Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድሽ ስናዕ፡ ማሕበር ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ ፡ ንጥፍኣት ስምረት ዝዓለመ ድዩ?

ሓድሽ ስናዕ፡  ማሕበር ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ ፡  ንጥፍኣት ስምረት ዝዓለመ ድዩ? ኣብ መደበር ኣሰና ብኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ(EMC) ኢሉ ባዕሉ ዝሰየመ ማሕበር ኣውጺእዎ ዘሎ መግለጺ ዘስደምም ኮይኑ ረኺበዮ፡ ፤ ጽሑፉ ክጅምሮ ከሎ ብጸለመ ስለ ዝጀመሮ መጀመርያ ጉጅለ መንእሰያት

ሓድሽ ስናዕ፡  ማሕበር ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ ፡  ንጥፍኣት ስምረት ዝዓለመ ድዩ?

ኣብ መደበር ኣሰና ብኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ(EMC) ኢሉ ባዕሉ ዝሰየመ ማሕበር ኣውጺእዎ ዘሎ መግለጺ ዘስደምም ኮይኑ ረኺበዮ፡ ፤ ጽሑፉ ክጅምሮ ከሎ ብጸለመ ስለ ዝጀመሮ መጀመርያ ጉጅለ መንእሰያት ህግደፍ መሲሉኒ ንሓደ ሓደ ሰባት ደዊለ መንነቶም እንተ ሓተትኩ ግን እቲ ዝሓሰብክዎ ኣብ ሽም ተጋግየ ከምዝነበርኩ እኳ እንተፈለጥኩ ኣብ ትሕዝቶ እቲ ጽሑፍ ግን ወሪድዎም መንእሰያት ህግደፍ ክሳብ ክንድዚ ሽርሒ ካበይ ኣምጺኦሞ ዘብል ኢዩ፡ ፤እዞም ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ ብዝብል ሽም ከም ከልቢ ዝነብሑ ዘለዉ መንዮም? ክሳብ ክንደይ ብዝሒ ኣለዎም? ኣበይ ኢዩ ቤት ጽሕፈቶም? ንመን’ከ ይውክሉ? ዕላምኦም’ከ እንታይ ኢዩ? ብመጀመርያ ኣቶ ኣማንኤል ኢያሱ እዚ ከምዚ ዓይነት ጽሑፋት ክመጾ ከሎ መርሚሩን ኣጣሊሉን ድዩ ዘውጽኦ? ንሱ’ኸ ዝፈልጦ ነገር ኣሎ? እዞም ዝሓቱ ዘለዉ መንነቶም መን ምዃኖም ይፈልጥ’ዶ ይኸውን? ኣብቲ ኣብ ደብረ ዘይቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ተሳቲፎም ድዮም? ዝብሉ ብዙሓት ሕቶታት ካብ ህዝቢ ይሕተቱ ኣለዉ? አቶ ኣማንኤል ኢያሱ ከም ጋዜጠኛ መጠን ነዚ ከጻርን ብሓቀኛ መንገዲ ከውጽኦን ይግብኦ ይመስለኒ፡ ፤ ኣሽማቶም ዘይንፈልጦ ተሓቢኦም ንዝጽሕፍዎ ኣዕናዊ ጽሑፋት ግን ህዝቢ ክጎድእ ስለ ዝኽእል ኣቶ ኣማንኤል ከም ደላዪ ለውጢ መጠን ዝወጽኦ ጽሑፋት ሽምን መንነትን ዘለዎ ክኸውን ይግባእ አብል፡ ፤

እዚ ሓድሽ ስናዕ ጉጅለ ዝፍንዎ ዘሎ ሓሶትን ጸለመን መንን ካበይን ከምዝኾነ ክንግምቶ ዘጸግም ኣይኮነን፡ ፤ ማሕበር መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ክምልሰሉ ዘለዎ ጉዳይ እኳ እንተኾነ ንሕና ከም ህዝቢ ግን ተዓዘብቲ ክንከውን ምርጫና ኣይኮነን፡ ፤ ኣንጻር ስምረት ተላዒሉ ዘሎ ናይ ኣጥፊእካ ጥፋእ ጸለመን ሓሶትን ከምቶም ቅድሚ ሕጂ ዝሓለፉ ሓሰውትን ቀጠፍትን ክሓልፉ ምዃኖም ዘጠራጥር የብሉን፡ ፤ አቲ ዘሕዝን ንምንታይ ኣብ ድሮ ጉባኤ ስምረት ከምዚ ዓይነት ገስረጥ ስራሕ ይስራሕ ኢዩ፡ ፡ 16 ኣዋርሕ ኣበይ ከምዝነበሩ ዘይፍለጡ ሎሚ ደኣ ነጢሮም ንስምረት ከም አውራጃዊት ክውንጅልዋ ምስ ምንታይ ይቑጸር? ስምረት እግሪ ተኺላ ኣብ ምስጓም ዝበጽሓትሉ እዋን እዞም ሰባት እዚኣቶም ናብ ፍሑኽ ፍሑኽ ክመልስዋ ዓቢ ጻዕሪ የካይዱ ኣለዉ፡ ፤ እቲ ሓቂ ግን እግሪ ዝተኸለ ቆልዓ ናብ ፍሑኽ ፍሑኽ ክምለስ ከምዘይክእል ፈሊጥና ስምረት እውን ካብ እግሪ ምትካል ሓሊፋ ስጉምታ ቅልጣፌ ወሲኻ ትሕንበብ ከምዘላ ክስቆሮም ይግባእ፡ ፤

