Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓሽከት ውድባትን ማሕበራትን ቓልሲ የዓውታ’ዶ? – ቀዳማይ ክፋል

                              ቀዳማይ ክፋል          ሓሽከት ውድባትን ማሕበራትን ቓልሲ የዓውታ’ዶ? ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተው ዓመታት ውድብ ምስራሕ ከም ተራ ዱኳን ተቖጺሩ ውድባት ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ክንጫጭሓን ብዘይ ገለ ገደብ ክባዛሓን ኣባይታ ዝረኣናዮን ዘሎን ዝተጨበጠ ሓቂ

                              ቀዳማይ ክፋል

         ሓሽከት ውድባትን ማሕበራትን ቓልሲ የዓውታ’ዶ?

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተው ዓመታት ውድብ ምስራሕ ከም ተራ ዱኳን ተቖጺሩ ውድባት ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ክንጫጭሓን ብዘይ ገለ ገደብ ክባዛሓን ኣባይታ ዝረኣናዮን ዘሎን ዝተጨበጠ ሓቂ ኢዩ፡፡ምርባሕ ውድባት ትርጉም የብሉን ክብሉ ዝጸንሑ ከይተረፉ ውድብ ክሰርሑን ክፍንጥሑን እውን  ግዜ ኣርእዩና ኣሎ፡፡ ብሓቂ ግን ምብዛሕ ውድባትን ማሕበራትን ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ምሉእ ሓርነትን ከዓውታ ይኽእላ’ዶ? ዝብል ዓቢ ሕቶ ክምልስ ዝግበኦ ኢዩ፡፡ እሞ ድማ ነዚ ብኽፍኣተ መጋብር ዝተኻሕነ፡ ምሉእ ዕድመ ምልኪ ስልጣኑ ተንኮላት ክኣልምን ዘዝተንሰአ ኤርትራዊ ክቐትልን ክኣስርን ጽኑዕ መዕቆቢ ከውሊ ከናድን ዝሓገየን ዝኸረመን ቶታሊተርያን ስርዓት ህግደፍ ክትኣሊ ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ብትን ብዝበላ ውድባትን ማሕበራትን ዘይከውን ጥራይ ዘይኮነ ኣይሕሰብን እውን፡፡ እዚ ክብል እንከለኹ ውድባት ጥራይ ዘይኮና እንተላይ እቶም ኣበየ ኩርኑዑ ንቓልሲ ንብገስ ኣለና ንብል ዘለና ኤርትራውያን መንእሰያት እውን ካብዚ ተላጋቢ ሕማም እዚ ነጻ ዝኾና ኣይመስለንን፡፡ ኣብ ክንዲ ምሉእ ብምሉእ ስምረት ኢልና ኣብ ስምረት ንዓስል ነናትና ጎጆታት ተኺልና ከም ናብራ ዓሳ ኣብ ምብልላዕ ኢና ንመጣጠር ዘለና፡፡ እዚ ከቢድ ሕማም ከይተፈወሰ ስርዓት ህግደፍ ክትኣሊ ድማ ሕልሚ ኢዩ፡፡ እዚ ጋንግሪን ከይከውን ዘፍርሓካን ዘሰክፋካን ሕማም ጎጆይ ጎጆኻ ግን ካበይ ዝተዓደገ ፈልሲ ኢዩ…?

ሕቶ ኩልና የማን የብሉ ጸጋም ሕቶ ፍትሕን ዲሞክራስን ሕቶ መሰልን ኢዩ፡፡ ነዚ ሕቶ’ዚ ረጊጹ ኣብ ባርነትን ስደትን ከም ንነብር ገይሩና ዘሎ፡ ብዝኸፈአ መልክዑ ድማ “ፍትሒ ይንግስ” ኢልና ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ደው ስለ ዝበልና ፍንፉነን ርካሽ ኣስማት ሓንሳብ ከዳዓት ሓንሳብ ወያነ ክሳብ መንነትናን ትውልድናን ሃገራውነትናን ብህግደፍ ክሕከኽ ተፈቲኑ ኢዩ፡፡ ሽግር ኩልና ኢሳይያስ ዘማእዝኖ ናይ ውሑዳን ጉጅለ ቶታሊተርያን ስርዓት ህግደፍ ኢዩ፡፡ እዚ ስርዓት እዚ ሱር መሰረቱ ተነቒሉ ከይተኣለየ ድማ ሕቶና ሕቶ መሰል፡ ሕቶና ሕቶ ዲሞክራሲ፡ ሕቶ ፍትሒ፡ ሕቶ ሓርነት ክምለስ ኣይክእልን ኢዩ፡፡ ሕቶ ኩልና ኣብ ናይ ቃልሲ መድረኽ እንርከብ እዚ ካብ ኮነ፡ ስለምንታይ ኢና ነቲ ቁኑዕን ጥጡሕን ናብ ዓወት ከብጽሓና ዝኽእል መገዲ ገዲፍና ሽኩሽኳ ኣብ ዝበዘሖ ጓል መገዲ ኣቲና ኣንፈትና ነጥፍእ ዘለና..?

