ሓድሽ ስናዕ፡ ማሕበር ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ ፡ ንጥፍኣት ስምረት ዝዓለመ ድዩ?
ሓድሽ ስናዕ፡ ማሕበር ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ ፡ ንጥፍኣት ስምረት ዝዓለመ ድዩ? ኣብ መደበር ኣሰና ብኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ(EMC) ኢሉ ባዕሉ ዝሰየመ ማሕበር ኣውጺእዎ ዘሎ መግለጺ ዘስደምም ኮይኑ ረኺበዮ፡ ፤ ጽሑፉ ክጅምሮ ከሎ ብጸለመ ስለ ዝጀመሮ መጀመርያ ጉጅለ መንእሰያት
ሓድሽ ስናዕ፡ ማሕበር ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ ፡ ንጥፍኣት ስምረት ዝዓለመ ድዩ?
ኣብ መደበር ኣሰና ብኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ(EMC) ኢሉ ባዕሉ ዝሰየመ ማሕበር ኣውጺእዎ ዘሎ መግለጺ ዘስደምም ኮይኑ ረኺበዮ፡ ፤ ጽሑፉ ክጅምሮ ከሎ ብጸለመ ስለ ዝጀመሮ መጀመርያ ጉጅለ መንእሰያት ህግደፍ መሲሉኒ ንሓደ ሓደ ሰባት ደዊለ መንነቶም እንተ ሓተትኩ ግን እቲ ዝሓሰብክዎ ኣብ ሽም ተጋግየ ከምዝነበርኩ እኳ እንተፈለጥኩ ኣብ ትሕዝቶ እቲ ጽሑፍ ግን ወሪድዎም መንእሰያት ህግደፍ ክሳብ ክንድዚ ሽርሒ ካበይ ኣምጺኦሞ ዘብል ኢዩ፡ ፤እዞም ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ ብዝብል ሽም ከም ከልቢ ዝነብሑ ዘለዉ መንዮም? ክሳብ ክንደይ ብዝሒ ኣለዎም? ኣበይ ኢዩ ቤት ጽሕፈቶም? ንመን’ከ ይውክሉ? ዕላምኦም’ከ እንታይ ኢዩ? ብመጀመርያ ኣቶ ኣማንኤል ኢያሱ እዚ ከምዚ ዓይነት ጽሑፋት ክመጾ ከሎ መርሚሩን ኣጣሊሉን ድዩ ዘውጽኦ? ንሱ’ኸ ዝፈልጦ ነገር ኣሎ? እዞም ዝሓቱ ዘለዉ መንነቶም መን ምዃኖም ይፈልጥ’ዶ ይኸውን? ኣብቲ ኣብ ደብረ ዘይቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ተሳቲፎም ድዮም? ዝብሉ ብዙሓት ሕቶታት ካብ ህዝቢ ይሕተቱ ኣለዉ? አቶ ኣማንኤል ኢያሱ ከም ጋዜጠኛ መጠን ነዚ ከጻርን ብሓቀኛ መንገዲ ከውጽኦን ይግብኦ ይመስለኒ፡ ፤ ኣሽማቶም ዘይንፈልጦ ተሓቢኦም ንዝጽሕፍዎ ኣዕናዊ ጽሑፋት ግን ህዝቢ ክጎድእ ስለ ዝኽእል ኣቶ ኣማንኤል ከም ደላዪ ለውጢ መጠን ዝወጽኦ ጽሑፋት ሽምን መንነትን ዘለዎ ክኸውን ይግባእ አብል፡ ፤