ንስምረትን ንኣቦ መንበር ፈጻሚት አካልን ምስ ጉጅለ ህግደፍ ምውድዳር ክሳብ ክንደይ ሕሱራት ምዃኖም ኢዩ ዝገልጽ፡ ፡  ቃልሲ ትኸዶ ኢኻ እምበር ኣይመጻካን ኢዩ፡ ፤ስምረት መራሕታ ኣብ ባይታ ኣውሪዳ ትቃለስ ኣላ፡ ፤ ስምረት ቃልሲ ሕጽኖት ከምዘይኮነ ኣሚና መራሕታ ኣብ ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ሰዲዳ ብኽያት ህዝብና ሰሚዓ መፍትሒ ክትደልየሉ ለይትን መዓልትን ትጽር ኣላ፡ ፤ እዞም “ኤርትራውያን መናሰያት ንለውጢ ” ኢሎም ንባዕሎም ዝሰየሙ ስኑዓት ውልቀሰባት መጀመርታ ሃየ ኣብ ባይታ ውረዱ፡ ፤ቃልሲ ከም ሽሙ ቃልሲ ኢዩ፡ ፤ ኣብ ዊኒፐግ ካናዳ ተሓቢእካ ቁንጣሮ ሰባት ኣኣዲምካ ዝግበር ዘሎ ጸለመን ሓሶትን ስጉምቲ ከኺደኩም ከምዘይክእል ክትፈልጡ ይግብኣኩም፡ ፡  እቲ ዘሕዝን ከኣ መዝሙር ህግደፋውያን ተለቂሕካ ን ስምረት ብኣውራጃውነት ክተጸልማ ምፍታን ዘይኤርትራውነትኩም ዝገልጽ ኢዩ፡ ፤ ዝኾነ ኤርትራዊ ብኣውራጃ ይኹን ብብሔር ክቃለስ መሰሉ ምዃኑ ዘይምፍላጥኩም ተሕዝኑ፡ ፤ ጉጅለ ህግደፍ ኣከለ ጉዛይ ኢዮም ክብል ንዓመታት ዝሰርሓሉ ፍሹል ሜላ ንስኻትኩም ሰናኒዕኩም ክትጥቀምሉ ምፍታንኩም ክሳብ ክንደይ ሕሰም ህዝብና ዘይርድኣኩም ምዃኑ ኢዩ ዘረድእ፡ ፤

ንኣቦ መንበር ፈጻሚት ኣካል ብትውልዱ ዓዱ መዝሚዝኩም ኣንጻር ስምረት ዘመተ ምክያድኩም ተረዲኡና ኣሎ፡ ፤ ኣቦ መንበር ስምረት ኣክለጉዘታይ ክኸውን ብአምላኽ ዝተዋህቦ ጸጋ ምኳኑ ክርዳአኩም ኣለዎ ፡ ፤ኣከለ ጉዘታይ ስለዝኮነ ክቃለስ የብሉን ዝብል ሕሙም ኣተሓሳባኹም ካብ ናይ ህግደፋውያን ኣተሓሳስባ ፍልልይ የብሉን፡ ፤እቲ ሃዲሙ ዘሎ ኣቦ መንበር ባይቶ’ኸ መን’ዩ ጻድቕ ጌርዎ? ምስ አቦ መንበር ፈጻሚት አካል ክሰርሕ ዘይከአለሉ ምኽንያት ብወግዒ ክገልጽ መዓንጣ ስኢኑ ከብቅዕ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኑ ኣቦ መንበር ስምረት ኣውራጃዊ ኢዩ ክብሎ ክሳብ ክንደይ ናይ ምሁር ደንቆሮ ምዃኑ ኢዩ ዘረድእ፡ ፤ሽሕ አኳ ባአውራጃን ብሔረን ምቅላስ ነውሪ እንተ ዘይኮነ ስምረት ግን ኣውራጃ የብላን፡ ፤ ስምረት ኣብ ሓድነትን ፍቕርን ህዝቢ ኤርትራ አሚና ኣብ ዓድና ብልዕልና ሕጊ ዝግዛእ መንግስቲ ንኽቐውም እትቃለስ ዘላ ህዝባዊት ማሕበር ኢያ፡ ፤ ስምረት ካብ ህዝቢ ንህዝቢ አብ ህዝቢ ተጠኒሳ ዝተወልደት ራእይ ዘለዋ ማሕበር ኢያ፡ ፤ ካብ ኢትዮጵያ ሃዲምካ ቁንጣሮ መንእሰያት ብዓርከይ ዓርክኻ ሓባቢልካ ንስምረት ክትቆጺ ምፍታን ዝፈሸለ ህግደፋዊ ጠባይ ኢዩ፡ ፤ ኣቦ መንበር ባይቶ ሽግር እንተዝህልዎ ንቦርድ ስምረት ኣኼባ ጸዊዑ ብሕጋዊ መንገዲ ፍታሕ ክረክብ እንተዘይተኻኢሉ ከኣ ህዝቢ ዝሃቦ ሓላፍነት ብሕጋዊ መንገዲ ከረክብ ይግብኦ ኔሩ፡  ንሱ ግን ከም ቆልዓ ረጥሪጥዎ ኢዩ ዝኸደ፡ ፤ስምረት ናይ ዕቁብ ማሕበር ኣይኮነትን፡ ፤ ስምረት ኣብ ቤላ ቤለው እትኣምን ናይ ሃደምቲ ማሕበር ኣይኮነትን፡ ፤ ኣቦ መንበር ስምረት ከኣ ኣብ ዕላምኡ ኣሚኑ ንዝመጾ ዕንቅፋታት ኣብቲ ዘለዎ ቦታ ኮይኑ ደኣ ይምክቶ እምበር ሓዲሙ ንኣሜሪካ ኣይመጸን፡ ፤ይኣክል ጸለመ በጃኹም!!!