እዚ ኣብ ቅድሜና ዝተቐመጠ ከክንዲ ያሒት ዝኸውን ሕቶታት በቲ ግቡእ ከይመለስና ድማ፡ ኣሽንኳይ ክንስጉምን ክንጎይን ፍሑኽ ክንብል እውን ዘበት ኢዩ፡፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ከይመለሰና ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ ቃልሲ ከነበግስ ስርዓት ህግደፍ ክንኣሊ ፍጹም ዘይከኣል ኢዩ፡፡ ኣቦታትና ክምስሉ ሓባኢ ቁስሉ ሓባኢ ፈውሱ ኢዩ፡፡ እንተኾነ ንሕና ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ ናይ ቃልሲ መድረኽ እንርከብን ኣውራ ድማ ኣብ ቦታ መሪሕነት እንርከብን ቁስልናን ፈውስናን ኣዳዕዲዕና ንፈልጦን ንፈላልጦን ኢና፡፡ ጸገማትናን ቁስልናን ፈሊጥና መድሃኒትና እውን ኣብ ኢድና እንከሎ፡ ኣበደን ኢልና ስለ ዝተሓሰምናዮ ጥራይ ኢዩ፡፡ ጸገምና ኣብ ህልኽን ቅርሕትን ኣቲና ድሕሬና ሳዕሪ ኣይብቆሎ ብምባል ጸላም መገዲ ስለ ዝመረጽና ኢዩ፡፡ ብዝገደደ ድማ ሕዱር ቅርሕትን ህልኽን ናብ መናእሰያት ከም ዝሰግር ይግበር ምህላዉ ኢዩ፡፡ ቅድም ቀዳድም ያዕ ክንብሎ ዘለና ድማ እዚ ኢዩ፡፡

ሕጂ ውን ቅድሚ ናብቲ ቀንዲ ሕመረት ሓሳበይ ምእታወይ፡ ደጊመን ደጋጊመን ዘቐምጦ ነገር እንተሃለወ ቅድም ቀዳድም ካብ ቂምታን ቅርሕንትን ህልኽን ንውጻእ፡፡ ህልኽ በሊሕ ላማ ንኽትውሕጥ ዝደፋፍእ ሓደገኛ ሕማም ኢዩ፡፡ ህልኽ ድኽነት ዝዕድም ከም ጣዕሳ ፈውሲ ዘይብሉ ሕማም ኢዩ፡፡ ህልኽ ፍረ ኣብ ዘይብሉ ምትፍናን ንኽትነብር ዝዳርግ ሕዱር ሕማም ኢዩ፡፡ ህልኽ ናብ ምቅትታልን ምብትታንን ዝወስድ ግናይ ሕማም ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ቅድሚ ዝኣገረ ቀንጢጥና ክንኣልዮ ዘለና እዚ ንነዊሕ ዓመታት ሓሊኹ ዝሓዘና፡ ቀላጽምና ኣሕቢርና ንቐታልን ገባትን ስርዓት ህግደፍ ከይንቃለስ ዘልመሰና፡ ከም ኣነባብራ ዓሳ ንሕድሕድና ከም ንበላላዕ ዝገበረና፡ ንቐንዲ ውራይና ኣረሲዑ ናብ ሓሸውየ ዘእተወና፡ ናይ ቂምታን ህልኽን መድረኽ መዝገቡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክዕጾ ክኽእል ኣለዎ፡፡

ሕቶናን ድሌትናን ዕላማናን ፍትሕን ዲሞክራስን ዝነገሳ ኤርትራ ክንርኢ እንተኾይኑ መሳርዕና ክሰምር ክኽእል ኣለዎ፡፡ መሳርዕና ሰሚሩ ብሓደ ረምታ ክንምርሽን ናብ ጎደና ዓወት ከነማዕዱን ድማ፡ ጀብሃዶ ሻዕብያ ዝብል ሓለኽን ኣልማስን ረማስን ብጽኑዕ ቀይዲ ኣሲሩና ዘሎ ገመድ ክበናጠስ ክኽእል ኣለዎ፡፡ ውራይና በዘን ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ዓቢ ስፍራ ዘለወን ውድባት ዝተፈጸመ ቅትለት ንጹሃን ተጋደልትን ህዝብን ምጽራይ ዘይኮነ፡ ቅድም ቀዳድም ነዚ ኣብ ዘበነ ህግደፍ ዝቕተልን ዝኣስርን ዝበታተነን ዘሎ ህዝቢ ምድሓን ክኸውን ኣለዎ፡፡ ውራይና ነዚ ባርነት ህግደፍ ዒፍ ኢሉ መሪርዎ እግሩ ናብ ዝመረሖ ክስደድ ክብል ብሱዳናውያን ራሻይዳን ዒብ ኣልቦ ኤርትራውያን ደላሎን ተጨውዩ ብግብጻውያን በደዊን ኣምዑቱ ተዘልዚሉ ብዘይ ንብር ቀብሪ ዝድርበ ዘሎ መንእሰይ ምድሓን ክኸውን ኣለዎ፡፡ ውራይና ነዚ ካብ ዕቤትን ብልጽግናን ዓጊቱ ናብ ድኽነትን ድሕረትን ዝሸመመና፡ ኤርትራውያን መናእሰያት ኣብ ክንዲ ዝመሃሩን ዝመራመሩን ጠበንጃ ተሓንጊጦም ኣብ በረኻታት ከም ዝሰፍሩ ዝገበረ ኣዕናዊ ስርዓት ምእላይ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ውራይና ነቲ መዘና ኣልቦ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ ግን ከኣ ብህግደፋውያን ዝተጠልመን ዝተኻሕደን መሰልናን ሓርነትናን ምምላስ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ናይ ቀዳምነት ቀዳሚ ውራይና ነዚ ታሪኽናን ህላውነትናን ነበረያ ነበረ ክገብር ድግዲጊት ተዓጢቑ መተካእታ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ደምህትን ቅንጅትን ግንቦት ሰባትን ዘዕኵኽን ዝፈጥርን ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ሱር መሰረቱ ምንቃል ክኸውን ኣለዎ፡፡

