Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” 7ይ ክፋል

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና "ህግደፍ" 7ይ ክፋል ኣምልኾ መላኺ ኢሳያስ ሓደ ካብ ተልእኾታት ሚኒስትሪ ዜና ንኢሳያስ ልዕለ ሰብ (Super Human) ወይ ኩለንትናዊ ሰብ ኣምሲልካ ምቕራብ እዩ። ኢሳያስ ኣብ ዓውድታት ፖለቲካ፣ ሕርሻ፣ ምህንድስና፣ ቁጠባ፤ ኮታ ኣብ

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” 7ይ ክፋል

ኣምልኾ መላኺ ኢሳያስ

ሓደ ካብ ተልእኾታት ሚኒስትሪ ዜና ንኢሳያስ ልዕለ ሰብ (Super Human) ወይ ኩለንትናዊ ሰብ ኣምሲልካ ምቕራብ እዩ። ኢሳያስ ኣብ ዓውድታት ፖለቲካ፣ ሕርሻ፣ ምህንድስና፣ ቁጠባ፤ ኮታ ኣብ ኩሉ ዝተማልአ ፍልጠት ዘለዎ ሊቕ ኮይኑ ንዝቐርበለን መደባት ኤሪ ቲቪ ዘየስተብሃለ ሰብ ክህሉ ኣይክእልን። ምስሊ ኢሳያስ ብኸምዚ ኣገባብ ኣብ ሚድያ ክቐርብ ስለዝድለ እምበኣር ኣብ ህዝቢ ከም ዓበይቲ መምሃራን ዝጥመቱ ሓለፍቲን ካድራትን ካብ ሚድያ ተኣጊዶም ኢዮም። ምኽንያቱ ነቲ ክስራሕ ዝድለ ምስሊ ኢሳያስ ዝወዳደር ካልእ ምስሊ ኣብ ማዕከናት ዜና ክፍጠር ኣይድለን።

ንኣብነት ኢሳያስ ኣብ ሓደ ፍርያቱ ናብ ህዝቢ ዘየብጽሕ ሕርሻዊ ከባቢ ዑደት ገይሩ እንተተመሊሱ፡ ኣብቲ ቦታ ዑደት ከም ዘካየደን ንኣካየድቲ እቲ ስራሕ መምርሒ ስራሕ ከም ዝሃበን ዝገልጽ ዜና ይስራሕ። ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኮፍ ኢሉ ዝወዓለ ኢሳያስ ንሓደ ኣብ ቦታ ስራሕ ኮይኑ ስራሕ ዝመርሕን ዘካይድን ክኢላ መምርሒ ስራሕ ሂብዎ ተባሂሉ ክዝረብ ሃየንታ ኣለዎ። ኣብ እንዳ “ህግደፍ” ግን ሕንከት ስለዘየለ፡ ኢሳያስ መሃንድስ ባዕሉ፡ ነዳቓይ ባዕሉ፡ ክኢላ ሕርሻ ባዕሉ፡ ኢኮኖሚስት ባዕሉ፡ ዲፕሎማት ባዕሉ፡ ፖለቲከኛ ባዕሉ፡ ሓጋጊ ባዕሉ፡ ፈራዲ ባዕሉ፡……….እንታይ’ከ ባዕሉ ዘይከዉን!?