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ስምረት ጉባኤ ክትገብር ትሸባሸብ ኣላ፡ ፤ስምረት ጉድለታታን ሕጽረታታን ገምጊማ ዝእረሙ ኣሪማ ናብ ፍልይ ዝበለ መድርኽ ክትሰጋገረሉ እትኽእል መንገዲ ክትሕንጽጽ ይግብኣ፡ ፤ ስምረት ናይዞም ኣብ ሃለውለው ጊዝይኦም ዘጥፍኡ ዘለዉ ሰባት ንጎድኒ ገዲፋ ኣብ ሽግር ህዝብና ክተተኩርን መፍትሒኡ ክተናድን ኣለዋ፡ ፤ ስምረት ዝበዝሐ ክፋል መንእሰይ ኤርትራ እትመርሕ ማሕበር ከምዝኾነት መጠን ብተግባር ኣብ ባይታ ንጉጅለ ህግደፍ ክትገጥም ምዃና ንህዝቢ ክትገልጽ ኣለዋ፡ ፤ ስምረት ምስቶም ኣቐዲሞም ኣንጻር ህግደፍ ብረት ኣሎዒሎም ዘለዉ ከምእኒ ብሔረ ሳሆ፡  ኩናማ፡  ዓፋር፡  ሰራዊት ሕድሪ ሓባራዊ፡   ግንባር ፈጢራ ክትሰርሕ ጻዕትራት ክተካይድ ይግብኣ፡ ፤ ስምረት ነዚ ንርእዮ ዘለና ሸንኮለል ፖለቲካ ዝነደዩ ባአታታት ኣቃልቦ ከይሃበት ብግብሪ ኣብ ባይታ ምስ ህግደፍ ክትገጥም ዘኽእላ ቅድታት ክትሕንጽጽ ይግብኣ፡ ፤ስምረት ንነፍሲ ወከፍ ዝኾረየ ሰብ ወይ ጉጅለ ክተስተናግድ ኣይትኽእልን ኢያ፡ ፤ ስምረት ሓርነትን መሰልን ህዝቢ ክትመልስ እትቃለስ ዘላ ማሕበር እምበር ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና ንስልጣንን ዘውድን እተቋምት ማሕበር ኣይኮነትን፡ ፤ መንእሰይ ወለዶ ነዚ ኣሚንካ ኣብ ጎድኒ ስምረትካ ኮንካ ቃልስኻ ክትሐይል ህዝቢ ይሓተካ ኣሎ፡ ፤ ነዞም ገጽን ሽምን ዘይብሉ ጽሑፋት ኣብ አሰና ብተደጋጋሚ ዘውጽኡ ዘለዉ ናይ ሓድነትና ዘረግቲ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ሓዊስካ ክትጉሕፎም ኣለካ፡ ፡ ብሽም መንእሰያት ኤርትራ ዝወጽእ ጸለመን ዘይቅዱስ ወፍርን ይኣክል ክትብሎም ይግብኣካ፡ ፤ህዝቢ ኤርትራ መድሓኒ ይደሊ ኣሎ፡ ስምረት ከኣ ሽግር ህዝብና ተረዲኣ ኣብ ባይታ ላዕላዋይ መሪሕንረታ ልኢኻ ትንቀሳቐስ ኣላ፡ ፤ ስምረት ካብ ካልኦት ፍልይ ዘብላ ላዕለዋይ መራሒኣ ኣብ ዶባት ኤርትራ ቤት ጽሕፈቱ ከፊቱ ንጉጅለ ህግደፍ የሻቕሎም ከምዘሎ ተረዲኡና ኣሎ፡ ፤ አዞም ንስምረት ክብትኑ ዝደልዩ ዘለው ካብ ህግደፍ ተፈልዮም ዝረኣዩ ኣይኮኑን፡ ፤ስለዚ ህግደፍ ኣተሓሳስባ ካብ ኮነ ዝኾነ ምስ ህግደፋውያን ዝመሳሰል ኣተሓሳስባ ዘለዎ ከኣ ህግደፍ ኢዩ፡ ፤ ናይ ህግደፍ መዝሙር ዝደግም ኩሉ ህግደፍ ኢዩ፡ ፤ ህግደፍ ኣውራጅሳውያን መውጽኢት ኣፉ ኢያ፡ ፡  እንሆ ከኣ ሕጂ ብሽም ደለይቲ ለውጢ ነዚ ኩሉ መንእሰይ ኤርትራ ኣውራጃዊ ክብልዎ ንሰምዕ ኣለና፡ ፤ ስምረት ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኤርትራ ኣስሚራ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ትቃለስ ኣላ፡ ፡  በዚ ሓሚሙ ንስምረት ኣውራጃዊት ዝብላ ግን ዝነደየ ናይ ሓንጎል ሓማ፣ም ዘለዎ ጥራሕ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፡ ፤

ፍትሒ ይንገስ

ወልዱ ተኽለ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
28 COMMENTS
  • Habtom November 8, 2013

    Simerrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrr!!!!!!!!!!!!!!!!!!!

    Simer is the ideal group to free he Eritrean people!!!!Simer is a well organised group which is capable to bring the downfall of PFDJ!!!!

    The nationalist!!!!