እዚ ሓድሽ ስናዕ ጉጅለ ዝፍንዎ ዘሎ ሓሶትን ጸለመን መንን ካበይን ከምዝኾነ ክንግምቶ ዘጸግም ኣይኮነን፡ ፤ ማሕበር መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ክምልሰሉ ዘለዎ ጉዳይ እኳ እንተኾነ ንሕና ከም ህዝቢ ግን ተዓዘብቲ ክንከውን ምርጫና ኣይኮነን፡ ፤ ኣንጻር ስምረት ተላዒሉ ዘሎ ናይ ኣጥፊእካ ጥፋእ ጸለመን ሓሶትን ከምቶም ቅድሚ ሕጂ ዝሓለፉ ሓሰውትን ቀጠፍትን ክሓልፉ ምዃኖም ዘጠራጥር የብሉን፡ ፤ አቲ ዘሕዝን ንምንታይ ኣብ ድሮ ጉባኤ ስምረት ከምዚ ዓይነት ገስረጥ ስራሕ ይስራሕ ኢዩ፡ ፡ 16 ኣዋርሕ ኣበይ ከምዝነበሩ ዘይፍለጡ ሎሚ ደኣ ነጢሮም ንስምረት ከም አውራጃዊት ክውንጅልዋ ምስ ምንታይ ይቑጸር? ስምረት እግሪ ተኺላ ኣብ ምስጓም ዝበጽሓትሉ እዋን እዞም ሰባት እዚኣቶም ናብ ፍሑኽ ፍሑኽ ክመልስዋ ዓቢ ጻዕሪ የካይዱ ኣለዉ፡ ፤ እቲ ሓቂ ግን እግሪ ዝተኸለ ቆልዓ ናብ ፍሑኽ ፍሑኽ ክምለስ ከምዘይክእል ፈሊጥና ስምረት እውን ካብ እግሪ ምትካል ሓሊፋ ስጉምታ ቅልጣፌ ወሲኻ ትሕንበብ ከምዘላ ክስቆሮም ይግባእ፡ ፤
ንስምረትን ንኣቦ መንበር ፈጻሚት አካልን ምስ ጉጅለ ህግደፍ ምውድዳር ክሳብ ክንደይ ሕሱራት ምዃኖም ኢዩ ዝገልጽ፡ ፡ ቃልሲ ትኸዶ ኢኻ እምበር ኣይመጻካን ኢዩ፡ ፤ስምረት መራሕታ ኣብ ባይታ ኣውሪዳ ትቃለስ ኣላ፡ ፤ ስምረት ቃልሲ ሕጽኖት ከምዘይኮነ ኣሚና መራሕታ ኣብ ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ሰዲዳ ብኽያት ህዝብና ሰሚዓ መፍትሒ ክትደልየሉ ለይትን መዓልትን ትጽር ኣላ፡ ፤ እዞም “ኤርትራውያን መናሰያት ንለውጢ ” ኢሎም ንባዕሎም ዝሰየሙ ስኑዓት ውልቀሰባት መጀመርታ ሃየ ኣብ ባይታ ውረዱ፡ ፤ቃልሲ ከም ሽሙ ቃልሲ ኢዩ፡ ፤ ኣብ ዊኒፐግ ካናዳ ተሓቢእካ ቁንጣሮ ሰባት ኣኣዲምካ ዝግበር ዘሎ ጸለመን ሓሶትን ስጉምቲ ከኺደኩም ከምዘይክእል ክትፈልጡ ይግብኣኩም፡ ፡ እቲ ዘሕዝን ከኣ መዝሙር ህግደፋውያን ተለቂሕካ ን ስምረት ብኣውራጃውነት