ኣብ ሃገርና ብህዝቢ ከም ዓበይቲ ፓብሊክ ፊገርስ ዝጥመቱ ሓያለ ሰባት ብመደብ ካብ ሚድያ ተኣጊዶም እዮም። ገለ ካብቶም ዉሑዳት ንነዊሕ እዋን እጉዳት ዝነበሩ፦ ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ፤ ኣቶ ዘምህረት ዮሃንስ፤ ደራሲን ተመራማሪ ታሪኽን ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ ተኪአ በየነ፡ ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነበር ኣቶ ጠዓመ በየነ፤….ወዘተ ክኾኑ ከለዉ ከከም እዋኑ ከኣ በዓል ነፍስሄር ሚኒስተር ሳልሕ መኪ፤ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬምን ካልኦትን እጉዳት ነይሮም። እቲ ናይ እገዳ ዉሳነ በብእዋኑ ስለ ዝሕደስ፣ ቅድሚ ኵሉ ዝሕበሩ ናይ ቴለቪዥን ኤዲተራት እዮም። ካብ ወጻእተኛታት ድማ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ኔልሰን ማንዴላ ኣብ ማዕከናት ዜና “ህግደፍ” እንተስ ብጽቡቕ እንተስ ብሕማቕ ክለዓል ዘይድለ ሰብ እዩ። ብፍላይ እዞም ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎም ኤርትራዉያን ኣብ ሚድያ ቀሪቦም ከም ሰቦም ቃለ መሕትት ክገብሩ ወይ ብዛዕባኦም ገለ ነገር ንኽበሃል ዓሊ ዓብዱ ክፈቅድ እንተኾይኑ ናይ ግድን ፍቓድ ኣያኡ ክረክብ ኣለዎ። ስለዚ እቲ እገዳ ኢሳያስ ዝዉስኖ ዓሊ ድማ ዝትግብሮ እዩ።

(ኔልሰን ማንዴላ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ስሙ ክርቋሕ ዘይድለ ሰብ ምዃኑ ብኣጋጣሚ እየ ፈሊጠ። ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣዳላዊ ዓምዲ “ተጠመትቲ ሰባት” ዝነበረ ምሉእብርሃን ሃብተገብርኤል ምስ ኣባላት ሬድዮ ባና ምስ ተኣስረ ነታ ዓምዲ መተካእታ ሰብ ክሳብ ዝግበረላ ኣነ ብግዝያዉነት ሒዘያ ነበረኩ’ሞ ሓደ መዓልቲ ብዛዕባ ታሪኽ ህይወት ኔልሰን ማንዴላን መንእሰያት ካብኡ እንታይ ክንመሃር ከም ዝግበኣናን ዝገልጽ ዓንቀጽ ኣዳልየ ንኽሕተም ናብ ዋና ኣሰናዳኢ ሒዘሉ ምስ ከድኩ ብዛዕባ ማንዴላ ምዝራብ ፍቑድ ከም ዘይኮነ ብዘየወላዉል ቃላት ሓቢሩ ብዛዕባ ካልእ ተጠማቲ ሰብ ክጽሕፍ ኣዘዘኒ። ሽዑ በቲ ዝተዋህበኒ ሓበሬታ ኣመና እናተገረምኩ “እሞ ብዛዕባ ፕሮፌሰር ፍረድ ሆሎውስ እንተጸሓፍኩ’ኸ” በልኩዎ። “ፍረድ ሆሎውስ ደኣ መሓዛ ሰዉራ ኤርትራ ስለዝነበረ ዝበለጸ!” ኢሉ መለሰለይ። ኣነ’ዉን ብዛዕባኡ ጸሓፍኩ። ንእግረ መገደይ ግን ክፈልጦ ዘይነበረኒ ሓበሬታ ፈለጥኩ)