  • Kombishtato November 8, 2013

    ንስኻኸ መን ይብሉኻ፧ ብጸርፊ ጀሚርካ ብጸርፊ ትውድእ። ካብ ጽሑፍካ ንስኻ ውን ካብቶም ኢድካ ዊጥ ኣቢልካ እትኸሶም ዘሎኻ ትገድ ድ።
    “ደሞክራሲ ሓርነት” ኢልኩም ካብ እትደርፉ ዓመታት ሓሊፉ፣ ሰብ ሸንኮለል። ኣብ ሓምሳ ዓመት ምሉእ ብጀካ ባርነትን ውርደትን ኣብ ኤርትራ ዝረኣናዮ የልቦን፣ እንትርፎ ቅጥፈት። ሰባት ንባርነት ት ሸጡ፣ ብሽም ሰውራ ትርሽኑ፣ ብስም ስውኣት ትሕስዉ፣ መንነትኮም መበቆል ዓድኹም ትንዕቁ፣ ቋንቋታትኩም ብሓዊ ተቃጽሉ። ኩልኹም ኮንቶ መንቶ፣ እንዳውርደት።

  • Gobo Soira November 8, 2013

    Eeritrawian keinsamae’tesemamina ina(ato Wel Wel)

  • Aser G-15 November 8, 2013

    መጀመርያ ንወለድን ህዝቢ ኤርትራን ጽንዓትኩም ይሃብኩም ንብል :