ነዚ ዘልዓልኩዎ ኣዝዩ ዓብን ተኣፋፍን ኣርእስቲ መበገሲ ሓሳብ ክኾነኒ፡ ኣመሪካዊ መሓዛ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ፕሮፌሰር ዳን ኮነል ካብ ዝበሎ ቃል ብቓሉ ክደግሞን ክጥቀምን እየ መሪጸ፡፡ ኣብ ወርሒ ግንቦተ ሰነ 2012 ዓ/ም ኣመሪካዊ መሓዛ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ፕሮፌሰር ዳን ኮነል ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብኣካል ንምዕዛብ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ነይሩ ኢዩ፡፡ ናይ ኣጋጣሚ ኮይኑ ንመሓዛ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ዓቢ ኣመሪካዊ ጸሓፊ ዳን ኮነል ብቀረባ ክረኽብዎ ካብ ዝኸኣሉ ስደተኛታት እውን ሓደ እየ፡፡ ኣብ ኩሉ ዝገበሮ ዑደታት ብኣካል ምስኡ ስለ ዝነበርኩ ብዙሕ ነገራት ክሓቶን ክፈልጥን ክመሃርን እውን ዕድል ረኺበ እየ፡፡ ፕሮፌሰር ዳን ኮነል ኣብቲ ዝገበሮ ዑደት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ብኣካል ወሪዱ ምስ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ምስኦም እናወዓለን እናሓደረን ንኣስታት 100 ስደተኛታት ቀጥታዊ ቃለ መሕትት ኣካይዱ ኢዩ፡፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትምህርትን ካልእን ተዋፊሮም ምስ ዘለዉ ስደተኛታት፡ እቲ ቃለ መሕተት ምግባር ክብደት ስለ ዝነበሮ፡ ካብ ተመሃሮን ኣብ ካልእ ስራሓት ዝተዋፈሩን ኣባላት ውድባትን ምስ ዝኾኑን መናእሰያት ናይ ኣስታት ሓሙሽተ ሰዓታት ርክብ እውን ኣካይዱ ነይሩ ኢዩ፡፡ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረ ርክብ ግን ፍሉይነት ዝነበሮ ኢዩ፡፡ ፕሮፌሰር ዳንኮነል እዋናዊ ኣስተምህሮ ክህብ ዘይኮነ ሕቶታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝዓቕሙ ክምልስ ኢዩ ዝነበረ፡፡

ፕሮፌሰር ዳን ኮነል ብኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ደርዘናት ሕቶታት ኢዩ ተሓቲቱ፡፡ እታ ንመበገሲ ሓሳበይ ክትከውን ዝመረጽኩዋ ሕቶ ድማ እዛ ትስዕብ ኢያ፡፡ “ህዝቢ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ ሓሳረ መከርኡ እናረኣየ፡ እናተቐትለ፡ ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት እናተኣስረ፡ ብጅምላ እናተሰደደን እናተበታተነን ማሕበረ-ሰብ ዓለም ይኹን መንግስቲ ኣመሪካ ዝተኸወሎ ኣይመስለናን፡፡ እዚ እናኾነ ስለምንታ’ዩ ብትሪ ዓገብ ብምባል ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ደው ዘይብል? ብፍላይ መንግስቲ ኣመሪካ ስለምንታይ ንደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣፍልጦ ዘይህብን ምሉእ ደገፉ ዘይገብርን? ትብል ሕቶ ኢያ ዝነበረት፡፡ መልሲ ፕሮፌሰር ዳን ኮነል ሽፍንፍን ዝበለ ዘይኮነ ግልጽን መመኽነይታ ኣቕሪብካ ኣይፋልካን ተጋጊኻ ክትብሎ ዘኽእልን ኣይነበረን፡፡

ይቕጽል…………….