* * *

መራሒ ሰሜን ኮርያ ዝነበረ ዳግማዊ ኪም ኢል ጆንግ ምስ ሞተ ህዝቢ ሰሜን ኮርያ ኣብ ከቢድ ሓዘን ከም ዘሎ ዘርኢ ምስልታት ብመደበራት ቴሌቪዥን ሰሜን ኮርያን ቻይናን ናብ ዓለም ይፍኖ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። ፕረዚደንት ኪም ኢል ጆንግ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሕልፍ ዝበለ ጭቈና ዝገብር ጸረ ህዝቢን ጸረ ደሞክራሲን መራሒ ብምንባሩ ብማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ብኣሜሪካ ወትሩ ኢዩ ዝኹነን ዝነበረ። ዓሊ ዓብዱ ግን ነቲ ብሞት መራሒ ሰሜን ኮርያ ኣብ ኮርያ ተራእዩ ተባሂሉ ዝተፈነወ ናይ ሓዘን ሃዋሁ ናብ ረብሓ ስርዓት “ህግደፍ” ብምቕያር ነተን ወትሩ ንኢሳያስ ዝኹንና ሃገራት ምዕራብ ንምጥቃዕን ንስም ኢሳያስ ንምዕባይን ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ክጥቀመሉ ሓሰበ። ስለዚ ድማ፡ “መራሒ ሰሜን ኮርያ ከምቲ በዓል ኣሜሪካ ዝብላኦ እንተዝነብር ደኣ ከመይ ኢሉ ህዝቡ ምስ ሞተ ይበኽየሉን ይሓዝነሉን ኣሎ!?” ዝብል ሕቶ ዘለዓዕል መደባት ብኹለን ማዕከናት ዜና ንኽመሓላለፍ ኣዘዘ። ቅኒት ናይቲ ክመሓላለፍ ዝደለዮ ትሕዝቶ መደባት ኪም ኢል ጆንግን ኢሳያስን ሃገራቶም ብኣሜሪካ ንኸይንብርከኻ መዘና ኣልቦ ተራ ዝጻወቱ ዘለዉ መራሕቲ ምዃኖም ዝገልጽ ነበረ። ብኡ መሰረት ድማ ኣብቲ እዋን ካብ ኣገልግሎት ዜና ሰሜን ኮርያ ዝዝርግሑ ዝነበሩ ናይ ፈጠራ ዜናታት ናብ ትግርኛ እናተተርጎሙ ንህዝቢ ኤርትራ ክቐርቡሉ ጀመሩ። ከም ኣብነት ንሓንቲ ካብተን ሽዑ ኣብ ናይ 26 ታሕሳስ 2011 ሕታም ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝወጸት ዜና ክጠቕሰልኩም። እዝከረኒ እታ ዜና ከም ዘላታ ካብ ሓዳስ ኤርትራ ተቘንጪላ ኣብ ኣሰና ወጺኣ ዝነበረት ኮይና መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ኢል ጆንግ ካልኣይ፤ ቅድሚ ምዕራፉ ኣብ ዝነበረ ሒደት ደቓይቕ ኣብታ ሃገር ‘ወዝቢ’ ክትብሎም ዘየድፍሩ ኣገረምቲ ፍጻመታት ከም ዝተኸስቱ ብምግላጽ ነቲ ፍጻመታት ብኸምዚ ዝስዕብ ዘርዚራቶ ነይራ፦

“ኪም ጆንግ ቅድሚ ምዕራፉ ኣብታ ሃገር ዝረግፍ ዝነበረ ብርቱዕ ዉርጪ ብቕጽበት ክቋረጽ እንከሎ ኣብ ልዕሊ ‘ፓይክቱ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቅዱስ እምባ ዝነበረ ሰማያት ድማ ሃንደበት ናብ ቀይሕ ተለዊጡ። ብዘይካ’ዚ እቲ መራሒ ቅድሚ ዕረፍቱ ኣብ ዝነበራ ሒደት ደቓይቕ ኣብ ባቡር ተሰቒሉ ሰንጢቕዎም ዝሓለፈ ናብ በረድ ዝተለወጡ ቀላያት ብኡ ንብኡ ብርቱዕ ድምጺ ፈጢሮም ፈጋዕጋዕ ከም ዝበሉ፤ ብዝሒ ዘለወን ናይቲ ከባቢ ፍሉያት ኣዕዋፍ’ዉን ንሓወልቲ ወላዲ ናይቲ መራሒ ክኾላኦ ከም ዝወዓላ ኣገልግሎት ሰሜን ኮርያ ሓቢሩ።” እናበለ እቲ ዜና ትሕዝቶኡ ይዛዝም። ኣገልግሎት ዜና ሰሜን ኮርያ ከምዚ ዓይነት ዜና ክሰርሕ ከሎ ንኪም ኢል ጆንግ ካብ ተራ “ሰብ”ነት ኣውጺኡ መለኮታዊ ሓይሊ ዘለዎ ፍጡር ከምስሎ ስለዝደለየ እዩ። ነዚ ከምዚ ዓይነት ናይ ፈጠራ ዜና ናብ ትግርኛ ተርጒምካ ንህዝቢ ኤርትራ ምንጋር ግን እንታይ ማለት ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ ነይሩ። ኢሳያስ’ዉን ልክዕ ከም መራሒ ሰሜን ኮርያ ብማሕበረሰብ ዓለም ኩኑን ስለዝኾነ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ኪም ኢል ጆንግን ምምስሳላት ብምፍጣር፤ “ህዝቢ ሰሜን ኮርያ ጥራይ ዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ’ዉን ዘይከም’ቲ በዓል ኣሜሪካ ዝብልኦ ሞይቱ ዝሓዝነሉን እናበኸየ ዝቐብሮን መራሒ ዝተዓደለ ህዝቢ እዩ” ንምባል ነበረ።