    እዚ ኣብዚ ቅንያት እዚ ንርእዮ ዘሎና ሸንኮለልን ካብ ዘይምርዳእን : ገሊኦም ድማ ብፍላጥ ነዚ መንእሰይ ዘሀውትትዎ ዘለዉ ዘለዉን እቶም ዝሓለፉ ኣቦታትና ዝገበርዎ ጌግጋ ክንምሃረሉ ይግባእ : እዚ ማለተይ ንኢሰያስ እዚ ሕጂ ዝገብረና ዘሎ ክገብር ዝገበሮ ነንዝተቓወመ ዝተፈላለየ ኣስማት እንዳጠመቕካ ምጽላምን ምቕንጻልን ስለዝነበረ እዩ : ከምድላዩ ንኸዉን ገይርዎ : ሕጂ ዉን ከምኡ ንርኢ ኣሎና ስእሊ እንዳ ገበረርካ ተስፉ ኣጽብሃ ከም ሓደ ጂግና ክትትክሱዎ ትደልዩ ዓገብ : ስበ ብግብሩን ብስርሑን ንንኣዱ : ወዲዓድና ወይ ወዲ ወረዳና ስለዝኾነ ግን ኣይግድን : ኢሰያስ ዉን እኮ ክንደይ ተባሂሉ እዩ : ብጥይት ሽሙ ዝጽሕፍ ተባሂልና ኢና እኮ : ናይዚ ኹሉ ንምርዳእ ኢንተርቪው ናይ ወዲ ተመዎ ምዉካስ ይክኣል እዩ:-
    ንሕና ኣባላት ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ ኢና ኣብ ደብረዘይቲ ተሳቲፍና ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ማሕበር ንነጥፍ ኣሎና : እቲ ሕቶ ኣብ መርሒነት ባይቶን ፈጻሚትን ዘሎ ጌጋታት ይተኣረም ማለት ነቲ ማሕበር ምንቃፍ ወይ ምዕንቃፍ ዘይምኻኑ ክበርህ ዘለዎ ይመስለና : እቲ ጸገም ካብ ኣመሰራርትኡ እዩ:
    1) ዘይትፋለጥ ሃንደበት ተራኺብካ ማሕበር መስሪትካ ክትወጽእ ብጣዕሚ ዓቢ ጌጋ እዩ ተገይሩ:
    2) መምዘኒ ብቕዓት ናይቶም ዝተመርጹ መርሒነት መዐቀኒ ኣይነበሮን ትምህርትን ሰለማዊ ሰልፊ ዝኸደን ምንባሩ:
    3) እቲ ኮንፈረንስ ብደቂ ሓደ ኣውራጃ ምዕብላሉ ጥራይ ከይኣክል : እቶም ደቂ ሓደ ከባቢ ዝፋለጡን ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዓለም ሓደ ዘራኽቦም ኔትዎርክ ምጽንሑን ንዝደለይዎ ከተግብሩ ኣይተጸገሙን:
    4) ኢዋይጂኤም ዝብሃል ማሕበር ብወዲጽብሃ ዝምራሕ ዝነበረ : ማሕበረይ ኣፍሪሰ ናብ ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ ተጸንቢረ ኣለኹ ይበል ድኣምበር ብግብሪ ግን ይቕጽል ምሃላዉ ነቲ ማሕበር ኣሸጊርዎ ይርከብ : ጽልዉኡ ድማ ወደጽብሃን ዮኤልን ዘለዎም ምሕዝነት ንቢንያም ደበሳይ ከመይ ጸልይዎ ሪኢናዮ ኢና
    5) ናይ ወደጽብሃ ካብ ሕ.መ.ኣ ስምኦን ካብ ካናዳ ተወፊና ወሪድና ኣሎና ኣባሃህልኦም ንኽትኣምኖ ዘሸግር : ሃንደበት ንኹሉ ሰብ ዘሰንበደን ስዉር ኣጀንዳን ዋሳኔን ምንባሩ :
    6) ናይ ስምኦን ሲ ድሓን ንቢዝነሱ ኢሉ ኣብ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ስለዝኸደ ኢትዮጵያ ዉን ንንግዳዊ ስርሑ ኢሉ መሪጽዋ ክኸዉን ይኽእል እምበር ክሰርሕ ኣይመስለናን:
    7) ናይ ወደጽብሃ ትምህርቱን ናብራ ኣሜሪካ ዝኣክል ገዲፍካ ተወፍየ ምባል ቅዱስ እካ እንተኾነ ሓደ ኣጀንዳ ናይ ብዓል ልኡል ጋይም ምንባሩ ሕጂ ይበርህ ኣሎ እሞ ኣብ ምልክት ሕቶ ከነእትዎ ተገዲድና ኣሎና :
    8) ኣብ እዋን ምርጫ ወደጽብሃ ኣባል ዴሞክራስያዊ ሃገራዊ ባይቶ ክንሱ ናብ ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ ንኽኣቱ ንነብሱ ባዕሉ ተኻቲዑን ሞጉቱን እዩ ነዚ ሓላፍነት ረኺብዎ : ብኣቶ ምሓሪ ኣብርሃ ዝቐረበ ስክፍታ ተነጽገ:
    9) እቲ ዝኸፈአ ድማ ወደጽብሃን ስምኦንን ብዘይምርጫ ኣብ ባይቶ ምእታዎምን ኣባላት እታ 7 ዝኣባላታ ፈጻሚ ብምኻኖምን እዩ : ዘይዲሞክራስያዊ ኣገባብ ምርጫ ድማ ገይርዎ : ተወፍየ ኣለኹ ኢልካ ዝትረኽበ ሓላፍነት ድማ ፋሕፋሕ ኣእትዪሉ ይርከብ :
    10) ናይዚ ኹሉ ሽግር ሕጊ እዩ : እዚ ማሕበር እዚ ከስርሖ ዝኽእል ቅዋምን : ሕጊ ህንጻን ስለዘይብሉ : መቕጽዕን መፍረድን ኮታ መምርሒ ስራሕ ዘይብሉ ፋሉል ትካል እዩ:
    11) እቲ ዘገርመኩም እቶም ኣባላት ባይቶን ፈጻሚትን ብቕዓት ዘይብሎም ብደግፎደግፎ ዝኸዱን ብሓገዝ ናይ ብዓል ልኡል ጋይም : ሃንጆማ : በረኸት ገዛኢ (ደቡብ ኣፍሪቃ) ዝኸይድ ዘሎ ናይ ደቂ ሓደ ከባቢ ጥሩፍነት ምኻኑ ኣይትረስዑ
    12) እዚ ማሕበር እዚ ማሕበር ዘይኮነ ክኸዉን ዝነበሮ ብሓይሊ ዕማም ደረጃ ክወጽእ እሞ ድሕሪ ዓመት ቅዋሙ ነዲፉ ንኹሉ ኤርትራዊ ዝሓቁፍ ማሕበር ንኽኸዉን ዝተሓስበ ሓሳብ ብበዓል ኣማናኤል እያሱን : ሳሚኤል ዓካዓካ : መርየም ዑመር : መሓሪ ኣብራሃን : ካልድ ዓብዱን …ወዘተ ኩሎም ሰብ ርእሲ ዘምጽእዎ ሓሳብ ተነጺጉ ብሆሆ ማሕበር ኮይኑ እሞ ንኹሉ ኤርትራዊ ዘይጥርንፍ ብሓደ ከባቢ ዝተዓብለል ምኻኑ ሕጂ ኣብ ሽግር ኣትዩ መንእሰይ ተስፋ ኣብ ዘቑርጽ ደረጃ በጺሑ እንዳሃለዎ ንምእራሙን ምዕራዩን ዝግበሩ ጻዕርታት ኩሎሞ : ነቶም ኣረምቲ 03 ህግደፍ : ጉጅለ ሕሹኽሹኽ እንዳበልካ ምኻድ ኣበይ ኡ ክብጻሕ እታ ሃገር ናይ ኩልና እያ : ናይቶም ሕጂ ዝበዝሑ ጥራይ ኣይኮነትን እሞ ሕሰብሉ:
    13) ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለኢ ናይ ደብረዘይቲ ከምዝሕብሮ ድማ እዚ ማሕበር እዚ ንዝሰመረን ዘይሰመረን ዝሓቑፍ ድኣ እምበር ናይ ዝሰመረ ጥራይ ዝጽዉዕ ጉባኤ ምባል ነቲ መግለጺ ተመሊስኩም ምርኣይ ከድሊ እዩ : እቲ ኣሰራርሓ ናይ ወደጽብሃ ፋሉልነት ግን ኣብ ዓዲእንግሊዝ ዝበሎ ንምጥቃስ ( ጉባኤ ዝኣቱ ኣባል ስምረት ጥራይ እዩ ) ምባሉ ንኹሉ ሰብ ኣቖጢዑን : ካበይ ከምዘምጽኦን ድማ ዘገርም እዩ :
    14) ጉዕዞ ንስራኤልን ንኤውሮጳን ናይ ወደጽብሃ ዝምልከት : ንስራኤል ብመንገዲ ኣቦ ወንበር ባይቶ ዝተማእከለን ዝተሓበረን ምኻኑ : ናይ ኤውሮጳ ግን ኣባላት ባይቶ ከምዘይፈልጥዎን : ዘይምእኩልን ብኢደዋኒኑ ዝገበሮን ምኻኑ ክፍለጥ ይግባእ
    15) ኣብ ሱዳን ዘለዉ ኣሕዋትና ናይ ዝተፈላለየ ብሄራትን ኣዋራጃታትን ዝዉለዱ ኣብ ጎንደር ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ብበይናዊ ዉሳኔ ወደጽብሃ መንበር ኣባልነት ተኸሊኦም ተነጺጎም ተገሊሎም ይርከቡ : ናቶም መግለጺ ኣብ ኣሰና ወጺኡ ነይሩ ተወከሱ
    16) ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ጉዳይ ዝተገብረ ትሪክ ወይ ምትሕኑኻል ብበዓል በረኸትን ካልኦት ተገላበጥቲ ዉሳኔታት ጽባሕ ታሪኽ ስለዝኾነ ተሰኒዱ ኣሎ ባዕሎም እቶም ኣባላት ይዝርዝርዎ ይኾኑ
    17) ሽግር ናይ ኤውሮጳ ብዓንተብኡ ቢንያም ኣብ መርሒነት ክሰርሕ ዘይተደልየሉ ምኽንያት ናቱ ትንታኔ ኣለና ሕጂ ንሱ ይጽንሓልና : ናብ መፍትሒኡ እንተኸድና ግን ንዝውሰዱ ዝነበሩ ዉሳኔታት ሓደ ብሓደ እቲ ደብዳቤታት ኣብ ቀጻሊ ከነዉጽኦ ክፍትን ኢና : ብወደጽብሃ ዝተወስደ ዉሳኔ ግን ስራሕ ኢሰያስ ኣፍወርቂ እዩ ኔሩ : ኣብዚ ናይ ዶር.በረኸት ዉን ልኡም ዉሳኔ ነቲ ነገር መዕለቢ ንኸይርከቦ ሓጊዙ እዩ : ዓቢ ጌጋ ድማ ተገይሩ ::
    18) ኣብዚ ክጥቀስ ዘለዎ ግትርነት ናይ ወደጽብሃን መን ከማይ ብሃሊ ናይ ምርድዳእ ባህሪ ዘይምህላው : ብዓቢኡ ኽኣ ዓቕምን ክእለትን ዘይምህላው በቲ ሓደ ወገን ናይ ኣቦ ወንበር ባይቶ ልቢ ምዕባይ እናበልካ ክከይድ ዝጸንሐ ጌጋ ነቲ ጋግ ክዓቢ ዓቢ ተራ ኔርዎ እዩ :
    19) ካብቶም ኣብ ደብረዘይቲ ዝወዓልና ነዚ ጉዳይ እዚ ምስ ተኸስተ ንምዕራዩን ንምፍዋሱን ዝተገብረ ጻዕሪ ኣዝዩ ብዙሕ ምኻኑ ክርድኣኩም ይግባእ : ንኹሉ ግን እታ ዘይተሰማምዕ ነገር ቅድሚ ሓሳብካ ምስምዖም መን ኢኻ እዩ ዘገድሶን ኔሩ
    20) 7 ዝኣባላታ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ንጉባኤ ብባይቶ ዝተመርጸት ብወደ ኣጽብሃ ተነጺጋ ከምዘላ ትፈልጡ ዶ : ሕጂ ብንሱ ዝደልዮም ኣባላት ኮሓሒሉ ከምዝወደባን ንሳ ንኢትዮጵያ ንምኻድ ብመምርሒ ወዲኣጽብሃ ትእለን ትእዘዝን ከምዘላ ምግንዛብ የድልየኩም
    21) ናይ እስራኤል ሓንቲ መንበር ኣባልነት ባይቶ ብኢደዋኒኑ ንኢሰያስ ተኽለብርሃን ዝብሃል ከምዝሃቦ እዚ ዘይሕጋውን ምልካዉን ኣሰራርሓ ምኻኑ ድማ ክፍለጥ ይግባእ
    22) ንቢንያምን ዮኤልን 3 ዝኣባላታ ክትሽምግል ዝተመዘዘት ተነጺጋ መዕለቢ ከይተረኽቦ ክሳብ ንስምረትና ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዘሎ ዘይምርሳዕ
    23) ካልእ መተካእታ ናይ ካልድ ቢንያም ዮኤል ዝኾኑ ብሕርያ ናይ ብሄርን ኣውራጃን ተጎልቢቡ ዝተገብረ ምርጫ ከምዝነበረን እዚ ነቶም ብጉባኤ ዝተመርጹ ሕጋውያን ኣባላት ምስተኣልዩ ዓዶም ምርኩስ ጌርካ ዝተሃንደሰ ነበረ::
    24) ካልድ ዓብዱ ብጸገም ፋሚሊ ተባሂሉ ምስተኣልየ ንቢንያም ደበሳይ ድማ ተጋዳላይ ኣይናኣምንን ኢና : ጴንጠ ኩናት ኣይኣምንን እዩ :ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ተባሂሉ ከምዝእለ ምስተገብረ ዮኤል መባእስቱ እዩ ተበሂሉ ከምዝክድስክል ተገብረ : ተመሊሶም
    – ዓሊ በኺት ኣቦ-መንበር ካብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ሓደ ገዛ ይነብር ምስ ዮኤል
    – ዮኤል ምክትል ኣቦ-ወንበር ካብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ሓደ ገዛ ይነብር ምስ ዓሊ በኺት
    – ያሬድ ( ማሳዊኖ ) ካብ ስዊዝ
    ከምዝተክእዎም ይፍለጥ እዚ ኣይጸንሑን ድሕሪ ሰሙን ነዚ ዘፍርስ ሓሳብ ኣምጺኦም ንወሰን ሰገድ ምክትል ኣቦ-ወንበር ካብ ኖርወይ ተኪኦም ንዮኣኤል ከምዝእለ ተገብረ : ናይዚ ኩሉ ሰነዳት ኣብ ቀጻሊ ከነቕርበልኩም ኢና : ወሰን ሰገድ ዝተመርጸሉ ምኽንያት ናይ ሕጊ ምሁር እዩ ካብ ኣውራጃ ሓማሴን ድማ እዩ ዝዉለድ ተባሂሉ : 03 ናይ ደለይቲ ፍትሒ ጎስጋስ ጌራትሉ ምንባራ ንዝክር : ኣብዚ ከነዘኻኽረኩም ንደሊ ብኤፍሬም ምሓሪ ኣድሚን ስመርር ሩም ናብ ፈጻሚት ( ወደጽብሃ ) ዝተጻሕፈ ደብዳቤ ንወሰን ሰገድ ንምምራጽ ወይ ናይ ኤውሮጳ ኣማሓዳሪ ንምግባር ኣብ ቀጻሊ ክንዝርግሖ ኢና :: እዚ ዘይሕጋዊ እዩ ስራሕ ኢሰያስ (ህግደፍ) ድማ ኣዘኻኺሩና ዝደለኻዮ ትመርጽ ዘይደለኻዮ ተዉርድ :: እቶም ብዴሞክራስያዊ ኣገባብ ጉባኤ ዝመረጾም ሕጹያት 10 እዮም ኔሮም ናይ ኤውሮጳ ክተኻኽኡ ዉን ምተኻእለ ኔሩ እዚ ማለት እቶም 4ይ 5ይ 6ይ ዝነበሩ ክሳብ ጉባኤ ክሰርሑ ዝብል እዚ ዉን ተነጺጉ

