን ኤርትራውያን ኮምዩኒቲ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ፣ ኣብቲ ወዲ-ገራህቱ ዝመጸሉ እዋንን ቅድሚኡን ዝነበረ ኩነታትን ሓድሕድ ምትሕቑቛፍን ኤርትራውያን ቁሩብ ምልስ ኢለ ክዛረብ።

 

እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ናይ ዶብ ኲናት ደው ኢሉ፣ ጉጅለ 15 ድማ ነቲ መራሒ ህግደፍ ተኸዲኑዮ ዝነበረ ናይ ምድንጋር ካባ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምስ ቀንጠጡዎ፣ ኤርትራዊ ነታ ዝፈትዋ ሃገሩ ተስፋ ስኢኑላ ናብ ስደት ገጹ ከም ዝጠመተ፣ ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተዘርገሐ ጽሑፋት ብዝርዝር ተገሊጹ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ’ውን እግሪ እግሪ ናይቲ ዝስደድ ዝነበረ ኤርትራዊ እናሰዓበ፣ መምስ ኩነታት ናይተን ሃገራት ዝኸይድ በታኒ ፖሊሲ ይሕንጽጽ ምንባሩ፣ ኣብቲ “ተራን ምጥርናፍ መንእሰያትን…” ኢለ ዝጸሓፍኩዎ ተኸታታሊ ጽሑፋት ብዝርዝር ገሊጸ ነይረ። እቲ ንኹሉ መሰናኽላት ህግደፍ ፈንጢሱ ዓዲ-እንግሊዝ ዝኣተወ ኤርትራዊ ድማ፣ ከም ኩሎም ኣሕዋቱ፣ እቲ ኣዕናዊ ፖሊሲታት ህግደፍ ከምዘይንሕፎ ፍሉጥ ኢዩ።ኣይነሓፎን ድማ።

 

ክሳብ ከበቢ 2000 ዓ.ም ኣቢሉ፣ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝነብር ዝነበረ ኤርትራዊ ኣዝዩ ውሑድ፣ ካብኡ ናብኡ ድማ፣ ኣብታ ቀንዲ ከተማ (ሎንደን) ዝጸዓቐ ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ምእሳር ጉጅለ 15ን፣ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ሃጓፍን፣ ብብዝሒ ዓዲ-እንግሊዝ ክኣትዉ ዝጀመሩ፣ እቶም ብውሑዱ’ውን ገንዘብ ዝጸንሖም ኣብ ሃገራት ኣዕራብን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ዝጸንሑ ኣሕዋት ኢዮም። እዚኣቶም ስደት ዘስተማቐሩን፣ ኣብቲ ዘዝነበርዎ ሃገራት ድማ ብዘይካ‘ቲ ብመንፊት ተነፊዩ፣ ጸጽቡቑን ተጋኒኑን ጥራይ እምበር፣ ዝኾነ ሕማቕ ናይ ህዝባዊ ግምባር ዝንገሮም ኣይነበሩን። ብገለ እንተ ሰምዑዎ’ውን “ስምን ክብርን ናይቲ ውድብ ንምጥፋእ’ዩ” ካብ ምባል ሓሊፎም ንኣረኣእያኦም ዝቕይር ኣይነበረን። ብኻልእ ኣዘራርባ ንዓኣቶም ስደት ማለት፣ ካብ ሓንቲ ትሑት መነባብሮ ዘለዋ ሃገር፣ ናብ ካልእ ዝሓሸ መነባብሮ ዘለዋ ሃገር ምቕያር እምበር፣ ምስ ምህላውን ዘይምህላውን ዝተኣሳሰር፣ ናይ ሞትን ሕየትን ሕቶ ኣይነበረን። ቀልጢፉ ወረቐት እንተሰሊጡዎም (መንበሪ ፍቓድ ምስ ሓዙ) ናብ ኤርትራ እናተመላለሱ “ካብ ወጻኢ ዝመጹ ኢዮም” ክበሃሉን ኣብ ጎደናታት ኤርትራ ሸናዕ ምባል ከምልጦምን ዝደልዩ ኣይኮኑን። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ንኹሎም ዝምልከት’ኳ እንተዘይኮነ፣ ንመብዛሕትኦም ዘጠቓልል ምዃኑ ግን ዘተሓትት ኣይኮነን። እዚ ክብ ኢለ ዝገለጽክዎ ኣመጻጽኣ፣ ኣብቲ ድሒሩ ዝቕጽል ፖለቲካዊ መስርሕ ተራ ክህልዎ ኢዩ።

