Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ፣ ኣብ ኣሜሪካ ንዘለዋ ብፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝመርሓ ቤተ ክርስቲያን ንኸፍርሱ፣ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ዝመርሖም ልኡኻት ናብ ኣመሪካ ኣበጊሱ ኣሎ።

ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ፣ ኣብ ኣሜሪካ ንዘለዋ ብፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝመርሓ ቤተ ክርስቲያን ንኸፍርሱ፣ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ዝመርሖም ልኡኻት ናብ ኣመሪካ ኣበጊሱ ኣሎ። ዮፍታሄ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ኣብ ኤርትራ፣ ነቶም ኣብ ደሴት ላምፓዱዛ ዝሃለቑ ንጹሃት ዜጋታት ጸሎት

ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ፣

ኣብ ኣሜሪካ ንዘለዋ ብፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝመርሓ ቤተ ክርስቲያን ንኸፍርሱ፣

ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ዝመርሖም ልኡኻት ናብ ኣመሪካ ኣበጊሱ ኣሎ።

ዮፍታሄ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ኣብ ኤርትራ፣ ነቶም ኣብ ደሴት ላምፓዱዛ ዝሃለቑ ንጹሃት ዜጋታት ጸሎት ፍትሓት ከይግበር ትእዛዝ ሂቡ ኣሎ።

የማነ ገብረኣብ፣ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ፣ ብግልጺ እዘን ቤተ ክርስቲያናት እዚአን ከነፍርሰን ኣሎና ኢሉ ድሕሪ ምፍካሩ፣ ናብ ኣስመራ ተመሊሱ፣ ንዮፍታሄ ድሜጥሮስን ካልኦት ጳጳሳትን ጸዊዑ፣ እዘን ብኣባ ድዮስቆሮስ ዘይምርሓ ቤተ ክርስቲያናት ኣዝየን ኣሸጊረናና ስለ ዘለዋ፣ ብኣካል ኣሜሪካ ኬድኩም፣ ንህዝቢ ኣእሚንኩም ከተፍርስወን ኣሎኩም፣ ብምባል ኣምሪሩ ድሕሪ ምዝራብ፣ ብፍላይ ኣብ ውሱናት ኣቕሽሽቲ፣ እንተ ክኢልኩም፣ ሓባቢልኩም እንተዘይክኢልኩም ድማ ብዘሎኩም ሓይሊ ካብቲ ህዝቢ ነጽልዎም፣ ዝብል ተሪር ቀጢን መምርሒ ሂብዎም የበግሶም ኣሎ።

ነዚ ኣኼባ እዚ ኣብ ኣሜሪካ ዘወሃህዱ ድማ ኣባላት ህግደፍ ኣብ ሎስ ኣንጀሎስ ካሊፎርንያ ክኾኑ እንከለዉ፣ ቀንዲ ናይ ምስጢር መሳርሒ ዝኾኖም ቀሺ ፍስሃ (ናይ ሓሶት ሽሙ ቀሺ ተኽለሃይማኖት) ዝተባህለ ዘገልግለሉ ቤተ ክርስትያን ክኸውን ተወዲኡ ኣሎ።  ቀሺ ፍስሃ ምስ እዞም ሕጂ ሕጊ ሃይማኖትና ፖለቲከኛታት ክኣትውዎ የብሎምን መንግስቲ ካብ ሃይማኖት ኢዱ የውጽእ፣ እሱራት ይፈትሑ ሕጊ ይንገስ ኢሎም ዝመከቱ ኣቕሽሽቲ ነይሩ ዝጠለመ፣ ብውሽጢ ውሽጢ ዝሰርሕ ዘሎ ምዃኑ፣ ኣብ ከባቢ ቀሺ ሃብቶም ርእሶም  ጸሓፊ ዮፍታሄ ዝርከቡ እሙናት ምንጭታት የናፍሱ ኣለዉ።

ቀሺ ሃብቶም መዓልታዊ ምድውዋል ከም ዝገብርን፣ ክድውል እንከሎ ዋላ ጸሓፊቱ ኣብ ከባቢኡ ከይትህሉን ይጠንቀቕ እምበር፣ እቲ ምስጢር ብዝተፈላለየ መገዲ ምውጽኡ ኣይተረፎን።

ብተወሳኺ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ፣ ኣብ ኣስመራ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ነዞም ናይ ላምፐዱዛ ኣብ ባሕሪ ዝጠፍኡ፣ ብመንግስቲ ዝኾነ መምርሒ ክሳብ ዝወሃብ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ጸሎት ፍትሓት ከይትገብር፣ እዚ ዝገበረ ቀሺ ተሓታቲ ብገበን ምዃኑ ንኣቕሽሽቲ ከልኪሉ ኣሎ። ስለዚ ድማ ክሳብ ሕጂ ዋላ ደቆምን ቤተ ሰቦምን ዝሞትዎም ኣቕሽሽቲ ዝኾነ ጸሎት ንምግባር ኣይከኣሉን፣ ኣብ ሃገረ ሰባት ዝርከቡ ተባዓት ኣቕሽሽቲ ግን ድሕሪ ደቅና ዝብል ትብዓት ሒዞም ጸሎት ፍትሃይ ይገብሩ ኣለዉ፣ ብፍላይ ኣብ ኣስመራ ግን ትእዛዝ ዮፍታሄ ፈሪሆም ኣይተገበረን።