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

Tele 251- 921924501

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • Abdu July 21, 2013

    It’s an excellent article and very educational . I hope they will learn some progressive and positive idea and move for word to success ; unless we don’t do that there is no way we can move to our goal ; and the dictator regime in Asmara will lengthen their power .

  • Aladin July 22, 2013

    Anes ab tieti family zeabeku iye, silezi kindeynay nezi [Semie belay] zitebahle keymilisellu. Gin hanti hito mihatetikiwo. Ita eritrea tibehal iko iti goba, bahri aykonen. Iti hizi iyu .Silezi ni eritrea tefkira te koinka, neti tewetsiE zibl zello zega tsin bello. Tezeykone, politics iko nay tenkolti special kielet aykonen. Eritras meniyu zeEniwa zello, niflat aynika kift mibal iyu kedili…Wedihanika kibur hawey.

  • Tekluu Ghubtaan July 22, 2013

    Atuum,sbaat teina zelwo hasab zeitkerbu kab wulkawii tsrfei , wy nay tsrgaa zerba zerba ghdef tedgagmu. bchbtii mogutuu wy ka sk elkuum deksuu
    Zeberkaa, akrabii nay behakii gelatsii tentena eyu, hade kabti nhgdef dergefgef zebloo zelo (disillusioned) zegebroo kerhnti , kemtaa, zero testawaarenet nay hasab fleli…mn kemay , ms tekaawmtii bearedada metfenan eyu .
    Selzi kemzii ztenetkayo nay hgdef temsaal keiterdaana wersnayo keinekwun , amsayauu meftoot hgdef konaa menamen keinteref metnkaka kedlna u bezay gedeb.
    Eta nedlaya fethii , ntsanet, higi mekbar eyu kemti zebelkayo ..wudbaat mechachah,nehnaa ena zyada tbedilana no nehna ba…neskum da..zeaaynetuu menkeluu ..taquu yebluun hager ena tehamesee ,hizbii mekeraa na tsgebbee…

  • belay nega July 22, 2013

    “ብሓቂ ግን ምብዛሕ ውድባትን ማሕበራትን ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ምሉእ ሓርነትን ከዓውታ ይኽእላ’ዶ?”

    እቲ ፋብሪካ ውድባት አብ ኢትዮጵያ ስለ ዘሎ ንስኻ ክአ አብኡ ስለ ዘለኻ መልሲ ካባኻ

  • fithawi July 22, 2013

    Semie belay,
    Cheap and nonsense words! Visionless and unresponsible. Shamless tag, who can not identify taboo from the valuable calture of our people.
    Ohhhh it is wastage of time to deal with you and alikes. Shewaate-shewaate tehaseb kurub entehasheka, ezi “america-weyane” zebileka zelo himam kurub entefekoseka.

  • pawloserena@yahoo.com July 23, 2013

    ኣገናዕ ሚኪኤል እምባየ
    ሽሕ ይሙቱ መሕደሪ ሽሕ ኣይሙቱ ክብሃል ሓቂ ኢዩ፡፡ እንጀራ እዝጊ ብላዕ ንበር ሚኪኤል እምባየ፡፡ ጽሑፋትካ ልግዐ ጸባ ኢዩ፡፡ ከማኻ ኣብ ሓቂ ረጊጾም ግንባሮም ዝህረሙ ጸሓፍትን መምሃራንን ክትንስኡን ክስስኑን ተስፋ ንገብር፡፡
    ልባዊ ኣድናቒኻን ኣኽባሪኻን

  • ምኽሪ ካብ ሓው ልግሲ ካብ ሓፍቲ ኢዩ፡፡ ኣንቱም ኩቡራት ኣሕዋት እዚ ጽሑፍ ደጋጊምኩም ኣንብብዎ፡፡ ሓቂ ሒዙ ዝቃለስ ዘሎ ሓውና ሚካኤል ምኽሩ ንስመዓዮ፡፡ ኣንቱም ንኣሽቱ ነገራት እናፈርፈርኩም ከምዚ እባ ከምዚ እናበልኩም ካብ ኢሳያስ ዘይፍለ ስራሕ ትደግሙ ዘለኹም ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ ነዚ ጽሑፍ ርኢኩም ተነስሑን ልቢ ግበሩን፡፡

    • belay nega July 23, 2013

      “ከማኻ ኣብ ሓቂ ረጊጾም ግንባሮም ዝህረሙ ጸሓፍትን መምሃራንን ክትንስኡን ክስስኑን ተስፋ ንገብር፡፡”

      ንኤርትራ ዝዛረበላ ዘይኮነ ሕማማ ዝፈልጦ እያ ስኢና ዘላ:: ደሓር ክአ አበይ እዩ ግንባሩ ሂቡ አብ ድፉዕ አዲስ አበባ?