 

እቲ ምረት ምሕደራ ህግደፍ ብቐጥታ ዘረኻኸበሉ፣ ዶብ ሃገሩ ሰጊሩ፣ እግሩ ናብ ዝመርሖ ‘ሃጽ’ ኢሉ፣ ብጥራይ ከብዱ ሃሩር ምድረ-በዳን ባሕርን ጠሓሒሱ ዓዲ-እንግሊዝ ዝኣተወ ኤርትራዊ ግን፣ ከይፈርሐን ከይተሾቕረረን ዘዕርፈላ ሃገር፣ ማዕረ- ማዕርኡ ድማ ነቶም ጠዋሪ ስኢኖም ኣብ ገዛ ተዓጽዮም ዝገደፎም ወለዱን ደቑን ንምሕጋዝ፣ ሰሪሑ ገንዘብ ክሰድድ እምበር፣ ናብ ጎደናታት ኤርትራ ገጽካ ምጥማት ዝምልከቶ ኣይኮነን። ብውሑዱ ኣብቲ ዝኣተወሉ እዋን። እዚ ጉጅለ’ዚ ድሒሩ ኢዩ ናብ ጎደናታት ዓዲ-እንግሊዝ ፈሲሱ።

 

እቲ ሳልሳይ ጉጅለ ድማ፣ እቲ ብመርዓን ነቲ “ምጥርናፍ ስድራ-ቤት (family Re-union)” ዝብል ዓንቀጽ ሕቡራት ሃገራት ተጠቒሙ ዝኣተወ ኢዩ።

 

ኣብቲ ኣነ ዘርከብክሉ እዋን (2002 ክሳብ 2004) ብፍላይ ካብ ሎንደን ወጻኢ፣ ቋንቋኻ ዝዛረብ ኤርትራዊ ምርካብ፣ ልክዕ ከም ኣቦኻን ኣደኻን ወይ ሓውኻን ሓፍትኻን ዝረኸብካ ኮይኑ ዝስመዓካ እዋን ነይሩ ኢዩ። ኣብ መንገዲ ሕልፍ ክትብል፣ ደም ኤርትራዊ ዘለዎ ሰብ ዝመስል እንተርኢኻ፣ ካልእ ዓሌት ከይከውን እናፈራሕካ “ሓበሻ ዲኻ?” ዝብል ሕቶ ምሕታት ልሙድ ነይሩ። እቲ ሰብ ኣበሃህላኻ ምርዳእ ኣብዩዎ ክደናገር እንተርኢኻዮ “sorry“ ትብል ናይ እንግሊዘኛ ቃል ደርቢኻሉ ትዕዘር። ቋንቋኻ ሰሚዑ ብትግርኛ፣ ኣምሓርኛ ወይ ካልእ ናብኡ ዝቐረበ ዝርድኣካ ቋንቋ እንተመሊሱልካ ግን፣ ተሓቛቚፍካ ትሰዓዓም። ቍጽሪ ተለፎን ተለዋዊጥካ፣ ትራኸበሉ ቦታ ተቛጺርካ ድማ ትፈላለ። ሽግርካ ተካፍሎ፣ ሓወይ/ ሓፍተይ እትብሎ ሰብ ብምርካብካ ድማ ኣዚኻ ትሕጎስ። ብቛንቋ ዝረዳዳእ ኤርትራዊ ኮነ ኢትዮጵያዊ እናተራኸበ፣ ብዛዕባ ዘጋጥምዎ ጸገማትን ኣፈታትሐኦምን ሓቢሩ ክዝቲ ልሙድ ነይሩ። እዚ ኩነታት’ዚ ዳርጋ ኣብ ኩለን ከተማታት ዓዲ-እንግሊዝ ተመሳሳሊ ስለ ዝኾነ ድማ፣ ነዛ ዝነብረላ ከታማ (በርሚንግሃም) ከም ኣብነት ወሲደ ክዛረብ ኢየ።