ክተጸልማ ምፍታን ዘይኤርትራውነትኩም ዝገልጽ ኢዩ፡ ፤ ዝኾነ ኤርትራዊ ብኣውራጃ ይኹን ብብሔር ክቃለስ መሰሉ ምዃኑ ዘይምፍላጥኩም ተሕዝኑ፡ ፤ ጉጅለ ህግደፍ ኣከለ ጉዛይ ኢዮም ክብል ንዓመታት ዝሰርሓሉ ፍሹል ሜላ ንስኻትኩም ሰናኒዕኩም ክትጥቀምሉ ምፍታንኩም ክሳብ ክንደይ ሕሰም ህዝብና ዘይርድኣኩም ምዃኑ ኢዩ ዘረድእ፡ ፤
ንኣቦ መንበር ፈጻሚት ኣካል ብትውልዱ ዓዱ መዝሚዝኩም ኣንጻር ስምረት ዘመተ ምክያድኩም ተረዲኡና ኣሎ፡ ፤ ኣቦ መንበር ስምረት ኣክለጉዘታይ ክኸውን ብአምላኽ ዝተዋህቦ ጸጋ ምኳኑ ክርዳአኩም ኣለዎ ፡ ፤ኣከለ ጉዘታይ ስለዝኮነ ክቃለስ የብሉን ዝብል ሕሙም ኣተሓሳባኹም ካብ ናይ ህግደፋውያን ኣተሓሳስባ ፍልልይ የብሉን፡ ፤እቲ ሃዲሙ ዘሎ ኣቦ መንበር ባይቶ’ኸ መን’ዩ ጻድቕ ጌርዎ? ምስ አቦ መንበር ፈጻሚት አካል ክሰርሕ ዘይከአለሉ ምኽንያት ብወግዒ ክገልጽ መዓንጣ ስኢኑ ከብቅዕ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኑ ኣቦ መንበር ስምረት ኣውራጃዊ ኢዩ ክብሎ ክሳብ ክንደይ ናይ ምሁር ደንቆሮ ምዃኑ ኢዩ ዘረድእ፡ ፤ሽሕ አኳ ባአውራጃን ብሔረን ምቅላስ ነውሪ እንተ ዘይኮነ ስምረት ግን ኣውራጃ የብላን፡ ፤ ስምረት ኣብ ሓድነትን ፍቕርን ህዝቢ ኤርትራ አሚና ኣብ ዓድና ብልዕልና ሕጊ ዝግዛእ መንግስቲ ንኽቐውም እትቃለስ ዘላ ህዝባዊት ማሕበር ኢያ፡ ፤ ስምረት ካብ ህዝቢ ንህዝቢ አብ ህዝቢ ተጠኒሳ ዝተወልደት ራእይ ዘለዋ ማሕበር ኢያ፡ ፤ ካብ ኢትዮጵያ ሃዲምካ ቁንጣሮ መንእሰያት ብዓርከይ ዓርክኻ ሓባቢልካ ንስምረት ክትቆጺ ምፍታን ዝፈሸለ ህግደፋዊ ጠባይ ኢዩ፡ ፤ ኣቦ መንበር ባይቶ ሽግር እንተዝህልዎ ንቦርድ ስምረት ኣኼባ ጸዊዑ ብሕጋዊ መንገዲ ፍታሕ ክረክብ እንተዘይተኻኢሉ ከኣ ህዝቢ ዝሃቦ ሓላፍነት ብሕጋዊ መንገዲ ከረክብ ይግብኦ ኔሩ፡ ንሱ ግን ከም ቆልዓ ረጥሪጥዎ ኢዩ ዝኸደ፡ ፤ስምረት ናይ ዕቁብ ማሕበር ኣይኮነትን፡ ፤ ስምረት ኣብ ቤላ ቤለው እትኣምን ናይ ሃደምቲ ማሕበር ኣይኮነትን፡ ፤ ኣቦ መንበር ስምረት ከኣ ኣብ ዕላምኡ ኣሚኑ ንዝመጾ ዕንቅፋታት ኣብቲ ዘለዎ ቦታ ኮይኑ ደኣ ይምክቶ እምበር ሓዲሙ ንኣሜሪካ ኣይመጸን፡ ፤ይኣክል ጸለመ በጃኹም!!!
ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ስምረት ጉባኤ ክትገብር ትሸባሸብ ኣላ፡ ፤ስምረት ጉድለታታን ሕጽረታታን ገምጊማ ዝእረሙ ኣሪማ ናብ ፍልይ ዝበለ መድርኽ ክትሰጋገረሉ እትኽእል መንገዲ ክትሕንጽጽ ይግብኣ፡ ፤ ስምረት ናይዞም ኣብ ሃለውለው ጊዝይኦም ዘጥፍኡ ዘለዉ ሰባት ንጎድኒ ገዲፋ ኣብ ሽግር ህዝብና ክተተኩርን መፍትሒኡ ክተናድን ኣለዋ፡ ፤ ስምረት ዝበዝሐ ክፋል መንእሰይ ኤርትራ እትመርሕ ማሕበር ከምዝኾነት መጠን ብተግባር ኣብ ባይታ ንጉጅለ ህግደፍ ክትገጥም ምዃና ንህዝቢ ክትገልጽ ኣለዋ፡ ፤ ስምረት ምስቶም ኣቐዲሞም ኣንጻር ህግደፍ ብረት ኣሎዒሎም ዘለዉ ከምእኒ ብሔረ ሳሆ፡ ኩናማ፡ ዓፋር፡ ሰራዊት ሕድሪ ሓባራዊ፡ ግንባር ፈጢራ ክትሰርሕ ጻዕትራት ክተካይድ ይግብኣ፡ ፤ ስምረት ነዚ ንርእዮ ዘለና ሸንኮለል ፖለቲካ ዝነደዩ ባአታታት ኣቃልቦ ከይሃበት ብግብሪ ኣብ ባይታ ምስ ህግደፍ ክትገጥም ዘኽእላ ቅድታት ክትሕንጽጽ ይግብኣ፡ ፤ስምረት ንነፍሲ ወከፍ ዝኾረየ ሰብ ወይ ጉጅለ ክተስተናግድ ኣይትኽእልን ኢያ፡ ፤ ስምረት ሓርነትን መሰልን ህዝቢ ክትመልስ እትቃለስ ዘላ ማሕበር እምበር ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና ንስልጣንን ዘውድን እተቋምት ማሕበር ኣይኮነትን፡ ፤ መንእሰይ ወለዶ ነዚ ኣሚንካ ኣብ ጎድኒ ስምረትካ ኮንካ ቃልስኻ ክትሐይል ህዝቢ ይሓተካ ኣሎ፡ ፤ ነዞም ገጽን ሽምን ዘይብሉ ጽሑፋት ኣብ አሰና ብተደጋጋሚ ዘውጽኡ ዘለዉ ናይ ሓድነትና ዘረግቲ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ሓዊስካ ክትጉሕፎም ኣለካ፡ ፡ ብሽም መንእሰያት ኤርትራ ዝወጽእ ጸለመን ዘይቅዱስ ወፍርን ይኣክል ክትብሎም ይግብኣካ፡ ፤ህዝቢ ኤርትራ መድሓኒ ይደሊ ኣሎ፡ ስምረት ከኣ ሽግር ህዝብና ተረዲኣ ኣብ ባይታ ላዕላዋይ መሪሕንረታ ልኢኻ ትንቀሳቐስ ኣላ፡ ፤ ስምረት ካብ ካልኦት ፍልይ ዘብላ ላዕለዋይ መራሒኣ ኣብ ዶባት ኤርትራ ቤት ጽሕፈቱ ከፊቱ ንጉጅለ ህግደፍ የሻቕሎም ከምዘሎ ተረዲኡና ኣሎ፡ ፤ አዞም ንስምረት ክብትኑ ዝደልዩ ዘለው ካብ ህግደፍ ተፈልዮም ዝረኣዩ ኣይኮኑን፡ ፤ስለዚ ህግደፍ ኣተሓሳስባ ካብ ኮነ ዝኾነ ምስ ህግደፋውያን ዝመሳሰል ኣተሓሳስባ ዘለዎ ከኣ ህግደፍ ኢዩ፡ ፤ ናይ ህግደፍ መዝሙር ዝደግም ኩሉ ህግደፍ ኢዩ፡ ፤ ህግደፍ ኣውራጅሳውያን መውጽኢት ኣፉ ኢያ፡ ፡ እንሆ ከኣ ሕጂ ብሽም ደለይቲ ለውጢ ነዚ ኩሉ መንእሰይ ኤርትራ ኣውራጃዊ ክብልዎ ንሰምዕ ኣለና፡ ፤ ስምረት ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኤርትራ ኣስሚራ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ትቃለስ ኣላ፡ ፡ በዚ ሓሚሙ ንስምረት ኣውራጃዊት ዝብላ ግን ዝነደየ ናይ ሓንጎል ሓማ፣ም ዘለዎ ጥራሕ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፡ ፤
ፍትሒ ይንገስ
ወልዱ ተኽለ
Ande Berhane November 9, 2013