    ኣብ መደምደምታ ናይዚ ኹሉ ሕንፍሽፍሽ ሃንዳሲኡ ኣብ መጀመርታ እካ ቅኑዕ እንተመሰለ ድሒርና ከምዝተዓዘብናዮ ግን ዝተፈኦ ተምላስ ዝልሕስ ዘሎ ጴጥሮስ ክፍለ ካብ ኣየርላን ንኹልና ከም ንእከብ ገይሩ : ዮኤል ከምዚ ገይሩ ወደጽብሃ ከምዚ ፈጢሩ ኢሉ ደብዳቤ ባዕሉ ጽሒፉ ሽምና ኣብኡ ከምዝኣቱ ገይሩ ከብቅዕ ሕጂ : ከም ስራሕ ስብሓት ኤፍሬም ተገልቢጡ ናይ ክድዓት ኮሮሻ ተሰቒልዋ ይርከብ :: እቲ ተበግሶ ክወሰዶ ዘገደደኒ ዝብሎ ድማ ኣነ ወዲ ዓዱ ንዮኤል እየ ዓድና ብሓደ እዩ ጽቡቕ ገይረ እየ ዝፈልጦ ረኮርድ ኣሎኒ : ኣነ ክዛረብን ክቃወምን እዩ ዘመልክዓለይ ብምባል ንሱን ካልኦት ደቂ ዓድና እዮም ዝበሎም ብምትእኽኻብ ለይትን ምዓልትን ጎስጊሱ :: ሕጂ ነቲ ንሱ ዘበገሶ ናይ ምእራም ስራሕ ተመሊሱ ኣንጻሩ የዕገርግር ምርኣይና ንጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ኣብ ጉዳይ ጂ-15 ኣዘኻኺሩና : ኣብ ቀጻሊ ዝተረፈ ክትምሃርሉ ዘለኩም ዝበልናዮ ሰነዳትን ሓቅታትን ከነካፍለኩም ኢና :