ቅድሚ እዚ ፍጻመ’ዚ ላዕለዋይ ሓላፊ ኣልጀዚራ ኔትዎርክስ ዝነበረ ሚስተር ወዳሕ ኸንፈር ኣብ ኤርትራ ዑደት ብምግባር ንኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ኣኼባ ገይሩልና ነበረ። ነቲ ኣኼባ ዓሊ ዓብዱን ሚስተር ወዳሕ ኸንፈርን ጎኒ ንጎኒ ኮፍ ኢሎም እዮም ኣካይዶምዎ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ብዙሕ ነገር ተወርየ። “ሚኒስትሪ ዜና ምስ ኣልጀዚራ ኔትወርክ መስሪትዎ ዘሎ ዝምድና መቐጸልታ ናይቲ ብደረጃ መንግስቲ ምስ መንግስቲ ቐጠር ዘሎ ዱልዱል ዝምድና ስለዝኾነ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ” እናተባህለ ብዙሕ ተዘርበ። ድሕሪ’ቲ ምስ ሚስተር ወዳሕ ኸንፈር ዝተገብረ ርክብ ኣብ ዉሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ቴሌቪዥን ኣልጀዚራ ንኤርትራ ዝምልከት ሓደ ዶኲመንታሪ ፊልም ተፈነወ። ኣርእስቲ ናይቲ ፊልም “ኤርትራ፡ ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ” ዝብል ነበረ። ሽዑ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዓሊ ዝተፈጥረ ዕግርግር ሎሚ ኮይኑ ይረኣየኒ። “ኣልጀዚራ እንታይ ወሪድዎም!? ከመይ ገይሮም ንዓና ምስ ሰሜን ኮርያ የመሳስሉና። ንሕናን ስሜን ኮርያን’ዶ ሓደ ኢና!?” ዝብል ድምጽታት ተሰምዐ። ዓሊ ሓሲብዎ ዝነበረ “ምስ ኣልጀዚራ ዝምድና ስለዝተገብረ ኣብቲ ቴሌቪዥን ንስርዓት ህግደፍ ዘቃልዕ ሓበሬታ ኣይክወጽእን እዩ” ዝብል ግጉይ ግምት ነበረ። ብርግጽ ኣልጀዚራ ዝምድና ዝጸልእ ትካል’ኳ እንተዘይኮነ ንሓቂ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣእትዩ ምስ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” ዝመሓዞ ትካል ግን ኣይኮነን።

እቲ ኣልጀዚራ ዘዳለዎ መደብ ምስ ተፈነወ ዓሊ ዓብዱ “ንሕናን ሰሜን ኮርያን ሓደ ኣይኮናን። ኩነታትናን ኩነታት ሰሜን ኮርያን ይትረፍ ክመሳሰል ዝቀራረብ’ዉን ኣይኮነን” እናበለ ከንጸርጽር ከም ዘይጸንሐ መራሒ ሰሜን ኮርያ ምስ ሞተ ግን ንኪም ኢል ጆንግን ኢሳያስን ኣመሳሲሉ ህዝቢ ከደዓዕስ ምፍታኑ ዝገርም እዩ። ፈቲና ጸሊእና ግን ሃገርና ኤርትራ ንጹል መንግስቲን ንጹል ሕብረተሰብን ዝነብረላ ዕጽዉቲ ሃገር ስለዝኾነት ምስ ሰሜን ኮርያ ትመሳሰል ጥራይ ዘይኮነ ንሰሜን ኮርያ’ዉን ትሓልፋ እያ። ዓሊ ግን ክሳብ ክንዲ’ዚ እዩ በታ ዘይተኸንሸበትን ፊደል “ረ” ኣጥዕያ ዘይተድምጽን ኮርታዕ ልሳኑ ገይሩ ህዝቢ ከደናግር ዝፍትን።