ኣቱም ትጽሕፉ ዘለኹም!! ስለምንታይ ኢኹም ክእለትኩም ኣንጻር ንሃገርን ህዝብን ዘባድም ዘሎ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ዘይትጥቀምሉ? የላኻ ስራሕን መሕለፊ ጓሶትን ኢዩ፡፡ ምጽውዋር ምክኣል ዝብላ ሓረጋት ትፈልጥወንዶ? ዓገብ ፎእ
Tes November 9, 2013
Thanks Tecle,
A bunch of idiots in west having comfortable life trying to divided and confuse people. They may be two person calling themselves an organization with the name EMC trying hard to drag the momentum gained lately. The only and only Smmerrrr and EYSNS are credible group of youth who care and can make a difference.
Negga Yosif November 9, 2013
I don’t understand the problem as far as every awraja or werda are struggling for the benefit of the Eritrean people at the end the Eritrean people will decide his future like refrendum;people with tidentity crisis are creating problems but this time the ppeople of Eritrea aware everything.l believe in Smmerrrr and Eysns because they are working good job; Gus Facts weighs than opinion.
Finally The important thing is not the Triumph but the struggle.
Awry NSmmerrr and Eysns
Negga Yosif November 9, 2013
Peace for all
Negga Yosif November 9, 2013
No comments
ዛይድ ገብረ November 9, 2013
ክንዛረብ ዶ፧
ህዝቢ ኤርትራ ለባም ኢዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ቆራጽ ኢዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሕጊ ዝፈልጥን ብሕጊ ዝግዛእን ኢዩ ተባሂሉን ይብሃል ኣሎን። ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ኣይመስለንን ዝብሃልን ዝድገምን ዘረባ ድማ ኢዩ። ኮይኑ ግን ኣብ’ቲ ከመይ ዝመሰለ ጽሩይ ስርናይ እውን ክርዳድ ይጸንሕ ኢዩ እሞ ኣብ ሞንጎ እዚ ለባም፡ ቆራጽን ልዕልና ሕጊ ዝኣምንን ክቡር ህዝቢ ግን ከም ተመን ሸኾና እቶም ቅኑዓት ዝነኽሱን እከይ ክፍሕሱ ዝውዕሉን ከምዘለዉ ምርሳዕ ኣየድልን። ገለ ካብኣቶም ድማ ኢሰያስን ሰዓብቱን ኢዮም። ምኽንያቱ ድማ ኢሰያስ ፍጥር ክብል ዘርኢ ክርዳድ ናይ’ቶም ዝበዝሑ ለባማት ኢዩ። ክፉእ ምግባር ደስ የብሎ፡ ጽቡቕ ዝገበረ እሞ ብሰብ ክምስገን ንዝረኣዮ ድማ ኣብ ምጽላሙን ስሙ ኣብ ምጥፋእን ዘይገብሮ የሎን። ንኢሳያስ ኩልና ስለ እንፈልጦ ብዛዕብኡ ክዛረብ ኢለ ኣይኮንኩን እንታይ ድኣ ገለ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ነቲ ናቱ ስራሕ ክደግሙን ዕድመ እከይ ስልጣኑ ኣብ ምንዋሕ ድማ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝገብሩን ሰባት ብብዝሒ እሞ ድማ ካብ’ዚ ናይ ሕጂ ወለዶ ይርኢ ስለ ዘለኹ ዓግብ ንምባል ኢየ።