    ቅድሚ ጉባኤ ሓድነትና ነትርር : ንከባበር : ስምረት ብተግባር ንስርሓሉ : ካብ ጸቢብብ ኣውራጃዊ ሕማም ንውጻእ : ንሕና ኣንጻር እዚ ማሕበር ኣይኮናን ንጽሕፍ ዘሎና ንዘይዕሩይ ኣካይዳ ንምእራም ግን ኣይከነቃርጽን ኢና ::

    ጉባኤ ዝግበር ኣይመስለናን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት
    ዝግበር እንተኾይኑ ግን ዕዉት ጉባኤ ክኾነልኩም ንምነየልኩም
    ካብ ተኻፈልቲ ኮንፈረንስ ደብረዘይቲ ኣባላት ስ.መ.ኤ.ድ.ሃ

  • Abahani November 8, 2013

    ኩቡር ሓው ወልዱ ተክለ ኩሎ እዚ ዚበልካዮ ይስማምዓሉ እየ ብጀካ እቲ ስሚዕታዊ ዝመስል ካብ ናተይ ተሞኩሮ መብዛሕቱ ጊዜ ህግደፍ ኒዝኾነ ምንቅስቃስ ናይ አከለጉዛይ ውይ አስላም እዮም እዮ ዝትከም እዚአቶም እውን ራዛ ናይ አቡኡ ሓዛ እዮ ሕጅ ግን ንኾምኡ ዝስምዕ እዝኒ የለን ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ እዩ ንቅድሚት ጥራይ ክንዕወት እና።

  • monicasalguero November 8, 2013

    Atum menhesey mnalbat dojon nay Isayasn mesarhtún ijum? Cab zey mesememah entay nejeseb endee.

  • oromay November 8, 2013

    Oh, thank you Mr. Tecle for the explanation on the trash accusation of the group called EMC. First, the owner of the Assenna should screen comments and articles. In the name of freedom of expression, poisonous, destructive and disruptive ideas should not be entertained.

    The other thing is that talk behind computer is cheap. Let me qoute the former PM Meles response to Geshu Weldie who was barking here in the US like what you are doing. Qoute in Amharic.. (..Besofa kuch blo menager nelal. Ewunetagna tagay kehone gina yimtana be Gonder teraroch.na shelekowoch yimokir…) unqoute.

    We are tired of your useless talks and accusations among each other. On the other hand, those who are committed to fight on the battle ground must be supported and appreciated. Who are to smear others in parochial views?