ዓሊ ዓብዱ በቲ ሸሓጢ ባህርያቱ ንኢሳያስ ከም ዘምልኾ ተዋስኦ ክገብር፤ ድምጻዊት ሄለን መለስ ኣብ በዓል ፈንቅል ዝደረፈታ ንጽል ዜማ ስሌኡ ከም ዝድረፈሉ ገይሩ እዩ። “ኣድሃ!” ዘርእስታ ዜማ! ትርጉም ‘ኣድሃ’ ኣብ ናይ ተክአ ተስፋይ መዝገበ ቃላት ትግርኛ ገንጺልኩም እንተትርእይዎ እዚ ኹሉ’ስ ንኢሳያስ ምበልኩም። ዓሊ ዓብዱ ከምቲ ቈልዑ ሃገርና ኣብ ግዜ በዓላት ገዛ ገዛ እናኸዱ ዝደርፍዎ “ኣያየ ወርቂ ስዓቱ ኦፔል እያ መዛወሪቱ” ዝዓይነቱ ደርፊ ንኢሳያስ ዘድረፈሉ ኮይኑ ምተሰምዓኩም። ግጥሚ ናይዛ ደርፊ መን ድዩ ደሪስዎ ዝብል ሕቶ ምስ እትሓቱ “ሰሎሞን ድራር” ዝብል መልሲ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ቅድሚ ሓደ ዓመት ምስ ሬድዮ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርኩዎ ቃለ መሕትት ንዓሊ ዓብዱን ሰሎሞን ድራርን “ኣብ Odd ሰዓታት እናተራኸቡ Odd ስራሕ ዝሰርሑ ናይ ተንኮል ኣዕሩኽ!” ብዝብል ቃላት ገሊጸዮም ነይረ። ስለዚ እታ ዜማ ዓሊ ዓብዱ ንስነ ጥበባዊ ዓቕሚ ሰሎሞን ድራር ተጠቒሙ ንኢሳያስ ዝወደሰላ ዜማ እያ ነይራ። ንምዝኽኻር ገለ መስመራት ግጥሚ እዛ ደርፊ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፦

ኣድሃ ንበረልና ንበር
ሃገር ክትዉስኽ ተኣምር
ኣድሃ ንበረልና ንበር
ዓለም ጸገማታ ክትምርምር

ተመዚንካ ሚዛን ስብእነት
ነቕ ዘይብል ዘይነጽፍ ሓሞት
ኣበደን ኢልካ ኣይንብርከኽን
ይትረፍ ንሰብ ንጸሓይ ተድንን

ኣብዛ “ዉዳሰ ወ ኢሳያስ” ዝኾነት ግጥሚ ብዙሕ ክዛረብ ኣይደልን። እንተኾነ ግን ነተን “ኣድሃ ንበረልና ንበር ዓለም ጸገማታ ክትምርምር” ከምኡ’ዉን “ይትረፍ ንሰብ ንጸሓይ ተድንን” ዝብላ መስመራት ኣስተዉዒልኩም ከተንብቡወን እሓተኩም።

ሻምናይ ክፋል ይቕጽል…

ኣማኑኤል ማህደረ
(iamamanuel@yahoo.com)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • Harnetna2013 February 12, 2013

    SEMIEN KORYA IS BETTER THAN ERITREA, SEMIEN KOREA HZBOM AMHIROM KSAB AEB TEFER ATOMOSPHER ZBERU DELEWU MHURAT AYOM. ERIREA ISAYAS KNDOM KKEWN 1000 AMET YWESDELU, SEMIEN KORYA,WALA’KA BI DICTATOR YGEZAU AMBER MHURAT AYOM,

  • sara gual eritra February 12, 2013

    TEBAE TSEHAFI JIGNA
    AZIYE YEDNIKEKA GOD BLESS YOU

    • Dawit Meconen February 13, 2013

      First correction of words:

      1. Neber== is not Tigrigna; it is Amhara word.

      Nebere, Z’nebere==== Tigrigna.