  • kebaritekle@yahoo.com July 23, 2013

    ንመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ካብቶም ብዘይ ምቁራጽ ዝከታተሉ ኢየ፡፡ ብሉጻት መናእሰያት ጸሓፍቲ ንመጋረጃ ፍርሒ ተርቢዖም መሃርን እዋናውን ጽሑፋት ስለ ዘቕሩቡልና፡፡ ንእመት ስድሪ ኣላታ ከም ዝበሃል ካብኡ ናብኡ ጽሑፋት ኣራንሺ ከነብብን ክርእን ድማ እቲ ዝያዳ ዝምስጠንን ዝስሕበንን ኢዩ፡፡ ከመሓላልፎ ዝደልዮ መልእኽቲ ብልስሉስን ላዛ ብዝመለኦ ኣቀራርባን ንኣንባቢ ከም ዘየሰልቹ ጌሩ ስለ ዘቕርቦ፡፡ ዝያዳ ግን እዋናውን ተኣማንን ጽሑፋት ብምቕራቡ ኢየ፡፡ ነዚ ዝበልኩዎ መረጋገጺ ክኾነልና እዛ ኣብ ዕለት 31 ወርሒ 12—2012 ዝጸሓፋ ጽሕፍቲ እስከ ከም ኣብነት ንርኣይ፡፡ ክንደይ መልእኽትን ቁምነገርን ከ ሒዛ ኔራ እስከ ንመራመረላ፡፡ ኣርእስቲ ጽሑፉ ጻህያይ ኣይንግደፍ ዝብል ኢዩ፡፡ ስርሒት ፎርቶ ቅድሚ ምብጋሱ ክበገስ ምዃኑ ብጭቡጥ ኣነጺራ ተርኢ ጽሕፍቲ ኢያ፡፡ ካልኣይ ነዚ እጂ ዝጽሕፎ ዘሎ ዓብይ ኣርእስቲ ቅድሚ ሸውዓተ ወርሒ መጠንቀቕታ ዝሃበሉን ዘተንበሃልናን ሓሳብ ኢዩ፡፡ ቅድሚ ፍጻመ ስርሒት ፎርቶ ቅድሚ 20 መዓልቲ ዝጸሓፋ ኢያ፡፡ ምሉእ ትሕዝቶኣ ኩሉ ኣንባቢ ይርኣያ ፡፡