ከተማ በርሚንግሃም

ከተማ በርሚንግሃም ብዕብየታ፣ ድሕሪ ሎንደን ብኻልኣይ ደረጃ እትስራዕ፣ ዳርጋ ፍርቂ ካብ ተቐማጦኣ ናይ ስደተኛ መቦቆል ዝሓዘ ኢዩ። ኣብቲ ልዕሊ 3.7 ሚልዮን ኣቢሉ (ገምጋም 2012) ዝኸውን ተቐማጣይ ናይታ ከተማን ከባቢኣን፣ እቲ ንጣር ዝረአ ኤርትራዊ፣ ገና ሓድሽን ጀማርን ስለ ዝኾነ ብንጹር ኣብቲ ሕብረተ-ሰብ ዝረአ ፖለቲካዊ ይኹን ቁጠባዊ ጽልዋ የብሉን። ኣብቲ ኣነ ናብዛ ከተማ ዝመጻእኩሉ እዋንን (2003/04 ዓ.ም) ድሕሪኡን፣ ዳርጋ ኩሉ ብቋንቋ ዝረዳዳኣ ኤርትራዊ ኮነ ኢትዮጵያዊ ሓቢሩ ክጻወት፣ ከዕልል፣ ወረቐት ሰኒዕካ ስራሕ ብዛዕባ ዝርከበሉ ኣገባብን ቦታን ሓበሬታ ክለዋወጥ ምርኣይ ልሙድ ነይሩ። ምስ ግዜ ሰብ እናበዝሐ ምስ ከደ ድማ ከም መርዓ፣ ሕጸ፣ ጥምቀት ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ሕቶታት ክስዕቡ ባህርያዊ ኢዩ።

 

ኣብ ኩሉ ርክባትናን ማሕበራዊ ህይወትናን ድማ ይትረፍ ኣብቶም ዝኾነ ፍልልይ ዘይብልና ኤርትራውያን፣ ምስቶም ለይትን ቀትርን ብህግደፍ ክጽረፉ ዝውዕሉ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋት’ውን መዓልልትን መኻፍልቲ ሽግርን ምንባርና ክገልጽ እፈቱ። እቶም ኣብ ጎላጉል ባድመ ብጠያይት ዝቆሻመዱ ዝነበሩ መንእሰያት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይተረፈ፣ ነናይ ሃገሮም ጋንታታት ኣቚሞም ብሓባር ኩዕሶ እግሪ ክጻወቱ ምርኣይ ልሙድ ነይሩ። ተጋ/ ተስፋሚካአል ገራህቱ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚን ነዚ ክዘርግን ኢዩ ብህግደፍ ተላኢኹ።

 

ቀጺለ ኣብዛ ከም ኣብነት ዝወሰድኩዋ ከተማ በርሚንግሃም፣ ኣብቲ ኤርትራዊ ሕ/ሰብ በብቑሩብ ዝማዕበለ ባህርያትን፣ ተራ ተስፋሚካአል ገራህቱ ኣብቶም ዝተራእዩ ሓደስቲ ምዕባሌታትን፣ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት፣ ሃይማኖት፣ ፖለቲካ ወዘተ ከፋፊለ ክዛረብ ኢየ።

 

 

…..  ይቕጽል

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • mahta July 7, 2014

    Ayeeeee entay kon gerenakum eyen bezen adi jeganu tshiktu keren eba nakfa tblu aytleflfu men ygudae alo men ygode alo bzaeba ety ztefee zelo hzbi gday haki zey tzarebu ember do aemrokum btkkl yserh alo entedea nay bhaki eritrawian koinkun ykreta ente kones bta hagern hzba mtfae zhgosu dea kfelaluya elom bzuh mefelali kealmu eyom zweelun zhadrun ember hade hade gzie ezom antsar hgin fthin selam hzbn tshfu deki zega malet eretrawyan aymeslenin wedehankum

POST A COMMENT