      We do not say: Neber koinu; instead we say, Nebere koinu.
      2. Kule-entenawi=== is not Tigrigna; it is Amhara word

      Bklu-shenkat==== Tigrigna

      3. Mela====is not Tigrigna; it is Amhara word

      MuluE==== Tigrigna
      We do not say, Mela Hager,Mela Hzbi; instead, we say, muluE hager, muluE Hzbi

      Yes, EriTv is not crafted to advance the interest of the people of Eritrea and their Sovereignity but step by step to brain-wash the people, at home and abroad, into worshipping the Cult of Isaias Afewerqi. But this is not the end in itself but a means to something more sinister, as I have said many times.
      Let me use the Surgeon and patient analogy to explanin what Isaias Afewerqi is doing. A surgeon does not operate on a paient while awake. He anesthesizes him first, that is he injects him a number medicines that takes away his pain consciousness and relaxes his muscle. Once he achieves the desire end, he moves to the next step, the operation.

      The difference between the Surgeon and Isaias Afewerqi is, while the first is attempting to improve the patient by taking way his disease, the second is surrepitiously attempting to kill the people for secrete motive.

      As administering tranuilizers, analgesics and muscle relaxants into the patient’s blood is to effectively conroll the patient so the Surgeon can do his business, Isaias Afewerqi’s day in and day out of brain-washing the people into worshipping his cult is to control them pychologically, spiritually and emotionally so he (Isaias) can manipulate them easly into their demise.

      However, the arsenals Isaias Afewerqi has amassed at his disposal is not limited to EriTV, his interviews , speeches and that of his handpicked cadres, who are like him in origin and mental attitude but also includes sources of fears, such as killing squads, prison, denial of jobs, assignment to harh places in perpetuity, isolating the country from the rest of world community economically, socially etc, forcing the people to flee their country, getting the country under sanction by UNSC etc.

      O simple minded Eritreans!

      Rise up and throw away the author of all your plights, Isaias Afewerqi,the master of all diguises, the evil incarnate but again, didn’t our forefathers warn us of this, that Libi Tigrai Is Twi Twai?

      Foregetting the knowledge your forefathers left you, you are quarreling against each other as either followers of Isaias Afewerqi or woyane and they are laughing at your folly watching you building their citadel in the ashes of your own.

      “Zom Adna Wai-zom Aiashu, Zai’Embana’mber Nai-men Emba Ferisu”,

      was the lament of the Melaqasai uttered when he saw his people engaged in destruction against each other under similar circumstances.

      O Simple Minded Eritrean Intellectuals, or rather pseudo-Intelectuals!

      When are you to try to remove the fog from Eritrean intellect, to help them see the sinister situation unfolding before them?

      • Dr. Tedros February 13, 2013

        kkkkkkkkkkkkk you got to be kidding me. Instead of giving correction of words, you had to elucidate clearly how the ‘”simple minded” eritrean intellectuals can contribute their utmost best in the struggle agaisnt the dictator. By the way, amharic and tigrigna have the same rooms as speakers of both languages are in essence ethiopians.

        • Dawit Meconen February 13, 2013

          It is self evident that an intellectual does not need an elucidation in helping less fortunate others to think clearly and act correctly.

          Your second point is wishful thinking.

          • Dr. Tedros February 14, 2013

            Well kkkkkkkkkkk why did you then call the intellectuals “simple minded” or psudo -intellectuals ? Didn’t that imply that you consider them less intellectuals ?

  • habte February 12, 2013

    kulitn libin eretrawi imber nay semen koreawi aytesheten.slezi semen korea thaysh.
    seb bAkalu eyu zshyet zelo eritrawi.
    yekenyelna Amanuel Thank you good anyalysing.

  • kemal February 12, 2013

    A touching and a noble work which exposed the shameful spider net of PFDJ’s conspiracy in a concise and smart way Amanual hawuna. Keep the good job friend.