  • kebaritekle@yahoo.com July 23, 2013

    እዋናዊ ዛዕባ 2013
    ጻህያይ….. ኣይንግደፍ……?
    ኣቐዲመ ኣብ ውሽጥን ወጸኢ ስደትን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ርሑስ ሓድሽ ዓመትን በዓል ልደትን ክኾነሉ ልባዊ ምንዮተይ እገልጸሉ፡፡ ዓመተ 2013 ዓመተ ሰላም፡ ዓመተ ራህዋ፡ ዓመተ ምትእኽኻብ፡ ዓመተ ዕቤትን ብልጽግናን ክትኮነልና ምንዮተይ ኢዩ፡፡ ብዓቢኡን ልዕሊ ዝኾነን ግን፡ ኣብ ጫፍ ጸድፊ ተገምጊሙ ዝርከብ ኢሳይያስ ዘማእዝኖ ቁንጣሮ ጉጅለ ህግደፍ ብሓባራዊ ቃልስን ጻዕርን ሓንሳብን ንሓዋሩን ተኣልዩ፡ ከም መተካእትኡ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብማዕርነት ፍትሕን ዲሞክራስን ዝጓናጸፈሉ፡ ዝተመንዘዐ መሰል ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ዝምለሰሉ ዓመት ክትኮነልና እምነተይ ኢዩ፡፡
    እዚ እዋናዊ ጽሑፍ ኣብ መጠረሽታ ዕለት ዓመተ 2012 ኣብ ምፍላም ሓድሽ ዓመት ዓመተ 2013 ጻህያይ ኣይንግደፍ ብዝብል ኣርእስቲ እየ ናብ ኣንበብቲ ዝዝርግሖ ዘለኹ፡፡ ንዝተወሰነ ግዜ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ናብ ማሕተም ከብጽሓ ሓያል ጻዕሪ ዝገበርኩላ መጽሓፍ ክውድእ ካብ መሳኹቲ ዌብ ሳይታት ተኣልየ ምጽነሓይ በዚ ኣጋጣሚ ከዘኻኽር እደሊ፡፡ ኣብ መጀመርያ ኣዋርሕ ዓመተ 2013 ዓ/ም ድማ፡ እዛ ሓያል ጻዕሪ ዝገበርኩላ መጽሓፍ ኣብ ማሕተም ኣትያ ናብ ኢድ ኩሉ ኣንባቢ ክትበጽሕ ዝከኣለኒ ዘበለ ክገብር እየ፡፡ እታ ዝዓበየት ሂያበይ ናይ ዓመተ 2013 ክትነለይ ድማ እምነተይ ኢዩ፡፡
    ነቲ ነዊሕ ዓመታት ብዝተደፍነ ዕዉር እምነት ንዘገልገልክዎ ስርዓት ህግደፍ፡ ብመትከል ተቓዊመ ዝዓቕመይ ጸጸር ክድርቢ ኣብ ቃልሲ ብግህዶ ካብ ዝኣቱ እነሆ ክልተ ዓመታት መሊኡ ኣሎ፡፡ ቅድሚ’ዚ ዝነበረ ግዝያት ኣብ ውሽጢ ዓዲ እንከለኹ፡ ዋላኳ ኣብቲ ስርዓት ዝነበረኒ እምነት እናማህመነ ዝኸደን ጽልኣትን እንተነበረኒ ጸኒዐ ዓው ኢለ እቃወሞ ነይረ ክብል ኣይክእልን፡፡ ብርግጽ ውን ስርዓት ህግደፍ ብዝኽተሎ ናይ ሽፍትነት ዓማጺ ስረሓት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዓው ኢልካ ክትቃወም ዝከኣል ኣይኮነን፡፡ ንስርዓት ህግደፍ ዓው ኢለ ክቃወሞ ዝጀመርኩ ናብራ ስደት ኣብ ዝፈለምኩሉ ኢዩ፡፡
    ገና ንስደት እግረይ ካብ ዘንበርኩሉ ግን፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘየለ ነገር ወይ ውን ኣሰሓሒቡ ዘይኮነ ተዘኪሩን ተላዒሉን ውን ዘይፈልጥ ንኣእዛነይ ጋሻ ዝኾነ ነገራት ክሰምዕን ክርእን ኪኢለ እየ፡፡ ዓቕሊ ዋጋ በቕሊ ከም ዝበሃል ህድእ በሊ ነብሲ ክብል ንነብሰይ ባዕለይ ገሲጸያ፡፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ንኹሉ ነገር ብዓቕልን ትዕግስትን ክርእዮን ክምርምሮን ዝነበሩኒ ጉዳያት ምህላዉ ድማ ኣይዘንጋዕኩን፡፡ ምርኣይ ምእማን ስለ ዝኾነ ድማ ርእየን ኣሚነን፡፡ ኢሳይያስ ዘማእዝኖ ስርዓት ህግደፍ ኣስተርሕዩ ኣብ መንበረ ምልኪ ተቐሚጡ ዘሎ ድኣ ኣይ ሓቁ እንድዩ ክብል ውን ተገዲደ፡፡ ሓያለይ ካብተን ልዕሊ ሳላሳ ዝኾና ውድባት ካብቲ ቀንዲ ሓዲድ ቃልሲ ኣንደልሂጸን ኣብ ጫሌዳ መገዲ ዝህውትታ ስለ ዝኾና፡፡ እዚ ሰፊሕ ኣርእስቲ ካልእ ግዜ ብዝርዝር ከቕርቦ ክፍትን እየ፡፡ እቲ ቀንድን ብመትከል ተሓግሒጉ ክእለይ ዘለዎ ጸላኢ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ፡ ስርዓት ህግደፍ ስለ ዝኾነ ግን ኣንጭዋ ትሕለፍ ምእንቲ መጎጎ ክንብል ንግደድ ኣለና፡፡ ከብድና እኽለ ማይ ጥራይ ዘይኮነ ካልእ ግዕዘይ ኣካይዳ ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ውድባት ከም ዓቖረ ግን ምግንዛብ ዘድልዮ ኢዩ፡፡