ኢሳያስ እኮ ጙጅለ 15 ሕቶ ምስ ኣቕረቡ ንኻልኦት እሞ ንግደፎም ንጀርማኖ ናቲ እኮ ኢዩ ኣከለጉዘታይ ዝበለና። ኩልና ኣሚናዮ ፈሊጡና ኣታሊሉና ድማ። ሰራሕ እከይ ስርሑ ስለ ዘይገድፍ ግን ንኹልና በጺሑና ዋይ ዋይ ድማ ኣቢሉና። ሂተለር’ውን ከምኡ ኢዩ ዝገበረ ኩሎም እቶም የውሃት ድማ ክሳብ ናብ ነብሶም ዝበጽሖም ኣመንዎን ሓድነት ጌሮም ከይቃለስዎ ድማ ስለ ዝተበታተኑ ኣይከኣሉን። ኣሕዋት ንሕና’ውን ናብኡ ገጽና ንኸይድ ዘሎና ኢና ንመስል ዘሎና ዘሕዝን ኢዩ ድማ። ኣነ ኣብ መዋእለይ ንመትዓቢተይ ኣበይ መበቆሎም ኣይሓተትኩን ንሶም’ውን ኣይሓተቱንን ኣገዳስነት ስለዘይነበሮን ስለ ዘይብሉን’ውን ኣብ ሂወትና ከምኡ ብዘይምግባርና ሕውነት ኣጥሪና እምበር ዝኸሰርናዮ የሎን። ሕጂ ዓዲ ጓና ኣብ ስደት ኮይነ ኣንጻር እዚ ዘሎ ግናይ ስርዓት ክቃለስ እንከለኹ ኣብ ጎነይ ንዝቃለስ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ዝድግፍ መቦቆል ዓዱ ምስ ናተይ ሓደ ስለዘይኮነ ተኣለ ኣይብልን እኳ ድኣ ይሕጎስን ሓው ብዙሓት ብምዃነይ ይሕበንን። ናይ ዘበንና ለባማት ግን ነቲ ኣሚኖም ዝቃለስሉን ብሰንኪ ዝወረዶም መከራ ዝተሰደድሉን ከምኦም ዝተሸገሩ ኣሕዋቶም ኤርትራውያን ሓቅኹም ስለዝበልዎምን ኣብ’ቲ ቃልሲ ኣዐርዮም ሃይ ስለ ዝበሉን ፎእ ንስኹም ድኣ ካብ ኣከለጉዛይ እንዲኹም ክንብል ናይ ልቦና ኣይመስልን ዓዲ’ውን ኣየጋብርን እንዳበልኩ ነቶም ኣከለጉዘቶት ኣሕዋትና ድማ እዚ ናይ ቁሩባት ልቢ ዝወሓዶም የውሃት እንበር እቲ ዝበዝሐስ ኢዱ ኣይስኣን ሳላ ኢሳያስ ተቖንዝዩ ካብ እህህትኡ ንምንጋፍ ይቃለስ ኢዩ ዘሎ። ኣነ ዝፈልጦን እንዳሰማዕክዎ ዝዓበኹን ግን እዚ ኣይኮነን ሓማሴናይ ገርሂ ለዋህ፡ ኣከለጉዘታይ ታአኻኻቢ ተሓጋጋዚ፡ ሰረዎታይ ብዓል ልቦናን ልዙባን ኢዩ። ሕጂ ድኣ እንታይ ተረኽበ ክንድዚ ምፍልላይ። ኣይፋል መፍቶ ጸላኢ መስሓቕ ኢሳያስ ከይንኸውን እብል ሓደራ።
ኣንቱም ሰባት ክሳብ ክንደይ ዓዊርና ከም ዘሎና ዘርኢ እኮ ዓለም ብዝቐልጠፈ እንዳትሓንበበት ትገድፈና ብዓል ኦባማ ዝብሃሉ ካልኣይ ወለዶ ከንያዊ ነታ ናይ ዓለምና ልዕለ ሓያላን ዝኾነት ኣሜሪካ ይመርሑ ንሕና ድማ ብዛዕባ መበቆል ነናይ ዝጸላእናዮ ከነጻሪ ኣብ ሓደ ዕንክሊል ክንብል። ኣይፋል እዚ ኣይኮነን ሕድሪ ስውኣትና።
ኣሕዋት ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ድማ ተጋሩ ዘይፍትሓዊ ምሐደራ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ምስ መረሮም እሞ እቲ ካልእ ኣካል ኢትዮጵያዊ ስለዘይተረድኦም ንዕዑ ክጽበዩ ግዜ ኣየሕለፉን እኳ ድኣ ህወሓት ማለት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኢሎም ኢዮም ቃልሶም ዝፈለሙ። ነዞም ኣሕዋትና ደቂ ኣከለጉዛይ ድማ መረረ ብስርዓት ኢሳያስ ከም ኩልና ናትና ዘይምቕባል ብእኦም ንዝተላዕለ ሕቶና እንተ በዚሑ ናብ’ዚ ከም ናይ ህወሓት ኢና ንሰዶም