  • Fact-is-Fact February 12, 2013

    Amanuel,
    Your tigrigna writings are as rich in contents as in forms. Your message should not be seen as exposing what you have witnessed but also as a person who is writing it in the lnaguage that you are proud of. Thus please do not add/inject English words such as ፓብሊክ ፊገርስ in your beautiful tigringa writings. Make extra effort to find the proper Tigrina words and make your writing as pure as possible. Because, there are people (Eritreans) who are extremely proud of their language, words and do neither wish to see it muddied nor mixed up with English, German, Arabic…, I am sure you agree. If you hadn’t had the passion for your own language, you could have written it in English.

    Best wishes & Keep it up!

  • selam February 12, 2013

    ብጣዕሚ ሓባሪን መሃርን ጽሑፍ፣ ቀጽሎ ኣማንኤል። መን ይነገር ዝወዓለ፣ መን የርድእ ዝቐበረ፣ ከም ዝበሃል ኣብቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣደንቂርካ ንምግዛእ ተንኮል ክፈሓሰሉ ዝውዕልን ሓሶት ዝመሓዘሉን መደበርን ብኣካል ስለ ዝነበርካ ካባኻ ብዙሕ ኢና ንፈልጥን ንመሃርን ዘለና ስለ ዚ ቀጽል። ግን ንዝያዳ ሐሰበሬታ ብዛዕባ እቲ ታሪኽ ናቶም ተአሰሲሮም ዘለዉ ጀጋኑ ኤርትራውያን ሓለፍቲ ታሪኾም ንምድምሳስን ምስሎም ንምሀሳስን ብዛዕበኦም ዝኾነ ሓበሬታ ማለት ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኾምን ኣበርክተኦምን ማለት እዩ ኣብ ዝኾነ ንኸይረአ ዝስርሓሉ ከመይ ይመስል ኣዕልለና። ንኣብነት ኣብ ዝኾነ ህግደፍ ዘዳልዎ ናይ ስእሊ ኤግዝብሽን ኮነ ዶኩመንታሪ ወይ ውን ብስእሊ ዝተሰነየ ታሪኽ ተጋዳላይን ተጋዳሊትን ኣብ ጋዜጣ ክጸሓፍ ከሎ ብዛዕበኦም ዝሞልቅ የለን። ነዚ መን እዩ ኤዲት ዝገብሮ።

  • Berta P. Madden February 13, 2013

    ንኣብነት ኢሳያስ ኣብ ሓደ ፍርያቱ ናብ ህዝቢ ዘየብጽሕ ሕርሻዊ ከባቢ ዑደት ገይሩ እንተተመሊሱ፡ ኣብቲ ቦታ ዑደት ከም ዘካየደን ንኣካየድቲ እቲ ስራሕ መምርሒ ስራሕ ከም ዝሃበን ዝገልጽ ዜና ይስራሕ። ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኮፍ ኢሉ ዝወዓለ ኢሳያስ ንሓደ ኣብ ቦታ ስራሕ ኮይኑ ስራሕ ዝመርሕን ዘካይድን ክኢላ መምርሒ ስራሕ ሂብዎ ተባሂሉ ክዝረብ ሃየንታ ኣለዎ። ኣብ እንዳ “ህግደፍ” ግን ሕንከት ስለዘየለ፡ ኢሳያስ መሃንድስ ባዕሉ፡ ነዳቓይ ባዕሉ፡ ክኢላ ሕርሻ ባዕሉ፡ ኢኮኖሚስት ባዕሉ፡ ዲፕሎማት ባዕሉ፡ ፖለቲከኛ ባዕሉ፡ ሓጋጊ ባዕሉ፡ ፈራዲ ባዕሉ፡……….እንታይ’ከ ባዕሉ ዘይከዉን!?

  • sarah February 13, 2013

    Amanuel,
    An interesting text. I am impressed at you intellectual capacity and potential (I mean considering the buffer between intellect and eritreans back home). You are one to be saved for a future Eritrea. KEMAKHA YBZHU ZRAYWO ZEZAREBU!
    Good work again!