  • MightyEmbasoyra November 9, 2013

    “አዞም ንስምረት ክብትኑ ዝደልዩ ዘለው ካብ ህግደፍ ተፈልዮም ዝረኣዩ ኣይኮኑን፡ ፤ስለዚ ህግደፍ ኣተሓሳስባ ካብ ኮነ ዝኾነ ምስ ህግደፋውያን ዝመሳሰል ኣተሓሳስባ ዘለዎ ከኣ ህግደፍ ኢዩ፡ ፤ ናይ ህግደፍ መዝሙር ዝደግም ኩሉ ህግደፍ ኢዩ፡ ፤ ህግደፍ ኣውራጅውያን መውጽኢት ኣፉ ኢያ፡ ፡ እንሆ ከኣ ሕጂ ብሽም ደለይቲ ለውጢ ነዚ ኩሉ መንእሰይ ኤርትራ ኣውራጃዊ ክብልዎ ንሰምዕ ኣለና፡ ፤ ስምረት ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኤርትራ ኣስሚራ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ትቃለስ ኣላ፡ ፡ በዚ ሓሚሙ ንስምረት ኣውራጃዊት ዝብላ ግን ዝነደየ ናይ ሓንጎል ሓማ፣ም ዘለዎ ጥራሕ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፡ ፤”
    Indeed. Amen to that!!!

  • metkel November 9, 2013

    Abet tera’era’e kilte serekti ab mimkal yibasu yibahal. Kulukum kedemti nay weyane. Wala ezi wala assenna.

  • mandela November 9, 2013

    ወልዱ ተኽለ ወዳጀ ጽሓፋይ : ንጌጋታት ክእረም ኣለዎ ንዝበሉ ህግደፍ ዶ ገለ ዶ እንዳበልኻ ሽም ኣይተጠምቕ ቅዲ ህግደፍ ሒዝካ ዘለኻ ንስኻ ኢኻ : ምኽንያቱ ንG-15 ልክዕ ከምዛ ትገብራ ዘለኻ እዮም ዝገብርዎም ኔሮም ብዓል ዓሊ ዓብዱ : ንነገራት ጽን ኢልካ ተኸታተል : እዞም ትጻረፉ ዘለኹም ኩሉኹም ማልያኹም ሓንቲ እያ ኦርኒክኩም ኣርእዩ እንተትብሃሉ ሓደ ብሓደ ካብ ሓንቲ ከባቢ ዝመጻእኩም ኢኹ ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ: ናይ ኩሉ ኤርትራዊ እዩ ትብሉ ተኾይንኩም ኣበይ ኣለዉ እቶም ካልኦት :ስለዚ ሕስብ ኣብሉ ስ.መ.ኤ.ድ.ሃ እኮ ኤርትራ ኣይኮነትን ከም ኩለን ማሕበራት ማሕበር እያ : ብወያነ ትዝወር : ብደቂ ሓደ ከባቢ ትምራሕ : ቅዋም ዘብላ : ሕጊ ዘይብላ : ብሃውሪን ብስምዒትን ትጉዓዝ ዘላ ኢና ንብል ዘለና : ስለዚ እቶም ካልእ ኣህዛብ ክስዕብኩም : ናበይ ገጽና ኢና ንኸይድ ዘለና ኢልኩም ንነብስኹም ፈትሹ : ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብ ዝደለዮ ግዜ ዝደለዮ ማሕበር ክምስርት ዝኽልክሎ የብሉን መን ኢኻ ንስኻ መሰል ትኸልኦን ትህቦን : ተጠርነፉ ኣንዳበልኩም ዶ ትግዕሩ የለኹምን ኢኹም : ቅዋምን መምርሒ ስራሕን ዘይብሉ ማሕበር : ብሓደ ዉልቀሰብ ወይ ከባቢ ዝዝወር ማሕበር ኣይንደልን ንዓና ዝጥርንፈና ማሕበር ምግባር እንታይ እዩ ኣዕቢድኩም : ጸርፊ ድማ ነውሪ ሓሳብ ብሓሳብ ግጠም : ዶር በረኸት ድማ ናይ ሰባይ ሰብኡት እዩ ልቢ ኣዕብዩ ብዓቕሊ ምርኣዩ ከም ገበን ተቖጺሩ : ሕጂ ወስ ምስ ኣበለልኩም ዉሕ ዉሕ ትብሉ ኣለኹም : ክንዲ ርብዑ ዘይትመጹ ኣይ ብትምህርቲ ኣይ ብተመኩሮ ኣይ ብገድሊ ከተነኣእስዎ ኣይነፍቅድን ኢና : ከምቲ ቲፎዞ ዘለኹሞ ኣለና ኣብ ጎድኑ ድማ ኣሕዋቱን ስዓብቱን ሰብ ዓቕሊ ትም ኢሉ ዝርኢ ብዙሕ ምኻኑ ኣይትዘንግዑ : ዝሃደመ ከይመስለኩም ድማ ጌና ክቃለሰኩም እዩ : ክምለስ እዩ ንቦትኡ : ኣብ ክንዲ ነገር ተዝሕሉ ኢሂን ምሂን ትብሉ በትሪ ከተወጣውጡ ኣይነፍቅድን ኢና : ኣደብ ግበሩ : ሰብ ኣለዋ እዛ ሃገር በይንኹም ከይመስለኩ ኤርትራውያን : ልቢ ምዕባይ ናይቶም ጨለታት ኣቦታትና ዝወረስናዮ ቅርሲ እዩ ::ስለዚ ክንዲ ዕጽፊኻ ክምለሰልካ ምኻኑ ኣይትዘንግዕ : ጌና ካልእ ክወጽእ እዩ ኣደብ እንተዘይጌርኩም

    • Tes November 9, 2013

      Identify yourself to take you serious. You are the one who call an organization EMC. Tecle is right to call to your organization a single man club. List your members if you have otherwise Tecle has every right to question your integrity. If you have problem with Akeleguzai that is your own. No one cares if they are all from one awraga or all what it matters who is willing to safe Eritrea. Got out from west and be counted or shut up and thanks those who willing to fight.

1 2 3

POST A COMMENT