ዘሎና። እዚ’ውን ልቦና ሂባዎም ባኣውራጅኦም ንሓርነት መላእ ህዝቢ ኤርትራ እንተ ተቓሊሶም ካብኡ ሓሊፉ ግን ኣውራጃና ነጻ ነውጽእ ድሓር ንርእዮ እንታሎም እሞ ንሕና ብልቦና እንተ ዘይርኢናዮ ጅኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ኣከለጉዛይ ንኤርትራ ናብ ሰለስተ ኢዩ ዝኸፍል። ኣቤት ኣይውረድ ኢዩ ዘብል። እዚ ናይ ምግባርን መሰሎም ናይ ምውሓስን ጉዳይ’ውን ኣብ ኢዶም ከም ዘሎ ዘይምርሳዕ ከድልየና ኢዩ። ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያንን ፈደረሽን ብዓብኡ ድማ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያን ኣበርክቶ ናይ’ዞም ክፋል መሰንገለና ዝኾኑ ኣሕዋትና ኣዝዩ ዕዙዝ ኢዩ ዝነበረ ዝኽሕዶ ዋላ ሓደ እኳ የሎን። ሕጂ ድኣ ዝበዝሑ ኣንጻር እዚ ዘሎ እኩይ ስርዓት ምትንስኦም እንታይ ስለዝኾነ ኢዩ ቁጭ ቁጭ ዘብለና። ኣሕዋት ልቦና ዝውሕደና ዘሎ ይመስል ናብ ልብና ንመለስ። ካብ’ዞም ከጋግዩና ህርድግ ዝብሉ ምስሉያት ንጠንቀቕን ኣብ’ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ማሕበር ስምረት መናእሰያት እነተኺእልና ኢደይ ኢድካ ንበል ካብኡ ሓሊፉ ተሪፉ ግን ኣጆኹም ንበል እብል።
ወድሓንኩም
Tesfa'yu sinqey November 11, 2013
Deqi akeleguzay kem’uu aynet hasab ytref hilmi ewn yebilnan
Negga Yosif November 10, 2013
Zaid sibukn hakin elka ; Let’s face the truth
Engera rabble blae.
berhane November 10, 2013
ISayas is not enemy of specific awraja, tribes, or religion. Any body doesn’t follow his order that is his enemy. If you believe democracy you are his enemy. Now the point is he is against Eritrea and Eritrean. We should fight together. He said she said is not going to send you any where. You are going to get stuck there. Like gebha abay.
hadish November 10, 2013
good job brother the reallty recount keep going EYSNS is the best of team and they are a party of Eritrean people we should follow them don’t said zone awraja whatever this is rubbisg things
berhe kidane November 10, 2013
kunat zeyweale belhe kemzebah kemzi natkum eyu mejemrta tarik hezbi eritrea anbebu, dehar nehager aberkutu beakal nay behaki leweti entedelikum ab weshti hagerkonkum serhu pletica bira endaseteka ketllu dea men yetfo ….