  • Meretse Asmelash February 13, 2013

    ሰላም ንዓካ ኣማኒኤል ፡ ከምኡውን ንኣንበትትን ወሃብቲ ሪኢቶን፡-
    መጀምርያ ብመልክዕ ጽሑፍ ናይ ዝቀርብ ሓቤርታካ ኣድናቒ እየ ፡ ጽሑፍካ ካብ ሓቤረታ ሓሊፉ ኣብ ምምዕባል ቛንቛ ትግርኛ ዘሎዎ ጊደ ዓቢ እዩ ፡ ዝኾነ ሰብ ብዝኾነ ቛንቛ ኣብ ዝራከበሉ ግዜ “ግር” በሃለይ እዩ፣ ኣብነት ኣብ ዝረኽበሉ ግን ከኣ “ቖብ” ኣባላይ እዩ ፡ ጽሑፋካ ነዚ ኣማሊኡ ስለ ዝወጽእ ብዙሓት ሰባት ዝሃርፍዎ ይመስለኒ፡ ካብ ግሩም ሓቤረታ ምባል ሓሊፈ ዝብሎ የብለይን ፡ ቀጻሊ ጽሑፍካ ንምንባብ ድሉው እየ ፡
    ንእግሪ መገደይ ግን ንኣንበብትን ወሃብቲ ርኢቶን እዚ ዝስዕብ ክብል ምደለኩ ፡ ብሰንኪ ሓደ ጽሑፍ ዝወሃቡ ርኢቶታት’ውን ጊደ ኣሎዎም ፡ ብዝተኽኣለ መጠን ንምንታይ ከም ዝደገፍናያን ወይ’ውን ዝተቓወምናያን እንተቀመሎም ሙሉእት ሓሳብት ሚዛኖም ዝሓሎዉ ምስ ዝኾኑ ኣዝዩ ደስ ዘብል ምኾነ ፡ ንኣብነት ሓንቲ ዕላል ከካፍለኩም፡ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ኣብ ሓደ ውራይ ንኣቦ ዳስን ንዓይን ዘየረዳድእ ኹነታት ተፈጥረ ፡ ንክንረዳዳእ ደገ ኣብ ዝወጻእናሉ ግዜ ሓደ ካብቶም ተዓዘብቲ ኣብ ጉንዲ እዝነይ ቅርብ ኢሉ “ኣንታ ወዲ ዘይትዓቢ” በለ ፡ ኣነ ነቲ ሒዘዮ ዝነበርኩ ጉዳይ ጠንጢነ ናብ’ዛ ዳሕረውይቲ ገጸይ መለስኹ ፡ ከመይሲ ኣነ ንምዕባይ ሓሊፈስ ንምእራግ ዝከይድ ዘሎኹ ኣካል ምዃነይ እንዳ ረኣየ ንምንታይ እዚ ክብለኒ ከኣለ ዝብል ስሚዒት ስለ ዘቃጸለኒ እዩ። ከም ሓቒ ግን እዛ ቓል እዚኣ ጸርፊ ዘይኾነስ ምኽሪ እያ ኔራ ፡ ካልኣይ ግዜ ኣብ ዝተራከብናሉ ግዜ ግን “ኣንታ ዎያ እቲኣስ ፍሕር ዊዒለ ፡ ፍሕር እንተሓደርኩስ ኣብ መጨረሽታ እኾ ማይ ነቲዓ” የቀንየለይ ኢለ ኣስሒቀዮ፡ ስለዚ ኣብ ሓደ ጽሑፍ ቑኑዕ ርኢቶ ምሃብ እቲ ጸሓፋይ ጥራሕ ዘይኾነስ ኣንባባይ’ውን ስለ ዝጥቀመሉ ፡ ቓላትና ውሕልል እንትዝብሉስ ጽቡቕ ኔሩ ። ብኹሉ መዳይ ምዕባይ ዝመስልዎ ነገር የሎን፡ ይቕረታ! ነዞም ሰናይ ሪኢቶታት ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘሎውን ጠቀስቶምን ኣይምልከትን ፡ ብኣንጻሩ እዃ’ደኣ መልእክተይ ነዞም እርንብ ኢሎም ዝወረዱ ርኢቶታ ዘመጉስ እዩ፡
    ሰናይ ቅነ

  • Girmay February 14, 2013

    Hi Emma, you are carrying out your responsibilities with excellent performance. keep it up.
    Girmay

POST A COMMENT