ንሕና እቲ ዘለና ሓበሬታ ንህብ ኣለና፣ ነዞም ኣቦኦም ኣብ መዓሙቕ ጉድጓድ ኣሲሮም ክዳኖም ቀንጢጦም፣ ኣብ ጸልማት ደርብዮም፣ ፍቕሪ ክሰብኩ ዘይሓፍሩ ፓትርያርክ ንይምስለ ሒዙ እዩ ዮፍታሄ ተበጊሱ ዘሎ።

ግዱሳት ብሃይማኖቶም ካብ ኣስመራ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
21 COMMENTS
  • What's up October 27, 2013

    Good Info..

    Well first thing first, let’s get the scandalous Keshi Fesha(Teclehaimanot) in Los Angels. Most people in La and vicinity know this corrupted priest, if you don’t know him here is a hint (he looks like a disgruntled Taliban, fresh out of the woods) can’t miss him.
    This guy has been on welfare since he came to this country 20 yrs and more and doing his lucrative business of selling enjera and donating a hefty share of his income to PFDJ. He is playing with American tax payers money.
    Let’s call the the government agencies that deal with this kind of improper act and bring him to the court of law.
    Time to act. No more sitting around and waiting for this Taliban to promote his destructive divide and rule policy instructed by his maters.
    Anyone who has any more info. about this guy, bring it forward and collect more info. about him.

  • Kabbire October 27, 2013

    ዮፍታሄ ድሜጥሮስ የማነ ገብረኣብን ካለኦት ኣህባይን መሬት ጸቢባቶም ዋጭ ዋጭ ይብሉ ኣለዉ።

  • Concerned Eritrawi October 27, 2013

    Let us all follow thisevil man and see what he is upto

  • tz October 28, 2013

    For PFDJ I give them NEW NAME from now we need to call them!!!!! (CHERNA) !!! I HOPE YOU follow me
    I♡♥ ERITREA♡♥

  • Almaz Gaul Asmera October 28, 2013

    ካብ ህበይ ድኣ ክፋእ እምበር እንታይ ጽቡቕ ምኽሪ ኪወጽእ። እቲ ቁራጽ ሰይጣን ኣሰለትን ዕንቅርቢት የማነን ሕዝብናን ዓለምን ከይፈለጠኩም ከሎ ዚተጻወትኩምልና ይኣክል። ሎሚ እኮ ግዜ ተቐይሩ እዩ። ነቶም ብዝተፈላለየ ኣስማት ኣጸሊምኩም ካብ ሕዝቢ ከተንጽልዎም ክሳዕ ዝክኣለኩም ተቓሊስኩምዎም መሊሱ መብሊሕኦምን መበርትዒኦምን ዝኾኑ ካህናት ሓድሽ ወለዶ ካብ ዝገምትኩምዎም ንላዕሊ ኮይኖምኹም። በቲ ዓምዩቕ ኃይማኖታዊ ፍለጠቶምን ስብከቶምን ዳርጋ ልቢ ኹሉ ኣብ ስደት ዝነብር ሕዝብ ረኺቦምዎ። ኣብ ዓዲ ዘሎው’ውን ለውጢን ዕብየትን ቤተክርስትያን ካብ ስደት ኪመጸሉ ሃንቀው ይብል ኣሎ።
    እተን ናይ ምትላል ካርታኹም ኩለን ተጻዊትኩምለን ኢኹም። ብወዲ ዲሞጥሮስ ወይ በቶም ባምቡላ ጳጳስ ኣብ ዲዮስቆሮስ ዝመጽእ ለውጢ የሎን። እቲ ናይ ለውጢ ማዕብለ ድሕሪ ደጊም ዓጋቲ የብሉን። ዕምርኹም ከተንውሑ እኳ እተፈተንኩም፥ ትልኽ እንዳበልካ ሞት እምበር ካልእ ዕጫ የብልኩምን። ገበንኩም መጠን ተሳኢንዎ ንዓልምን ሕዝብን ኣስደሚምዎ እዩ። ካብቲ ጥንታውን ዓብዪን ኃይማኖት ናይ ኣቦታትና ውረዱ፥ እቲ እኩይ ውጥንኩም ተግበርክምዎ ማለት ዘበት እዩ።

  • Mengsteab Haile October 29, 2013

    what all these lies first of all the only conference will take place in Los Angeles is the Annual conference of Diocese of UAS and Canada. there is no such lies happening in our city. we are united and firm church out of all churches in U.S. We do not have any relation with the case of Abune Antonios. I do understand this news is from such irresponsible people in Los Angles.The people who commented about Keshi Tecklehaimanot please refrain from evil comments your lie has to be supported by evidence.

  • yared October 30, 2013

    hasawi entay evidenes adluka adi zeyblkum ayashu sebat konkum ember maes tefeukum menenet tkabo hizkum eritra ko

Post a Reply to What's up Cancel Reply