    እቲ ዝዓበየ እሾኽ መርገም ዝኾነ ጻህያይና ኢሳይያስ ዝውጅሆ ቁንጣሮ ላዕለዎት ጉጅለ ህግደፍ ዝሓወሰ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ኢዩ፡፡ እምነት ኩልና ከምዚ ኢዩ ጸኒሑ፡፡ ክእለይ ዘለዎ ጻህያይ ኢሳይያስ ዝመርሖ በታታኒ ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ኮይኑ ግን ኣይረኸብኩዎን፡፡ ብርግጽ ድማ ክእለይ ዘለዎ ጻህያይ ኢሳይያስ ዝመርሖ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ኣይኮነን፡፡ ማዕረ ማዕረ ስርዓት ህግደፍ ገና ከይጨብጨቡን ከየጉላዕልዑን ክእለዩ ዝግበኦም ካብ እሾኽ ኣሜኬላ ዝገደዱ ባላዒቶ ጻህያይ ከም ዘለዉ ኣብዛ ንዛዝማ ዘለና ዓመት መጠረሽታ ወርሒ ብግህዶ ቁሉዕ ኮይኑልና ኢዩ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መንበረ ምልኪ ተኾይጡ ህዝቢ እናጨፍጨፈ ንህሉ’ዶ ኣይንህሉን ክሳብ ንብለሉ ደረጃ ኣብጺሑና ዘሎ ቀንዲ ጉዳይ ድማ፡ እዚ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ጫሌዳ ኮይኑ ዝቦቖለ ሓደገኛ ጻህያይ ክእለ ስለ ዘይተኻእለ ኢዩ፡፡ እዚ ጻህያይ እዚ’ዩ ንህግደፍ ድርዕን ከውልን ኮይኑ ዘቐጽሎ ዘሎ፡፡ ክሳብ ክንድዚ ዘዛርበና ዘሎ ነገራት ምውሓጥ ስለ ዝኣበየና ጥራይ ዘይኮነ፡ ሚሒር ፈንቲሮም ምሕያኾም ውን ስለ ዝሰኣና ኢዩ፡፡ ህዝቢ ብማዕበል ተንሲኡ ክቃለስ እናደለየ ማኽለኻ ኮይኖም ይዓግቱ ስለ ዘለዉ ኢዩ፡፡ ኩሉ ደላይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ሰዓታት ዕርብርቡ ዝርከብ ስርዓት ህግደፍ ብማዕበል ተንሲኡ ኣብ ሓመድ ድበኡ ክሳተፍ ስምረት እናጠለበ ንስምረቱ ዝዘርጉ ጻህያይ ክብንቆሱ ኣለዎም፡፡
    ንኹሉ ነገር ናይ ቀዳምነት ቀዳምነታት ኣለዎ፡፡ ንሕና እቶም ኣብ መድረኽ ቃልሲ ኣለና ንብል ኣካላት ከኣ፡ ናይ ቀዳምነትና ቀዳሚ ኣየናይ ምዃኑ ከነለሊ ይግባእ፡፡ ቀዳምነትና ከኣ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ስርዓት ህግደፍ ካብ ተወጢሕዎ ዘሎ ናይ ምልኪ ኮረሻ ስልጣን ምእላይ ኢዩ፡፡ ደምበ ተቓውሞ ብዓቢኡ ውን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ግን፡ ነዚ ነገር እዚ መዝገቡ ዓጽዩ ክብርኩትን ከይብርኩትን ኣብ ቦታ ማይ ከይበጸሐ፡ ኣረ ከይተበገሰ ኣብ ዓይነት እቲ ብርኩታ ክማጎት ግዚኡ ብኾንቱ ከሕልፎ ንዕዘብ ኣለና፡፡ ኣብ ክንዲ ስርዓት ህግደፍ ብኸመይ ብዝቐልጠፈ ይእለ ስትራተጂ ሓንጺጹ ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ ቃልሲ ዘበጋግስ ኣብ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ከም ዝኣተወ ኣብ ሕድሕዱ ክካሰስን ክወናጀልን ንርእዮ ኣለና፡፡ ኣረ እቲ ዘሕዝን ሕማም ስርዓት ህግደፍ ከም ዝሓለፎ ውድብ ምሉእ ከደስክል ምዕዛብና ኢዩ፡፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳያት ዓገብ ተባሂሎም ዝሕለፉ ኣይመስለንን፡፡ እቲ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣፍራሲ ጉዳይ ጠንቂ ዝኾነ ተጸጊዑ ዝበቖለ ሓደገኛ ጻህያይ ብዘይ ንሕስያ ተቦንቂሱ ክእለይ ኣለዎ፡፡
    መጠረሽታ ኣዋርሕ 2012 ዓ/ም ክልተ ነገራት ዓይንና ከፊትና ከም ንርእይ ዝገበረትና ዓመት ኢያ፡፡ እቲ ቀዳማይ ዛዕባና ኣብ መፋርቕ 2012 ዓ/ም ቑጠባ ኤርትራ ማርሻ ቀይሩ፡፡ ንድሕሪት ኣብ ዘይ ነሻራትተሉ መድረኽ መቐይሮ በጺሕና፡፡ ክብሉ ኢሳይያስን ገለ ሰዓብቱ ህግደፋውያንን ኣብ ጥራይ ጎልጎል ዝጋዓርዎ ጋዕሮ፡ ኣይ ሰሙን ኣይሳልስቲ ባዶሽ ምዃኑ ዝተቓላዓሉ ኢዩ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ብዘጋጠሞ ቁጠባውን ፖለቲካውን ጥፍሽና ኣብ መጻብቦ ተቐርቂሩ ኢዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣስመራ ዝስተ ማይ ንሓደ ፊስቶ ልዕሊ ሚእቲ ናቕፋ ክሽየጥ ዝተበጻሓሉ ተርእዮ ኢዩ፡፡ ብሰንኪ ዘጋጠመ ከቢድ ቁጠባውን ፖለቲካውን ጥፍሽና ከኣ፡ ኣብ ውሽጢ ወሰንቲ ኣካላት እቲ ስርዓት ምጉጅጃል ተኸሲቱ ኢዩ፡፡ ኣብዚ ኣዝዩ ተኣፋፊ ናይ ዕርብርብ ግዜ ኣብ’ቶም ቀንዲ ወሰንቲ ኣካላት ካብ ክልተ ንላዕሊ ኣብ ሕድሕደን ዝተፋነና ጉጅለታት ከም ዝተፈጥሩ ዝንገረሉ ዘሎ ሰዓታት ኢዩ፡፡ ሓደ ጉጅለ ጸግዕን ተደናጋጽን ምልክነት ኢሳይያስ፡ እቲ ካልኣይ ጉጅለ ንኢሳይያስ ዝጻረር፡ እቲ ሳልሳይ ድማ መርገጺታቱ ዘይተነጸረ ዘሎ ኢዩ፡፡ ብዜካዚ ኢሳይያስ ነቲ ነዊሕ ዓመታት ዝተሓሰሞ ንዛተ ዝብል ዛዕባ መንግስቲ ኢትዮጵያ መዋጽኦ እንተኾኖ ክቕበሎ ደርጓዕጓዕ ዝብለሉ ዘሎ ሰዓት ኢዩ፡፡ ብሰንኪ’ዚ ድማ፡ ብርክት ዝበሉ ኣዝዮም እሙናት ኣገልገልቲ ስርዓት ህግደፍ ዝነበሩ፡ ሰዓታት ጥፍኣት ህግደፍ ኣኺሉ ብምባል፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ፖለቲካዊ ዕቑባ ክሓቱ ዝረኣናሉ ናይ ዕርብርብ ግዜ ኢዩ፡፡
    ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ኣብ ዓሚቕ ዝርዝራቱ ከይኣተኹ፡ ኣብዚ መጠረሽታ ዓመት ኣዛረብቲ ዛዕባታት ካብ ዝነበሩ ሓደ፡ ንጉዳይ ሚኒስትሪ ዜና ስርዓት ህግደፍ ነበር ሕሳስ ልደ ውሉድ ኢሳይያስ ምዃኑ ዝንገረሉ ሚኒስተር ዓሊ ዓብዱ ኢዩ፡፡ ጉዳይ ዓሊ ዓብዱ ክትኣምኖ ዘጸግም ናጤባ ብምዃኑ፡ ንብዙሓት ተቓለስትን እንተላይ ሕሉፋት ደገፍቲ ህግደፍን ኣብ ምጥርጣር ኣእትዩ ኢዩ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ዘይሰርሓን ዘይኣልሞን ድራማ ከም ዘየለ ኩልና ንሰማማዓሉ ሓቂ ኢዩ፡፡ ኮይኑ ግን ጉዳይ ዓሊ ዓብዱ ድራማ ዘይኮነ ዓይኑ ዘፍጠጠ ሓቂ ኢዩ፡፡ ንህሉው ኩነታት ስርዓት ህግደፍ ብደቂቕ ንዝከታተል እዚ ዝተሓብኣ ዝመስል ሚስጢር ቅሉዕ ኢዩ፡፡ ዓሊ ዓብዱ ድማ ብርግጽ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ተዓዚሩ ኢዩ፡፡ ኣብዚ ክንዲ ያሒት ዝኸውን እሙን በዓል ስልጣን ኢሳይያስ ነበር ብኸመይ ስለምንታይ ዝብሉ ሕቶታት ክለዓሉ ግድነት ኢዩ፡፡ ኣብዚ ሓጺር ጽሑፍ ሰፊሕ መብርሂ ክገብረሉ ኣጸጋሚ ኢዩ፡፡ ከምቲ ቀዲመ ዝበልኩዎ ግን ዓሊ ዓብዱ ነቲ ኣሓንቂቑ ዘዕበዮን ዝመልመሎን ከም ኩዕሶ ባሎኒ ኣንጢሩ ኣብ ጥርዚ ኮረሻ ስልጣን ዘደየቦን ኢሳይያስ ራሕሪሑ ሂወቱ ኣብ ከውሊ ከማዕቁብ ተገዲዱ ኢዩ፡፡ ዓሊ ዓብዱ ኣብቲ ብኢሳይያስ ዝተዃነየ መንደቕ ህግደፍ ጉንዲ ዘይኮነ ጨንፈር ሒዙ ኢዩ ተንጠልጢሉ ጸኒሑ፡፡ ሓደ ጸግዑን መድሕኑ ንዝነበረ እቲ ንዕኡ ዝፈጠረ ኢሳይያስ ኢዩ፡፡ ንኢሳይያስ ዘነጻጽር ቅጭ ሕርሙ ኣብቶም ወሰንቲ ኣካላት ስለ ዝተፈጥረ ድማ ንዕኡ ውን ከምዘይ ምሕሮ ኣረጋጊጹ ይፈልጥ ኢዩ፡፡ ዓሻ ድየ በራኺ ድዩ ዝበለ ሰብኣይ፡፡ ዓሊ ዓብዱ ድማ ኣብ መጠረሽታ ሰዓት ንኢሳይያስ ገንሸል ክኾነሉ ኣይክእልን ኢዩ፡፡

  • kebaritekle@yahoo.com July 23, 2013

    Ezi xhuf ezi bzey gele mewredi zwehat xhuf eyu

    msgana nhawna aranshi

POST A COMMENT